ፍትሕን ጽድቅን ብምዝውታር ንየሆዋ ምሰልዎ
“እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ: ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን [“ፍትሕን: ” NW ] ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር [ኢየ ]። ” — ኤርምያስ 9:24
1. የሆዋ እንታይ ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ሒዙልና ዘሎ፧
የሆዋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዕኡ ዝፈልጠሉ ግዜ ከም ዝመጽእ ተመባጺዑ ኣሎ። ብነብይኡ ኢሳይያስ ኣቢሉ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ከምቲ ማያት ንማዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።” (ኢሳይያስ 11:9) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ድንቂ ተስፋ ኰን ኢዩ!
2. ንየሆዋ ምፍላጥ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧ ስለምንታይከ፧
2 ይኹን እምበር: ንየሆዋ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቲ ቀንዲ ዘድሊ ነገር እንታይ ምዃኑ የሆዋ ንኤርምያስ ከምዚ ብምባል ገለጸሉ:- ‘እዚ ኢዩ ባህ ዜብለኒ እሞ:—ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን [“ፍትሕን:” NW ] ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ምስትውዓልን ምፍላጥን።’ (ኤርምያስ 9:24) ስለዚ ድማ ንየሆዋ ምፍላጥ ማለት ፍትሕን ጽድቅን ብኸመይ ከም ዘዘውትር ምፍላጥ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ባህርያት እዚ ነዘውትር እንተድኣ ዄንና ኸኣ ብኣና ባህ ክብሎ ኢዩ። ብኸመይ ከምዚ ክንገብር ንኽእል፧ የሆዋ ኣብዚ ዝሓለፈ መዋእላት ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ከመይ ዝበለ ርክብ ከም ዝነበሮ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ የሆዋ ብኸመይ ፍትሕን ጽድቅን ከም ዘዘውትር ክንፈልጦ ንኽእል: በዚ ድማ ንዕኡ ንመስሎ።—ሮሜ 15:4
ፍትሓዊ ግን ከኣ ደንጋጺ
3, 4. የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ምጥፍኡ ፍትሓዊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 እቲ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ዝወረደ መለኮታዊ ፍርዲ ንእተፈላለየ መዳያት ፍትሒ የሆዋ ከብርህ ዝኽእል ዝበለጸ ኣብነት ኢዩ። የሆዋ እቲ ዘድሊ መቕጻዕቲ ኣውሪዱ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ዝግብኦም ዝድሕንሉ መገዲ እውን ኣዳልይሎም ኢዩ። እተን ከተማታት እቲኣተን ምጥፍአን ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ሶዶም ክሳዕ ክንደይ እክይቲ ከተማ ምዃና ብዙሕ ዘይፈልጥ ዝነበረ ኣብርሃም ኣብ መጀመርታ ፍትሓዊ ገይሩ ኣይወሰዶን። የሆዋ ድማ ኣብታ ከተማ ዓሰርተ ጻድቃን ሰባት ጥራይ እንተድኣ ተረኺቦም ነታ ከተማ ከድሕና ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ብንጹር እምበኣር ፍትሒ የሆዋ ብሃወኽ ወይ ብዘይምሕረት ዝግበር ኣይኰነን።—ዘፍጥረት 18:20-32
4 እቶም ክልተ መላእኽቲ ዘካየድዎ ምርመራ ነቲ ኣብ ሶዶም ዝነበረ ናይ ስነ-ምግባር ብልሽውና ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ: “ኣጕባዝን ኣረገውትን:” ክልተ ሰብኡት ኣብ ገዛ ሎጥ ከዕርፉ ከም ዝመጹ ምስ ሰምዑ: ብጕጀለ ኰይኖም ምስቶም ኣጋይሽ ግብረ-ሶዶም ክፍጽሙ ነቲ ገዛ ከበብዎ። ስነ-ምግባራዊ ብልሽውናኦም ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ነበረ! ብዘይጥርጥር እምበኣር: እቲ የሆዋ ኣብታ ከተማ ዘውረዶ ፍርዲ ጽድቃዊ ኢዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 19:1-5, 24, 25
5. ኣምላኽ ንሎጥን ስድራቤቱን ካብ ሶዶም ዘድሓኖም ብኸመይ ኢዩ፧
5 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ከም ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ገይሩ ምስ ጠቐሰ ‘ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና [ብኸመይ ከም] ዜውጽኦም ይፈልጥ ኢዩ’ ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 2:6-9) እቲ ጻድቕ ሎጥን ስድርኡን ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ህዝቢ ሶዶም ጠፊኦም ነይሮም እንተ ዝዀኑ እቲ ፍርዲ ፍትሓዊ ኣይምዀነን ነይሩ። ስለዚ ድማ መላእኽቲ የሆዋ ንሎጥ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ኣጠንቀቕዎ። ሎጥ ምስ ተደናጐየ “እግዚኣብሄር ኪንሕፎ ስለ ዝደለየ” እቶም መላእኽቲ ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣዋልዱን ሒዞም ካብታ ከተማ ኣውጽእዎ። (ዘፍጥረት 19:12-16) የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከጥፍኦ ከሎ ነቶም ጻድቃን ሰባት ተመሳሳሊ ሓልዮት ከም ዘርእዮም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
6. ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ካብ መጠን ንላዕሊ ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
6 መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ “ፍትሒ ዝወጸሉ” ግዜ እኳ እንተዀነ: ካብ መጠን ንላዕሊ ክንጭነቐሉ ግን ኣየድልየናን ኢዩ። (ሉቃስ 21:22 NW ) እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣርማጌዶን ዘውርዶ ፍርዲ ‘ብዘሎ ጻድቕ’ ኢዩ። (መዝሙር 19:9) ከምቲ ኣብርሃም እተማህሮ ንሕና ሰባት እውን ኣብቲ ካብ ናትና ኣዝዩ ዝለዓለ ፍትሒ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣብርሃም “እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ብምባል ሓተተ። (ዘፍጥረት 18:25፣ ምስ እዮብ 34:10 ኣረኣእዮ።) ወይ ድማ ከምቲ ኢሳይያስ ብግልጺ ዝበሎ ንየሆዋ ‘መገዲ ቅንዕና [“ፍትሒ:” NW ] ዝማሃሮ መን ኢዩ፧’—ኢሳይያስ 40:14
ንደቅሰብ ዘድሕን ጻድቕ ተግባር
7. ኣብ መንጎ ፍትሒ ኣምላኽን ምሕረቱን እንታይ ርክብ ኢዩ ዘሎ፧
7 ፍትሒ ኣምላኽ ንበደለኛታት ክቐጽዕ ከሎ ጥራይ ኣይኰነን ዝንጸባረቕ። የሆዋ ንገዛእ ርእሱ “ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። (ኢሳይያስ 45:21) ስለዚ ኣብ መንጎ ጽድቂ ወይ ፍትሒ ኣምላኽ ከምኡውን ኣብ መንጎ እቲ ንሰባት ካብ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት ንኸድሕን ዘለዎ ባህጊ ዝጠበቐ ምትእስሳር ኢዩ ዘሎ። ብ1982 እተሓትመ ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳባት ክህብ ከሎ “ፍትሒ ኣምላኽ ነቲ ዘለዎ ምሕረት ንምግላጽን ድሕነቱ ድማ ንምፍጻምን ተግባራዊ ዝዀነ መገዲ ኢዩ ዝደሊ” ብምባል ሓበረ። እዚ ግን ፍትሒ ኣምላኽ ብምሕረት ክለዝብ የድልዮ ኢዩ ማለት ዘይኰነስ ምሕረት መግለጺ ፍትሒ ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ንምድሓን ዝገበሮ ናይ በጅነት ምድላው ሓደ ካብቲ ሓለፍ ዝበለ መዳይ ናይ መለኮታዊ ፍትሒ ኢዩ።
8, 9. (ሀ) ኣብቲ ‘ናይ ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ’ ዝብል መግለጺ ተጠቓሊሉ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) የሆዋ ካባና ዝደልዮ ነገር እንታይ ኢዩ፧
8 ዋጋ ናይቲ በጅነት—እቲ ክቡር ህይወት ናይቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ—ኣዝዩ ክቡር ኢዩ: ከመይሲ መለክዒታት የሆዋ ንዅሉ ዝምልከት ኢዩ: ንሱ ንገዛእ ርእሱ እውን ብእኡ ይቕየድ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28) ፍጽምቲ ህይወት ናይ ኣዳም ስለ ዝጠፍአት: ንዘርኢ ኣዳም ህይወት ንምሃብ ፍጽምቲ ህይወት ኣድለየት። (ሮሜ 5:19-21) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ምኽፋል በጅነት እውን ዘጠቓልል ንጽህናኻ ሓሊኻ ምንባር: ‘ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ’ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 5:18) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብኣረኣእያ የሆዋ ንደቅሰብ ምብጃው ዋላ እኳ ክቡር ነገር ከፊሉ ክገብሮ እንተ ነበሮ ቅኑዕን ፍትሓውን ግብሪ ኢዩ ነይሩ። ዘርኢ ኣዳም ልክዕ ከም ሓደ ኣምላኽ ክሰብሮ ዘይደሊ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ” ወይ ከኣ ከጥፍኦ ዘይደሊ ‘ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍ’ ኢዮም። (ማቴዎስ 12:20) ኣምላኽ ካብ ዘርኢ ኣዳም ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዝርከቡ እሙንቶ ነይርዎ ኢዩ።—ምስ ማቴዎስ 25:34 ኣረኣእዮ።
9 ነዚ ሓለፍ ዝበለ ናይ ፍቕርን ፍትሕን ተግባር ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧ ሓደ ካብቲ የሆዋ ካባና ዝደልዮ ነገር ‘ቅንዕና [“ፍትሒ:” NW ] ክንገብር’ ኢዩ። (ሚክያስ 6:8) ነዚ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧
ፍትሒ ድለዩ: ደድሕሪ ጽድቂ እውን ስዓቡ
10. (ሀ) ፍትሒ ከነንጸባርቐሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ክንደሊ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
10 ቀዳማይ: ምስቲ ናይ ኣምላኽ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ክንሰማማዕ ኣሎና። መለክዒታት ኣምላኽ ፍትሓውን ጻድቕን ብምዃኑ ምስኡ ተሰማሚዕና ምስ እንነብር ፍትሒ ነዘወትር ኣሎና ማለት ኢዩ። የሆዋ ካብ ህዝቡ ዝጽበዮ ነገር ድማ እዚ ኢዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን “ምግባር ሰናይ ተመሀሩ: ቅንዕና [“ፍትሒ:” NW ] ድለዩ” ኢሉ ነገሮም። (ኢሳይያስ 1:17) የሱስ ነቶም ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ብምባል ክምህሮም ከሎ ተመሳሳሊ ምኽሪ ሃቦም። (ማቴዎስ 6:33) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ደድሕሪ ጽድቂ” ስዓብ ብምባል ኣተባብዖ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11) ምስቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ መለክዒታት ጠባይ ተሰማሚዕና ምስ እንነብርን ሓድሽ ሰብነት ምስ እንለብስን ደድሕሪ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ንስዕብ ኣሎና ማለት ኢዩ። (ኤፌሶን 4:23, 24) ብኻልእ ኣዘራርባ ንነገራት ብመገዲ ኣምላኽ ብምፍጻም ፍትሒ ንደሊ።
11. ሓጢኣት ከይመልከና ክንቃለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢና እንቃለሶ፧
11 ኵላትና ከም እንርድኦ ዘይፍጹማት ሰባት ፍትሓውን ልክዕን ዝዀነ ነገር ክገብሩ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን። (ሮሜ 7:14-20) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ዕላምኡ ኣብ ምፍጻም ክጠቕሞ ዝኽእል ንኣምላኽ እተወፈየ ኣካላቶም ከም “ኣጽዋር ጽድቂ” ገይሮም ኣብ ቅድሚኡ ከቕርብዎ ምእንቲ ክኽእሉ ሓጢኣት ከይመልኮም ክቃለሱ መዓዶም። (ሮሜ 6:12-14) ብተመሳሳሊ ንቓል ኣምላኽ ስርዓታውያን ኴንና ብምንባብን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ‘ምዕዶ ጐይታ [“የሆዋ:” NW ]’ ክንሕዝ: ‘ብጽድቂ ምእዳብ’ ከኣ ክንክእል ኢና።—ኤፌሶን 6:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
12. ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ንዓና ክርእየና እንደልዮ ገይርና ንኽንርእዮም እንታይ ኢና ከነወግድ ዘሎና፧
12 ካልኣይ: ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ንዓና ክገብረልና እንደሊ ገይርና ምስ እንሕዞም ፍትሒ ነዘውትር። ክልተ ዓይነት መለክዒ—ንገዛእ ርእስና ፍዅስ ዝበለ ንኻልኦት ግን ትርር ዝበለ—ምግባር ቀሊል ኢዩ። ንሕና ንእንገብሮ ጕድለታት መመኽነይታ ክንፈጥር ቀሊል ኢዩ: ምስ ናትና ክወዳደር ከሎ ንእሽቶ ጕድለት ካልኦት ንምንቃፍ ግን ንጐዪ። የሱስ ኣነጺሩ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧” (ማቴዎስ 7:1-3) የሆዋ ንበደልና እንተ ዝምርምር ዋላ ሓደ ካባና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ክብል ዝኽእል ከም ዘይህሉ ክንርስዕ የብልናን። (መዝሙር 130:3, 4) ፍትሒ የሆዋ ንናይ ሓውና በደል ሸለል ዝብሎ ካብ ኰነ ኣበርቲዕና እንፈርዶም ንሕና መን ኢና፧—ሮሜ 14:4, 10
13. ሓደ ጻድቕ ሰብ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ክሰብኽ ዝግደድ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ሳልሳይ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ህርኩታት ኴንና ምስ እንካፈል ኣምላኻዊ ፍትሒ ነንጸባርቕ። የሆዋ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ብምባል ይምዕደና። (ምሳሌ 3:27) እቲ የሆዋ ብልግሲ ዝሃበና ህይወት ዘውህብ ፍልጠት ንገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሕዞ ቅኑዕ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ንመልእኽትና ከም ዝነጽግዎ ሓቂ ኢዩ: እንተዀነ ግን የሆዋ ምሕረቱ ክሳዕ ዝዘርጋሓሎም እቲ ‘ናብ ንስሓ ከብጽሖም’ ዝኽእል ኣጋጣሚ ምሃብ ክንቅጽል ኣሎና። (2 ጴጥሮስ 3:9) ከም የሱስ ድማ ንሓደ ሰብ ናብ ፍትሕን ጽድቅን ገጹ ክምለስ ምስ እንሕግዞ ባህ ይብለና ኢዩ። (ሉቃስ 15:7) ‘ብጽድቂ እንዘርኣሉ’ ግዜ ሕጂ ኢዩ።—ሆሴእ 10:12
“መሳፍንቲ ኸኣ ብፍትሒ ኺገዝኡ እዮም”
14. ንፍትሒ ዝምልከት ሽማግለታት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎም፧
14 ኵላትና ብጐደና ጽድቂ ክንጓዓዝ ኣሎና: እንተዀነ ግን በዚ መዳይ እዚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎም። መስፍናዊ ግዝኣት የሱስ ‘ብፍርድን [“ብፍትሕን:” NW ] ብጽድቅን ኢዩ ዝጸንዕ።’ በዚ መሰረት ድማ እቲ መለክዒ ናይ ሽማግለታት መለኮታዊ ፍትሒ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:7) ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 32:1 ዘሎ “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ: መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና [“ብፍትሒ:” NW ] ኺገዝኡ እዮም” ዝብል ብትንቢት እተገልጸ ሓሳባት ይዝክርዎ ኢዮም። ሽማግለታት ብመንፈስ እተመዘዙ ተዓዘብቲ ወይ ‘ናይ ኣምላኽ መገብቲ’ ከም ምዃኖም መጠን ንዝዀነ ይኹን ነገር ብመገዲ የሆዋ ክገብርዎ ኣለዎም።—ቲቶስ 1:7
15, 16. (ሀ) ሽማግለታት ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ተጠቒሱ ንዘሎ እሙን ጓሳ ክመስልዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ሽማግለታት ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ዝጠፍኡ ከመይ ይስምዖም፧
15 የሱስ ፍትሒ የሆዋ ድንጋጽ ዘለዎ: ምሕረተኛ: ከምኡውን ምኽንያታዊ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ነቶም ሽግር ዝነበሮም ክሕግዞም ከምኡውን ‘ንጥፉኣት ኪደልን ኬድሕንን’ ጽዒሩ ኢዩ። (ሉቃስ 19:10) ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ ንሓንቲ ዝጠፍአት በጊዕ ክሳዕ ዝረኽባ ከይተሓለለ ዝደሊ ጓሳ: ሽማግለታት እውን ከምኡ ነቶም ካብ መንፈሳዊ መገዲ ዝወጹ ሰባት ይደልይዎም: መሪሖም ናብቲ መጓሰ ንኽመልስዎም ድማ ይጽዕሩ።—ማቴዎስ 18:12, 13
16 ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ክንዲ ምዅናን: ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ከሕውይዎምን ናብ ነስሓ ከብጽሕዎምን ኢዮም ዝጽዕሩ። ንሓደ ካብ መስመሩ ዝወጸ ሰብ ክሕግዝዎ እንተድኣ ክኢሎም ይሕጐሱ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ በደለኛ ምስ ዘይናሳሕ የጕህዮም ኢዩ። እቲ ጽድቃዊ መለክዒ ኣምላኽ ድማ ነቲ ዘይናሳሕ በደለኛ ክውግድዎ ኢዩ ዝግድዶም። ምስ ተወገደ እውን እንተዀነ: ከምቲ ኣቦ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝገበሮ እቲ እተጋገየ ሰብ ሓደ መዓልቲ ‘ናብ ልቡ ክምለስ’ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ። (ሉቃስ 15:17, 18) ስለዚ ድማ ሽማግለታት ናብ ማሕበር የሆዋ ብኸመይ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ንኸዘኻኽርዎም ነቶም እተወገዱ ክበጽሕዎም ተበግሶ ይወስዱ ኢዮም።a
17. ሽማግለታት ናይ ሓደ ሓጢኣተኛ ጕዳይ ክርእዩ ከለዉ ዕላምኦም እንታይ ኢዩ: ነዚ ዕላማ እዚ ንምብጻሕከ እንታይ ባህርይ ኢዩ ክሕግዞም ዝኽእል፧
17 ሽማግለታት ብፍላይ ናይ ሓጢኣት ጕዳያት ክርእዩ ከለዉ ፍትሒ የሆዋ ክቐድሑ የድልዮም። ሓጥኣን የሱስ ሽግሮም ከም ዝርዳእን ከም ዝሕግዞምን ስለ እተገንዘቡ ናብኡ ‘ይቐርቡ’ ነበሩ። (ሉቃስ 15:1፣ ማቴዎስ 9:12, 13) የሱስ ንሓጢኣት ሸለል ይብል ከም ዘይነበረ ሓቂ ኢዩ። የሱስ ምስቲ ብገንዘብ ዝመጸ ዕሉል ዓማጺ ዝነበረ ዘኬዎስ ብምብልዑ: ንዘኬዎስ ክናሳሕን ንዅሉ እቲ ኣብ ካልኦት ዘውረዶ ስቓይ ክኽሕስን ከም ዝለዓዓል ገይርዎ ኢዩ። (ሉቃስ 19:8-10) ሽማግለታት እውን ናይ ፍርዲ ጕዳያት ክሰምዑ ከለዉ ነቲ ዝበደለ ሰብ ናብ ነስሓ ክመርሕዎ ኢዩ ዕላምኦም። ከም የሱስ ተቐረብቲ እንተድኣ ኰይኖም: ብዙሓት ሓጢኣተኛታት ካብኦም ሓገዝ ንምድላይ ኣይክኸብዶምን ኢዩ።
18. ንሽማግለታት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ከም ዝዀኑ ክገብሮም ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
18 ሽማግለታት ርሕሩሕ ልቢ ምስ ዝህልዎም ነቲ ጨካን ወይ ስምዒት ኣልቦ ዘይኰነ መለኮታዊ ፍትሒ ከርእዩ ክሕግዞም ኢዩ። እቲ ዘገርም: እዝራ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ፍትሒ ንኽምህሮም ሓሳቡ ጥራይ ዘይኰነስ ንልቡ እውን ከይተረፈ ኣዳልይዎ ኢዩ። (እዝራ 7:10) ሽማግለታት ዝርዳእ ልቢ ምስ ዝህልዎም እቲ ልክዕ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ከውዕሉ: ከምኡውን ናይቲ ውልቀ-ሰብ ኵነታት ኣብ ግምት ከእትዉ ከኽእሎም ኢዩ። የሱስ ነታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ምስ ኣሕወያ: ፍትሒ የሆዋ ማለት ነቲ መንፈስን ቃልን ናይቲ ሕጊ ምርዳእ ማለት ምዃኑ ኣርኣየ። (ሉቃስ 8:43-48) እቶም ፍትሒ ክገብሩ ከለዉ ድንጋጽ ዘርእዩ ሽማግለታት ነቶም ብናይ ገዛእ ርእሶም ድኽመት ወይ ድማ በዚ እንነብረሉ ዘሎና እኩይ ኣገባብ እተጠቕዑ ሰባት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ከም ዝዀንዎም ገይርካ ክርአ ይከኣል ኢዩ።—ኢሳይያስ 32:2
19. ሓንቲ ሓብቲ መለኮታዊ ፍትሒ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መገዲ ምስ ረኣየት ብኸመይ መለሰት፧
19 ሓንቲ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመት ሓብቲ ነቲ መለኮታዊ ፍትሒ ኣብ ህይወታ ኣስተማቒራቶ ኢያ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትእመን:- “ብግልጺ ንምዝራብ: ናብቶም ሽማግለታት ምኻድ ፈሪሀ ነይረ ኢየ። እንተዀነ ግን: ብድንጋጽን ኣኽብሮትን ኢዮም ርእዮምኒ። እቶም ሽማግለታት ከም ተረርቲ ፈራዶ ዘይኰነስ ከም ኣቦታት ኢዮም ነይሮም። መገደይ ከዐሪ እንተድኣ ወሲነ የሆዋ ከም ዘይነጽገኒ ክርዳእ ሓገዙኒ። የሆዋ ከም ፈቃር ኣቦ ብኸመይ ከም ዝግስጸና ባዕለይ ተመከርክዎ። ልመናይ ከም ዝሰምዓኒ እምንቶ ብምግባር ልበይ ንየሆዋ ክኸፍተሉ ከኣልኩ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክዝክሮ ከለኹ: ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ምስቶም ሽማግለታት ምርኻበይ ብሓቂ በረኸት የሆዋ ኢዩ ነይሩ ክብል እኽእል ኢየ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ኣዝዩ ደልዲሉ ኢዩ።”
ፍትሒ ሓሉ: ጽድቂ ዘበለ ድማ ግበር
20. ንፍትሕን ጽድቅን ምርዳእን ኣብ ግብሪ ምውዓልን እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧
20 እቲ ደስ ዘብል እምበኣር: መለኮታዊ ፍትሒ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘዝግብኦ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኢዩ። እቲ የሆዋ ዘለዎ ፍትሒ ነቶም እምነት ዘርእዩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም ኣለዓዒልዎ ኢዩ። (መዝሙር 103:10፣ ሮሜ 5:15, 18) ፍትሒ ኣምላኽ ኵነታትና ኣብ ግምት ስለ ዘእቱ: ከምኡውን ክዅንነና ዘይኰነስ ከድሕነና ስለ ዝደሊ ኣምላኽ ምሳና ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣዮ ኢዩ ዝመላለስ። ብሓቂ እምበኣር ፍትሒ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ብዝሓሸ መገዲ ምርድኡ ናብኡ ከም እንቐርብ ዝገብረና ኢዩ። ነዚ ባህርይ የሆዋ ክንቀድሖ ክንጽዕር ከሎና ድማ: ህይወትናን ህይወት ካልኦት ሰባትን ኣጸቢቑ ክባረኽ ኢዩ። ደድሕሪ ፍትሒ ምስዓብና የሆዋ ከየስተብሃለሉ ዝሓልፍ ኣይኰነን። የሆዋ ከምዚ ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ:- “ምድሓነይ ኪመጽእ: ጽድቀይ ድማ ኪግለጽ ቀረባ እዩ እሞ: ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ሐልዉ ጽድቂውን ግበሩ። እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ . . . ብጹእ እዩ።”—ኢሳይያስ 56:1, 2
[እግረ-ጽሑፍ]
a ግምቢ ዘብዐኛ 8/112 ገጽ 13-17 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧
◻ በጅነት: ሓለፍ ዝበለ መግለጺ ፍትሕን ፍቕርን ኣምላኽ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ፍትሒ ከነዘውትረሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ሽማግለታት በየናይ ፍሉይ መገዲ ኢዮም ነቲ መለኮታዊ ፍትሒ ክቐድሕዎ ዝኽእሉ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ዕዮ ስብከት ብምፍጻም ኣምላኻዊ ፍትሒ ነንጸባርቕ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ኣምላኻዊ ፍትሒ ከንጸባርቑ ኸለዉ: እቶም ሽግር ዘለዎም ሓገዞም ንኽረኽቡ ክቐርብዎም ኢዮም