“ከየቋረጽኩም ተጸበዩኒ”
“እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ: . . . [“ከየቋረጽኩም:” ትሓዓ ] ተጸበዩኒ።”—ጸፎንያስ 3:8
1. ነብዪ ጸፎንያስ እንታይ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ነበረ: ኣብዚ ግዜ እዚ ንዝነብሩ ሰባትከ እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧
‘እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ቀሪባ ኢያ።’ እዚ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት እዚ ኣብ መፋርቕ ናይ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብነብዪ ጸፎንያስ እተዘርበ ኢዩ። (ጸፎንያስ 1:14) እቲ ትንቢት ኣብ ውሽጢ 40 ወይ 50 ዓመታት: ማለት እታ ፍርድታት የሆዋ ዝወርደላ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ እቶም ንህዝቡ ብምጭቋን ንሉዓላውነት የሆዋ ዝጸረፍዎ ሃገራትን ምስ መጸት ተፈጸመ። ነዞም ኣብ ምውዳእ ናይዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ እታ ናይ መወዳእታ “ዓባይ መዓልቲ” የሆዋ ኣዝያ እትቐርበሉ ዘላ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ዝነበረ: ‘ርሱን ቍጥዓ’ የሆዋ ኣንጻር እዛ ዘመናዊት የሩሳሌም ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ከምኡውን ኣንጻር እቶም ንህዝቢ የሆዋ ዝጭቍንዎምን ንሉዓላውነቱ ዝጻረሩን ሃገራት ክባራዕ ቀሪቡ ኢዩ።—ጸፎንያስ 1:4፣ 2:4, 8, 12, 13፣ 3:8፣ 2 ጴጥሮስ 3:12, 13
ጸፎንያስ—ተባዕ ምስክር
2, 3. (ሀ) ብዛዕባ ጸፎንያስ እንታይ ኢና እንፈልጥ: ተባዕ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝነበረ ዝሕብርከ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ጭብጥታት ኢዩ ነቲ ጸፎንያስ እተነበየሉ ግዜን ቦታን ክንፈልጦ ዘኽእለና፧
2 ትርጕም ስሙ (እብራይስጢ ጸፋን·ያህʹ) “የሆዋ ይሰትር (ይሓብእ)” ዝዀነ ነብዪ ጸፎንያስ: ታሪኹ ብዙሕ ኣይፍለጥን ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብቲ ናይቶም ካልኦት ነብያት ፍልይ ዝበለ: ጸፎንያስ ብዛዕባ ትውልዱ ናብ ራብዓይ ወለዶ ንድሕሪት ናብ “ህዝቅያስ” ተመሊሱ ኢዩ ዝዛረብ። (ጸፎንያስ 1:1፣ ምስ ኢሳይያስ 1:1፣ ኤርምያስ 1:1፣ ህዝቅኤል 1:3 ኣረኣእዮ።) እዚ ልሙድ ስለ ዘይነበረ ድማ ኢዮም መብዛሕትኦም ወሃብቲ ርእይቶ እቲ ኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ዝነበረ እሙን ንጉስ ህዝቅያስ ኣባሓጕኡ ምዃኑ ዝዛረቡ። ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ጸፎንያስ ንጉሳዊ ዘርኢ ነይርዎ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ይሁዳ መሳፍንቲ ዝዛረቦ ዝነበረ ተሪር ኩነኔ ክብደት ዝህቦን ተባዕ ምስክርን ናይ የሆዋ ነብዪን ምንባሩ ድማ ዘርኢ ኢዩ። ነቲ ናይ የሩሳሌም ቅርጸ-መሬትን ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ንጉሳዊ ህንጻ ዝግበር ዝነበረ ነገራት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩን: ነቲ ናይ የሆዋ ፍርድታት ኣብ ውሽጢ እታ ርእሰ-ከተማ ኰይኑ ይእውጆ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ።—ጸፎንያስ 1:8-11 እግረ-ጽሑፍ ትሓዓ ርአ።
3 ጸፎንያስ ኣንጻር እቶም ናይ ሲቪል ‘መሳፍንቲ’ ይሁዳን (ልዑላን: ወይ ሓላቑ ነገዳት) “ደቂ ንጉስን” መለኮታዊ ፍርዲ ክእውጅ ከሎ: ኣብቲ እተዛረቦ ወቐሳ ነቲ ንጉስ ዘይምጥቃሱ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ።a (ጸፎንያስ 1:8፣ 3:3) እዚ ድማ: እቲ መንእሰይ ንጉስ ዮስያስ ሽሕ’ኳ ድሮ ንጽሩይ ኣምልኾ ዝንባለ እንተ ነበሮ: ብመሰረት እቲ ጸፎንያስ ዘቕረቦ ወቐሳ ግን ብርግጽ ነቲ ክገብሮ ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ምሕዳስ ጌና ኣይጀመሮን ነበረ። እዚ ዅሉ ጸፎንያስ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይቲ ካብ 659 ክሳዕ 629 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነገሰ ዮስያስ: ኣብ ይሁዳ ከም እተነበየ ኢዩ ዝሕብር። እቲ ናይ ጸፎንያስ ሓያል ትንቢት ብዘይጥርጥር ነቲ መንእሰይ ዮስያስ ነቲ ኣብ ይሁዳ ገኒኑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦትን ዓመጽን ብልሽውናን ዝያዳ ከም ዘስተብህለሉ ገይርዎ ኢዩ: ከምኡውን ነቲ ጸኒሑ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ዝገበሮ ወፈራ ንኸካይድ ኣተባቢዕዎ ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 34:1-3
ናይ የሆዋ ርሱን ቍጥዓ ዝወረደሉ ምኽንያታት
4. የሆዋ ኣንጻር ይሁዳን የሩሳሌምን ዝነበሮ ቍጥዓ ዝገለጸ ብኸመይ ዝበለ ቃላት ገይሩ ኢዩ፧
4 የሆዋ በቶም መራሕትን ተቐማጦ ይሁዳን ርእሰ-ከተማኣ የሩሳሌምን ክቍጣዕ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ብነብዪ ጸፎንያስ ገይሩ ከምዚ በለ:- “ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ዅላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ: ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል: ንስም ካህናት ጣኦታት: ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ። ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ዚምሕሉን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን።”—ጸፎንያስ 1:4, 5
5, 6. (ሀ) ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኵነታት ከመይ ነበረ፧ (ለ) ናይቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሲቪል መራሕትን ተገዛእቶምን ኵነታት ከመይ ነበረ፧
5 ይሁዳ በቲ ናይ በዓል ኣምልኾ ዝዀነ ሕሱር ናይ ምፍራይ ጽምብላት: ጋኔናዊ ምቝጻር ከዋኽብቲ: ከምኡውን ብኣምልኾ ናይቲ ኣረማዊ ኣምላኽ: ማልካም: ተባላሽያ ነበረት። ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ: ማልካም ምስ ሞሌኽ ሓደ እንተድኣ ዀይኑ: ስለዚ ናይ ይሁዳ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘስካሕክሕ ናይ ቈልዑ መስዋእቲ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ሃይማኖታዊ ተግባራት ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ፍንፉን ኢዩ ነይሩ። (1 ነገስት 11:5, 7፣ 14:23, 24፣ 2 ነገስት 17:16, 17) እቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ጌና ብስም የሆዋ ይምሕሉ ብምንባሮም ቍጥዓኡ ዝያዳ ከም ዝውስኽ ኢዮም ገይሮምዎ። ንኸምዚ ዝበለ ሃይማኖታዊ ርኽሰት ድሕሪቲ ክጾሮ ኣይነበሮን: ነቶም ኣረማውያንን ከሓድትን ካህናት ድማ ከጽንቶም ነበሮ።
6 ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ ይሁዳ ሲቪል መራሕቲ ብልሹዋት ኢዮም ነይሮም። መሳፍንታ ልክዕ ከም “ጓዘምቲ ኣናብስ” ፈራዶኣ ድማ ምስቶም ንሕስያ ዘይብሎም “ተዃሉ” ዝመሳሰሉ ኢዮም ነይሮም። (ጸፎንያስ 3:3) ተገዛእቶም ከኣ ‘ንቤት ጐይታኦም ብዓመጽን ብጥበራን ብምምልኦም’ ተወቀስቲ ኢዮም ነይሮም። (ጸፎንያስ 1:9) ፍቕረ-ንዋይ ግኑን ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ሃብቲ ንምድላብ ነቲ ኵነታት ይጥቀምሉ ነበሩ።—ጸፎንያስ 1:13
ንመዓልቲ የሆዋ ዝምልከት ምጥርጣራት
7. ቅድሚ “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምምጽኣ ክንደይ ይገብር ኢዩ ጸፎንያስ እተነበየ: ናይ መብዛሕትኦም ኣይሁድ መንፈሳዊ ኵነታትከ ከመይ ነበረ፧
7 ድሮ ከም ዝረኣናዮ: እቲ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ገኒኑ ዝነበረ መዓት ዘስዕብ ሃይማኖታዊ ኵነታት: ጸፎንያስ ከም ምስክርን ነብዪን መጠን ዝነበሮ ዕዮ ንጉስ ዮስያስ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ዝገበሮ ወፈራ ቅድሚ ምጅማሩ: ዳርጋ ብ648 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝፈጸሞ ኢዩ ዝሕብር። (2 ዜና መዋእል 34:4, 5) ስለዚ እምበኣር: ጸፎንያስ “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይሁዳ ቅድሚ ምምጽኣ ብውሕዱ 40 ዓመታት ኣቐዲሙ ኢዩ ተነብዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ግዜ: ብዙሓት ኣይሁድ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ብምሓዝ ምጥርጣር ኣሕዲሮም: ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ድማ ‘ርሒቖም’ ኢዮም። ጸፎንያስ ብዛዕባ እቶም “ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን” ይዛረብ ኢዩ። (ጸፎንያስ 1:6) እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ውልቀሰባት ዘይግደሱ: ብዛዕባ ኣምላኽ ድማ ግዲ ዘይብሎም ከም ዝነበሩ ግሉጽ ኢዩ ነይሩ።
8, 9. (ሀ) የሆዋ ‘ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡ ሰባት’ ክምርምሮም ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) በየናይ መገድታትከ ኢዩ የሆዋ ንተቐማጦ ይሁዳን ነቶም ሲቪልን ሃይማኖታውያን መራሕቶምን ቈላሕታ ዝገበረሎም፧
8 የሆዋ ነቶም ህዝቡ ኢና በሃልቲ ክምርምሮም ዕላማ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነበረ። ካብ መንጎ እቶም ኣምለኽቱ ኢና በሃልቲ: ነቶም ብዛዕባ ኣብ ናይ ሰብ ጕዳይ ኢዱ ንምእታው ዘለዎ ክእለት ወይ ሓሳብ ዝምልከት ኣብ ልቦም ምጥርጣር ዘሕደሩ ሰባት ክደልዮም ነበሮ። “በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ: ኣነ ንየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ: ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም: እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር: ዚብሉን ሰባት ክቐጽዖም እየ” ብምባል ገለጸ። (ጸፎንያስ 1:12) እቲ ‘ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡ ሰባት’ ዝብል (ንምጽማቝ ወይኒ ዝምልከት) መግለጺ: ነቶም ከም ሓተላ ኣብ መዓኮር ገንኢ እተቐመጡ: በቲ ኣብ ጕዳይ ደቅሰብ ዝግበር ቅልጡፍ መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ዝገልጽ ኣዋጅ ድማ ክርበሹ ዘይደልዩ ሰባት ዘመልክት ኢዩ።
9 የሆዋ ንተቐማጦ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምኡውን ነቶም ንኣምልኾኡ ምስ ኣረማውነት ዝሓዋወስዎ ካህናቶምን ቈላሕታ ክገብረሎም ነበሮ። ኣብ ውሽጢ መናድቕ የሩሳሌም ልክዕ ከም ኣብ ጕልባብ ናይ ጸልማት ብምእታው ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ከም ዘለዉ እንተድኣ ተሰሚዕዎም: ናብቲ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ናይ መንፈሳዊ ጸልማት ቦታ ዘብርህ ድሙቕ መብራህትታት ገይሩ ክደልዮም ነበሮ። መጀመርታ ብዘፍርህ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት: ድሕሪኡ ድማ ነቲ ፍርድታት ኣብ ልዕሊኦም ብምውራድ: ካብቲ ሃይማኖታዊ ሸለልትነቶም ክገላብጦም ነበሮ።
‘እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኢያ’
10. ጸፎንያስ “ነታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር” ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዋ፧
10 የሆዋ ንጸፎንያስ “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ ኣላ” ኢሉ ክእውጅ ብመንፈስ ደረኾ። (ጸፎንያስ 1:14) ነቲ መጠንቀቕታ ምቕላብን ናብ ጽሩይ ኣምልኾ ምምላስን ዝኣበየ ነፍሲ ወከፍ ሰብ—ካህናት: መሳፍንቲ: ከምኡውን እቲ ህዝቢ—ብርግጽ መረርቲ መዓልትታት ኢየን ዝጽበያኦ ነይረን። ነታ ፍርዲ ዝወርደላ መዓልቲ ክገልጽ ከሎ እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ: መዓልቲ ጸበባን መከራን: መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን: መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ። ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።”—ጸፎንያስ 1:15, 16
11, 12. (ሀ) ኣንጻር የሩሳሌም እንታይ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኢዩ እተኣወጀ፧ (ለ) ስጋዊ ብልጽግና ንኣይሁድ ከድሕኖም ይኽእልዶ ነይሩ፧
11 ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት: ናይ ባቢሎን ሰራዊት ንይሁዳ ክወርዋ ነበሮም። የሩሳሌም እውን ኣይከተምልጥን ኢያ። እቲ ናይ መንበርን ናይ ንግድን ዝዀነ ቦታኣ ድማ ክዓኑ ነበሮ። “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታ ኻብ ደገ ዓሳ: ኣውያት ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ደገ: ካብ ኵርባታት ድማ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ። ኵሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ [“ኵሎም ነጋዶ ጠፊኦም:” ትሓዓ ]: እቶም ብሩር እተሰከሙ ዅላቶም ጸኒቶም እዮም እሞ: ኣቱም ኣብ መኽቴሽ [ሓደ ናይ የሩሳሌም ክፍሊ] እትነብሩ: ብኸዩ።”—ጸፎንያስ 1:10, 11 እግረ-ጽሑፍ ትሓዓ
12 መዓልቲ የሆዋ ከም ዝቐረበት ምእማን ብምእባይ: ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ መኽሰብ ዘለዎ ናይ ንግዲ ስራሓት ኣዝዮም ጥሒሎም ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ በቲ እሙን ነብዪ: ጸፎንያስ: ገይሩ ሃብቶም “ኪዝመት: ኣባይቶም ኪባድም” ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። ነቲ ዘፍረይዎ ወይኒ ኣይኪሰትዩን: ከምኡውን “በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ።”—ጸፎንያስ 1:13, 18
ካልኦት ሃገራት ድማ ተፈርዱ
13. ጸፎንያስ እንታይ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ኢዩ ኣንጻር ሞኣብ: ዓሞን: ከምኡውን ኣሶር ዝኣወጀ፧
13 የሆዋ ብነብይኡ: ጸፎንያስ: ገይሩ ነቶም ንህዝቡ ዝጨቈንዎም ሃገራት ዘለዎ ቍጥዓ እውን ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸረፍዎን ኣብ ልዕሊ ዶቦም ርእሶም ዘዕበዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ። ስለዚ ኣነ ህያው እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ኣምላኽ እስራኤል: ብርግጽ ሞኣብ ከም ሶዶም: ደቂ ዓሞን ከኣ ከም ጎሞራ: ግዝኣት ቈጥቋጥን ጕድጓድ ጨውን ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን: ኪዀኑ እዮም። . . . ኢዱ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ እዩ እሞ: ንኣሶር ኬጥፍኣ: ንነነዌ ድማ ኬባድማን: ከም ምድረ በዳ ደረቕ ኪገብራን እዩ።”—ጸፎንያስ 2:8, 9, 13
14. ባዕዳውያን ሃገራት ኣንጻር እስራኤላውያንን ኣምላኾም የሆዋን ከም ‘እተዓበዩ’ ዘርኢ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧
14 ሞኣብን ዓሞንን ናይ እስራኤላውያን ናይ ጥንቲ ጸላእቲ ኢየን ነይረን። (ምስ መሳፍንቲ 3:12-14 ኣረኣእዮ።) ኣብ ፓሪስ ኣብ ቤተ-መዘክር ሉቭረ ዝርከብ ናይ ሞኣብ ጽላት እምኒ: ሞኣባዊ ንጉስ ሜሳ እተዛረቦ ናይ ትዕቢት ቃላት ሒዙ ይርከብ። ብሓገዝ ኣምላኹ ኬሞሽ: ብዙሓት ከተማታት እስራኤል ከም ዝሓዘ ብትዕቢት የዘንቱ። (2 ነገስት 1:1) ኣብቲ ጸፎንያስ ዝነበረሉ ግዜ ዝነብር ዝነበረ ኤርምያስ: ዓሞናውያን ንግዝኣት ጋድ ብስም ኣምላኾም ማልካም ተረስትዮምዋ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ ኢዩ። (ኤርምያስ 49:1) ብዛዕባ ኣሶር ድማ: ንጉስ ሰልመናስር ሓሙሻይ: ዳርጋ ሓደ ዘበን ቅድሚ ግዜ ጸፎንያስ ኣቢሉ ንሰማርያ ከቢቡ ሒዝዋ ነበረ። (2 ነገስት 17:1-6) ቁሩብ ጸኒሑ: ንጉስ ሰናክሬብ ንይሁዳ ወረራ: ብዙሓት ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ሓዘ: ንየሩሳሌም ከይተረፈ ድማ ኣፈራርሃ። (ኢሳይያስ 36:1, 2) እቲ ናይ ንጉስ ኣሶር ኣፈኛ: የሩሳሌም ኢዳ ክትህብ ክሓትት ከሎ: ብርግጽ ኣንጻር የሆዋ ተዓብዩ ኢዩ።—ኢሳይያስ 36:4-20
15. የሆዋ ነቶም ኣንጻር ህዝቡ እተዓበዩ ናይ ህዝብታት ኣማልኽቲ ዘዋረዶም ብኸመይ ኢዩ፧
15 መዝሙር 83 ንሞኣብ: ንዓሞን: ከምኡውን ንኣሶር ሓዊስካ: ኣንጻር እስራኤል እተዓበዩን ብትምክሕቲ ተለዓዒሎም ድማ “ህዝቢ ኸይኰኑ: ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ: ንዑ: ነጽንቶም” ዝበሉ ብዙሓት ሃገራት ትጠቅስ ኢያ። (መዝሙር 83:4) ነብዪ ጸፎንያስ እዘን ዕቡያት ሃገራት እዚኣተንን ኣማልኽተንን ብየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ክዋረዳ ምዃነን ብትብዓት ኣዊጁ ኢዩ። “ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምዎን ተዐብዮምሉን እዮም እሞ: እዚ ብሰሪ ትዕቢቶም ኪወርዶም እዩ: እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ እሞ: ኣባታቶም መሰክሒ ኪኸውን እዩ: ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ከኣ: ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ እዮም።”—ጸፎንያስ 2:10, 11
“ከየቋረጽኩም ተጸበዩኒ”
16. (ሀ) ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ንመን ኢዩ ምንጪ ሓጐስ ዝነበረ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ነዞም ተረፍ እዚኣቶምከ እንታይ ዘለዓዕል ጻውዒት ኢዩ ዝቐረበሎም፧
16 ኣብ መንጎ እቶም መራሕትን መብዛሕትኦም ተቐማጦ ይሁዳን የሩሳሌምን መንፈሳዊ ምብዕዛዝ: ምጥርጣር: ኣምልኾ ጣኦት: ብልሽውና: ከምኡውን ፍቕረ-ንዋይ ገኒኑ እኳ እንተ ነበረ: ገለ እሙናት ኣይሁድ ነቲ ናይ ጸፎንያስ ናይ መጠንቀቕታ ትንቢታት ከም ዝሰምዕዎ ፍሉጥ ኢዩ። በቲ መሳፍንትን ፈራዶን ካህናትን ይሁዳ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘስካሕክሕ ተግባራት ጕህዮም ኢዮም። እቲ ናይ ጸፎንያስ ኣዋጃት ነዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ናይ ምጽንናዕ ምንጪ ኢዩ ነይሩ። ምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ንዕኦም ጸበባ እተምጽኣሎም ዘይኰነትስ ናይ ሓጐስ ምንጪ ኢያ ነይራ: ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ዘፈንፍን ተግባራት ደው እተብል ኢያ ነይራ። እዞም እሙናት ተረፍ እዚኣቶም ነቲ “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሓጥሲ: ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም: ነህዛብ ክእክቦም: ንመንግስታት ከኣ ክአኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ: ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ” ዝብል ናይ የሆዋ ዘለዓዕል ጻውዒት ኣቕሊቦምሉ ኢዮም።—ጸፎንያስ 3:8
17. ናይ ጸፎንያስ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት መዓስን ብኸመይን ኢዩ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ክፍጸም ዝጀመረ፧
17 እቶም ነቲ መጠንቀቕታ እቲ ዘቕለብሉ ሰባት ኣይተገረሙን። ብዙሓት ንፍጻሜ ትንቢት ጸፎንያስ ርእዮምዎ ኢዮም። ብ632 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን: ሜዶናውያን: ከምኡውን ካብ ሰሜን ዝመጹ ጭፍራ: ምናልባት ሲዜያን: ብሓባር ኰይኖም ንነነዌ ኣጥፍኡዋ። ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ኣብ ትሕቲ ናቦፖለጻር ዝነበረ ናይ ባቢሎናውያን ሰራዊት ምስቲ ኣብ ትሕቲ ሲያክሰረዝ ዝነበረ ናይ ሜዶን ሰራዊትን ካብ ኮከሰስ ዝመጸ ናይ ሲዜያን ጭፍራን ብምሕባር: ከምኡውን ብዘገርም ቅልጣፈን ምትዕጽጻፍን ነተን ናይ ሰሜን ከተማታት ሓዙወን። . . . ብሓንቲ ጽፍዒት ኣሶር ካብ ታሪኽ ተደምሰሰት።” እዚ ልክዕ ከምቲ ጸፎንያስ እተነበዮ ኢዩ ነይሩ።—ጸፎንያስ 2:13-15
18. (ሀ) መለኮታዊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ ብኸመይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) እቲ ንሞኣብን ዓሞንን ዝምልከት ናይ ጸፎንያስ ትንቢት ብኸመይ ተፈጸመ፧
18 ብዙሓት ከየቋረጹ ንየሆዋ እተጸበዩ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ፍርዱ ክወርድ ከሎ እውን ርእዮም ኢዮም። ንየሩሳሌም ኣመልኪቱ ጸፎንያስ “እታ ዓላዊትን ርኽስትን: እታ ገፋዒት ከተማ: ወይለኣ። ድምጺ ኣይትሰምዕን: ቅጽዓት ኣይትቕበልን: ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን: ናብ ኣምላኻ ኣይትቐርብን” ብምባል ተነብዩ ነበረ። (ጸፎንያስ 3:1, 2) የሩሳሌም እምንቲ ብዘይ ምዃና ክልተ ግዜ ብባቢሎናውያን ተኸቢባ ነበረት: ኣብ መወዳእታ ድማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ጠፍአት። (2 ዜና መዋእል 36:5, 6, 11-21) ብመሰረት እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ ዝገለጾ: ድሕሪ ምውዳቕ የሩሳሌም ኣብ መበል ሓሙሻይ ዓመት: ባቢሎናውያን ኣብ ልዕሊኦም ውግእ ብምኽፋት ንሞኣብን ዓሞንን ማረኽዎም። ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ድማ ንሳቶም እውን ብተኸታታሊ ካብ ህላወ ኣቋረጹ።
19, 20. (ሀ) የሆዋ ነቶም ከየቋረጹ እተጸበይዎ ብኸመይ ኢዩ ዓስቦም ዝሃቦም፧ (ለ) እዚኸ ንዓና ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ: ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ክንርኢ፧
19 ናይዝን ናይ ካልእ ኣብ ትንቢት ጸፎንያስ ዘሎ ዝርዝራትን ፍጻሜ: ነቶም ከየቋረጹ ንየሆዋ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣይሁድ ዘይኰኑን ንእምነቶም ዘሐይል ተመኵሮ ኢዩ ነይሩ። ካብ መንጎ እቶም ካብቲ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝወረደ ጥፍኣት ዝደሓኑ ሰባት ኤርምያስ: እቲ ኢትዮጲያዊ ዔብድ-ሜሌክ: ከምኡውን ስድራቤት ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኢዮም ነይሮም። (ኤርምያስ 35:18, 19፣ 39:11, 12, 16-18) እቶም ንየሆዋ ምጽባይ ዝቐጸሉ: ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድን ደቆምን ክፍሊ ናይቶም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ባቢሎን ሓራ ዝወጹን ጽሩይ ኣምልኾ እንደገና ምእንቲ ከቝሙ ድማ ናብ ይሁዳ እተመልሱን ሕጉሳት ተረፍ ኰኑ።—እዝራ 2:1፣ ጸፎንያስ 3:14, 15, 20
20 እዚ ዅሉ ኣብ ግዜና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ብብዙሕ መገድታት እቲ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ዝነበረ ኵነታት ምስቲ ሎሚ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ዘፈንፍን ነገራት ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ምስቲ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ እውን ከይተረፈ ክርከብ ዝኽእል ሎሚ ዘሎ ኣረኣእያታት ምምስሳል ኣለዎ። እዚ ነገራት እዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክርአ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ግዜ እቲ ደቂ ዮስያስ ኣዝዮም ናእሽቱ ብምንባሮም: እቲ ‘ደቂ ንጉስ’ ዝብል መግለጺ ንዅሎም እቶም ንጉሳውያን መሳፍንቲ ኢዩ ዘመልክት።
ብድግማ መልክዕ
◻ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኵነታት ከመይ ነበረ፧
◻ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሲቪል መራሕቲ እንታይ ኵነታት ኢዩ ገኒኑ ነይሩ: ናይ መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ኣረኣእያኸ እንታይ ነበረ፧
◻ ሃገራት ኣንጻር ህዝቢ የሆዋ እተዓበዩ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ጸፎንያስ ንይሁዳን ንኻልኦት ሃገራትን እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧
◻ እቶም ከየቋረጹ ንየሆዋ እተጸበዩ ሰባት ዓስቦም ዝረኸቡ ብኸመይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ሞኣብ ጽላት እምኒ ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ኣንጻር ጥንታዊት እስራኤል ናይ ውርደት ቃላት ከም እተዛረበ የረጋግጽ
[ምንጪ ስእሊ]
ናይ ሞኣብ ጽላት:- Musée du Louvre, Paris
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ናይ ጸፎንያስ ትንቢት ብምድጋፍ: እዚ ናይ ባቢሎናውያን ዜና መዋእል ዝሓዘ መጕኣዊ ቅርጺ ዘለዎ ጽላት: ነነዌ ብናይ ሓባር ሰራዊት ምጥፍኣ መዝጊቡ ኣሎ
[ምንጪ ስእሊ]
መጕኣዊ ቅርጺ ዘለዎ ጽላት:- Courtesy of the British Museum