ምዕራፍ ዓሰርተ
“የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ መዓልታዊ ትሓትት ዲኻ፧
1, 2. (ሀ) መንፈሳዊ ዅነታት እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ ከመይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እቶም ሰብ ይሁዳ እንታይ ኪገብሩ እዩ ነይርዎም፧
ኤርምያስ ነብዐ። በቲ ሽዑ ህዝቡ ዝነበሩሉ ዅነታትን በቲ ኣምላኽ ብዛዕባኦም እተነበዮ ትንቢትን እዩ ሓዚኑ። ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ኺበኪ፡ ርእሱ ዔላ ማይ፡ ኣዒንቱ ድማ ፈልፋሊ ኪዀነሉ ተመነየ። በቲ እቲ ህዝቢ ዝነበረሉ ዅነታት እዩ ሓዚኑ። (ኤር. 9:1-3፣ ኤርምያስ 8:20, 21 ኣንብብ።) ኣይሁድ ንሕጊ ኣምላኽ ደርብዮምዎ፡ ንድምጺ የሆዋ እውን ኣይሰምዑን እዮም ነይሮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ መዓት ይመጾም ነበረ።—ኤር. 6:19፣ 9:13።
2 ይኹን እምበር፡ እቶም ‘ኵሉ ደሓን እዩ’ ዚብል ሓደ ደርፊ መራሕቲ ሃይማኖቶም ኪሰምዑ ዚፈትዉ ህዝቢ ይሁዳ፡ የሆዋ ብዛዕባ ኣካይዳኦም እንታይ ከም ዚሓስብ ኣየገድሶምን እዩ ነይሩ። (ኤር. 5:31፣ 6:14) ጥዑም ቃላት ዚዛረብ ግን ከኣ ኣርዚንካ ኺርአ ዚግባእ ምልክታት ዕሽሽ ዚብል ሓኪም ከም ዚደልዩ ሕሙማት እዮም ነይሮም። ሕማም እንተ ዚብርትዓካ፡ ብእዋኑ ምእንቲ ኽትሕከም፡ ብልክዕ ክትምርመርዶ ኣይምደለኻን፧ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ፡ እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታቶም ብልክዕ እተዋህበ ገምጋም እዩ ዜድልዮም ነይሩ። “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ኪሓቱ ነይርዎም።—ኤር. 2:6, 8 NW።
3. (ሀ) ኣይሁድ ነታ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶ ብኸመይ ምላሽ ኪህቡላ ይኽእሉ ነይሮም፧ (ለ) ሓደ ኻብቲ ኣይሁድ ንየሆዋ ዚደልዩሉ መገዲ እንታይ እዩ ነይሩ፧
3 ኣይሁድ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ኪሓቱ ኺበሃል ከሎ፡ ኣብ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ውሳነታቶም ካብ ኣምላኽ መምርሒ ይደልዩ ማለት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ከምኡ ኣይገበሩን። እንተዀነ ግን፡ የሩሳሌም ድሕሪ ምብዳማን ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱን፡ ‘ንየሆዋ ኺደልይዎ’ ነበሮም። በዚ ኸምዚ፡ ኪረኽብዎን መገድታቱ ኺፈልጡን ይኽእሉ ነበሩ። (ኤርምያስ 29:13, 14 ኣንብብ።) ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ሓደ መገዲ፡ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ካብ ልቦም ናብኡ ብጸሎት ምቕራብ እዩ ነይሩ። ንጉስ ዳዊት ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ነበሮ። ንየሆዋ፡ “ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፡ መገድታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ሓቲትዎ እዩ። (መዝ. 25:4) እቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ ኣምላኽ ኣብ ዓስረይቲ ዓመቱ ንንጉስ ጼድቅያስ ብኤርምያስ ኣቢሉ ዘቕረቦ ጻውዒት እሞ ኣስተብህለሉ። “ጸውዓኒ እሞ ኺመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስዉርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ” በለ። (ኤር. 33:3) እቲ ንጉስን እቲ ኸሓዲ ህዝብን ናብ ኣምላኽ እንተ ዚጽውዑ ነይሮም፡ ንሱ እውን ብዛዕባ ምብዳም የሩሳሌምን ብዛዕባ እቲ ድሕሪ 70 ዓመት ዚግበር ምሕዳስን ዚምልከት ‘ዘይፈልጥዎ’ ነገር ምነገሮም ነይሩ።
4, 5. ህዝቢ ኣምላኽ በየናይ ካልእ መገድታት እዮም ንየሆዋ ኺደልይዎ ዚኽእሉ ነይሮም፧
4 ኣይሁድ ንየሆዋ ኺደልዩሉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ታሪኽ ምምርማር እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሞገስ ኣምላኽ ዘምጽአን ቍጥዓኡ ዘለዓዓለን እንታይ ምዃኑ ኺዝክሩ ምኸኣሉ ነይሮም። ከመይሲ፡ ጽሑፋት ሙሴ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሓያሎ ታሪኻዊ ጸብጻባትን ብዛዕባ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ዚገልጽ መዛግብትን ነይርዎም እዩ። እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብዛዕባ እዚ ጸብጻባት እዚ ብምስትንታንን ነቶም ናይ ሓቂ ነብያት ኣምላኽ ብምስማዕን፡ ንመልሲ እታ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶ ኸስተውዕልዎ ምኸኣሉ ነይሮም።
5 እቶም ኣይሁድ ንየሆዋ ኺደልዩሉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሳልሳይ መገዲ ኸኣ፡ ካብ ናይ ብሕቶምን ናይ ካልኦትን ተመክሮታት ትምህርቲ ምቕሳም እዩ ነይሩ። እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ንዅሉ ነገራት ብሃሰሰ ለባም ኪመሃርዎ ነይርዎም ማለት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ነገራትን የሆዋ ብኸመይ ከም ዝረኣዮን ብምምርማር ኪመሃሩ ምኸኣሉ ነይሮም ማለት እዩ። መስተብሃልቲ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ኣምላኽ ንኣካይዳኦም ብኸመይ ከም ዝረኣዮ መስተውዓሉ።—ምሳ. 17:10።
6. ካብቲ እዮብ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ መተባብዒ ኢኻ እትረክብ፧
6 ነዚ ናብ ግዜና እሞ ነምጽኣዮ። ውሳነታት ክትገብር ከለኻን መገድኻ ኽትመርጽ ከለኻን፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ ኣዘውቲርካ ትሓትትዶ ኢኻ፧ ገሊኣቶም ከምቲ ዚድለ ገይሮም እዚ ሕቶ እዚ ኸም ዘይሓቱ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ንዓኻ እውን ብመጠኑ ኸምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ እሙን ዝነበረ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝዀነ እዮብ እውን ከምኡ ይስምዖ ነይሩ እዩ። ጸቕጥታት ምስ በዝሖ፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ኪሓስብ ጀመረ። ኤሊሁ ንእዮብ፡ “ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ዚብል የልቦን” ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዘሎ ልሙድ ኣተሓሳስባ ኣዘኻኸሮ። (እዮ. 35:10) “ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕ፡ ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ” ኢሉ ኸኣ ኣተባብዖ። (እዮ. 37:14) እዮብ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝነበረ ፍጥረታትን ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ኣብ ዝነበሮ ርክብን ዚርአ ዝነበረ መስተንክር ግብርታት የሆዋ ኺዕዘብ የድልዮ ነበረ። ካብ ተመክሮታቱ ኸኣ መገድታት የሆዋ ኣስተውዓለ። ንፈተናታቱ ብጽንዓት ምስ ተዓገሰን የሆዋ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝሓዞ ምስ ተገንዘበን ከኣ፡ “ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ። ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” በለ።—እዮ. 42:3, 5።
7. ከምቲ ኣብ ገጽ 116 ተሳኢሉ ዘሎ፡ ቀጺልና እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
7 ነብዪ ኤርምያስ እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኻብ ምድላይ ዓዲ ኣይወዓለን፣ ኪረኽቦ ድማ ከኣለ። ኣብ ኵሉ እቲ ብተኣማንነት ዝገበሮ ኣገልግሎቱ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ይሓትት ስለ ዝነበረ፡ ካብቶም ደቂ ዓዱ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ቀጺልና ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ብጸሎትን መጽናዕትን ብሕታዊ ተመክሮታትን ኣቢልና፡ ንየሆዋ ብኸመይ ክንደልዮን ክንረኽቦን ከም እንኽእል ካብ ኣብነት ኤርምያስ ክንመሃር ኢና።—1 ዜና 28:9።
“የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ ምሕታት ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኣይሁድ ብኸመይ እዮም ከምኡ ኢሎም ኪሓቱ ዚኽእሉ ነይሮም፧
ኤርምያስ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀረበ
8. ኤርምያስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ዝቐረበ፧
8 ኤርምያስ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ንህዝቢ ይሁዳ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ንየሆዋ ደለዮ። ነቲ ብብዙሓት ዘይፍቶ ዝነበረ መልእኽቲ ኺእውጅ ምስ ተመዘዘ፡ ንጥፈታቱ ኪቕጽል ዘይክእል ኰይኑ ምስ ተሰምዖ፡ ከምኡውን ገሊኡ ነገራት እተፈጸመሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺፈልጥ ምስ ደለየ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ቀሪቡ እዩ። ኣምላኽ ንጸሎቱ መሊሱሉ፡ ንጥፈታቱ ብኸመይ ኪቕጽል ከም ዚኽእል ከኣ መምርሒ ሂብዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።
9. (ሀ) ኤርምያስ ኣብ ኤርምያስ 15:15, 16፡ ስምዒቱ ብኸመይ ገለጸ፡ የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ (ለ) ብጸሎት ስምዒታትካ ኽትገልጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧
9 ሓደ እዋን ንኤርምያስ መልእኽቲ ዅነኔ ኺእውጅ ምስ ተነግሮ፡ ኵሉ ሰብ ዚረግሞ ዝነበረ ዀይኑ ተሰምዖ። ስለዚ ኸኣ፡ “ዘክረኒ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጠርዐ። ነቲ ኣብ ኤርምያስ 15:15, 16 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸሎቱ መርምሮ፣ ኣብኡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚረኽቦ መልሲ ኸመይ ከም ዚስምዖ ነጊሩና ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣብቲ ጸሎት እቲ እተሰምዖ መሪር ጓሂ ገሊጹ ኣሎ። እንተዀነ ግን፡ ቃላት ኣምላኽ ረኺቡ ብምሳልያዊ መገዲ ምስ በልዖ፡ ተሓጐሰ! የሆዋ ንኤርምያስ፡ ነቲ ስም ኣምላኽ ብምጻርን መልእኽቲ ኣምላኽ ብምእዋጅን ዝረኸቦ ፍሉይ መሰል ኣኽቢሩ ኺርእዮ ሓገዞ። የሆዋ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣበይ ከም ዝነበረ፡ ኤርምያስ ኣነጺሩ ኺርኢ ኸኣለ። ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧
10. ነብዪ ኤርምያስ ደጊም ብስም ኣምላኽ ከይዛረብ ምስ ወሰነ፡ ኣምላኽ ብኸመይ መለሰሉ፧
10 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ ኻህን ዝነበረ ጳሽሑር ወዲ ኢሜር፡ ንኤርምያስ ምስ ወቕዖ፡ ኤርምያስ ደጊም ብስም የሆዋ ኸይዛረብ ወሰነ። ኤርምያስ ስምዒቱ ብጸሎት ምስ ገለጸ፡ ኣምላኽ ብኸመይ መለሰሉ፧ (ኤርምያስ 20:8, 9 ኣንብብ።) ካብ ሰማይ ከም እተዛረቦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዓጻጽምቲ ኤርምያስ ተዓጽዩ ኸም ዚነድድ ሓዊ ስለ ዝዀኖ፡ ኪእውጆ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኪብል ኣይከኣለን። እወ፡ ስምዒቱ ኸይሓብአ ንኣምላኽ ስለ ዝገለጸን በቲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ስለ እተደረኸን፡ ነቲ ኣምላኽ ኪገብሮ ዝደልዮ ዝነበረ ነገራት ኪገብር ተለዓዓለ።
11, 12. ኤርምያስ፡ እኩያት ይሰልጦም ከም ዘሎ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ ንዘበገሶ ሕቶ፡ መልሲ ዝረኸበሉ ብኸመይ እዩ፧
11 ኤርምያስ ንረሲኣን ኪሰልጦም ምስ ረኣየ፡ ብሕቶ ኣእምሮኡ ተናወጸ። (ኤርምያስ 12:1, 3 ኣንብብ።) ንጽድቂ የሆዋ ኣብ ሕቶ እኳ እንተ ዘየእተዎ፡ ‘ንመጐተኡ’ መልሲ ኺወሃቦ ግን ደለየ። ኤርምያስ ስምዒቱ ኸይሓብአ ምግላጹ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉድ ምስ ፈቃር ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ከም ዝነበሮ ዜነጽር እዩ። ብዙሓት ኣይሁድ እኩያት ክነሶም ስለምንታይ ይብልጽጉ ኸም ዝነበሩ ኣይተረድኦን። እሞኸ ዜዕግብ መልሲ ረኺቡዶ፧ የሆዋ ነቶም እኩያት ኪምንቍሶም ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። (ኤር. 12:14) ኤርምያስ፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት ኪምለስ ከሎ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ፍትሒ ኣምላኽ ዘለዎ ምትእምማን ደልዲሉ ኪኸውን ኣለዎ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ደጋጊሙ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ብምቕራብ፡ ስምዒቱ ገሊጹ ኪኸውን ኣለዎ።
12 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ንግስና ጼድቅያስ፡ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ምስ ከበብዋ፡ ኤርምያስ ንየሆዋ፡ “ንስኻ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዶምን ከከም ፍረ ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም፡ . . . ኣዒንትኻ . . . ኣብ ኵለን መገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን” በሎ። (ኤር. 32:19) የሆዋ ኣብ ጕዳይ ፍትሒ ኣበይ ከም ዝነበረ፡ ማለት ንተግባራት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይርኢ፡ ንልባዊ ጸሎት ኣገልገልቱ ኸኣ ይሰምዕ ከም ዝነበረ፡ ኤርምያስ ኬስተውዕል ክኢሉ እዩ። ኣገልገልቱ እውን፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዶምን ከከም ፍረ ግብሮምን” ከም ዚህቦም ብዙሕ መርትዖታት ርእዮም እዮም።
13. ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም እትተኣማመን ስለምንታይ ኢኻ፧
13 ብዛዕባ ፍትሒ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንፍቓዱ ዚፍጽመሉ ጥበብን ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ዘሎና ኣይመስለናን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ነገራት ምስ እነስተንትንን ኣብ ውሽጥና ኸመይ ከም ዚስምዓና ኣብ ጸሎትና ምስ እንጠቕሶን፡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ስምዒትና በዚ መገዲ እዚ ምጥቃስና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና ምትእምማን የደልድለልና፡ ፍቓዱ ኸም ዚፍጸም ድማ ርግጸኛታት ንኸውን። ዋላ እውን ነዚ ሕጂ ዘሎ ምዕባለታት ወይ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ኣገባብ ኣጸቢቕና እንተ ዘይተረዳእናዮ፡ ኵሉ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምዃኑ ዘሎና ምትእምማን ብጸሎት ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ፍቓዱ በቲ ንሱ ዝበለጸ ዚብሎ መገድን ፍጥነትን ኪፍጸም እዩ። እዚ ርግጽ ስለ ዝዀነ፡ ዜጠራጥር ምኽንያት የብልናን። ፍቓዱ ንኽንርዳእን እዚ ዚፍጸመሉ መርትዖ ንኸነስተውዕልን ጸሎት እተሓወሶ ጻዕሪ ብምግባር፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልና ኻብ ምሕታት ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና።—እዮ. 36:5-7, 26።
ካብቲ ኤርምያስ ንየሆዋ ብጸሎት ብምድላይ ዘሕለፎ ተመክሮታት እንታይ መረጋገጺ ኢኻ እትረክብ፧
ኤርምያስ ንልቡ ፍልጠት መገቦ
14. ኤርምያስ ብዛዕባ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ምርምር ከም ዝገበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧
14 ኤርምያስ ምስታ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶ ብእተኣሳሰረ፡ ‘ንየሆዋ ምፍላጥ’ ዘለዎ ኣድላይነት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ኤር. 9:24) ነዘን ሕጂ 1 ነገስትን 2 ነገስትን ተባሂለን ዚፍለጣ መጻሕፍቲ ኼዳሉ ኸሎ፡ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ኣጽኒዑ ኪኸውን ኣለዎ። “መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞን፡” “መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል፡” ከምኡውን “መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳ” ብንጹር ጠቒሱ ኣሎ። (1 ነገ. 11:41፣ 14:19፣ 15:7) እምበኣር፡ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንታይ ከም ዝገበረ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ንየሆዋ እንታይ ከም ዜሐጕሶን ብዛዕባ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ውሳነ ኸመይ ከም ዚስምዖን፡ ኤርምያስ ኬስተውዕል ክኢሉ እዩ። እኒ ሙሴ፡ እያሱ፡ ሳሙኤል፡ ዳዊት፡ ሰሎሞን ዘዳለውዎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት እውን ኪውከስ ይኽእል ነበረ። ብዛዕባ እቶም ኣቐዲሞምን ብግዜኡን ዝነበሩ ነብያት ፍልጠት ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን እዩ። እዚ ብሕታዊ መጽናዕቱ ብኸመይ እዩ ጠቒምዎ፧
15. ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኤልያስ እተነበዮ ትንቢት ካብ ዝገበሮ መጽናዕቲ እንታይ ጥቕሚ ረኺቡ ኪኸውን ይኽእል፧
15 ኤርምያስ ዛንታ እታ ኢዛቤል ዝስማ እክይቲ ሰበይቲ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ መዝጊቡ ኣሎ። ኣብቲ ንሱ ዝመዝገቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ከም ዚበልዕዋ ዚሕብር ኤልያስ እተዛረቦ ነገር ጽሒፉ ኣሎ። (1 ነገ. 21:23) እቲ ኤርምያስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ከኣ፡ ድሕሪ 14 ዓመት፡ ኢዛቤል ብመስኰት ከም እተደርበየትን ብፈረስ የሁ ኸም እተረግጸትን ብኣኽላባት ከም እተበልዐትን ይሕብረና። (2 ነገ. 9:31-37) ኤርምያስ ነቲ ኤልያስ እተነበዮ ትንቢትን ንፍጻሜኡን ብዝርዝር ምምርማሩ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ። እወ፡ ከም ነብዪ መጠን ብጽንዓት ኪመላለስ ዝኸኣለ፡ እምነቱ ኣብቲ ሕሉፍ ንጥፈታት የሆዋ ብዝገበሮ መጽናዕቲ ስለ እተሃንጸት እዩ።
16, 17. ኤርምያስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ እኩያት ነገስታት ብጽንዓት ዘጠንቀቖም ስለምንታይ ይመስለካ፧
16 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ኤርምያስ ሓሳረ መከራ እናጸገበ ኽነሱ፡ ንኸም ዮኣቂምን ጼድቅያስን ዝኣመሰሉ እኩያት ነገስታት መጠንቀቕታ ኺህቦም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ኺገብር ዘኽኣሎ ቐንዲ ምኽንያት፡ የሆዋ ንነገስታት ይሁዳ “ኸም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን” ገይሩ ስለ ዘቘሞ እዩ። (ኤር. 1:18, 19) ኰይኑ ግን፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ንግስና እቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ሰፊሕ ምርምር ከም ዝገበረ ኣይንረስዕ። ምናሴ “ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ . . . ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት” ከም ዝሰርሓሎም፡ ንወዱ ብሓዊ ኸም ዘሕለፎ፡ ብዙሕ ንጹህ ደም ከኣ ከም ዘፍሰሰ፡ ኤርምያስ መዝጊቡ እዩ። (2 ነገ. 21:1-7, 16፣ ኤርምያስ 15:4 ኣንብብ።) እንተዀነ ግን፡ ምናሴ ርእሱ ምስ ኣትሓተን ናብ የሆዋ ምስ ተማህለለን፡ ‘የሆዋ ኸም ዝራሕረሓሉን’ ናብ ቦታኡ ኸም ዝመለሶን፡ ኤርምያስ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—2 ዜና መዋእል 33:12, 13 ኣንብብ።
17 ኤርምያስ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፋት፡ የሆዋ ንምናሴ ኸም ዝመሓሮ ኣይጠቐሰን። ኰይኑ ግን፡ ምናሴ ኻብቲ ኤርምያስ ኪንበ ዝጀመረሉ 15 ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ እዩ ሞይቱ። ስለዚ፡ ነብዪ ኤርምያስ፡ እቲ ንጉስ በቲ ዝሓለፈ እከዩ ኸም እተነስሐ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኽፉእ ኣኻይዳ ምናሴን እዚ ዘስዓቦ ሳዕቤንን ምርምር ምግባሩ፡ ንኸም ጼድቅያስ ዝኣመሰሉ ነገስታት፡ ምሕረትን ሳህልን የሆዋ ንኺደልዩ ምምሕጻን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኺርዳእ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብኣምልኾ ጣኦትን ብምፍሳስ ደምን ዕሉል ዝነበረ ንጉስ እውን ከይተረፈ፡ ኪንሳሕን ይቕረታ ኺረክብን ክኢሉ እዩ። ኣብ ቦታ ኤርምያስ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ታሪኽ ምናሴ ምፍላጥካ፡ ካልኦት ክፉእ ዝገበሩ ነገስታት ኣብ ዝነገሱሉ እዋን ንኽትጸንዕ መተባብዓካዶ፧
ካብ ተመክሮ ተማህረ
18. ኤርምያስ ካብ ኣብነት ኡርያ እንታይ እዩ ተማሂሩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ኸምኡ ኢልካ እትምልስ፧
18 ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ካብ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ብርግጽ ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ኻብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ነብዪ ኡርያ እዩ ነይሩ። እዚ ነብዪ እዚ ብግዜ ንጉስ ዮኣቂም፡ ኣንጻር የሩሳሌምን ይሁዳን ተነበየ። ኰይኑ ግን፡ ንንጉስ ዮኣቂም ስለ ዝፈርሆ፡ ናብ ግብጺ ሃደመ። እቲ ንጉስ ግን ናብ ግብጺ ሰባት ልኢኹ ንኡርያ ኣምጸኦ፡ ኣቕተሎ ድማ። (ኤር. 26:20-23) ኤርምያስ ካብዚ ንኡርያ ዘጋጠሞ ነገራት እተማህረዶ ይመስለካ፧ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት ንኣይሁድ ካብ ምጥንቃቕ ዘይምቍራጹ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ እውን ከይተረፈ የጠንቅቖም ምንባሩ፡ ካብቲ ንኡርያ ዘጋጠሞ ኸም እተማህረ እዩ ዜረጋግጽ። ኤርምያስ ብትብዓት ተመላለሰ፡ የሆዋ እውን ኣይሓደጎን። ኣምላኽ ንህይወት እቲ ተባዕ ዝነበረ ኤርምያስ ንምዕቋብ፡ ንኣሂቃም ወዲ ሻፋን ደሪኽዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ኤር. 26:24።
19. ኤርምያስ ካብቲ የሆዋ ኸይተሓለለ ነብያቱ ናብ ህዝቡ ብምልኣኽ ዚገብሮ ዝነበረ ተግባር እንታይ ኪርዳእ ክኢሉ፧
19 ኤርምያስ ካብቲ ንሰባት ንኼጠንቅቕ የሆዋ ኺጥቀመሉ ኸሎ ዘሕለፎ ተመክሮ እውን ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ራብዓይ ዓመት ንጉስ ዮኣቂም፡ የሆዋ ንኤርምያስ፡ ኵሉ እቲ ኻብ ዘመን ዮስያስ ጀሚሩ እተዛረቦ ቓላት ኪጽሕፍ ነገሮ። ኣምላኽ ነዚ መምርሒ እዚ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ ንሰባት ካብ ክፉእ መገዶም ኪምለሱን ይቕረታ ኺረኽቡን ንምትብባዕ እዩ። (ኤርምያስ 36:1-3 ኣንብብ።) እቲ ኻብ ኣምላኽ መጠንቀቕታ ንምብጻሕ ኣንጊሁ ዝተንስአ ኤርምያስ እሞ ኸኣ፡ ነቲ ርኹስ ተግባራቶም ኪሓድግዎ ለሚንዎም እዩ። (ኤር. 44:4) ኤርምያስ ካብ ተመክሮኡ ብምብጋስ፡ ኣምላኽ ንነብያት ዝለኣኾም፡ ካብቲ ንህዝቡ ዘለዎ ርሕራሐ ተላዒሉ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ከም ዘለዎስ ንጹርዶ ኣይኰነን፧ እዚኸ ንኤርምያስ ርሕሩሕ ኪኸውንዶ ኣይደረኾን፧ (2 ዜና 36:15) እምበኣር፡ ኤርምያስ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ምስ ደሓነ፡ “ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ” ኺብል ዝኸኣለ ስለምንታይ ምዃኑ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ።—ድጕ. 3:22, 23።
ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮ ነገራትን ብዛዕባ እቲ ንሱን ካልኦት ሰባትን ዘሕለፍዎ ተመክሮን ምስትንታኑ ብኸመይ ጠቒምዎ ኪኸውን ኣለዎ፧ ንሕና ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧
ንስኻኸ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ መዓልታዊ ትሓትት ዲኻ፧
20. ኣብነት ኤርምያስ ብምስዓብ ንየሆዋ እትደልዮ ብኸመይ ኢኻ፧
20 ኣብቲ መዓልታዊ ዜጋጥመካ ውሳነታት፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽትደሊ፡ ወይ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትጽዕር ዲኻ፧ (ኤር. 2:6-8) ኤርምያስ ከምቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ስለ ዘይነበረ፡ ናበይ ገጹ ኸም ዚኸይድ ንምፍላጥ፡ ወትሩ ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓገዝ ይደሊ ነበረ። ነፍሲ ወከፍና ኣብነት ኤርምያስ ብምስዓብ መዓልታዊ ኣረኣእያ የሆዋ ንምፍላጥ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ጥበባዊ ውሳነ ኸም እንገብር ኣየጠራጥርን እዩ።
21. ኣብ ኣገልግሎትካ ሕማቕ ምላሽ ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ዓይነት ጸሎት እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧
21 እዚ ኣብዚ እንዛረበሉ ዘለና ውሳነ፡ ናይ ግድን ብዛዕባ ዓብዪ ጕዳይ ወይ ንህይወትና ዚቕይር ነገር ኪኸውን ኣየድልን እዩ። ንኣብነት፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትከይድ ኣብ ዝመደብካላ ዕለት ብዛዕባ እትገብሮ ውሳነ ንየሆዋ ኽትደልዮ ይግባኣካዶ፧ ምናልባት ካብ ድቃስካ ምስ ተበራበርካ፡ ሰማይ ድብንብን ኢሉ ትርእዮ፡ እዚ ኸኣ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዘይጥዕም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኪሽፈን እተመደበ ኽሊ፡ ብተደጋጋሚ እተሸፈነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት መልእኽትኻ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ ብዝዀነ ትሕትና ገይሮም፡ ወይ እውን ስነ-ስርዓት ብዝጐደሎ ኣዘራርባ ገይሮም ነጺጎምኻ ይዀኑ። በታ ንግሆ እቲኣ፡ ብጸሎት ኣቢልካ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእልዶ፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ብዛዕባ ጽባቐ እቲ እተብጽሖ መልእኽቲ ንኽትሓስብን ነቲ መልእኽቲ እቲ ምእዋጅካ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንኸተስተውዕልን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ ቃል የሆዋ ኸምቲ ንኤርምያስ ዝዀነሉ፡ ንዓኻ እውን ሓጐስካን ፍስሃኻን ይዀነልካ። (ኤር. 15:16, 20) ኣብ ኣገልግሎትካ ሓደ ሕሱም ወይ ዜፍርህ ሰብ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብጸሎት ኣቢልካ ስምዒትካ ንኣምላኽ እንደገና ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ኸምኡ ኽትገብር ዲኻ፧ ግቡእ ምላሽ ምእንቲ ኽትህብ፡ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ፣ መልእኽቲ ኣምላኽ ንኽትዛረብ ዘሎካ ድሌት ድማ ንዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒት ኪዕብልሎ እዩ።—ሉቃ. 12:11, 12።
22. ገሊኡ ጸሎት ኪዕገት ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
22 ገሊኡ ጸሎት ኪጐናደብ ወይ ኪዕገት ከም ዚኽእል ክንፈልጥ ኣሎና። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:44 ኣንብብ።) እቶም ዓለወኛታት ኣይሁድ ካብ የሆዋ ‘እዝኖም ይመልሱን’ ብዓመጻ ይመላለሱን ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን። (ምሳ. 28:9) ካብዚ ዚርከብ ትምህርቲ ንኤርምያስ ንጹር ኰይኑሉ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንዓና እውን ንጹር ኪዀነልና ኣለዎ። ሓደ ሰብ ምስ ጸሎቱ ተሰማሚዑ ዘይመላለስ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ተግባር እዚ ንኣምላኽ ኬጕህዮን ጸሎት እቲ ሰብ ከም ዘይሰምዕ ኪገብሮን ይኽእል እዩ። ዝገበርና ጌርና ናብዚ ኺመርሓና ኻብ ዚኽእል ነገራት ክንርሕቕ ከም እንደሊ መቸም ዜጠራጥር ኣይኰነን።
23, 24. (ሀ) ፍቓድ የሆዋ ንኽንፈልጥ ዜድልየና መሰረታዊ ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) ብሕታዊ መጽናዕትኻ ዝያዳ ጠቓሚ ኽትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
23 ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ የሆዋ መምርሒ ንምርካብ እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት፡ ነቲ ፍቓድ የሆዋ ንኽንፈልጥ ወሳኒ ረቛሒ ዝዀነ ብሕታዊ መጽናዕትና ኸነቋርጽ የብልናን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብ ኤርምያስ ዝሓሸ ዅነታት ኣሎና። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ከምቲ ኤርምያስ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ታሪኻዊ ጸብጻባት ኪምዝግብ ከሎ ዓሚቝ ምርምር ዝገበረ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ እናሓተትካ ንቓል ኣምላኽ ክትምርምሮን መለኮታዊ መምርሒ ኸተናድን ትኽእል ኢኻ። ፍቓድ የሆዋ ኽትመሃር ጻዕሪ እንተ ጌርካ፡ ኣብኡ ስለ እትውከል፡ “ከምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም” ክትከውን ኢኻ።—ኤርምያስ 17:5-8 ኣንብብ።
24 ቅዱሳት ጽሑፋት ከተንብብን ከተስተንትነሉን ከለኻ፡ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንታይ ክትገብር ከም ዚደልየካ ኸተስተውዕል ፈትን። ክትዝክሮን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን እትደሊ መሰረታዊ ስርዓታት ከተናዲ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ታሪኻዊ ጸብጻባትን መለኮታዊ ትእዛዛትን ስርዓታት ኣምላኽን ጥበባዊ ቓላትን ከተንብብ ከለኻ፡ እቲ እተንብቦ ንመዓልታዊ ውሳነታትካ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚግባእ ሕሰብ። ኣምላኽ ነታ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶኻ መልሲ ኺህበካ ኸሎ፡ ንዜጋጥመካ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ጌርካ ብኸመይ ከም እትሰግሮ ኺገልጸልካ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቐዲምካ “ዘይትፈልጦ ዓብይን ስዉርን ነገር” ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።—ኤር. 33:3።
25, 26. ተመክሮታት ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
25 ብተወሳኺ፡ ናይ ርእስኻን ናይ ካልኦትን ተመክሮታት እውን ኣብ ግምት ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ከም ኡርያ ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዘቋረጹ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ። (2 ጢሞ. 4:10) ካብቲ መገዶም ክትመሃርን ካብ ተመሳሳሊ ሕማቕ ሳዕቤን ከተምልጥን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ኤርምያስ ንምሕረትን ርሕራሐን ኣምላኽ ዘማሰወሉ፡ ነቲ የሆዋ ዝገበረልካ ሳህሊ ወትሩ ዘክሮ። ኵነታትካ ሽሕ ሳዕ ይጽበብ ብዘየገድስ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ከም ዘይሓልየልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ከምቲ ንኤርምያስ ዝሓለየሉ፡ ንዓኻ እውን ብርግጽ ይሓልየልካ እዩ።
26 ነቲ ሎሚ የሆዋ ምስ ውልቀ-ሰባት ዘለዎ ርክብ ከተስተንትነሉ ኸለኻ፡ ብእተፈላለየ መገዲ መዓልታዊ መምርሒ ኸም ዚህቦም ከተስተውዕል ኢኻ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትነብር ኣኪ ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ፡ ክርስትያን ክትከውን ዘይትበቅዕ ኰይኑ ተሰምዓ። ሓደ መዓልቲ ምስ ሰበይቲ ሓላው ወረዳ ኸተገልግል ከላ፡ “የሆዋ ኻብ ኣፉ ጡፍ ኪብለኒ ኸም ዝደለየ፡ ግን ከኣ ንእሽቶ ግዜ ኺህበኒ እናለመንክዎ ኣብ ጫፍ ከንፈሩ ጠልጠል ኢለ ኸም ዘለኹ እዩ ዚስምዓኒ” በለታ። እታ ሰበይቲ ሓላው ወረዳ ንኣኪ ዓይኒ ዓይና እናጠመተት፡ “ልብጥቲ ክርስትያን ከም ዝዀንኪ ገይረ ርእየኪ ኣይፈልጥን እየ” በለታ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ኣኪ ነቲ ዜጸናንዕ ሓሳባት ኣስተንተነትሉ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ኸም ልብጥቲ ገይሩ ኸም ዝረኣያ ዚእምት ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይረኸበትን። ድሕሪኡ፡ “ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ለኣኸኒ። ዝደለኻዮ ዘበለ ኽገብር እየ” ኢላ ናብ የሆዋ ጸለየት። ኣጋ ሽዑ ኣቢሉ፡ ንእሽቶ ጕጅለ ጃፓንኛ ናብ ዚርከበላ ወጻኢ ሃገር ከደት፣ እቶም ኣብታ ጕጅለ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ቛንቋ ዚዛረብን ምሳታቶም ዜገልግልን ሰብ የድልዮም ነበረ። ኣኪ ኣብታ ሃገር እተወልደት ብምዃና፡ ብቐሊሉ ናብታ ዓዲ ኽትግዕዝን ክትሕግዞምን ከኣለት። መዕረፊ ግን የድልያ ነበረ። ሓንቲ ጓላ ናብ ካልእ ቦታ ዝገዓዘት ሓብቲ ኸኣ፡ ሓንቲ ኽፍሊ ሃበታ። ኣኪ፡ “ኵሉ ነገራት እዩ ተገጣጢሙለይ፣ የሆዋ መገዲ ጸሪጉለይ እዩ” በለት።
27. በታ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶ ኽትድረኽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
27 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን መምርሒ ኣምላኽ ዝረኸቡሉ ኣጋጣሚታት ኬዘንትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺገብሩ ኸለዉ እዮም ነዚ መምርሒ እዚ ረኺቦምዎ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረካ ርክብ ኬደልድሎ፡ ብዝያዳ ብጸሎት ንኽትቀርቦ ኸኣ ኪድርኸካ ይግባእ። “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልና መዓልታዊ ብዝሓተትና መጠን፡ ንሱ መገዱ ኸም ዜርእየና ተኣማመን።—ኢሳ. 30:21።
ነታ፡ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶ ኸመይ ጌርካ መልሲ ኽትረኽበላ ትኽእል፧ ካብ የሆዋ መምርሒ ኽትደሊ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧