ንህይወትኩም ዕዉት ግበርዎ!
“ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: . . . ሰብሲ ብጹእ እዩ። . . . ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። [“ዕዉት ይኸውን።”—NW ] ”—መዝሙር 1:1, 3
1. (ሀ) መብዛሕትኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ መንእሰያት ንዓወት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ዕዉት ሰብ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
ዓወት—እዛ ቓል እዚኣ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧ ሓደ ጐበዝ “እቲ ዝበለጸ ሸቶይ ዕዉት ነጋዳይ ምዃን ኢዩ” በለ። ሓንቲ ጐርዞ ኸኣ “ቀንዲ ባህገይ ሕጕስ ስድራቤት ንኽህልወኒ ኢዩ” በለት። ካልእ ጐርዞ ግን “ባህገይ ጽቡቕ ገዛ: ጽብቕቲ ማኪና ንኽህልወኒ ኢዩ። . . . ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ኢየ ዝግደስ” ትብል። ይኹን እምበር እቲ ግድል ኰይኑ ዘሎ ገንዘብ ይኹን ስድራቤት ወይ ከኣ ዝለዓለ ስራሕ መለክዒ ናይ ሓቂ ዓወት ዘይምዃኑ ኢዩ። ኣብ መዝሙር 1:1-3 ከምዚ ነንብብ:- ‘ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዝፍሳህ ሰብሲ ብጹእ ኢዩ። ዝገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ [“ዕዉት ይኸውን:” NW ]’ ትብለና።
2. ናይ ሓቂ ዓወት ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል: ክንረኽበሉ እንኽእል እንኮ መገዲኸ እንታይ ኢዩ፧
2 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክህበና ዘይክእል ነገር ማለት ናይ ሓቂ ዓወት ክርከብ ከም ዝከኣል ኢዩ ዘተስፉ ዘሎ! ይኹን እምበር ብዛዕባ ፋይናንሳዊ መኽሰብ ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ይብለና። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ናይ ሓቂ ዓወት ክርከብ ዝኽእል ንኣምላኽ ብምሕጓስ ኢዩ። እዚ ድማ ንሕጊ የሆዋ ምስዓብ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ጥራይ ከኣ ኢዩ ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ከምጽእ ዝኽእል! ኣብ ትሕቲ ሕጊ የሆዋ ምዃንን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ክትንገርን ዝብል ሓሳብ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይመስልን ይኸውን። ይኹን እምበር: የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW ) ፍለጥዎ ኣይትፍለጥዎ ብዘየገድስ: ክትፍጠሩ ከሎኹም መንፈሳዊ ድሌት ነይርኩም ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ንኣምላኽ ንምፍላጥን ዕላማታቱ ንምርዳእን ዝብል ዓሚቝ ድሌት እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረኽቡ እትኽእሉ ነዚ ድሌት እዚ እንተድኣ ኣማሊእኩምዎን ‘ሕጊ እግዚኣብሄር’ እንተድኣ ስዒብኩምን ጥራይ ኢዩ።
ሕጊ ኣምላኽ እንደልየሉ ምኽንያት
3. የሆዋ ‘ስጕምትና ከቕንዓልና’ ክንገድፎ ሕጕሳት ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ነብዪ ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” (ኤርምያስ 10:23) እዚ ኣብ ኵሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ሰባት ዝውዕል ኢዩ። ስጕምትና ከነቕንዓሉ እንኽእል ጥበብ: ተመክሮን ፍልጠትን ይጐድለና ጥራይ ዘይኰነስ: ከምኡ ንኽንገብር መሰል እውን የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 4:11 “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ይብል። የሆዋ ፈጣሪና ብምዃኑ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ኢዩ። (መዝሙር 36:9) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንህይወትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም ዘሎና ካባና ንላዕሊ ይፈልጥ ኢዩ። ሕጊ ዘውጽአ ምእንቲ ክንጥቀም ኢሉ ድኣ እምበር ሓጐስና ንኸጥፍኣልና ኢሉ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 48:17) ንሕጊ ኣምላኽ ሸለል እንተድኣ ኢልኩምዎ ግን ውድቀት ኢዩ ዝጽበየኩም።
4. ብዙሓት መንእሰያት ንህይወቶም ዘበላሽዉዋ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ንኣብነት ብዙሓት መንእሰያት ብሓሽሽን ጾታዊ ርኽሰትን ብኻልእ ነውራም ነገራትን ንህይወቶም ስለምንታይ የበላሽዉዋ ከም ዘለዉ ደንጽይኩምዶ ይፈልጥ፧ መዝሙር 36:1, 2 “ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን። ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ: በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ” ብምባል ትገልጽ። ብዙሓት መንእሰያት ጥዑይ “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ስለ ዘይብሎም ሓደገኛ ዝዀነ ጠባይ ሒዝካ ምምልላስ ምንም ሳዕቤን የብሉን ኢሎም ብምእማን ገዛእ ርእሶም ኣታሊሎም ኢዮም። ኣብ መወዳእትኡ ግን ነዚ ዝስዕብ ዘይልወጥ መሰረታዊ ስርዓት ክጋጠምዎ የድልዮም:- “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ . . . እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።”—ገላትያ 6:7, 8
‘መዓልትታት ምቝጻር’
5, 6. (ሀ) መንእሰያት ‘መዓልትታቶም ክቘጽሩ’ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም: እዚ ምግባርከ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ‘ንፈጣሪና ምዝካር’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
5 ንህይወትኩም ዕዉት ብምግባር ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትዓጽዱ’ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧ ሙሴ “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: ቀልጢፉ ይሐልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 90:10) ብዛዕባ ሞት ምናልባት ሓሲብኩም ኣይትፈልጡን ትዀኑ። አረ ብዙሓት መንእሰያትሲ ዘይሞቱ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ሙሴ ግን ነቲ ህይወት ሓጻር ምዃና ዝሕብር መሪር ተመክሮ ከም እነስተንትኖ ገይሩና ኣሎ። 70 ወይ 80 ንኽንነብር እውን ውሕስነት የብልናን። “ግዜን ኣጋጣምን” ንመንእሰያትን ጥዑያትን እውን ከይተረፈ ክቘርጾም ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 9:11) ስለዚ እምበኣር ነቲ ሕጂ እተስተማቕርዎ ዘሎኹም ክቡር ህይወት ብኸመይ ኢኹም ክትጥቀምሉ፧ ሙሴ “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና” ብምባል ጸለየ።—መዝሙር 90:12
6 መዓልትታትካ ምቝጻር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ዕድመኻ ክሳዕ ክንደይ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ብሓሳብ ክትወሓጥ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ሙሴ: የሆዋ ንህዝቡ ነቲ ዝተረፈ መዓልትታቶም ንዕኡ ክብሪ ከምጽእ ብዝኽእል መገዲ ብኸመይ ክጥቀምሉ ከም ዘለዎም ንኽምህሮም ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ክትጥቀሙላ ዘሎኩም ክብርቲ ሃብቲ ገይርኩም ብምርኣይ መዓልትታት ህይወትኩም ትቘጽሩዶ ኣሎኹም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ከምዚ ብምባል የተባብዖም:- “ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት እዩ እሞ: ስለዚ ጓሂ ካብ ልብኻ: ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቕ። . . . ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” (መክብብ 11:10-12:1) ንፈጣሪና ምዝካር ማለት ኣብ ህላወ ከም ዘሎ ዘይምርሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ። እቲ ዓመጸኛ ንየሱስ “ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ኢሉ ክልምኖ ኸሎ: ንየሱስ ስሙ ካብ ምዝካር ንላዕሊ ክገብረሉ ኢዩ ደልይዎ። ምእንትኡ ስጕምቲ ክወስድ: እወ ከተንስኦ ኢዩ ሓቲትዎ! (ሉቃስ 23:42፣ ምስ ዘፍጥረት 40:14, 23፣ እዮብ 14:13 ኣረኣእዮ።) ብተመሳሳሊ መገዲ ንየሆዋ ምዝካር ክበሃል ከሎ ስጕምቲ ምውሳድ: ባህ ዘብሎ ነገራት ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። ንየሆዋ ትዝክርዎ ኣሎኹም ክበሃልዶ ይከኣል ኢዩ፧
ብገበርቲ እከይ ኣይትቕንኡ
7. ገሊኦም መንእሰያት ንፈጣሪኦም ክርስዑ ዝመርጹ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣብነት ሃብ።
7 ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ከም ቀይዲ ገይሮም ስለ ዝቘጽርዎ ንየሆዋ ምርሳዕ ይመርጹ። ሓደ ኣብ ስጳኛ ዝነብር ሓው: ኰተቴ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እተሰምዖ ስምዒት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሓቂ ከም ከቢድን ተሪርን ኰይኑ ይርኣየኒ ስለ ዝነበረ: ብዓለም ተሳሒበ ኢየ። ኮፍ ምባል: ምጽናዕ: ንኣኼባታት ምኻድ: ክራባታ ምእሳር ከም ዝዀነ ይስምዓኒ ነበረ: እዚ ነገራት እዚ ምግባር ከኣ ኣየሐጕሰንን ኢዩ ነይሩ።” ንኣምላኽ ብምግልጋልኩም ካብ ብዙሕ ነገራት እተጠለኹም ኰይኑ ዝስምዓኩም ግዜያት ኣሎዶ፧ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ዝኣመሰለ ስምዒታት ይስምዖ ከም ዝነበረ ምፍላጥኩም የገርመኩም ይኸውን። በጃኻትኩም መጽሓፍ ቅዱስኩም ገንጺልኩም መዝሙር መበል 73 ኣንብቡ።
8. ኣሳፍ ‘ብደፋራት ዝቐንአ’ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 እስከ ነዛ መዝሙር እዚኣ ንመርምራ። ቍጽሪ 2ን 3ን ከምዚ ትብል:- “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል: ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲኣን ምስ ርኤኹ: ንደፋራት ቀናእኩሎም።” ቅድሚ እታ ቀዳመይቲ ቍጽሪ ዘሎ ጽሑፍ ከም ዝገልጾ እዛ መዝሙር እዚኣ ብኣሳፍ ኢያ ተጻሒፋ። ምስ ዳዊት ኣብ ሓደ እዋን ዝነብር ዝነበረ ሌዋዊ ወቓዕ ሙዚቃ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 25:1, 2፣ 2 ዜና መዋእል 29:30) ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ናይ ምግልጋል ሰናይ መሰል እኳ እንተ ነበሮ: በቶም ብዓመጻኦም ዝጀሃሩ ዝነበሩ ደፋራት ‘ቀንአ።’ ኵሉ ነገራት ዝሰልጦም ኢዩ ዝመስል ነይሩ፣ ሰላምን ድሕንነትን ዘስተማቕሩ ዝነበሩ ኢዮም ዝመስሉ። አረ እቲ ናይ ኣምሰሉ ዓወቶምሲ ‘ካብ ሓሳባት ልቦም ገንፊሉ’ ተራእዩ ኢዩ። (ቍጽሪ 5, 7) ብዛዕባ ተግባራቶም ብትዕቢት ተላዒሎም “ካብ ላዕሊ ይዛረቡ።” (ቍጽሪ 8) “ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉ: መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ።” እዚ ኸኣ ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ኣካል ክብሪ ዘይምርኣዮም የመልክት።—ቍጽሪ 9
9. ሎሚ ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት ከምቲ ናይ ኣሳፍ ስምዒት ዝሓድሮም ብኸመይ ኢዩ፧
9 እቶም ኣብ ቤት ትምህርትኹም ዘለዉ መንእሰያት እውን ምናልባት ከምዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ዓይነት ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብዛዕባ ጽዩፍ ጾታዊ ተግባራቶም: ቀይዲ በተኽ ድግሶም: ኣብ ኣልኮልን ሓሽሽን ፋሉል ምዃኖም ከይሓፈሩ ክጀሃሩ ትሰምዕዎም ትዀኑ። እቲ ባህታ ኣለዎ ዝብልዎ ኣነባብርኦም ምስቲ ንስኻትኩም ከም ክርስትያናት መጠን ክትመላለስሉ ዘሎኩም ጸቢብ መገዲ ከተነጻጽርዎ ከሎኹም ሓድሓደ ግዜ ‘ንደፋራት ትቐንኡሎም’ ትዀኑ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ኣሳፍ እውን ባዕሉ “ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ . . . እየ እሞ: እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ: ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ” ክሳዕ ምባል በጺሑ ኢዩ። (መዝ 73 ቍጽሪ 13, 14) እወ: ነቲ ንኣምላኽ ምግልጋልን ቅኑዕ ናብራ ምንባርን ዘለዎ ረብሓ ኣብ ሕቶ ከእትዎ ጀመረ።
10, 11. (ሀ) ኣሳፍ ናብ ልቡ ከም ዝምለስ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ገበርቲ እከይ “ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ” ኢዮም ዘለዉ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብነት ሃብ።
10 እቲ ዘሐጕስ ግን ኣሳፍ ኣብዚ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ኵነታቱ ንነዊሕ እዋን ኣይቀጸለን። እቲ ሰላማዊ ዝመስል ናብራ ናይቶም እኩያት መዐሸውን ግዝያውን ምዃኑ ቀልጢፉ ተረድኦ! ከምዚ ኸኣ በለ:- “ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም: ናብ ጥፍኣት ተውድቖም። ከመይከ ብድንገት ባደሙ: ጸነቱ: ብስምባድውን ተወድኡ።” (መዝ 73 ቍጽሪ 18, 19) ብዙሓት መዛንኹም እውን ብተመሳሳሊ “ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ” ኢዮም ዘለዉ። እቲ ኣምላኻዊ ፍርሃት ዘይብሉ ኣነባብርኦም ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ሓደጋ ከውድቖም ኢዩ: እዚ ድማ ምናልባት ዘይተደልየ ጥንሲ: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት: ማእሰርቲ ወይ ሞት እውን ከይተረፈ ከስዕበሎም ይኽእል ኢዩ! እቲ ዝኸፍአ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ኢዮም።—ያእቆብ 4:4
11 ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ህይወታ ተመኪራቶ ኢያ። መንእሰይ ከላ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ እናነበረት ፍርሃት ኣምላኽ ምስ ዘይብሎም ጕጅለ መንእሰያት ጥብቂ ርክብ ገበረት። ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ምስ ሓደ ካባታቶም—ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮ—ተፋቐረት። ብብሕታ ሓሽሽ ዘይትወስድ እኳ እንተ ነበረት: ንዕኡ ግን ትዕድገሉ ኢያ ነይራ። “ብመርፍእ ዝውሰድ ሓሽሽ ክጥቀም ከሎውን እወግኦ ነበርኩ” ብምባል ትእመን። እቲ ዘሐጕስ ግን እዛ ሓብቲ እዚኣ ናብ ልባ ተመሊሳ መንፈሳዊ ጥዕናኣ ኣሐደሰት። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ሓሽሽ ዘዘውትር ዝነበረ ዓርካ ብአይድስ ሙማቱ ምስ ሰምዐት ኣብራኻ ራዕራዕ በለ። እወ: ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት “ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ” ኢዮም ዘለዉ። ገሊኣቶም ብሰንኪ እቲ ዘሕለፍዎ ፋሉል ኣነባብራ ዘይተሓስበ ሞት ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣነባብርኦም እንተ ዘይለዊጦም ድሕሪ ቐረባ እዋን “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም” ከሎ ክጠፍኡ ኢዮም።—2 ተሰሎንቄ 1:7, 8
12. ሓደ ኣብ ጃፓን ዝነብር መንእሰይ ብገበርቲ እከይ ምቕናእ ዕሽነት ምዃኑ ክግንዘብ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧
12 በቶም ‘ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ’ ሰባት ክትቀንእሲ ክንደይ ዕሽነት ኰን ኢዩ! ብሓቂ ክርአ እንተድኣ ዀይኑ ኣነባብራ ናይቶም ንየሆዋ ዝፈልጥዎን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎምን ሰባት ኢዩ ከቕንእ ዝግባእ። ሓደ ኣብ ጃፓን ዝነብር መንእሰይ ነዚ ተገንዚብዎ ኢዩ። ከም መንእሰይ መጠን ንሱውን “ዝያዳ ሓርነት ደለየ።” ከምዚ ብምባል ከኣ ይገልጽ:- “ገለ ነገር ዝጐደለኒ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ጸኒሐ ግን ብዘይ ሓቂ ህይወተይ እንታይ ክትመስል ከም እትኽእል ተገንዘብኩ። 70 ወይ 80 ዓመታት ብህይወት ጸኒሐ ኣብ መወዳእታ ክመውት ከም ዝኽእል ይርድኣኒ ኢዩ። የሆዋ ግን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዓቚሩልና ኣሎ! ነዚ ምግንዛበይ ከኣ ነቲ ብሓቂ ዘሎኒ ነገር ንኸማስወሉ ሓገዘኒ።” ይኹን እምበር በቶም ሕግታት ኣምላኽ ዘይስዕቡ ሰባት ተኸቢብካ እሙን ኴንካ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። ነዚ ጸቕጥታት እዚ ክትቃወሞ ዘኽእለካ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
እትገብርዎ ምሕዝነት ተጠንቀቕሉ!
13, 14. ብምሕዝነት ዝመጸ መራጺ ምዃን ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ነቲ ኣብ መዝሙር 1:1-3 ተመዝጊቡ ዝርከብ ነቲ ዕዉት ሰብኣይ ተዋሂብዎ ዘሎ መግለጺ እንደገና ንርኣዮ:- “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም: ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ: ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።”
14 ቅድም ቀዳድም መሓዙትኩም ዓቢ ግደ ከም ዘለዎም ኣስተብህሉ። ምሳሌ 13:20 ከምዚ ትብለና:- “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” እዚ ክበሃል ከሎ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መንእሰያት ክትራኸቡ ከሎኹም ከበድቲ: ዘይምቕሉላት: ወይ ጸዋጋት ክትኰኑ ኣሎኩም ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ከነፍቅርን ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን’ ይላበወና ኢዩ። (ሮሜ 12:18፣ ማቴዎስ 22:39) ይኹን እምበር: ምስቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕቡ ሰባት ጥብቂ ምሕዝነት ትገብሩ እንተድኣ ዄንኩም ‘ብምኽሮም’ ክትመላለሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕሚ
15. መንእሰያት ባህጊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
15 እቲ ዕዉት ሰብኣይ ሕጊ ኣምላኽ ‘ለይትን መዓልትን እናመርመረ [“ድምጺ እናስምዐ:” NW ]’ ብምንባብ ሓጐስ ከም ዝረክብ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ተዓዚቡ ኢዩ። (መዝሙር 1:1, 2) ሓቂ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ቀሊል ኣይኰነን: “ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር” ከኣ ይርከቦ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:16) እንተዀነ ግን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሰልኪ ክኸውን የብሉን። ‘ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ [ቃል ኣምላኽ] ከም እትብህጎ’ ክግበር ይከኣል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:2) መዓልቲ መዓልቲ ሒደት ንምንባብ ፈትኑ። ዘይተረዳእኩምዎ ነጥብታት እንተድኣ ረኺብኩም ገለ ምርምር ግበሩ። ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብኩምዎ ኣስተንትኑ። (መዝሙር 77:11, 12) ኣቓልቦ ገይርኩም ምንባብ ዘሸግረኩም እንተድኣ ዀይኑ: ዓው ኢልኩም ‘ድምጺ እናስማዕኩም’ ከተንብቡ ፈትኑ። ድሕሪ ገለ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዘሎኩም ፍቕሪ እናዓበየ ክኸይድ ኢዩ። ኣብ ብራዚል እትነብር ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ኵሉ ግዜ የሆዋ ካባይ ዝርሓቐ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ሕጂ ግን ካብ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ጀሚሩ: ናይ ብሕቲ መጽናዕተይን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባበይን ተመሓይሹ ኢዩ። ሕጂ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ዝደልደለ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህያው ኣካል ገይረ እርእዮ ኣሎኹ።”
16. ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብኸመይ ኢና ብዝያዳ ክንጥቀም እንኽእል፧
16 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል እውን ንመንፈሳዊ ዕቤትኩም ኣድላዪ ኢዩ። ‘ኸመይ ገይርኩም ከም እትሰምዑ እንተድኣ ተጠንቂቕኩም’ ብዙሕ ምትብባዕ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። (ሉቃስ 8:18) ሓድሓደ ግዜ ኣኼባታት ብዙሕ ባህ ዘየብል ኰይኑዶ ይስምዓኩም ኢዩ፧ ንገዛእ ርእስኹም ከምዚ ኢልኩም ተወከስዋ:- ‘ነቲ ኣኼባታት ዘሐጕስ ንምግባሩ ብወገነይ እንታይ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፧ አቕልብ ድየ፧ እዳሎ ድየ፧ ሓሳባት እህብ ድየ፧’ ልዕሊ ዅሉ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ንሓድሕድና ንመዓዐድ [“ንተባባዕ:” NW ]” ኢሉ ይነግረና። (እብራውያን 10:24, 25) እዚ ንምግባር ክትሳተፉ ይግብኣኩም! ርግጽ ኢዩ ንምስታፍ ኣቐዲምኩም ከተጽንዑ ኣሎኩም። ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ “እንተድኣ ተዳሊኻ ኣብ ኣኼባታት ክትሳተፍ ብሓቂ ቀሊል ኢዩ” ብምባል ትእመን።
መገዲ ኣምላኽ ምስዓብ ናብ ዓወት ይመርሕ
17. ሓደ ትጉህ ኣንባቢ መጽሓፍ ቅዱስ ከምታ “ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም” ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
17 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ዕዉት ሰብኣይ ከምታ “ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም” ከም ዝዀነ ይገልጾ። ወሓዚ ማይ ነቲ ፍረታት ዘለዎ ኣግራብ ንምስታይ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ካናለታት የመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኢሳይያስ 44:4) መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ምንጪ ደገፍን ምሕዳስን ከም እተተሓሓዝካ ኢዩ ዝቝጸር። (ኤርምያስ 17:8) ንዘጋጥመኩም ፈተናታትን ሽግራትን ንምግጣም ዘኽእለኩም ሓይሊ መዓልቲ መዓልቲ ክትረኽቡ ኢኹም። ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እናፈለጥኩምዎ ምስ ከድኩም ድማ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ዘኽእለኩም ጥበብ ክትረኽቡ ኢኹም።
18. ሓደ መንእሰይ ንየሆዋ ከገልግል ከሎ ዕዉት ከም ዝኸውን ከረጋግጸሉ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
18 ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ምግልጋል ከቢድ መሲሉ ይርአ ይኸውን። ይኹን እምበር: ዘይትኽእልዎ ጾር ገይርኩም ኣይትውሰድዎ። (ዘዳግም 30:11) መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ዕላማኹም ንየሆዋ ባህ ምባልን ንልቡ ምሕጓስን እንተድኣ ዀይኑ መወዳእትኡ ‘እትገብርዎ ዅሉ ከም ዝሰልጠኩም’ ኣተስፍዩ ኣሎ! (ምሳሌ 27:11) በይንኹም ከም ዘይኰንኩም እውን ዘክሩ። ደገፍ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ኣሎኩም። (ማቴዎስ 28:20፣ እብራውያን 13:5) ዘጋጥመኩም ጸቕጥታት ይፈልጥዎ ኢዮም: ኣይክሓድግኹምን ከኣ ኢዮም። (መዝሙር 55:22) ኣብ ርእሲ እዚ: ደገፍ “ምሉእ ማሕበር ኣሕዋት” ኣሎኩም: ወለድኹም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም እንተድኣ ዀይኖም ከኣ ይድግፍኹም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:17 NW ) ምስቲ ዘሎኩም ቈራጽነትን ጻዕርን ተደሚሩ እዚ ደገፍ እዚ ንሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ዕዉት ህይወት እናኣስተማቐርኩም ክትነብሩ ከኽእለኩም ኢዩ!
ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት
◻ ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ ኢዩ፧
◻ የሆዋ ስጕምትና ከቕንዓልና እንደልዮ ስለምንታይ ኢና፧
◻ መንእሰያት ‘መዓልትታቶም ክቘጽሩ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ብገበርቲ እከይ ምቕናእ ዕሽነት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን ንመንእሰያት ዕዉት ህይወት እናኣስተማቐሩ ክነብሩ ክሕግዞም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት መንእሰያት ጥዑይ “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ስለ ዘይብሎም ኣብ ሕማቕ ጠባያት ኢዮም ዝጽመዱ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰያት እቲ ዝፍጽምዎ ተግባራት ሳዕቤን ከም ዘለዎ መብዛሕትኡ ግዜ ይርስዕዎ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ኣማዕብሉ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኣኼባታት ትሳተፉ እንተድኣ ኴንኩም ብዝያዳ ክትሕጐስሉ ኢኹም