ኵሉ ንየሆዋ የኽብሮ!
“ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕ [“ብርሃን:” NW ] . . . ኣኽብርዎ።”—ኢሳይያስ 24:15
1. ስም የሆዋ በቶም ነብያቱ ብኸመይ ይርአ ነይሩ: ምስ ከመይ ዝበለ ሎሚ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዋ ኣረኣእያኸ ኢዩ ዝነጻጸር፧
የሆዋ—እቲ ግርማ ዘለዎ ስም ኣምላኽ! እቶም ናይ ጥንቲ እሙናት ነብያት ብዛዕባ እዚ ስም እዚ ክዛረቡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም እተሐጐሱ! ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ: የሆዋ: ብሓጐስ ኣኽቢሮምዎ ኢዮም: ስሙ ድማ ዝለዓለ በዓል ዕላማ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። (ኢሳይያስ 40:5፣ ኤርምያስ 10:6, 10፣ ህዝቅኤል 36:23) እቶም ንኡሳን ነብያት ዝበሃሉ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ክብሪ ንምሃብ ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝገልጹ። ሓደ ካብዚኣቶም ሃጌ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ 38 ቍጽርታት ጥራይ ዘለዋ መጽሓፍ ሃጌ ስም ኣምላኽ 35 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ከምቲ እቶም ኣዝዮም ብሉጻት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃዋርያት ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማቶም ዝገብርዎ: እቲ ክቡር ዝዀነ የሆዋ ዝብል ስም በቲ ጐይታ ዝብል መዓርግ ክትካእ ከሎ: ከምዚ ዝበለ ትንቢት ትርጕም ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል።—ምስ 2 ቈረንቶስ 11:5 ኣረኣእዮ።
2, 3. (ሀ) ንምምላስ እስራኤል ዝምልከት ሓደ ፍሉጥ ትንቢት ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧ (ለ) እቶም ተረፍ ኣይሁድን ብጾቶምን ኣብ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዮም እተኻፈሉ፧
2 ኣብ ኢሳይያስ 12:2 ክልተ መልክዕ ዝሓዘ ኣጠቓቕማ ናይቲ ስም ኣትዩ ኣሎ።a እቲ ነብዪ ከምዚ ኢሉ ይእውጅ:- “እንሆ: ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ: እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ [“ያህ የሆዋ:” NW ] ሓይለይን መዝሙረይን [“ብርታዐይን:” NW ] እዩ እሞ: ንሱ ምድሓነይ ኰነ።” (ኢሳይያስ 26:4 እውን ርአ።) ስለዚ ድማ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ቅድሚ ምውጽኦም ገለ 200 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ያህ የሆዋ ብነብዪኡ ኢሳይያስ ገይሩ እቲ ብርቱዕ መድሓኒኦም ከም ዝዀነ መረጋገጺ ሂብዎም ነበረ። እቲ ምርኮ ካብ 607 ክሳዕ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ክጸንሕ ነበሮ። ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ እውን ጸሓፈ:- “እቲ ዅሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ: . . . ብዛዕባ ቂሮስ: ንሱ ጓሳይ እዩ: ንፍቓደይ ዘበለ ዅሉውን ኪፍጽሞ እዩ: ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ: ክትህነጽ: ብናይ ቤተ መቕደስውን: ክትስረት እያ።” እዚ ቂሮስ እዚ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ ብልክዕ እዚ እቲ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ንባቢሎን ዝሰዓራ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኰይኑ ተረኽበ።—ኢሳይያስ 44:24, 28
3 ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሆዋ: ቂሮስ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝምልከት ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ:- “ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ኸኣ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ኣምላኽ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል [“ንሱ ሓቀኛ ኣምላኽ ኢዩ:” NW ]: ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ።” እቶም ኣዝዮም ሕጕሳት ተረፍ ኣይሁድ ምስቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ነቲኒምን ደቂ ኣገልገልቲ ሰሎሞንን ኰይኖም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኣብቲ ናይ 537 ቅ.ኣ.ዘ. በዓል ዳስ ዝበዓለሉ እዋን ኣብ የሩሳሌም በጽሑ: ኣብቲ መሰውኢኡ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ ብዓቢ ወኻዕታ ሓጐስን ውዳሰ ንየሆዋን ናይታ ካልኣይቲ ቤት መቕደስ መሰረት ኣንበሩ።—እዝራ 1:1-4፣ 2:1, 2, 43, 55፣ 3:1-6, 8, 10-13
4. ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ከምኡውን ምዕራፍ 55 ፍጻሜአን ዝረኸባ ብኸመይ ኢየን፧
4 እቲ ብዛዕባ ምምላስ ዝገልጽ ትንቢት የሆዋ ክብሪ ብዘለዎ መገዲ ኣብ እስራኤል ክፍጸም ነበሮ። ከምዚ ይብል:- “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። . . . ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም።” “ብሓጐስ ክትወጹ: ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ: ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም [ኢዮም] . . . እዚውን ንእግዚኣብሄር ስምን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1, 2፣ 55:12, 13
5. ሓጐስ እስራኤል ግዝያዊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ይኹን እምበር: እቲ ሓጐስ እቲ ግዝያዊ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ጐረባብቶም ዝነበሩ ህዝብታት እምነቶም ዝተሓናፈጸሉ ኪዳን ብምግባር ኣብቲ ምስራሕ ቤት መቕደስ ክካፈሉ ደለዩ። ኣብቲ መጀመርታ እቶም ኣይሁዳውያን “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ንሰርሓሉ እምበር: ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብኣኩምን እዩ” ብምባል ኣብ መትከሎም ጸንዑ። እቶም ጐረባብቲ ሕሱማት ተቓወምቲ እናዀኑ ከዱ። “ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ: ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም።” ነቲ ንቂሮስ ዝተክኦ ንጉስ ኣርታሕሽስታ እውን እቲ ኵነታት ብጌጋ ኣረድእዎ: ንሱ ድማ ነቲ ምስራሕ ቤት መቕደስ ከም ዝእገድ ገበረ። (እዝራ 4:1-24) እቲ ዕዮ ን17 ዓመታት ተቛረጸ። ዘሕዝን ከኣ: እቶም ኣይሁዳውያን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ፍቕረ-ንዋያዊ ኣነባብራ ጠሓሉ።
“እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ይዛረብ
6. (ሀ) የሆዋ ነቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኵነታት ብኸመይ መለሰሉ፧ (ለ) እቲ ልክዕ ትርጕም ስም ሃጌ ምስቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ከምዚ ምስ ኰኑ እውን ከይተረፈ: የሆዋ ነቶም ኣይሁድ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ከበራብሮም ኢሉ ነብያቱ: ብፍላይ ንሃጌን ዘካርያስን: ብምልኣኽ ‘ሓይሉን ብርታዐኡን’ ኣርኣየ። ናይ ሃጌ ስም ምስ በዓል እተተሓሓዘ ስም ኢዩ: ምኽንያቱ ትርጕሙ “ኣብ ግዜ በዓል እተወልደ” ማለት ኢዩ። ምስ እዚ ዝሰማማዕ ድማ: ኣብቲ በዓል ዳስ ዝውዕለሉ ወርሒ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ክንበ ጀመረ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እስራኤላውያን ‘ምሉእ ሓጐስ ክሕጐሱ’ ነበሮም። (ዘዳግም 16:15) የሆዋ ብሃጌ ገይሩ ኣብ ውሽጢ 112 መዓልትታት ኣርባዕተ መልእኽትታት ኣመሓላለፈ።—ሃጌ 1:1፣ 2:1, 10, 20
7. እተን ናይ ሃጌ መኽፈቲ ቃላት ከጸናንዓና ዘለወን ብኸመይ ኢየን፧
7 ሃጌ ንትንቢቱ ክጅምራ ከሎ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ” በለ። (ሃጌ 1:2ሀ) እዞም “ሰራዊት” እዚኣቶም መን ኢዮም ክዀኑ ዝኽእሉ፧ ናይ የሆዋ ጭፍራ መላእኽቲ ኢዮም: መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ከም ወተሃደራዊ ሓይልታት ገይሩ ይዛረበሎም ኢዩ። (እዮብ 1:6፣ 2:1፣ መዝሙር 103:20, 21፣ ማቴዎስ 26:53) እቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ባዕሉ: ነዚ ኣብ ምድሪ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምምላስ እንገብሮ ዕዮ በቶም ዘይርኣዩ ሰማያውያን ሓይልታት ገይሩ ይመርሖ ምህላዉ ኣየተባብዓናንዶ ኢዩ፧—ምስ 2 ነገስት 6:15-17 ኣረኣእዮ
8. ንእስራኤል እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኢዩ ተንኪፉዋ ዝነበረ: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧
8 ትሕዝቶ ናይታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ሃጌ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቶም ህዝቢ “እቲ ጊዜ: ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ጊዜ: ኣይበጽሔን” በሉ። እቲ ምምላስ ናይ መለኮታዊ ኣምልኾ ዘመልክት ምህናጽ ቤት መቕደስ: ድሕሪ ደጊም ቀዳማይ ቦታ ዝህብዎ ካብ ምዃን ኣቛረጸ። ናይ ገዛእ ርእሶም ስሉም ኣባይቲ ናብ ምህናጽ ተመልሱ። ናይ ፍቕረ-ንዋይ ኣረኣእያ ነቲ ንኣምልኾ የሆዋ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዝዝሕል ገበሮ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: በረኸቱ ኣልገሰ። ግርሁኦም ኣዝመራ ካብ ምሃብ ኣቛረጸ: ነቲ ሕማቕ ወቕቲ ናይ ክረምቲ ዝኸውን ክዳውንቲ ድማ ስኣኑ። እቶቶም ውሑድ: ገንዘቦም ድማ ኣብ ነዃል ዝበዝሖ ማሕፉዳ ከም ምእታው ኰነ።—ሃጌ 1:2ለ-6
9. የሆዋ እንታይ ብርቱዕን ሃናጽን ዝዀነ ማዕዳ ኢዩ ዝሃበ፧
9 የሆዋ ክልተ ግዜ: “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ብምባል ኣበርቲዑ መዓዶም። ብርግጽ እቲ ኣማሓዳሪ ናይ የሩሳሌም ዝነበረ ዘሩባቤልን ሊቀ ኻህናት እያሱንb ነዚ ጻውዒት እዚ መሊሶምሉ ኢዮም: ንዅሉ ህዝቢ ድማ “ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነብዪ ሃጌን: ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለአኾ: ስምዕዎ” ብምባል ብድፍረት ኣተባብዕዎም፣ “እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሁ።” ኣብ ርእሲ እዚ: “ሃጌ ልኡኽ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ንህዝቢ: ኣነ ምሳኻትኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ኢሉ ተዛረቦም።”—ሃጌ 1:5, 7-14
10. የሆዋ ኣብ ክንዲ እስራኤል ሓይሉ እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ገለ ዓበይቲ ሰባት ክብሪ እታ እንደገና እትህነጽ ቤት መቕደስ ምስታ ቐዳመይቲ ቤት መቕደስ ኣወዳዲሮም ዳርጋ ‘ከም ዘየላ’ ገይሮም ርእዮምዋ ይዀኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: ድሕሪ 51 መዓልትታት የሆዋ ንሃጌ ካልኣይ መልእኽቲ ክእውጅ ኣለዓዓሎ። ከምዚ ኢሉ ድማ ኣወጀ:- “ዎ ዘሩባቤል: ጽናዕ: ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቕ: ሊቀ ኻህናት: ድማ ጽናዕ: ኵልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ: ይብል እግዚኣብሄር: ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ: ዕየዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። . . . ኣይትፍርሁ።” ድሕሪ ገለ ግዜ የሆዋ በቲ ዅሉ ዝኽእል ሓይሉ ተጠቒሙ ‘ንሰማይን ምድርን ከነቓንቕ:’ ኵሉ ምጽራራት: እቲ ሃጸይ ዝገበሮ ምእጋድ እውን ከይተረፈ ከም ዘልግስ ክገብር ነበሮ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ህንጻ እታ ቤት መቕደስ ብዓወት ተፈጸመ።—ሃጌ 2:3-6
11. ኣምላኽ ነታ ኻልኣይቲ ቤት መቕደስ ብዝዓበየ ‘ክብሪ’ ዝመልኣ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ድሕርዚ ሓደ ዓቢ መብጽዓ ተፈጸመ:- “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ።” (ሃጌ 2:7) እዚ “ክቡር ነገር” እዚ እቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ከምልኹ ዝመጹ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ምዃኖም ተረጋጊጹ ኢዩ: እዚ ድማ ክብሪ ናይቲ ዓቢ ህላወኡ ዘመልክት ኢዩ። እዛ እንደገና እተሃንጸት ቤት መቕደስ ምስታ ኣብ ግዜ ሰሎሞን እተሃንጸት ቤት መቕደስ ብኸመይ ኢያ እትወዳደር፧ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ሃጌ 2:9) ኣብቲ ቀዳማይ ፍጻሜ ናይቲ ትንቢት እታ እንደገና እተሃንጸት ቤት መቕደስ ካብታ ቐዳመይቲ ዝበዝሕ ዓመታት ጸንሐት። እቲ መሲሕ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ክመጽእ ከሎ ጌና ነይራ ኢያ። ብተወሳኺ: እቶም ከሓድቲ ጸላእቱ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ከይቀተልዎ ከለዉ: እቲ መሲሕ ኣብኣ ኰይኑ ስለ ዝሰበኸ ኽብሪ ኣምጺኡላ ኢዩ።
12. እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ኣብያተ-መቓድስ ንምንታይ ዕላማ ኢየን ዘገልገላ፧
12 እተን ኣብ የሩሳሌም ዝነበራ ቀዳመይትን ካልኣይትን ኣብያተ-መቓድስ ነቲ ናይ መሲሕ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ዝገልጽ ኣድለይቲ መዳያት ጽላሎት ብምዃንን እቲ መሲሕ ብሓቂ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ናይ የሆዋ ጽሩይ ኣምልኾ ኣብ ምድሪ ህያው ገይረን ብምሓዝን ንሓደ ኣገዳሲ ዕላማ ኣገልጊለን ኢየን።—እብራውያን 10:1
እታ ኽብርቲ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ
13. (ሀ) ነታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ዝምልከት ካብ 29 ክሳዕ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ፍጻመታት ኢዩ ዝዀነ፧ (ለ) ኣብዚ ምዕባለታት እዚ ናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት እንታይ ኣድላዪ ግደ ኢዩ ዘበርከተ፧
13 ንምምላስ ዝምልከት ናይ ሃጌ ትንቢት: ንዳሕራይ ግዜ ዝኸውን ፍሉይ ትርጕም ኣለዎዶ፧ ብርግጽ ኣለዎ! እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት እንደገና እተሃንጸት ቤት መቕደስ ማእከል ናይቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ኵሉ ሓቀኛ ኣምልኾ ኰይና ነበረት። እንተዀነ ግን: ዝያዳ ክብሪ ንዘለዋ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ተመልክት ነበረት። እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ብ29 ከ.ኣ.ዘ.: የሱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ የሆዋ ከም ርግቢ ገይሩ መንፈስ ቅዱስ ብምውራድ ሊቀ ኻህናት ክኸውን ምስ ቀብኦ: ስርሓ ጀመረት። (ማቴዎስ 3:16) የሱስ መስዋእታዊ ሞት ብሙማት ምድራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ወድአ: ናብቲ በታ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ ቤት መቕደስ ተመሲሉ ዘሎ ሰማይ ተንስአ: ኣብኡ ድማ ናይ መስዋእቱ ዋጋ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረበ። እዚ ናይ መስዋእቱ ዋጋ እዚ ንሓጢኣት ደቀ መዛሙርቱ ብምሽፋን ከም በጃ ኰይኑ ኣገልገለ: ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ኣብታ ናይ የሆዋ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ከም ንኡሳን ካህናት ኰይኖም ምእንቲ ክቕብኡ መገዲ ከፈተሎም። ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤት መቕደስ ዝርከብ ኣጸድ ብምዃን ክሳዕ ሞት ዝገብርዎ እሙን ኣገልግሎት ንመጻኢ ቀጻሊ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ንኽህቡ ናብ ሰማያዊ ትንሳኤ ዝመርሖም ነበረ።
14. (ሀ) ነቲ እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘርኣየቶ ቅንኢ ዘለዎ ንጥፈታት እንታይ ሓጐስ ኢዩ ዘሰነዮ፧ (ለ) እዚ ሓጐስ እዚ ግዝያዊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እተናስሑ ኣይሁድ—ድሓር ድማ ኣህዛብ—ብዛዕባ እታ ኣብ ምድሪ እትገዝእ መጻኢት መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ኣብ ምስባኽ ብምክፋል ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወሓዙ። ድሕሪ 30 ዓመታት ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ተሰብከ ኢሉ ክገልጽ ከኣለ። (ቈሎሴ 1:23) እንተዀነ ግን: ድሕሪ ሞት እቶም ሃዋርያት ሓደ ዓቢ ክሕደት ተላዕለ: እቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ድማ ጭልምልም ክብል ጀመረ። እቲ ናይ ሓቂ ክርስትና በቲ ኣብ ናይ ኣረማውያን ትምህርትታትን ፍልስፍናታትን እተመስረተ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣንቆራታት ክዕብለል ጀመረ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30
15, 16. (ሀ) ብ1914 ትንቢት እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንመወዳእታ ናይ መበል 19 ከምኡውን መጀመርታ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበናት ከመይ ዝበለ ምእካብ ኢዩ ፍሉይ ዝገብሮ፧
15 ዘበናት ሓለፈ። ድሕርዚ ኣብ 1870ታት ቅኑዓት ጕጅለ ክርስትያናት ዓሚቝ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ጀመሩ። ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ድማ 1914 “[“ምዱብ:” NW ] ዘመናት ኣህዛብ” ዝውድኣላ ዓመት ምዃና ሓበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ የሱስ ከም ናይ ምድሪ መሲሓዊ ንጉስ መጠን “ሕጋዊ መሰል” (NW ) ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ምስ ነገሰ: እተን ሸውዓተ ምሳልያውያን ‘ግዜያት’ (2,520 ዓመታት ዝሓዘ ኣራዊታዊ ዝመስል ኣገዛዝኣ ሰባት) እተወድኣ። (ሉቃስ 21:24፣ ዳንኤል 4:25፣ ህዝቅኤል 21:26, 27) እዞም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም: ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ: ብፍላይ ካብ 1919 ንነጀው ብስራት ናይታ መጻኢት መንግስቲ ኣብ መላእ ምድሪ ኣበርቲዖም ይዝርግሕዎ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ሴዳር ፖይንት ኣሃዮ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ዝነበረ ናይ ዕዮ ጻውዒት ሒደት ኣሽሓት መሰኻኽር ጥራይ ዝመለስሉ ብ1919 ኢዩ ነይሩ። ብ1935 56,153 ዝኣኽሉ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ዝህቡ ኣስፋሕቲ ነበሩ። ካብዚኣቶም ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ እተገብረ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት የሱስ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝወሰዱ 52,465 ዝኣኽሉ ነበሩ: በዚ ድማ ኣብቲ ሰማያዊ ክፍሊ ናይታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ናይ የሆዋ ምስ ክርስቶስ የሱስ ካህናት ከም ዝዀኑ ኣርኣዩ። ኣብታ መሲሓዊት መንግስቱ እውን ከም ተሓባበርቲ ነገስታት ኰይኖም ከገልግሉ ኢዮም።—ሉቃስ 22:29,30፣ ሮሜ 8:15-17
16 ይኹን እምበር: ራእይ 7:4-8 ከምኡውን 14:1-4 ጠቕላላ ቍጽሪ ናይዞም ቅቡኣት ክርስትያናት 144,000 ጥራይ ምዃኑ የርኢ ኢዩ: ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ድማ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ቅድሚ እቲ ዓቢ ክሕደት ምጅማሩ ተኣኪቦም ኢዮም። ካብ መወዳእታ ናይ መበል 19 ክሳዕ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ -ዘበናት: የሆዋ ካብ ኣህዛብ ብናይ ቃሉ ማይ ዝጸርዩ: ኣብቲ ሓጢኣት ዘተዓርቕ መስዋእቲ የሱስ እምነት ብምግባር ድማ ጻድቃን ተባሂሎም ዝጽውዑ: ኣብ መጨረሽታ ድማ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ናይቶም 144,000 ብምዃን ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ጕጅለ ይእክብ ነበረ።
17. (ሀ) ካብ 1930ታት ንነጀው እንታይ ምእካብ ኢዩ ዝሰዓበ፧ (ለ) ዮሃንስ 3:30 ኣብዚ እተገድስ ስለምንታይ ኢያ፧ (ሉቃስ 7:28 እውን ርአ።)
17 ምሉኣት ኣባላት ናይቶም እተሓርዩ ቅቡኣት ምስ ተኣከቡ እንታይ ኢዩ ዝስዕብ፧ ኣብቲ ብ1935 ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ታሪኻዊ ዓቢ ኣኼባ: እቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝተስፍኦም “ድሕሪ” ምእካብ ናይቶም 144,000 እተፈልጡ ጕጅለ ምዃኖም ተገልጸ። እቲ ከም ሓደ ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” መጠን ኣብ ምድሪ ዝትንስእ ዮሃንስ መጥምቕ: ነቲ ቅቡእ የሱስ ብንጹር ምስ ኣለለዮ: ብዛዕባ እቲ መሲሕ “ንሱ ኺዐቢ: ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ” በለ። (ዮሃንስ 1:29፣ 3:30፣ 10:16፣ ማቴዎስ 11:11) የሱስ መጺኡ ክፍሊ ናይቶም 144,000 ዝዀኑ እናወሰኹ ዝኸዱ ሰባት ናይ ምምራጽ ተግባር ምስ ተረከቦ: ዮሃንስ መጥምቕ ንመሲሕ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ንምድላው ዝነበሮ ዕዮ ኣብቅዐ። ኣብ 1930ታት ግን ኣንጻር ናይዚ ተፈጸመ። ካብቶም 144,000 ንክዀኑ ‘እተጸውዑን እተሓርዩን’ ውሑዳት ሰባት ነበሩ: ቍጽሪ ናይቶም ካብ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዝዀኑ “ዓቢ ጭፍራ” ግን ዓቢ ወሰኽ ክገብር ጀመረ። ናይዛ ዓለም እዚኣ እኩይ ኣገባብ ኣብ ኣርማጌዶን ዘብቅዓሉ ግዜ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ቍጽሪ ናይዞም ዓቢ ጭፍራ እናበዝሐ ክኸይድ ኢዩ።—ራእይ 17:14ለ
18. (ሀ) ‘ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ከም ዘይሞቱ’ ብምትእምማን ክንጽበ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንሃጌ 2:4 ብቕንኢ ከነቕልበላ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ኣብ መጀመርታ ናይ 1920ታት “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዋህበ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እዚ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣወንታዊ ምዃን መሲሉ ተራእዩ ይኸውን ኢዩ። ሎሚ ግን እታ ሓሳባት እቲኣ ምሉእ እምንቶ ብምሓዝ ክትበሃል ትኽእል ኢያ። እቲ ብቐጻሊ እናበርሀ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢትን ቅጥዒ ኣልቦ ኵነታት ናይዛ ትሰሓግ ዘላ ዓለምን መወዳእታ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኣዝዩ: ኣዝዩ ከም ዝቐረበ ዘመልክት ኢዩ! እቲ ናይ 1996 ናይ ዝኽሪ ጸብጻብ 12,921,933 ዝኣኽሉ ኣብቲ በዓል ከም እተኣከቡ የርኢ: ካብዚኣቶም 8,757 (.068 ካብ ሚእቲ) ዝኣኽሉ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ብምውሳድ ሰማያዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ኣርኣዩ። ምምላስ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ መወዳእታኡ ቀሪቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣይንተሓለል። እወ: ሃጌ 2:4 “ኵልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ: ይብል እግዚኣብሄር: ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ: ዕየዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ብምባል ትገልጽ። ናይ ፍቕረ-ንዋይ ወይ ዓለማዊ ወጥርታት ነቲ ኣብ ዕዮ የሆዋ ዘሎና ቅንኢ ከየዝሕሎ እንውስን ይግበረና!—1 ዮሃንስ 2:15-17
19. ኣብ ፍጻሜ ሃጌ 2:6, 7 ብኸመይ ኢና ክንካፈል እንኽእል፧
19 ኣብቲ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል አሎ፤ ገና ሓደ ጊዜ: ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ: ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ። ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዝብል ናይ ሃጌ 2:6, 7 ዘመናዊ ፍጻመ ክንካፈል ዘሎና መሰል ዘሐጕስ ኢዩ። ስስዐ: ብልሽውና: ከምኡውን ጽልኢ ኣብዛ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ምልእቲ ዓለም ገኒኑ ኢዩ ዘሎ። ብርግጽ ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልትታታ ኢያ ዘላ: የሆዋ ኸኣ ንመሳኻኽሩ ‘መዓልቲ ሕነ ኣምላኽ ከም ዝእውጁ’ ብምግባር ድሮ ‘ከነቓንቕ’ ጀሚሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 61:2) እዚ ናይ መጀመርታ ምንቕናቕ እዚ ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ክትጠፍእ ከላ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ ክበጽሕ ኢዩ: ቅድሚኡ ግን: የሆዋ ንኣገልግሎቱ ዝኸውን “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር”—እቶም ትሑታት: ኣብ ምድሪ ዘለዉ በጊዕ መሰል ሰባት—ይእክብ ኣሎ። (ዮሃንስ 6:44) ሕጂ እዞም “ዓቢ ጭፍራ” እዚኣቶም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘላ ናይ ኣምልኾ ቤቱ ዝርከብ ኣጸድ ኰይኖም ‘ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርቡ’ ኣለዉ።—ራእይ 7:9, 15 NW
20. እቲ ኣዝዩ ክቡር ሃብቲ ኣበይ ኢዩ ዝርከብ፧
20 ኣብታ ናይ የሆዋ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ምግልጋል ካብቲ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ሃብቲ ከምጽኦ ዝኽእል ዝያዳ ዝኸበረ ረብሓ ዘምጽእ ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-6፣ 3:13, 14፣ ማቴዎስ 6:19-21) ኣብ ርእሲ እዚ: ሃጌ 2:9 “ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ብምባል ትገልጽ። ሎሚ እዘን ቃላት እዚኣተን ንዓና እንታይ ማለት ኢየን፧ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክትነግረና ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ “ያህ የሆዋ” ዝብል መግለጺ ፍሉይ ምጕላሕ ንምግባር ኢዩ ዝጠቅም። ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክርፕቸርስ: ጥራዝ 1 ገጽ 1248 ርአ።
b ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምኡውን ካልኦት መጽሓፍ ቅዱሳት “ጀሹዋ” ተባሂሉ ኣሎ
ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት
◻ ንስም የሆዋ ዝምልከት እንታይ ኣብነት ናይቶም ነብያት ኢና ክንስዕብ ዘሎና፧
◻ ካብቲ የሆዋ ነቶም እተመልሱ እስራኤል ዝሃቦም መልእኽቲ እንታይ ምትብባዕ ኢና እንረክብ፧
◻ ከመይ ዝበለት ክብሪ ዝመልኣ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኢያ ሎሚ እትዓዪ ዘላ፧
◻ ኣብ መበል 19 ከምኡውን መበል 20 ክፍለ-ዘበናት ከመይ ዝበለ ምእካብ ኢዩ ብመስርዕ እተኻየደ: ምስ ከመይ ዝበለ ዓቢ ተስፋኸ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሰማያውያን ሰራዊት የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ መሰኻኽሩ ይመርሕዎምን ይድግፍዎምን ኢዮም