ምዕራፍ 109
ንተጻረርቱ ዀነኖም
ማቴዎስ 22:41–23:24 ማርቆስ 12:35-40 ሉቃስ 20:41-47
ክርስቶስ ወዲ መን እዩ፧
የሱስ ነቶም ግቡዛት ተጻረርቱ ኣቃልዖም
እቶም ተጻረርቲ ንየሱስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኼሕፍርዎ ወይ ብዘረባኡ ጠሊፎም ናብ ሮማውያን ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኣይከኣሉን። (ሉቃስ 20:20) ብ11 ኒሳን ኣብ ቤተ መቕደስ ከለዉ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ መንነቱ ንምግላጽ፡ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ማቴዎስ 22:42) ክርስቶስ ወይ መሲሕ ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፍለጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንሳቶም ከምኡ ኢሎም መለሱሉ።—ማቴዎስ 9:27፣ 12:23፣ ዮሃንስ 7:42።
የሱስ ድማ፡ “ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዳዊት ብመንፈስ ተመሪሑ፡ ‘ጐይታይ’ ዚብሎ፧ ከመይሲ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ ‘የሆዋ ንጐይታይ፡ “ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።’ እሞ ደኣ፡ ዳዊት፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧” ኢሉ ሓተቶም።—ማቴዎስ 22:43-45።
እቶም ፈሪሳውያን፡ ወዲ ዳዊት ዝዀነ ሰብ መጺኡ ኻብ ግዝኣት ሮማውያን ሓራ ኼውጽኦም ይጽበዩ ብምንባሮም፡ ኣጽቀጡ። የሱስ ግና ነቲ ኻብቲ ኣብ መዝሙር 110:1, 2 ዚርከብ ቃላት ዳዊት ብምጥቃስ፡ እቲ መሲሕ ሰብኣዊ ገዛኢ ጥራይ ከም ዘይከውን መረጋገጺ ኣቕረበ። እቲ መሲሕ፡ ጐይታ ዳዊት ምዃኑ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ንስልጣኑ ኸም ዚጥቀመሉ ገለጸ። የሱስ በዚ ምላሹ ንተጻረርቱ ኣፎም ኣትሓዞም።
ደቀ መዛሙርቱን ብዙሓት ካልኦትን እውን ይሰምዑ ነበሩ። ድሕርዚ፡ የሱስ ንዓታቶም ብዛዕባ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣጠንቀቖም። እቶም ሰባት እቲኦም ሕጊ ኣምላኽ ንምምሃር “ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም” ነበሩ። የሱስ ድማ ንሰማዕቱ፡ “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን፣ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ዚብልዎ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከም ግብሮም ኣይትግበሩ” በሎም።—ማቴዎስ 23:2, 3።
የሱስ ቀጺሉ፡ “ክታባቶም የግፍሑ” ብምባል ሓደ ኻብቲ ግብዝናኦም ዚርኣየሉ መዳያት ገለጸ። ገሊኦም ኣይሁድ ኣብ ግምባሮም ወይ ኣብ ኢዶም ነቲ ሓጺር ጥቕስታት እቲ ሕጊ ዝሓዘ ኽታባት ይኣስሩ ነበሩ። ፈሪሳውያን ከኣ ነቲ ሕጊ ቕንኣት ከም ዘለዎም ምእንቲ ኼምስሉ፡ ነዚ ኽታባት እዚ የግፍሕዎ ነበሩ። “ዘፈር ክዳውንቶም እውን የንውሑ” ነበሩ። እስራኤላውያን ኣብ ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ ተኣዚዞም ነበሩ፣ ፈሪሳውያን ግና ዝነውሐ ዘፈር እዩ ነይርዎም። (ዘሁልቍ 15:38-40) ነዚ ዅሉ ድማ፡ “ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ” ይገብርዎ ነበሩ።—ማቴዎስ 23:5።
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን እንተ ዀኑ ምርኡያት ንምዃን ትምኒት ኪሓድሮም ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ንዓታቶም ከምዚ ኢሉ መዓዶም፦ “መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህር ኣይትበሃሉ፣ ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም እውን ሓደ፡ ንሱ ድማ ሰማያዊ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መራሕቲ እውን ኣይትበሃሉ።” እሞ ደኣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧ የሱስ ቀጺሉ፡ “እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየስ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን። ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 23:8-12።
የሱስ ቀጺሉ ነቶም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብተኸታታሊ ወይለኹም እናበለ ኸምዚ ኢሉ ዀነኖም፦ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰባት ትዓጽዉሎም፣ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣይትኣትዉን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ እውን ኣይትፈቕዱሎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።”—ማቴዎስ 23:13።
ፈሪሳውያን ነቲ የሆዋ ዝያዳ ኣገዳሲ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ነገራት ኣኽቢሮም ኣይርእዩን እዮም ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ባዕሎም ሓደ ኻብ ሓደ ኣብሊጾም ብምርኣይ ዜውጽእዎ ዝነበረ ስርዓት ይርአ ነይሩ እዩ። የሱስ ከኣ ብሰንኪ እዚ ዀኒንዎም እዩ። ንኣብነት፡ “ብቤተ መቕደስ ዚምሕል፡ ግዴታ የብሉን፣ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዚምሕል ግና፡ ግዴታ ኣለዎ” ይብሉ ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ መንፈሳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ ኣምልኾ የሆዋ፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ወርቂ ኣትኵሮ ብምግባር ብስነ ምግባር ዕዉራት ምዃኖም የርእዩ ነበሩ። ‘ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን ከኣ ሸለል ይብሉ ነበሩ።’—ማቴዎስ 23:16, 23፣ ሉቃስ 11:42።
ድሕርዚ፡ የሱስ ንፈሪሳውያን፡ “ኣቱም ካብ መስተኹም ቃርማ እተጻርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ፡ ዕዉራት መራሕቲ!” በሎም። (ማቴዎስ 23:24) ቃርማ ርኹስ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ፡ ካብ ወይኖም የጻርይዎ ነበሩ። ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር ሸለል ምባሎም ግና፡ ምስቲ ርኹስ ዝዀነ ገመል ምውሓጥ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።—ዘሌዋውያን 11:4, 21-24።