ትምህርቲ 57
ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርካኸ፧
ንየሆዋ ኣጸቢቕካ እተፍቅሮ፡ ዜጕህዮ ኸይትገብር ድማ ዚከኣለካ እትጽዕር እኳ እንተ ዀንካ፡ ሓሓሊፍካ ግና ክትጋገ ኢኻ። ገሊኡ ሓጢኣት ከኣ ከቢድ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ከቢድ ሓጢኣት ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ እታ የሆዋ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕሪ ኣይትቕህምን እያ፣ የግዳስ፡ ይቕረ ኺብለልካን ኪሕግዘካን እዩ ዚደሊ።
1. የሆዋ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ምስ ፈለጡ፡ ብዙሕ ይጕህዩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ በቲ የሆዋ ንህዝቡ፡ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ይጸናንዑ እዮም። (ኢሳይያስ 1:18) ካብ ልብና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ይብለልና እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እንንሳሕ፧ ብልባዊ ጣዕሳ ተደሪኽና፡ ሕማቕ ምግባር ንሓድግን ካብ የሆዋ ይቕረታ ንልምንን ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሓና ግጉይ ኣተሓሳስባ ወይ ልማድ ንምልዋጥ ዚከኣለና ንገብር ኢና፣ ብንጹህ መለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ እውን ንጽዕር ኢና።—ኢሳይያስ 55:6, 7 ኣንብብ።
2. ክንሓጥእ ከለና፡ የሆዋ ብሽማግለታት ገይሩ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ፡ ከቢድ ሓጢኣት ንዚገብር ዘበለ፡ “ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ” ዚብል ምሕጽንታ ሂብዎ ኣሎ። (ያእቆብ 5:14, 15 ኣንብብ።) እዞም እተሸሙ ሰባት ንየሆዋን ንኣባጊዑን ፍቕሪ ኣለዎም። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነዐሪ ድማ ኪሕግዙና ዜኽእል ብቕዓት ኣለዎም።—ገላትያ 6:1።
እሞ ደኣ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ብኸመይ እዮም ሽማግለታት ዚሕግዙና፧ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽማግለታት ብቕዱሳት ጽሑፋት ይእርሙና እዮም። ዳግም ከይንሓጥእ ከኣ ግብራዊ ሓሳባትን መተባብዕን ይህቡና እዮም። ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ገይሩስ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኻብ ጐዳኢ ጽልዋታት ምእንቲ ኼዕቍቡ ኢሎም፡ ነቲ ሰብ ካብ ጉባኤ ይውግድዎ እዮም።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ብዛዕባ እቲ ኸቢድ ሓጢኣት ኣብ እንገብረሉ እዋን የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ መገዲ ዘሎካ ግንዛበን ሞሳን ኣዕዝዝ።
3. ሓጢኣትና ምንዛዝ ክንሓዊ ይሕግዘና
እንገብሮ ዘበለ ሓጢኣት፡ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ፣ ስለዚ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዘሉ ኣሎና። መዝሙር 32:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሓጢኣትና ኽንሓብእ ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ንየሆዋ ኽንናዘዘሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓጢኣትና ንየሆዋ ኣብ ርእሲ ምንዛዝና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ምስ እንደሊ እፎይታ ንረክብ ኢና። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ሽማግለታት ንካኖን፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ ብኸመይ ሓጊዞምዎ፧
ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ግልጽን ሓቀኛታትን ክንከውን ኣሎና፣ ኪሕግዙና እዮም ዚደልዩ። ያእቆብ 5:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ሓቀኛታት ምዃንና፡ ኪሕግዙና ዝቐለለ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧
4. የሆዋ ንሓጥኣን ይምሕሮም
ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ መለክዒታት የሆዋ ምስዓብ እንተ ኣብዩ፡ ካብ ጉባኤ ይውገድ እዩ፣ ንሕና ድማ ምስኡ ኣይንቀራረብን ኢና። 1 ቈረንቶስ 5:6, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ከምቲ ማይ ብሑቝ ንብሑቝ ዜብኵዖ፡ ምስ ዘይንሳሕ ሓጥእ ምቅርራብ ንብዘላ እታ ጉባኤ ዚጸልዋ ብኸመይ እዩ፧
ሽማግለታት ኣብነት እቲ ንዘይፍጹማት ሓጥኣን ምሕረት ዜርኢ የሆዋ ብምስዓብ፡ ነቶም ካብ ጉባኤ እተወገዱ ኺበጽሕዎምን ኪሕግዝዎምን ይጽዕሩ እዮም። ካብ ጉባኤ ተወጊዶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ተግሳጽ ዜሕምም እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ልቦም ኪምለሱ ስለ ዘኽኣሎም ግና፡ ደሓር ናብ ጉባኤ ተመሊሶም እዮም።—መዝሙር 141:5
የሆዋ በቲ ንሓጥኣን ዚሕዘሉ መገዲ ኣቢሉ ሚዛናውን መሓርን ፈቃርን ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
5. ክንንሳሕ ከለና፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና
ሓደ ሰብ ኪንሳሕ ከሎ፡ እዚ ንየሆዋ እንታይ ስምዒት ከም ዚፈጥረሉ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ የሱስ ምሳሌ መሲሉ ኣሎ። ሉቃስ 15:1-7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧
ህዝቅኤል 33:11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ንስሓ እንታይ ኣገዳሲ ስጕምቲ የጠቓልል፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንሽማግለታት ሓጢኣተይ እንተ ነጊረዮም፡ ከይውገድ እፈርህ እየ።”
ከምዚ ንዚስምዖ ሰብ እንታይ ምበልካዮ፧
ጽማቝ
ከቢድ ሓጢኣት ምስ ገበርና፡ ካብ ልቢ እንተ ጕሂናን ሕማቕ ከይንገብር እንተ ቘሪጽናን፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና እዩ።
ክለሳ
ሓጢኣትና ንየሆዋ ኽንናዘዘሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓጢኣትና ምእንቲ ይቕረ ኺብሃለልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ዳህስስ
ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 1:18 እተገልጸ ምሕረት የሆዋ ብኸመይ ኣብ ህይወቱ ኸም ዝረኣዮ ርአ።
ሽማግለታት ነቶም ከቢድ ሓጠኣት ዝገበሩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይጽዕሩ፧
ንዘይንስሑ ሓጥኣን ብኸመይ ፍቕርን ምሕረትን ከም እነርእዮም ርአ።
“ናብ የሆዋ ኽምለስ ነበረኒ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ሓደ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ሰብ፡ የሆዋ መሊሱ ኸም ዝሰሓቦ ዀይኑ ስለምንታይ ከም እተሰምዖ ኣንብብ።