መዝሙር
ሳልሳይ መጽሓፍ
(መዝሙር 73-89)
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
73 ኣምላኽ ንእስራኤል፡ ነቶም ንጹህ ዝልቦም ብሓቂ ሕያዋይ* እዩ።+
2 ኣነ ግና፡ ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን፣
ስጕምትታተይ ኬንደልህጻ ቐሪበን ነይረን።+
6 ስለዚ፡ ትዕቢት፡ ስልማት ክሳዶም እዩ፣+
ዓመጻ ድማ ከም ክዳን ይኸድኖም።
7 ብምኽንያት ብልጽግናኦም፡* ኣዒንቶም ጐልሓጣት እየን፣
ሓለፋ እቲ ሓሳባት ልቦም ይሰልጦም።
8 የላግጹ፡ ክፉእ ነገር ድማ ይዛረቡ።+
ብትዕቢት ከኣ ከም ዚጭቍኑ የፈራርሁ።+
9 ክሳብ ሰማይ ከም ዝበጽሑ ዀይኖም ይዛረቡ፣
ልሳናቶም ድማ ኳዕነን እናበለ ኣብ ምድሪ ይመላለስ።
10 ስለዚ፡ ህዝቡ ናባታቶም የላግስ፣
ካብ ብዙሕ ማዮም ከኣ ይሰቲ።
11 “ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧+
እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧” ይብሉ።
12 እወ፡ እዚኣቶም እቶም ወትሩ ሃዲኦም ዚነብሩ እኩያት እዮም።+
ሃብቶም ድማ ይውስኹ።+
13 ብርግጽ ኣነ ብኸንቱ እየ ልበይ ኣንጺሀ፡
ንኣእዳወይ እውን ብንጽህና ሓጺበ።+
ናብ ጥፍኣቶም ተውድቖም።+
19 ከመይ ኰን ብሃንደበት ባደሙ!+
ከመይከ ብድንገት ተወዲኦም ጸነቱ!
20 ኦ የሆዋ፡ ከምቲ ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ ዚርሳዕ፡
ንስኻ ምስ ተንሳእካ፡ ንምስሎም ትድምስሶ።*
22 ዘይሓስብን ደንቈሮን ነይረ፣
ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዓሻ እንስሳ ነይረ።
25 ኣብ ሰማያትሲ መን ኣሎኒ፧
ብዘይካኻ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።+
27 ብሓቂ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም።
ንዅሎም እቶም ብምንዝርና* ዚሓድጉኻ ኽትውድኦም* ኢኻ።+
ኵሉ ግብርታትካ ምእንቲ ኽነግርሲ፡
ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መዕቈብየይ ገይረዮ ኣለኹ።+