ብዓሚቝ ምስትውዓልን ናይ ምርዳእ ክእለትን ምሃር
“ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ [“ናይ ምርዳእ ክእለት: ” NW ] ይውስኸን።”—ምሳሌ 16:23
1. ቃል ኣምላኽ ምምሃር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
ከም መማህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ዕላማና ተማሃሮና ኣብ ኣእምሮኦም መንፈሳዊ ምርዳእ ክረኽቡ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣልባቦም እውን ክበጽሕ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:18) ስለዚ ምምሃር ፍልጠት ምሃብ ጥራይ ኣይኰነን። ምሳሌ 16:23 “ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን” ትብል።
2. (ሀ) ናይ ምርዳእ ክእለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ኵሎም ክርስትያናት ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎም መማህራን ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
2 ብርግጽ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ ናይ ምምሃር ዕዩኡ ኣውዒልዎ ኢዩ። ኣብ ቈረንቶስ ከሎ “ሰንበተ ሰንበት . . . ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ: ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም [“ኣረዲኡ የእምኖም:” NW ] ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:4) ብመሰረት እቲ ሓደ ክኢላ ዝበሎ እታ ኣብዚ “ምርዳእ” ተባሂላ ዘላ ብእንግሊዝኛ ድማ ፐርስወይድ እትብሃል ናይ ግሪኽ ቃል “ብጽልዋ ናይቲ ዝቐርብ ምኽንያታዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ሓሳባት ናይ ኣእምሮ ለውጢ ምምጻእ” ማለት ኢያ። ጳውሎስ ዘእምን ናይ መዘራረቢ ነጥብታት ብምጥቃም ሰባት ነቲ ዝነበሮም ኣተሓሳስባ ከም ዝልውጡ ገይርዎም ኢዩ። እቲ ናይ ምርዳእ ክእለቱ ኣዝዩ ዘገርም ብምንባሩ እቶም ጸላእቱ ይፈርህዎ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:24-27) ይኹን እምበር: ናይ ጳውሎስ ኣመሃህራ ናይ ሰብኣዊ ክእለት መርኣዪ ኣይነበረን። ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ በሎም:- “እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር: ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ: ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር: ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን።” (1 ቈረንቶስ 2:4, 5) ኵሎም ክርስትያናት ሓገዝ መንፈስ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዘለዎም: ናይ ምርዳአ ክእለት ዘለዎም መማህራን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብኸመይ ግን፧ ንገለ ኣስላጢ ዝዀነ ናይ ምምሃር ሜላታት እስከ ንርአ።
ጽን በሃሊ ኩን
3. ንኻልኦት ክትምህር ከሎኻ ዓሚቝ ምስትውዓል ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ: ልቢ ናይ ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንትንክፍ እንኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
3 እቲ ቐዳማይ ናይ ምምሃር ሜላ ምዝራብ ዘይኰነስ ጽን ምባል ዘጠቓልል ኢዩ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 16:23 ተገሊጹ ዘሎ ናይ ምርዳእ ክእለት ምእንቲ ክህልወና ዓሚቝ ምስትውዓል የድልየና ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ዝምህሮም ዝነበረ ሰባት ዓሚቝ ምስትውዓል ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዮሃንስ 2:25 ከምዚ ይብል:- ‘ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ነበረ።’ ንሕና ግን ኣብ ኣልባብ ናይቶም እንምህሮም ሰባት እንታይ ከም ዘሎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ክንፈልጠሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ጽን በሃልቲ ብምዃን ኢዩ። ያእቆብ 1:19 ከምዚ ይብል:- “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።” ሓቂ ኢዩ ሓሳባቶም ንምግላጽ ቅሩባት ዝዀኑ ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን። እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ብቕንዕና ብዛዕብኦም ከም እንግደስ እናተኣማመኑ ክኸዱ ከለዉ: ናይ ሓቂ ስምዒቶም ንምግላጽ ብዝያዳ ክድረኹ ይኽእሉ ኢዮም። ሕያውነት ዝመልኦ ግን ከኣ ዘለዓዕል ሕቶታት ምጥቃም ብዙሕ ግዜ ኣልባቦም ንኽንትንክፍን ስምዒቶም ‘ንኽንቀድሕን’ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 20:5
4. ክርስትያን ሽማግለታት ጽን በሃልቲ ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ብፍላይ ከኣ ክርስትያን ሽማግለታት ጽን በሃልቲ ክዀኑ ኣድላዩ ኢዩ። ከምዚ ምስ ዝገብሩ ጥራይ ከኣ ኢዮም ብሓቂ ‘ንነፍሲ ወከፍ ከም ዝግባእ ከመይ ገይሮም ከም ዝምልሱ ዝፈልጡ።’ (ቈሎሴ 4:6) ምሳሌ 18:13 ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።” ሓደ ግዜ ክልተ ኣሕዋት ብቕኑዕ ሓሳባት ተበጊሶም ንሓንቲ ሓብቲ ገለ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምትራፋ ብዛዕባ ዓለማዊ ዝንባለታት ምኽሪ ሃብዋ። ስለምንታይ ከም ዝተረፈት ስለ ዘይሓተትዋ እታ ሓብቲ ኣጸቢቓ ተጐድአት። ቅድሚ ሓጺር እዋን መጥባሕቲ ብምግባራ ደቂሳ ኢያ ነይራ። ስለዚ እምበኣር ምኽሪ ቅድሚ ምሃብና ጽን ክንብል ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ!
5. ሽማግለታት ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዘጋጥም ዘይምስምማዕ ብኸመይ ክፈትሕዎ ይኽእሉ፧
5 ሽማግለታት ክምህሩ ኸለዉ ብዙሕ ግዜ ንኻልኦት ምኽሪ ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዚ እውን ጽን በሃሊ ምዃን ኣድላዪ ኢዩ። ጽን ምባል ኣድላዪ ዝኸውን ብፍላይ ኣብ መንጎ ክርስትያን ብጾት ዘይምስምማዕ ምስ ዘጋጥም ኢዩ። ሽማግለታት ጽን ድሕሪ ምባሎም ጥራይ ኢዮም ‘ነቲ ብዘይ ኣድልዎ ዝፈርድ ኣቦ’ ክመስልዎ ዝኽእሉ። (1 ጴጥሮስ 1:17) ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዝለዓል ስምዒታት ብዙሕ ግዜ ብርቱዕ ክኸውን ስለ ዝኽእል ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣብ ምሳሌ 18:17 ዘሎ “እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል: እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ” ዝብል ምኽሪ ኣብ ኣእምሮኡ ክሕዞ ሰናይ ኢዩ። ሓደ ኣስላጢ መምህር ነቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝብሃል ኢዩ ዝሰምዕ። ጸሎት ብምግባር ከኣ ህዱእ ሃዋሁ ከም ዝፍጠር ንምግባር ይሕግዝ። (ያእቆብ 3:18) ርሱን ስምዒት ምስ ዝለዓዓል እቶም ክልተ ኣሕዋት ንሓድሕዶም ካብ ዝቋየቑ ነፍሲ ወከፎም ብቐጥታ ምስኡ ከም ዝዛረብ ክገብር ይኽእል ኢዩ። እቲ ሽማግለ ግቡእ ዝዀነ ሕቶታት ብምቕራብ እቲ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ክርክር ከም ዝበርህ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኵነታት ምኽንያት ናይቲ ዘይምስምማዕ ክፍኣት ዘይኰነስ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብምጕዳሉ ኰይኑ ኢዩ ዝጸንሕ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጣሒሱ እንተድኣ ኰይኑ ግን: ሓደ ፈቃር መምህር ነቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝብሃል ድሕሪ ምስምዑ ብምስትውዓል ክገንሕ ይኽእል ኢዩ።
ቅልል ዝበለ ኣዘራርባ ዘለዎ ጥቕሚ
6. ጳውሎስን የሱስን ቅልል ብዝበለ መገዲ ናይ ምምሃር ኣብነት ዝሰርዑ ብኸመይ ኢዮም፧
6 ንነገራት ብቕልል ዝበለ መልክዕ ምቕራቡ ካልእ ጠቓሚ ሜላ ኣመሃህራ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቂ ‘ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ከስተውዕሉ’ ኢና እንደሊ። (ኤፌሶን 3:18) ዝምስጥ ብዙሕ ግዜ ድማ ዝብድህ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ-ትምህርትታት ኣሎ። (ሮሜ 11:33) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ንግሪኻውያን ክሰብከሎም ከሎ ኣብቲ ቀሊል መልእኽቲ ናይቲ ‘እተሰቕለ ክርስቶስ’ ኢዩ ኣተኲሩ። (1 ቈረንቶስ 2:1, 2) ብተመሳሳሊ የሱስ ብንጹርን ዝማርኽን መገዲ ኢዩ ሰቢኹ። ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ርዱእ ቃላት ኢዩ ተጠቒሙ። እንተዀነ ግን: ከምኡ ዝበለ ፈጺሙ ዘየለ ኣዝዩ ዓሚቝ ዝዀነ ሓቅታት ዝሓዘ ኢዩ።—ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7
7. ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከሎና ንነገራት ቀሊል ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
7 ንሕና እውን ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ከሎና ንነገራት ቀሊል ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ኣብቲ ‘ዝሓይሽ’ ነገር ብምትኳር ኢዩ። (ፊልጲ 1:10) ዓሚቝ ምርዳእ ዘድልዮ ኣርእስትታት ክንወስድ ከሎና: ቀሊል ብዝዀነ ቓላት ገይርና ክንገልጾ ክንፍትን ኣሎና። ንዅሉ እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ምዕራፉን ቍጽሩን እተሓበረ ጥቕሲ ኣብ ክንዲ እነንብብን እንመያየጠሉን ኣብቲ ቀንዲ ጥቕስታት ከነተኵር ኣሎና። ከምዚ ንምግባር ብወገንና ጽቡቕ ገይርካ ምድላው ይሓትት። ነቲ ተማሃራይ ብብዙሕ ዝርዝራት ምእንቲ ከይነጨንቖ ናብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ክርክራት ከይንእለ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ሓደ ተማሃራይ ምስቲ ትምህርቲ ብቐጥታ ዘይተሓሓዝ ሕቶ ምስ ዝህልዎ: ነታ ሒዝናያ ዘሎና ኣርእስቲ ምስ ወዳእና ክንዘራረበሉ ምዃንና ብጥበብ ክንነግሮ ንኽእል ኢና።
ኣሳልጦ ዘለዎ ኣጠቓቕማ ሕቶታት
8. የሱስ ንሕቶታት ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ እተጠቕመሉ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ካልእ ኣገዳሲ ሜላ ኣመሃህራ ኸኣ ኣስላጢ ሕቶ ምቕራብ ዘጣምር ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ክምህር ከሎ ንሕቶታት ኣጸቢቑ ኢዩ ተጠቒሙሉ። ንኣብነት የሱስ ንጴጥሮስ “ስምኦን: ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። “ካብ ካልኦትባ” ኢሉ ምስ መለሰሉ ኸኣ “ደቆምስኸ ናጻ እዮም” በሎ። (ማቴዎስ 17:24-26) የሱስ ነቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝምለኽ ዝነበረ ኣምላኽ ሓደ ወዱ ከም ምዃኑ መጠን ናይ ቤት መቐደስ ግብሪ ክኸፍል ኣይግደድን ኢዩ ነይሩ። የሱስ ግን ነዚ ሓቂ እዚ ኣስላጢ ብዝዀነ ሕቶታት ከም ዝመሓላለፍ ገበረ። በዚ ኸኣ የሱስ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝፈልጦ ዝነበረ ሓቂ ተመርኲሱ ጴጥሮስ ኣብ ግቡእ ዝዀነ መደምደምታ ክበጽሕ ሓገዞ።
9. ኣብ እዋን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 ኣብ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታት ጽቡቕ ገይርና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ሓደ ተማሃራይ ክምልስ ከሎ ምስ ዝጋገ እቲ ቅኑዕ መልሲ ንምንጋሩ ንደፋፋእ ንኸውን: ከምኡ ምስ እንገብር ግን ነቲ ሓበሬታ ብሓቂ ኣብ ኣእምሮኡ ክሕዞዶ ኢዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕቶታት ገይርካ ነቲ ተማሃራይ ኣብቲ ቅኑዕ መደምደምታ ክበጽሕ ምሕጋዙ እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ንኣብነት ነቲ መለኮታዊ ስም ክጥቀመሉ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽርዳእ ምስ ዘሸግሮ ‘ስምካ የገድሰካዶ ኢዩ፧ . . . ስለምንታይ፧ . . . ሓደ ሰብ ስምካ ምጥቃም ምስ ዝኣቢ ከመይ ምተሰምዓካ፧ . . . ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስሙ ክንጥቀም እንተ ሓተተና ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧’ ኢልና ክንሓቶ ንኽእል ኢና።
10. ሽማግለታት ነቶም ስምዒቶም እተጐድአ ውልቀ-ሰባት ክሕግዙ ከለዉ ሕቶታት ክጥቀሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
10 ሽማግለታት እውን ነቲ መጓሰ ክጓስዩ ከለዉ ንሕቶታት ጽቡቕ ገይሮም ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብዙሓት በዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ስምዒቶም ስለ እተጸቕጠን እተደቝሰን ዘይንጹሃትን ጽሉኣትን ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ምስ ከምዚ ዝበለ ሰብ እዚ ዝስዕብ ብምባል ክረዳዳእ ይኽእል ኢዩ:- ‘ብመንፈስ ንጹህ ኣይኰንኩን ዝብል ስምዒት እኳ እንተ ሃለወካ: የሆዋ ብዛዕባኻ ከመይ ኢዩ ዝስምዖ፧ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ወዱ ምእንታኻ ክመውትን በጃ ክኸውንን ካብ ኣፍቀደ: ኣምላኽ ከም ዘፍቅረካዶ ኣየርእን፧’—ዮሃንስ 3:16
11. ከም ዝሓስቡ ዝገብር ሕቶታት እንታይ ዕላማ ኢዩ ዘለዎ: ንህዝቢ ኣብ ዝቐርብ ዝርርብ ክንጥቀመሉ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
11 ከም ዝሓስቡ ዝገብሮም ሕቶታት ከኣ ካልእ ጠቓሚ ሜላ ኣመሃህራ ኢዩ። ሰማዕቲ ነዚ ሕቶታት እዚ ዓው ኢሎም ክምልስዎ ትጽቢት ኣይግበርን ኢዩ: በዚ ሕቶታት እዚ ግን ነቲ ጕዳይ ንኽሓስብሉ ይሕገዙ። እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ ኣዕሚቖም ምእንቲ ክሓስቡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ይሓቱ ነበሩ። (ኤርምያስ 18:14, 15) የሱስ ዘተሓሳስብ ሕቶታት ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ተጠቒሙሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:7-11) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብፍላይ ንህዝቢ ኣብ ዝቐርብ ዝርርብ ኣስላጢ ኢዩ። ተኣከብቲ ንየሆዋ ምእንቲ ከሐጕሱ ብምሉእ ልቦም ከገልግሉ ከም ዘለዎም ጥራይ ኣብ ክንዲ እንነግሮም: ‘ኣብ ኣገልግሎትና ብምሉእ ልቢ እንተድኣ ዘየገልጊልና: የሆዋ ይሕጐስዶ ኢዩ፧’ ኢልና ምስ እንሓትት ዝያዳ ኣሳልጦ ክህልዎ ይኽእል።
12. ኣረኣእይኦም ከም ዝገልጹ ዝገብር ሕቶታት እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
12 ኣረኣእይኦም ከም ዝገልጹ ዝገብር ሕቶታት ምጥቃም ሓደ ተማሃራይ ነቲ ዝማሃሮ ዘሎ ነገራት ብሓቂ ይኣምነሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ይጠቅም። (ማቴዎስ 16:13-16) ሓደ ተማሃራይ ምንዝር ጌጋ ምዃኑ ብልክዕ ይምልስ ይኸውን። ‘እንተዀነ ግን ብዛዕባ እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀኒታት ንስኻ ከመይ ይስምዓካ፧ ኣዝዩ ጨቋኒ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ነቲ ናይ ኣምላኽ መዐቀኒታት ምስዓብካን ዘይምስዓብካን ብሓቂ ኣገዳሲ ኢዩ ትብልዶ፧’ ኢልና ብምሕታት ዘይነረጋግጽ።
ልቢ ዝትንክፍ ምሳሌታት
13, 14. (ሀ) ንሓደ ነገር ብምሳሌ ምግላጽ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ጽቡቕ ምሳሌታት ኣስላጢ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ካልእ ኣልባብ ሰማዕትን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ክንትንክፈሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ ኣሳልጦ ዘለዎ ምሳሌታት ምጥቃም ኢዩ። እታ “ምሳሌ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ መግለጺት: ቃል ብቓሉ “ጥቓ ንጥቓ ወይ ኣብ ሓደ ምቕማጥ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ምሳሌ ክትህብ ከለኻ ንሓደ ነገር ምስ ሓደ ንዕኡ ዝማሳሰል ነገር ‘ጥቓ ንጥቓ’ ብምቕማጥ ኢኻ እትገልጽ። ንኣብነት የሱስ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧” በለ። ክምልስ ከሎ ኸኣ ነቲ ፍሉጥ ዝነበረ ፍረ ኣድሪ ተጠቕመ።—ማርቆስ 4:30-32
14 ነብያት ኣምላኽ ሓያል ዝዀነ ብዙሕ ምሳሌታት ተጠቒሞም ኢዮም። እቶም ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ንምቕጻዕ እተጠቕመሎም ኣሶራውያን ሕልፍ ዝበለ ጭካነ ክፍጽሙ ምስ ጀመሩ: ኢሳይያስ ትዕቢቶም ንምቅላዕ ነዚ ምሳሌ እዚ ተጠቕመ:- “ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዶ ይጀሀር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ፧” (ኢሳይያስ 10:15) የሱስ እውን ንኻልኦት ክምህር ከሎ ንምሳሌታት ኣስፊሑ ኢዩ ተጠቒሙሉ። “ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን” ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። (ማርቆስ 4:34) ጽቡቕ ምሳሌታት ንኣእምሮን ልብን ዝማርኽ ስለ ዝዀነ ምስ እንጥቀመሉ ኣስላጢ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ ሰማዕቲ ንሓድሽ ሓበሬታ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ነገር ብምርእኣይ ብቐሊሉ ከም ዝርድኦም ይገብር።
15, 16. ንምሳሌታት ዝያዳ ኣስላጢ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ ኣብነታት ሃብ።
15 ብሓቂ ኣልባብ ዝትንክፍ ምሳሌታት ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ቀዳማይ ነገር እቲ ምሳሌ ምስቲ ዝግለጽ ዘሎ ነገር ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ምምስሳል ብሓቂ ዘይሰማማዕ እንተድኣ ኰይኑ እቲ ምሳሌ ነቶም ሰማዕቲ ኣብ ክንዲ ዘብርሃሎም ናብ ካልእ ከም ዘድህቡ ክገብሮም ኢዩ። ሓደ ግዜ ሓደ ተዛራባይ ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ተኣዛዝነት ከረድእ ከሎ ምስ ሓደ እሙን ከልቢ ኣመሳሰሎም። ከምዚ ዝበለ ሕሱር ምምስሳል ግን ብሓቂ ግቡእ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ተኣዛዝነት እዚ ብዝስሕብን ክብረት ዘለዎን መገዲ ይገልጾ ኢዩ። ነቶም 144,000 ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ምስ ሓንቲ ‘ንመርዓዊኣ ኢላ እተሰለመት መርዓት’ ኣመሳሲልዎም ኣሎ።—ራእይ 21:2
16 ምሳሌታት ምስ ህይወት ናይ ሰባት እተተሓሓዘ ምስ ዝኸውን ኢዩ ዝያዳ ኣስላጢ ዝኸውን። እቲ ናታን ብዛዕባ እታ እተሓርደት ሽበን ዝሃቦ ምሳሌ ንልቢ ናይ ንጉስ ዳዊት ተንኪፍዎ ኢዩ: ምኽንያቱ ዳዊት ብንእሽትኡ ጓሳ ስለ ዝነበረ ኣባጊዕ ይፈቱ ነበረ። (1 ሳሙኤል 16:11-13፣ 2 ሳሙኤል 12:1-7) እቲ ምሳሌ ብዛዕባ ብዕራይ ነይሩ እንተ ዝኸውን ክሳዕ ክንድቲ ኣስላጢ ክኸውን ኣይምኸኣለን ነይሩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ ኣብ ስነ- ፍልጠታዊ ሓቂ ወይ ኣብ ብሩህ ዘይኰነ ታሪኻዊ ፍጻመታት እተመርኰሰ ምሳሌታት ምጥቃም ነቶም ሰማዕትና ብዙሕ ዘየገድሶም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ንምሳሌታቱ ካብ መዓልታዊ መነባብሮ ኢዩ ዝወስዶ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ልሙድ ዝዀነ ከም መብራህቲ: ኣዕዋፍ ሰማይ: ከምኡውን ዕምባባታት መሮር ዝኣመሰለ ነገራት ኢዩ ዝጥቀም ነይሩ። (ማቴዎስ 5:15, 16፣ 6:26, 28) ሰማዕቲ የሱስ ነዚ ነገራት እዚ ብቐሊሉ ኢዮም ዝፈልጥዎ ነይሮም።
17. (ሀ) እቲ እነቕርቦ ምሳሌታት ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ (ለ) ኣብ ጽሑፋትና ዘሎ ምሳሌታት ምስ ኵነታት ናይ ተማሃሮና ብምስምማዕ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
17 ኣብ ኣገልግሎትና ቀሊል ግን ከኣ ኣሳልጦ ዘለዎ ምሳሌታት ንኽንጥቀም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ከባቢኻ ኣስተብህል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23) እቲ ምሳሌ ምናልባት ኣብ ውሉዳት: ገዛ: ስራሕ: ወይ ኣብ ባህጊ ናይቲ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ እተመርኰሰ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ተመክሮ ብምጥቃም ነቲ ኣብቲ ነጽንዖ ጽሑፍ ዘሎ ምሳሌታት እውን ክንውስኸሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ነቲ ኣብ ምዕራፍ 8 ቍጽሪ 14 ናይታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብሃል መጽሓፍ ዘሎ ኣስላጢ ምሳሌ ንውሰድ። ብዛዕባ ሓደ ጎረቤቱ ዝጥቅኖ ፈቃር ወላዲ ኢያ እትዛረብ። ነዚ ምሳሌ እዚ ምስ ኵነታት ናይ ሓደ ንርእሱ ወላዲ ዝዀነ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰማሚዕና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ክንሓስብ ጽቡቕ ኢዩ።
ጥቕስታት ብኽእለት ምንባብ
18. ጽቡቕ ገይርና ንምንባብ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል መዓዶ:- “ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:13) መሰረት ናይ ትምህርትና መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀነ: ጽቡቕ ገይርካ ምንባቡ ጠቓሚ ኢዩ። ሌዋውያን ንህዝቢ ኣምላኽ ሕጊ ሙሴ ኸንብቡሉ መሰል ነይርዎም ኢዩ። ሰጋእጋእ እናበሉ ወይ ሓደ ዓይነት ቃና ብዘለዎ ኣገባብዶ ኢዮም ዘንብቡሎም ነይሮም፧ ኣይፋሉን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነህምያ 8:8 “ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበቡሎም: እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ: ገለጹሎም” ይብል።
19. ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ንባብና ከነመሓይሾ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
19 ገለ ክኢላታት ተዛረብቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ሰብኡት ብንባብ ዝመጸ ይሰንፉ ኢዮም። ብኸመይ ክመሓየሹ ይኽእሉ፧ ብምልምማድ። እወ: ጽቡቕ ገይሮም ምንባብ ክሳዕ ዝኽእሉ ዓው ኢሎም ደጋጊሞም ብምንባብ ክመሓየሹ ይኽእሉ ኢዮም። ብቛንቋኻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብ ዘለዎ ኣውዲዮ ካሴታት እንተድኣ ኣልዩ: ነቲ ኣንባቢ ዝገብሮ ምጕላሕን ናይ ድምጺ ምልውዋጥን ምስማዕ ከምኡውን ኣስማትን ዘይልሙድ ቃላትን ብኸመይ ከም ዝድመጽ ምስትብሃል ጥበብ ኢዩ። እቶም ብቛንቋኦም ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘለዎም ከኣ ነቲ ናይ ኣደማምጻ ሓገዛት ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢዮም። ምልምማድ ንኸተድምጾ ክብድ ዝብል ኣስማት እውን ብቐሊሉ ከነንብቦ ይሕግዘና ኢዩ።
20. ‘ንትምህርትና ክንጥንቀቕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
20 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ከመይ ዝበለ ዘገርም መማህራን ናይ ምዃን መሰል ኰን ኢዩ ዘሎና! ነፍሲ ወከፍና ነቲ ሓላፍነት እቲ ኣኽቢድና ንሓዞ። ‘ንርእስናን ንትምህርትናን እንጥንቀቕ’ ይግበረና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ጽን በሃልቲ ብምዃን: ንነገራት ቀሊል ብምግባር: ምስትውዓል ዘለዎ ሕቶታት ብምሕታት: ኣስላጢ ዝዀነ ምሳሌታት ብምጥቃም: ከምኡውን ቅዱሳት ጽሑፋት ብኽእለት ብምንባብ ንፉዓት መማህራን ክንከውን ንኽእል ኢና። ኵልና በቲ የሆዋ ብማሕበሩ ገይሩ ዝህበና ዘሎ ምልምማድ እንጥቀም ይግበረና: ከመይሲ እዚ ምልምማድ እዚ “ናይ ምሁራት ልሳን” ንኽህልወና ዝሕግዝ ኢዩ። (ኢሳይያስ 50:4) ንዅሉ እቲ ንኣገልግሎትና እተዳለወ ከም ብሮሹራትን ኣውዲዮ ካሴታትን ቪድዮ ካሴታትን ዝኣመሰለ መሳርሒታት ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም ብምስትውዓልን ብናይ ምርዳእ ክእለትን ክንምህር ንኽእል ኢና።
ትዝክሮዶ፧
◻ ጽን በሃሊ ምዃን ኣብ ኣመሃህራና ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ቅልል ብዝበለ መገዲ ንምምሃር ናይ ጳውሎስን የሱስን ኣብነት ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ንኻልኦት ክንምህር ከሎና እንታይ ዓይነት ሕቶታት ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
◻ እንታይ ዓይነት ምሳሌታት ኢዩ ዝያዳ ኣስላጢ ዝኸውን፧
◻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እነንብብ ሰባት ከም ምዃንና መጠን ክእለትና ከነመሓይሽ እንኸእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ንፉዕ መምህር ዓሚቝ ምስትውዓል ምእንቲ ክረክብ ጽን ይብል
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንምሳሌታቱ ካብ መዓልታዊ መነባብሮ ኢዩ ዝወስዶ ነይሩ