ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ክርስትያናት ዝገብርዎ ምቕባል ጋሻ
“እምብኣርስኸ: ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን: ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።”—3 ዮሃንስ 8
“ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን . . . እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።” (መክብብ 8:15) እቲ ናይ ጥንቲ እብራዊ ሰባኺ በዘን ቃላት አዘኣተን ገይሩ የሆዋ ኣምላኽ ሰብኣውያን ፍጡራቱ ሕጕሳት ክዀኑ ይደልዮም ጥራይ ዘይኰነስ: ክሕጐስሉ ዝኽእሉ መገዲ እውን ሂብዎም ኢዩ። ምሕጓስን ጽቡቕ እዋናት ምሕላፍን ኣብ መንጎ ሰባት ዝርአ ናይ ሓባር ነገር ምዃኑ ኣብ መሉእ ታሪኽ ወድሰብ ተራእዩ ኢዩ።
2 ሎሚ: ሰባት ደድሕሪ ደስታን ጽቡቕ ግዜ ምሕላፍን ዝጐይሉ: ደስታ እቲ ዝበለጸ ጽቡቕ ነገር ኢዩ ዝብል እምነት ኣብ ዝሓዘ ማሕበረሰብ ኢና እንነብር ዘሎና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ: ዝበዝሑ ሰባት “ፈተውቲ ገንዘብ . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1-4) እዚ ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ ዓሊምዎ ዝነበረ ኣዝዩ ዝረሓቐ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ። ጽቡቕ ግዜ ምሕላፍ እቲ ቀንዲ ዕላማ ምስ ዝኸውን: ወይ ርእስኻ ምዕጋብ እቲ እንኮ ሸቶ ገይርካ ምስ ዝተሓዝ: ናይ ሓቂ ዕግበት የብሉን: ከምኡውን “ኵሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ” ዝኸውን። (መክብብ 1:14፣ 2:11) በዚ ምኽንያት እዚ: ዓለም ጽምዋ ብዝስምዖምን ተስፋ ዝቘረጹን ሰባት አያ መሊኣ ዘላ: እዚ ድማ ብግዴኡ ናብቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ብዙሕ ግድላት ኣምርሐ። (ምሳሌ 18:1) ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዝጠራጠሩን ብዓሌት: ብቐቢላ: ብማሕበራዊ ናብራ: ከምኡውን ብቝጠባዊ መገዲ ከም ዝከፋፈሉን ዀይኖም ኣለዉ።
3 ነቲ የሆዋ ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብ ማለት ሕያዋይ: ለጋስ: ተቐባል ጋሻ ምዃን ሰባት እንተ ዝቐድሕዎስ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኰን ምዀነ ነይሩ! ንሱ ሓቀኛ ሓጐስ ንምርካብ እቲ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ገዛእ ርእስና ባህጊ ኣብ ምርዋይ እተመርኰሰ ከም ዘይኰነ ንጹር ገይርዎ ኣሎ። ኣብ ክንድኡስ: እቲ መፍትሕ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝብል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ንምርካብ: ነቲ ክዓግተና ዝኽእል ሓጹራትን ምክፍፋልን ከነሰንፎ ኣሎና። ነቶም ምሳና ኰይኖም ንየሆዋ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት ኣለናልኩም ክንብሎም ይግብኣና ነቲ “እምብኣርስኸ: ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽነከውን: ንሕና ነዞም ከመዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ” ዝብል ምኽሪ ከነቕልበሉ ኣድላዪ ኢዩ። (3 ዮሃንስ 8) ኵነታትና ከም ዘፈቀደልና ነቶም ዝግብኦም ምቕባል ጋሻ ምስ እንገብር ብኽልተ መገዲ ጠቓሚ ኢዩ—ነቲ ወሃብን ተቐባልን ዝጠቅም ኢዩ። እሞ ካብቶም ከም ኣጋይሽ ገይርና ክንቅበሎም ዝግብኣና ድኣ መን ኢዮም፧
‘ንዘኽታማትን መበለታትን ምብጻሕ’
4 ኣብዚ እዋን እዚ ርጉእ ስድራቤትን ሕጕስ ሓዳርን ሳሕቲ ኢዩ ዝርከብ። ኣብ መላእ ዓለም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፍትሕን ቍጽሪ ከይተመርዓዋ ዝወልዳ ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ዝነበረ ኦቦን ኣደን ቈልዑን ብሓንሳብ ናይ ምንባር ልምዲ ብቕጽበት ይልውጦ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት ዝበዝሑ ካብ እተበታተና ስድራቤታት ዝመጹ ኢዮም። ምስ ናይ መርዓ ብጻዮም ተፋቲሖም ወይ ተፈላልዮም ኢዮም። ወይ ድማ ኣብ ንጽል ወላዲ ዘለዎ ስድራቤታት ኢዮም ዝነብሩ። በተወሳኺ ከመቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ: እቲ ዘማሃሮ ሓቂ ንብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ምክፍፋል ኣብጺሑ ኢዩ።—ማቴዎስ 10:34-37፣ ሉቃስ 12:51-53፤
5 ሓደስቲ ሰባት ኣብ ሓቂ ክጸንዑ ክንርኢ ንልብና ዘምዉቕ ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ በቲ “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዘሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት: ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን: ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ዝበሎ ናይ የሱስ መተባብዒ ተስፋ ገይርና ነጸናንዖም ኢና።—ማርቆስ 10:29, 30
6 ይኹን እምበር እዞም ‘ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዴታትን ውሉዳትን’ ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣማእታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝቝጸሩ: ንገዛእ ርእሶም ድማ ኣሕዋትን ኣሓትን ተባሂሎም ዝጽዉዑ ብዙሓት ሰባት ምርኣይ ጥራይ ንሓደ ሰብ ብኡንብኡ ኣሕዋቱ: ኣሓቱ: ኣዴታቱ: ከምኡውን ውሉዳቱ ከም ዝዀኑ ክስምዖ ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ነጥቢ ሕሰበሉ:- ወደ መዝሙር ያእቆብ ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ንኽንረክብ ‘ርእስና ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎና: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጸበባኦም ክንበጽሕ’ ከም ዝግብኣና የዘኻኽረና። (ያቆብ 1:27) እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ሃብቲ ትዕቢት ከምኡውን ማሕበራዊ ደረጃ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ‘ዘኽታማትን መበለታትን’ ድንጋጽ ከም ዘይነርእዮም ክገብረና ከነፍቅደሉ የብልናን: ኣብ ክንድኡስ ብጻይነትናን ምቕባል ግሽነትን ንኸነርእዮም ተበግሶ ክንወስድ ኣሎና።
7 ‘ንዘኽታማትን መበለታትን’ ምቕባል ጋሻ ከነርእዮም ማለት ኵሉ ግዜ ነቲ ዝጐድሎም ስጋዊ ነገራት ምምላእ ዘጠቓልል ኣይኰነን። ንጽል ወላዲ ዘለወን ወይ ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራቤታት ግድነት ብቝጠባ እተጠቕዓ ኢየን ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ጥዑይ ሕብረት: ናይ ስድራቤት ሃዋሁ: ምስ እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ሰባት ሕውነት ምግባር: ከመኡውን መንፈሳዊ ሰናይ ነገራት ምክፋል ዝኣመሰሉ ዝዓበየ ዋጋ ዝወሃቦም ናይ ህይወት መዳያት ኢዮም። ስለዚ ድማ: እቲ ዘገድስ እቲ ኣጋጣሚ ክሳዕ ክንደይ ገፊሕ ምዃኑ ዘይኰነስ: እቲ ናይ ፍቕርን ሕብረትን መንፈስ ምዃኑ ብምዝካር: ሓድሓደ ግዜ ‘ዘኽታማትን መበለታትን’ እውን ከይተረፈ ንክርስትያናት ብጾቶም ምቕባል ጋሻ ክገብሩስ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!—ምስ 1 ነገስት 17:8-16 ኣረኣእዮ።
ኣብ መንጎና ወጻእተኛታት ኣለዉዶ፧
8 ህዝብታት ብጃምላ ዝስደድሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና። እቲ ዎርልድ ፕረስ ረቪው (እንግሊዝኛ) “ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሃገሮም ኣብ ዘይኰነ ቦታ ይነብሩ ኣለዉ: 23 ሚልዮን ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከለዉ ካብ ቦታኦም እተዘናበሉ ኢዮም” ይብል። ሓደ ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት: ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት: ሓደ ግዜ ዝበዝሕ ካብ ሓደ ዓሌት ወይ ዜግነት ዝመጹ ሰባት ሒዘን ዝነበራ ሕጂ ካብ እተፈላለየ ክፍሊ ናይ ዓለም ዝመጹ ሰባት ሒዘን ኣለዋ። ምናልባት እዚ ኣብቲ ዘሎኻዮ ቦታ እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ነዞም: ቋንቋኦም: ልምዶም: ከምኡውን ኣገባብ ኣነባብርኦም ካብ ናትና እተፈልየ ክኸውን ዝኽእል: ዓለም “መጻእተኛታት” ከምኡውን “ወጻእተኛታት” ኢላ እትጽውዖም ሰባት ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዝግብኣና፧
9 ብቐሊሉ ንምግላጽ: ዝዀነ ይኹን ንዘይትፈልጦ ሰብ ናይ ምጥርጣርን ናይ ምጽላእን ዝንባለታት: ንሕና ካብቶም ካብ ካልእ ሃገር ወይ ኣረማዊ ዝበሃል ሃገር ዝመጹ ሰባት ንላዕሊ ሓቂ ናይ ምፍላጥ መሰል ከም ዘሎና ኰይኑ ከም ዝስምዓና ክገብረና ከነፍቅደሉ የብልናን፣ ወይ ድማ እዞም ሓደስቲ ዝመጹ ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ንብረታት ኣጠቓቕማ ደረት ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ኰይኑ ክስምዓና የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ከምዚ ዝበለ ስምዒት ሒዞም ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ክፍለ-ዘበን ኣይሁድ ክርስትያናት ዋላ ሓደ ይግብኣኒ ኢዩ ክብል ከም ዘይክእል ከዘኻኽሮም ነበሮ፣ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ድሕነት ከም ዝረክብ ዝገብሮ እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (ሮሜ 3:9-12, 23, 24) እቲ ናይ ኣምላኽ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ነቶም ሓደ ግዜ ብእተፈላለየ ምኽንያት ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ምብጽሑ ክንሕጐስ ኣሎና። (1 ጢምቴዎስ 2:4) እቲ ንዕኦም ዘሎና ለውሃት ናይ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ ከነርእዮም ምኸኣልና፧
10 ነቲ “ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም: ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ክንስዕቦ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:7) ካብ ካልእ ሃገር ወይ እተፈልየ መበቈል ዝመጹ ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ውጹዓት ምዃኖም ብምግንዛብ ዝከኣለና ምስ ዝኸውን ሕያውነትን ሓልዮትን ከነርእዮም አሎና። ኣብ መንጎና ጽቡቕ ገይርና ክንቅበሎም: ንነፍሲ ወከፎም ከኣ “ከም ወዲ ዓዲ” ገይርና ክንርእዮም ከምኡውን ‘ከም ነፍስና ክንፈትዎም’ ኣሎና። (ዘሌዋውያን 19:34) እዚ ንኽትገብሮ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ዝብል ምኽሪ ምስ እንዝክሮ ክንዕወት ኢና።—ሮሜ 12:2
ንቕዱሳን ኣማቕሉ
11 ኣብ መንጎ እቶም ሓልዮትናን ምቕበል ጋሻን ብሓቂ ዘድልዮም እቶም ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ኢሎም ኣብርቲዖም ዝዓዩ ብሱላት ክርስትያናት ኢዮም። የሆዋ ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ፍሉይ ምድላው ገይሩሎም ነይሩ ኢዩ። (ዘሁልቍ 18:25-29) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እውን: ክርስትያናት ነቶም ብፍሉይ መገዲ ዘገልግልዎም ዝነበሩ ክሓልዩሎም ተተባቢዖም ኢዮም: እቲ ኣብ 3 ዮሃንስ 5-8 ዘሎ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበረ ጥብቂ ማእሰር ናይ ፍቕሪ ሓጺር ሓሳባት ይህበና ኢዩ።
12 እቲ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ: ነቲ ጋይዮስ ንገለ ካብቶም ነታ ጉባኤ ክበጽሑ እተላእኩ ገየሽቲ ኣሕዋት ዘርኣዮ ሕያውነትን ምቕባል ጋሻን ኣኽቢሩ ርእይዎ ኢዩ። ነዞም ኣሕዋት ኣዚኣቶም ንድሜጥሮስ—ምናልባት ነቲ ናይ ዮሃንስ መልእኽቲ ዘብጽሐ ክኸውን ዝኽእል—ሓዊስካ ጋይዮስ ኣቐዲሙ ኣይፈልጦምን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ምቕባል ጋሻ ተገይሩሎም ኢዩ ምኽንያቱ “ምእንቲ እቲ ስም [ናይ ኣምላኽ] . . . እዮም ዝወጹ።” ዮሃንስ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ገለጾ:-“እምበኣርስኸ: ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን: ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።”—3 ዮሃንስ 1, 7, 8
13 ሎሚ ኣብ ውሽጢ ማሕበር የሆዋ: ኣብ ክንዲ እቲ ምሉእ ሕብረት ኣሕዋት ኰይኖም ዝጽዕሩ ብዙሓት ኣለዉ። እዚ ነቶም ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ንጉባኤታት ክሃንጹ ኢሎም ግዜኦምን ጉልበቶምን ዘጥፍኡ ገየሽቲ ተዓዘብቲ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምእንቲ ክሰብኩ ካብ ስድራቤቶምን ኣዕሩኾምን ርሒቖም ዝነብሩ ሚስዮናውያን፣ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ዕዮ ንምድጋፍ ኣብ ናይ ቤትኤል ኣባይትን ጨንፈር ቤት ጽሕፈታትን ብወለንታ ዘገልግሉ፣ ከምኡውን እቲ ቀንዲ ከፍሊ ናይ ግዜኦምን ጉልበቶምን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሕልፉ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዘለዉ ሰባት ዘጠቓልል ኢዩ። ብመሰረቱ አዚኣቶም ንብሕታዊ ክብሪ ወይ ረብሓ ኢሎም ዘይኰኑስ: በቲ ንክርስታያናዊ ሕውነትን ንየሆዋን ዘለዎም ፍቕሪ ተለዓዒሎም ኢዮም ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ። ብምኽንያት እቲ ዘርእይዎ ናይ ምልኡ ነፍሶም ተወፋይነት ክንቀድሖም: ከም ኣጋይሽ ድማ ‘ክንቅበሎም’ ዝግባእ ኢዩ።
14 “ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም” ከሎና: ‘ነታ ሓቂ መዓይይታ ከም እንኸውን’ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓቢሩ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዝሓሹ ክርስትያናት ንኸውን። ከመይሲ ክርስትያናዊ ዕዮ ንኣመንቲ ብጾትና ሰናይ ምግባር እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ምሳሌ 3:27, 28፣ 1 ዮሃንስ 3:18) ብኻልእ መገዲ እውን ዓስቢ ኣለዎ። ማርያምን ማርታን ንየሱስ ኣብ ገዝአን ምስ ተቐበላኦ: ማርታ ንየሱስ “ብብዙሕ ምግልጋል” ንፍዕቲ ኣአንጋዲት ክትከውን ደለየት። ማርያም ድማ ብኻልእ መገዲ ምቕባል ጋሻ ኣርኣየት። “ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት:” “ጽቡቕ ግደ” ብምሕራያ ድማ የሱስ ንኣዳ። (ሉቃስ 10:38-42) ምስቶም ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎ ሰባት እንገብሮ ዕላልን ምይይጥን: መብዛሕትኡ እዋን እቲ ዝበለጸ ምስኦም እነሕልፎ ግዜ ኢዩ።—ሮሜ 1:11, 12
ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት
15 ሽሕ’ኳ ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝውቱር ዝዀነ ልምድታት ዘይስዕቡ ወይ ድማ ዓለማዊ ብዓላትን ፈስቲቫላትን ዘየብዕሉ እንተዀኑ: ንሓድሕዶም ሕውነት ንምስትምቓር ዝተኣኻኸብሉ ኣጋጣሚታት ይገብሩ ኢዮም። ንኣብነት: የሱስ ኣብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ነይሩ ኢዩ: ኣብኡ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ብምግባር ከኣ እቲ ኣጋጣሚ ዘሐጕስ ንክኸውን ኣበርኪቱ አዩ: (ዮሃንስ 2:1-11) ሎሚ እውን በተመሳሳሊ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ብሓባር ኰይኖም ዘሐጕስ ግዜ የሕልፉ ኢዮም: ግቡእ ዝዀነ ኣበዓዕላ ድማ እቲ ኣጋጣሚ ዝያዳ ዘሐጕስ ንክኸውን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ግቡእ እንታይ ኢዩ፧
16 ካብቲ ዝገበርናዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ: ንክርስትያናት ዝግባእ ጠባይ ኣየናይ ምዃኑ ንፈልጥ: ነዚ ድማ ኣብ ዘዀነ ይኹን እዋን ንስዕቦ ኢና። (ሮሜ 13:12-14፣ ገላትያ 5:19-21፣ ኤፌሶን 5:3-5) ብመርዓ ወይ ድማ ብኻልእ ምኽንያታት ዝግበር ማሕበራዊ ምትእኽኻባት: ነቲ ክርስትያናዊ ስርዓታትና ንኽንጥሕስ ወይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዘይንገብሮ ነገራት ክንገብር ናጻ ኣይገብረናን ኢዩ፣ ወይ ድማ ናይቲ እንነብረሉ ዘሎና ሃገር ልምዲ ብምሉኡ ክንስዕቦ ኣይንግደድን ኢና። መብዛሕትኡ ከምዚ ዝበለ ነገራት ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታት ወይ ማሪታዊ ተግባራት እተመስረተ ኢዩ: ካልእ ድማ ብንጹር ንክርስርያናት ቅቡል ዘይኰነ ጠባያት ዘጠቓልል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 4:3, 4
17 ንዮሃንስ 2:1-11 ብምንባብ: እቲ ኣጋጣሚ ገፊሕ ምንባሩ: ብዙሓት ኣጋይሽ ድማ ምንባሮም ንምርኣይ ኣይጽግመናን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ‘እተዓደሙ’ ኣጋይሽ ኢዮም ነይሮም፣ ምናልባት ገለ ካብኣቶም ነቲ ዘአንግድ ኣዝማዱ እኳ እንተነበሩ: ስቕ ኢሎም ከይተጸውዑ ናብቲ ድግስ ኣይከዱን። “ተዓጠቕቲ” ከምኡውን እንታይ ክቕረብ ከም ዘለዎ ወይ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ መምርሒ ዝህብ “ኣቦ ዳስ” ከም ዝነበረ ነስትብህል ኢና። እዚ ዅሉ እቲ ውራይ ብጸቡቕ እተማሓደረን ብግቡእ እተኣልየን ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ጸብጻብ: የሱስ በቲ ኣብቲ ድግስ ዝፈጸሞ ነገር ገይሩ ‘ክብረቱ ገለጸ’ ብምባል ይዓጹ። እቲ ድግስ ህውከት ዝመልኦን ዘይግቱእን ነይሩ እንተዝኸውን ክብሩ ንምግላጽ ምተጠቐመሉዶ ነይሩ፧ ብዘይጥርጥር ኣይምተጠቐመሉን ነይሩ።
18 እሞ ብዛዕባ እቲ ንሕና ኣአንገድቲ ክንኰነሉ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚኸ እንታይ ንበል፧ ንኻልኦት ምቕባል ኣጋይሽ እንገብረሉ ምኽንያት ኵላትና “ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን” ምዃኑ ክንዝክር ኣሎና። ስለዚ እምበኣር: ንሓደ ፍጻመ ናይ “መሰኻኽር” ምትእኽኻብ ኢልካ ምጽዋዕ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ብሓቂ ግን እቲ ኣጋጣሚ መን ምዃንናን እንታይ ከም እንኣምንን ዝምስክር ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ክሕተት ይከኣል ኢዩ። ንኸምዚ ዝበለ አጋጣሚ ነቲ ዓለም እትገብሮ “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ክሳዕ ክንደይ ክንወዳደሮ ከም እንኽእል ንምግላጽ ፈጺምና ክንጥቀመሉ የብልናን። (1 ዮሃንስ 2:15, 16) ኣብ ክንድኡስ: እዚ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ዘሎና ግደ ብግቡእ ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ: ከምኡውን እንገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ሞገስን ክብርን ዘምጽእ ምዃኑ ከነረጋግጽ ይግብኣና።—ማቴዎስ 5:16፣ 1 ቈረንቶስ 10:31-33
‘ብዘይ ምዕዝምዛም ግሽነት ተቐበሉ’
19 ናይ ዓለም ኵነታት እናፈራረሰ: ሰባት ድማ ዝያዳ እናተኸፋፈሉ ክኸዱ ከለዉ: ነቲ ኣብ መንጎ ሓቀኛታት ክርስትያናት ዘሎ ናይ መሕርሮ ማእሰር ንኸነደልድሎ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ከድልየና ኢዩ። (ቈሎሴ 3:14) ነዚ ንምግባር ከምቲ ጴጥሮስ ዝመዓደና ኣብ ‘ንሓድሕድና ሃልሃል እትብል ፍቕሪ’ ክትህልወና ይግባእ። ድሕርዚ: ተግባራዊ ብዝዀነ ኣገላልጻ ወሲኹ “ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ” በለ። (1 ጴጥሮስ 4:7-9) ተበግሶ ብምውሳድ ንኣሕዋትና ተቐበልቲ ኣጋይሽ: ሕያዎትን ሓገዝትን ንኽንከውን ክንጽዕር ፍቓደኛታት ዲና፧ ወይስ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ክመጽእ ከሎ ነዕዘምዝም ኢና፧ ከምኡ ንገብር እንተድኣ ኴንና ነቲ ክህልወና ዝኽእል ፍስሃ ነጥፍእ: ከምኡውን ነቲ ሰናይ ብምግባርና ክመጽእ ዝኽእል ናይ ሓጐስ ዓስቢ ንስእኖ። —ምሳሌ 3:27፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35
20 ምስ ክርስትያናት ብጾትና ጠቢቕና ምዕያይ: ንሓድሕድና ሕያዎትን ተቐበልቲ ጋሻን ብምዃን እዚ ዘይብሃል በረኸት ከምጽኣልና ኢዩ። (ማቴዎስ 10:40–42) ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት የሆዋ “ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ። . . . ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም” ኢሉ ተመባጺዑሎም ኣሎ። ኣብ ድንኳን የሆዋ ምዃን: ዕቝብኡን እቲ ዘርእዮ ምቕባል ጋሻን ምስትምቓር ማለት ኢዩ። (ራእይ 7:15, 16፣ ኢሳይያስ 25:6) እወ: ኣብ ቅድሜና ተስፋ ናይቲ የሆዋ ዝገብሮ ዘለኣለማዊ ምቕባል ጋሻ ተነቢሩ ኣሎ።—መዝሙር 27:4፣ 61:3,4
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ እንተ ድኣ ኴንና እንታይ ኢና ዕሽሽ ክንብል ዘይብልና፧
◻ ‘ዘኽታማትን መበለታትን’ መን ኢዮም: ብኸመይከ ኢና ‘ክንበጽሖም’ እንኽእል፧
◻ ነቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ “መጻእተኛታት” ከምኡውን “ወጻእተኛታት” ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዘሎና፧
◻ ሎሚ ፍሉይ ሓልዮት ክግበረሎም ዝግብኦም መን ኢዮም፧
◻ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ብሓቂ ናይ ምቕባል ግሽነት መንፈስ ከንጸባርቕ ዝግብኦ ብኸመይ ኢዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. ፈጣሪ ንደቅሰብ እንታይ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ውህበታት ኢዩ ዝሃቦም፧
2. (ሀ) ደቅሰብ ነቲ የሆዋ መዲቡሎም ዝነበረ ብዘይ ግቡእ እተጠቐምሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ፧
3. ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ብኸመይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
4. ኣብ መንጎ ገለ ህዝቢ የሆዋ እውን ከይተረፈ ናይ ስድራ ቤት ኣቃውማ እንታይ ለውጢ የርኢ ኣሎ፧
5. የሱስ ነቶም ኣብ እተኸፋፈለት ስድራቤት ዝነብሩ ምንጪ ናይ ምትብባዕ ክዀኖም ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
6. ነቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ‘ዘኽታማትን መበለታትን’ ኣሕዋት: ኣሓት: ኣዴታት: ከምኡውን ውሉዳት ክንኰኖም እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
7. (ሀ) ‘ንዘኽታማትን መበለታትን’ ተቐባል ጋሻ ምዃን ናይ ሓቂ ዕላማኡ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናዊ ምቕባል ጋሻ ኣብ ምግባር መን እውን ኢዮም ክካፈሉ ዝኽእሉ፧
8. ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ለውጢ ኢዩ እተራእየ፧
9. ብዛዕባ እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመጹ “መጻእተኛታት” ከምኡውን “ወጻእተኛታት” ዝምልከት: ዘሎና ኣረኣእያ ክሓናዅሉ ዝኽእል እንታይ ከቢድ ጕድለታት ኣሎ፧
10. ነቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ “ወጻእተኛታት” ብሓቒ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
11, 12. ነቶም (ሀ) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል (ለ) ኣብ ቀዳመይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ገለ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ፍሉይ ሓልዮት እዩ እተገብረሎም
13. ሎሚ ብፍላይ ‘ምቕባል ኣጋይሽ’ ክግብረሎም ዘለወዎም ኣብ መንጎና መን ኣለዉ፧
14. (ሀ) ነቶም እሙናት ምቕባል ግሽነት ክንገብር ከሎና ዝሓሹ ክርስትያናት እንኽውን ብኸመይ ኢና፧ (ለ) የሱስ ማርያም “ጽቡቕ ግደ” ሓርያ ኣላ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧
15. ንህዝቢ የሆዋ ናይ ሓጐስ ግዜ ክዀኑሎም ዝኽእሉ እንታይ ፍሉያት ኣጋጣሚታት ኣለዉ፧
16. ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት እውን ከይተረፈ ንጠባይ ዝምልከት እንታይ መምርሒታት ኢዩ ዘሎና፧
17. (ሀ) እቲ ኣብ ቃና ዝነበረ መርዓ ብጽቡቕ እተማሓደረን ብግቡእ እተኣልየን ከም ዝነበረ ኣየኖት ነገራት የርእዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ከም ዝሰመሮ ዘመልክት እንታይ ኣሎ
18. ንዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ ፍጻመ እንታይ ዕቱብ ሓሳብ ኢዩ ክግበሮ ዘለዎ፧
19. ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድና ግሽነት ምቅብባል ክንገብር ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧
20. ኣብዛ ሎሚ ዘላ እተኸፋፈለት ዓለም ምቕባል ግሽነት ምስ እንገብር እንታይ በረኸት ኢዩ ዝጽበየና
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ናይ ድግስ ኣጋጣሚታት: ንወጻእተኛታት: ንዘኽታማት: ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ: ከምኡውን ኣብቲ ድግስ ዝመጹ ካልኦት ሰባት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ክንከውን ንኽእል ኢና