ግደይ የሆዋ እዩ
“ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ።”—ዘሁ. 18:20።
1, 2. (ሀ) ንርስቲ ብዚምልከት፡ ሌዋውያን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ (ለ) የሆዋ ንሌዋውያን ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ሃቦም፧
እስራኤላውያን ንመብዛሕትኡ ምድሪ ተስፋ ምስ ተቘጻጸርዎ፡ እያሱ ምስ ኣልኣዛር እቲ ሊቀ ኻህናትን ምስ ሹማምቲ ነገድን ኰይኑ፡ ነቲ መሬት ብዕጫ ኺመቕሎ ጀመረ። (ዘሁ. 34:13-29) ንሌዋውያን ግና፡ ከምቶም ካልኦት ነገዳት፡ ርስቲ ኣይሃቦምን። (እያ. 14:1-5) ሌዋውያን ኣብታ ምድሪ ተስፋ ርስቲ ዘይተዋህቦም ስለምንታይ እዩ፧ ዕሽሽ ስለ እተባህሉ ድዩ፧
2 መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብቲ የሆዋ ንሌዋውያን ዝነገሮም ሓሳብ ንረኽቦ ኢና። የሆዋ ንሌዋውያን፡ “ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ” ብምባል፡ ሌዋውያን ዕሽሽ ከም ዘይተባህሉ ኣጕልሐ። (ዘሁ. 18:20) እቲ፡ ‘ግዴኻ ኣነ እየ’ ዚብል ቃል፡ ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ መረጋገጺ ዀን እዩ! የሆዋ ኸምኡ እንተ ዚብለካ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ምናልባት ኣብ ፈለማ፡ ‘እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት መረጋገጺ ኺህበኒ እበቅዕ ድየ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ‘የሆዋ ብሓቂ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ዘይፍጹማት ክርስትያናት ግዲኦም ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧’ ኢልካ እውን ትሓትት ትኸውን። እዚ ሕቶታት እዚ፡ ንዓኻን ንእተፍቅሮም ሰባትን ዚምልከት ስለ ዝዀነ፡ ንትርጕም እተን ኣምላኽ እተዛረበን ቃላት እስከ ንመርምረን። ከምኡ ምግባርና፡ የሆዋ ግደ እቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ተስፋኻ ናብ ሰማይ ክትከይድ ይኹን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽትነብር፡ የሆዋ ግዴኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
የሆዋ ንሌዋውያን ተኸናኸኖም
3. ኣምላኽ ንሌዋውያን፡ ኣገልገልቱ ንኪዀኑ ዝፈለዮም ስለምንታይ እዩ፧
3 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ቕድሚ ምሃቡ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ከም ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ሕጊ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ግና፡ ካብ ነገድ ሌዊ፡ ምሉእ ግዜኦም ዜገልግሉ ኻህናትን ንዕኦም ዚሕግዝዎም ሰባትን መረጸ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ንበዅሪ ግብጺ ኣብ ዝቐተለሉ እዋን፡ ንበዅሪ እስራኤላውያን ቀደሶም፣ ንዕኡ ኪዀኑ ኢሉ ኸኣ ፈለዮም። ድሕሪኡ ኣምላኽ፡ “ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል . . . ወሲደዮም እየ” ብምባል ኣገዳሲ ምትዕርራይ ገበረ። ኰይኑ ግና፡ ቈጸራ ህዝቢ ምስ ተገብረ እሞ፡ ብዝሒ በዅሪ ደቂ እስራኤል ካብ ሌዋውያን ንላዕሊ ምስ ኰነ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ንምምጥጣን፡ በጃ ኸም ዚኽፈል ተገብረ። (ዘሁ. 3:11-13, 41, 46, 47) በዚ ኸምዚ፡ ሌዋውያን ነቲ ንኣምላኽ እስራኤል ናይ ምግልጋል ግዲኦም ኪፍጽሙ ኸኣሉ።
4, 5. (ሀ) የሆዋ ግደ ሌዋውያን ምዃኑ፡ ንዕኦም እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ኣምላኽ ንሌዋውያን እተኸናኸኖም ብኸመይ እዩ፧
4 እዚ ንሌዋውያን እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ የሆዋ፡ ግዲኦም ከም ዚኸውን ነጊርዎም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዲ ርስቲ ዚቕበሉ፡ ብዋጋ ዘይሽነን ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ከም ዚወሃቡ ዚሕብር እዩ ነይሩ። እወ፡ “ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ” ነይሩ። (እያ. 18:7) ኣብ ከባቢ ዘሁልቍ 18:20 ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ንሌዋውያን ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ የማልኣሎም ነይሩ እዩ። (ዘሁልቍ 18:19, 21, 24 ኣንብብ።) እቶም ሌዋውያን፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቶም፡ . . . ኵሉ ዕሽር እስራኤል ንርስቲ” ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ካብቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ምህርትን ወሰኽ ማልን፡ ዕሽር ይወሃቦም ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኽህነት ንምድጋፍ፡ ካብቲ እተቐበልዎ፡ “ብሉጽ” ዕሽር ኪህቡ ነበሮም።a (ዘሁ. 18:25-29) ብዘይካዚ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ቦታ ኣምልኾ ዜምጽእዎ ‘ዅሉ ቕዱስ ነገር’ ንኻህናት ተዋሂብዎም ነበረ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣባላት ክህነት፡ የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ንኺኣምኑ ዜኽእሎም ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎም እዩ።
5 ሕጊ ሙሴ፡ ካልኣይ ዕሽር ኪወሃብ ይእዝዝ ነበረ፣ እስራኤላውያን ስድራ ቤታት ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ዓዓመት ዚግበር ቅዱስ ኣኼባታት፡ ካብቲ ዜምጽኣኦ ዕሽር ይበልዓን ብእኡ ይሕጐሳን ነበራ። (ዘዳ. 14:22-27) ይኹን እምበር፡ እዚ ዕሽር እዚ ኣብ ካልእ መዳይ እውን ይውዕል ነበረ። እስራኤላውያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሻውዐይቲ ዓመት፡ ሰንበት የብዕሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ መበል ሳልሳይን ሻድሻይን ዓመት ከኣ፡ በቲ ዕሽር ገይሮም ንድኻታትን ንሌዋውያንን ይሕግዙ ነበሩ። ሌዋውያን ኪሕገዙ ዘድለዮም ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ እስራኤል ‘ግደን ርስትን ስለ ዘይነበሮም’ እዮም።—ዘዳ. 14:28, 29።
6. ሌዋውያን ኣብ እስራኤል ርስቲ እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ኣበይ ይቕመጡ ነበሩ፧
6 ይኹን እምበር፡ ‘ሌዋውያን ርስቲ ዘይብሎም እንተ ዀይኖም ደኣ እሞ ኣበይ ይቕመጡ ነይሮም፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን፡ ኣምላኽ ተኸናኺንዎም እዩ። ሌዋውያን ንኺነብሩለን ኢሉ፡ 48 ከተማታት መምስ ከባቢአን ሃቦም። እዚ ድማ፡ ሽዱሽተ ኸተማታት መዕቈቢ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 35:6-8) ስለዚ፡ ሌዋውያን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘየገልግሉሉ እዋን፡ ዚቕመጡሉ ቦታ ነይርዎም እዩ። የሆዋ ነቶም ንዕኡ ንኼገልግሉ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዜቕርቡ ሰባት ኣጸቢቑ ይከናኸኖም እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ሌዋውያን፡ የሆዋ ንዕኦም ንምክንኻን ፍቓደኛ ምዃኑን ከምኡ ናይ ምግባር ሓይሊ ኸም ዘለዎን ብምእማን፡ ግዲኦም የሆዋ ምዃኑ ኼርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
7. ሌዋውያን፡ የሆዋ ግዲኦም ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧
7 ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ዕሽር ብዘይምሃቡ ዚቕጻዕ እስራኤላዊ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ንዕሽር ዚምልከት ሕጊ ዕሽሽ ኪብልዎ ኸለዉ፡ ካህናትን ሌዋውያንን ይጕድኡ ነበሩ። ብግዜ ነህምያ ኸምኡ እዩ ኣጋጢሙ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ እቶም ሌዋውያን ንኣገልግሎቶም ሓዲጎም፡ ነናብ ማሕረሶም ከዱ። (ነህምያ 13:10 ኣንብብ።) ብንጹር እምበኣር፡ ሌዋውያን ዜድልዮም ዘበለ ዚማልኣሎም ዝነበረ፡ እቶም ህዝቢ ንሕጊ የሆዋ ኣብ ዚእዘዙሉ እዋን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንዕኦም ዚከናኸነሉ መገድን እምንቶ ኼሕድሩ ነበሮም።
ግዲኦም የሆዋ ዝነበረ ውልቀ-ሰባት
8. ነቲ ሌዋዊ ዝነበረ ኣሳፍ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ጸገም ግለጽ።
8 የሆዋ ንሌዋውያን፡ ብደረጃ ነገድ እዩ ግዲኦም ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ሌዋውያን ብደረጃ ውልቀ-ሰብ፡ ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነትን ኣብኡ ዘለዎም ትውክልትን ንምግላጽ፡ “ግደይ እግዚኣብሄር እዩ” ዚብል ሓረግ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። (ድጕ. 3:24) ንሓደ ዘማርን ኣዳላዊ መዝሙርን ዝነበረ ሌዋዊ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዚ ሌዋዊ እዚ፡ ሓደ ኻብቶም ብግዜ ንጉስ ዳዊት ቀንዲ ዘመርቲ ዝነበሩ ሌዋውያን ኣባላት ቤት ኣሳፍ ኪኸውን ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣሳፍ ኢልና ኽንጽውዖ ኢና። (1 ዜና 6:31-43) ኣብ መዝሙር 73፡ ኣሳፍ (ወይ ሓደ ኻብ ዘርኡ) በቶም ምሹእ ናብራ ዚነብሩ እኩያት ሰባት ከም ዝቐንአን ብናብራኦም ከም እተደንጸወን ነንብብ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ “ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ፡ ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ” በለ። ነቲ ዝነበሮ ኽቡር መሰል ኣገልግሎት ረስዖ፣ ግዲኡ የሆዋ ምዃኑ እውን ሰሓቶ። “ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ [ዚ]አቱ” ድማ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ወደቐ።—መዝ. 73:2, 3, 12, 13, 17።
9, 10. ኣሳፍ፡ ኣምላኽ ‘ንዘለኣለም ክፍሉ’ ወይ ግዲኡ ኸም ዝዀነ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧
9 ኣሳፍ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኰይኑ፡ ነቲ ዅነታት ብዓይኒ ኣምላኽ ኪርእዮ ጀመረ። ንዓኻ እውን ከምኡ ኣጋጢሙካ ይኸውን እዩ። ምናልባት ነቲ ዘሎካ ኽቡር መንፈሳዊ መሰል ብእተወሰነ ደረጃ ረሲዕካ፡ ኣብቲ ብስጋዊ መዳይ ዝጐደለካ ነገራት ዘተኰርካሉ እዋን ይህሉ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንቓል ኣምላኽ ብምጽናዕን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምኻድን፡ ነቲ ዅነታት ብኣረኣእያ የሆዋ ኽትርእዮ ኽኢልካ ትኸውን። ኣሳፍ፡ እቶም እኩያት ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዚዀኑ ተገንዘበ። ብዛዕባ ግዲኡ ኺሓስብ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ የሆዋ ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸም ዚመርሖ ተረድአ። ንየሆዋ፡ “ንኣኻ ኻብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” ኪብሎ እምበኣር ሓቁ እዩ። (መዝ. 73:23, 25) ድሕሪኡ፡ ክፍሉ ወይ ግዲኡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ሓበረ። (መዝሙር 73:26 ኣንብብ።) እወ፡ ‘ስጋኡን ልቡን እኳ እንተ ማህመነ፡’ ኣምላኽ ንዘለኣለም ‘ክፍሉ’ ወይ ግዲኡ እዩ። እዚ ጸሓፍ መዝሙር እዚ፡ የሆዋ ኸም ፈታዊኡ ገይሩ ኸም ዚዝክሮን ነቲ ብተኣማንነት ዝገበሮ ኣገልግሎት ከም ዘይርስዖን ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (መክ. 7:1) እዚ ንኣሳፍ ብርግጽ ኣጸናኒዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፡ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፡ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ” ኢሉ ኸኣ ዘመረ።—መዝ. 73:28።
10 ስለዚ፡ ኣሳፍ፡ ግዲኡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኸም ሌዋዊ መጠን ዚረኽቦ ዝነበረ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብቐንዱ ነቲ ዝነበሮ ኽቡር መሰል ኣገልግሎትን ነቲ ምስቲ ልዑል ዝዀነ የሆዋ ዝነበሮ ርክብን እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። (ያእ. 2:21-23) ነዚ ርክብ እዚ ንምዕቃብ ከኣ፡ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ኬደልድልን ብእኡ ኺእመንን ነበሮ። ብዘይካዚ፡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኺመላለስን ኣምላኽ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህቦ ርግጸኛ ኪኸውንን ነበሮ። ንስኻ እውን፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከምኡ ኸም ዚገብረልካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።
11. ኤርምያስ እንታይ ሕቶ እዩ ዝሓተተ፧ ብኸመይከ ተመለሰሉ፧
11 ግዲኡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ዝገለጸ ኻልእ ሌዋዊ፡ ነብዪ ኤርምያስ እዩ። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት እስከ ንመርምር። ኤርምያስ ኣብታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ሌዋውያን ዚነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ኣናቶት እዩ ዚቕመጥ ነይሩ። (ኤር. 1:1) ሓደ እዋን፡ ጻድቃን እናተሳቐዩ ኽነሶም፡ ረሲኣን ዚሰልጦም ስለምንታይ ምዃኑ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። (ኤር. 12:1) ነቲ ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዚግበር ዝነበረ ነገራት ምስ ረኣየ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ‘ኪማጐት’ ወይ ድማ ኺሓትት ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። ሓቂ እዩ፡ ኤርምያስ፡ የሆዋ ጻድቕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ እተነበዮ ትንቢትን እቲ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ ምርኣዩን፡ ንሕቶኡ መለሰሉ። እቶም ንመምርሒ የሆዋ እተኣዘዙ ሰባት፡ ‘ነፍሶም ዘመተ ዀነትሎም፣’ እቶም ሃብታማት ዝነበሩ ረሲኣን ግና፡ ነቲ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ፡ ጠፍኡ።—ኤር. 21:9።
12, 13. (ሀ) ኤርምያስ፡ “ግደይ እግዚኣብሄር እዩ” ንኺብል ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኵሎም ነገዳት እስራኤል ብየሆዋ ተስፋ ኺገብሩ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧
12 ኤርምያስ ነታ ዝዓነወት ዓዱ ምስ ረኣያ፡ የሆዋ ‘ኸምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት ዘንበሮ’ ዀይኑ ተሰምዖ። እወ፡ ብጸልማት ዚኸይድ ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። (ድጕ. 1:1, 16፣ 3:6) ኤርምያስ ነቶም ነቓጻት ህዝቢ እስራኤል ናብ ሰማያዊ ኣቦኦም ኪምለሱ እኳ እንተ ነገሮም፡ ክፍኣቶም ኣዝዩ ስለ ዝበዝሐ፡ ኣምላኽ ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ኣጥፍአን። ዋላ እኳ ኤርምያስ ቅኑዕ ዘበለ እንተ ገበረ፡ በቲ ዘጋጠመ ነገር ግና ኣመና ጐሃየ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከሎ፡ ንምሕረት ኣምላኽ ዘከረ። ‘ጥራስ ኣይጠፋእናን’ ከኣ በለ። እወ፡ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ። ኤርምያስ እውን ድሕርዚ እዩ፡ “ግደይ እግዚኣብሄር እዩ” ዝበለ። ነቲ ኸም ነብዪ መጠን ንየሆዋ ዜቕርቦ ዝነበረ ፍሉይ ኣገልግሎት ቀጸሎ።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:22-24 ኣንብብ።
13 እታ እስራኤላውያን ዚነብሩላ ዝነበሩ ዓዲ፡ ን70 ዓመት ከም እትዓኑን ከም እትባድምን ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ። (ኤር. 25:11) ኤርምያስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከሎ “ግደይ እግዚኣብሄር እዩ” ምባሉ፡ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ዜርኢ እዩ፣ እዚ ኸኣ ‘ብየሆዋ ተስፋ ንኺገብር’ ኣኽኣሎ። ኵሎም ነገዳት እስራኤል እውን ርስቶም ጠፊኡ ስለ ዝነበረ፡ ከም ናይ ኤርምያስ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ነበሮ። ከመይሲ፡ ኣብ የሆዋ ጥራይ እዮም ተስፋ ኺገብሩ ዚኽእሉ ነይሮም። ድሕሪ 70 ዓመት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኸቡ።—2 ዜና 36:20-23።
ግዲኦም የሆዋ ኪኸውን ዝፈቐዱ ኻልኦት ሰባት
14, 15. ካብ ሌዋውያን ወጻኢ፡ የሆዋ ግዲኡ ንኪኸውን ዝፈቐደ መን እዩ፧ ስለምንታይከ፧
14 ኣሳፍን ኤርምያስን ካብ ነገድ ሌዊ ስለ ዝነበሩ፡ ሌዋውያን ጥራይ እዮም ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ዚኽእሉ ነይሮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ጸኒሑ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ዳዊት፡ ብንእስነቱ ኸሎ ንየሆዋ፡ “ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ” በሎ። (መዝሙር 142:1, 5 ኣንብብ።) ዳዊት ነዛ መዝሙር እዚኣ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ወይ ኣብ ቤቱ ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ፡ ካብ ጸላእቱ ተሓቢኡ ኣብ በዓቲ እዩ ነይሩ። እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ኣዱላምን ኣብ በረኻ ዔን-ገዲን ዚርከብ በዓቲ ተሓቢኡ እዩ። ንመዝሙር 142 ኣብ ሓንቲ ኻብዘን በዓቲ ዀይኑ ጽሒፍዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
15 ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ንኪቐትሎ ይሃድኖ ስለ ዝነበረ፡ ዳዊት ናብ በዓቲ ሃዲሙ ተሓብአ። (1 ሳሙ. 22:1, 4) ኣብዚ በረኻ እዚ ኸሎ፡ ኣብ ጐድኑ ዀይኑ ዜዕቍቦ ፈታዊ ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 142:4) ናብ ኣምላኽ ድማ ጸለየ።
16, 17. (ሀ) ንዳዊት ተስፋ ኸም ዚቘርጽ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ካብ መን ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል ነበረ፧
16 ዳዊት ንመዝሙር 142 ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ንኣሂሜሌክ እቲ ሊቀ ኻህናት እንታይ ከም ዘጋጠሞ ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሊቀ ኻህናት እዚ፡ ዳዊት ካብ ሳኦል ኪሃድም ከሎ ሰጋእ መጋእ ከይበለ እኳ እንተ ሓገዞ፡ እቲ ቐናእ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ግና፡ ንዕኡን ንቤቱን ኣቕተሎም። (1 ሳሙ. 22:11, 18, 19) ዳዊት ንገዛእ ርእሱ ብሞት ኣሂሜሌክ ተሓታቲት ገበራ። ነቲ ዝሓገዞ ኻህን ባዕሉ ዝቐተሎ ዀይኑ ኸኣ ተሰምዖ። ንስኻኸ ኣብ ቦታ ዳዊት እንተ ትኸውን፡ ከምኡዶ ምተሰምዓካ፧ እዚ ዅሉ ኸይኣክል ከኣ፡ ዳዊት ብሳኦል ይህደን ስለ ዝነበረ፡ ዋላ ሓንቲ ዕረፍቲ ኣይረኸበን።
17 ቍሩብ ጸኒሑ ኸኣ፡ እቲ ንዳዊት ኣብ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ዝቐብኦ ነብዪ ሳሙኤል ሞተ። (1 ሳሙ. 25:1) እዚ ንዳዊት ተስፋ ኣቝሪጽዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ካበይ ሓገዝ ኪረክብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ናብ የሆዋ ተጸግዐ። ከም ናይ ሌዋውያን ዓይነት ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት ኪፍጽም፡ ጸኒሑ ኸኣ ንጉስ ህዝቢ ኣምላኽ ኪኸውን ተቐቢኡ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 16:1, 13) ስለዚ፡ ልቡ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ፡ መምርሒ ንምርካብ ከኣ ናብ ኣምላኽ ይቋመት ነበረ። ንስኻ እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ እትካፈለሉ እዋን፡ የሆዋ ግዴኻ ንኪኸውን ክትፈቕደሉን ኣብኡ ኽትዕቈብን ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ እውን ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ።
18. እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተዘራረብናሎም ሰባት፡ ግዲኦም የሆዋ ኸም ዝዀነ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
18 እቶም ክሳዕ ሕጂ እተዘራረብናሎም ሰባት፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እተወሰነ ዕዮ ስለ እተዋህቦም እዮም ግዲኦም የሆዋ ነይሩ። የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም እውን ይተኣማመኑ ነበሩ። ሌዋውያን ይኹኑ ኸም ዳዊት ዝኣመሰሉ ኻብ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ዝመጹ ሰባት፡ ንየሆዋ ግዲኦም ንኪኸውን ኪፈቕዱሉ ይኽእሉ ነበሩ። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንመያየጥ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a የሆዋ ንዕዮ ኽህነት ብኸመይ ይድግፎ ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ ጥራዝ 2፡ ኣብ ገጽ 684 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• የሆዋ ግደ ሌዋውያን ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
• ኣሳፍን ኤርምያስን ዳዊትን፡ ግዲኦም የሆዋ ኸም ዝዀነ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
• ግዴኻ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ባህርይ የድልየካ፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሌዋውያን ርስቲ እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ስለ እተዋህቦም፡ ግዲኦም የሆዋ እዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ንኣሳፍ፡ የሆዋ ወትሩ ግዲኡ ንኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧