ምዕራፍ ክልተ
“ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት” ምግልጋል
1, 2. (ሀ) ኤርምያስ ንፍረ ነገር ትንቢታዊ መልእኽቱ ዜጕልሕ እንታይ ራእይ እዩ ርእዩ፧ (ለ) ኣብቲ ኤርምያስ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ተገዳስነት ከተሕድር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
ኣምላኽ ነቲ ሓድሽ ዝመዘዞ ነብዪ፡ “እንታይ ትርኢ አሎኻ፧” በሎ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤርምያስ ከኣ፡ “ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ [“ነጀው ኣቢሉ ኺክዖ ዝቐረበ ዚፈልሕ ድስቲ ኣብ ሰሜን፡” ትርጕም 1990] እርኢ አሎኹ” ኢሉ መለሰ። እዚ ራእይ እዚ፡ ኤርምያስ እንታይ ዓይነት ኣዋጅ ከም ዚእውጅ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 1:13-16 ኣንብብ።) እቲ ምሳልያዊ ድስቲ ይፈልሕ እዩ ነይሩ። እወ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ጥልመት ሰፊኑ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዚምሽልቝ ፈሳሲ ዝኣመሰለ ጭንቂ ኻብቲ ድስቲ ናብ ይሁዳ ኸም ዚክዖ እዩ የሆዋ ዚንበ ነይሩ። ኣፍ እቲ ድስቲ ናብ ደቡብ ገጹ ዝዘንበለ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ሰሜን ጭንቂ ኸም ዚመጽእ፡ ማለት ባቢሎን ካብ ሰሜን ከም እትወርር ዚሕብር እዩ ነይሩ። ከምኡ ኸኣ እዩ ዀይኑ። ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ኣብ ዘገልገለሉ ዓመታት፡ ካብቲ ዚፈልሕ ድስቲ በብግዜኡ ኺክዖ ኸሎ ርእዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ እዋን ኣብቅዐ።
2 ሕጂ ባቢሎን እኳ እንተ ዘየላ፡ ብዛዕባ ትንቢታዊ መልእኽትታት ኤርምያስ ግን ተገዳስነት ከተሕድር ኣሎካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ሰባት ክርስትያናት ኢና እናበሉ ኽነሶም፡ ንሳቶምን ኣብያተ-ክርስትያኖምን ሞገስ ኣምላኽ ስኢኖምሉ ኣብ ዘለዉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢኻ እትነብር ዘለኻ። (ኤር. 23:20) ንስኻን ብጾትካ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ግን ኣብነት ኤርምያስ ብምስዓብ፡ ናይ ፍርዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እውን ትሰብኩ ኣለኹም።
3. (ሀ) ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዘሎ ጽሑፍ ብኸመይ እዩ ተሰሪዑ ዘሎ፧ (ለ) ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዋ፧
3 ኤርምያስ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ልክዕ ምስ ኰነ ኣብ ክንዲ ዚጽሕፎ፡ ኣብቲ ኸም ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለሉ ዳሕሮት ዓመታት ንባሩኽ ኣጽሒፍዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤር. 25:1-3፣ 36:1, 4, 32) ንሓያሎ ኽፋል እታ መጽሓፍ በብጕዳይ ገይሩ ስለ ዝሰርዖ፡ እታ መጽሓፍ መስርዕ ፍጻመታት ሓልያ ኣይኰነትን ተጻሒፋ። ስለዚ፡ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ኰነ እቲ ኣብኡ ዘሎ ፍጻመታት ዘጋጠመሉ መስርዕ ምፍላጥካ ኺጠቕመካ እዩ። ኣብ ገጽ 19 ዚርከብ ሰሌዳ ርአ። ኣብ ገሊኡ እዋን ኣብ ይሁዳ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ መን ምንባሩ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ ኣብ ውሽጥን ከባብን ይሁዳ እንታይ ይግበር ምንባሩ ምፍላጥካ፡ ነቲ ኤርምያስ ዝበሎ ወይ ዝገበሮ ነገር ብዝሓሸ ንኽትርድኦ ኬኽእለካ እዩ። ካብቲ ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ ንህዝቡ ዝለኣኸሎም መልእኽቲ ንኽትጥቀም ድማ፡ ብዝሓሸ ኽትዳሎ ኢኻ።
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ኤርምያስ
4-6. ኤርምያስ ነብዪ ቕድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ነበሩ፧
4 ኤርምያስ ዓበይቲ ለውጥታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ትንቢት ዚንበ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሶርን ባቢሎንን ግብጽን መቐናቕንቲ እየን ነይረን። ኤርምያስ ትንቢቱ ቕድሚ ምጅማሩ ኣስታት 93 ዓመት ይገብር፡ ኣሶር ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ስዒራ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተቐማጦ ናብ ካልእ ቦታ ኣግዓዘቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንየሩሳሌምን ነቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስን ካብ መጥቃዕቲ ኣሶራውያን ተኸላኸለሎም። ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ 185,000 ወተሃደራት ጸላኢ ኸም ዝቐተለ ትዝክሮ ትኸውን። (2 ነገ. 19:32-36) ሓደ ኻብቶም ደቂ ህዝቅያስ፡ ምናሴ እዩ ነይሩ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ምናሴ ን55 ዓመት ነጊሱሉ ዝነበረ እዋን ተወሊዱ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ቝጽጽር ኣሶር እያ ነይራ።—2 ዜና 33:10, 11።
5 ን1ይ ነገስትን ን2ይ ነገስትን ኤርምያስ እዩ ጽሒፍወን፣ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን መጻሕፍቲ ድማ፡ ምናሴ ነቲ ኣቦኡ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ኸም ዝሰርሖ ነንብብ። ንበዓልን ንሰራዊት ሰማይን ከኣ መሰውኢታት ሰርሐ፣ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ እኳ ኸይተረፈ መሰውኢታት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣቘመ። ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ፡ ንወዱ ኸኣ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ ዚሓርር መስዋእቲ ገበሮ። ብሓፈሻኡ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።” ብሰንኪ እዚ ዅሉ እከይ ድማ፡ ኣምላኽ ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ሰማርያን እስራኤልን መዓት ዘምጽአ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን እውን መዓት ከም ዜምጽእ ገለጸ። (2 ነገ. 21:1-6, 12-16) ምናሴ ምስ ሞተ፡ ወዱ ኣሞን ነቲ ኣቦኡ ዝጀመሮ ኣምልኾ ጣኦት እኳ እንተ ቐጸሎ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ለውጢ መጸ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣሞን ተቐትለ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዝነበረ ወዱ ዮስያስ ድማ ብ659 ቅ.ክ. ኣብ ዝፋን ደየበ።
6 ኣብቲ ዮስያስ ን31 ዓመት ዝገዝኣሉ እዋን፡ ባቢሎን ንኣሶር ክትበልጻ ጀመረት። ዮስያስ ንይሁዳ ኻብ ናይ ወጻኢ ዕብለላ ናጻ ዚገብረሉ ቐዳድ ረኸበ። ከም ኣቦኡን ኣቦሓጎኡን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሎ ነበረ፡ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ድማ ገበረ። (2 ነገ. 21:19–22:2) ኣብ መበል 12 ዓመት ግዝኣቱ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ዚርከብ በረኽትን ኣስታርቴታትን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምስልታትን ኣፍረሰ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኽትጽገን ኣዘዘ። (2 ዜና መዋእል 34:1-8 ኣንብብ።) ኤርምያስ ኣብ መበል 13 ዓመት ግዝኣት ዮስያስ (647 ቅ.ክ.) እዩ ነብዪ ኣምላኽ ኪኸውን ተመዚዙ።
ብግዜ ኤርምያስ ነብዪ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧
7, 8. (ሀ) ንግስና ንጉስ ዮስያስ ካብ ንግስና እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ምናሴን ኣሞንን ብኸመይ ይፍለ፧ (ለ) ዮስያስ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ (ኣብ ገጽ 20 እትርከብ ሳጹን ርአ።)
7 እታ ቤተ መቕደስ ክትጽገን ከላ፡ ኣብ መበል 18 ዓመት ግዝኣት ንጉስ ዮስያስ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ “መጽሓፍ ሕጊ” ረኸበ። ጸሓፊ እቲ ንጉስ ከኣ ነታ መጽሓፍ ወሲዱ፡ ነቲ ንጉስ ኣንበበሉ። ዮስያስ፡ ህዝቡ ይጋገዩ ኸም ዘለዉ ፈለጠ፡ ብነብዪት ሑልዳ ኣቢሉ ኻብ የሆዋ መምርሒ ደለየ፡ ንተገዛእቱ ድማ ትእዛዛት ኣምላኽ ኪሕልዉ ተማሕጸኖም። ሑልዳ ኸኣ፡ ብሰንኪ እቲ ሰብ ይሁዳ ዝፈጸምዎ ጥልመት፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም “ክፉእ” ከም ዜምጽእ ንዮስያስ ነገረቶ። ይኹን እምበር፡ ዮስያስ ንንጹህ ኣምልኾ ጽቡቕ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ኽፉእ ነገር ብህይወቱ ኸሎ ኣይኰነን መጺኡ።—2 ነገ. 22:8, 14-20።
8 ንጉስ ዮስያስ ንዅሉ ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ነገራት ንምውጋድ ጻዕርታቱ ኣሐየለ። ቈሪጹ ተላዒሉ ስለ ዝነበረ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ናብቲ ኣብ ሓደ እዋን ብሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዚግዛእ ዝነበረ ኽሊ ኸይዱ፡ በረኽትን ኣብ ቤትኤል ዚርከብ መሰውእን ኣፍረሰ። ፍልይ ዝበለ በዓል ፋስጋ ኸም ዚበዓል እውን ገበረ። (2 ነገ. 23:4-25) እዚ ንኤርምያስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሐጐሶ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እንተዀነ ግን፡ ነቲ ህዝቢ መገዱ ኸም ዚቕይር ምግባር፡ ቀሊል ኣይነበረን። ምናሴን ኣሞንን ነቲ ህዝቢ ምስ ብልሹው ኣምልኾ ጣኦት ስለ ዘላለይዎ፡ መንፈሳውነት እቲ ህዝቢ ባይታ ዘቢጡ እዩ ነይሩ። ዮስያስ ተሓድሶ እኳ እንተ ገበረ፡ ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ብዝሒ ኣማልኽቲ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታቶም ምዃኖም ገለጸ። ሰብ ይሁዳ ኸም ዘይእምንቲ ሰበይቲ እዮም ነይሮም፣ ንየሆዋ ሓዲጎም፡ ምስ ጓኖት ኣማልኽቲ መንዘሩ። ኤርምያስ ከኣ፡ “ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መሰውኢታት ሰሪሕካ” በለ።—ኤርምያስ 11:1-3, 13 ኣንብብ።
9. ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ግዝኣት ዮስያስ፡ እንታይ ኣህጉራዊ ፍጻመታት እዩ ኣጋጢሙ፧
9 ኤርምያስ ንኣይሁድ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ እናኣብጽሓሎም ክነሱ ኣይተቐየሩን፣ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ እውን ነቲ ዞባ ንምቍጽጻር ይቃለሱ እዮም ነይሮም። ብ632 ቅ.ክ.፡ ሓይልታት ባቢሎናውያንን ሜዶናውያንን ብሓደ ዀይኖም ነታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝነበረት ነነዌ ሰዓርዋ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዝነበሩ ኣሶራውያን ንምሕጋዝ፡ ሰራዊቱ ሒዙ ናብ ሰሜን ኣምርሐ። ዮስያስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይተገልጸ ምኽንያት፡ ንሓይልታት ግብጺ ኣብ መጊዶ ኺመልሶም ሓሰበ፣ ኰይኑ ግን፡ ኣብኡ ተወጊኡ ሞተ። (2 ዜና 35:20-24) እዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ፡ ንይሁዳ እንታይ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ለውጥታት እዩ ኣምጺኡላ፧ ንኤርምያስከ እንታይ ሓድሽ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧
ኣብ ሃይማኖታዊ ሃዋህው እተራእየ ለውጢ
10. (ሀ) ድሕሪ ሞት ዮስያስ ዝነበረ ግዜ ምስዚ ግዜና ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንኣኻይዳ ኤርምያስ ምምርማርና ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
10 ኤርምያስ ብሞት ዮስያስ ከመይ ተሰሚዕዎ ኸም ዝነበረ እሞ ገምቶ። ካብ ሓዘን ተላዒሉ፡ መልቀስ ኣልቀሰሉ። (2 ዜና 35:25) እቲ ግዜ እቲ፡ ዜሻቕል እዋን እዩ ነይሩ፣ ኣህጉራዊ ዘይምርግጋእ ድማ ኣብ ይሁዳ ጸቕጢ ኣምጽአ። እተን መቐናቕንቲ ዝነበራ ግብጽን ኣሶርን ባቢሎንን፡ ነቲ ዞባ ንምቍጽጻር ይቃለሳ እየን ነይረን። ኣብ ውሽጢ ይሁዳ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ሃዋህው እውን፡ ምስ ሞት ዮስያስ ተቐይሩ ነበረ። ንንጥፈታት ኤርምያስ ዚድግፍ ስርዓት ኣብቂዑ፡ ዚጻብኦ ስርዓት ጀመረ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት ተመሳሳሊ ለውጢ ኣጓኒፍዎም እዩ፣ ተዛማዲ ናጽነት ረኺቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ መስጐጕትን እገዳን ኣጋጢምዎም እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ገሌና ተመሳሳሊ ለውጢ እንተ ኣጋጠመና፡ መን ይፈልጥ፧ እዚ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧ ንጽህናና ንኽንሕሉ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ኤርምያስ ነቲ ዘጋጠሞ ብድሆታት ብዓወት ከም ዝሰገሮ ምፍላጥና የተባብዓና እዩ።
11. ድሕሪ ሞት ዮስያስ ኣብ ይሁዳ እንታይ ኵነታት ማዕበለ፧
11 ተቐማጦ ይሁዳ፡ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ኣብ ዝፋን የሩሳሌም ኣደየብዎ። እቲ ሻሉም እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ ዮኣሓዝ፡ ንሰለስተ ወርሒ ጥራይ ነገሰ። ፈርኦን ኔኮ ምስ ባቢሎናውያን ድሕሪ ምውጋኡ ናብ ደቡብ ምስ ተመልሰ፡ ነቲ ሓድሽ ንጉስ ኣውሪዱ ናብ ግብጺ ወሰዶ፣ ኤርምያስ ከኣ፡ ብዛዕባ ዮኣሓዝ፡ “ከቶ ኣይኪምለስን እዩ” በለ። (ኤር. 22:10-12፣ 2 ዜና 36:1-4) ኔኮ ኣብ ክንዳኡ፡ ዮኣቂም (ዮያቂም) ዝስሙ ኻልእ ወዲ ዮስያስ ኣንገሰ። ንሱ ግን ነቲ ኣቦኡ ዝሓደጎ ጽቡቕ ኣብነት ኣይሰዓበን። ነቲ ኣቦኡ ዝጀመሮ ተሓድሶ ኣብ ክንዲ ዚቕጽሎ፡ ጣኦት ኬምልኽ ጀመረ።—2 ነገስት 23:36, 37 ኣንብብ።
12, 13. (ሀ) ኣብ መጀመርታ ግዝኣት ዮኣቂም፡ እንታይ ሃይማኖታዊ ሃዋህው እዩ ሰፊኑ፧ (ለ) መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ኤርምያስ እንታይ ተግባራት እዮም ፈጺሞም፧
12 ኣብ መጀመርታ ግዝኣት ዮኣቂም፡ የሆዋ ንኤርምያስ ናብታ ቤተ መቕደስ ከይዱ፡ ንሰብ ይሁዳ ብሰንኪ እከዮም ብግህዶ ኪዅንኖም ኣዘዞ። ሰብ ይሁዳ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ ማእከሎም ስለ ዘላ፡ ከም እተዕቍቦም ይመስሎም ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ‘ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ብሓሶት ምምሓል፡ ንበዓል ምዕጣን’ እንተ ዘይሓዲጎም፡ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ኪርሕርሓ ምዃኑ ነግሮም። ከምቲ የሆዋ ብግዜ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ነታ ኣብ ሺሎ ዝነበረት ማሕደር ዝሓደጋ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዜምልኹ ግቡዛት እውን ከምኡ ኸም ዚገብሮም መጠንቀቕታ ተዋህቦም። ምድሪ ይሁዳ “ኽትባድም እያ” ተባሂሉ ተነግሮም። (ኤር. 7:1-15, 34፣ 26:1-6)a ኤርምያስ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኺእውጅ ዘድልዮ ትብዓት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣብ ቅድሚ ምርኡያትን ጽልዋ ዘለዎምን ሰባት እዩ ኸምኡ ገይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ሎሚ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምስክርነት መገዲ ንምስታፍ፡ ወይ ከኣ ንሃብታማት ወይ ንምርኡያት ሰባት ንምዝርራብ ብዙሕ ትብዓት ከም ዜድልዮም ተሰሚዕዎም እዩ። ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ሓደ ነገር ግን ኣሎ፦ ከምቲ ኣምላኽ ንኤርምያስ ዝደገፎ፡ ንዓና እውን ብርግጽ ይድግፈና እዩ።—እብ. 10:39፣ 13:6።
13 ነቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሃዋህው ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኤርምያስ እተዛረቦ ዘረባ ምስ ሰምዑ እንታይ ገይሮም፧ እቲ ነብዪ ባዕሉ ኣብ ዝገለጾ ጸብጻብ፡ “ካህናትን ነብያትን ኵሉ እቲ ህዝብን፤ . . . ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እናበሉ ሐዝዎ።” ብቝጥዓ ነዲሮም ስለ ዝነበሩ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ . . . ሞት ይግብኦ” ኢሎም ተዛረቡ። (ኤርምያስ 26:8-11 ኣንብብ።) እንተዀነ ግን፡ ተጻረርቲ ኤርምያስ ኣይተዓወቱን። የሆዋ ንነብዪኡ ንኼድሕኖ ምስኡ ነበረ። ኤርምያስ ከኣ በቲ ዜስግእ ትርኢት ተጻረርቱ ወይ ብብዝሖም ኣይፈርሀን። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትከውን ኣሎካ።
ኣብ መንጎ እቲ ምናሴን ኣሞንን ዮስያስን ዚገዝኡሉ ዝነበሩ ዅነታት እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ ካብቲ ኤርምያስ ነቲ እተዋህቦ በዳሂ መዝነት ዝሓዘሉ እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧
“ኵሉ ቓላት . . . ጽሐፎ”
14, 15. (ሀ) ኣብ ራብዓይ ዓመት ግዝኣት ዮኣቂም፡ ኤርምያስን ባሩኽ እቲ ጸሓፊኡን እንታይ ዕዮ እዮም ዝጀመሩ፧ (ለ) ዮኣቂም እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ (ኣብ ገጽ 25 እትርከብ ሳጹን ርአ።)
14 ኣብ ራብዓይ ዓመት ግዝኣት ዮኣቂም፡ የሆዋ ንኤርምያስ፡ ነቲ ኻብ ግዜ ዮስያስ ኣትሒዙ ዝነገሮ ዅሉ ቓላት ኪጽሕፍ ነገሮ። ኤርምያስ ከኣ ንባሩኽ እቲ ጸሓፊኡ ዅሉ እቲ ኣምላኽ ኣብተን ቅድሚኡ ዝነበራ 23 ዓመት ዝነገሮ ነገር ኣጽሓፎ። ናይ ፍርዲ መልእኽትታቱ ን20 ዚኣኽሉ ነገስታትን መንግስትታትን ዜጠቓልል ነበረ። ኤርምያስ ንባሩኽ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ቤት የሆዋ ዓው ኢሉ ኼንብባ ኣዘዞ። ዕላማ እዚ ጻዕሪ እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ኸምዚ በለ፦ “ምናልባሽ ቤት ይሁዳ ነቲ ኣባታቶም ከውርዶ ሐሲበዮ ዘሎኹ ዅሉ ኽፉእ ምስ ሰምዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መገዱ እንተ ተመልሰ፡ ኣነ ኸኣ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ።”—ኤር. 25:1-3፣ 36:1-3።
15 ሓደ ብዓል ስልጣን ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ንዮኣቂም ምስ ኣንበበሉ፡ እቲ ንጉስ እናቐደደ፡ ኣንደዳ። ድሕሪኡ፡ ንኤርምያስን ንባሩኽን ኬምጽኡሉ ለኣኸ። የሆዋ ግን “ሰወሮም።” (ኤርምያስ 36:21-26 ኣንብብ።) ዮኣቂም ሕማቕ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ፡ የሆዋ ብነብዪኡ ገይሩ፡ እቲ ንጉስ “ኣቀባብራ ኣድጊ” ኸም ዚቕበር ገለጸ። “ጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም” እውን በለ። (ኤር. 22:13-19) እዚ ንጹር ትንቢት እዚ፡ ኤርምያስ ኣጋኒኑ ኸም እተዛረበ ጌርካ ኺርአ ዘለዎዶ ይመስለካ፧
16. ኤርምያስ እንታይ ኣወንታዊ መልእኽቲ እዩ ዝኣወጀ፧
16 ኤርምያስ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ፍርዲ ኼብጽሕ እኳ እንተ ነበሮ፡ ነብዪ ጥፍኣት ግን ኣይነበረን። መልእኽቲ ተስፋ እውን ኣዊጁ እዩ። የሆዋ ንተረፍ እስራኤል ካብ ጸላእቶም ከም ዜድሕኖምን ናብ ዓዶም ከም ዚመልሶምን፡ ኣብኡ ኸኣ ብደሓን ከም ዚነብሩ ገሊጹ እዩ። ኣምላኽ ምስ ህዝቡ “ሓድሽ” “ናይ ዘለኣለም ኪዳን” ከም ዜቕውምን ንሕጉ ኣብ ልቦም ከም ዚጽሕፎን ሓቢሩ እዩ። ጌጋታቶም ይቕረ ኸም ዚብለሎምን ሓጢኣቶም ከም ዘይዝክሮን እውን ገሊጹ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኻብ ዘርኢ ዳዊት፡ “ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር” ምዃኑ ተነብዩ እዩ። (ኤር. 31:7-9፣ 32:37-41፣ 33:15) እዚ ትንቢታት እዚ፡ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታትን ዘመናትን ተፈጸመ፣ ገለ ኻብቲ ፍጻመኡ እውን ንህይወትና ዚትንክፍን ንዘለኣለማዊ መጻኢና ብሩህ ኪገብር ዚኽእልን እዩ። ብግዜ ኤርምያስ ግን፡ ጸላእቲ ይሁዳ ነቲ ዞባ ንምቍጽጻር ዚገብርዎ ዝነበሩ ቓልሲ ኣየቋረጹን።—ኤርምያስ 31:31, 33, 34፣ እብራውያን 8:7-9፣ 10:14-18 ኣንብብ።
ምትንሳእ ባቢሎን
17, 18. ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ንግስና ዮኣቂምን ኣብ ግዜ ንግስና ጼድቅያስን እንታይ ኣህጉራዊ ፍጻመታት እዩ ነይሩ፧
17 ብ625 ቅ.ክ.፡ ባቢሎናውያንን ግብጻውያንን ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ሰሜን ኣስታት 600 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ እትርከብ ከርከሚሽ ወሳኒ ውግእ ተዋግኡ። ንጉስ ነቡካድነጻር ንሓይልታት ፈርኦን ኔኮ ሰዓሮም፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ግብጺ ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ጽልዋ ኣብቅዐ። (ኤር. 46:2) ድሕርዚ፡ ነቡካድነጻር ንይሁዳ ተቘጻጸራ፡ ዮኣቂም ከኣ ኣገልጋሊኡ ኪኸውን ተገደደ። ዮኣቂም ንነቡካድነጻር፡ ንሰለስተ ዓመት ተገዝኦ፡ ድሕሪኡ ኻብኡ ዓለወ። (2 ነገ. 24:1, 2) ብ618 ቅ.ክ. ነቡካድነጻርን ሰራዊቱን ናብ ይሁዳ ገስገሱ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ከበብዋ። እቲ እዋን እቲ፡ ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ኰይኑ ዜገልግል ኤርምያስ እውን ከይተረፈ፡ ክሳዕ ክንደይ ህውከት ዝመልኦ ምንባሩ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ዮኣቂም ኣብቲ የሩሳሌም ተኸቢባትሉ ዝነበረት እዋን እዩ ሞይቱ ኪኸውን ዘለዎ።b ወዱ ዮኣኪን (ዮያኪን) ካብቲ ኣብ ዝፋን ይሁዳ ዝደየበሉ ሰለስተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ንባቢሎናውያን ኢዱ ሃበ። ነቡካድነጻር ከኣ ንየሩሳሌም ሃብታ ዘመታ፡ ንዮኣኪንን ንቤተሰብ ንጉስን ንልዑላን ይሁዳን ንጀጋኑ እታ ሃገርን ንሰራሕትን ማሪኹ ወሰዶም። ካብቶም ብምርኮ እተወስዱ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ይርከብዎም።—2 ነገ. 24:10-16፣ ዳን. 1:1-7።
18 ድሕርዚ፡ ነቡካድነጻር ንጼድቅያስ (ጼዴቅያስ) ዚበሃል ካልእ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ ገበሮ። ንሱ ኸኣ ካብቶም ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት እተወልዱ ኣብ ምድሪ ዝነገሱ ነገስታት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዀነ። ብ607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ምስ ቤተ መቕደሳ ምስ ጠፍአት ድማ፡ ንግስናኡ ኣብቅዐ። (2 ነገ. 24:17) ኣብቲ ጼድቅያስ ን11 ዓመት ዝገዝኣሉ እዋን ግን፡ ኣብ ይሁዳ ሓያል ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት ሰፊኑ ነበረ። ኤርምያስ ኣብቲ ነብዪ ኪኸውን ዝመዘዞ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪውከል ኣድልይዎ ነይሩ እዩ።
19. ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰባት ንመልእኽቱ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧ እዚ ኼገድሰካ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧
19 ንርእስኻ ኣብ ቦታ ኤርምያስ እሞ ኣእትዋ። ኤርምያስ፡ ካብ ግዜ ዮስያስ ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ፖለቲካዊ ህውከትን መንፈሳዊ ብልሽውናን ርእዩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ዝበኣሰ ዅነታት ከም ዚመጽእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ደቂ ዓዱ፡ “ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበ” ኢሎምዎ እዮም። (ኤር. 11:21) ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢታት ምስ ተፈጸመ እውን ከይተረፈ፡ ኣይሁድ፡ “እቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና” ኢሎምዎ እዮም። (ኤር. 44:16) ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኤርምያስ ዝኣወጆ መልእኽቲ ኻብ የሆዋ ዝዀነ፡ ንስኻ እትእውጆ መልእኽቲ እውን ካብ የሆዋ እዩ። ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ኣብቲ ናብ ውድቀት የሩሳሌም ዜምርሕ እዋን፡ የሆዋ ንነብዪኡ ብኸመይ ከም ዘዕቈቦ ብምምርማር፡ ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ከተሐይል ትኽእል ኢኻ።
ካብቲ ኤርምያስ ብግዜ ንግስና ዮኣቂም ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ኤርምያስ ክሳዕ እዚ ግዜና ዚበጽሕ እንታይ ፍልይ ዝበለ ትንቢት እዩ እተነበየ፧
ስርወ-ንግስነት ዜብቅዓሉ እዋን
20. ብግዜ ንግስና ጼድቅያስ ዝነበራ ዓመታት ንኤርምያስ ብሕልፊ ኣጸገምቲ ዝነበራ ስለምንታይ እየን፧ (ኣብ ገጽ 29 እትርከብ ሳጹን ርአ።)
20 ምናልባት ካብቲ ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለሉ እዋን፡ እተን ብግዜ ንግስና ጼድቅያስ ዝነበራ ዓመታት ዝኸበዳ ኪዀና ይኽእላ እየን። ጼድቅያስ ከም መብዛሕትኦም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር . . . ክፉእ ገበረ።” (ኤር. 52:1, 2) ንባቢሎናውያን ይግዝኦም ነበረ፣ ነቡካድነጻር እውን ንኺግዝኦ ብስም የሆዋ ኣምሒልዎ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጼድቅያስ ዓለወ። ጸላእቲ ኤርምያስ ከኣ ንኤርምያስ ነቲ ዕልወት ንኺድግፍ ሓያል ጸቕጢ ገበሩሉ።—2 ዜና 36:13፣ ህዝ. 17:12, 13።
21-23. (ሀ) ብግዜ ንግስና ጼድቅያስ፡ ኣብ ይሁዳ እንታይ ንሓድሕዶም ዚጻረሩ ጕጅለታት እዮም ነይሮም፧ (ለ) ኤርምያስ ብምኽንያት መትከሉ፡ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ እዚ ኼገድሰካ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧
21 ኣብ መጀመርታ ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ካብ ነገስታት ኤዶምን ሞኣብን ዓሞንን ጢሮስን ሲዶንን እተላእኩ ልኡኻት ናብ የሩሳሌም መጺኦም ኪዀኑ ኣለዎም። ምናልባት ዕላማኦም ንጼድቅያስ፡ ካብ ነቡካድነጻር ዓልዩ ምሳታቶም ንኺሰምር ኬእምንዎ ኢሎም እዮም ዚዀኑ። ኤርምያስ ግን ንጼድቅያስ፡ ንባቢሎን ኪግዛእ ተማሕጸኖ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እቶም ልኡኻቶም ዝሰደዱ ኣህዛብ ንባቢሎናውያን ኪግዝኡ ኸም ዘለዎም ንምምልካት፡ ኤርምያስ ነቶም ልኡኻት ኣርዑት ኣቕረበሎም። (ኤር. 27:1-3, 14)c ኤርምያስ ነቲ መልእኽቲ እቲ ምምሕልላፉ ብብዙሓት ኣይተፈትወሉን፣ ሃናንያ ዝወሰዶ ስጕምቲ ድማ ነቲ ኤርምያስ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዝያዳ ኸም ዚጽላእ ገበሮ። ሃናንያ፡ ኣርዑት ባቢሎናውያን ከም ዚስበር ብስም ኣምላኽ እተነበየ ናይ ሓሶት ነብዪ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ዓመት እቲኣ፡ እቲ ናይ ሓሶት ነብዪ ዝነበረ ሃናንያ ኸም ዚመውት ሓበረ። ከምኡ ድማ ኰነ።—ኤር. 28:1-3, 16, 17።
22 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ይሁዳ፡ ንባቢሎን ኪግዝኡ ዚደልዩን ዕልወት ዚደልዩን ክልተ ተጻረርቲ ጕጅለታት ነይሮም እዮም። ብ609 ቅ.ክ.፡ ጼድቅያስ ካብ ግብጺ ወተሃደራዊ ሓገዝ ስለ ዝደለየ፡ ዓለወ። ሽዑ ኤርምያስ ካብቶም ነቲ ዕልወት ዚድግፉ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ሰባት ብድሆታት የጋጥሞ ነበረ። (ኤር. 52:3፣ ህዝ. 17:15) ነቲ ዕልወት ንምጭፍላቕ፡ ነቡካድነጻርን ሰራዊቱን ናብ ይሁዳ ተመልሱ፣ ንዅለን ከተማታት ይሁዳ ድሕሪ ምስዓሮም ከኣ፡ ንየሩሳሌም ከበብዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤርምያስ፡ የሩሳሌም ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ከም እትወድቕ፡ ንጼድቅያስን ንዅሎም ተገዛእቱን መልእኽቲ ኣመሓላለፈሎም። ነቶም ኣብታ ኸተማ ዚጸንሑ፡ ሞት ይጽበዮም ነበረ። እቶም ናብ ከለዳውያን ዝወጹ ግን፡ ብህይወት ኪተርፉ ምዃኖም ተነግሮም።—ኤርምያስ 21:8-10፣ 52:4 ኣንብብ።
23 መሳፍንቲ ይሁዳ ንኤርምያስ፡ ደጋፊ ባቢሎናውያን ከም ዝዀነ ገይሮም ረኣይዎ። ሓቂ ምስ ነገሮም፡ ወቕዕዎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ኣእተውዎ። (ኤር. 37:13-15) ኤርምያስ ግን ነቲ ኻብ የሆዋ እተላእከ መልእኽቲ ኣለምሊሙ ኣየቕረበሎምን። ስለዚ፡ እቶም መሳፍንቲ ንጼድቅያስ ኣእሚኖም፡ ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ሓሰቡ። ብዓዘቕቲ ተዋሒጡ ንኺመውት ከኣ፡ ናብ ማይ ዘይብሉ ዔላ ደርበይዎ። ኣብ ቤት ንጉስ ዜገልግል ዔቤድ-ሜሌክ ዚበሃል ኢትዮጵያዊ ግን ኣድሓኖ። (ኤር. 38:4-13) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ፖለቲካዊ ግርጭታት ምስታፍ ብምእባዮም፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኣትዮም እዮም። ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ንፈተናታት ንኽትገጥመሉን ንኽትሰግሮን ኬጽንዓካ ኸም ዚኽእል ንጹር እዩ።
24. ብ607 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ፍጻመታት ግለጽ።
24 ብ607 ቅ.ክ.፡ ባቢሎናውያን ንሓደ ሸነኽ መካበብያ የሩሳሌም ኣፍረሱ፡ እታ ኸተማ ድማ ወደቐት። ሓይልታት ነቡካድነጻር ንቤተ መቕደስ የሆዋ ኣንደድዋ፡ ንመካበብያ እታ ኸተማ ኣፍረስዎ፡ ንልዑላን ይሁዳ ድማ ሓረድዎም። ጼድቅያስ ኪሃድም እኳ እንተ ፈተነ፡ ሒዞም ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣቕረብዎ። ንደቁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሓረድዎም፣ ድሕሪኡ፡ ንጼድቅያስ ኣዒንቱ ኣዐዊሮም፡ ብሰንሰለት ኣሲሮም፡ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። (ኤር. 39:1-7) እወ፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን እተዛረቦ ቓላት ተፈጸመ። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ግን ብጥፍኣት ህዝቡ ኣብ ክንዲ ዚሕጐስ፡ ሓዘነ። እቲ ሽዑ እተሰምዖ ስምዒት፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ድጕዓ ኤርምያስ ከነንብቦ ንኽእል ኢና። ነታ መጽሓፍ እቲኣ ኸነንብባ ኸለና፡ ውሽጥና ኽንትንከፍ ኣሎና።
ንጥፈታት እቶም ተረፍ ይሁዳ
25, 26. (ሀ) የሩሳሌም ምስ ወደቐት፡ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ (ለ) ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ የሩሳሌም ምስ ወደቐት እተዋህቦም መልእኽቲ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧
25 እዚ ዅሉ ኺፍጸም ከሎ፡ ንኤርምያስ እንታይ ኣጋጢምዎ፧ መሳፍንቲ የሩሳሌም ኣእሲሮምዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ስዒሮም ዝመጹ ባቢሎናውያን ግን ካብ ማእሰርቱ ፈቲሖም ብለውሃት ሓዝዎ። ጸኒሑ ኤርምያስ ምስቶም ተማሪኾም ዚውሰዱ ዝነበሩ ኣይሁድ እኳ እንተ ተሓወሰ፡ ድሕሪኡ ግን፡ ተፈቲሑ እዩ። ገና ንኣምላኽ ኬገልግሎ ነበሮ፣ ኣብ መንጎ እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ዚዓዮ ዕዮ ተዋሂብዎ ነበረ። ነቡካድነጻር ንገዳልያ ኣብ ልዕሊ እቲ እተቘጻጸሮ ሃገር ከም ምስለኔ ገይሩ ሸሞ፣ ነቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ድማ ንንጉስ ባቢሎን ክሳዕ እተገዝኡ ሰላም ከም ዚረኽቡ ተመባጽዓሎም። ገሊኦም በዚ ዘይተሓጐሱ ኣይሁድ፡ ንገዳልያ ቐተልዎ። (ኤር. 39:13, 14፣ 40:1-7፣ 41:2) ኤርምያስ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ኣብታ ምድሪ ኪቕመጡ፡ ንንጉስ ባቢሎን ድማ ከይፈርህዎ ተማሕጸኖም። መራሕቶም ግን ንኤርምያስ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ከሲሶም ናብ ግብጺ ሃደሙ፣ ንዕኡን ንባሩኽን እውን ኣገዲዶም ምሳታቶም ተማልእዎም። ይኹን እምበር፡ ነቡካድነጻር ንግብጺ ኸም ዚወራን ከም ዚስዕራን ነቶም ኣብኡ ዚጸንሑ ስደተኛታት ኣይሁድ ከም ዜጥፍኦምን፡ ኤርምያስ ተነበየ።—ኤር. 42:9-11፣ 43:1-11፣ 44:11-13።
26 ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ደቂ ዓዱ ነቲ ነብዪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነገሮም መልእኽቲ ኣይሰምዕዎን። ስለምንታይ፧ “ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሐደግና፡ ኵሉ ነገር ጨነቐና፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና” በልዎ። (ኤር. 44:16, 18) እዚ ድማ መንፈሳውነቶም ክሳዕ ክንደይ ተባላሽዩ ምንባሩ እዩ ዜርኢ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ካብዚ ጸብጻብ እዚ፡ ሓደ ዘይፍጹም ሰብ፡ እምነት ብዘይብሎም ሰባት ተኸቢቡ ኽነሱ፡ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኪቕጽል ከም ዚኽእል ስለ እንመሃር፡ ንዓና የተባብዓና እዩ።
27. ብዛዕባ እተን ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ዝጸንሓለን ናይ መወዳእታ ዓመታት እንታይ ንፈልጥ፧
27 እቲ ኤርምያስ ኣብ መወዳእታ ዝጸሓፎ ፍጻመ፡ ማለት እቲ ንነቡካድነጻር ተኪኡ ዝነገሰ ኤዊል-መሮዳክ ንዮኣኪን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዝፈትሖ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ብ580 ቅ.ክ. እዩ ዀይኑ። (ኤር. 52:31-34) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤርምያስ ወዲ 90 ዓመት ኣቢሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣማውታኡ ዚገልጽ ዜተኣማምን ሓበሬታ የብልናን። እተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወቱ ኣብ ግብጺ ኣሕሊፍወን ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ን67 ዓመት ዚኣክል ንየሆዋ ፍሉይ ኣገልግሎት ድሕሪ ምቕራቡ ብተኣማንነት እዩ ሞይቱ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ዚተባብዓሉ ዝነበረ እዋንን ናይ ክሕደት ኣምልኾ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ ሓያሎ ዓመታትን ኣገልጊሉ እዩ። ገሊኦም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ሰማዒት እዝኒ ሂቦምዎ እዮም። መብዛሕትኦም ግን ንመልእኽቱ ኣይተቐበልዎን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ጽልኦም ብግህዶ ገሊጾምሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኤርምያስ ኣይሰለጦን ኪበሃል ይከኣል ድዩ፧ ኣይፋልን! የሆዋ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ “ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም” ኢልዎ ነይሩ እዩ። (ኤር. 1:19) ሎሚ ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ዘሎና መዝነት፡ ምስቲ ኤርምያስ ዝነበሮ መዝነት ዚመሳሰል እዩ። ስለዚ፡ ተመሳሳሊ ኣቀባብላ ኽንጽበ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 10:16-22 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኻብ ኤርምያስ እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ንኣገልግሎትናኸ ብኸመይ ክንሕዞ ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንመርምሮ።
ነቶም ንመልእኽቲ ኤርምያስ ዘይተቐበሉ ጼድቅያስን ተገዛእቱን እንታይ ኣጋጠሞም፧ ብዛዕባ ኤርምያስ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧
a ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ኤርምያስ 7:1-15ን 26:1-6ን ዘሎ ምምስሳል፡ ክልቲአን ብዛዕባ ሓደ ፍጻመ ኸም ዚገልጻ ዚድምድሙ ሰባት ኣለዉ።
b ዳንኤል 1:1, 2፡ ዮኣቂም ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ—ካብቲ ንነቡካድነጻር ኪግዝኦ ዝጀመረሉ ማለት ኪኸውን ኣለዎ—ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ከም እተዋህበ ትገልጽ። እዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ኣብ ግዜ ኸበባ ኸም ዝሞተን ኣማስያኡ ድማ እቲ ኸበባ ዕዉት ምንባሩን ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ጆሰፈስ፡ ነቡካድነጻር ንዮኣቂም ከም ዝቐተሎን ንሬሳኡ ብዘይ ቀብሪ ኣብ ወጻኢ መካበብያ የሩሳሌም ከም ዝደርበዮን ዝጸሓፎ ጸብጻብ ዜረጋግጽ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን።—ኤር. 22:18, 19፣ 36:30።
c ኣብ ኤርምያስ 27:1፡ ዮኣቂም ተጠቒሱ ምህላዉ፡ ናይ ቀዳሕቲ ጌጋ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቍጽሪ 3ን 12ን ጼድቅያስ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ።