ብጭንቀት ኣይትወሓጥ
“ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይአኽላ።” (ማቴዎስ 6:34) እዚ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ: ነዞም ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ከምኡውን ጭንቀት ዝመልኦ ሕብረተሰብ እንነብር ዘሎና ኵላትና ብርግጽ ጠቓሚ ኢዩ።
ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ብዛዕባ ጸገማትና: ውሳነታትና: ግዴታታትናን ሓላፍነታትናን ከይተጨነቕና ክንነብር ንኽእልዶ ኢና፧ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይጭነቑ: ይርበሹ: ከምኡውን ይድቈሱ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ናይ መደቀስን መደንዘዝን ኣፋውስ ምሻጥ ብዙሕ ሚልዮናት ዶላር ዝርከበሉ ስራሕ ኰይኑ ዘሎ።
ኣብ መንጎ ተግባራዊ ውጥንን ዘየድሊ ጭንቀትን ዘሎ ፍልልይ
ዘሎና ግዴታ: መዝነት: ግድል: ከምኡውን እንገብሮ ውሳነታት ህጹጽ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ብዛዕብኡ ኣቐዲምና ክንውጥንን ክንዳሎን ከድልየና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ዓቢ ዕማም ቅድሚ ምጅማርና ‘ተቐሚጥና ክንጽብጽብ’ ኢዩ ዘተባብዓና። (ሉቃስ 14:28-30) እዚ ኸኣ ነቲ ዘሎ ኣማራጺታት ምምዝዛን: እቲ ውጽኢት ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን ምምርማር: ከምኡውን ክንደይ ዝኣክል ግዜን ጉልበትን ገንዘብን ከም ዘድልዮ ምጽናዕ ዘጠቓለለ ኢዩ።
ሓደ ሰብ እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ብጥንቃቐ ክሓስብ እኳ እንተለዎ: ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ምሕሳብ ግን ዝከኣል ወይ ዝጠቅም ኣይኰነን። ንኣብነት: ንድሕንነት ስድራቤትካ ክትብል: ኣብ ገዛ ባርዕ ምስ ዝለዓል እንታይ ከም እትገብር ትሓስብ ትኸውን። ባርዕ ከም እተላዕለ ዝሕብር መሳርሕን መጥፍኢ ሓውን ዓዲግካ ኣብ ገዛኻ ተእቱ ትኸውን። ካብቲ ገዛ ክትሃድመሉ እትኽእል እተፈላለየ ወገናት ትምድብን ትለማመድን ትኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ እቲ ጥዑይን ተግባራውን ዝበሃል ውጥንን ካብ መጠን ንላዕሊ ዘየድሊ ጭንቀትን ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ፧ ዘየድሊ ጭንቀት በቲ መወዳእታ ዘይብሉ የጋጥምዶ ይኸውን ኢልካ እትሓስቦ ኵነታት ክትሳቐ ክትጅምር ከሎኻ ኢዩ ዝብገስ። ሓደ ነገር ከም ዝረሳዕካ ወይ ስድራቤትካ ኣብ ምእላይ እቲ ዘድሊ ነገር ከም ዘይገበርካ ስለ ዝስማዓካ ብዘጨንቕ ሓሳባት ትወሓጥ ትኸውን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛእ ርእስኻ ምጭናቕ ድቃስ ክሳዕ እትስእን ኣጸቢቑ ይኸብደካ ይኸውን።
ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን
የሆዋ ኣምላኽ ንነብዪኡ ሙሴ ሓደ ከቢድ መዝነት ሃቦ። መጀመርታ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ቀሪቡ የሆዋ ካብ ግብጺ መሪሑ ከውጽኦም ከም ዝሸሞ ከእምኖም ነበሮ። ድሕርዚ: ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቡ ንእስራኤላውያን ክኸዱ ክሓድጎም ከም ዘለዎ ክሓቶ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ጭፍራ ብበረኻ ኣቢሉ መሪሑ ናብታ ጸላእቶም ዝነበርዋ ምድሪ ከእትዎም ነበሮ። (ዘጸኣት 3:1-10) እዚ ዅሉ ንሙሴ ኣዝዩ ከጃጅዎ ይኽእል ነይሩ: ይኹን እምበር እዚ ሓላፍነት እዚ ንኣእምሮኡ ካብ መጠን ንላዕሊ ከጨንቖ ፈቒዱሉዶ ኢዩ፧
ሙሴ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ይሓስብ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ንየሆዋ “እንሆ: ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ: ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም: ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ: እንታይ ክብሎም እየ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሆዋ ኸኣ መለሰሉ። (ዘጸኣት 3:13, 14) ፈርኦን እንተ ዘይኣሚንዎ እንታይ ከም ዘጋጥም እውን ኣተሓሳሲብዎ ኢዩ። እንደገና ኸኣ የሆዋ ነቲ ነቢዪ መልሲ ሃቦ። ቀጺሉ ‘ተዛራቢ ሰብ’ ከም ዘይኰነ ብምሕባር እታ ናይ መወዳእታ ጸገሙ ገለጸ። እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክፍታሕ ዝኽእል፧ የሆዋ: ኣሮን ኣብ ክንዲ ሙሴ ከም ዝዛረብ ገበረ።—ዘጸኣት 4:1-5, 10-16
ሙሴ ንሕቶታቱ መልሲ ብምርካቡን ኣብ ኣምላኽ እምነት ብምግባርን ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክቐርብ ከሎ እንታይ ከም ዘጋጥሞ እናስተንተነ ብዘፍርህ ሓሳባት ገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዘጨንቕ: ‘ከምኡ [ከምቲ እተኣዘዞ] ገበረ።’ (ዘጸኣት 7:6) ጭንቀት ክውሕጦ እንተ ዝፈቅድ ነይሩ: ነቲ መዝነቱ ንኽፍጽም ዘድልዮ ዝነበረ እምነትን ትብዓትን መዳኸሞ ነይሩ።
ሙሴ ነቲ ዝነበሮ መዝነት ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ገይሩ ምፍጻሙ ኣብነት ናይቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ጥቁው ኣእምሮ’ ዝበሎ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7 NW ፣ ቲቶስ 2:2-6) ሙሴ ብኣእምሮ ጥቁው እንተ ዘይከውን ነይሩ: ክብደት ናይቲ እተዋህቦ መዝነት ብምርኣይ ብቐሊሉ ብፍርሂ ምተዋሕጠ: ምናልባት እውን ነቲ መዝነት ኣይምተቐበሎን ነይሩ ክኸውን ይኽእል።
ሓሳብካ ምቍጽጻር
ኣብ ዕለታዊ ናብራኻ ንእምነትካ ዝፍትን ነገራት እንተ ዘጋጥመካ ብኸመይ ምመለስካሉ፧ ነቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ብምሕሳብ ጥራይ ትርዕድዶ ኢኻ፧ ወይስ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኢኻ እትርእዮ፧ ገና ብዘይኰነ ነገራት ኣይትጨነቕ። ቅድም ቀዳድም እቲ ዘጨንቐካ ዘሎ ነገር ከየጋጥም እውን ይኽእል ኢዩ! ስለዚ በቲ ፈጺሙ ዘየጋጠመ ነገር ንምንታይ ትሳቐ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ” ይብል። (ምሳሌ 12:25) ናይዚ ውጽኢት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ውሳነ ኣብ ምግባር ግዜ ክሳዕ ዝሓልፍ ምዕንይናይ ኢዩ ዝኸውን።
እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ጭንቀት ዝስዕብ መንፈሳዊ ጕድኣት ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ “ቃል መንግስቲ” ዘሎካ ሞሳ በቲ ምዕሻው ሃብትን “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን” ምሉእ ብምሉእ ክወሓጥ ከም ዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:19, 22) ልክዕ ከምቲ እሾኽ ንኣዝርእቲ ኸይዓብን ፍረ ኸየፍርን ዝዓግቶ: ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ጭንቀት ከኣ መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባርን ንውዳሰ ኣምላኽ ዝኸውን ፍረ ካብ ምፍራይን ክዓግተና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንገዛእ ርእስኻ ዝጐድእን ዝደቍስን ጭንቀት ንገሊኣቶም ገዛእ ርእሶም ንየሆዋ ከይውፍዩ እውን ዓጊትዎም ኢዩ። ‘ምስ ወፈያይ ተሰማሚዐ ክነብር እንተ ዘይከኣልኩኸ፧’ ኢሎም ይጭነቑ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ውግእ ‘ኵሉ ኣእምሮ ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኸሉ’ ከም እንጽዕር ነጊሩና ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 10:5) እቲ ቀንዲ ጸላኢና ሰይጣን ዲያብሎስ ምእንቲ ተስፋ ከቝርጸና ከምኡውን ብኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ከድክመና በቲ ዘሎና ጭንቀት ክጥቀም ኣዝዩ ኢዩ ባህ ዝብሎ። ነቶም ገርህታት ኣብ መፈንጠራ ንምውዳቕ ከም ዝጠራጠሩ ኣብ ምግባር ክኢላ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃብዎ’ ኢሉ ዘጠንቀቖም። (ኤፌሶን 4:27) ሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ከም ምዃኑ መጠን: ዕዉት ብዝዀነ መገዲ “ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ።” (2 ቈረንቶስ 4:4) ንሕና ግን ንኣእምሮና ክቈጻጸሮ ፈጺምና ዘይንፈቕደሉ ይግበረና!
ሓገዝ ክርከብ ይከኣል ኢዩ
ሓደ ቈልዓ ጸገማት ምስ ዘጋጥሞ ናብቲ ፈቃር ዝዀነ ኣብኡ ኸይዱ መምርሕን ምጽንናዕን ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ጸገማት ምስ ዝህልወና ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። አረ የሆዋስ ጾርናን ጭንቀትናን ናብኡ ክንድርብዮ ኢዩ ዝዕድመና። (መዝሙር 55:22) ልክዕ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ካብ ኣቡኡ መረጋገጺ ምስ ረኸበ ብዛዕባ ጸገማቱ ዘይጭነቕ: ንሕና ኸኣ ጾርና ናብ የሆዋ ምድርባይ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ግድል ኣብ ኢዱ ክንገድፎ ኣሎና።—ያእቆብ 1:6
ጭንቀትና ናብ የሆዋ እንድርብዮ ብኸመይ ኢና፧ ፊልጲ 4:6, 7 ከምዚ ኢላ ትምልሰልና:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” እወ: የሆዋ ከም መልሲ ናይቲ እንገብሮ ዘየባትኽ ጸሎትን ምህለላን: ንኣእምሮና ብዘየድሊ ከይነጨንቖ ዝከላኸለልና ውሽጣዊ ህድኣት ክህበና ይኽእል ኢዩ።—ኤርምያስ 17:7, 8፣ ማቴዎስ 6:25-34
ይኹን እምበር: ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር ብኣካል ይኹን ብኣተሓሳስባ ገዛእ ርእስና ክንፈሊ የብልናን። (ምሳሌ 18:1) ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ምርዳእ ከይተመርኰስና: ንጸገማትና ዝምልከት ስርዓታትን መምርሒታትን ክንረክብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኣለና። (ምሳሌ 3:5, 6) መንእሰያትን ዓበይትን ውሳነ ኣብ ምግባር ይኹን ንዘጋጥሞም ግድላት ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዞም እኹል ዝዀነ ሓበሬታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ኵሉ ግዜ ምሳና ክዛረቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ጥበበኛታትን ተመክሮ ዘለዎምን ሽማግለታት ከምኡውን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስለ ዘለዉ ተባሪኽና ኢና። (ምሳሌ 11:14፣ 15:22) እቶም ኣብ ግድላትና ብስምዒት ተላዓዒሎም ጠብሎቕ ዘይብሉን ዘይኣተዉን ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘለዎምን ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ግድል ካብ ካልእ ኵርናዕ ንኽንርእዮ ክሕግዙና ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ክንዳና ኰይኖም እኳ እንተ ዘይወሰኑ: ምንጪ ናይ ብዙሕ ምትብባዕን ደገፍን ክዀኑና ይኽእሉ ኢዮም።
‘ተስፋኻ ኣብ ኣምላኽ ግበር’
ብዘይ እቲ የጋጥም ኢዩ ኢልና እንሓስቦ ጭንቀት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘጋጥም ጸገማት ጥራይ እኹል ጸቕጢ ከም ዝገብረልና ማንም ዝኽሕዶ ኣይኰነን። እንታይ ኰን ክኸውን ኢዩ ኢልና ብምሕሳብ ንጭነቕ ወይ ንሻቐል እንተድኣ ዄንና: ብጸሎትን ምህለላን ናብ የሆዋ ንቕረብ። መምርሕን ጥበብን ንምርካብ ከምኡውን ብኣእምሮ ጥቅዋት ንምዃን ናብ ቃሉን ናብ ማሕበሩን ነስተብህል። ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይለዓል ብዘየገድስ: ንምግጣሙ ዘኽእለና ሓገዝ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኢና።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ጾር ምስ ከበዶን ምስ ተረበሸን ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ነፍሰየ: ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ: ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።” (መዝሙር 42:11) ናትና ስምዒት እውን ከምዚ ይኹን።
እወ: ብዛዕባ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ምኽንያታዊ ነገር ወጥን: ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ዘይተሓስበ ነገራት ግን ኣብ የሆዋ ግደፎ። “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ዳዊት: ነቲ ዘሎካ ጾርን ጭንቀትን ናብ የሆዋ ትድርብዮዶ ኢኻ፧