ምዕራፍ ዓሰርተው ክልተ
“እዚ ንኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን፧”
1, 2. ዮኣቂም ዕዮ ህንጸት ምጅማሩ ዘይጥበባዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ንጉስ ዮኣቂም ዓባይ ቤት ኪሃንጽ ሓሰበ። እታ ቤት፡ ሰፋሕቲ ኽፍልታትን ደርብን ኪህልዋ ንድፊ ተነድፈ። ናብቲ ኽፍልታት ድማ፡ ዚኣክል ብርሃን ጸሓይን ንጹህ ኣየርን ምእንቲ ኺኣቱ እሞ፡ ንንጉስን ንቤተሰቡን ምእንቲ ኺጥዕሞም፡ ዓበይቲ መሳዅቲ ኺግበር ተሓስበ። እቲ መናድቕ በቲ ኻብ ሊባኖስ ዝመጸ ጥዑም ዝመኣዛኡ ጽሕዲ ኺርበብ ተመደበ። ውሻጠታቱ ኸኣ በቲ ኻብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ልዑላንን ሓያላትን ዚምነይዎ ቐይሕ ቀለም ኪቕባእ ተወጠነ።—ኤር. 22:13, 14።
2 እቲ ውጥን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዚሓትት ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ንመከላኸሊ እታ ሃገር ዚወጽእ ወጻእን ግብጺ ዘውደቐቶ ፈሰስን ንመዛግብቲ እታ ዓዲ ጓሕጒሕዎ እዩ ነይሩ። (2 ነገ. 23:33-35) ዮኣቂም ግን ነቲ ሓድሽ ቤተ-መንግስቱ ዚሰርሓሉ መገዲ ኣይሰኣነን። ነቶም ሃነጽቲ ብዘይ ደሞዝ ኣስረሖም። ረሃጾምን ጻዕሮምን ንንግስነቱ ኸም ኣበርክቶ ገይሩ ብምውሳድ፡ ከም ባሮት ገይሩ ተጠቕመሎም።
3. ኣብ መንጎ ዮኣቂምን ኣቦኡን እንታይ ፍልልይ እዩ ዝነበረ፧ ስለምንታይከ፧
3 ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ነቲ ዮኣቂም ዝገበሮ ተግባር ኰነኖ።a ኣቦኡ ንጉስ ዮስያስ ንዓየይትን ንድኻታትን ሓለፍ ዝበለ ለውሃትን ልግስን ከም ዘርኣዮም ኣዘኻኸሮ። ዮስያስ ፍትሒ የውጽኣሎም ነበረ። የሆዋ ንዮኣቂም ናብቲ ዮስያስ ንሽጉራት ዘርኣዮ ሓልዮት ከም ዜተኵር ድሕሪ ምግባሩ፡ “እዚ ንኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን፧” ኢሉ ሓተቶ።—ኤርምያስ 22:15, 16 ኣንብብ።
4. ንየሆዋ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትርእዮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
4 ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ዅነታት እናበኣሰ ምስ ከደ፡ እቲ የሆዋ ኣጸቢቖም ንዚፈልጥዎ ዚገብረሎም ሓገዝን ዕቝባን የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ዝያዳ ኽንቀርቦ ኣሎና። ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ኣሳልጦ ንምርካብ፡ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕ ኣሎና። ኰይኑ ግን፡ ‘ሓደ ክርስትያን ከም ንጉስ ዮስያስ ገይሩ ንየሆዋ ኺፈልጦ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
ንኣምላኽ ምፍላጥ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ
5, 6. (ሀ) ሓደ ንፉዕ ኣቦ ንደቁ እንታይ ጽልዋ እዩ ዚገብረሎም፧ (ለ) መገድታት የሆዋ ምፍላጥና፡ ካብቲ ዮኣቂም ዝሃቦ ምላሽ ብእተፈልየ መገዲ፡ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧
5 ሓደ ንፉዕ ኣቦ ንህይወት ደቁ ዚጸልወሉ መገድታት እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ንሽጉራት ኬካፍሎም ኪዕዘቡ ኸለዉ፡ ለጋሳት ንኪዀኑ ይድረኹ እዮም። ንኣዲኦም ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ከም ዚሕዛ ምርኣዮም፡ ንኣንጻር ጾታ ሓለይቲ ኪዀኑ ይሕግዞም ይኸውን። ኣቦኦም ምስ ገንዘብ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ ቅኑዕን ሓቀኛን ምዃኑ ምስማዖም ከኣ፡ ቅኑዓትን ሓቀኛታትን ንኪዀኑ ኺድርኾም ኣለዎ። እወ፡ መገድታትን ባህርያትን ኣቦኦም ምፍላጦም፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ንኣቦኦም ንኺመስልዎ ድሌት የሕድሩ ይዀኑ።
6 ብተመሳሳሊ፡ ከም ዮስያስ ገይሩ ንየሆዋ ዚፈልጦ ክርስትያን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑላዊ ምዃኑ ጥራይ ኣይኰነን ዚግንዘብ። ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚሕዞም ይፈልጥ፡ ድሕሪኡ ድማ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኺመስሎ ይደሊ እዩ። መዓልቲ ንመዓልቲ ነቲ የሆዋ ዚፈትዎ ምስ ዚፈቱን ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ምስ ዚጸልእን፡ ንዕኡ ዘላቶ ፍቕሪ ትዓምቝ። ብኣንጻሩ ግን፡ ንሕግታትን መዘኻኸሪታትን ኣምላኽ ዕሽሽ ዚብል፡ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ኺገብሮ ዚኽእል ጽልዋ ዚነጽግ ሰብ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ምስቲ ብኤርምያስ ኣቢሉ ንእተላእከሉ ቓል የሆዋ ናብ ሓዊ ዝደርበየ ዮኣቂም ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 36:21-24 ኣንብብ።
7. ከም ንጉስ ዮስያስ ጌርካ ንየሆዋ ኽትፈልጦ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
7 ቅዱስ ኣገልግሎት ጽቡቕ ጌርና ንኸነቕርብን ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት ንምርካብ ተስፋ ንኺህልወናን፡ ንየሆዋ ብሓቂ ኽንፈልጦ ኣሎና። (ኤር. 9:24) ኣብቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ዚርከብ ሒደት ባህርያት ኣምላኽ እስከ ንመርምር። ባህርያት ኣምላኽ ክንምርምር ከለና፡ ንስኻ ብብሕትኻ ኸም ንጉስ ዮስያስ ጌርካ ንኣምላኽ ክትፈልጦን ክትመስሎን እትኽእለሉ መገድታት ኣናዲ።
ንጉስ ዮስያስ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ከም ዮስያስ ጌርካ ንየሆዋ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
“ጸጋኡ . . . ንዘለኣለም ይነብር”
8. እታ ብእብራይስጢ ኸሰድ እትበሃል ባህርይ ብኸመይ እያ እትንጸባረቕ፧
8 እታ ኣብዚ “ጸጋ” ተባሂላ ዘላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ “ሳህሊ” ወይ “ምሕረት” ተባሂላ እትትርጐም ብእብራይስጢ ኸሰድ እትበሃል ባህርይ ኣምላኽ፡ ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት ብሓንቲ ቓል ምትርጓማ ተሸግር እያ። ሓደ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ ናይ እብራይስጢ ቓል እዚኣ፡ ብርታዐን ጽንዓትን ፍቕርን ብሓደ ኣጣሚራ ኸም እትገልጽ ሓቢሩ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ዝዀነት ትኹን ካብ ሰለስቲኡ ሓዲኡ እተጕድል ቃል፡ ነቲ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣይተመሓላልፎን እያ” በለ። ስለዚ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ዜንጸባርቕ ሰብ፡ ካብቲ ብባህርዩ ጥዑይ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ እዩ ዚገብር። ንኻልኦት ኣጸቢቑ ስለ ዚሓልየሎም፡ ዜድልዮም ዘበለ፡ ብፍላይ ከኣ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኣሎም ዚከኣሎ ይገብር እዩ። ጥቕሚ ርእሱ ንኺስውእ ዚድርኾ ቐንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንምሕጓስ ዘለዎ ባህጊ እዩ።
9. የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧
9 ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ሳህሊ” እትበሃል ቃል ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ክንርድኣሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ብኸመይ ከም ዝሓዞም ምጽናዕ እዩ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ የሆዋ ኣዕቊብዎምን መጊብዎምን እዩ። ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸኣ፡ ካብ ጸላእቶም ዜድሕንዎምን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚመልስዎምን መሳፍንቲ ኣተንሲኡሎም እዩ። ኣብ ጽቡቖም ኰነ ኣብ ሕማቖም ንሓያሎ ዘመናት ምሳታቶም ስለ ዝለገበ፡ “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ” ኺብሎም ክኢሉ እዩ።—ኤር. 31:3።b
10. የሆዋ፡ ከምቲ ኣብ ባቢሎን ንዝነበሩ ኣይሁድ እውን ዝገበረሎም፡ ጸሎት ኣብ ዚሰምዓሉ መገዲ ሳህሊ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
10 ኣብዚ ግዜና እውን፡ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ብቐጥታ ብዚጠቕሞም መገድታት ኣቢሉ ሳህሉ የርእዮም እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጸሎት እስከ ንርአ። የሆዋ ንዅሉ እቲ ኻብ ልቢ ዚቐርበሉ ጸሎት ዚሰምዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቱ ኺጽልዩ ኸለዉ ግን ፍሉይ ቈላሕታ ይገብረሎም እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ብዛዕባ ሓደ ጸገም ደጋጊምና እኳ እንተ ጸለና፡ ትዕግስቱ ኣይውዳእን እዩ፣ ጸሎትና ምስማዕ እውን ኣይስልክዮን እዩ። ሓደ ግዜ፡ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ንዝኸዱ ኣይሁድ መልእኽቲ ለኣኸሎም። እቶም ኣይሁድ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ኣመና ርሒቖም፡ ካብታ ቤተ መቕደስ ከኣ ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ነበሩ። ካብታ ቤተ መቕደስ ርሒቖም ምንባሮም ግን፡ ነቲ ሞገሱ ንኺረኽቡን ንኺውድስዎን ናብ የሆዋ ዘቕረብዎ ጸሎት ካብ ምስማዕ ኣይዓገቶን። ነቲ ንስኻ ኻብ ልብኻ እተቕርቦ ጸሎት ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ፡ እቶም ኣይሁድ ነቲ ኣብ ኤርምያስ 29:10-12 ዚርከብ ቃላት ኣምላኽ ምስ ሰምዑ እተሰምዖም ምጽንናዕ እሞ ሕስብ ኣብሎ።—ኣንብብ።
11, 12. (ሀ) የሆዋ ንህዝቢ የሩሳሌም እንታይ ኢሉ እዩ ዘተስፈዎም፧ (ለ) ተግሳጽ ንእተዋህቦ ሰብ እንታይ ሓገዝ እዩ ተዳልዩሉ ዘሎ፧
11 ሳህሊ የሆዋ ዚረኣየሉ ኻልእ መዳይ ከኣ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታኡ እዩ። የሩሳሌም እትወድቀሉ እዋን እናቐረበ ምስ ከደ፡ ተቐማጦኣ ኸኣ በቲ ኻብ ኣምላኽ ከም ምዕላው ጌርካ ኺርአ ዚከኣል መገዲ ዕልወቶም ምምልላስ ምስ ቀጸሉ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበዮም ነበረ፧ ምናልባት ብጥሜት ወይ ብሰይፊ ባቢሎናውያን ሙማት እዩ ዚጽበዮም ነይሩ። ወሃ እንተ ተባህለ ኸኣ፡ ተማሪኾም ንነዊሕ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ምድሪ ጓና ሙማት እዩ ዚጽበዮም ነይሩ። የሆዋ ግን ነቶም ተነሲሖም ህይወቶም ዝቐየሩ፡ “ጽቡቕ ቃል” ገይሩ ኣተስፈዎም። “ክዝክረኩም እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። ካብታ ኣዝያ ርሕቕቲ ባቢሎን፡ “ናብዚ ስፍራ እዚ፡” ማለት ናብ ዓዶም ‘ኪመልሶም’ ምዃኑ ገለጸ። (ኤር. 27:22) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “[“የሆዋ፡” NW] ሰናይ እዩ። ጸጋኡ ድማ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ [“ንየሆዋ፡” NW] ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ” ኢሎም ኪጭድሩ ምዃኖም ተገልጸ።—ኤር. 33:10, 11።
12 የሆዋ ብሳህሉ ተደሪኹ፡ ነቶም ብኣረኣእያ ደቂ ሰብ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዘለዉ ሰባት፡ ምንጪ መተባብዒ ይዀኖም እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ፡ ተግሳጽ ምስ ኣድለዮም ከኣ፡ ዚግብኦም ተግሳጽ እተዋህቦም ሰባት ይርከቡ እዮም። በቲ ዝገበርዎ ነገር ዜስዕበሎም ጸጸት ስለ ዚወሓጡ፡ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምምላስ የድሓርሕሩ ይዀኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለሎምን ኪቕበሎምን ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ይሓስቡ ይዀኑ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ፡ “ጽቡቕ ቃል” ኣዳልዩሎም ኣሎ። ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ኣድላዪ ለውጢ ንምግባር ዜኽእሎም ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝሓለፈት ሕጡብ ጽሑፍ ዘንበብናዮ ሓሳብ፡ ብመሰረቱ ንዓታቶም እውን ይምልከት እዩ፣ የሆዋ ‘ናብ ስፍራኦም፡’ ማለት ናብቶም ሕጉሳት ህዝቡ ‘ኺመልሶም’ እዩ።—ኤር. 31:18-20።
13. የሆዋ ንኤርምያስ ዝገበረሉ ደገፍ ኬተባብዓካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
13 የሆዋ ናይ ሳህሊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ብተኣማንነት ይድግፎም እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ንዅሎም እቶም ቅድም ንመንግስቱ ዚደልዩ ሰባት ከም ዚሕብሕቦምን ከም ዜዕቍቦምን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት የሩሳሌም፡ የሆዋ ንኤርምያስ ዜድልዮ ምግብን ዕቝባን ከም ዝሃቦ ኣይትረስዕ። ነቲ ነብዪ ፈጺሙ ኣይሓደጎን። (ኤር. 15:15፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:55-57 ኣንብብ።) ንዓኻ እውን ዝዀነ ይኹን ብርቱዕ ጸቕጢ እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ንተኣማንነትካ ኸም ዚዝክሮ ኣይትጠራጠር። ‘ብጥራስ ንኸይትጠፍእ፡’ ብሳህሉ ተደሪኹ ኺድግፈካ ይደሊ እዩ።—ድጕ. 3:22።
እንታይ መዳያት ሳህሊ የሆዋ እዩ ልዕሊ ዅሉ ዚስሕበካ፧ ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚስምዓካ፧
‘የሆዋ ብፍትሒ ህያው እዩ’
14. ኣብዚ ቐረባ ግዜ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባር ተዓዚብካ፧
14 ገሊኦም ሰባት ብዘይፈጸምዎ ገበን ንዓመታት ይእሰሩ እዮም። ኣብ ገሊኡ ጕዳያት እሞ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ንሞት ተፈሪዱዎ ምስ ተቐትለ፡ ንጹህ ምንባሩ ዜረጋግጽ መርትዖ ይርከብ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ወለዲ ንስድራ ቤቶም ዚኸውን ምግቢ ንኺረኽቡ ኢሎም፡ ደቆም ንባርነት ክሳዕ ምሻጥ በጺሖም እዮም። ሎሚ፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክትሰምዕ ከለኻ ኸመይ ይስምዓካ፧ የሆዋኸ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ የሆዋ ንዅሉ ጠንቂ ስቓይ ኬወግዶ ኸም ዚደሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይገልጽ እዩ። ከምዚ ንምግባር ክእለት ዘለዎ ንሱ ጥራይ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ሎሚ ዚሳቐዩ ዘለዉ ድኻታትን ንጹሃትን ሰባት ተስፋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝዀነ የሆዋ ኻብ ጭንቀቶም ንኼድሕኖም ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ።—ኤር. 23:5, 6።
15, 16. (ሀ) ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ኣጕሊሑ፧ (ለ) ሕግታትን መብጽዓታትን ኣምላኽ ክትተኣማመነሉ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
15 ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ነታ ብልጽቲ ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ፍትሒ ይፈልጥዋ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም ብተግባራቶም፡ “የሆዋ ብሓቅን ብፍትሕን ብጽድቅን ህያው እዩ” ኪብሉ ኸም ዚኽእሉ፡ ኤርምያስ ጠቒሱ ኣሎ። (ኤር. 4:1, 2 NW) እዚ ኤርምያስ ዝበሎ ነገር ሓቅነቱ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ከመይሲ፡ ምጕዳል ፍትሒ ኣብ ዕላማ የሆዋ ቦታ የብሉን። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ፍትሒ ኸም ዚፈቱ ዜርኢ ኻልእ መርትዖታት እውን ኣሎ።
16 ኣምላኽ ብርግጽ ቃሉ ይሕሉ እዩ፡ ግቡዝ ከኣ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ንኻልኦት ዚኣትውዎ መብጽዓ ዜፍርሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግን ከምኡ ኣይገብርን እዩ። እቲ ንሱ ዘቘሞ፡ ንዓና እውን ዚጠቕመና ሕጊ ተፈጥሮ እውን ከይተረፈ፡ ኣይፈርስን እዩ። (ኤር. 31:35, 36) መብጽዓታቱን ፍርድታቱን ወትሩ ጽቡቕ ስለ ዝዀነ፡ ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:37, 38 ኣንብብ።
17. (ሀ) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚፈርድ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤ ንዚፍጠር ጸገማት ዚሕዙ ሽማግለታት ክትኣምኖም እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ (ኣብ ገጽ 148 እትርከብ፡ “ኣብ ክንዲ የሆዋ ይፈርዱ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
17 የሆዋ ኺፈርድ ከሎ፡ ብደጋዊ ትርኢት ጥራይ ኣይኰነን ዚዓግብ። ንሓደ ነገር ውሽጡን ውሻጠኡን ምእንቲ ኺፈልጦ፡ ክንዮ እቲ ፍሉጥ ዝዀነ ነገራት ይርኢ እዩ። ንድራኸ እቶም ኣብቲ ጕዳይ ዝኣተዉ ሰባት እውን ይግምግሞ እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ሓካይም ንዅነታት ልቢ ሕሙም ንምምርማር፡ ልቢ እናጨንጕዐት ከላ፡ ብፍሉይ መሳርሕን ተክኒክን ገይሮም ይርእይዋ እዮም። ወይ ከኣ ኰላሊት ደም እናኣጻረያ ኸለዋ፡ ኪምርምርወን ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ኻብዚ ንላዕሊ ኺገብር ይኽእል እዩ። ነቲ ንድራኸ ዜመልክት ምሳልያዊ ልቢ ይምርምሮ፡ ነቲ ንውሽጣዊ ስምዒት ዜመልክት ምሳልያዊ ዀላሊት ከኣ ይግምግሞ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ኪገብር ከሎ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኺገብር ከም እተደረኸን ብዛዕባ እቲ ተግባራቱ ዚስምዖ ስምዒትን፡ የሆዋ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እቲ ብደቂቕ ብምምርማሩ ዚረኽቦ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ልዕሊ ዓቕሙ ኣይኰኖን እዩ። ካብ ሓደ ኣዝዩ መስተውዓሊ ሰብኣዊ ፈራዲ ስለ ዚበልጽ፡ ብዛዕባ መጻኢ ንምውሳን፡ ንዅሉ እቲ ሓበሬታ ብልክዕን ብሚዛናውን መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ።—ኤርምያስ 12:1፣ 20:12 ኣንብብ።
18, 19. ነታ ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ፍትሒ ምፍላጥና ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧
18 ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበርካዮ ጌጋታት ሕልናኻ እኳ እንተ ኣሳቐየካ፡ ብየሆዋ ንኽትተኣማመን ግን ድልዱል መሰረት ኣሎካ። የሆዋ ኸም ሓደ ንኽትቅጻዕ ምኽንያት ዜናዲ ዘየናሕሲ ኣኽባር ሕጊ ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ኺሕግዘካ ዚደሊ ርሕሩሕ ዳኛ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበርካዮ ጌጋ ወይ ምስ ሰብ ዘተናኸፈካ ጕዳይ፡ ሕማቕ ከም ዚስምዓካ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጕዳይ ምእንቲ ኺድቅሰልካ፡ የሆዋ ኣብቲ “ነገር” ወይ ኣብቲ ስምዒታዊ ቓልስኻ ጠበቓ ኪዀነካ ለምኖ።c በቲ ንሱ ዚህበካ ሓገዝ፡ ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ እትገብሮ ቐጻሊ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኽትግንዘብ ኢኻ።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:58, 59 ኣንብብ።
19 እቲ ፍጹም ፍትሒ ዜውጽእ ኣምላኽ፡ ነቶም ሞገሱ ዚደልዩ ፍትሒ ኺገብሩ እዩ ዚደልዮም። (ኤር. 7:5-7፣ 22:3) ንዋላ ሓደ ኣቐዲምካ ኸይፈረድካ እቲ ብስራት ምስባኽ፡ ፍትሒ ኣምላኽ ዚረኣየሉ ኣገዳሲ መገዲ እዩ። ብትግሃት ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሕን እንተ ዄንካ፡ ናይ ብሓቂ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ብሉጽ ፍትሒ ኣምላኽ ተንጸባርቕ። ከመይ ጌርካ ግን እዩ ኸምኡ ኺበሃል ዚከኣል፧ ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ብዛዕባኡ ኺፈልጡን ኪድሕኑን እዩ ዚደልዮም። (ድጕ. 3:25, 26) ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ፡ ፍትሒ ኣምላኽ እናኣንጸባረቕካ፡ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ብሉጽ መሰል ኣሎካ።
ፍትሒ የሆዋ ዜጸናንዓካ ብኸመይ እዩ፧ ንፍትሒ ኣምላኽ ብምቕዳሕ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከተጸናንዖም ትኽእል፧
“ቍጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቍር . . . እየ”
20. (ሀ) ኤርምያስ ካብቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ርክብ ነየናይ መዳይ እዩ ዘጕልሐ፧ (ለ) ‘ጣዕሳ’ ምስቲ የሆዋ ዚገብሮ ይቕረታ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ (“የሆዋ ‘ዚጠዓስ’ ብኸመይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
20 ብዙሓት ሰባት ንትንቢት ኤርምያስን ንድጕዓ ኤርምያስን፡ ክፍኣት ዚዅንና መጻሕፍቲ ኸም ዝዀና ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይወን። እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ነቲ ኣብዘን መጻሕፍቲ ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ የሆዋ ንህዝቡ ይቕረታ ንኺገብረሎም ዘቕረቦ ልቢ ዚትንክፍ ጻውዒት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኰነን። የሆዋ ንኣይሁድ፡ “ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ኤርምያስ፡ “ኣኻይዳኹምን ግብርኹምን ኣሕሹ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ኣባኻትኩም እተዛረቦ መዓት ኪጥዐሰሉ እዩ” ኢሉ ኣተሓሳሰቦም። (ኤር. 18:11፣ 26:13) ኣብዚ ግዜና፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ካብ ልቦም ተጣዒሶም ሕማቕ መገዶም ዚሓድጉ ሰባት ይቕረ ይብለሎም እዩ።
21. የሆዋ ንሰብ ይቕረ ድሕሪ ምባሉ፡ እንታይ ኪገብር እዩ ዚደሊ፧
21 ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብዛዕባ ይቕረታ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ እውን ይገብር እዩ። እወ፡ ንእተዛረቦ ይፍጽሞ እዩ። የሆዋ ብኤርምያስ ገይሩ፡ “ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪ፡ ቍጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቍር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲ” ዚብል ምሕጽንታ ኣመሓላሊፉ እዩ። (ኤር. 3:12) ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ይቕረ ዝበሎ ኣገልጋሊኡ፡ ቍጥዓኡ ወይ ምረቱ ሒዙ ኣይጸንሕን እዩ። የግዳስ፡ ዋላ እውን በደል እንተ ተፈጸመ፡ ነቲ እተበላሸወ ርክብ ኬዐሪ እዩ ዚደሊ። ሓደ ሰብ ሓጢኣት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብሓቂ ተነሲሑ ኻብ ኣምላኽ ይቕረታ እንተ ሓቲቱ፡ የሆዋ ናብ ሞገሱን በረኸቱን ‘ይመልሶ’ እዩ። (ኤር. 15:19) እዚ ዜጸናንዕ ሓሳባት እዚ፡ ንዝዀነ ይኹን ካብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝረሓቐ ሰብ ናብኡ ንኺምለስ ኬተባብዖ ኣለዎ። የሆዋ ይቕረ ዚብል ምዃኑ፡ ናብኡ ኸም ዚስሕበናስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧—ድጕዓ ኤርምያስ 5:21 ኣንብብ።
22, 23. ምስ ይቕረታ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ንየሆዋ ኽትመስሎ ኸለኻ፡ እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወካ ዘለዎ፧
22 ሓደ ሰብ ብሃሳዪ ዘረባን ተግባራትን እንተ ጐዲኡካ፡ ንየሆዋ ኽትመስሎ ዲኻ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ይቕረ ዚብሎም ጥንታውያን ኣይሁድ፡ “ከጽርዮም እየ” በለ። (ኤርምያስ 33:8 ኣንብብ።) ኣብዚ ኼጽርዮም ኪበሃል ከሎ፡ ንጌጋታት እቶም እተነስሑ ኣይዝክሮን፡ ከም ብሓድሽ ኬገልግልዎ ኸም ዚጅምሩ ድማ ይገብሮም ማለት እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሓደ ሰብ ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ምርካቡ፡ ካብቲ ዝወረሶ ዘይፍጽምና ነጺሁ ፍጹምን ሓጢኣት ዘይብሉን ኰይኑ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ካብቲ ኣምላኽ ንሰባት ከም ዜጽርዮም እተዛረቦ ሓሳባት፡ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ንጌጋ ወይ ንበደል ካልእ ሰብ ክንርስዖ ኽንጽዕር ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዘሎና ኣረኣእያ ምስ ምጽራይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧
23 ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈት ዝመጸት ጭሔሎ ወይ ሳርማ ኸም ህያብ ተዋሂባትካ ንበል። እታ ኣቕሓ እንተ ረሲሓ፡ ብኡንብኡ ምደርበኻያዶ፧ ኣይምደርበኻያን። ተጠንቂቕካ ነቲ ርስሓታ ብምውጋድ፡ ንኸተጽርያ ጻዕሪ ምገበርካ። ክሳዕ ክንደይ ጽብቕቲ ምዃናን ኣብ ብርሃን ጸሓይ ክሳዕ ክንደይ ከም እተንጸባርቕን ክትርኢ ምደለኻ። ብተመሳሳሊ፡ ንዝበደለካ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ዘሎካ ቒም ወይ ቍጥዓ ንምውጋድ፡ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዜሳቒ ቓላት ወይ ተግባራት ኣብ ልብኻ ኸይተሕድሮ ተቓለስ። ክትርስዖ እንተ ኽኢልካ፡ ንምስልን ተዘክሮን እቲ ይቕረ ዝበልካዮ ሰብ ኣጽሪኻዮ ማለት እዩ። ልብኻ ኻብቲ ነቲ ሰብ ዝነበረካ ኣሉታዊ ሓሳባት ብምንጻሁ፡ ነቲ ንሓዋሩ ኸም እተበትከ ዚመስል ዝነበረ ጥብቂ ዕርክነትኩም ከም ብሓድሽ ከተስተማቕሮ ትኽእል ኢኻ።
24, 25. ከም ንጉስ ዮስያስ ጌርካ ንየሆዋ እንተ ፈሊጥካዮ፡ እንታይ ጥቕምታት ኢኻ እትረክብ፧
24 ኣብዚ እተወሰነ ባህርያትን ተግባራትን የሆዋ ጥራይ ኢና መርሚርና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ዝያዳ ኽንፈልጦ ኽኢልና። ንየሆዋ ኣጸቢቕና እንተ ፈሊጥናዮ ኽንረኽቦ ኻብ እንኽእል ብሕታዊ ጥቕምታት ሓደ፡ ብቕቡል መገዲ ንኸነምልኾ ሓያል ድራኸ ዚሓድረና ምዃኑ እዩ። ከም ንጉስ ዮስያስ ጌርና ንየሆዋ እንተ ፈሊጥናዮ፡ ህይወትና ብሓጐስ ይመልእ፣ ሓጐስ እውን ካልእ ባህርይ ኣምላኽ እያ።
25 ንየሆዋ ምፍላጥና፡ ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብ ኣጸቢቑ የመሓይሾ እዩ። ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ ሳህልን ፍትሕን ይቕረታን ንምግባር ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ዕርክነት እናዓመቘን እናኸበረን እዩ ዚኸይድ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ክልና ተመላሊስካ ምብጻሓት ክንገብርን ዕቤት ዚገብሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕን ከለና፡ ዝያዳ ኽኢላታት መምህራን ንኸውን። ተገደስቲ ሰባት በቲ ኣባና ዚርእይዎ ምሳሌ ክርስትያናዊ ናብራ ሕጉሳት ይዀኑ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ንኼምልኽዎን ነቲ “ጽቡቕ ጐደና” ንኺስዕቡን ንምሕጋዞም ብዝያዳ እተዳሎና ንኸውን።—ኤር. 6:16።
ድጕዓ ኤርምያስ 5:21 እንታይ መልእኽቲ እያ እተመሓላልፈልካ፧
b ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ነዘን የሆዋ እተዛረበን ቃላት፡ “ካብ ጥንቲ ኣትሒዘ ኣፍቀርኩኺ፡ ገና እውን ሓልዮተይ ኣየቋረጽኩልክን” ኢሉ ተርጒምወን ኣሎ።
c ሓደ ክርስትያን ሕጊ ኣምላኽ ብንጹር ዚጥሕስ ተግባር እንተ ገይሩ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ነቲ ጕዳይ ምእንቲ ኺሕዝዎን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝ ምእንቲ ኺህብዎን፡ ናባታቶም ኪቐርብ ኣለዎ።—ያእ. 5:13-15።