ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሓድሓደ ግዜ: ኣሕዋት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ክትመጽእ ኢሎም ክዛረቡ ወይ ክጽልዩ ንሰምዕ ኢና። እዚ ግን ቅኑዕ ዝዀነ ኣገላልጻ ድዩ፧
ብጽኑዕ ኣበሃህላ: ንኣመጻጽኣ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ገይርካ ክትገልጾ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን። መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት ኢያ። ስለዚ ድማ: ሃዋርያ ጳውሎስ “እግዚኣብሄር ኻብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ: ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽአቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን” ኢሉ ክጽሕፍ ክኢሉ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:18፣ ማቴዎስ 13:44፣ 1 ቈረንቶስ 15:50
እታ መንግስቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ኢያ ተመስሪታ: ናብታ እተመልሰት ገነታዊት ምድሪ ኰነ ወይ ናብ ካልእ ቦታ ድማ ፈጺማ ኣይክትቅየርን ኢያ። የሱስ ክርስቶስ ናይታ መንግስቲ ንጉስ ኢዩ። የሱስ ከም ንጉስ መጠን: ኣብ ልዕሊ መላእኽቲ ስልጣን ኣለዎ። ስለዚ ድማ: እቲ ናይ ግዝኣቱ ግቡእ ዝዀነ ቦታ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣምላኽ ኢዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማይ ይሓብርዎ።—ኤፌሶን 1:19-21፣ ራእይ 5:9, 10፣ 20:6
እዚ ግን ነቲ ኣብ ናይ ጐይታ ጸሎት ዘሎ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል ልማኖ ንኣምላኽ ከነቕርበሉ የብልናን ማለት ድዩ፧ (ማቴዎስ 6:10) ኣይኰነን: ከምኡ ኢልካ ምጽላይ ግቡእን ጌና ድማ ምሉእ ትርጕም ዘለዎን ኢዩ።
መንግስቲ ኣምላኽ ጌና ብሕጂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወሳኒ ዝዀነ ስጕምቲ ክትወስድ ኢያ: ስለዚ ድማ ክንጽሊ ከሎናን ነቲ ኣብ ናይ ጐይታ ጸሎት ዘሎ ቃላት ዝመሳሰል መግለጺታት ክንጥቀም ከሎናን ኣብ ኣእምሮና እዚ ኢዩ ዘሎ። ንኣብነት: ዳንኤል 2:44 እታ መንግስቲ ንዅሎም ኣህዛብ ከም እተጥፍኦምን ንግዝኣት እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ከም እትወስዶን ኣቐዲማ ከም ‘እትመጽእ’ ትዛረብ ኢያ። ራእይ 21:2 ድማ ብዛዕባ ምውራድ ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ትዛረብ ኢያ። ሓዳስ የሩሳሌም በቶም መርዓት ክርስቶስ ክዀኑ ዘለዎም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት ኢያ። ምስ የሱስ ኣብታ መንግስቲ መዋርስቱ እውን ኢዮም። ስለዚ ድማ ራእይ 21:2 ገጾም ናብ ምድሪ ከም ዝመልሱ: እዚ ድማ ንእሙናት ደቅሰብ ዓበይቲ በረኸታት ከም ዘምጽኣሎም ትገልጽ።—ራእይ 21:3, 4
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎን ካልእ ዘደንቕ ትንቢታትን ክሳዕ ዝፍጸም: ምስቲ “መንግስትኻ ትምጻእ” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት ተሰማሚዕካ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ምጽላይ ግቡእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እታ መንግስቲ ቃል ብቓሉ ናብዛ ፕላኔት ዝዀነት ምድርና ከም ዘይትመጽእ ክንዝክር ኣሎና። ናይታ መንግስቲ ምምሕዳር ኣብ ሰማይ ድኣምበር ኣብ ምድሪ ኣይኰነን ዝነብር።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ምድሪ:- ኣብ ናይ NASA ስእሊ እተመርኰሰ