ማቴዎስ
10 ን12 ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽኡን ኵሉ ሕማምን ኵሉ ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሃቦም።+
2 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እዚ እዩ፦+ ቀዳማይ፡ እቲ ጴጥሮስ+ ተባሂሉ ዘሎ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን፡+ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፡+ 3 ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡+ ቶማስን+ ማቴዎስ+ እቲ ኣካብ ቀረጽን፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን፡ 4 ስምኦን እቲ ቐነናውን* እቲ ደሓር ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታውን።+
5 የሱስ ነዞም 12፡ ከምዚ ዚብል ትእዛዝ ሂቡ ለኣኾም፦+ “ናብ መገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ዝዀነት ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ፣+ 6 ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኪዱ።+ 7 ክትከዱ ኸለኹም፡ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ።+ 8 ሕሙማት ኣሕውዩ፡+ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ድዉያት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ። 9 ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ነሓሲ ዀነ፡ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትሓዙ።+ 10 ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡+ ንመገዲ ለቘታ ስንቂ፡ ወይ ክልተ ቐምሽ፡* ወይ ኣሳእን ወይ በትሪ ኣይትሓዙ።+
11 “ኣብ እትኣትውዎ ዘበለ ኸተማ ወይ ቍሸት፡ ኣብኡ እቲ ዚግብኦ መን ምዃኑ ድለዩ፣ ክሳዕ እትወጹ እውን ኣብኡ ተቐመጡ።+ 12 ናብ ቤት ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ሰላም በሉ። 13 እታ ቤት ዚግብኣ እንተ ዀይና፡ ሰላምኩም ይሕደራ፣+ ዘይግብኣ እንተ ዀይና ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14 እንተ ዘይተቐቢሎምኹም፡ ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖም፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።+ 15 ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን+ ኪቐልል እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
16 “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ መንጎ ተዃሉ እሰድደኩም ኣለኹ፣ እምበኣር፡ ጥንቁቓት ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።+ 17 ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፣ ንሳቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ+ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኣብ ምኵራባቶም+ ኪገርፉኹምን+ እዮም። 18 ንዓታቶምን ንኣህዛብን ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡+ ምእንታይ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ክትቀርቡ ኢኹም።+ 19 ኣሕሊፎም ምስ ዚህቡኹም ግና፡ እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺውሃበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ።+ 20 ከመይሲ፡ መንፈስ ኣቦኹም ደኣ እዩ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።+ 21 ሓው ንሓዉ፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ፣ ውሉዳት ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪልዓሉን ኬቕትልዎምን እዮም።+ 22 ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም፣+ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።+ 23 ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጒጎምኹም፡ ናብ ካልእ ህደሙ፣+ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ንኸተማታት እስራኤል ዜርኩም ከቶ ኣይክትውድእወንን ኢኹም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
24 “ተምሃራይ ካብ መምህሩ፡ ባርያ እውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን እዩ።+ 25 ተምሃራይ ከም መምህሩ፡ ባርያ እውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀይኑ፡+ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል*+ ካብ በልዎ፡ ንቤተ ሰቡ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሖም ዘይብልዎም፧ 26 እምበኣር፡ ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።+ 27 ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም፡ ኣብ ብርሃን ተዛረብዎ፣ ብሕሹዅሹዅ ዝሰማዕክምዎ፡ ኣብ ናሕስታት ኴንኩም ስበኽዎ።+ 28 ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ* ግና ኪቐትሉ ዘይክእሉ+ ኣይትፍርህዎም፣ የግዳስ፡ ነቲ ንነፍስን ንስጋን ኣብ ገሃነም*+ ኬጥፍእ ዚኽእል ፍርህዎ። 29 ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም* ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።+ 30 ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን። 31 እምበኣር፡ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።+
32 “ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚእመነለይ ኵሉ፡+ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመነሉ እየ።+ 33 ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚኽሕደኒ ዘበለ ግና፡ ኣነ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።+ 34 ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣ ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ ኸምጽእ እየ መጺአ።+ 35 ከመይሲ፡ ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ ሰበይቲ ወዲ ኻብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ መጺአ።+ 36 ንሰብ ከኣ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። 37 እቲ ኻባይ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዜፍቅር፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ፣ እቲ ኻባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር እውን፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።+ 38 ጕንዲ ስቅያቱ* ተቐቢሉ ዘይስዕበኒ ዘበለ፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።+ 39 እቲ ንነፍሱ* ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንነፍሱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ፡ ኪረኽባ እዩ።+
40 “እቲ ንዓኻትኩም ዚቕበለኩም፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።+ 41 እቲ ንነብዪ፡ ነብዪ ብምዃኑ ዚቕበሎ፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፣+ እቲ ንጻድቕ፡ ጻድቕ ብምዃኑ ዚቕበሎ ኸኣ፡ ዓስቢ ጻድቕ ይቕበል። 42 ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ፡ ወደ መዝሙር ብምዃኑ ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ እኳ ዜስቲ ዘበለ፡ ዓስቡ ኸቶ ኣይኪስእንን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”+