“ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት”
“ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል:ጽሑፍ ደይኰነን፧ ”—ማርቆስ 11:17
1. ኣዳምን ሄዋንን ኣብ መጀመርታ ምስ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ርክብ ኢዮም ዘስተማቕሩ ነይሮም፧
ኣዳምን ሄዋንን ምስ ተፈጥሩ: ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ጥብቂ ርክብ የስተማቕሩ ነበሩ። የሆዋ ኣምላኽ ምስኣቶም ይዘራረብ ነበረ: እቲ ንዓሌት ሰብ ዘለዎ ድንቂ ዕላማ ድማ ነጊርዎም ኢዩ። ብርግጽ: እቲ የሆዋ ዝገበሮ ድንቂ ዝዀነ ዕዮ ናይ ፍጥረታት መብዛሕትኡ ግዜ ንዕኡ ብምውዳስ ፍንጭሕ ከም ዝብሉ ይገብሮም ነይሩ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ንመጻኢ ከም ኣቦን ኣደን ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት መጠን ዝነበሮም ግደ ክሓስቡሉ ከለዉ መምርሒ ምስ ዘድልዮም: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ናይታ ገነታዊት ቤቶም ኰይኖም ንየሆዋ ክሓትዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ቤተ-መቕደስ ኴንካ ዝግበር ናይ ካህን ኣገልግሎት ኣየድልዮምን ኢዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 1:28
2. ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ እንታይ ለውጢ ኢዩ ዝመጸ፧
2 ሓደ ዓለወኛ መልኣኽ ንሄዋን: ሉዓላውነት የሆዋ እንተድኣ ነጺጋ ‘ከም ኣምላኽ ክትከውን’ ምዃና: ናብራኣ ክማሓየሽ ምዃኑ ከም እትሓስብ ገይሩ ምስ ኣስድዓ: እቲ ኵነታት ተለወጠ። በዚ ድማ ሄዋን ፍረ ናይታ ኣምላኽ ከይትበልዑ ኢሉ ዝኸልከላ ኦም በልዐት። ድሕርዚ ሰይጣን ንሄዋን ሰብኣያ ንኽትፍትን ተጠቕመላ። ዘሕዝን ከኣ: ኣዳም ነቲ ምስ ሄዋን ዝነበሮ ርክብ ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ዝያዳ ከም ዝበልጽ ገይሩ ብምውሳድ ነታ ሓጢኣተኛ ሰበይቱ ሰምዓ። (ዘፍጥረት 3:4-7) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣዳምን ሄዋንን ንሰይጣን ኣምላኾም ገይሮም መረጽዎ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 4:4 ኣረኣእዮ።
3. ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዕልወት ዘስዓቦ ሕማቕ ፍረ እንታይ ኢዩ፧
3 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ብምግባሮም: እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እውን ኣጥፊኦም ኢዮም። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እቲ ሓጥእ ስጋኦም ክሳዕ ዝሞቱ ቀስ እናበለ ክዓኑ ጀመረ። ዘርኦም ድማ ነዚ ሓጥእ ኵነታት እዚ ወረሱ። መጽሓፍ ቅዱስ “ስለዚ ኸኣ . . . ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ይገልጽ።—ሮሜ 5:12
4. ኣምላኽ ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዓቚሩሎም ዘሎ፧
4 ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ምስቲ ቅዱስ ፈጣሪኦም ንምትዕራቕ ሓደ ነገር ኣድለየ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ክፈርዶም ከሎ: ንደቅሰብ ካብ ሳዕቤናት ናይ ሰይጣን ዕልወት ዘድሕኖም ሓደ ‘ዘርኢ’ ከም ዘሎ መብጽዓ ብምግባር ንዘርኦም ተስፋ ሃቦ። (ዘፍጥረት 3:15) ጸኒሑ ኣምላኽ: እቲ ናይ በረኸት ዘርኢ ብኣብርሃም ኣቢሉ ከም ዝመጽእ ገለጸ። (ዘፍጥረት 22:18) ኣምላኽ ነዚ ፍቕራዊ ዕላማ ኣብ ሓሳቡ ብምሓዝ ንዘርኢ ኣብርሃም: እስራኤላውያን: ሕሩያት ህዝቡ ክዀኑ መረጾም።
5. ኣብቲ ዝርዝር ናይቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤል ዝገበሮ ሕጊ ኪዳን ክንግደስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. እስራኤላውያን ምስ ኣምላኽ ናይ ቃል ኪዳን ርክብ ገበሩ: ንሕግታቱ ክእዘዙ ድማ ተሰማምዑ። እቲ ሕጊ ኪዳን ናብቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ስለ ዘመልክት ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ዘምልኽዎ ኣዝዩ ዘገድሶም ኢዩ። ጳውሎስ: እዚ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” ዝሓዘ ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። (እብራውያን 10:1) ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከሎ: ብዛዕባ እቲ ናይ እስራኤል ካህናት ኣብታ እትንቀሳቐስ ማሕደር: ወይ ናይ ኣምልኾ ድንኳን ኰይኖም ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። “መቕደስ እግዚኣብሄር” ወይ ድማ “ቤት እግዚኣብሄር” ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። (1 ሳሙኤል 1:9, 24) ኣብታ ምድራዊት ቤት የሆዋ ዝግበር ዝነበረ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምምርማር: ነቲ ሎሚ ሓጢኣተኛታት ሰባት ምስ ኣምላኽ ክዕረቕሉ ዝኽእሉ ናይ የሆዋ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ከነማስወሉ ክንክእል ኢና።
ቅድስተ ቅዱሳን
6. ኣብቲ ቅድሰተ ቅዱሳን እንታይ ነበረ: ኣብኡኸ ህላወ ኣምላኽ ብምንታይ ኢዩ ዝውከል ነይሩ፧
6 መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ” ኢሉ ይገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:48) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብታ ምድራዊት ቤቱ ከም ዘሎ: በቲ ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ተባሂላ እትጽዋዕ ውሽጣዊት ክፍሊ ዝነበረ ደበና ኢዩ ዝውከል ነይሩ። (ዘሌዋውያን 16:2) ብርግጽ: እዚ ደበና እዚ ነታ ቅድስተ ቅዱሳን ብርሃን ብምሃብ ኣጸቢቑ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ “ታቦት ምስክር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዱስ ከብሒ ኢዩ ዝኸውን ነይሩ: እቲ ታቦት ምስክር ከኣ ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዝነበሮ ጽላት ኣእማን ይሕዝ ነበረ። ኣብ መኽደን እቲ ታቦት ነቶም ኣብ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ዝለዓለ ቦታ ዘለዎም መላእኽቲ ዘመልክቱ: መንገብገቦም ዝዘርግሑ ካብ ወርቂ እተገብሩ ክልተ ኪሩቤላት ነበሩ። እቲ ብርሃን ዝነበሮ ትእምርታዊ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ መኽደን ታቦት: ኣብ መንጎ እቶም ኪሩቤላት ነበረ። (ዘጸኣት 25:22) እዚ: እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ብህያዋን ኪሩቤላት እትድገፍ ሰረገላ ምንጋሱ ዘርኢ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 28:18) እዚ: ንጉስ ህዝቅያስ ስለምንታይ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ከም ዝጸለየ ይገልጽ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል: ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ።”—ኢሳይያስ 37:16
እታ ቅድስቲ ክፍሊ
7. ኣብታ ቅድስቲ ክፍሊ እንታይ ኣቝሑ ነበረ፧
7 እታ ካልኣይቲ ክፍሊ ናይቲ ማሕደር ቅድስቲ ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብ ውሽጢ እዛ ክፍሊ እዚኣ: ካብቲ መእተዊ ንወገን ጸጋም ሸውዓተ ጨንፈር ዘለዎ ቀዋሚ ቀንዴል ነበረ: ብወገን የማን ድማ ናይ እንጌራ ምርኣይ ሰደቓ ነበረ። ፊትንፊት ድማ ናይቲ ዝዕጠን ዕጣን ምዑዝ ጨና ንላዕሊ ዝድይበሉ መሰውኢ ቈይሙ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እቲ ነታ ቅድስቲ ክፍሊ ካብታ ቅድስተ ቅዱሳን ዝፈሊ መጋረጃ ድማ ይቕመጥ ነበረ።
8. ካህናት ኣብታ ቅድስቲ ክፍሊ እንታይ ዓይነት ዕዮ ኢዮም ስርዓታውያን ኰይኖም ዝዓዩ ዝነበሩ፧
8 እቲ ካህን ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን ናብቲ ማሕደር ኣትዩ ኣብቲ ናይ ዕጣን መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ነበሮ። (ዘጽኣት 30:7, 8) ንግሆ እቲ ዕጣን ክነድድ ከሎ: እተን ኣብቲ ወርቃዊ ቀዋሚ ቐንዴል ዝነበራ ሸውዓተ ቐነዲል ዘይቲ ክመልኣ ነበረን። እተን ቐነዲል ነታ ቅድስቲ ክፍሊ ብርሃን ምእንቲ ከብርሃ ምሸት ይውልዓ ነበራ። ሰንበት ሰንበት: እቲ ካህን ኣብቲ እንጌራ ምርኣይ ዝቕመጦ ሰደቓ 12 ውዑይ ቅጫ ከቐምጥ ነበሮ።—ዘሌዋውያን 24:4-8
እቲ ኣጸድ
9. ዕላማ እቲ ናይ ማይ ገበራ እንታይ ኢዩ: ካብኡኸ እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንወስድ እንኽእል፧
9 እቲ ማሕደር ብናይ ድንኳን ጨርቂ እተሸፈነ ሓጹር ዘለዎ ኣጸድ እውን ነይርዎ ኢዩ። እዚ ኣጸድ እዚ እቶም ካህናት ናብታ ቅድስቲ ክፍሊ ቅድሚ ምእታዎም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዝሕጸብሉ ገበራ ነበረ። ኣብቲ ኣድ ኣብ ዝነበረ መሰውኢ መስዋእቲ ቅድሚ ምቕራቦም እውን ክሕጸቡ ነበሮም። (ዘጽኣት 30:18-21) እዚ ናይ ንጽህና ስርዓት እዚ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣምልኾኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ክረክብ እንተድኣ ደልዮም: ኣካላዊ: ስነ-ምግባራዊ: ኣእምሮኣዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ ንጽህና ክህልዎም ክጽዕሩ ከም ዘለዎም ዘርኢ ሓያል መዘኻኸሪ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ: ነቲ ኣብ መሰውኢ ዝነበረ ሓዊ ዝኸውን ዕንጨይትን ነቲ ገበራ ዝኸውን ማይን በቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ናይ ቤተ-መቕደስ ባሮት ይግበር ነበረ።—እያሱ 9:27
10. ገለ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ዝነበረ ወፈያታት እንታይ ኢዩ፧
10 ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን: ንእሽቶ ንመስዋእቲ ዝኸውን ገንሸል ምስ መስዋእቲ ሓርጭን መስዋእቲ መስተን ሓቢሩ ኣብቲ መሰውኢ ይስዋእ ነበረ። (ዘጸኣት 29:38-41) ኣብ ፍሉያት መዓልትታት ድማ ካልእ መስዋእትታት ይግበር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ፍሉይ ብሕታዊ ሓጢኣት መስዋእቲ ክግበር ነበሮ። (ዘሌዋውያን 5:5, 6) ካልእ ግዜ ድማ ሓደ እስራኤላዊ ወለንታዊ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ከቕርብ ይኽእል ነበረ: እዚ ድማ ገለ ክፍሉ እቶም ካህናትን እቲ ነቲ መስዋእቲ ዘቕረበ ሰብን ይበልዕዎ። እዚ ሓጢኣተኛታት ሰባት ምስ ኣምላኽ ሰላም ክገብሩ ከም ዝኽእሉ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ምስኡ ምብላዕ ከስተማቕሩ ከም ዝኽእሉ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። መጻእተኛ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ዘምልኽ ብምዃን ኣብ ቤት ኣምላኽ ናይ ወለንታ መስዋእቲ ናይ ምቕራብ መሰል ይረክብ ነበረ። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ እቲ ዝግባእ ክብሪ ምእንቲ ክወሃቦ: እቶም ካህናት እቲ ዝበለጸ መስዋእቲ ጥራይ ኢዮም ዝቕበሉ ነይሮም። እቲ ናይ ሓርጭ መስዋእቲ ኣጸቢቑ ክጠሓን: እቶም ንመስዋእቲ ዝቐርቡ እንስሳታት ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክዀኑ ነበሮም።—ዘሌዋውያን 2:1፣ 22:18-20፣ ሚልክያስ 1:6-8
11. (ሀ) በቲ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ደም: እንታይ ኢዩ ዝግበር ነይሩ: እዚኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ ክልቲኡ ማለት ናይ ሰብን እንስሳታትን ደም ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
11 ደም ናይዚ መስዋእትታት እዚ ናብቲ መሰውኢ የምጽእዎ ነበሩ። እዚ ድማ ነቶም ህዝቢ ሓጢኣተኛታት ከም ዝዀኑ እሞ: ሓደ በቲ ዝፈስስ ደሙ ንሓዋሩ ካብ ሓጢኣቶም ዘተዓርቖምን ካብ ሞት ድማ ዘድሕኖምን ተበጃዊ ከም ዘድልዮም መዓልቲ መዓልቲ ንኸዘኻኽሮም ዝጠቅም ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 7:24, 25፣ ገላትያ 3:24፣ ምስ እብራውያን 10:3 ኣረኣእዮ።) እዚ ቅዱስ ኣጠቓቕማ ናይ ደም: ንእስራኤላውያን ደም ማለት ህይወት ምዃኑን ህይወት ድማ ናይ ኣምላኽ ምዃኑን የዘኻኽሮም ነይሩ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰባት ዝገብርዎ ካልእ ኣጠቓቕማ ደም: ብኣምላኽ ክልኩል ኢዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 9:4፣ ዘሌዋውያን 17:10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29
መዓልቲ ምትዕራቕ
12, 13. (ሀ) መዓልቲ ምትዕራቕ እንታይ ኢያ ነይራ፧ (ለ) እቲ ሊቀ ኻህናት ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ደም ቅድሚ ምውሳዱ: እንታይ ክገብር ነበሮ፧
12 እስራኤላውያን ብምልኦም: ንየሆዋ ዘምልኹ መጻእተኛታት ነበርቲ እውን ሓዊስካ: ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኣብታ መዓልቲ ምትዕራቕ ካብ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ከቋርጹን ክጾሙን ነበሮም። (ዘሌዋውያን 16:29, 30) ኣብዛ ኣገዳሲት መዓልቲ እዚኣ ብምሳልያዊ መገዲ እቲ ህዝቢ ካብ ሓጢኣቱ ይነጽህ: ኣብታ ቀጺላ ዘላ ዓመት ድማ ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ከስተማቕር ይኽእል። እስኪ ነቲ ኵነታት ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ: ነቲ ጕሉሕ ነገራት ድማ ንርኣዮ።
13 እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ናይ ማሕደር ኣጸድ ኢዩ ዘሎ። በቲ ኣብ ገበራ ዘሎ ማይ ገይሩ ምስ ተሓጽበ: ንመስዋእቲ ዝኸውን ዝራብዕ ይሓርድ። ናይቲ ዝራብዕ ደም ኣብ መትሓዚ ኣቕሓ ይገብሮ፣ ንሓጢኣት እቶም ናይ ክህነት መሰል ተዋሂብዎም ዝነበሩ ነገድ ሌዊ ንምትዕራቕ ድማ ብፍሉይ መገዲ ይጠቅም። (ዘሌዋውያን 16:4, 6, 11) እንተዀነ ግን: ዝዀነ ይዅን ተወሳኺ መስዋእቲ ምግባር ቅድሚ ምቕጻሉ: እቲ ሊቀ ኻህናት ክገብሮ ዝግብኦ ነገር ኣሎ። ጨና ዘለዎ ዕጣን (ምናልባት ኣብ ጭልፋ ገይሩ ይሕዞ ይኸውን): ከምኡውን ብመጽሓሪ ሓዊ ገይሩ ካብቲ መሰውኢ ጓህሪ ይወስድ። ሕጂ ናብታ ቅድስቲ ክፍሊ ይኣቱ: ናብቲ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መጋረጃ ኣቢሉ ድማ ይኸይድ። ቀስ ኢሉ ድማ በቲ መጋረጃ ይሓልፍ: ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ከኣ ደው ይብል። ቀጺሉ: ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ከይረኣዮ ናብቲ ጓህሪ ዕጣን የፍስስ: እታ ቅድስተ ቅዱሳን ድማ ብጥዑም ጨና ዘለዎ ደበና ትመልእ።—ዘሌዋውያን 16:12, 13
14. እቲ ሊቀ ኻህናት ናይ ክልተ እተፈላለዩ እንስሳታት ደም ሒዙ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ሕጂ ኣምላኽ ምሕረት ክገብርን: ብምሳልያዊ መገዲ ድማ ክተዓረቕን ፍቓደኛ ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ መኽደን ታቦት: “መንበር ምሕረት” ወይ “መኽደን መተዓረቒ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (እብራውያን 9:5: ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ።) እቲ ሊቀ ኻህናት ካብ ቅድሰተ ቅዱሳን ይወጽእ: ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ይወስድ: እንደገና ኸኣ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ተኣዚዙ ዘሎ ድማ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሊቑ ሾውዓተ ግዜ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደን ታቦት ይነጽጎ። (ዘሌዋውያን 16:14) ቀጺሉውን ናብቲ ኣጸድ ይምለስ: ነቶም “ህዝቢ” መተዓረቒ ሓጢኣት ዝኸውን ድቤላ ኸኣ ይሓርድ። ገለ ካብ ደም እቲ ድቤላ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ይወስድ: ልክዕ ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ድማ ይገብር። (ዘሌዋውያን 16:15) ኣብታ መዓልቲ ምትዕራቕ ካልእ ኣገዳሲ ኣገልግሎታት እውን ይፍጸም ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ሊቀ ኻህናት ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልኣይ ድቤላ ይገብር: ብዛዕባ “በደል ደቂ እስራኤል” ድማ ይናሳሕ። እዚ ህያው ድቤላ እዚ ብምሳልያዊ መገዲ ንሓጢኣት እቲ ህዝቢ ተሸኪሙ ንበረኻ ከም ዝኸይድ ይግበር። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ዓመት “ንኻህናትን ንዅሉ ህዝቢ ማሕበርን” ዝኸውን መተዓረቒ ይግበር ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:16, 21, 22, 33
15. (ሀ) ናይ ሰሎሞን ቤተ-መቕደስ ምስቲ ማሕደር እትመሳሰል ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) መጽሓፍ እብራውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕደርን ቤተ-መቕደስን ዝፍጽም ዝነበረ ቅዱስ ኣገልግሎት እንታይ ትብል፧
15 እስራኤላውያን: ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ከም ዝኣተዉ ህዝቢ መጠን ዘሕለፍዎ ታሪኽ ዝሓዘ ናይ መጀመርያ 486 ዓመታት: እታ ተንቀሳቓሲት ማሕደር ንየሆዋ ኣምላኾም ከገልግሉላ ዝኽእሉ ቦታ ኰይና ዓየየት። ድሕርዚ ሰሎሞን እስራኤላዊ ሓንቲ ቀዋሚት ህንጻ ክሰርሕ መሰል ተዋህቦ። ሽሕ’ኳ እታ ቤተ-መቕደስ ካብታ ማሕደር ዝዓበየትን ዝገፈሐትን ክትከውን እንተነበራ: እቲ እተዋህበ መለኮታዊ ውጥን ግን ልክዕ ከምቲ ናይታ ማሕደር ነበረ። ልክዕ ከምታ ማሕደር ነቲ ብየሆዋ እምበር “ብኢድ ዘይተገብረ” ዝዓበየ ስሉጥ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ኣብነት ኢያ።—እብራውያን 8:2, 5፣ 9:9, 11
እታ ቐዳመይቲ ቤተ-መቕደስን እታ ካልኣይትን
16. (ሀ) ሰሎሞን ንቤተ-መቕደስ ክውፍያ ከሎ እንታይ ፍቕራዊ ልማኖ ኢዩ ዘቕረበ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎት ሰሎሞን ከም እተቐበሎ ብኸመይ ኣርአየ፧
16 እታ ግርማ ዝመልኣ ቤተ-መቕደስ ክትውፈ ከላ: ሰሎሞን ነዚ ዝስዕብ መንፈስ ዝነፈሶ ልመና ወሰኸሉ:- “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ምእንቲ እዚ ዓብዪ ስምካ . . . ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ: መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ: ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ: ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ: ስማዕ: ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዅሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ: ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ: እዛ ዝሰራሕክዋ ቤትውን ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡ።” (2 ዜና መዋእል 6:32, 33) ኣምላኽ ብዘየደናግር መገዲ: ነቲ ናይ ሰሎሞን ናይ ወፈያ ጸሎት ከም እተቐበሎ ኣርኣየ። ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኡ ነቲ ኣብ መሰውኢ ዝነበረ ናይ እንስሳ መስዋእቲ በልዖ: ነታ ቤተ-መቕደስ ድማ ክብሪ የሆዋ መልኣ።—2 ዜና መዋእል 7:1-3
17. ኣብ መወዳእታ ነታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ቤተ-መቕደስ እንታይ ወረዳ: ስለምንታይከ፧
17 ዘሕዝን ግን: እስራኤላውያን እቲ ንየሆዋ ዘርእይዎ ዝነበሩ ጥዑይ ፍርሂ ኣጥፍኡ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ምፍሳስ ደም: ኣምልኾ ጣኦት: ዝሙት ብምፍጻም: ምስ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ብምግባር: ከምኡውን ንዘኽታማትን መበለታትን መጻእተኛታትን ብሕማቕ ብምሓዝ ነቲ ዓቢ ስሙ ኣርከስዎ። (ህዝቅኤል 22:2, 3, 7, 11, 12, 26, 29) ስለዚ ድማ ኣምላኽ: ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ሰራዊት ንቤተ-መቕደስ ከም ዘዕንውዋ ብምግባር ፍርዲ ኣውረደ። እቶም ብህይወት ዝተረፉ እስራኤላውያን ድማ ናብ ባቢሎን ንምርኮ ተወስዱ።
18. ንኣምልኾ የሆዋ ብምሉእ ልቦም ዝደገፉ ገለ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰብኡት: ኣብታ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ: እንታይ መሰላት ኢዩ እተኸፍተሎም፧
18 ድሕሪ 70 ዓመታት: እተናስሑ ተረፍ ኣይሁዳውያን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ: ናይ የሆዋ ቤተ-መቕደስ እንደገና ናይ ምህናጽ መሰል ድማ ረኸቡ። ኣቓልቦኻ ዝስሕብ ድማ: እቶም ኣብዛ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ ዘገልግሉ ካህናትን ሌዋውያንን ዋሕዲ ነበረሮም። ስለዚ ድማ እቶም ዘርኢ ናይቶም ባሮት ቤተ-መቕደስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ነቲኒም ከም ኣገልገልቲ ቤት የሆዋ ኰይኖም ከገልግሉ ዝያዳ ሓላፍነት ተዋህቦም። ይኹን እምበር: ፈጺሞም ማዕረ እቶም ሌዋውያንን ካህናትን ኣይኰኑን።—እዝራ 7:24፣ 8:17, 20
19. ነታ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ ብምኽባር: ኣምላኽ እንታይ መብጽዓ ኢዩ እተመባጽዐ: እዘን ቃላት እዚኣተንከ ሓቅነተን ብኸመይ ተረጋገጸ፧
19 ኣብ መጀመርያ: እታ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ ምስታ ናይ ቅድም ክትወዳደር ከላ ክሳዕ ክንድቲ ከም ዘይኰነት መሲሉ ይርአ ነበረ። (ሃጌ 2:3) እንተዀነ ግን: የሆዋ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዐ:- “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ: . . . ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ።” (ሃጌ 2:7, 9) ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ: እታ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ ዝዓበየ ክብሪ ረኺባ ኢያ። ካብታ ቀዳመይቲ ቤተ-መቕደስ 164 ዓመታት ዝያዳ ጸንሐት: ካብ ኣዝየን ብዙሓት ሃገራት ድማ ብዙሓት ኣምለኽቲ ናብ ኣጸዳ ወሓዙ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11 ኣረኣእዮ።) ምሕዳስ ናይታ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ ኣብ ግዜ ንጉስ ሄሮዶስ ተጀመረ: ኣጸዳ ድማ ገፍሐ። ኣብ ገዚፍ ጸፊሕ እምኒ ልዕል ኢላ ብምህናጻን ብውቁብ ዓንድታት ተኸቢባ ብምንባራን: ምስታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ናይ መጀመርያ ቤተ-መቕደስ ዝመሳሰል ክብሪ ኢዩ ነይርዋ። ነቶም ካብ ካልኦት ህዝብታት ዝመጹ ንየሆዋ ከምልኹ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ገፊሕ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ተገብረላ። ነቲ ናይ ኣህዛብ ቦታ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ንእስራኤላውያን ጥራይ እተሓዝአ ቦታ ዝፈሊ ብእምኒ እተሰርሐ ሓጹር ነበሮ።
20. (ሀ) ነታ ካልኣይቲ ቤተ-መቐደስ ከም እትፍለጥ ዝገበራ ጕሉሕ ማዕርግ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣይሁዳውያን ነታ ቤተ-መቕደስ ብጌጋ ይርእይዋ ከም ዝነበሩ እንታይ የርኢ: የሱስከ ነዚ መልሲ ኣብ ምሃብ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
20 እዛ ካልኣይቲ ቤተ-መቕደስ እዚኣ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣጸዳ ኰይኑ ክምህር ኣጋጣሚ ብምርካባ ዓቢ መዓርግ ከም እትረክብ ገይርዋ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣብታ ናይ መጀመርያ ቤተ-መቕደስ ዝነበረ: ኣይሁዳውያን ብጠቕላላ ነቲ ንቤት ኣምላኽ ክሕልዉ ዝነበሮም መሰል ቅኑዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ: ነጋዶ ኣብቲ ናይ ኣህዛብ ኣጸድ ኰይኖም ንግዲ ከካይዱ እውን ከይተረፈ ኣፍቂዶምሎም ኢዮም። ብተወሳኺ: ሰባት ኣቑሑት ተሰኪሞም ብየሩሳሌም ክሓልፉ ከለዉ ነታ ቤተ-መቕደስ ከም ኣቋራጭ መገዲ ክጥቀሙላ ኣፍቀዱሎም። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣርባዕተ መዓልቲ ይገብር “ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል: ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ” ብምባል ነታ ቤተ-መቕደስ ካብቲ ዝነበረ ዓለማዊ ተግባራት ኣጽረያ።—ማርቆስ 11:15-17
ኣምላኽ ነታ ምድራዊት ቤቱ ንዘለኣለም ደርበያ
21. ንቤተ-መቕደስ የሩሳሌም ዝምልከት የሱስ እንታይ ኢዩ ዝሓበረ፧
21 የሱስ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣምላኽ ክብ ንምባል ተባዕ ስጕምቲ ብምውሳዱ: ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ክቐትልዎ ወሰኑ። (ማርቆስ 11:18) የሱስ ቀልጢፉ ከም ዝቕተል ፈሊጡ: ነቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ “ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 23:37, 38) ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም ነቲ ኣብታ እትርአ ቤተ-መቕደስ ናይ የሩሳሌም ዝግበር ዓይነት ኣምልኾ ፈጺሙ ከም ዘይቅበሎ ኣመልከተ። ድሕሪ ደጊም “ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት” ኣይክትከውንን ኢያ። ደቀ መዛሙርቱ ንየሱስ ናብታ ዓባይ ቤተ-መቕደስ እናመልከቱ ምስ ተዛረብዎ: “እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 24:1, 2
22. (ሀ) እቲ የሱስ ብዛዕባ ቤተ-መቕደስ ዝሃቦ ቃላት ብኸመይ ተፈጸመ፧ (ለ) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ተስፋኦም ኣብታ ምድራዊት ከተማ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ እንታይ ኢዮም ኣማዕድዮም ዝጠመቱ፧
22 ናይ የሱስ ትንቢት 37 ዓመታት ጸኒሑ ብ70 ከ.ኣ.ዘ.: ሮማውያን ሰራዊት ንየሩሳሌምን ቤተ-መቕደሳን ምስ ኣዕነውዋ ተፈጺሙ ኢዩ። እዚ ድማ ኣምላኽ ነታ እትርአ ቤቱ ብርግጽ ከም ዝደርበያ ዘደንቕ መረጋገጺ ኰነ። የሱስ ኣብ የሩሳሌም ካልእ ቤተ-መቕደስ እንደገና ክትህነጽ ምዃና ዝገልጽ ኣይተዛረበን። ብዛዕባ እታ ምድራዊት ከተማ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ነታ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር: ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን።” (እብራውያን 13:14) ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ክፍሊ ናይ “ሰማያዊት የሩሳሌም”—ብኸተማ ተመሲላ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ—ክዀኑ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ኢዮም። (እብራውያን 12:22) ስለዚ ድማ: ድሕሪ ደጊም እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረት እትርአ ቤተ-መቕደስ ኣይከውንን። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ: እቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም “ብመንፈስን ብሓቅን” ከምልኽዎ ዝደልዩ ገይርዎ ዘሎ ዝበለጸ ምድላው ክንርኢ ኢና።—ዮሃንስ 4:21, 24
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ኢዮም ዘጥፍኡ፧
◻ እቲ መዳያት ናይ ማሕደር ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብቲ ኣብ ናይ ማሕደር ኣጸድ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት እንታይ ንማሃር፧
◻ ኣምላኽ ቤተ-መቕደሱ ክትዓኑ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10, 11 ዘሎ ስእሊ]
ብሄሮዶስ እንደገና እተሃንጸት ቤተ-መቕደስ
1. ቅድስተ ቅዱሳን
2. ቅድስቲ ክፍሊ
3. ናይ መስዋእቲ ምሕራር መሰውኢ
4. ናይ ፍሲ ባሕሪ
5. ናይ ካህናት ኣጸድ
6. ናይ እስራኤል ኣጸድ
7. ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣጸድ