የሆዋ ግዴኻ ንኪኸውን ትፈቕደሉዶ ኣለኻ፧
“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”—ማቴ. 6:33።
1, 2. (ሀ) እቶም ኣብ ገላትያ 6:16 እተጠቕሱ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ንመን የመልክቱ፧ (ለ) እቶም ኣብ ማቴዎስ 19:28 እተጠቕሱ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ንመን የመልክቱ፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እስራኤል” ዚብል ስም ከተንብብ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ ይመጸካ፧ እቲ ስሙ ናብ እስራኤል እተቐየረ ያእቆብ ወዲ ይስሃቅ ድዩ ዚመጸካ፧ ወይስ እቶም ዘርኢ ያእቆብ ዝዀኑ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ድዮም ዚመጹኻ፧ መንፈሳውያን እስራኤልከ ናብ ኣእምሮኻ ይመጹዶ፧ እታ “እስራኤል” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ ኽትጥቀስ ከላ፡ ነቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሎም ዚጽውዑ 144,000 ዝቝጽሮም፡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኪዀኑ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ሰባት እያ እተመልክት። (ገላ. 6:16፣ ራእ. 7:4፣ 21:12) ኰይኑ ግና፡ እቶም 12 ነገድ እስራኤል ኣብ ማቴዎስ 19:28 ብኸመይ ብፍሉይ መገዲ ተጠቒሶም ከም ዘለዉ እስከ ንርአ።
2 የሱስ፡ “ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። እቶም ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ነቶም ብቕቡኣት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዚፍረዱን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎምን ሰባት እዮም ዜመልክቱ። ካብ ክህነት እቶም 144,000 ከኣ ጥቕሚ ኺረኽቡ እዮም።
3, 4. እሙናት ቅቡኣት፡ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ዚሓድጉ፧
3 ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት፡ ከምቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ ንኣገልግሎቶም ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ዘሁ. 18:20) ሓቂ እዩ፡ ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ርስቲ ኺወሃቦም ኣይጽበዩን እዮም። የግዳስ፡ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ክርስቶስ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም ዚጽበዩ። ራእይ 4:10, 11 ከም እትሕብሮ፡ ቅቡኣት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንየሆዋ እናኣገልገሉ ኺነብሩ እዮም።—ህዝ. 44:28።
4 ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ኸለዉ፡ ግዲኦም የሆዋ ምዃኑ ብዜርኢ መገዲ እዮም ዚመላለሱ። ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶም፡ እቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እምነት ስለ ዜሕድሩን ንየሱስ ስለ ዚስዕብዎን፡ ‘ንጽውዓኦምን ንምሕራዮምን የጽንዕዎ እዮም።’ (2 ጴጥ. 1:10) ውልቃዊ ዅነታቶምን ክእለቶምን ይፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ኸም መመኽነይታ ብምቕራብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ካብቲ ግቡእ ንታሕቲ ኣይገብሩን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ቀዳምነት ይህብዎን ዚከኣሎም ይገብሩን እዮም። ነቶም ኣብ ምድራዊ ገነት ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ከኣ ሰናይ ኣብነት ይዀንዎም እዮም።
5. ኵሎም ክርስትያናት፡ የሆዋ ግዲኦም ንኪኸውን ኪፈቕዱሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧
5 ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ‘ህይወትና ቐቢጽና፡ መስቀልና ኣልዒልና ንክርስቶስ ክንስዕቦ ኣሎና።’ (ማቴ. 16:24) ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ብሚልዮናት ዚቚጸሩ ሰባት፡ ንኣምላኽ የምልኽዎን ንክርስቶስ ይስዕብዎን ኣለዉ። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዙሕ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ስለ ዚፈልጡ፡ ብንእሽቶ ኣይዓግቡን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ንናብራኦም ብምቕላል፡ ፈለምቲ ዀይኖም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣብ ዓመት ንእተወሰነ ኣዋርሕ ሓገዝቲ ፈለምቲ ይዀኑ። ገሊኣቶም ድማ፡ ፈለምቲ ዀይኖም እኳ እንተ ዘየገልገሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል ይጽዕሩ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ከምታ ንየሱስ ቅዱይ ዘይቲ ዘፍሰሰትሉ ማርያም እዮም። የሱስ ብዛዕባኣ፡ “ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ። . . . ዚከአላ ገበረት” በለ። (ማር. 14:6-8) ኣብዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ይኸብደና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣጸቢቕና ንጽዕርን ኣብ የሆዋ ንውከልን ኢና። ብኸመይ ኣብ ኣርባዕተ መዳያት ከምኡ ኸም እንገብር እስከ ንርአ።
ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ
6. (ሀ) ሰባት ብሓፈሻ፡ ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ምዃኑ ዜርእዩ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ከም ናይ ዳዊት ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
6 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኪደልዩ መሃሮም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሰባት ንውልቃዊ ድሌቶም ቀዳምነት ስለ ዚህቡ፡ ‘ካብ እዛ ዓለም እዚኣ’ ከም ዝዀኑን ‘ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ኸም ዝዀነን’ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (መዝሙር 17:1, 13-15 ኣንብብ።) ብዛዕባ ፈጣሪኦም ስለ ዘይግደሱ፡ ምሹእ ናብራ ኣብ ምንባርን ውሉዳት ኣብ ምዕባይን ርስቲ ኣብ ምሕዳግን ጥራይ እዮም ዜተኵሩ። ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ እዩ። ዳዊት ግና ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ጽቡቕ ስም” ኪህልዎ እዩ ዚጽዕር ነይሩ፣ ወዱ እውን ጸኒሑ ንዅልና ኸምኡ ኽንገብር መኺሩና ኣሎ። (መክ. 7:1) ልክዕ ከም ኣሳፍ፡ ካብ ውልቃዊ ድሌቱ ንላዕሊ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት ከም ዜገድስ ተገንዚቡ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓጒሱ ይመላለስ ነበረ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት እውን፡ ካብ ዓለማዊ ስራሖም ንላዕሊ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት እዮም ዜቐድሙ።
7. ሓደ ሓው ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብምድላዩ እተባረኸ ብኸመይ እዩ፧
7 ነቲ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዚነብር ዣን-ክሎድ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሰለስተ ቘልዑ ዘለውዎ ምርዑው ሽማግለ እዩ። ኣብታ ሃገር ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡ ሓያሎ ሰባት ካብ ስራሖም ከይስጐጉ ዚከኣሎም እዮም ዚገብሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ንዣን-ክሎድ፡ ካብ ሰዓት 6:30 ድ.ቀ. ጀሚሩ ንምሉእ ሰሙን ለይቲ ለይቲ እናኣተወ ኺሰርሕ፡ ሓላፊኡ ኣዘዞ። ዣን-ክሎድ ድማ ንሓላፊኡ፡ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እውን ኪከናኸኖም ከም ዘለዎ ገለጸሉ። ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ከም ዘለዎ እውን ሓበሮ። እሞኸ እቲ ሓላፊ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ንዣን-ክሎድ፡ “ዕድለኛ ዄንካ ነዚ ስራሕ እዚ ኻብ ረኸብካ፡ ንሰበይትኻን ንደቅኻን ንዅሉ ጸገማትካን ረስዓዮ። ኣብ ስራሕካ ጥራይ ኢኻ ኸተተኵር ዘሎካ። ወይ ሃይማኖትካ ወይ ስራሕካ ምረጽ” በሎ። ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧ ዣን-ክሎድ፡ ስራሑ እኳ እንተ ኣቋረጸ፡ ኣምላኽ ከም ዚከናኸኖ ይፈልጥ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዙሕ ኪዓዪ ኸም ዚኽእልን የሆዋ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ዜድልዮም ነገራት ከም ዜማልኣሎምን ይተኣማመን ነበረ። ናብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ኸኣ ኸደ። ድሕሪኡ ናብ ስራሑ ኪኸይድ ተዳለወ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ስራሑ ኪቕጽል እንተ ዀይኑ ርግጸኛ ኣይነበረን። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ተሌፎን ተደወለሉ። እቲ ሓላፊ ኻብ ስራሕ ከም እተሰጕጐ ተነግሮ፣ ዣን-ክሎድ ድማ ኣብ ስራሑ ቐጸለ።
8, 9. የሆዋ ግዴና ንኪኸውን ብምፍቃድ፡ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ክንመስሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
8 ገሊኣቶም ስራሖም ኪስእኑ ዚኽእሉ ክርስትያናት፡ ‘ንስድራ ቤተይ ንኽኣልዮም ዘሎኒ ሓላፍነት ከመይ ገይረ እየ ኽፍጽም፧’ ኢሎም ይሻቐሉ ይዀኑ። (1 ጢሞ. 5:8) ከምዚ ዓይነት ብድሆ የጋጥምካ ኣየጋጥምካ ብዘየገድስ፡ ግዴኻ ኣምላኽ ክሳዕ ዝዀነን ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል እተዋህበካ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ኽሳዕ ዝረኣኻዮን፡ ኣምላኽ ከቶ ኸም ዘይጥንጥነካ ኻብ ተመክሮኻ ርኢኻዮ ትኸውን ኢኻ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ ድሕሪ ምትብባዕ፡ “እዚ ዅሉ፡” ማለት ዚበልዕዎን ዚሰትይዎን ዚኽደንዎን ነገራት ‘ከም ዚውሰኸሎም’ ኣረጋጊጹሎም እዩ።—ማቴ. 6:33።
9 ብዛዕባ እቶም ርስቲ ዘይተዋህቦም ሌዋውያን እሞ ሕሰብ። ቀንዲ ኣትኵሮኦም ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ስለ ዝነበረ፡ እቲ፡ ‘ግዴኻ ኣነ እየ’ ዝበሎም የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ኪተኣማመኑ ነበሮም። (ዘሁ. 18:20) ንሕና እውን፡ ከም ካህናትን ሌዋውያንን ቃል ብቓሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይነገልግል እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣረኣእያኦም ብምቕዳሕ፡ የሆዋ ኸም ዚከናኸነና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ዳሕሮት መዓልትታት እናተጸንቀቓ ኣብ ዚኸዳሉ እዋን፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንኺከናኸነና ዘለዎ ሓይሊ ብዝያዳ ኽንተኣማመን ኣሎና።—ራእ. 13:17።
ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ድለ
10, 11. ገሊኣቶም ክርስትያናት ንስራሕ ብዚምልከት፡ ኣብ የሆዋ እተወከሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብነት ሃብ።
10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ኪደልዩ’ እውን ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 6:33) እዚ ኸኣ፡ ካብ ሰብኣዊ ልምድታት ንላዕሊ ነቲ ንቕኑዕ ንጌጋን ዚምልከት ስርዓታት የሆዋ ምቕዳም ማለት እዩ። (ኢሳይያስ 55:8, 9 ኣንብብ።) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ቕድሚ ምስምዖም፡ ትምባኾ ይተኽሉ ወይ ይሸጡ፡ ንኻልኦት ኣብ ውግእ የሰልጥኑ፡ ወይ ከኣ ኣጽዋር ይሰርሑን ይሸጡን ነይሮም እዮም። ብዛዕባ ሓቂ ምስ ተማህሩ ግና፡ መብዛሕትኦም ስራሖም ቀይሮም ተጠሚቖም እዮም።—ኢሳ. 2:4፣ 2 ቈረ. 7:1፣ ገላ. 5:14።
11 ንኣንድርው እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንሱን ሰበይቱን ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተማህሩ፡ ንኼገልግልዎ ቘረጹ። ኣንድርው ብስራሑ ይሕበን እኳ እንተ ነበረ፡ ኣቋረጾ። ስለምንታይ፧ ኣብ ሓደ ገለልተኛ ዘይኰነ ውድብ ይሰርሕ ስለ ዝነበረን ንጽድቂ ኣምላኽ ቀዳምነት ኪህብ ስለ ዝደለየን እዩ። ካብ ስራሑ ኣብ ዘቋረጸሉ እዋን፡ ክልተ ውሉዳት ነበርዎ፣ እተን ዝነበራኦም ገንዘብ እውን ንሒደት ኣዋርሕ ዚዀና ጥራይ እየን ነይረን። ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ ‘ርስቲ’ ዘይብሉ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ ኣምላኽ ብምውካል ግና፡ ካልእ ስራሕ ኣናደየ። ሕጂ ምልስ ኢሉ ኺሓስቦ ኸሎ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን፡ ኢድ የሆዋ ሓጻር ዘይምዃና ተመኪሮምዎ እዮም። (ኢሳ. 59:1) ኣንድርውን ሰበይቱን ንናብራኦም ብምቕላል፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ ኪዀኑ ኽኢሎም ነይሮም እዮም። ኣንድርው ከምዚ በለ፦ “ብምኽንያት ገንዘብን ገዛን ጥዕናን ምድፋእ ዕድመን እተጨነቕናሉ እዋን ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ወትሩ ኣብ ጐድንና እዩ ነይሩ። . . . ንየሆዋ ምግልጋል፡ ክቡርን ዚኽሕስን ዕዮ ምዃኑ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና።”a—መክ. 12:13።
12. ንስርዓታት ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ፡ እንታይ ባህርይ እዩ ዜድሊ፧ ካብ ከባቢኻ እተረኽበ ኣብነታት ጥቐስ።
12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ አልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፤ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰአነኩምውን የልቦን” በሎም። (ማቴ. 17:20) ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብካዮዶ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ንኣባላት ጉባኤኻ ኣዘራርቦም። ተመክሮኦም ንእምነትካ ኸም ዜደልድላ ኣየጠራጥርን እዩ።
ንመንፈሳዊ መሰናድዎታት የሆዋ ኣማስወሉ
13. ንየሆዋ ንምግልጋል ንጽዕር እንተ ዄንና፡ እንታይ ምትእምማን ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧
13 ንኣገልግሎት የሆዋ ኣኽቢርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ከምቲ ንሌዋውያን ዝገበረሎም፡ ንዓኻ እውን ብስጋውን ብመንፈሳውን ዜድልየካ ነገራት ከም ዜማልኣልካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ዳዊት እሞ ሕሰብ። ኣብ በዓቲ ይነብር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ከም ዚከናኸኖ ይተኣማመን ነበረ። ንሕና እውን ኪጸብበና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ንኽእል ኢና። ኣሳፍ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቖ ዝነበረ ነገራት ዝሓሸ ምርዳእ ኪህልዎ ዝኸኣለ፡ “ናብ መቕደስ ኣምላኽ” ምስ መጸ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (መዝ. 73:17) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ምንጪ መንፈሳዊ ምግብና ዝዀነ ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ግዴና ንኪኸውን ንፈቕደሉ።
14, 15. ገሊኡ ጥቕስታት ብዝያዳ ኣብ ዚበርሃሉ እዋን፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
14 እቲ ምንጪ መንፈሳዊ ፍልጠት ዝዀነ የሆዋ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ኬብርሃልና ኸሎ፡ እንታይ ምላሽ ኢና እንህብ፧ (1 ቈረ. 2:10-13) ሃዋርያ ጴጥሮስ ሰናይ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ፣ የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ዘረባ እዚ ቓል ብቓሉ ስለ ዝወሰድዎ፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። “ብዙሓት [ከኣ] ንድሕሪት ተመልሱ።” ጴጥሮስ ግና፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” በለ።—ዮሃ. 6:53, 60, 66, 68።
15 ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ስጋ ወዲ ምብላዕን ደም ወዲ ምስታይን እተዛረቦ ዘረባ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ መንፈሳዊ ፍልጠት ይተኣማመን ነበረ። ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ዝነበረና ምርዳእ ብዝያዳ ኣብ ዚበርሃሉ እዋን፡ ነቲ ምትዕርራይ እተገብረሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ክትርድኦ ትፍትን ዲኻ፧ (ምሳ. 4:18) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰብ ቤርያ፡ “ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” (ግብ. 17:11) ንስኻ እውን ንዕኦም ክትመስሎም እንተ ጽዒርካ፡ ነቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ኢኻ፣ የሆዋ ግዴኻ ብምዃኑ ኸኣ ኸተመስግን ኢኻ።
ብጐይታ ጥራይ ተመርዖ
16. ምስቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:39 ዘሎ ትእዛዝ ብዚተሓሓዝ፡ ኣምላኽ ግዴና ንኪኸውን ክንፈቕደሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
16 ክርስትያናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ ዚገልጽ መምርሒ ብምትግባር፡ ንዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይረስዕዎ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 7:39) ብዙሓት ክርስትያናት ነዚ መለኮታዊ ምኽሪ እዚ ኻብ ምጥሓስ፡ ንጽል ኪዀኑ መሪጾም እዮም። ኣምላኽ ከኣ ይከናኸኖም እዩ። ዳዊት ብጽምዋ ምስ ተበልዐን ዚሕግዞ ሰብ ዘይብሉ ዀይኑ ምስ ተሰምዖን እንታይ ገበረ፧ “ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ” በለ። (መዝ. 142:1-3) እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ንጽል ኰይኑ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልገለ ነብዪ ኤርምያስ እውን፡ ከምኡ ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብታ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ዚርከብ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ከተጽንዖ ትኽእል ኢኻ።
17. ሓንቲ ንጽል ሓብቲ ነቲ ሓሓሊፉ ዜጋጥማ ጽምዋ እትዋጽኣሉ ብኸመይ እያ፧
17 ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ንሓዋሩ ንጽል ኰይነ ኽነብር ኣይደልን እየ። ዝዀነኒ ሰብ እንተ ረኺበ ኽምርዖ እየ ዝደሊ። እታ ዘይኣማኒት ኣደይ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክምርዖ ኸተእምነኒ ፈቲና እያ። ኣብ ሕማቕ ሓዳር እንተ ወዲቐ፡ ንሳ ሓላፍነት ትወስድ እንተ ዀይና ሓተትክዋ። ድሕሪ ግዜ፡ ቀዋሚ ስራሕ ከም ዘሎንን ንገዛእ ርእሰይ ከም ዝከናኸንን ሕጕስቲ ምዃነይን ምስ ረኣየት፡ ካብኡ ንደሓር ብዛዕባኡ ኣየልዓለትለይን።” ነዛ ሓብትና ሓሓሊፉ ጽምዋ ይስምዓ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ከምኡ ኺስምዓኒ ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ኽውከል እየ ዝፍትን። ንሱ ኸኣ ፈጺሙ ኣይርሕርሓንን እዩ” በለት። ኣብ የሆዋ ንኽትውከል ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ “ጸሎት፡ ኣምላኽ ጋህዲ ንኪዀነለይን በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ ንኸይስምዓንን ሓጊዙኒ እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ፍጥረት ዝለዓለ ኣካል ይሰምዓኒ ኻብ ኰነ፡ ከመይ ደኣ ክብርን ሓጐስን ዘይስምዓኒ፧” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ‘ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ኸም ዜሐጕስ’ ስለ እትተኣማመን፡ “ገለ ነገር ኪገብሩለይ ከይተጸበኹ፡ ንኻልኦት ሰባት ክሕግዝ እጽዕር እየ። ‘ነዚ ሰብ እዚ ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል፧’ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ ሽዑ እየ ውሽጣዊ ሓጐስ ዝረክብ” በለት። (ግብ. 20:35) እወ፡ ነዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ግዲኣ የሆዋ እዩ፣ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዝረኸበቶ ፍሉይ መሰል ከኣ ትሕጐሰሉ እያ።
18. የሆዋ ግዲኡ ዚገብረካ ብኸመይ እዩ፧
18 ኵነታትካ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ግዴኻ ንኪኸውን ክትፈቕደሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሓደ ኻብቶም ሕጉሳት ህዝቢ ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ። (2 ቈረ. 6:16, 17) በዚ ኸምዚ፡ ልክዕ ከምቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ግደ የሆዋ ትኸውን። (ዘዳግም 32:9, 10 ኣንብብ።) ከምቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ኣህዛብ መሪጹ ግዲኡ ዝገበሮም፡ ንዓኻ እውን ግዲኡ ንኽትከውን ኪሓርየካን ብፍቕሪ ኺከናኸነካን እዩ።—መዝ. 17:8።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ ሕዳር 2009 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 12-14 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ የሆዋ ግዴኻ ንኪኸውን ክትፈቕደሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
• ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኣብ ምድላይ
• ንመንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምምሳው
• ነቲ ብጐይታ ጥራይ ክንምርዖ እተዋህበና ትእዛዝ ኣብ ምሕላው
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ብቐዳምነት ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ግዴና ኪኸውን ይኽእል እዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት የተባብዓና እዩ