-
‘ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምርካብ’ግምቢ ዘብዐኛ—2005 | 1 ለካቲት
-
-
‘ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምርካብ’
“መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ።”—ማቴዎስ 11:12
1, 2. (ሀ) የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሰሎ ምስላ እንታይ ሳሕቲ ዚርከብ ነገር እዩ ዝጠቐሰ፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ እዩ ዝበለ፧
ንኸተጥርዮ ኢልካ ዘሎካ ዅሉ እትኸፍለሉ ኣዚኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ ነገር ኣሎዶ፧ ሰባት ከም ገንዘብ: ዝና: ስልጣን: ወይ መዓርግ ዝኣመሰለ ሸቶታት ንምብጻሕ ውፉያት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ እኳ እንተዀኑ: ምእንቲ ሓንቲ ኣዝያ ኣድላዪት ነገር ኢሉ ዘለዎ ዅሉ ነገራት ዚህብ ሰብ ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይርከብን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ነዚ ሳሕቲ ዚርከብ ግን ከኣ ዜደንቕ ነገር እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ዜመራምር ምስላኡ ጠቒስዎ ኣሎ።
2 እዚ ምስላ እዚ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ዝነገሮም ኰይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። የሱስ ነዚ ኺገልጽ ከሎ “መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ: ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ” በለ። (ማቴዎስ 13:36, 45, 46) ንሰማዕቱ በዚ ምስላ እዚ ኣቢሉ እንታይ እዩ ኺምህሮም ደልዩ፧ ካብቲ እተዛረቦ ቓላትከ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧
ዕንቊ ዘለዎ ኽቡር ዋጋ
3. ብግዜ ጥንቲ ጽብቕቲ ዕንቊ ኣዝያ ኽብርቲ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧
3 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣዕናቝ ኸም ስልማት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። እቲ ፕሊኒ ዓብዪ ዚበሃል ሮማዊ ምሁር: ዕንቊ “ኻብ ኵሉ ነገራት እቲ ዝኸበረ” ምንባሩ ኸም ዝገለጸ ሓደ ምንጪ ይሕብር። ዕንቊ ኸም ወርቂ: ብሩር: ወይ ከም ካልእ ክቡር ኣእማን ዘይኰነትስ: ብህያዋን ፍጥረታት እያ እትዳሎ። እተወሰነ ዓይነት ኦስትሪካ ዚበሃል እንስሳ ባሕሪ: ጸጸር ኣብ ውሽጢ ኣትዩ ምስ ዚዅርኵሖ ኻብ ኣካላቱ ብዘውጽኦ ነገር ገይሩ ብምሽፋን ናብ ዕንቊ ኸም ዚቕይሮ ኣጸቢቑ ይፍለጥ እዩ። ጥንቲ እቲ ዝጸበቐ ዓይነት ዕንቊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ወሽመጥ ፋርስ: ከምኡውን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ይርከብ ስለ ዝነበረ: ካብ ምድሪ እስራኤል ርሒቑ እዩ ዚርከብ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ “ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ” ብምባል ነቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናገሸ ዚነግድ ነጋዳይ ዝጠቐሰ። ብሓቂ ኽብርቲ ዕንቊ ንምርካብ: ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዜድሊ።
4. ፍረ ነገር እቲ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናዞረ ዚነግድ ነጋዳይ ዝሃቦ ምስላ እንታይ እዩ፧
4 ጽቡቕ ዕንቊ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣዝዩ ኽቡር እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ ግን እቲ ብገንዘብ ዚኽፈሎ ዋጋ ኣይኰነን ኣገዳሲ ነጥቢ ዀይኑ እተጠቕሰ። የሱስ ኣብዛ ምስላ እዚኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክብርቲ ዕንቊ ጥራይ ኣይኰነን ኣመሳሲልዋ: የግዳስ ናብቲ ሓደ “ጽብቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ”ን ናብቲ ዚገብሮ ተግባራትን እውን ከም ዚትኰር እዩ ገይሩ። ብግዜ ጥንቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናዞረ ዚነግድ ነጋዳይ ፍሉይ ናይ ንግዲ ኽእለት ዘለዎ ሰብ ደኣ እዩ እምበር ተራ ብዓል ድኳን ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ነጋዳይ ንሓንቲ ዕንቊ ሓለፍ ዝበለት ዚገብራ ደቀቕቲ ነገራት ኪርኢ ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ዕንቊ ኺረክብ ከሎ ይፈልጣ: ብናይ ሓሶት ዕንቊ ኸኣ ኣይታለልን እዩ።
5, 6. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ነጋዳይ እንታይ ኢና ኸነስተውዕለሉ ዚግባእ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ ሕቡእ መዝገብ ዚገልጽ ምስላ ብዛዕባ እቲ ነጋዳይ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧
5 ብዛዕባ እዚ ነጋዳይ እዚ ሓደ ኸነስተውዕለሉ ዚግባእ ነገር ኣሎ። ሓደ ተራ ነጋዳይ መኽሰብ ዚረኽበሉ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ: ፈለማ ብዛዕባ ዋጋ እታ ዕንቊ ይምርምር። ቀልጢፉ ምእንቲ ኺሸጣ: ዓዳጊ ዚረኽበላ እንተ ዀይኑ እውን ይሓስብ። ብኻልእ ኣበሃህላ ነቲ ዘውጽኦ ገንዘብ ቀልጢፉ ኺመልሶ እዩ ዚደሊ እምበር: ነታ ዕንቊ ኺውንና ኣይኰነን ዚደሊ። እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ነጋዳይ ግን ከምዚ ኣይኰነን። ንዕኡ ዜገድሶ ነገር ገንዘብ ወይ መኽሰብ ኣይኰነን። አረ: ነታ ዝደልያ ነገር ንምውናን “ዘለዎ ዅሉ:” ማለት ኵሉ ጥሪቱን ንብረቱን እኳ ንምሃብ ድሉው እዩ ነይሩ።
6 በረኣእያ መብዛሕትኦም ነጋዶ: እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ሰብኣይ ዝገበሮ ነገር ስራሕ ዕሽነት እዩ። ብልሂ ነጋዳይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ኽሳራ ኼስዕብ ዚኽእል ንግዲ ኣይኣቱን እዩ። እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ነጋዳይ ግን ኣተሓሳስባኡ እተፈልየ እዩ። ዓስቡ መኽሰብ ዘይኰነስ: ሓንቲ ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ዘለዋ ነገር ብምጥራይ ዚርከብ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ነይሩ። እዚ ነጥቢ እዚ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስዚ ዚመሳሰል ምስላ ንጹር ኪኸውን ይኽእል እዩ። “መንግስቲ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ: ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ” በለ። (ማቴዎስ 13:44) እወ: ሓደ መዝገብ ካብ ምርካብን ካብ ምውናንን ዚርከብ ሓጐስ: ነቲ ሰብኣይ ዘለዎ ዅሉ ንኺሸይጥ ደረኾ። ኣብዚ ግዜና ኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣለዉዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ኪኽፈለሉ ዚግባእ መዝገብከ ኣሎዶ፧
ነቲ ኽቡር ዋጋ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርድእዎ ሰባት
7. የሱስ ነቲ ኽቡር ዋጋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኸም እተረድኦ ብኸመይ ኣርኣየ፧
7 የሱስ ነዚ ምስላ እዚ ኺዛረብ ከሎ: ብዛዕባ “መንግስተ ሰማያት” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ንሱ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ኽቡር ዋጋ ብርግጽ ተረዲእዎ ነይሩ። ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻባት ነዚ ሓቂ እዚ ይምስክር እዩ። ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተጠምቀ: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ: እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።” ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃሮም። ነታ ሃገር ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ዞራ: “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።”—ማቴዎስ 4:17፣ ሉቃስ 8:1
8. የሱስ: መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትፍጸም ንኼርኢ ኢሉ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
8 የሱስ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንሕሙማት ብምሕዋይ: ንዝጠመዩ ብምዕንጋል: ባህርያዊ ሓይልታት ብምእዛዝ: ምዉታት ብምትንሳእ: ከምኡውን ሓያሎ ኻልእ ተኣምራት ብምግባር: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም እትፍጽም ኣርኣዮም። (ማቴዎስ 14:14-21፣ ማርቆስ 4:37-39፣ ሉቃስ 7:11-17) ኣብ መወዳእታ: ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሰማእት ኰይኑ ብሙማት ንኣምላኽን ንመንግስቱን ዘለዎ ተኣማንነት ኣመስከረ። ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ንምርካብ ዘለዎ ዅሉ ዝሃበ: የሱስ ምሉእ ህይወቱ ንመንግስቲ ኣምላኽ እዩ ወፍዩ።—ዮሃንስ 18:37
9. እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ፍልይ ዝበለ ባህሪ እዮም ኣርእዮም፧
9 የሱስ ህይወቱ ጥራይ ኣይኰነን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተተኵር ዝገበረ: የግዳስ ዚስዕብዎ ጕጅለ እውን ኣኪቡ እዩ። እዚኣቶም እውን ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ኽቡር ዋጋ ኣጸቢቖም እተረድኡ ውልቀ-ሰባት እዮም ነይሮም። ካባታቶም እቲ ኣቐዲሙ ወደ መዝሙር ዮሃንስ መጥምቕ ዝነበረ እንድርያስ ይርከቦም። እንድርያስን ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ዮሃንስን—ሓደ ኻብ ደቂ ዘብዴዎስ እዩ ዚኸውን—ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ “ገንሸል ኣምላኽ” ምዃኑ ኺምስክር ከሎ ምስ ሰምዕዎ: ብኡንብኡ ንየሱስ ሰዓብዎ: ኣመንቲ ኸኣ ኰኑ። እቲ ጕዳይ ግን ኣብኡ ኣየብቅዐን። ብኡንብኡ እንድርያስ ናብ ስምኦን ሓዉ ኸይዱ “ንመሲህ ረኺብናዮ” በሎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ስምኦን (እቲ ጸኒሑ ኬፋ ወይ ጴጥሮስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ) ከምኡውን ፊልጶስን ናትናኤል ዓርኩን: የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ ፈለጡ። አረ ናትናኤል እሞ ኸኣ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ ንኺዛረብ እውን ተደሪኹ እዩ።—ዮሃንስ 1:35-49
ስጕምቲ ኺወስዱ ተደረኹ
10. የሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ንፈለማ ኻብ እተራኸበሉ ግዜ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧
10 እንድርያስ: ጴጥሮስ: ዮሃንስ: ከምኡውን ካልኦት ነቲ መሲህ ምስ ረኸብዎ እተሰምዖም ሓጐስ: ምስቲ እቲ ነጋዳይ ነታ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸባ እተሰምዖ ሓጐስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ድሕርዚ እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ ንየሱስ ፈለማ ምስ ረኸብዎ ብኡንብኡ እንታይ ከም ዝገበሩ ወንጌላት ኣይነግረናን እዩ። መብዛሕትኦም ናብ ንቡር ህይወቶም ተመሊሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ድሕርዚ መንፈቕ ወይ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ግን የሱስ ኣብቲ ዚሰርሑሉ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እንደገና ምስ እንድርያስን ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብ ሓውን ተራኸበ።a ምስ ረኸቦም: “ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ: ንዑ ስዐቡኒ” በሎም። እንታይ ምላሽከ ሃቡ፧ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ብዛዕባ ጴጥሮስን እንድርያስን “ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ” ይብል። ብዛዕባ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ “ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም: ብኡብኡ ሰዐብዎ” ዚብል ነንብብ። ኣብ ሉቃስ ዚርከብ ጸብጻብ ድማ “ንዅሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ” ይብል።—ማቴዎስ 4:18-22፣ ሉቃስ 5:1-11
11. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዘቕረበሎም ጻውዒት ብቕልጡፍ ኪቕበሉ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧
11 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝወሰድዎ ቕልጡፍ ስጕምቲ ብታህዋኽ እተገብረ ውሳነ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን! ምስ የሱስ ፈለማ ድሕሪ ምርኻቦም ናብቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም እኳ እንተ ተመልሱ: እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኣብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ዓሚቝ ጦብላሕታ ኸም ዝሓደገሎም ኣየጠራጥርን እዩ። ድሕርዚ ዓመት ዚኸውን ምሕላፉ ነዚ ጕዳይ እዚ ንኼስተንትኑሉ እኹል ግዜ ሂብዎም እዩ። ቀጺሎም ውሳነ ዚገብሩሉ እዋን ኣኸለ። ከምቲ ብዋጋ ዘይትሽነን ዕንቊ ምስ ረኸበ ኣዝዩ እተሓጐሰ እሞ ብቕልጡፍ “ከይዱ” ነታ ዕንቊ ዝዓደገ ነጋዳይ ስጕምቲ ይወስዱ ደዀን ይዀኑ፧ እወ። እቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ነገራት ንልቦም ኣለዓዓሎ። ስጕምቲ ዚወስዱሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ፈለጡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ከምቲ እቲ ጸብጻብ ዚሕብረና: ከይተወላወሉ ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብቲ የሱስ ኰኑ።
12, 13. (ሀ) ንየሱስ ዝሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት እንታይ ምላሽ እዮም ዝሃቡ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዩ ዝበለ: እቲ ዝበሎኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧
12 እዞም እሙናት እዚኣቶም ካብቶም ጸኒሖም ኣብ ወንጌል እተጠቕሱ ገሊኦም ሰባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ዀን እዮም ነይሮም! የሱስ ንሓያሎ ሰባት እኳ እንተ ኣሕወየን እንተ መገበን: ንሳቶም ግን ናብ ጕዳዮም እዮም ከይዶም። (ሉቃስ 17:17, 18፣ ዮሃንስ 6:26) አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ ኪስዕብዎ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም እኳ ንኺሓድጎም ለሚኖምዎ እዮም። (ሉቃስ 9:59-62) የሱስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ሰዓብቱ ግን “ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ [“ይቀዳደሙላ” ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ] አለዉ” በለ።—ማቴዎስ 11:12
13 እተን “ትደፍእ:” “ደፋእቲ” ዚብላ ቓላት ንምንታይ የመልክታ፧ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እታ እዘን ቃላት እዚኣተን እተወስዳላ ናይ ግሪኽ ግሲ “እታ ግሲ እቲኣ ሓያል ጻዕሪ ምግባር ተመልክት” ትብል። ሃይንሪኽ መየር ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከኣ እታ ጥቕሲ እቲኣ ‘ነታ እትቐርብ ዝነበረት መሲሓዊት መንግስቲ ንምስዓብ ከይተሓለልካ ብሃንቀውታ ዚግበር ጻዕርን ገድልን ከም እትገልጽ: ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዚህሉ ውዕዉዕን ሓያልን ተገዳስነት’ ከም እተንጸባርቕ ገሊጹ ኣሎ። እዞም ሒደት ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነቲ ብሓቂ ኽቡር ነገር ፈለጡ: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ዘለዎም ኵሉ ኺሓድጉ ፍቓደኛታት ኰኑ።—ማቴዎስ 19:27, 28፣ ፊልጲ 3:8
ካልኦት ኣብ ምድላይ ሓበሩ
14. የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘዳለዎም ብኸመይ እዩ: እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧
14 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንሰባት ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኣሰልጢንዎምን ሓጊዝዎምን እዩ። ፈለማ: ካብ ደቂ መዛሙርቱ 12 መሪጹ ሃዋርያቱ: ማለት ልኡኻቱ ገበሮም። ንዓታቶም ኣገልግሎቶም ብኸመይ ከም ዚፍጽሙ ዝርዝር መምርሒ ሃቦም: ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ጸገማትን ሽግራትን ድማ ኣጠንቀቖም። (ማቴዎስ 10:1-42፣ ሉቃስ 6:12-16) ኣብቲ ዚቕጽል ክልተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን እዋን ኣብቲ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዚገብሮ ዝነበረ ስብከት የሰንይዎ ነበሩ: ምስኡውን ጥብቂ ርክብ ነበሮም። ዘረባኡ ይሰምዑ: ተኣምራቱ ይርእዩ: ዝገደፈሎም ኣብነት እውን ይዕዘቡ ነበሩ። (ማቴዎስ 13:16, 17) እዚ ዅሉ ውሽጦም ኣጸቢቑ ስለ ዝተንከፎም: ከምቲ እቲ ነጋዳይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣትን ብምሉእ ልቦምን ይስዕቡ ነበሩ።
15. የሱስ ንሰዓብቱ ብምንታይ ኪሕጐሱ እዩ ዝነገሮም፧
15 የሱስ ኣብ ርእሲ እቶም 12 ሃዋርያት “ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ: በብኽልተ ገይሩ ኸኣ: ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለአኾም።” ንዓታቶም እውን ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ፈተናታትን ጸገማትን ነገሮም: “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ” ኢሎም ንሰባት ኪነግሩ ድማ መምርሒ ሃቦም። (ሉቃስ 10:1-12) እቶም 70 ኸኣ “ጐይታይ: ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ” እናበሉ ብሓጐስ ናብኡ ተመልሱ። እቲ ዜገርም ግን የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀናኣት ብምዃኖም ካብኡ ዚዓቢ ሓጐስ እውን ከም ዚረኽቡ ገለጸሎም። “ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ: ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር: መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም: በዚ ኣይትተሐጐሱ” ድማ በሎም።—ሉቃስ 10:17, 20
16, 17. (ሀ) የሱስ ኣብታ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት እንታይ ኢሉ ነገሮም፧ (ለ) የሱስ እተዛረቦ ቓላት ንሃዋርያቱ እንታይ ሓጐስን መረጋገጽን ኣምጸኣሎም፧
16 ኣብታ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት: ማለት ብ14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ.: ነቲ ድራር ጐይታ ዚበሃል በዓል ኣቘመ: ነዚ ዝኽሪ ኼብዕሉ ድማ ኣዘዘ። በታ ምሸት እቲኣ: ነቶም ዝተረፉ 11 “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም።—ሉቃስ 22:19, 20, 28-30
17 እቶም ሃዋርያት ነዘን ቃላት እዚኣተን ካብ የሱስ ምስ ሰምዕወን ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓጐስን ዕግበትን ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ! ሰብ ኪረኽቦ ኻብ ዚኽእል ዘበለ ዝለዓለ ኽብርን ፍሉይ መሰልን ቀረበሎም። (ማቴዎስ 7:13, 14፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) ከምቲ እቲ ነጋዳይ ዝገበሮ: ንሳቶምውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምእንቲ ኺህቡ ኢሎም ንየሱስ ንምስዓብ ብዙሕ ነገር ሓዲጎም እዮም። እቲ ኽሳዕ ሽዑ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ኸኣ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነ ተነግሮም።
18. ካብቶም 11 ሃዋርያት ወጻኢ መን እዮም ካብታ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀሙ፧
18 እቶም በታ ምሸት እቲኣ ምስ የሱስ ዝነበሩ ሃዋርያት ጥራይ ኣይኰኑን ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀሙ። ብምሉኦም እቶም 144,000 ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግርማዊ ሰማያዊ መንግስቱ መጋዝእቱ ንምዃን ኣብቲ ኺዳን መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ፍቓድ የሆዋ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም . . . ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ: እናበሉ” ኺጭድሩ ኸለዉ ረኣየ። እዚኣቶም ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መንግስቲ እዮም።b—ራእይ 7:9, 10፣ 14:1, 4
19, 20. (ሀ) ንዅሎም ኣህዛብ እንታይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየነይቲ ሕቶ ኢና መልሲ እንረኽበላ፧
19 የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ: ንእሙናት ሰዓብቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” በሎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) በዚ ኸምዚ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ህዝቢ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኰኑ። ከምቲ እቲ ነጋዳይ ነታ ጽብቕቲ ዕንቊ ንምጥራይ ዘለዎ ዅሉ ዝኸፈለ: እዚኣቶም እውን ሰማያዊ ዀነ ምድራዊ ዓስቢ ይሃልዎም ብዘየገድስ: ልቦም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።
20 የሱስ እተዛረቦ ቓላት እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም” ኪቕጽል ምዃኑ ይሕብር። ስለዚ: ኣብዚ ግዜና ኸምቲ ነጋዳይ ዝኣመሰሉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስዓብ ዘለዎም ኵሉ ኺህቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ኣለዉዶ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክትምለስ እያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዮሃንስ ወዲ ዘብዴዎስ ምስ የሱስ ንፈለማ ድሕሪ ምርኻቡ: ንየሱስ ስዒብዎን ገለ ኻብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ነገራት ርእዩን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ወንጌሉ ብንጹር ንኺምዝግቦ ኣኽኣሎ። (ዮሃንስ ምዕራፍ 2-5) ይኹን እምበር: የሱስ ጻውዒት ቅድሚ ምቕራቡ ናብ ስድራኡ ተመሊሱ ዓሳ ኣብ ምግፋፍ ተዋፊሩ ነበረ።
b ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 10 ተወከስ።
-
-
ሎሚ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ምስዓብግምቢ ዘብዐኛ—2005 | 1 ለካቲት
-
-
ሎሚ ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ምስዓብ
“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14
1, 2. (ሀ) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧ (ለ) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ግቡእ ምርዳእ ምእንቲ ኺህልዎም የሱስ እንታይ ገበረ: እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧
የሱስ ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን: ኣይሁድ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓያል ተገዳስነት ነበሮም። (ማቴዎስ 3:1, 2፣ 4:23-25፣ ዮሃንስ 1:49) ፈለማ ግን ግዝኣታ ኽሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑን ስልጣና ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም። ሰማያዊት መንግስቲ ኸም እትኸውን እውን ኣይፈለጡን ነይሮም። (ዮሃንስ 3:1-5) ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ እውን ከይተረፉ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነት ወይ ምስ ክርስቶስ ገዛእቲ ንምዃን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም።—ማቴዎስ 20:20-22፣ ሉቃስ 19:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6
2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምስዓብ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ብምሕባር ብዓቕሊ ሓያሎ ትምህርትታት መሃሮም። ኣብቲ ትምህርትታቱ ኸምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ ጠቐሰ። (ማቴዎስ 6:33፣ 13:45, 46፣ ሉቃስ 13:23, 24) ከምቲ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብንጹር ዚሕብሮ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚሰብኩ ዘይደኽሙን ተባዓትን ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ስለ ዘርኣዩ: እቲ የሱስ ዝመሃሮም ትምህርቲ ልቦም ተንኪፍዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ቈሎሴ 1:23
3. የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዚፍጸም ነገር እንታይ በለ፧
3 ሎሚኸ፧ ብዛዕባ በረኸታት እታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትህሉ ገነታዊት ምድሪ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ይስበኽ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” ኣብ እተነበዮ ኣገዳሲ ትንቢት: ፈልዩ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 14፣ ማርቆስ 13:10) እዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን ከቢድ ዕንቅፋታትን ጸገማትን: ሕሉፍ ሓሊፉውን መስጐጕቲ ኸም ዜጋጥም ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር: “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ብምባል መረጋገጺ ሃበ። (ማቴዎስ 24:9-13) ነዚ ዅሉ ተዓጊስካ ንምሕላፍ ከምቲ እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ እተጠቕሰ ነጋዳይ ዘርኣዮ: ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ተወፋይነትን ይሓትት። ኣብዚ ግዜና ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምስዓብ ዝመጸ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት እምነትን ቅንኣትን ዜንጸባርቑ ሰባት ኣለዉዶ፧
ሓቂ ምርካብ ዜምጽኦ ሓጐስ
4. ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ሎሚ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኣለዋ፧
4 እቲ የሱስ ኣብ ምስላኡ ዝጠቐሶ ነጋዳይ “ክብርቲ ዕንቊ” ምስ ረኸበ ተሓጐሰ። እቲ ሓጐስ እቲ ኸኣ ነታ ዕንቊ ንምጥራይ ዚከኣሎ ዅሉ ንኺገብር ደረኾ። (እብራውያን 12:1) ሎሚ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ዚገልጽ ሓቂ ንሰባት ይስሕቦምን ይድርኾምን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓው ኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን ንኣምላኽን ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማን ንምፍላጥ ብብሕቱ ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣብታ ፈይዝ ኦን ዘ ማርች ዘርእስታ መጽሓፉ ዝጸሓፎ ነገር እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብታ መጽሓፉ ኸምዚ በለ:- “እዚ ዝረኸብክዎ ነገር በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ዓዓመት ይረኽብዎ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ኵሉ ብሄራትን ዓሌታትን ደረጃ መነባብሮን ክሊ ዕድመን ዝመጹ ብምዃኖም: ከማኻን ከማይን ዝኣመሰሉ ሰባት እዮም። ሓቂ ኣይተዳሉን እያ። ንዅሎም ሰባት እያ እትስሕብ።”
5. ኣብቲ ጸብጻብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዚርአ፧
5 እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት እዚኣተን ሓቅነተን ዓመት ንዓመት ይርአ ኣሎ። በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት በቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተደሪኾም ህይወቶም ንየሆዋን ፍቓዱ ንምግባርን ይውፍዩ ኣለዉ። ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት: ማለት ካብ መስከረም 2003 ክሳዕ ነሓሰ 2004 ዝነበረ እዋን እውን ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። ኣብተን 12 ወርሒ 262,416 ሰባት ብማይ ብምጥማቕ ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ኣርኣዩ። እዚ ኸኣ ኣብ 235 ሃገራት ኪፍጸም ከሎ: ኣብአን ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ደረጃ ህይወት ንዚርከቡ ኸምኡውን ካብ ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ንእተዋጽኡ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ህይወት ዚህብ ሓቂ ኺረኽቡ ንምሕጋዝ 6,085,387 ዚኣክል ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰሰሙን ይመርሑ ኣለዉ።—ራእይ 7:9
6. ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቀጻሊ ወሰኽ ኪህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧
6 እዚ ዅሉ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሕቦም ከም ዘሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ዮሃንስ 6:65) ይኹን እምበር: እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምስዓብ ዝመጸ ንርእሶም ከይሰስዑን ደኺመ ኸይበሉን ዚጽዕሩ ሰባት ዘርኣይዎ መንፈስ ግን ዕሽሽ ዚበሃል ኣይኰነን። ሓው ማክሚላን ወዲ 79 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ብዛዕባ እቲ ንዝሓመሙን ንዝሞቱን ደቅሰብ እተኣትወሎም መብጽዓታት ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ዝፈለጥኩሉ እዋን ኣትሒዘ: እቲ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ተስፋ ኣይሃሰሰን። ነቶም ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰሉ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ጽቡቕ ዕላማታትን ኪፈልጡ ዚደልዩ ሰባት ምእንቲ ኽሕግዝ: ሽዑ ንሽዑ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ዝያዳ ኽፈልጥ ቈረጽኩ” በለ።
7. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዚረኽቡ ሰባት ዚስምዖም ሓጐስን ውዕዉዕ ስምዒትን ዜንጸባርቕ እንታይ ተመክሮ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
7 እዚ ሃንቀውታ እዚ ኣብቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ተራእዩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ቭየና: ኣውስትርያ እትርከብ ዳንኤላ ዝበለቶ እስከ ንርአ:- “ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዙ: ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ዓርከይ እዩ። ንዓይ ‘ኣምላኽ’ ከም ግኡዝ ስለ ዝዀነኒ ግን ወትሩ ስሙ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ። ጓል 17 ዓመት ክሳዕ ዝኸውን ግን ክጽበ ነበረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹ። ኵሉ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጦ ዝደልዮ ነገራት ገለጹለይ። ኣብ መወዳእታ: ነታ ሓቂ ረኸብክዋ: እዚውን ኣዝዩ ዜደንቕ ነበረ! ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ ንዅሉ ሰብ ክሰብኽ ጀመርኩ።” እቲ ውዕዉዕ መንፈሳ ግን ካብ መማህርታ ጸርፊ ኣስዓበላ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ በለት:- “የሱስ ንሰዓብቱ ምእንቲ ስሙ ኸም ዚጽልኡን ከም ዚስጐጉን ስለ ዝነገሮም: እዚ ነገራት እዚ ንዓይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ኸም ምርኣይ እዩ ነይሩ። ኣዝየ ተሓጐስኩን ተደነቕኩን።” ነዊሕ ከይጸንሐት ዳንኤላ ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ተጠምቀት: ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግል ድማ ሸቶ ኣውጽአት። ምስ ተመርዓወት: ምስ ሀልሙት ሰብኣያ ዀይና ነቶም ኣብ ቭየና ዚርከቡ ኣፍሪቃውያን: ቻይናውያን: ፊሊፒናውያን: ከምኡውን ህንዳውያን ክትሰብከሎም ጀመረት። ሕጂ ዳንኤላን ሀልሙትን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
ተስፋ ኣይቈርጹን እዮም
8. ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ንመንግስቱ ዘለዎም ተኣማንነትን ዘርኣዩሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
8 ሚስዮናውነት ሓደ ኻብቲ ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ንመንግስቱ ዘለዎም ተኣማንነትን ዘርእዩሉ መገድታት እዩ። እቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ዚሳተፉ: ከምቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ነጋዳይ: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ርሑቕ ቦታታት ንኺጐዓዙ ፍቓደኛታት እዮም። ልክዕ እዩ: እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ኣይኰኑን ዚጓዓዙ: የግዳስ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ንዚርከቡ ሰባት ብምምሃርን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ብምሕጋዝን ንኻልኦት እዮም ዜብጽሑሎም ዘለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከቢድ ጸገማት ብትዕግስቲ የሕልፉ እዮም። እታ ትዕግስቶም ግን ብዙሕ ዓስቢ ኣለዋ።
9, 10. ኣብ ከም ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝኣመሰለ ርሑቕ ቦታታት ዚርከቡ ሚስዮናውያን እንታይ ዜሐጕስ ተመክሮታት እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ፧
9 ንኣብነት: እታ ዓሚ 16,184 ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝነበርዋ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እስከ ንውሰድ። እዚ ቝጽሪ እዚ ሸውዓተ ዕጽፊ እቶም ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል እታ ሃገር ኤለክትሪክ ስለ ዘየለ: ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኦም ኰይኖም እዮም መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዚፍጽሙ። ኣብኡ ዘለዉ ሚስዮናውያን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ኰይኖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ መጽናዕቲ ምግባር እኹል ብርሃንን ዝሕል ዝበለ ኣየርን ንምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ: ካልእ ረብሓ እውን ኣለዎ። ኣብታ ሃገር ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ይፈትውዎ እዮም: ብዛዕባ ሃይማኖት ምዕላል ልሙድ ነገር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓለፍቲ መገዲ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ: ኣብቲ መጽናዕቲ ይጽምበሩ።
10 ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ግዳም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ከሎ: ሓደ ኣብ ስግር እቲ መገዲ ዚነብር መንእሰይ መጸ እሞ እቲ ሚስዮናዊ ቕድሚኡ ኺበጽሖ ኸም ዘይመጾ ድሕሪ ምግላጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃር ከም ዚደሊ ገለጸሉ። እቲ ሚስዮናዊ ተሓጒሱ ነቲ ዝደለዮ ፈጸመሉ: እቲ መንእሰይ ከኣ ቅልጡፍ ዕቤት ይገብር ኣሎ። ብዘይካዚውን: ኣብታ ሃገር እቲኣ ፖሊስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መገዲ ዓሰርተ ሳዕ ደው የብልዎም እዮም። ከምዚ ዚገብሩ ግን መጸዋዕታ ወረቐት ንኺህብዎም ወይ ንኪቐጽዕዎም ዘይኰነስ: ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምእንቲ ኺህብዎም ወይ ሓንቲ ብዙሕ ዝፈተዉዋ ዓንቀጽ ጠቒሶም ንኼመስግንዎም ኢሎም እዮም።
11. ንነዊሕ ግዜ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ክርስትያናት ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ከመይ ይስምዖም፧
11 መብዛሕትኦም ካብቶም 40 ወይ 50 ዓመት ይገብር ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ዝጀመሩ: ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። እዝስ ንዅላትና ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣብነት እምነትን ጽንዓትን ኰን እዩ! ኣብ ዝሓለፈ 42 ዓመት ኣብ ሰለስተ እተፈላለያ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ሰብኣይ “ጸገማት ነይሩና እዩ። ንኣብነት: ን35 ዓመት ምስ ዓሶ ተቓሊስና ኢና። ኰይኑ ግን: ሚስዮናውያን ክንከውን ዝገበርናዮ ውሳነ ኣጣዒሱና ኣይፈልጥን” በለ። እታ ሰበይቲ እውን “ወትሩ ብዙሕ እነመስግነሉ ነገራት ነይሩና እዩ። ኣገልግሎትና ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ: ብቐሊሉ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። እቶም ተመሃሮ ናብ ኣኼባታት ኪመጹን ንሓድሕዶም ኪፋለጡን ክትርእዮም ከለኻ: ኵሉ ሳዕ ኣብ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ከም ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ” በለት።
‘ኵሉ ኸም ወጽዓ ይቘጽርዎ’
12. ሓደ ሰብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ሓቂ ሞሳ ብኸመይ የርኢ፧
12 እቲ ነጋዳይ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ: “ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ።” (ማቴዎስ 13:46) ነቲ ኽቡር ነገራት ኣሕሊፉ ንምሃብ ዘርኣዮ ፍታው: ኣብቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣኽቢሮም ዚርእይዋ ሰባት ዚርአ ባህሪ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ኻብቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ክብሪ መንግስቱ ዚሓብሩ ብምዃኑ “ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ: ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” በለ።—ፊልጲ 3:8
13. ሓደ ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ ዚነብር ውልቀ-ሰብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ኣርኣየ፧
13 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ሰባት በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ለውጢ ኺገብሩ ፍቓደኛታት እዮም። ንኣብነት: ኣብ ጥቅምቲ 2003 ሓደ ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ ዚነብር ወዲ 60 ዓመት ርእሰ-መምህራን ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ረኸባ። ምስ ኣንበባ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺምራሓሉ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡንብኡ ረኸቦም። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ። ነቲ ኸንቲባ ንምዃን ከምኡውን ኣባል ባይቶ ንኪኸውን ውድድር ንምግባር ዝነበሮ መደብ ደኣኸ እንታይ ገበሮ፧ ንዕኡ ሓዲጉ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ወሰነ። “ነቶም ዝምህሮም ሰባት ብዙሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከበርክተሎም ከኣልኩ” በለ። ኣብ ሓምለ 2004 ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብማይ ብምጥማቕ ህይወቱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ ኣርኣየ።
14. (ሀ) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዩ ደሪኽዎም፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍና ንርእሱ እንታይ ረዚን ሕቶታት እዩ ኺሓትት ዚኽእል፧
14 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብተመሳሳሊ መገዲ ምላሽ ሂቦም እዮም። ካብዛ እክይቲ ዓለም ወጺኦም: ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጦም: ንፈተውቶም ሓዲጎም: ዓለማዊ ሸቶታቶም ድማ ገዲፎም እዮም። (ዮሃንስ 15:19፣ ኤፌሶን 4:22-24፣ ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ነዚ ዅሉ ዝገበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ካብቲ እዚ ኣገባብ እዚ ዜቕርበሎም ዚበልጽ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ እዮም። ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ይስምዓካዶ፧ ኣነባብራኻ: ስርዓታትካ: ከምኡውን ሸቶታትካ ምስቲ የሆዋ ዚደልዮ ንምስምማዕ ኣድላዪ ለውጢ ኽትገብር ትድረኽ ዲኻ፧ ከምኡ ምግባርካ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ።
እቲ ቐውዒ ዚዛዘመሉ እዋን ይኣክል ኣሎ
15. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም ዚገብሩ እዩ ብትንቢት እተነግረ፧
15 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ” በለ። ካብቶም ፈትዮም ዝመጹ ሰባት ‘ከም ኣውሊ ዝኣመሰሉ መንእሰያትን’ “ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ” ዝዀና ኣንስትን ይርከብዎም። (መዝሙር 68:11፣ 110:3) ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ: መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ: ኰታስ ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብትግሃትን ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእን ዝፈጸምዎ ዕዮ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧
16. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር እንታይ ጻዕሪ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ኣብነት ሃብ።
16 ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት መንግስቲ ኣምላኽ: እቶም ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ጽሙማን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚመሃሩ ኣተሓሳሰባ። (ኢሳይያስ 35:5) ኣብ ሓደ ምልክት ቋንቋ ዚምህር ትካል ድማ ተመዝገበት። ኣብኡ ኸኣ ንሓያሎ ጽሙማን ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮም ከኣለት: ድሕርዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ጕጅለ ቘመት። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ሓያሎ ሰባት ናብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኪመጹ ጀመሩ። ጸኒሓ እታ ፓይነር ኣብ ሓደ መርዓ ምስ ሓደ ብዙሕ ሕቶታት ዝነበሮ ኻብ ካልካታ ዝመጸ ጽሙም መንእሰይ ተራኸበት: ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንኺፈልጥ ድማ ሓያል ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። እንተዀነ ግን: ሓደ ዕንቅፋት ኣጋጠሞ። እቲ መንእሰይ ናይ ኮለጅ ትምህርቱ ንምጅማር ናብቲ 1,600 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ካልካታ ኺምለስ ነበሮ: ኣብኡ ኸኣ ናይ ምልክት ቋንቋ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ዝጀመሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕጽል: ብኽንደይ ጻዕሪ ነቦኡ ናብቲ ኣብ ባንግሎር ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ኼእትዎ ኣእመኖ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ህይወቱ ንየሆዋ ወፈየ። ንሱውን ብግዴኡ ንሓደ ኻብ ግዜ ቝልዕነቶም ዓርኩ ዝነበረን ንሓያሎ ኻልኦት ጽሙማንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሓሎም። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ህንዲ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ፓይነራት ንጽሙማን ውልቀ-ሰባት ምእንቲ ኺሕግዝዎም ናይ ምልክት ቋንቋ ኺመሃሩ ምድላዋት ይገብረሎም ኣሎ።
17. ካብቲ ኻብ ገጽ 19 ኽሳዕ 22 ዚርከብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት ጸብጻብ እንታይ ብፍላይ ዜተባብዕ ነገር ከም ዝረኸብካ ኣዘንቱ።
17 ካብ ገጽ 19 ኽሳዕ 22 እዛ መጽሔት እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት ዝገበርዎ ንጥፈታት ዚገልጽ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ክትረክብ ኢኻ። እተወሰነ ግዜ ወሲድካ መርምሮ: ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ሎሚውን ነታ “ኽብርቲ ዕንቊ” ኣብ ምስዓብ ከም ዜተኰሩ ኽትግንዘብ ኢኻ።
‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’
18. የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ነጋዳይ ዝገለጾ ምስላ እንታይ ሓበሬታ እዩ ዘይጠቐሰ: ስለምንታይከ፧
18 ናብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እቲ ነጋዳይ ሓንሳእ ምልስ ምስ እንብል: እቲ ነጋዳይ ዘለዎ ዅሉ ድሕሪ ምሻጡ ብኸመይ መነባብሮኡ ኸም ዚመርሕ የሱስ ከም ዘይገለጸ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት ‘እቲ ነጋዳይ ዋላ ሓንቲ ዘትረፎ ስለ ዘይብሉ ብኸመይ እዩ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ዚረክብ፧ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ ክትጠቕሞ እያ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ብስጋዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ እዚ ቕኑዕ ሕቶታት ኪመስል ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢልዎምዶ ኸይኰነ፧ (ማቴዎስ 6:31-33) እቲ ፍረ ነገር እታ ምስላ እቲኣ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ውፉያት ክንከውንን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቅንኣት ከነርእን ከም ዘሎና ንምሕባር እዩ። እሞ ደኣኸ ኻብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧
19. ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እታ ኽብርቲ ዕንቊ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧
19 ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ብስራት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝሰማዕና ወይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስዓብን በረኸታ ንሰባት ምንጋርን ካብ እንጅምር ነዊሕ ዝገበርና ንኹን ብዘየገድስ: ነታ መንግስቲ ቐዳማይ ቦታ ኽንህባ ኣሎና። እዚ ዘለናሉ እዋን ጽንኩር እዩ: እቲ እንስዕቦ ዘሎና ግን ከምታ እቲ ነጋዳይ ዝረኸባ ዕንቊ ብሓቂ ዚርከብን መወዳድርቲ ዘይብሉን እዩ። ፍጻመታት ዓለምን እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ከም እንነብር ዜእምን መርትዖ ይህበና እዩ። (ማቴዎስ 24:3) እምበኣር: ከምቲ ነጋዳይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቢ ዝመነጨ ቕንኣት ነርኢ: ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ብምኽኣልና ድማ ንተሓጐስ።—መዝሙር 9:1, 2
-