ተኣምራት ንበይኑ እምነት ዘይሃንጸሉ ምኽንያት
ክትርእዮ እትኽእል ዘበለ ጥራይ ኢኻ እትኣምን። እዚ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣረኣእያ ኢዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣምላኽ ክእመን ዝከኣል ብገለ ተኣምራታዊ መገዲ ገይሩ ገዛእ ርእሱ እንተድኣ ገሊጹ ኢዩ ይብሉ። ምናልባት ከምኡ ይኸውን: ግናኸ ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ምእማን ናብ ናይ ሓቂ እምነት ይመርሕዶ፧
ነቶም እስራኤላውያን ዝነበሩ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን እስከ ንርአ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘውረዶ ዓሰርተ መዓት: ናይ ህዝቢ እስራኤል ብቐይሕ ባሕሪ ምድሓን: ከምኡውን ንግብጻዊ ፈርኦንን ሰራዊቱን ብምጽናት ዝገበሮ ዘደንጹ ተኣምራት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። (ዘጸኣት 7:19–11:10፣ 12:29-32፣ መዝሙር 136:15) ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ካብ ሰማይ ክዛረብ ከሎ እውን ሰሚዖምዎ ኢዮም። (ዘዳግም 4:11, 12) እንተዀነ ግን: እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም እዚ ተኣምራት እዚ ድሕሪ ምፍጻሙ ነዊሕ ከይጸንሑ: ኣንጻር የሆዋን እቶም ዝሸሞም ኣገልገልቱን ዓለዉ።—ዘሁልቍ 16:1-35፣ መዝሙር 106:16-18
ዳርጋ 40 ዓመታት ጸኒሑ: በላዓም እተባህለ ነብዪ እውን ተኣምራት ርእዩ ኢዩ። ሓደ መልኣኽ ኣብቲ ኵነታት ኢዱ ምእታዉ እውን ከይተረፈ ምስቶም ጸላእቲ ኣምላኽ ዝነበሩ ሞኣባውያን ካብ ምሕባር ኣይከልከሎን። በላዓም ተኣምራት እኳ እንተ ረኣየ ንድሕሪት ኣይተመልሰን: ኣንጻር የሆዋ ኣምላኽን ህዝቡን መርገጽ ወሲዱ ኢዩ። (ዘሁልቍ 22:1-35፣ 2 ጴጥሮስ 2:15, 16) ይኹን እምበር: ናይ በላዓም እምነት ምጕዳል ምስቲ ናይ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ ኢዩ። ይሁዳ ናይ ቀረባ ብጻይ የሱስን ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ብዓይኑ ዝረኣየን እኳ እንተ ነበረ: ንየሱስ ብሰላሳ ቕርሺ ክሒድዎ ኢዩ።—ማቴዎስ 26:14-16, 47-50፣ 27:3-5
ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ብዙሕ ናይ የሱስ ተኣምራት ርእዮም ኢዮም። የሱስ ንኣልኣዛር ምስ ኣተንስኦ “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ” ብምባል እውን ከይተረፈ ተኣሚኖም ኢዮም። ነቲ ሽዑ ካብ ሞት ተንሲኡ ዝነበረ ኣልኣዛር ምርኣዮም ንልቦም ኣለስሊሱ እምነት ከም ዝህልዎም ገይርዎምዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይገበሮምን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: ንየሱስን ኣልኣዛርን ክቐትልዎም ውዲት ኣለሙ!—ዮሃንስ 11:47-53፣ 12:10
ኣምላኽ ቀጥታ ኣብቲ ጕዳይ ኢዱ ምእታዉ እውን ከይተረፈ ነዞም እኩያት ሰባት እዚኣቶም እምነት ከም ዘርእዩ ኣይገበሮምን። የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብቲ ቀጽሪ ቤት መቕደስ ከሎ: “ኣቦ: ንስምካ ኣኽብሮ” ብምባል ዓው ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ድማ ካብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” ብምባል ኣድሃየ። እንተዀነ ግን: እዚ ተኣምራታዊ ፍጻመ እዚ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ልቦም እምነት ኣየሕደረሎምን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እዚ ኽንድዚ ዚአክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ: . . . ብእኡ ኣይአመኑን።”—ዮሃንስ 12:28-30, 37፣ ምስ ኤፌሶን 3:17 ኣረኣእዮ።
ተኣምራት እምነት ዘይሃንጸሉ ምኽንያት
ብዙሕ ተኣምራት እናተፈጸመ ክነሱ ከምዚ ዝበለ ምጕዳል እምነት ክህሉ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዘጀመረሉ ግዜ ኣይሁድ ብሓፈሻ “ክርስቶስ” ወይ እቲ መሲሕ ክመጽእ ዝነበሮም ‘ትጽቢት’ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንየሱስ ምንጻጎም ብፍላይ ዘደንጹ ኢዩ። (ሉቃስ 3:15) ይኹን እምበር: እቲ ጸገም ኣብቲ ዓይነት ናይቲ ትጽቢታት እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ዝዀነ ዳብሊው. ኢ. ቫይን: ኣይሁድ “ምድራዊ ዓወት” ከምኡውን “ስጋዊ ብልጽግና” ዝህቦም መሲሕ ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ ነይርዎም: ብምባል ንሓደ ፍሉጥ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝበሎ ሓሳብ ይጠቅስ። በዚ ኸምዚ: ነቲ ከም ሓቀኛ መሲሕ መጠን ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መንጎኦም እተቐልቀለ ትሑት: ፓለቲከኛ ዘይኰነ የሱስ በዓል ናዝሬት ክቕበልዎ ድሉዋት ኣይነበሩን። ብዘይዝውን ሃይማኖታውያን መራሕቲ: ትምህርትታት የሱስ ነቲ ዝነበረ ማሕበራውን ባህላውን ኵነታት ከይቅይሮ: ነቲ ዝለዓለ ቦትኦም ድማ ዕንቅፋት ከይፈጥረሉ ፈሪሆም ኢዮም። (ዮሃንስ 11:48) እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበረ ሓሳብን ስስዐን ንመልእኽቲ ናይቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ከም ዘይርድእዎ ገበሮም።
ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕትን ካልኦትን: ጸኒሖም ነቲ ሰዓብቲ የሱስ መለኮታዊ ስምረት ከም ዝነበሮም ዘርኣይሉ ተኣምራታዊ መረጋገጺ ነጸግዎ። ንኣብነት: ሃዋርያት ንሓደ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝሰንከለ ሰብኣይ ምስ ኣሕወይዎ: እተቘጥዑ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ከምዚ ብምባል ሓተቱ:- “ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና: ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚነብሩ ዅላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፧ . . . ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና: ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ: ኣምሪርና ንግንሓዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 3:1-8፣ 4:13-17) ብንጹር ከም እተራእየ: እዚ ዘደንቕ ተኣምራት ኣብ ኣልባብ ናይዞም ሰባት እዚኣቶም እምነት ኣይሃነጸን ወይ ኣየሕደረን።
ህርፋን ስልጣን: ትዕቢት: ከምኡውን ስስዐ ገለ ካብቲ ንብዙሓት ሰባት ልቦም ከም ዘትርሩ ዝገብሮም ረቛሒታት ኢዩ። ኵነታት ናይቶም ኣብ መጀመርታ ተጠቒሶም ዘለዉ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ከምዚ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ቅንኢ: ፍርሂ: ከምኡውን ካልእ ጐዳኢ ዝንባለታት ንኻልኦት ሰባት ንኸይኣምኑ ዕንቅፋት ኰይንዎም ኢዩ። ብዛዕባ ኵነታት ናይቶም ሓደ ግዜ ገጽ ኣምላኽ ናይ ምርኣይ መሰል ዝነበሮም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ዝዀኑ ኣጋንንቲ እውን ንዘኻኸር ኢና። (ማቴዎስ 18:10) ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይጠራጠሩን ኢዮም። ብርግጽ: “ኣጋንንቲውን ይአምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።” (ያእቆብ 2:19) እንተዀነ ግን: ኣብ ኣምላኽ እምነት የብሎምን።
ናይ ሓቀኛ እምነት ትርጕም
እምነት ንዝርኣኻዮ ምእማን ማለት ጥራይ ኣይኰነትን: ካብኡ ንላዕሊ ኢያ። ንገለ እተፈጸመ ተኣምራት ግዝያዊ ናይ ስምዒት መልሰ-ግብሪ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ እውን ኢያ። እብራውያን 11:1 ከምዚ ትብል:- “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።” ሓደ እምነት ዘለዎ ውልቀ-ሰብ: የሆዋ ኣምላኽ እተመባጽዖ ዘበለ ዅሉ ከም እተፈጸመ ገይሩ ኢዩ ብልቡ ዝኣምን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ዘይከሓድ መርትዖ ናይቲ ዘይርአ ሓቅታት ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝዀነ: እምነት ንርእሳ ማዕረ እቲ መርትዖ ኢያ ተባሂላ ኣላ። እወ: እምነት ኣብ መርትዖ እተመርኰሰት ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት እውን: ተኣምራት እምነት ኣብ ምዕባይ ወይ ኣብ ምህናጽ ግደ ነይርዎ ኢዩ። እቲ ብየሱስ እተገብረ ምልክታት ካልኦት ሰባት ንሱ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ንኽኣምኑ ጠቒሙ ኢዩ። (ማቴዎስ 8:16, 17፣ እብራውያን 2:2-4) ብተመሳሳሊ: ከም ተኣምራታዊ ምሕዋይን ብቛንቋታት ምዝራብን ዝኣመሰለ ህያባት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ወይ መስለጢ ሓይሊ: ኣይሁድ ድሕሪ ደጊም ስምረት የሆዋ ከም ዘይብሎም: ኣብ ክንድኡ ግና ሕጂ ስምረቱ ኣብታ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 12:7-11
ሓደ ካብቲ ናይ መንፈስ ተኣምራታዊ ውህበታት ናይ ምንባይ ክእለት ኢዩ ነይሩ። ዘይኣመንቲ ሰባት ነዚ ተኣምራት እዚ ምስ ረኣዩ: ገለ ካብኣቶም “ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም [ኢዩ] ዘሎ” ብምባል ንየሆዋ ከምልኹ ተለዓዒሎም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 14:22-25) ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ተኣምራት ናይ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ነባሪ መለለዪ ክኸውን መደብ ኣይነበሮን። በዚ ድማ ኢዩ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር: ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ” ኢዩ ኢሉ ዝጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:8) እዚ ውህበታት እዚ ሃዋርያትን እቶም ብኣታቶም ኣቢሎም ከምዚ ዝበለ ውህበታት እተቐበሉ ሰባትን ምስ ሞቱ ከም ዘቋረጸ ፍሉጥ ኢዩ።
እሞኸ ሰባት ንእምነት መሰረት ዝዀኖም ነገር ዘይብሎምዶ ይኹኑ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ ጳውሎስ “ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ: [ኣምላኽ] ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ: ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን” ኢሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) ብርግጽ እምበኣር: “[እቶም ንኣምላኽ ዝኽሕዱ ሰባት] ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ: እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ [ናይ የሆዋ ኣምላኽ]: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን” በቶም ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ መረጋገጺታት ንምቕባል ክኸፍቱ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት “ኣጸቢቑ ይርኤ።”—ሮሜ 1:20
ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማን ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ጳውሎስ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ብምባል ተማሕጺኑ ኢዩ። (ሮሜ 12:2) እዚ ምልዋጥ እዚ ከምዚ መጽሔት እዚ ብዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ተጠቒምካ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጊህካ ብምጽናዕ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ኣብ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: እተመስረተት እምነት ድኽምቲ ወይ ዕምቈት ዘይብላ ኣይኰነትን። እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዘስተውዓሉን ብእምነት ድማ ዝትግብርዎን ሰባት: ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዮም ዘቕርቡ።—ሮሜ 12:1
ዘይትርእዮ እኳ እንተዀንካ ምእማን
ሃዋርያ ቶማስ: የሱስ ካብ ምዉታት ምትንስኡ ክኣምን ጸገም ነይርዎ ኢዩ። ቶማስ “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ: ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ: ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ: ኣይአምንን እየ” በለ። ጸኒሑ የሱስ ነቲ ክስቀል ከሎ ዝነበሮ ቍስሊ ዝሓዘ ኣካል ምስ ለበሰ: ቶማስ ነዚ ተኣምራት እዚ ብኣወንታ ተቐበሎ። ይኹን እምበር: የሱስ “እቶም ከይረአዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም” በለ።—ዮሃንስ 20:25-29
ሎሚ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰኑን ዝመላለሱ ዘለዉ።’ (2 ቈረንቶስ 5:7) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት እንተ ዘይረኣይዎ እኳ: ከም እተፈጸመ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። መሰኻኽር ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን እምነት የርእዩ ኢዮም። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱሱ ድማ: ነቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን ቀንዲ ኣርእስቱን—በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ዝፍጸም ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ኣምላኽ—ክርድእዎ ክኢሎም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዚኣቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ምኽሪ ብዙሕ ጥቕሚ ስለ ዝረኽብሉ ኣብ ናብርኦም የውዕልዎ ኢዮም። (መዝሙር 119:105፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) ነቲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: ዘሎናዮ ግዜ “ዳሕሮት መዓልትታት” ምዃኑ ንምሕባር እተዛረበሉ ዘይፈሽል መርትዖ ይቕበልዎ: እታ ኣምላኽ እተመባጽዓላ ሓዳስ ዓለም ከም ዝቐረበት ድማ እምነት ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 24:3-14፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ንኻልኦት ከማቕልዎ ኸኣ የሐጕሶም ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-5) እቶም ንኣምላኽ ዘደልይዎ ሰባት: ብሓቂ ንዕኡ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጽናዕቲ ብምግባር ጥራይ ከም ዝዀነ ይፈልጡ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27
እቲ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዝነበረ ኣልበርት ትዝክሮዶ፧ ተኣምራት ክርኢ ኢሉ ዘቕረቦ ጸሎት ከይተመለሰ ድሕሪ ምትራፉ ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ: ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር በጽሓቶ እሞ: ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ድማ ሓደገትሉ። ድሕርዚ ኣልበርት ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ፍቓደኛ ኰነ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ዝያዳ እናፈለጦ ምስ ከደ: እቲ ዝነበሮ ተስፋ ምቝራጽ ናብ ሓጐስ ተቐየረ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንኣምላኽ ከም ዝረኸቦ ክግንዘብ ጀመረ።
ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ኢሉ ይላቦ:- “ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ: ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ።” (ኢሳይያስ 55:6) ነዚ ድማ ካብ ኣምላኽ ዘመናዊ ተኣምራት ብምጽባይ ዘይኰነስ: ናይ ቃሉ ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ ኢኻ ክትገብሮ እትኽእል። ተኣምራት ንበይኑ እምነት ክሃንጽ ስለ ዘይክእል: ርጡብ ፍልጠት መሰረታዊ ነገር ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ተኣምራታዊ ትንሳኤ ኣልኣዛር እውን ከይተረፈ ነቶም ጸላእቲ የሱስ ከም ዝኣምኑ ኣይገበሮምን
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
እምነት ኣብ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክምስረት ኣለዎ