ኤርምያስ
33 ኤርምያስ ገና ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኻልኣይ ሳዕ መጾ፦+ 2 “እቲ ንምድሪ ዝገበራ የሆዋ፡ እቲ ዝደኰናን ብጽኑዕ ዝሰረታን የሆዋ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኸምዚ ይብል፦ 3 ‘ጸውዓኒ እሞ ኽምልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ምርዳኡ ዘይከኣልን ነገር ድማ ብቐሊሉ ኽነግረካ እየ።’”+
4 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ብዛዕባ እቲ ብሰሪ ዕርዲ ኸበባን ብሰሪ ሰይፍን ዚፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡+ 5 ብዛዕባ እቶም ምስ ከለዳውያን ኪዋግኡ ዚመጹን ነዚ ቦታታት እዚ ብሬሳታት እቶም ብቝጥዓይን ብነድረይን ዝቐተልክዎም ዚመልእዎን ብሰሪ እከዮም ገጸይ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ዝሓብእ ዝገበሩንን ከምዚ ይብል፦ 6 ‘እንሆ፡ ክፍውሳን ከጥዕያን እየ።+ ከሕውዮም፡ ብዙሕ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።+ 7 ንምሩኻት ይሁዳን ንምሩኻት እስራኤልን ከኣ ክመልስ እየ፣+ ከም ኣብ መጀመርታ ድማ ክሃንጾም እየ።+ 8 ካብ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደል ከንጽሆም፡+ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደልን ኣበሳኦምን ከኣ ይቕረ ኽብል እየ።+ 9 ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ነቲ ኣነ ዝሃብክዎም ኵሉ ጽቡቕ ዝሰምዑ ኣህዛብ ምድሪ፡ ስም ፍስሃን ውዳሰን ጽባቐን ክትኰነኒ እያ።+ ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት እቲ ዝህባ ዅሉ ጽቡቕን ሰላምን፡+ ኪርዕዱን ራዕራዕ ኪብሉን እዮም።’”+
10 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እትብላ ቦታ እዚኣ፡ ኣብተን ሰብን ነባርን ማልን ዘይብለን እትብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ጐደናታት የሩሳሌምን፡ ከም ብሓድሽ ደሃይ ኪስማዕ እዩ፣ 11 እወ፡ ደሃይ ፍስሃን ደሃይ ታሕጓስን፡+ ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን፡ ድምጺ እቶም፡ “የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ!” ዚብሉን ኪስማዕ እዩ።’
“‘ንምሩኻት እዛ ምድሪ፡ ከም ኣብ መጀመርታ ኽመልሶም እየ እሞ፡ መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም’+ ይብል የሆዋ።”
12 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እዚኣን ኣብ ኵለን ከተማታታን፡ ከም ብሓድሽ ጓሶት ንመጓሰታቶም ዜዕርፉሉ መጓሰዪ ኺህሉ እዩ።’+
13 “‘ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ቈላን ኣብ ከተማታት ደቡብን ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን+ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፡+ መጓሰ ብትሕቲ ኢድ እቲ ዚቘጽረን ኪሓልፋ እየን’ ይብል የሆዋ።”
14 “‘እንሆ፡ ነቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝኣቶኽዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።+ 15 ‘በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትን፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል* ከብቍለሉ እየ፣+ ንሱ እውን ኣብታ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።+ 16 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ይሁዳ ኺድሕን እዩ፡+ የሩሳሌም ከኣ ብደሓን ክትነብር እያ።+ ከምዚ ተባሂላ ድማ ክትጽዋዕ እያ፦ የሆዋ ጽድቅና እዩ።’”+
17 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ካብ ዳዊት ኣብ ዝፋን ቤት እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ፣+ 18 ካብ ሌዋውያን ካህናት እውን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርብን መስዋእቲ እኽሊ ኼትክኽን መስዋእቲ ሕሩድ ኬቕርብን ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ኣይኬቋርጽን እዩ።’”
19 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 20 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘መዓልትን ለይትን በብግቡእ ግዜኡ ኸይከውን ንምዕጋት፡ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ ከተፍርሱ እንተ ትኽእሉ ኔርኩም፡+ 21 ሽዑ፡ ኣብ ዝፋን ኰይኑ ዚነግስ ውሉድ ከይህልዎስ+ እቲ ምስ ጊልያይ ዳዊት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ምፈረሰ፣+ እቲ ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ እውን ከምኡ ምፈረሰ።+ 22 ከምቲ ሰራዊት ሰማያት ዘይቍጸር፡ ሑጻ ባሕሪ ኸኣ ዘይስፈር፡ ከምኡ ድማ ንዘርኢ ጊልያይ ዳዊትን ንዜገልግሉኒ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።’”
23 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 24 “እዞም ህዝቢ እዚኦምሲ፡ ‘የሆዋ ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ዓሌት ኪድርብዮም እዩ’ ይብሉ ኸም ዘለዉዶ ኣስተብሂልካ፧ ንህዝበይ ከኣ ይንዕቕዎ ኣለዉ፣ ከም ህዝቢ ገይሮም እውን ኣይርእይዎን ኣለዉ።
25 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ፡+ ሕግታት ሰማይን ምድርን፡ ብርግጽ ዘቘምኩ፡+ 26 ከምኡ ድማ ካብ ዘርኡ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኸይወስድ ኢለ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ንጊልያይ ዳዊትን ከቶ ኣይክድርብዮን እየ። ንምሩኻቶምሲ ኽመልሶምን+ ክድንግጸሎምን እየ።’”+