ምዕራፍ ዓሰርተው ሰለስተ
የሆዋ “ነቲ ዝሐለኖ ገበረ”
1. የሩሳሌም ምስ ዓነወት፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ትንቢታት የሆዋ እንታይ እዩ ዝበለ፧
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሩሳሌም ዓንያ ነበረት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኣቃጺሎምዋ ስለ ዝኸዱ፡ ካብቲ ዑናኣ ገና ትኪ ይተክኽ ነበረ። እቲ ዜሰቅቕ ኣውያት እቶም ቅቱላት፡ ካብ ኣእምሮ ኤርምያስ ኣይወጸን ነይሩ። እንታይ ከም ዚመጽእ ኣቐዲሙ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ፣ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ኸኣ ተፈጺሙ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ነብዪ ኤርምያስ ብጓሂ፡ “[“የሆዋ፡” NW] ነቲ ዝሐለኖ ገበረ” በለ። ኣወዳድቓ የሩሳሌም ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ ነይሩ!—ድጕዓ ኤርምያስ 2:17 ኣንብብ።
2. ኤርምያስ፡ ዘመናት ኣቐዲሙ እተነግረ እንታይ ትንቢት ኪፍጸም እዩ ዝረኣየ፧
2 እወ፡ ኤርምያስ፡ ሓያሎ ንህዝቢ ኣምላኽ እተነግሮም ትንቢታት፡ እንተላይ ጥንቲ እተነግረ ትንቢታት ኪፍጸም ከሎ ርእዩ እዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዞም፡ “በረኸት” ከም ዚረኽቡ፡ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዞም ከኣ፡ “መርገም” ከም ዚረኽቡ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ጽቡቖም ጥራይ ስለ ዚደሊ፡ በረኸት ኪረኽቡ እዩ ዚደልዮም። እቲ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት ዚመጽእ መርገም፡ ዜስካሕክሕ እዩ። እቶም ንየሆዋ ዕሽሽ ዚብልዎን ዚጻረርዎን፡ ‘ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ኪበልዑ’ ምዃኖም፡ ሙሴ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ፣ ጸኒሑ እውን ኤርምያስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ደገሞ። (ዘዳ. 30:19, 20፣ ኤር. 19:9፣ ዘሌ. 26:29) ገሊኦም፡ ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ነገር ብሓቂ ኼጋጥም ይኽእል ድዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ምግቢ ምስ ተሳእነ፡ ገሊኦም ስጋ ሰብ በሊዖም እዮም። ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ነገር፡ “ርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን” በለ። (ድጕ. 4:10) ከመይ ዝበልዎ መከራ ዀን እዩ ነይሩ!
3. የሆዋ ንህዝቡ ነብያት ዝለኣኸሉ ዕላማ እንታይ እዩ ነይሩ፧
3 ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንኸም ኤርምያስ ዝኣመሰሉ ነብያት ዝመዘዘሉ ዕላማ፡ ጥፍኣት ንኺእውጁ ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንህዝቡ ናብ መገዲ ተኣማንነት ኪምለሱ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። ንሓጥኣን ኪንስሑ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። እዝራ ነዚ ኺሕብር ከሎ፡ “ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ” በለ።—2 ዜና 36:15፣ ኤርምያስ 26:3, 12, 13 ኣንብብ።
4. ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ዜብጽሖ መልእኽቲ ኸመይ ተሰምዖ፧
4 ኤርምያስ እውን ከም የሆዋ፡ ንህዝቡ ይድንግጸሎም ነይሩ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ የሩሳሌም ቅድሚ ምውዳቓ ዝበሎ ነገራት ይንጸባረቕ እዩ። በቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ዕንወት ኣመና ተረቢሹ ነበረ። እቶም ህዝቢ ነቲ ኤርምያስ ዘመሓላለፈሎም መልእኽቲ እንተ ዚሰምዑን እንተ ዚእዘዙን ነይሮም፡ እቲ መዓት ኣይምመጸን ነይሩ። ኤርምያስ፡ መልእኽቲ የሆዋ ኼብጽሕ ከሎ እተሰምዖ ስምዒታት እሞ ገምቶ። “ኣምዑተይ፡ ኣምዑተይ ተበጠሰ፡ ኣየ ኣፍ ልበይ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል አሎ። ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ አላ እሞ፡ ትም ኣይብልን” በለ። (ኤር. 4:19) መዓት ይመጽእ ብምንባሩ፡ ትም ኪብል ኣይከኣለን።
ርግጸኛ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
5. ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ምትእምማን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧
5 ኤርምያስ፡ እቲ እተነበዮ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ኤር. 1:17፣ 7:30፣ 9:22) ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት የጽንዕን የሆዋ ናይ ሓቂ ትንቢት ዚንበ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥን ነይሩ እዩ። የሆዋ፡ ብዓይኒ ሰብ ዘይከኣል ዚመስል ነገራት ኣቐዲሙ ኺነግር ከም ዚኽእል ታሪኽ ዚምስክሮ ሓቂ እዩ፣ ሓደ ኣብነት እኳ፡ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኸም ዚወጹ እተነበዮ ትንቢት ኪጥቀስ ይከኣል። ኤርምያስ ነቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ዚወጹሉ ኣገባብን ነቲ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እተዛረብዎ ቓላትን ይፈልጦ ነይሩ እዩ። እያሱ ንእስራኤላውያን፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” ኢሉ ኣዘኻኺርዎም ነይሩ እዩ።—እያ. 23:14።
6, 7. (ሀ) እቲ ኤርምያስ እተዛረቦ ትንቢታት ኬገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ እትሰብኮ መልእኽቲ ምትእምማን ንኺሓድረካ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
6 ነቲ ኤርምያስ እተዛረቦ ትንቢታት ኣቓልቦ ኽትገብረሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ ኤርምያስ፡ ቃል የሆዋ ኸም ዚፍጸም ምትእምማን ስለ ዝነበሮ እዩ። ካልኣይ፡ ገሊኡ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ ሕጂ ይፍጸም ስለ ዘሎን ገሊኡ ኣብ መጻኢ ስለ ዚፍጸምን እዩ። ሳልሳይ፡ እቲ ኤርምያስ ብስም ኣምላኽ እተዛረቦ ሓያሎ መልእኽትታት ኰነ ነቲ መልእኽትታት ዘመሓላለፈሉ ቕንኣት፡ ፍሉይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ስለ ዚገብሮ እዩ። ሓደ ምሁር፡ “ኤርምያስ ምስ ካልኦት ነብያት ኪነጻጸር ከሎ፡ ጐሊሑ እዩ ዚወጽእ” በለ። ኤርምያስ ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ዓብዪ ቦታ ዝሓዘ ነብዪ ብምንባሩ፡ የሱስ ኣብ ዚሰብከሉ ዝነበረ እዋን፡ ገሊኦም ዝሰምዕዎ ሰባት፡ ኤርምያስ ከም ዝዀነ ይመስሎም ነበረ።—ማቴ. 16:13, 14።
7 ንስኻ እውን ከም ኤርምያስ፡ ኣገዳሲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚፍጸመሉ ወሳኒ እዋን ኢኻ እትነብር ዘለኻ። ብዘይካዚ፡ ከም ኤርምያስ፡ ኣብ ሓቅነት መብጽዓታት ክትተኣማመን ኣሎካ። (2 ጴጥ. 3:9-14) ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ኣብቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ዘሎካ ምትእምማን ብቐጻሊ ብምህናጽ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል። ከምኡ ንምግባር፡ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ኤርምያስ ዘመሓላለፎን ኪፍጸም ዝረኣዮን ሓያሎ ትንቢታት ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ጸኒሑ እተፈጸመ ትንቢታት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ሕጂ ንዓኻ ብቐጥታ ዚጸልወካን ኣብ መጻኢ ዚጸልወካን ትንቢታት ክንርኢ ኢና። እምበኣር፡ ‘የሆዋ ነቲ ዝሓለኖ ዚገብር’ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምን፡ እዚ መጽናዕቲ እዚ ነቲ ኣብ ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ዘሎካ ምትእምማን ኬደልድሎ ኣፍቅደሉ።—ድጕ. 2:17።
ኣምላኽ ንነብያቱ ዝለኣኾም ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥፍኣት ዚገልጽ ትንቢታት እትኣምኖ ስለምንታይ ኢኻ፧
ኤርምያስ እተነበዮን ኪፍጸም ዝረኣዮን ትንቢታት
8, 9. ሓደ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍልይ ዝበለ መጽሓፍ ዚገብሮ ነገር እንታይ እዩ፧
8 ብዙሓት ብዛዕባ መጻኢ ኺንበዩ ይፍትኑ እዮም። ክኢላታት ቍጠባን ፖለቲከኛታትን ሓተትቲ መናፍስትን ክኢላታት ኵነታት ኣየርን ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ወይ ሰሙናት እንታይ ከም ዚኸውን ቀሊል ትንቢት ብልክዕ ምንባይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚልለየሉ ነገር ግን፡ ብልክዕ ዚንበ ምዃኑ እዩ። (ኢሳ. 41:26፣ 42:9) ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቐረባ ወይ ርሑቕ እዋን እተዘርበ ትንቢታት ኤርምያስ፡ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኣይነበሮን። ሓያሎ ኻብቲ ትንቢታት፡ ንውልቀ-ሰባትን ንኣህዛብን ዚምልከት ነበረ። ገለ ኻብቲ ብግዜ ኤርምያስ እተፈጸመ ትንቢታት እስከ ንርአ።
9 ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት፡ ኵነታት ዓለም እንታይ ከም ዚኸውን መን ኪንበ ይኽእል፧ ኣብ ስልጣናት መንግስቲ ዚህሉ ለውጢ ኣቐዲሙ ብልክዕ ኪነግር ዚኽእል ኣህጉራዊ ተንታኒ ኣሎዶ፧ ኤርምያስ ግን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ባቢሎን እተሕድሮ ጽልዋ ኸም ዜስፋሕፍሕ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ባቢሎን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ሓያሎ ኸተማታትን ህዝብታተንን ቍጥዓኡ ንምፍሳስ ዚጥቀመላ “ጽዋእ ወርቂ” ኸም ዝዀነት፡ ነቶም ህዝብታት ከኣ ከም እትገዝኦም ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ኤር. 51:7) ኤርምያስን ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባትን፡ ነዚ ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም።—ምስ ኤርምያስ 25:15-29፣ 27:3-6፣ 46:13 ኣረኣኢ።
10. የሆዋ ብዛዕባ ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ እንታይ እዩ ተነብዩ፧
10 የሆዋ ንኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥሞም ነገር ንምግላጽ እውን፡ ንኤርምያስ ተጠቒሙሉ እዩ። ብዛዕባ ዮኣሓዝ ወይ ሻሉም ወዲ ንጉስ ዮስያስ፡ ከም ዚማረኽን ናብ ይሁዳ ኸም ዘይምለስን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤር. 22:11, 12) ከምቲ ዝበሎ እውን ኰነ። (2 ነገ. 23:31-34) ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ዮኣሓዝ ዝነገሰ ዮኣቂም፡ “ከም ኣቀባብራ ኣድጊ” ኪቕበር ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤር. 22:18, 19፣ 36:30) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣማውታ ዮኣቂምን ኣቀባብራ ሬሳኡን ኣይገልጽን እዩ፣ የሩሳሌም ተኸቢባትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ወዱ ዮኣኪን ከም ዝተክኦ ግን ይሕብረና እዩ። ዮኣኪን (ኢኮንያስ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ) ናብ ባቢሎን ተማሪኹ ኸም ዚውሰድን ኣብኣ ኸም ዚመውትን፡ ኤርምያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤር. 22:24-27፣ 24:1) እዚ ኸኣ ተፈጺሙ እዩ። ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ዝነበረ ጼድቅያስከ፧ ጼድቅያስ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኸም ዚወድቕ፡ ንሳቶም እውን ከም ዘይርሕርሑሉ፡ ኤርምያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤር. 21:1-10) እሞኸ እዚ ተፈጺሙዶ፧ እቶም እተጠቕሱ ጸላእቱ ሒዞምዎ እዮም። ድሕሪኡ፡ ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፡ ንዕኡ ዓይኑ ኣንቈርዎ፡ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ፡ ኣብኣ ኸኣ ሞተ። (ኤር. 52:8-11) እወ፡ ኵሉ እዚ ትንቢታት እዚ ተፈጺሙ እዩ።
11. ሃናንያ መን እዩ ነይሩ፧ ኤርምያስከ ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ተነብዩ፧
11 ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 28፡ ብግዜ ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ሃናንያ ዝስሙ ናይ ሓሶት ነብዪ ነቲ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዚህልዋ ስልጣን እተዛረቦ ነገር ከም እተጻረሮ ነንብብ ኢና። ሃናንያ ንቓል ኣምላኽ ሓዲጉ፡ እቲ ነቡካድነጻር ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካልኦት ኣህዛብን ዝጸዓኖ ኣርዑት ከም ዚስበር ተዛረበ። ይኹን እምበር፡ ኤርምያስ ካብ የሆዋ ብእተዋህቦ መምርሒ፡ ነቲ ሃናንያ እተዛረቦ ሓሶት ኣቃልዖ፡ ብዙሓት ኣህዛብ ንባቢሎናውያን ከም ዜገልግሉ ደጊሙ ተዛረበ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ነብዪ እውን ኣብ ውሽጢ እታ ዓመት እቲኣ ኸም ዚመውት ነገሮ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ።—ኤርምያስ 28:10-17 ኣንብብ።
12. ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ቐንዲ ትንቢታዊ መልእኽቱ ብኸመይ ረኣይዎ፧
12 እቲ የሆዋ ንኤርምያስ ዝሃቦ ትንቢታዊ መልእኽቲ ኣብ ውድቀት የሩሳሌም ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣይሁድ ካብ ኣምልኾ ጣኦቶምን ዘይፍትሓዊ ተግባራቶምን ዓመጻኦምን እንተ ዘይተነሲሖም፡ እታ ኸተማ ኸም እትግልበጥ፡ ኤርምያስ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ እዩ። (ኤር. 4:1፣ 16:18፣ 19:3-5, 15) ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ የሆዋ ኸምኡ ኸቶ ኸም ዘይገብር ይመስሎም ነበረ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣብ የሩሳሌም ቈይማ እያ ነይራ። ከመይ ገይሩ እሞ እዩ ነታ ቕድስቲ ቤት ክትዓኑ ኼፍቅድ፧ ፈጺሙ ኸም ዘይከውን ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ኸም ዘይሕሱ ትፈልጥ ኢኻ። እወ፡ የሆዋ ነቲ ዝሓለኖ ገበረ።—ኤር. 52:12-14።
13. (ሀ) እዚ ግዜና ምስ ግዜ ኤርምያስ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ብግዜ ኤርምያስ ንገሊኦም ውልቀ-ሰባት እተመባጽዓሎም መብጽዓታት፡ ንዓኻ ኼገድሰካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
13 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ምስቲ ናይቶም ብግዜ ኤርምያስ ንየሆዋ እሙናት ዝነበሩ ሰባት ዚመሳሰል ኵነታት እዩ ዘለዎም። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ንመጠንቀቕታታቱ ዘይሰምዑ ሰባት፡ መዓት ከም ዜውርድ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ንጹህ ኣምልኾ ዝሰዓቡ ኣይሁድ እተበራትዑ፡ ንሕና እውን ካብቲ ትንቢታቱ መተባብዒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ቤት ሬካብ ንየሆዋን ንትእዛዝ ኣቦኦምን እሙናት ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ውድቀት የሩሳሌም ከም ዚድሕኑ ኣምላኽ ተነበየ። ከምኡ እውን ኰነ። ጸኒሑ፡ ነህምያ ምስለኔ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ማልኪያ ወዲ ሬካብ” ንመካበብያ የሩሳሌም ኣብ ምዕራይ እጃሙ ምብርካቱ፡ ነዚ መርትዖ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ነህ. 3:14፣ ኤር. 35:18, 19) ዔቤድ-ሜሌክ ኣብ ኣምላኽ ስለ እተወከለን ንኤርምያስ ስለ ዝሓገዞን፡ የሆዋ ኻብቲ ጥፍኣት ከም ዜድሕኖ ኣረጋጊጹሉ ነይሩ እዩ። (ኤር. 38:11-13፣ 39:15-18) ኣምላኽ ነቲ ብጻይ ኤርምያስ ዝነበረ ባሩኽ፡ ‘ነፍሱ ኸም ዘመተ’ ኸም ዚህቦ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። (ኤር. 45:1, 5) እዚ ትንቢታት እዚ ምፍጻሙ፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ ዜብጽሓካ፧ ንስኻ እሙን እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንዓኻ እንታይ ዚገብረልካ ይመስለካ፧—2 ጴጥሮስ 2:9 ኣንብብ።
ኣምላኽ ወትሩ ትንቢታቱ ዚፍጽም ምዃኑ፡ ንዔቤድ-ሜሌክን ንባሩኽን ንቤት ሬካብን ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ከመይ ይስምዓካ፧
ጸኒሑ እተፈጸመ ትንቢታት
14. እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ባቢሎን እተነበዮ ትንቢት ዜደንቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
14 ነቡካድነጻር ንይሁዳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንግብጺ እውን ከም ዚስዕራ፡ ኣምላኽ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤር. 25:17-19) ግብጺ ኣመና ሓያል ስለ ዝነበረት፡ ንይሁዳ እውን ከይተረፈ ትገዝኣ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ትንቢት ዘይከውን ይመስል ነበረ። (2 ነገ. 23:29-35) የሩሳሌም ምስ ወደቐት፡ ተረፍ ኣይሁድ ኣብ ግብጺ ድሕንነትን ውሕስነትን ንምርካብ፡ ካብ ዓዶም ኪለቁ ወሰኑ። የሆዋ ኸምኡ ኸይገብሩን ኣብ ይሁዳ እንተ ጸኒሖም ከም ዚባርኾምን እናነገሮም ክነሱ፡ ካብ ዓዶም ለቐቑ። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ናብ ግብጺ እንተ ኸይዶም፡ እቲ ዝፈርህዎ ሰይፊ ኣብኡ ኸም ዚስዕቦም ተነግሮም። (ኤር. 42:10-16፣ 44:30) ኤርምያስ፡ ባቢሎናውያን ንግብጺ ኣብ ዝወረሩሉ እዋን ብህይወት እንተ ነይሩ ወይ እንተ ዘይነይሩ፡ ኣብ ጽሑፋቱ ኣይተጠቕሰን። እንተዀነ ግን፡ ባቢሎናውያን ኣብ መጀመርታ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ንግብጺ ኣብ ዝወረሩላ እዋን፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እስራኤላውያን ኪወርድ እተነበዮ ነገር ከም እተፈጸመ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኤር. 43:8-13።
15, 16. እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓርነት ህዝቡ እተዛረቦ ቓል እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧
15 ኤርምያስ ብዛዕባ መወዳእታ እታ ንግብጺ ዝሰዓረታ ባቢሎን እውን ተነብዩ እዩ። ካብቲ ባቢሎን ብሃንደበት ዝወደቐትሉ ሓደ ዘመን ኣቐዲሙ፡ ነዚ ብልክዕ ተነብይዎ ነይሩ እዩ። ብኸመይ፧ እቲ መከላኸሊኣ ዝነበረ ማያት ከም ‘ዚነጽፍ፡’ ጀጋኑኣ ድማ ከም ዘይቃለሱላ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ኤር. 50:38፣ 51:30) ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ንፈለግ ኤፍራጥስ ኣንፈቱ ምስ ቀየርዎን ንዕኡ ሰጊሮም ናብታ ኸተማ ብድንገት ምስ ኣተዉን፡ እቲ እተጠቕሰ ትንቢታት ብዝርዝር ተፈጺሙ እዩ። እታ ኸተማ ሰብ ዘይነብራ ኽትከውን ምዃና ዚገልጽ ትንቢት እውን፡ ኣገዳሲ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። (ኤር. 50:39፣ 51:26) ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ እታ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረት ባቢሎን ባዲማ ምህላዋ፡ ንልክዕነት ትንቢት ኣምላኽ ዚምስክር እዩ።
16 የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ኣይሁድ ንባቢሎናውያን ን70 ዓመት ከም ዚግዝእዎም ገለጸ። ድሕሪኡ፡ ናብ ዓዶም ከም ዚመልሶም ሓበረ። (ኤርምያስ 25:8-11፣ 29:10 ኣንብብ።) ዳንኤል ኣብዚ ትንቢት እዚ ምሉእ ዘይጕዱል ምትእምማን ነበሮ፣ “ምዕናው የሩሳሌም” መዓስ ከም ዚፍጸም ንምፍላጥ እውን ተጠቕመሉ። (ዳን. 9:2) እዝራ ኸም ዝገለጾ፡ “እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ደረኾ፣” ቂሮስ እውን ንባቢሎን ስዒሩ፡ ንኣይሁድ ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ ገበረ። (እዝ. 1:1-4) ድሕሪኡ፡ ከምቲ ኤርምያስ እተነበዮ፡ እቶም እተመልሱ በቲ ኣብ ዓዶም ዝሰፈነ ሰላምን በቲ ኸም ብሓድሽ ዝቘመ ንጹህ ኣምልኾን ብሓጐስ ተፈንጭሑ።—ኤር. 30:8-10፣ 31:3, 11, 12፣ 32:37።
17. ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ራማ ዚህሉ “ብኽያት” እተዛረቦ ቓላት፡ ንኽልተ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብኸመይ ኬመልክት ከም ዚኽእል ግለጽ።
17 ኤርምያስ፡ ነዊሕ ጸኒሑ ዚፍጸም ትንቢታት እውን መዝጊቡ እዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፤ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን መሪር ብኽያትን። ራሄል ንደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ስለ ደቃ ምድባስ አበየት።” (ኤር. 31:15) ብ607 ቅ.ክ.፡ ምሩኻት ኣይሁድ ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ሰሜን ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ራማ እተኣከቡ እዩ ዚመስል። ገሊኦም እሱራት ኣብ ራማ ተቐቲሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ናይ መጀመርታ ፍጻመ እቲ ትንቢት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ራሄል “ንደቃ” ኸም ዝበኸየት ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ። ልዕሊ ሽዱሽተ ዘመን ምስ ሓለፈ ግን፡ ንጉስ ሄሮድስ ንሕጻናት ቤት-ልሄም ኣቕተሎም። እቲ ወንጌል ዝጸሓፈ ማቴዎስ፡ ቃላት ኤርምያስ ነቲ እቲ ጃምላዊ ቕትለት ዘስዓቦ ሓዘን ዜመልክት ከም ዝዀነ ገለጸ።—ማቴ. 2:16-18።
18. ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ተፈጸመ፧
18 ካልእ ትንቢት እውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ተፈጺሙ እዩ። ኣምላኽ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ፡ ኤዶም ካብቶም ብባቢሎናውያን ዚውረሩ ህዝብታት ከም እትኸውን ተነበየ። (ኤር. 25:15-17, 21፣ 27:1-7) እቲ ትንቢት ግን በዚ ኣየብቅዐን። ኤዶም ከም ሶዶምን ጎሞራን ከም እትኸውን እውን ሓበረ። እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ መቸም ኣይትስሕቶን ኢኻ፣ ኤዶም ንሓዋሩ ሰብ ዘይነብረላ ኽትከውንን ክትባድምን ማለት እዩ። (ኤር. 49:7-10, 17, 18) ከምኡ ኸኣ እዩ ዀይኑ። ሎሚ፡ ኤዶምን ኤዶማውያንን ዚብል መጸውዒ ኣበይ ዚርከብ ይመስለካ፧ ኣብ ዘመናዊ ካርታ ኣሎዶ፧ የለን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጥንታውን ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚገልጽን መጻሕፍቲ ወይ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኣብ እተሰርሐ ካርታ እዩ ዚርከብ። ፍላቭየስ ጆሰፈስ፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኤዶማውያን ኣይሁድነት ኪቕበሉ ኸም እተገደዱ ኣዘንትዩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ብ70 ድ.ክ. የሩሳሌም ምስ ጠፍአት፡ ብደረጃ ህዝቢ ህልውናኦም ኣብቅዐ።
19. ትንቢት ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ትንቢት ንምፍጻም ዘለዎ ኽእለት እንታይ ትገልጽ፧
19 ትንቢት ኤርምያስ ብዛዕባ ውልቀ-ሰባትን ህዝብታትን ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ዝመልኣ መጽሓፍ እያ። መብዛሕትኡ እዚ ትንቢታት እዚ፡ ድሮ ተፈጺሙ እዩ። እዚ ጥራይ እኳ፡ ነታ መጽሓፍ ንኸተቕልበላን ንኸተጽንዓን ኪድርኸካ ይግባእ፣ ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣምላኽካ ሓደ ነገር ተረጋግጸልካ እያ። የሆዋ ነቲ ዝሓለኖ ገይሩ እዩ፡ ብሕጂ እውን ከምኡ ኺገብር እዩ። (ኢሳይያስ 46:9-11 ኣንብብ።) እዚ ነገር እዚ፡ ነቲ ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ምትእምማን ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። አረ ገሊኡ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢታትሲ፡ ንዓኻን ንመጻኢኻን ብቐጥታ ዚጸሉ እዩ። ገለ ኻብኡ፡ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እዛ ምዕራፍ እዚኣ ንመርምር።
ገለ ኻብቲ ኤርምያስ ምስ ሞተ እተፈጸመ ትንቢታት እንታይ እዩ፧ እዚ ንዓኻ ዜገድሰካ ስለምንታይ እዩ፧
ንዓኻ ዚጸልወካ ትንቢታት
20-22. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ እቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ትንቢታት፡ ልዕሊ ሓደ ፍጻመ ኣለዎ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ ግለጽ።
20 ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ፍጻመ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። የሱስ ነቲ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ‘ህላወኡን መደምደምታ እቲ ስርዓትን’ ዝሓተትዎ ሕቶ፡ ልዕሊ ሓደ ፍጻመ ዘለዎ መልሲ እዩ ሂብዎም። (ማቴ. 24:3 NW) እቲ ትንቢት እቲ፡ ኣብተን ካብ 66 ክሳዕ 70 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ተፈጺሙ ነይሩ እዩ። ብእተወሰነ መዳይ ግን፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት ዚመጽእ ዓብዪ “መከራ” ኺፍጸም እዩ። እቲ መከራ እቲ፡ “ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ።” (ማቴ. 24:21) ኣብቲ ኤርምያስ ዝመዝገቦ ትንቢታት እውን፡ ተመሳሳሊ ነገራት ኣሎ። ገለ ኻብቲ ትንቢታት፡ ብ607 ቅ.ክ. ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ እኳ እንተ ረኸበ፡ ጸኒሑ ግን ካልኣይ ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ “ራሄል ንደቃ በኸየት” ዚብል ትንቢት ክንወስድ ንኽእል ኢና። (ኤር. 31:15) እወ፡ ገለ ኻብቲ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢታት፡ ነዚ እትነብረሉ ዘለኻ ግዜ ዚምልከት እዩ፣ ፍጻሜኡ ኸኣ ንዓኻ እውን ይጸልወካ እዩ።
21 ነዚ ኻብ ራእይ ዮሃንስ ክትዕዘቦ ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነቲ ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ብ539 ቅ.ክ. እተፈጸመ ውድቀት ባቢሎን እተዛረቦ ትንቢታት ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣቐዲሙ እተፈጸመን ብዝዓበየ ደረጃ ዚፍጸምን ነገራት ዘሎ ምምስሳል ክንርኢ ንኽእል ኢና። ገለ ኻብቲ ኤርምያስ እተዛረቦ እሞ ኣብዚ ግዜና እተፈጸመ ትንቢታት፡ ብዛዕባ ውድቀት ሓንቲ ዓባይ ሃጸያዊት ግዝኣት እዩ፣ እዚኣ ድማ እታ “ዓባይ ባቢሎን” እትበሃል ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸያዊት ግዝኣት እያ። (ራእ. 14:8፣ 17:1, 2, 5፣ ኤር. 50:2፣ 51:8) ህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ መዓታ ምእንቲ ኸይካፈሉ፡ ‘ካብኣ ኺወጹ’ ተነግሮም። (ራእ. 18:2, 4፣ ኤር. 51:6) እቲ ንህዝብታታ ወይ ንምእመናና ዜመልክት ማያት እታ ኸተማ፡ ‘ኪነቅጽ’ ምዃኑ ተሓበረ።—ኤር. 51:36፣ ራእ. 16:12።
22 ኣምላኽ ብሰንኪ እቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ህዝቡ ዝፈጸመቶ ግፍዒ፡ ኣብ ልዕሊኣ ሕኒኡ ኸም ዚፈዲ ዚገልጽ ትንቢት ገና ኣብ መጻኢ እዩ ዚፍጸም። የሆዋ፡ ‘ከምቲ ዝገበረቶ ዅሉ ኺገብራ’ እዩ። (ኤር. 50:29፣ 51:9፣ ራእ. 18:6) እተን ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዜመልክታ ምሳልያውያን ሃገራት ከኣ፡ ኪባድማ እየን።—ኤር. 50:39, 40።
23. ኣብ መበል 20 ዘመን እንታይ ነብዪ ኤርምያስ እተነበዮ መንፈሳዊ ምምላስ እዩ እተፈጸመ፧
23 ኣቐዲምካ ኸም ዝረኣኻዮ፡ እቲ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢታት፡ ኣወንታዊ ሸነኽ እውን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ ኣብዚ ግዜና ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድሪ ናብ ዝነበሮ ኸም ዚምለስ እተነበየ። ምሩኻት ኣይሁድ ካብ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ሓራ ምውጻኦም፡ ምስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ቈመት፡ ዘመናውያን ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ዝወጹሉ ፍጻመ ይመሳሰል እዩ። ብመንፈሳዊ ዓይኒ፡ የሆዋ ንህዝቡ ናብ ንጹህ ኣምልኾ መሊስዎም እዩ፣ ንሳቶም እውን ምስጋናኦምን ሓጐሶምን ገሊጾም እዮም። የሆዋ ነቲ ህዝቡ ንኻልኦት ናብ ኣምልኾኡ ንምምጻእን ብመንፈሳዊ መዳይ ንምምጋብን ዚገብርዎ ጻዕሪ ባሪኽዎ እዩ። (ኤርምያስ 30:18, 19 ኣንብብ።) የሆዋ ንህዝቡ፡ ጓሶት፡ ማለት ንመጓሰኡ ዚከናኸኑን ዜዕቍቡን ብመንፈስ ብሱላት ሰብኡት፡ ከም ዚህቦም ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ከም እተፈጸመ ብተመክሮ ትፈልጦ ኢኻ።—ኤር. 3:15፣ 23:3, 4።
24. ገና ብሕጂ ዚፍጸም እንታይ ሓያል ቃላት ኤርምያስ ኣሎ፧
24 እቲ ኤርምያስ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት፡ ነቶም እሙናት ዝሓሸ ኸም ዚረኽቡ መብጽዓ ኪዀኖም ከሎ፡ ነቶም ምስ የሆዋ ንዝነበሮም ርክብ ዘይሓለዉ ግን ከም ዚጠፍኡ መጠንቀቕታ እዩ ዚዀኖም ነይሩ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣገዳስነት እዘን ስዒበን ዘለዋ ቓላት ዝሓዘላኦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ እዮም እምበር፡ ኣይኪብከዮምን እዩ፡ ኣይኪእከቡን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም።”—ኤር. 25:33።
25. ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧
25 እወ፡ ከም ኤርምያስ፡ ኣብ ወሳኒ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ብግዜ ኤርምያስ፡ ሰባት ንመልእኽቲ የሆዋ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ እዩ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነብያት ኣይኰኑን። ነቲ የሆዋ እተዛረቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዘይጋገ ቓል ሓቂ ኽንውስኸሉ ብመንፈስ ኣይተደረኽናን። ኰይኑ ግን፡ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ኵሉ መዓልቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ግን ተመዚዝና ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) ነቲ ኺፍጸም ዘለዎ ነገር ካብ ሰባት ብምሕባእ፡ ‘ቃል የሆዋ ኽንሰርቕ’ ኣይንደልን ኢና። (ኤርምያስ 23:30 ኣንብብ።) ኣብ ቃሉ ዚርከብ ሓይልን ጽልዋን ከይንንኪ ቘሪጽና ኢና። ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተነበዮ ሓያሎ ትንቢታት ተፈጺሙ እዩ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ኸይተፈጸመ ዝተረፈ ትንቢታት፡ ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን ምዃኑ የረጋግጸልና። ኣምላኽ ‘ነቲ ዝሓለኖን ካብ ጥንቲ ሒዙ ዝነገረሉን’ ነገር ብርግጽ ከም ዚገብር፡ ንሰባት ክንነግሮም ኣሎና።—ድጕ. 2:17።
26. ኣብ ዚቕጽል እንታይ ተወሳኺ ትንቢት ኢና ኽንምርምር፧
26 ብዛዕባ እቲ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢታትን ዘመሓላለፎ መልእኽትታትን እንገብሮ ምርምር እተማልአ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ “ሓድሽ ኪዳን” ኪኣትወሎምን ሕጉ ኣብ ልቦም ኪጽሕፎን እተመባጽዖ ዓብዪ መብጽዓ ኽንምርምሮ ኣሎና። (ኤር. 31:31-33) ነዚ ኣባኻ ቐጥታዊ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢትን ፍጻሜኡን፡ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእዮ ኢና።
ኣየናይ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዚርከብ ትንቢታት እዩ ኣብዚ ግዜና እተፈጸመ፧ ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ዚፍጸም ትንቢታት ከመይ ይስምዓካ፧