ዘጸኣት
29 “ካህናት ኪዀኑኒ ኽትቅድሶም ከለኻ እትገብረሎም ነገር እዚ እዩ፦ ሓደ ዝራብዕን ክልተ ኣበር ዘይብሎም ደዓውልን ውሰድ፣+ 2 ዘይበዅዐ እንጌራን ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዓንኬላዊ ቕጫታትን ዘይቲ እተለኽየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ድማ ውሰድ።+ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ፣ 3 ኣብ መሶብ ኣንቢርካ ኸኣ፡ በቲ መሶብ ጌርካ+ ምስቲ ዝራብዕን ክልተ ድዑልን ኣቕርቦ።
4 “ንኣሮንን ንደቁን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፣+ ብማይ ድማ ሕጸቦም።+ 5 ነቲ ኽዳውንቲ ወሲድካ ኸኣ፡+ ንኣሮን፡ እቲ ወለል ዚብል ክዳንን ናይ ኤፎድ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕልን ኤፎድን ልብሲ ኣፍ ልብን ክደኖ፣ በቲ እተኣልመ ዕጣቕ ኤፎድ ድማ ኣዕጥቆ።+ 6 ነቲ መጠምጠምያ ኣብ ርእሱ ግበረሉ፣ ነቲ ቕዱስ ምልክት ተወፋይነት* ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።+ 7 ዘይቲ ቕብኣት+ ወሲድካ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሲስካ ቕብኣዮ።+
8 “ድሕሪኡ፡ ንደቁ ኣቕርቦም እሞ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ኽደኖም፣+ 9 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናውቲ ኣዕጥቆም፣ መዐመምያ ኸኣ ጠምጥመሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንዓታቶም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ ንኣሮንን ንደቁን በዚ ኸምዚ ሽሞም።*+
10 “ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።+ 11 ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሕረዶ።+ 12 ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ፡ ብኣጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ልኸዮ፣+ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ።+ 13 ንዅሉ እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን+ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሕን ንኽልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን ወሲድካ ድማ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣሕርሮ።+ 14 ስጋ እቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ፈርሱን ግና፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ኣንድዶ። እዚ፡ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
15 “ነቲ ሓደ ድዑል ድማ ውሰዶ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።+ 16 ነቲ ድዑል ድማ ሕረዶ፣ ነቲ ደሙ ኸኣ ወሲድካ፡ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ንጸጎ።+ 17 ነቲ ድዑል ድማ በብብልዕቱ ቘራርጾ፣ ነቲ ኣምዑቱን+ ኣእጋሩን ሓጺብካ ኸኣ፡ ነቲ ቝርጽራጽ ምስ ርእሱ ብሓባር ኣንብሮ። 18 ነቲ ድዑል ብምሉኡ ኣብቲ መሰውኢ ኣሕርሮ። ንሱ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።
19 “ነቲ ኻልኣይ ድዑል ድማ ውሰዶ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።+ 20 ነቲ ድዑል ድማ ሕረዶ፣ ካብ ደሙ ወሲድካ ኸኣ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ ኣሮንን ኣብ የማኖት መስቈር ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ፣ ነቲ ደም ድማ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ንጸጎ። 21 ካብቲ ኣብቲ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን+ ወሲድካ ኸኣ፡ ንሱን ክዳውንቱን ደቁን ክዳውንቶምን ምእንቲ ኪቕደሱ፡ ኣብ ኣሮንን ኣብ ክዳውንቱን፡ ኣብ ደቁን ኣብ ክዳውንቲ ደቁን ንጸጎ።+
22 “ድዑል ሽመት+ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድዑል እቲ ስብሕን ኰልኰልን ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሕን ክልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ።+ 23 ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሶብ ቅጫ፡ ሓደ ኸቢብ እንጌራን ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ። 24 ንዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፣ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወዝውዞ። 25 ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕርሮ። እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።
26 “ሽዑ፡ ሓኸለ እቲ ምእንቲ ኣሮን ዚስዋእ ድዑል ሽመት+ ውሰድ እሞ፡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወዝውዞ፣ ንሱ ኸኣ ግደኻ ይኹን። 27 ካብቲ ንኣሮንን ንደቁን ዝቐረበ ድማ፡ ነቲ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ነቲ እግሪ እቲ ኻብ ድዑል ሽመት+ ተወሲዱ እተወዝወዘ ቅዱስ ግደን ቀድሶ። 28 ቅዱስ ግደ እዩ እሞ፡ ብእስራኤላውያን ብናይ ሓዋሩ ስርዓት ዚፍጸም ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ይኹን፣ ካብ እስራኤላውያን ዚውሃብ ቅዱስ ግደ ኸኣ ይኹን።+ እዚ ኻብቲ መስዋእቲ ሕብረቶም ንየሆዋ ዚኸውን ቅዱስ ግደ እዩ።+
29 “እቲ ቕዱስ ክዳውንቲ+ ኣሮን ድማ፡ ደቁ ብድሕሪኡ ኻህናት ኰይኖም ኪቕብኡን ኪሽየሙን ከለዉ ይጠቐሙሉ።+ 30 እቲ ኻብ ደቁ ንዕኡ ተኪኡ ኻህን ዚኸውንን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል ናብ መቕደስ ዚኣቱን፡ ሸውዓተ መዓልቲ ይከደኖ።+
31 “ነቲ ድዑል ሽመት ወሲድካ ድማ፡ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ።+ 32 ኣሮንን ደቁን ከኣ ነቲ ስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዚርከብ መሶብ ዘሎ እንጌራን ይብልዕዎ።+ 33 ነቲ ኻህናት ኪዀኑ ንምሻምን* ንምቕዳስን ዕርቂ እተገብረሉ ነገራት ይብልዕዎ። ግናኸ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኣይብልዓዮ።+ 34 ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ሽመትን ካብቲ እንጌራን ክሳዕ ንግሆ እንተ ተሪፉ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ።+ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣይበላዕ።
35 “ንኣሮንን ንደቁን ከም ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ እዚ ግበረሎም። ብሸውዓተ መዓልቲ ድማ ካህናት ኪዀኑ ሽሞም።*+ 36 መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ንዕርቂ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕርብ፣ ነቲ መሰውኢ ብምትዕራቕ ድማ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሃዮ፡ ክትቅድሶ እውን ቅብኣዮ።+ 37 ብሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኣተዓርቆ፣ ቅዱስ ቅዱሳን መሰውኢ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ ቀድሶ።+ ነቲ መሰውኢ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ፡ ኪቕደስ እዩ።
38 “ኣብቲ መሰውኢ እተቕርቦ እዚ እዩ፦ ወትሩ መዓልቲ መዓልቲ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ገንሸል።*+ 39 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ኣቕርቦ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ኣቕርቦ።+ 40 ምስቲ ሓደ ገንሸል፡ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተ ድማ ርብዒ ሂን ወይኒ ኣቕርብ። 41 ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ከምቲ ናይ ንግሆ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ጽልግልግ ምስ በለ* ኣቕርቦ። ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ። 42 እዚ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ኢለ ዝግለጸልኩም፡ ንውሉድ ወለዶኹም ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+
43 “ኣብኡ ንእስራኤላውያን ክግለጸሎም እየ፣ ብኽብረይ ድማ ኪቕደስ እዩ።+ 44 ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ መሰውእን ከኣ ክቕድሶ እየ፣ ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ክቕድሶም እየ።+ 45 ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ክነብር፡* ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።+ 46 ኣነ ኣብ መንጎኦም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም እየ።