ምዕራፍ ዓሰርተ ሽዱሽተ
እቶም ተጻባእቲ ነገስታት መወዳእትኦም ይቐርብ
1, 2. መንነት ንጉስ ሰሜን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተቐየረ ብኸመይ ኢዩ፧
እቲ ፈረንሳዊ ፈላስፋን ጸሓፍ ታሪኽን ኣሌክስ ደ ቶኮቪለ ንፖለቲካዊ ሃዋሁ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩስያን ኣመልኪቱ ኣብ 1835 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እታ ሓንቲ ናጽነት ዝብል ኣምር ቀንዲ ኣንቀሳቓሲ ሓይላ ኢዩ፣ እታ ሓንቲ ኸኣ ግልያነት ኢያ እትኽተል። . . . መገድታተን እተፈላለየ ኢዩ፣ ይኹን እምበር: ብኣበሃህላ ገሊኦም ክልቲኣተን ሓደ መዓልቲ ፈፍርቂ ዓለም ከም ዝቈጻጸራ ኰይነን ምስጢራዊ ብዝዀነ መለኮታዊ መገዲ እተመደባ ኢየን ዝመስላ።” እዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ምውዳእ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሓቂ ዝነበረ፧ ጸሓፍ ታሪኽ ጀይ. ኤም. ሮበርትስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ኣብ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም: መጻኢ ኵነታት ዓለም ኣብ ኢድ ክልተ ዓበይትን ፈጺመን እተፈላለያን ሓይልታት ዝኣተወ ኢዩ ዝመስል። እታ ሓንቲ ሩስያ ክትከውን ከላ እታ ሓንቲ ኸኣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢያ።”
2 ኣብቲ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ዝነበረሉ ግዜ ጀርመን ቀንዲ ጸላኢት ንጉስ ደቡብ—ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ—ኢያ ነይራ: ቦታ ንጉስ ሰሜን ከኣ ሒዛ ነበረት። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ግን ተመቓቐለት። ምዕራብ ጀርመን ሽርካ ንጉስ ደቡብ ኰነት: ምብራቕ ጀርመን ድማ ምስ ካልእ ሓያል ፖለቲካዊ ጕጅለ ማለት ምስቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ኮሚኒስት ደንበ ኰነት። እዚ ደንበ ወይ ፖለቲካዊ ጕጅለ እዚ ብርቱዕ ተጻባኢ ኣንግሎ-ኣመሪካ ብምዃን ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ተንስአ። እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝነበረ ዘይምቅዳው ዝሑል ኲናት ተባሂሉ ተጸውዐ: ካብ 1948 ጀሚሩ ክሳዕ 1989 ድማ ጸንሐ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ጀርመናዊ ንጉስ ሰሜን ‘ነቲ ቅዱስ ኪዳን ሃቂንሉ’ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 11:28, 30) እዚ ናይ ኮሚኒስት ደንበኸ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ኪዳን እንታይ ኢዩ ኽገብር፧
ሓቀኛታት ክርስትያናት እንተ ወደቑ እኳ በርቲዖም ኢዮም
3, 4. ‘ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉ’ ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም: ምስ ንጉስ ሰሜንከ እንታይ ርክብ ኢዩ ዝነበሮም፧
3 እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ነቶም ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ [እቲ ንጉስ ሰሜን] እናቃባጠረ ኼስሕቶም እዩ።” እቲ መልኣኽ ወሲኹ ኸኣ ከምዚ በለ:- “እቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ግና ኪብርትዕን ኪገብርን [“ኬስልጥን:” NW ] እዩ። እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኸኣ ንብዙሓት ኪምህሩ እዮም: ግናኸ ንቕሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታን ብምርኮን ብብዝበዛን ኪወድቁ እዮም።”—ዳንኤል 11:32, 33
4 ‘ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉ’ ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ብተግባሮም ግን ንስም ክርስትና ዘበላሽዉ መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን እንተ ዘይኰይኖም ካልኦት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ዋልተር ኮላርዝ ኣብታ ረሊጅን ኢን ዘ ሶቭየት ዩንየን (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፉ “[ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም] መንግስቲ ሶቭየት ንኣብያተ-ክርስትያን: ንወላዲት ሃገሮም ንምክልኻል ንዋታውን ሞራላውን ደገፍ ክገብራ ተማሕጸነተን” ይብል። ዋላ እኳ እቲ ሽዑ ንጉስ ሰሜን ዝነበረ ሓይሊ ናይ ኢዘሀርነት ፖሊሲ ዝስዕብ እንተነበረ: ድሕሪ እቲ ውግእ እውን ከይተረፈ እቶም መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ምስኡ ዝነበሮም ምሕዝነት ክዕቅብዎ ደለዩ። ስለዚ ኸኣ ህዝበ-ክርስትያን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረቶ ንላዕሊ ክፍሊ ዓለም ኰነት: እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘፈንፍን ክሕደት ነበረ።—ዮሃንስ 17:16፣ ያእቆብ 4:4
5, 6. “እቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ” ተባሂሉ ዘሎ መን ኢዩ ነይሩ: ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሜን ከሎኸ ከመይ ነበረ፧
5 “እቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ” ከምኡውን “እቶም ጠቢባን ህዝቢ” ተባሂሎም ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናትከ እንታይ ገበሩ፧ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ንጉስ ሰሜን ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ዝግባእ ገይሮም ‘ንስልጣናት’ ዝግዝኡ እኳ እንተዀኑ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ግን ኣይነበሩን። (ሮሜ 13:1፣ ዮሃንስ 18:36) “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ንምሃብ ጥንቁቓት እኳ እንተነበሩ እቲ “ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ” ሂቦም ኢዮም። (ማቴዎስ 22:21) በዚ ድማ ንንጽህንኦም ብድሆ ቀረበሉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:12
6 ስለዚ ሓቀኛታት ክርስትያናት ‘ወዲቖም’ እኳ እንተዀኑ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ‘በርቲዖም’ ኢዮም። ብርቱዕ ስደት ይወርዶም: አረ ገሊኣቶምሲ ተቐቲሎም እውን ስለ ዝዀኑ ወዲቖም ኢዮም ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኦም እሙናት ኰይኖም ስለ እተረኽቡ በርቲዖም እውን ኢዮም። ከም የሱስ ንዓለም ስዒሮምዋ ኢዮም። (ዮሃንስ 16:33) ኣብ ርእሲ እዚ: ዋላ እኳ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወይ መዳጐኒ ደምበታት እንተ ኣተዉ ስብከት ኣየቋረጹን። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ‘ንብዙሓት ምሂሮም’ ኢዮም። ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ንጉስ ሰሜን ዝገዝኣሉ ዝነበረ ሃገራት ስደት እኳ እንተ ነበረ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሲኹ ኢዩ። “እቶም ጠቢባን” እሙናት ኰይኖም ስለ እተረኽቡ: ሕጂ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ብቝጽሪ እናወሰኹ ዝኸዱ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ክህልዉ ክኢሎም ኢዮም።—ራእይ 7:9-14
ህዝቢ የሆዋ ይጸርዩ
7. እቶም ንጉስ ሰሜን ኣብ ዝቈጻጸሮ ሃገራት ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ‘ቍሩብ ረድኤት’ ኢዮም ዝረኸቡ፧
7 እቲ መልኣኽ “[ህዝቢ ኣምላኽ] ምስ ወደቑ ኸኣ: ብቕሩብ ረድኤት ኪርድኡ እዮም” በለ። (ዳንኤል 11:34) ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንጉስ ደቡብ ብምዕዋቱ እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ገለ ዕረፍቲ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም። (ምስ ራእይ 12:15, 16 ኣረኣእዮ።) ብተመሳሳሊ እቶም ብንጉስ ሰሜን ስደት ዝወርዶም ዝነበረ እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕረፍቲ ይረኽቡ ነይሮም ኢዮም። ዝሑል ኲናት ኣብ ምውድኡ ገጹ ክኸይድ ከሎ ኸኣ ብዙሓት መራሕቲ: እሙናት ክርስትያናት ንመንግስቲ ዋላ ሓንቲ ከም ዘየስግኡ ስለ እተገንዘቡ ሕጋዊ ተፈላጥነት ክህብዎም ጀመሩ። እቶም እሙናት ቅቡኣት ብተኣማንነት ብምስባኾም ካብቶም ነቲ መልእኽቲ ዝቕበሉ ዝነበሩ ቍጽሮም በብግዜኡ ዝውስኽ ዝነበረ ዓቢ ጭፍራ ሓገዝ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም።—ማቴዎስ 25:34-40
8. ገሊኣቶም “ብግብዝና” ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዝሓበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
8 ካብቶም ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ተገዳስነት ዘርኣዩ: ጥዑይ ድራኸ ዝነበሮም ኵሎም ኣይኰኑን። እቲ መልኣኽ “ብዙሓት ብግብዝና ኺሐብርዎም እዮም” ብምባል ኣጠንቂቑ ነበረ። (ዳንኤል 11:34) ብዙሓት ኣብ ሓቂ ተገዳስነት እኳ እንተ ኣርኣዩ ህይወቶም ንኣምላኽ ክውፍዩ ግን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ካልኦት ነቲ ብስራት ብሓቂ እተቐበልዎ ዝመስሉ ዝነበሩ ኸኣ ካብ ሰበ-ሰልጣን እተላእኩ ሰለይቲ ኢዮም ነይሮም። ካብ ሓንቲ ሃገር ዝመጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ገለ ካብዞም ስርዓት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ማሕበር ጐይታ ሶሊኾም ዝኣተዉ ውፉያት ኮሙኒስት ኢዮም ነይሮም። ብርቱዕ ቅንኢ ከም ዘለዎም የምስሉ: አረ ኣብ ኣገልግሎት እውን ዝለዓለ ቦታ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ።”
9. የሆዋ ገለ ካብቶም እሙናት ክርስትያናት በቶም ሶሊኾም ዝኣተወ “ኪወድቁ” ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 እቲ መልኣኽ ቀጺሉ “እዝስ በቲ ምዱብ ጊዜ እዩ ዚኸውን እሞ: ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ኪዅልዖምን ኬጽርዮምን ኬጻዕድዎምንሲ: ኪወድቁ እዮም” በለ። (ዳንኤል 11:35) እቶም ሶሊኾም ዝኣተዉ ንገለ ካብቶም እሙናት: ንሰበ-ስልጣን ኣሕሊፎም ሃብዎም። የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ዘፍቀደ ንህዝቡ ምእንቲ ክዅልዕን ከጽርን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ‘በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ እተማህረ’ እዞም እሙናት እዚኣቶም እውን ኣብ እምነቶም ብዝወረዶም ፈተና ምጽማም ተማሂሮም ኢዮም። (እብራውያን 5:8፣ ያእቆብ 1:2, 3፣ ምስ ሚልክያስ 3:3 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ኸኣ ‘ተዀሊዖምን ጸርዮምን ጻዕድዮምን’ ኢዮም።
10. “ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ” ዝብል ኣገላልጻ እንታይ ማለት ኢዩ፧
10 ህዝቢ የሆዋ “ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ” ምውዳቕን ምጽራይን ከጋጥሞም ነበሮ። ልክዕ ኢዩ ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ስደት ክወርዶም ትጽቢት ይገብሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ካብ ንጉስ ሰሜን እተላእኩ ሶሊኾም ብምእታዎም እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝወርድ ምጽራይን ምጽዕዳውን ‘ንምዱብ ግዜ’ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዳንኤል 11:35 ተጠቒሱ ዘሎ “ዘመን መወዳእታ” ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ካብ ንጉስ ሰሜን ዝወርዶም መጥቃዕቲ እናተጸመሙ ንዝገብርዎ ዝነበሩ ምጽራይ ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ምውዳቕ ከኣ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ተወድአ።
እቲ ንጉስ ገዛእ ርእሱ የዕቢ
11. ንጉስ ሰሜን ብዛዕባ ሉዓላውነት የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ከም ዝህልዎ ኢዩ እቲ መልኣኽ እተዛረበ፧
11 ብዛዕባ ንጉስ ሰሜን እቲ መልኣኽ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “እቲ ምዱብ ነገር ኪፍጸም እዩ እሞ: እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ኺገብርን ርእሱ ኼልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘበለ ኺዕበን [ንሉዓላውነት የሆዋ ብምንጻግ] ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስተንክር ኪዛረብን እዩ። እቲ ቝጥዓ ኽሳዕ ዚፍጸምሲ: ኪሰልጠሉ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኺዕበ እዩ እምበር: ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይኬቕልበሉን: ነቲ ሃረርታ ኣንስትን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይኬቕልበሎምን እዩ።”—ዳንኤል 11:36, 37
12, 13. (ሀ) ንጉስ ሰሜን “ንኣምላኽ ኣቦታቱ” ዝነጸገ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እተን ንጉስ ሰሜን ‘ሃረርታአን’ ዘየቕለበሉ ‘ኣንስቲ’ መን ኢየን፧ (ሐ) ንጉስ ሰሜን ነየናይ ‘ኣምላኽ’ ኢዩ ክብሪ ዝሃበ፧
12 ንጉስ ሰሜን ነዚ ቓላት ትንቢት እዚ ብምፍጻም ንኸም እቲ ህዝበ-ክርስትያን እትኣምኖ ስላስያዊ ኣምላኽ ዘጠቓልል ‘ኣምላኽ ኣቦታቱ’ ነጸጎ። እቲ ናይ ኮሙኒስት ደንበ ቅሉዕ ዝዀነ ኢዘሀርነት የስፋሕፍሕ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ንጉስ ሰሜን ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ብምግባር ‘ኣብ ልዕሊ ዅሉ ተዓበየ።’ እቲ ንጉስ ሰሜን ‘ነቲ ሃረርታ ኣንስቲ’—ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ከም ገረድ ኰይነን ዘገልግልኦ ዝነበራ ከም በዓል ሰሜን ቬትናም ዝኣመሰላ ሃገራት—ከየቕለበ ‘ከም ፍቓዱ ገበረ።’
13 እቲ መልኣኽ ነቲ ትንቢት ብምቕጻል ከምዚ በለ:- “ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዕርድታት ኬኽብር: ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈለጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቓሑን ኬኽብሮ እዩ።” (ዳንኤል 11:38) ንጉስ ሰሜን ትውክልቱ ኣብቲ “ኣምላኽ ዕርድታት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ኣብ ስነ-ፍልጠት እተመርኰሰ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ገበረ። ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዚ ዘይበሃል ገንዘብ እናፍሰሰ ካብዚ “ኣምላኽ” እዚ ድሕነት ክረክብ ደለየ።
14. ንጉስ ሰሜን ‘ዘስለጠ’ ብኸመይ ኢዩ፧
14 “[“ኣብ ልዕሊ እቲ:” NW ] ጽኑዕ ዕርድታት ብጓና ኣምላኽ ተሐጊዙ ኸምዚ ኺገብሮ [“ከስልጥ:” NW ] እዩ: ነቶም ዚቕበልዎ ኽብሪ ኼብዝሓሎም: ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኬግዝኦም: ከም ዓስቢ ኸኣ ነታ ምድሪ ኪኸፋፍላ እዩ።” (ዳንኤል 11:39) ንጉስ ሰሜን ኣብቲ ‘ጓና ኣምላኽ’ ተባሂሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሉ ብምውካል ‘ኣስለጠ:’ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ክምህ ዘይብል ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ ኸኣ ኣረጋገጸ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ነቲ ናቱ ፍልስፍና ንእተቐበሉ ኸኣ ፖለቲካዊ: ቍጠባዊ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሃቦም።
ኣብ ዘመን መወዳእታ ዝህሉ ‘ምግጣም’
15. ንጉስ ደቡብ ምስ ንጉስ ሰሜን ‘እተጋጠመ’ ብኸመይ ኢዩ፧
15 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “ኣብ ዘመን መወዳእታ ግና እቲ ንጉስ ደቡብ ኪገጥመሉ እዩ” ኢሉ ነገሮ። (ዳንኤል 11:40ሀ) ‘ኣብዚ ዘመን መወዳእታ’ ንጉስ ደቡብ ንንጉስ ሰሜን ‘ገጢሙሉዶ’ ኢዩ፧ (ዳንኤል 12:4, 9) እወ: ገጢሙሉ ኢዩ። እቲ ብድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነቲ ሽዑ ዝነበረ ንጉስ ሰሜን—ጀርመን—ንምቕጻዕ ተባሂሉ እተገብረ ውዕል ሰላም: ሕነ ንምፍዳይ ዝተዃትኽ ‘ምግጣም’ ኢዩ ነይሩ። ንጉስ ደቡብ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተዓወተ ናብቲ መቐናቕንቱ ንጉስ ሰሜን ገጹ ዘፍርህ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣጻወደ: ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝበሃል ሓያል ወተሃደራዊ ኪዳን ድማ መስረተ። ብዛዕባ ተራ ኔቶ ሓደ ብሪጣንያዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “ነታ ሕጂ ንናይ ኣውሮጳ ሰላም ቀዳመይቲ ጠንቂ ኰይና እትርአ ዘላ ዩኤስኤስኣር ‘ዝገትእ’ ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ። እዚ ኪዳን እዚ 40 ዓመታት ገይሩ ኣሎ: ጕሉሕ ዓወታት ድማ ኣመዝጊቡ ኢዩ።” ዝሑል ኲናት ግዜ እናወሰደ ምስ ከደ: እቲ ንጉስ ደቡብ ኣንጻር ንጉስ ሰሜን ዝገብሮ ‘ምግጣም’ እተራቐቐ ስለያ ከምኡውን ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን መጥቃዕትታት ከጠቓልል ጀመረ።
16. ንጉስ ሰሜን ነቲ ናይ ንጉስ ደቡብ ምግጣም ብኸመይ መለሰሉ፧
16 ንጉስ ሰሜን ነዚ ብኸመይ መለሰሉ፧ “እቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን ከም ህቦብላ ንፋስ ኰይኑ ኺመጾ እዩ: ኣብተን ሃገራት ድማ ኪአቱን ኪውሕዝን ኪሐልፍን እዩ።” (ዳንኤል 11:40ለ) ታሪኽ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት ምስ እንምርምር ምስፍሕፋሕ ንጉስ ሰሜን ከም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ። ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም “ንጉስ” ናዚ ካብ ዶባቱ ሓሊፉ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ሃገራት ውሒዙ ኢዩ። እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ኸኣ እቲ ዝተክኦ “ንጉስ” ብርቱዕ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣቘመ። ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ንጉስ ሰሜን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ንዝርከባ ገለ ሃገራት ብምሕጋዝን ከም ዝቃወማ ብምግባርን ነቲ መቐናቕንቱ ገጢሙሉ ኢዩ። ንንጥፈታት ሓቀኛታት ክርስትያናት ደው ከብሎ እኳ እንተዘይከኣለ ዕንቅፋት ብምፍጣር ግን ኣብ ልዕሊኦም ስደት ኣውሪዱ ኢዩ። እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጐንጽታት ከኣ ንብዙሓት ሃገራት ኣብ ትሕቲኡ ከም ዝዀና ገበረን። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ በለ:- “ናብታ ኽብርቲ ሃገር [መንፈሳዊ ኵነታት ህዝቢ የሆዋ] ከኣ ኪአቱ እዩ: ብዙሓት ሃገር ድማ ኪወድቁ እዮም።”—ዳንኤል 11:41ሀ
17. ንምስፍሕፋሕ ንጉስ ሰሜን እንታይ ደረት ኢዩ ዝነበሮ፧
17 ይኹን እምበር: ንጉስ ሰሜን ንዓለም ብምልእታ ክቈጻጸራ ኣይከኣለን። እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ከምዚ በለ:- “ግናኸ ኤዶምን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ዓሞንን ካብ ኢዱ ኼምልጡ እዮም።” (ዳንኤል 11:41ለ) ኣብ ግዜ ጥንቲ ኤዶም: ሞኣብ: ከምኡውን ዓሞን ኣብ መንጎ እቲ ሽዑ ንጉስ ደቡብ ዝነበረ ግብጽን ንጉስ ሰሜን ዝነበረ ሶርያን ኢየን ዝርከባ ነይረን። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ኸኣ ነተን ንጉስ ሰሜን ክሕዘን ዝሃቀነ ግን ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ ክገብረን ዘይከኣለ ሃገራትን ማሕበራትን ኢየን ዘመልክታ።
ግብጺ ኣየምለጠትን
18, 19. ንጉስ ደቡብ በቲ መቐናቕንቱ እተጸልወ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
18 መልኣኽ የሆዋ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “[ንጉስ ሰሜን] ኣብ ሃገራት . . . ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ: ሃገር ግብጺውን ኣይከተምልጥን እያ። ንሱ ኣብቲ መዛግብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር ኣቓሑ ግብጽን ኪስልጥን እዩ: ሊብያን ኢትዮጵያን ድማ ኪስዕብዎ እዮም።” (ዳንኤል 11:42, 43) ንጉስ ደቡብ ማለት “ግብጺ” እውን ከይተረፈት ካብ ሳዕቤን ፖሊሲ ምስፍሕፋሕ ንጉስ ሰሜን ከተምልጥ ኣይከኣለትን። ንኣብነት: ንጉስ ደቡብ ኣብ ቬትናም ዘሕፍር ስዕረት ኣጋጠሞ። “ሊብያን ኢትዮጵያን” ተባሂሎም ዘለዉኸ እንታዎት ኢዮም፧ እዘን ጐረባብቲ ጥንታዊት ግብጺ ዝነበራ ሃገራት ነተን ሕጂ ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ክርአ ኸሎ ጐረባብቲ ዘመናዊት “ግብጺ” (ንጉስ ደቡብ) ዝዀና ሃገራት እውን ከመልክታ ይኽእላ ኢየን። እዘን ሃገራት እዚኣተን ሓደ ግዜ ‘ሰዓብቲ’ ንጉስ ሰሜን ነይረን ኢየን።
19 ንጉስ ሰሜን ኣብ ልዕሊ እቲ ‘መዛግብ ግብጺ’ ሰልጢኑዶ ኢዩ፧ ኣብቲ ንጉስ ደቡብ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛ ብሓቂ ብርቱዕ ጽልዋ ገይርሉ ኢዩ። ንጉስ ደቡብ ነቲ ተቐናቓኒኡ ስለ ዝፈርሆ ክምህ ዘይብል ኣጋር ሰራዊት: ሓይሊ ባሕሪ: ሓይሊ ኣየር ንምህናጽ እዚ ዘይበሃል ገንዘብ ኣፍሲሱ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንጉስ ሰሜን ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ንጉስ ደቡብ ‘ሰልጢኑ’ ኢዩ: ወይ ተቘጻጺርዎ ኢዩ።
ናይ መወዳእታ ወፍሪ
20. እቲ መልኣኽ ነቲ ናይ መወዳእታ ወፍሪ ንጉስ ሰሜን ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
20 እቲ ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዝህሉ ወተሃደራዊ: ቍጠባዊ: ወይ ካልእ ምውድዳር መወዳእታኡ ቀሪቡ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ገና ክመጽእ ዘለዎ ግጭት ክገልጽ ከሎ መልኣኽ የሆዋ ከምዚ በለ:- “ግናኸ ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ [ንንጉስ ሰሜን] ኼሸብሮ እዩ እሞ: ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ: ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ እዩ: ዚረድኦ ኸኣ የብሉን።”—ዳንኤል 11:44, 45
21. ብዛዕባ ንጉስ ሰሜን ገና ክንፈልጦ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ፧
21 ሕብረት ሶቭየት ኣብ ታሕሳስ 1991 ምስ ተበታተነት ንጉስ ሰሜን ከቢድ ዕንቅፋት ኣጋጠሞ። ዳንኤል 11:44, 45 ክፍጸም ከሎ እዚ ንጉስ እዚ መን ኢዩ ክኸውን፧ ብሓንቲ ካብተን ክፍሊ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበራ ሃገራት ይትካእዶ ይኸውን፧ ወይስ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ምሉእ ብምሉእ መንነቱ ክቕይር ኢዩ፧ ሓደስቲ ሃገራት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምስ ሰርሓ እቲ ዝፍጠር ቅድድም ምስራሕ ኣጽዋር ኣብ መንነት ናይቲ ንጉስ ጽልዋ ይገብር ደዀን ይኸውን፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ግዜ ጥራይ ኢዩ ዝምልሶ። ብግምት ዘይምዝራብ ምስትውዓል ኢዩ። ንጉስ ሰሜን ናይ መወዳእታ ወፍሪ ክገብር ከሎ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምስትውዓል ዘለዎም ንፍጻሜ እቲ ትንቢት ብንጹር ክርድእዎ ኢዮም።—ኣብቲ “ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዘለዉ ነገስታት” ዝብል ኣብ ገጽ 284 ዘሎ ኣርእስቲ ርአ።
22. ብዛዕባ እቲ ንጉስ ሰሜን ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ወፍሪ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧
22 ይኹን እምበር: ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንጉስ ሰሜን እንታይ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ንፈልጥ ኢና። በቲ “ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ” ወረ ተረቢሹ ‘ንብዙሓት ከጽንት’ ክወፍር ኢዩ። እዚ ወፍሪ እዚ ኣንጻር መን ኢዩ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ ዘለዓዕሎ “ወረ” እንታይ ኢዩ፧
በቲ ዘሸብር ወረ ምስንባድ
23. (ሀ) ቅድሚ ኣርማጌዶን እንታይ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ ክርአ ዘለዎ፧ (ለ) “ካብ ምብራቕ ዚመጹ ነገስታት” መን ኢዮም፧
23 ብዛዕባ መወዳእታ ናይታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እንታይ ከም እትብል ርአ። ቅድሚ እታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ዝዀነት ኣርማጌዶን እዛ ቀንዲ ጸላኢት ሓቀኛ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ‘ብሓዊ ክትነድድ ኢያ።’ (ራእይ 16:14, 16፣ 18:2-8) ጥፍኣታ በታ ኣብ ልዕሊ ምሳልያዊ ርባ ኤፍራጥስ ዝፈሰሰት ሻድሸይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ተመሲሉ ኣሎ። “ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት . . መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም” እቲ ርባ ነጸፈ። (ራእይ 16:12) እዞም ነገስታት እዚኣቶም መን ኢዮም፧ ካብ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ሓሊፎም ካልኦት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም!—ምስ ኢሳይያስ 41:2፣ 46:10, 11 ኣረኣእዮ።
24. እንታይ የሆዋ ዝገብሮ ነገራት ኢዩ ንንጉስ ሰሜን ዝርብሾ፧
24 ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ስእላዊ ብዝዀነ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ይብል:- “እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን [ኣብ ግዜ መወዳእታ ዝገዝኡ ነገስታት] እቲ ኣራዊትን [ሕቡራት ሃገራት] ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።” (ራእይ 17:16) መራሕቲ ንዓባይ ባቢሎን ስለምንታይ ኢዮም ዘጥፍእዋ፧ ምኽንያቱ ‘ኣምላኽ ሓሳቡ ኽገብሩ ኣብ ልቦም ኣእትዩ ኢዩ።’ (ራእይ 17:17) ንጉስ ሰሜን እውን ምስ እዞም ነገስታት እዚኣቶም እቱው ኢዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ዝሰምዖ ‘ካብ ምብራቕ ዝወጽእ’ ወረ እምበኣር ነዚ ናይ የሆዋ ተግባር ማለት ነታ ዓባይ ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ ንኸጥፍእዋ ኣብ ልቢ እቶም ሰብኣውያን መራሕቲ ሓሳቡ ብምእታው ንዝወስዶ ስጕምቲ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
25. (ሀ) ንጉስ ሰሜን እንታይ ፍሉይ ዒላማ ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ንጉስ ሰሜን “ድንኳናት ኣደራሹ” ኣበይ ኢዩ ዝተክል፧
25 ይኹን እምበር: ቍጥዓ ንጉስ ሰሜን ዝወርዶ ፍሉይ ዒላማ ኣሎ። እቲ መልኣኽ “ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ” ኢሉ ኣሎ። ኣብ ግዜ ዳንኤል እቲ ዓብዪ ባሕሪ ተባሂሉ ዘሎ ሜዲተራንያን ክኸውን ከሎ እቲ ቕዱስ ደብሪ ኸኣ እቲ ሓደ ግዜ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝርከቦ ዝነበረ ከረን ጽዮን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዚ ትንቢት እዚ ክፍጸም ከሎ እቲ እተቘጥዐ ንጉስ ሰሜን ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ወፍሪ ክገብር ኢዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ ክርአ ኸሎ እቲ “ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን” ተባሂሉ ዘሎ ቦታ ነቲ መንፈሳዊ ኵነታት ናይቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ዘመልክት ኢዩ። ካብቲ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ንዘሎ ወድሰብ ዘመልክት ‘ባሕሪ’ ኢዮም ወጺኦም: ኣብቲ ሰማያዊ ከረን ጽዮን ምስ የሱስ ክርስቶስ ክገዝኡ ድማ ተስፋ ኣለዎም።—ኢሳይያስ 57:20፣ እብራውያን 12:22፣ ራእይ 14:1
26. ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ተሓቢሩ ከም ዘሎ ምንጪ ናይቲ ‘ካብ ሰሜን’ ዝመጽእ ወረ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
26 እቲ ኣብ ግዜ ዳንኤል ዝነብር ዝነበረ ህዝቅኤል እውን “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ከም ዝወርድ ብትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። እቲ ጽልኢ ብጎግ ናይ ማጎግ ማለት ብሰይጣን ድያብሎስ ክለዓዓል ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ህዝቅኤል 38:14, 16) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ጎግ ካበየናይ ኣንፈት ኢዩ ዝመጽእ፧ የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ጎግ “ኻብ ወሰን ሰሜን” ክመጽእ ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። (ህዝቅኤል 38:15) እዚ መጥቃዕቲ እዚ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ይኹን ብዘየገድስ ንህዝቢ የሆዋ ኣይከጥፍኦምን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውጽኢት ከም ዝህሉ ዝገብር ድማ እቲ የሆዋ ንሓይልታት ጎግ ንምጥፋእ ዝጥቀመሉ ስትራተጂያዊ መስርሕ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ንሰይጣን ከምዚ ይብሎ:- “ክመልሰካ: ኣብ መንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ” ከምኡውን “ካብ ወሰን ሰሜን ከውጽኣካ: ናብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ከእትወካ እየ።” (ህዝቅኤል 38:4፣ 39:2) ስለዚ እምበኣር እቲ ንንጉስ ሰሜን ዘሕርቖ ‘ካብ ሰሜን ዝመጽእ’ ወረ እምበኣር ካብ የሆዋ ዝምንጭ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እቲ “ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ” ወረ ኣብ መወዳእታ እንታይ ሒዙ ከም ዝመጽእ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝውስኖ: ምስ ግዜ ዝርአ ኸኣ ኢዩ።
27. (ሀ) ጎግ ንንጉስ ሰሜን እውን ሓዊስካ ንሃገራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ንኸውርዳ ዘለዓዕለን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ውጽኢት ናይቲ ጎግ ዘውርዶ መጥቃዕቲ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧
27 ጎግ: ነቲ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ምስቶም “ዓቢ ጭፍራ” ናይ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ሓቢሮም ክፍሊ ዓለም ብዘይምዃን ንዝረኽብዎ ብልጽግና ምስ ረኣየ መጥቃዕቲ ንምውራድ ዘለዎ ዅሉ ሓይሉ ክኣኻኽብ ኢዩ። (ገላትያ 6:16፣ ራእይ 7:9 NW ፣ ዮሃንስ 10:16፣ 17:15, 16፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ጎግ ነቲ “[መንፈሳዊ] ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ: ካብ ህዝብታት እተአከበ” ህዝቢ ብኽፉእ ይርእዮ። (ህዝቅኤል 38:12) ጎግ ነቲ ንወድሰብ ምሉእ ብምሉእ ንኸይቈጻጸር ዕንቅፋት ኰይንዎ ዘሎ ናይ ክርስትያናት መንፈሳዊ ኵነታት ከም “ዘይተዐርደት ሃገር” ኰይኑ ስለ ዝረኣዮ ንምጥፍኡ ልዑል ጻዕሪ ክገብር ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣይክዕወትን ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:11, 18፣ 39:4) ንንጉስ ሰሜን እውን ሓዊስካ ነገስታት ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ከውርዱ ኸለዉ ‘ናብ መወዳእታኦም ክበጽሑ’ ኢዮም።
‘እቲ ንጉስ ናብ መወዳእታኡ ይበጽሕ’
28. ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
28 እቲ ናይ መወዳእታ ወፍሪ ንጉስ ሰሜን ኣንጻር ንጉስ ደቡብ ዝቐንዕ ኣይኰነን። ስለዚ ንጉስ ሰሜን ብኢድ እቲ ቀንዲ ተቐናቓኒኡ ኣይኰነን ናብ መወዳእትኡ ዝበጽሕ። ብተመሳሳሊ ንጉስ ደቡብ እውን ብንጉስ ሰሜን ኣይክጠፍእን ኢዩ። ንጉስ ደቡብ ብመንግስቲ ኣምላኽ “ብዘይ ኢድ ሰብ” ኢዩ ዝጠፍእ።a (ዳንኤል 8:25) አረ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶንሲ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ዝጠፍኡ: ንንጉስ ሰሜን እውን ከምኡ ከም ዘጋጥሞ ርግጽ ኢዩ። (ዳንኤል 2:44) ዳንኤል 11:44, 45 ብዛዕባ እቲ ናብ ናይ መወዳእታ ኲናት ዘምርሕ ፍጻመታት ኢያ እትዛረብ። ስለዚ ንጉስ ሰሜን ናብ መወዳእትኡ ክበጽሕ ከሎ ‘ዝረድኦ ዘይብሉ’ እንተዀነ ዘገርም ኣይኰነን!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ምዕራፍ 10 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም መንነት ናይ ንጉስ ሰሜን ብኸመይ ኢዩ እተለወጠ፧
• ኣብ መወዳእታ ንንጉስ ሰሜንን ንንጉስ ደቡብን እንታይ ኢዩ ከጋጥሞም፧
• ነቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ነገስታት ዝህሉ ዘይምቅዳው ዝሃቦ ትንቢት ስለ ዘቕለብካሉ እንታይ ረብሓ ረኺብካ፧
[ኣብ ገጽ 284 ዘሎ ሰሌዳ/ስእሊ]
ኣብ ዳንኤል 11 ዘለዉ ነገስታት
ንጉስ ንጉስ
ሰሜን ደቡብ
ዳንኤል 11:5 ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተ ቶሎሜ ቀዳማይ
ዳንኤል 11:6 ኣንቲከስ ካልኣይ ቶሎሜ ካልኣይ
(በዓልቲ ቤቱ ሎዲስ) (ጓሉ በረኒስ)
ዳንኤል 11:7-9 ሴሉከስ ካልኣይ ቶሎሜ ሳልሳይ
ዳንኤል 11:10-12 ኣንቲከስ ሳልሳይ ቶሎሜ ራብዓይ
ዳንኤል 11:20 ኣውጉስጦስ
ዳንኤል 11:21-24 ጢቤርዮስ
ዳንኤል 11:30ለ, 31 ይ ሂትለር ሳልሳይ ራይክ ሓይሊ ዓለም
(ካልኣይ ውግእ ዓለም) ኣንግሎ-ኣመሪካ
ዳንኤል 11:32-43 ናይ ኮሙኒስት ደምበ ሓይሊ ዓለም
(ዝሑል ኲናት) ንግሎ-ኣመሪካ
ዳንኤል 11:44, 45 ብሕጂ ዝትንስእb ሓይሊ ዓለም
ኣንግሎ-ኣመሪካ
[እግረ-ጽሑፍ]
b እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዘሎ ትንቢት ኣስማት: ናይቶም ኣብ እተፈላለየ ግዝያት: ቦታ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዝሕዙ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣቐዲሙ ኣይጠቐሰን። መንነቶም ክፍለጥ ዝኸኣለ እቲ ፍጻመታት ክርአ ምስ ጀመረ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ግጭት ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ስለ ዝፍጸም ግጭት ዘይረኣየሉ እዋናት እውን ኣሎ። እቲ ሓደ ክዕብልል ከሎ እቲ ሓደ ኸኣ ዘይንጡፍ ኰይኑ ይጸንሕ።
[ኣብ ገጽ 271፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 279 ዘሎ ስእልታት]
እቲ ንጉስ ደቡብ ኣንጻር ንጉስ ሰሜን ዝገብሮ ‘ግጥም ’ ረቂቕ ዝዀነ ስለያን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ምፍርራህን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ