ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ሕጕሳት ኢዮም ተባህለሎም
“እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ: እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ። ”—ኢሳይያስ 35:10
1. ሎሚ ዓለም ኣዝዩ ዘድልያ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧
ሎሚ: ወድሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ናይ ብስራት ልኡኽ የድልዮ ኢዩ። ንኣምላኽን ዕላማታቱን ዝምልከት ሓቂ ዝዛረብ ሰብ: ነቶም እኩያት ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ዘጠንቅቕን ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ድማ ኣምላኻዊ ሰላም ክረኽቡ ዝሕግዝን: ዘይፈርህ ምስክር ብህጹጽ የድሊ ኣሎ።
2, 3. ኣብ ኵነታት ናይ እስራኤል የሆዋ ነቲ ኣብ ኣሞጽ 3:7 ተመዝጊቡ ዘሎ መብጽዓኡ ብኸመይ ፈጸሞ፧
2 ኣብ ግዜ እስራኤል: የሆዋ ከምዚ ዝዓይነቶም ልኡኻት ክህብ ምዃኑ ተመባጺዑ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ናይ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ነብዪ ኣሞጽ ከምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።” (ኣሞጽ 3:7) የሆዋ ድሕሪ እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ ዝነበረ ክፍለ-ዘበናት ብዙሕ ዓበይቲ ተግባራት ፈጺሙ ኢዩ። ንኣብነት: ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ሕሩያት ህዝቡ ዓለወኛታትን ናይ ደም ገበነኛታትን ብምንባሮም ኣበርቲዑ ገሰጾም። ነተን በቲ ናይ እስራኤል ስቓይ ባህ ዝበለን ጐረባብቲ ሃገራት እውን ቀጺዕወን ኢዩ። (ኤርምያስ ምዕራፍ 46-49) ድሕርዚ: ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ውድቀት ናይቲ ብርቱዕ ባቢሎናዊ ሓይሊ ዓለም ኣምጽአ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ተረፍ እስራኤል ነታ ቤት መቕደስ እንደገና ንኽሃንጹ ናብ ዓዶም ተመለሱ።—2 ዜና መዋእል 36:22, 23
3 እዚ ምድሪ ዘንቀጥቅጥ ፍጻመታት ኢዩ ነይሩ: ምስ ናይ ኣሞጽ ቃላት ብምስምማዕ ድማ: የሆዋ ነቶም ንእስራኤል ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝነበሮ ብምጥንቃቕ ከም ልኡኻት ኰይኖም ዝዓዩ ዝነበሩ ነብያት ኣቐዲሙ ገሊጹሎም ኢዩ። ኣብ መፋርቕ ናይ ሻምናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ንኢሳይያስ ኣተንስኦ። ኣብ መፋርቕ ናይ ሻውዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ንኤርምያስ ኣተንስኦ። ድሕርዚ: ኣብ መወዳእታ ናይቲ ክፍለ-ዘበን እቲ ንህዝቅኤል ኣተንስኦ። እዚኣቶምን ካልኦት ነብያትን ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ምሉእ ምስክርነት ሂቦም ኢዮም።
ነቶም ሎሚ ዘለዉ ልኡኻት ኣምላኽ ምልላይ
4. ወድሰብ ልኡኻት ሰላም ከም ዘድልይዎ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧
4 ሎሚኸ፧ ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምንቍልቋል ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክርእዩ ከለዉ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ነገር ክፍጸም ኢዩ ዝብል ስምዒት ኣለዎም። እቶም ፍቕሪ ጽድቂ ዘለዎም ድማ ነቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ግብዝናን ጭው ዝበለ ክፍኣትን ክርእዩ ከለዉ ኣዝዮም ይጕህዩ። ከምቲ የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ‘በቲ ኣብ ማእከላ ዝግበር ዘሎ ጽያፍ ይጕህዩን ይትክዙን’ ኢዮም። (ህዝቅኤል 9:4) ይኹን እምበር: ብዙሓት ዕላማ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኣይርድኡን ኢዮም። ክንገሩ ኸኣ የድልዮም ኢዩ።
5. የሱስ ኣብ ግዜና ልኡኻት ክህልዉ ምዃኖም ብኸመይ ኣርኣየ፧
5 ሎሚ ከምቲ ፍርሂ ዘይብሉ መንፈስ ናይ ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ከምኡውን ህዝቅኤል ገይሩ ዝዛረብ ሰብዶ ኣሎ ኢዩ፧ የሱስ ዝዛረብ ሰብ ከም ዝህሉ ሓቢሩ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ንግዜና ዝምልከት ፍጻመታት ኣቐዲሙ ክዛረብ ከሎ: ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:14) ከም ልኡኽ: ከም ሰባኺ ናይቲ ብስራት መጠን ብምግልጋል: ሎሚ ነቲ ትንቢት እቲ ዝፍጽሞ ዘሎ መን ኢዩ፧ እቲ ኣብ መንጎ ግዜናን ጥንታዊት እስራኤልን ዘሎ ምምስሳላት ነዚ ሕቶ እዚ ክንምልስ ይሕግዘና ኢዩ።
6. (ሀ) ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ተመክሮ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ግለጾ። (ለ) ህዝቅኤል 11:17 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብኸመይ ተፈጸመት፧
6 ኣብ ግዜ እቲ ሕማቕ እዋን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ዘመናውያን ህዝቢ የሆዋ: ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል:’ ልክዕ ምስቲ እስራኤል ኣብ ባቢሎን ዝነበርዎ ዝመሳሰል ንምርኮ ተወስዱ። (ገላትያ 6:16) ብዓባይ ባቢሎን: በተን ህዝበ-ክርስትያን ቀንደን ዝዀነት ናይ ዓለም እኽብካብ ሓሶት ሃይማኖታት መንፈሳዊ ምርኮ ተማሪኾም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቲ የሆዋ ንህዝቅኤል እተዛረቦ ቃላት ከም ዘይተጠንጠኑ ኣርእዩ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም: ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክአኻኽበኩም: ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ።” (ህዝቅኤል 11:17) የሆዋ እቲ ንጥንታውያን እስራኤል ሂብዎም ዝነበረ መብጽዓ ምእንቲ ክፍጽሞ: ነቲ ንሓይሊ ዓለም ባቢሎን ስዒሩ ንተረፍ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ መገዲ ዝኸፈተ ቂሮስ ኣተንስኦ። ሎሚኸ፧
7. የሱስ ኣንጻር ዓባይ ባቢሎን ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ዘርኣየ እንታይ ብ1919 ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ፧ ግለጾ።
7 ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዘበን እዚ: ዝዓበየ ቂሮስ ይዓዪ ምንባሩ ዝሕብር ሓያል መርትዖ ነይሩ ኢዩ። ንሱ መን ነበረ፧ ብጀካ እቲ ብ1914 ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝነገሰ የሱስ ክርስቶስ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ብ1919 ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ናጻ ክወጹ: ብመንፈሳዊ ኵነታት ድማ ናብ ‘ሃገሮም’ ክምለሱ ከለዉ: እዚ ዓቢ ንጉስ እዚ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቅቡኣት ኣሕዋቱ ስምረቱ ኣርእይዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:8፣ ራእይ 18:4) በዚ ኸምዚ ህዝቅኤል 11:17 ዘመናዊ ፍጻሜ ረኸበት። ኣብ ግዜ ጥንቲ: እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ንኽምለሱ መገዲ ምእንቲ ክኽፈት ምውዳቕ ባቢሎን ኣድለየ። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ምምላስ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ኢድ እቲ ዝዓበየ ቂሮስ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ ኢዩ። እዚ ምውዳቕ እዚ: እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 14 ዘሎ ካልኣይ መልኣኽ “እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ” ክብል ከሎ ተኣዊጁ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 14:8) ንዓባይ ባቢሎን: ብፍላይ ድማ ንህዝበ-ክርስትያን ከመይ ዝበለ ስዕረት ኰን ኢዩ! ነቶም ሓቀኛታት ክርስትያናትከ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!
8. ትንቢት ህዝቅኤል ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብ1919 ናጻ ድሕሪ ምዃኖም ዝነበሮም ሓጐስ ብኸመይ ትገልጾ፧
8 ኣብ ህዝቅኤል 11:18-20 ነቲ ድሕሪ ምምላሶም ዝነበረ ሓጐስ ህዝቢ ኣምላኽ ዝሕብር ናይቲ ነብዪ መግለጺ ንረክብ። እቲ ቀዳማይ ፍጻሜ ናይ ቃላቱ: እቲ ኣብ መዓልትታት እዝራን ነህምያን ዝነበረ ናይ እስራኤል ምጽራይ ኢዩ ነይሩ። ዘመናዊ ፍጻሜኡ እውን ምስኡ ዝመሳሰል ነገር ኢዩ። ከመይ ምዃኑ እስከ ንርአ። የሆዋ ከምዚ ይብል:- “ናብኣ [ናብ ዓዶም] ኸኣ ኪመጹ እዮም: ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ዜስገድግድ ነገራን ኵሉ ጽያፍን ድማ ካብኣ ኼርሕቕዎ እዮም።” ልክዕ ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ: የሆዋ ካብ 1919 ጀሚሩ ንህዝቡ ኣጽረዮም: ንዕኡ ከገልግሉ ድማ እንደገና ሓይሊ ሃቦም። ንዅሉ እቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ርኹሳት ዝገብሮም ባቢሎናዊ ተግባራትን ሰረተ-እምነታትን ካብቲ መንፈሳዊ ኣከባቢኦም ከርሕቕዎ ጀመሩ።
9. የሆዋ ካብ 1919 ጀሚሩ ንህዝቡ እንታይ ኣገዳሲ በረኸት ኢዩ ዝሃቦም፧
9 ብድሕርዚ ብመሰረት ቍጽሪ 19: የሆዋ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ሓደ ልቢ ኽህቦም: ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ: ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ።” ምስዚ ቃላት እዚ ብምስምማዕ: የሆዋ ንዕኡ “ሓቢሮም” ምእንቲ ከገልግልዎ ብ1919 ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ሓድነት ከም ዝህልዎም ገበረ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ሓደ ልቢ” ሃቦም። (ጸፎንያስ 3:9) ብተወሳኺ: የሆዋ ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት ሓይሊ ንኽውስኹ: ነቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 ተገሊጹ ዘሎ ሰናይ ፍረ ድማ ንኽፈርዩ ንህዝቡ መንፈስ ቅዱስ ሃቦም። ኣብ ክንዲ እቲ ምላሽ ዘይህብ: ከም እምኒ ዝዀነ ልቢ: የሆዋ ልስሉስ: ተቐባሊ: እዙዝ: ንፍቓዱ ምላሽ ዝህብ ልቢ ሃቦም።
10. የሆዋ ነቶም እተመልሱ ህዝቡ ካብ 1919 ኣትሒዙ ዝባረኾም ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ከምዚ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ የሆዋ ባዕሉ ነዚ ይገልጾ። ኣብ ህዝቅኤል 11:20 ከምዚ ነንብብ:- “ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ: ንፍርደይ ከኣ ኪሕልዉን ኪገብርዎን: . . . ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ ኢዮም: ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።” እዞም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ክንዲ ሓሳባት ርእሶም ንሕጊ የሆዋ ምእዛዝ ተማሂሮም ኢዮም። ንሰብ ከይፈርሁ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ተማሂሮም ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ: ካብቶም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ናይ ሓሶት ክርስትያናት በሊጾም ተራእዩ። ህዝቢ የሆዋ ኢዮም ነይሮም። በዚ ኸኣ ኢዩ: የሆዋ ከም ልኡኹ: እቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያኡ’ ገይሩ ክጥቀመሎም ድሉው ዝነበረ።—ማቴዎስ 24:45-47
ሓጐስ ልኡኻት ኣምላኽ
11. ትንቢት ኢሳይያስ ንሓጐስ ህዝቢ የሆዋ ብኸመይ ትገልጾ፧
11 ሓለፍ ዝበለ ቦታ ሓላፍነት የስተማቕሩ ምንባሮም ምስ ተገንዘቡ ዝነበሮም ሓጐስ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ከም ጕጅለ መጠን: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:10 ዘሎ ቃላት ኣቃሊሖምዎ ኢዮም:- “ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ: ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ።” እቲ “እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ: እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ: ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ” ዝብል ኣብ ኢሳይያስ 35:10 ዘሎ መብጽዓ ኣብኣቶም ተፈጺሙ ኢዩ። ንዅሎም ደቅሰብ እቲ ብስራት ክሰብኩሎም ምስ ጀመሩ ሓጐስ ናይቶም ኣብ 1919 ዝነበሩ ናይ የሆዋ ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ከምዚ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ: ነዚ ዕዮ እዚ ካብ ምፍጻም ኣየቋረጹን: ሓጐሶም ድማ ወሲኹ ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ከምዚ በለ:- “ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም።” (ማቴዎስ 5:9 NW እግረ-ጽሑፍ) ሓቅነት ናይዚ ኣዋጅ እዚ ካብ 1919 ኣትሒዙ ክሳዕ ሎሚ ኣብቶም “ውሉድ ኣምላኽ” ዝዀኑ ቅቡኣት ተረፍ ይርአ ኣሎ።
12, 13. (ሀ) ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ምስቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝሓበሩ መን ኢዮም: እንታይ ዕዮኸ ኢዮም ዝገበሩ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ሓጐስ ኢዮም ዝረኸቡ፧
12 ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: ክሳዕ ምእካብ ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ ኣብ ምውዳእ ገጹ ዝኸደሉ ዓመታት ናይ 1930ታት: ቍጽሪ ናይቶም ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ወሲኹ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቍጽሪ ናይቶም ሰበኽቲ ብስራት ምውሳኽ ኣቋሪጹ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ዓቢ ጭፍራ ክርስትያናት ድሮ ክመጹ ጀሚሮም ነበሩ: ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ድማ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ሓበርዎም። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ዓቢ ጭፍራ ብትርኢት ርእይዎ ኢዩ: ንዕኦም ንምግላጽ እተጠቕመሉ ኣገባብ ድማ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ኢዩ:- “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም: ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ።” (ራእይ 7:15) እወ: እቲ ዓቢ ጭፍራ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ትሑዝ ኮነ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ቍጽሪ ናይቶም ቅቡኣት ካብ 1935 ኣትሒዙ ክጐድል ምስ ጀመረ: እቲ ዕዮ ምስክርነት ብዝለዓለ ናህሪ በዞም እሙናት ብጾቶም ንቕድሚት ቀጸለ።
13 በዚ መገዲ እዚ ድማ ኢሳይያስ 60:3, 4 ተፈጸመት:- “ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ: ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ: ኵሎም ተአኪቦም ናባኺ ይመጹ አለዉ: ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ: ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ አለዉ።” እዚ ምዕባለታት እዚ ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዘምጽኣሎም ሓጐስ: ኣብ ኢሳይያስ 60:5 ብጽቡቕ ኣገባብ ተገሊጹ ኣሎ: ከምዚ ድማ ይንበብ:- “ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ: ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ: ሽዑ ኽትርእዪ: ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ: ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ።”
ማሕበር የሆዋ ትጓዓዝ ኢያ ዘላ
14. (ሀ) ህዝቅኤል እንታይ ትርኢት ናይ ሰማያዊ ነገራት ኢዩ ዝረኣየ: እንታይ ትእዛዝከ ኢዩ እተቐበለ፧ (ለ) ዘመናውያን ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኢዮም እተረድኡ: እንታይ ግዴታኸ ኢዩ እተሰምዖም፧
14 ብ613 ቅ.ኣ.ዘ. ህዝቅኤል እታ ሰረገላ እትምሰል ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ክትጓዓዝ ብትርኢት ይርኢ። (ህዝቅኤል 1:4-28) ድሕርዚ የሆዋ ከምዚ በሎ:- “ኣታ ወዲ ሰብ: ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም።” (ህዝቅኤል 3:4) ኣብዚ ዓመት ናይ 1997 ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ዕላማታት ኣምላኽ ንምፍጻም ገና ብዘይዕረፍቲ ትጓዓዝ ከም ዘላ ንርዳእ ኢና። ስለዚ: ብዛዕባ እዚ ዕላማታት እዚ ንኻልኦት ክንነግሮም ከም ዘሎና ገና ግዴታ ይስምዓና ኢዩ። ህዝቅኤል ኣብቲ ግዜኡ ብቐጥታ መንፈስ የሆዋ ዝነፈሶ ቃላት ኢዩ ተዛሪቡ። ሎሚ: ካብቲ መንፈስ የሆዋ ዝነፈሶ ቃል: መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንዛረብ። እዚ መጽሓፍ እዚ ንደቅሰብ ዝኸውን ከመይ ዝበለ መልእኽቲ ኰን ኢዩ ዘለዎ! ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ዝጭነቑ እኳ እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ነገራት ካብቲ ንሳቶም ዝግምትዎ ንላዕሊ ዝገደደ—በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ካብቲ ንሳቶም ዝግምትዎ ንላዕሊ ዝሐሸ—ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጽ።
15. ሎሚ ኵነታት ዓለም ካብቲ ብዙሓት ሰባት ዝሓስብዎ ንላዕሊ ዝገደደ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ነገራት ዝገደደ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓንቀጻት ከም እተማሃርናዮ: ህዝበ-ክርስትያንን ኵለን ካልኦት ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ከምቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ፈጺማ ዝጠፍአት ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክጠፍኣ ኢየን። ብተወሳኺ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊት ተገሊጹ ዘሎ: ብምሉኡ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ እውን: ከምቲ ብዙሓት ኣረማውያን ጐረባብቲ ሃገራት የሩሳሌም ዝጠፍኣ ቀልጢፉ ክጠፍእ ኢዩ። (ራእይ 13:1, 2፣ 19:19-21) ኣብ መዓልትታት ህዝቅኤል የሆዋ እቲ ቀሪቡ ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌም ዘምጽኦ ራዕዲ ህያው ብዝዀነ መገዲ ገሊጽዎ ኢዩ። ሰባት ነቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ናይዛ ዓለም እዚኣ ምስ ተረድእዎ ግን ቃላቱ ዝያዳ ትርጕም ክህልዎ ኢዩ። የሆዋ ንህዝቅኤል ከምዚ በሎ:- “ኣታ ወዲ ሰብ: ቈዝም: ብምስባር ሓቛቝኻ: ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም። ኪኸውን ከኣ እዩ፤ እንታይ ኴንካ ትቝዝም፧ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ: ንስኻ፤ በቲ ዚመጽእ ወረ ዅሉ ልቢ ኺመክኽ: ኵለን ኣእዳው ድማ ወለል ኪብላ: ኵሉ መንፈስ ከኣ ኪሕለል: ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ኪፈስስ እዩ: ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ: ይመጽእ አሎ: ኪፍጸም ድማ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።” (ህዝቅኤል 21:6, 7፣ ማቴዎስ 24:30) ኣዝዩ ዘፍርህ ፍጻመታት ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ንብጾትና ሰባት ዘሎና ዓሚቝ ተገዳስነት ነቲ መጠንቀቕታ ክንእውጀሎም: ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ቍጥዓ የሆዋ ዝሓዘ “ወረ” ክንነግሮም የለዓዕለና ኢዩ።
16. እቲ ኵነታት ነቶም ትሑታት ሰባት ካብቲ ብዙሓት ዝሓስብዎ ንላዕሊ ዝሐሸ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
16 በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ ኵነታት ነቶም ትሑታት ሰባት ካብቲ መብዛሕትኦም ዝግምትዎ ንላዕሊ ዝሐሸ ኢዩ። በየናይ መገዲ፧ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ብሙማቱ: ሕጂ ድማ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ብምህላዉ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:15፣ ራእይ 11:15) እቲ ብዓይኒ ሰብ ክርአ ኸሎ ፈጺሙ ዘይፍታሕ ዝመስል ናይ ወድሰብ ግድል ድሕሪ ቐረባ ግዜ በታ ሰማያዊት መንግስቲ ክዕረ ኢዩ። ሞት: ሕማም: ብልሽውና: ጥሜት: ገበን: ከምኡውን ናይ ኣከባቢ ምብካል ነበረ ክኸውን ኢዩ: መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ተጻረርቲ ዘይብላ ኰይና ኣብ ልዕሊ ገነታዊት ምድሪ ክትገዝእ ኢያ። (ራእይ 21:3, 4) ደቅሰብ ኣምላኻዊ ሰላም—ምስ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕዶምን ሰላማውን ፍቕራውን ርክብ—ከስተማቕሩ ኢዮም።—መዝሙር 72:7
17. ንኣልባብ ናይ ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ሓጐስ ዘምጽኣሎም እንታይ ወሰኽ ኢዩ፧
17 ኣብ ገለ ክፍልታት ዓለም: ኣዝዮም ብዙሓት ትሑታት ሰባት ነዚ ናይ ኣምላኻዊ ሰላም መልእኽቲ ይምልስሉ ኣለዉ። ሒደት ኣብነታት ጥራይ ንምጥቃስ ዝኣክል: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዩክሬይን ኣብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 17 ካብ ሚእቲ ናይ ወሰኽ ጸብጻብ ሃበት። ሞዛምቢክ 17 ካብ ሚእቲ: ሊትዌንያ ኸኣ ገለ 29 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ናይ ወሰኽ ጸብጻብ ኣቕረባ። ሩስያ 31 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ክትገብር ከላ: ኣልባንያ ድማ ኣብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 52 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ገበረት። እዚ ወሰኽ እዚ ነቶም ኣምላኻዊ ሰላም ከስተማቕሩን ኣቕዋሞም ብወገን ጽድቂ ክገብሩን ዝደልዩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ዝውክል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ቅልጡፍ ወሰኽ ንምሉእ ክርስትያናዊ ሕውነት ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ።
18. ሰባት ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ ኣረኣእያና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
18 ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ነዚ መልእኽቲ እዚ ቐልጢፎምዶ ይምልስሉ ኢዮም፧ ዝምልስሉ እንተድኣ ኰይኖም: ምሳኻ ሓቢርና ንሕጐስ ኢና። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ግን: ሓደ ዝግደስ ሰብ እውን ከይተረፈ ቅድሚ ምርካብካ ኣዝዩ ብዙሕ ሰዓታት ኢዩ ዝወስድ። እዞም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዞባታት ዘገልግሉ ኣሕዋት ኣእዳዎም ኣሰልክዮም ወይ ተስፋ ቘሪጾም ድዮም፧ ኣይቈረጹን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣምላኽ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ነብዪ ህዝቅኤል ነቶም ደቂ ዓዱ ዝዀኑ ኣይሁድ ንመጀመርታ ግዜ ክሰብከሎም ክምዝዞ ኸሎ እተዛረቦ: ከምዚ ዝብል ቃላት ይዝክሩ ኢዮም:- “ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ: እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም: ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።” (ህዝቅኤል 2:5) ልክዕ ከም ህዝቅኤል ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኻዊ ሰላም ምንጋር ክንቅጽል ኢና። ክሰምዑና ከለዉ ባህ ይብለና። እንተ ነጽጉና: እንተ ኣላገጹልና: እንተ ኣሳጐጉና እውን ከይተረፈ ኣይንሕለልን ኢና። ንየሆዋ ነፍቅሮ ኢና: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ፍቕሪ . . . ኵሉ ትጸውር” ይብል። (1 ቈረንቶስ 13:4, 7) ብቐጻሊ ስለ እንሰብኽ: ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። መልእኽትና ይፈልጡ። መወዳእታ ምስ መጸ ድማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣምላኻዊ ሰላም ምእንቲ ከስተማቕሩ ንምሕጋዞም ከም ዝፈተኑ ክፈልጡ ኢዮም።
19. ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መጠን ኣኽቢርና እንሕዞ መሰል እንታይ ኢዩ፧
19 ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ዝዓቢ ዝዀነ ይኹን ካልእ መሰል ኣሎዶ፧ የለን! እቲ ዝዓበየ ሓጐስና ምስ ኣምላኽ ብዘሎና ርክብን ፍቓዱ ንገብር ከም ዘሎና ብምፍላጥን ኢዩ ዝርከብ። “እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ: ዎ እግዚኣብሄር: ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።” (መዝሙር 89:15) ንደቅሰብ ናይ ኣምላኽ ልኡኻት ሰላም ብምዃንና እንረኽቦ ሓጐስ ኵሉ ግዜ ኣኽቢርና እንሕዞ ይግበረና። የሆዋ ይኣክል ክሳዕ ዝብል ኣብዚ ዕዮ እዚ ብትግሃት ግዴና ንግበር።
ትዝክሮዶ፧
◻ ሎሚ ናይ ኣምላኽ ልኡኻት ሰላም መን ኢዮም፧
◻ ዓባይ ባቢሎን ብ1919 ውድቀት ከም ዘጋጠማ ብኸመይ ንፈልጥ፧
◻ እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ዝግደስሉ ቀንዲ ነገር እንታይ ኢዩ፧
◻ መጻኢ ግዜ ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዝሓስብዎ ንላዕሊ ተስፋ ዘይብሉ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት መጻኢ ግዜ ካብቲ ዝሓስብዎ ንላዕሊ ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእልታት]
ብዙሓት ሰባት ምንቍልቋል ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክርእዩ ከለዉ ሕማቕ ዝዀነ ነገር ክፍጸም ኢዩ ዝብል ስምዒት ኣለዎም
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ሎሚ ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ኣብ ዓለም እቶም ኣዝዮም ሕጕሳት ኢዮም