ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኣገልግሎ
‘ኣታ ወደይ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልቢ ኸኣ ኣገልግሎ።’—1 ዜና 28:9።
ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ጽዓር፦
ምሳልያዊ ልቢ እንታይ እዩ፧
ንልብና ኽንምርምረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኸነገልግሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
1, 2. (ሀ) ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ ካልኦት ኣካላት ንላዕሊ ብተደጋጋሚ እተጠቕሰ ምሳልያዊ ኣካል ሰብነት እንታይ እዩ፧ (ለ) ምሳልያዊ ልቢ እንታይ ከም ዜመልክት ምፍላጥና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
መብዛሕትኡ እዋን፡ ቃል ኣምላኽ ንኣካላት ሰብነት ብምሳልያዊ መገዲ ይጠቕሶ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ “ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛ” በለ። ንጉስ ሰሎሞን ከኣ፡ “ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ” በለ። የሆዋ ድማ ንህዝቅኤል፡ “ግምባርካ . . . ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ እየ” ኢሉ ኣረጋገጸሉ። ንሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ “ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና አሎኻ” ዚብል ምላሽ ተዋሂብዎ ነበረ።—እዮ. 16:17፣ ምሳ. 15:30፣ ህዝ. 3:9፣ ግብ. 17:20።
2 ይኹን እምበር፡ ካብ ካልኦት ኣካላት ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሓደ ኣካል ሰብነት ኣሎ። ንሱ ኸኣ እቲ ኣብ ጸሎት እታ እምንቲ ሰበይቲ ዝነበረት ሃና እተጠቕሰ ኣካል እዩ፣ ሃና፡ “ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ” በለት። (1 ሳሙ. 2:1) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀኑ፡ ንልቢ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ሳዕ ጠቒሶምዎ ኣለዉ፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ብምሳልያዊ መገዲ እዮም ጠቒሶምዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንልብና ኽንሕልዎ ኸም ዘሎና ስለ ዚገልጽ፡ “ልቢ” እንታይ ከም ዜመልክት ምፍላጥና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—ምሳሌ 4:23 ኣንብብ።
ምሳልያዊ ልቢ እንታይ እዩ፧
3. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ “ልቢ” ብኸመይ ክንርድኦ ንኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
3 ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምሳልያዊ ልቢ ዚህቦ መግለጺ፡ ልክዕ ከም ናይ መዝገበ ቓላት ዓይነት መግለጺ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብንጹር ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ብዛዕባ ሓደ ንሓድሕዱ ብእተጣበቐ ንኣሽቱ ኣእማን እተሰርሐ ዜደንቕ ስእሊ እሞ ሕሰብ። ንድሕሪት ርሕቕ ኢልካ ንብምሉኡ እቲ ስእሊ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ እቲ ብጥንቃቐ እተነብረ ኣእማን፡ ሓደ ንድፊ ወይ ስእሊ ኸም ዝዀነ ትግንዘብ። ብተመሳሳሊ፡ ንትርጕም ምሳልያዊ ልቢ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ነቲ “ልቢ” እትብል ቃል እተጠቕሰትሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ኣሎና። እሞኸ ትርጕም ምሳልያዊ ልቢ እንታይ እዩ፧
4. (ሀ) “ልቢ” እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) እተን ኣብ ማቴዎስ 22:37 እተጠቕሳ ቓላት የሱስ፡ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧
4 ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ልቢ” እትብል ቃል፡ ንብምሉኡ ውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ ንምግላጽ እዮም ተጠቒሞምላ። እዚ ኸኣ፡ ንባህግናን ንሓሳብናን ንዝንባለናን ንኣረኣእያናን ንኽእለትናን ንድራኸናን ንሸቶናን እዩ ዜጠቓልል። (ዘዳግም 15:7፣ ምሳሌ 16:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:26 ኣንብብ።) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ልቢ “ንብምሉኡ ውሽጣዊ ሰብ” እዩ ዜመልክት። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነገራት ዘየመልክተሉ እዋናት ኣሎ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴ. 22:37) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ “ልቢ፡” ንውሽጣዊ ስምዒትን ባህግን ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ዜመልክት። የሱስ ንልብን ንነፍስን ንሓሳብን ፈላልዩ ብምጥቃስ፡ ንኣምላኽ ብስምዒትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣነባብራናን ብኣተሓሳስባናን እውን ከነፍቅሮ ኸም ዘሎና እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። (ዮሃ. 17:3፣ ኤፌ. 6:6) “ልቢ” ንበይኑ ኺጥቀስ ከሎ ግና፡ ንብምሉኡ ውሽጣዊ ሰብ እዩ ዜመልክት።
ንልብና ኽንሕልዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5. ንየሆዋ ብፍጹም ልብና ንኸነገልግሎ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ብዛዕባ ልቢ ኸምዚ በሎ፦ “ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ።” (1 ዜና 28:9) ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ የሆዋ ንዅሉ ኣልባብ ወይ ልቢ፡ እንተላይ ነቲ ናትና ይምርምሮ እዩ። (ምሳ. 17:3፣ 21:2) እቲ ኣብ ልብና ዚረኽቦ ኸኣ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብን ንመጻኢናን ኣዝዩ ይጸልዎ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዳዊት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕቦን ንየሆዋ ብፍጹም ልብና ንኸነገልግሎ ኽንጽዕርን ኣሎና።
6. ነቲ ንኣምላኽ ንኸነገልግሎ ዝገበርናዮ ቘራጽነት እንታይ ኬጋጥሞ ይኽእል፧
6 እቲ ኸም ህዝቢ የሆዋ መጠን እንገብሮ ቕንኣት ዝመልኦ ንጥፈታት፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ናይ ምግልጋል ዓሚቝ ባህጊ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚመጽእ ጸቕጢ ኸምኡውን ሓጥእ ዝንባለ ስጋና፡ ነቲ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። (ኤር. 17:9፣ ኤፌ. 2:2) ስለዚ፡ እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ምእንቲ ኸይዳኸም፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ምእንቲ ኸይንድህለል፡ ወትሩ ንልብና ኽንምርምሮ ኣሎና። ብኸመይ፧
7. ኵነታት ልብና ብምንታይ እዩ ዚፍለጥ፧
7 ውሽጣዊ እንታይነትና፡ ልክዕ ከም ሕመረት ኦም ብዓይኒ ኣይርአን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዝገለጾ፡ ልክዕ ከምቲ ዅነታት ሓደ ኦም ብፍሪኡ ዚፍለጥ፡ እንገብሮ ነገራት እውን ብዛዕባ ዅነታት ልብና ይሕብር እዩ። (ማቴ. 7:17-20) ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።
ንልብና ኽንምርምረሉ እንኽእል መገዲ
8. እተን ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከባ ቓላት የሱስ ምስቲ ኣብ ልብና ዘሎ ነገራት ዚተሓሓዛ ብኸመይ እየን፧
8 የሱስ ንሰማዕቱ፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ንኼገልግልዎ ዘለዎም ውሽጣዊ ባህጊ ኼርእዩሉ ዚኽእሉ ሓደ መገዲ ጠቒሱ ነበረ። “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” በለ። (ማቴ. 6:33) እቲ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት፡ ነቲ ብልብና እንብህጎን እንሓስቦን እንምድቦን ነገራት እዩ ዜርኢ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ምምርማርና፡ ንኣምላኽ ብፍጹም ልቢ ነገልግሎ እንተ ኣሊና ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና ሓደ መገዲ እዩ።
9. የሱስ ንገሊኦም ሰባት እንታይ ዕድመ እዩ ኣቕሪቡሎም፧ እቲ ዝሃብዎ ምላሽከ እንታይ ዜርኢ እዩ ነይሩ፧
9 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ድለዩ” ኻብ ዚብሎም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ ሓደ ሰብ ኵነታት ልቢ በቲ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ዚህቦ ነገራት ኪፍለጥ ከም ዚኽእል ዜርኢ ሓደ ፍጻመ ኣጋጠመ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኸም ዝገለጾ፡ የሱስ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዜጋጥሞ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ብቘራጽነት “ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ።” ንሱን ሃዋርያቱን “ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ” ድማ፡ የሱስ ንገሊኦም ሰባት፡ “ስዐበኒ” ዚብል ዕድመ ኣቕረበሎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንዕድመ የሱስ ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ፈለማ ግና ኻልእ ነገራት ኪገብሩ ደለዩ። ሓደ ኻብኣቶም፡ “ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” ኢሉ መለሰ። ካልእ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ” ኢሉ መለሰ። (ሉቃ. 9:51, 57-61) ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ብጽንዓትን ብምሉእ ልብን ዝገበሮ ቘራጽነትን ኣብ መንጎ እቲ እቶም ሰባት ዝሃብዎ ዘይረብሕ ምኽኒትን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ። እቶም ሰባት ነቲ ዜተሓሳስቦም ዝነበረ ነገራት ካብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንላዕሊ ቐዳምነት ስለ ዝሃብዎ፡ ንኣምላኽ ብፍጹም ልቢ ንኼገልግልዎ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ኣርኣዩ።
10. (ሀ) ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ዘቕረበሎም ዕድመ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ምሳሌ እዩ ዝመሰለ፧
10 ንሕና ግና ኸምቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሰባት ዘይኰነስ፡ ነቲ የሱስ ሰዓብቱ ኽንከውን ዘቕረበልና ዕድመ ተቐቢልና ንየሆዋ በብመዓልቱ ነገልግሎ ኣለና። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ዘሎና ልባዊ ስምዒት ነርኢ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉባኤና ብንጥፈት ንዓዪ እኳ እንተ ዀንና፡ ልብና ኣብ ሓደጋ ኺወድቕ ከም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። ብኸመይ፧ የሱስ ኣብቲ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዝዓደሞም ሰባት ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ገሊጹ ነበረ፣ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” ድማ በለ። (ሉቃ. 9:62) ካብዚ ምሳሌ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
‘ኣብ ሰናይ ንለግብ’ ዲና፧
11. ነቲ ኣብ ምሳሌ የሱስ እተጠቕሰ ዓያዪ እንታይ ኣጋጠሞ፧ ስለምንታይከ፧
11 ነታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ብዝያዳ ንምንጻር፡ ብዝርዝር እስከ ንመርምራ። ሓደ ዓያዪ ይሓርስ ኣሎ ንበል። እናሓረሰ ኸሎ ግና፡ ኣእምሮኡ ኣብቲ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ዘለውዎ ኸምኡውን ኣብቲ ምግብን ሙዚቃን ሰሓቕን ጽላልን ዝመልኦ ቤቱ እዩ ዘሎ። ነዚ ነገራት እዚ ንኺረኽቦ ኸኣ ሃረር ይብል። ንእተወሰነ እዋን ምስ ሓረሰ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ባህ ዜብል ነገራት ንኺረኽቦ ዘለዎ ድሌት እናወሰኸ ስለ ዚኸይድ፡ ‘ንድሕሪት ይርኢ።’ እቲ ግራት ክሳዕ ዚዝራእ ገና ብዙሕ ዚዕየ ነገራት እኳ እንተሎ፡ እቲ ዓያዪ ኣቓልቦኡ ስለ እተሰርቀ፡ ስራሑ ብግቡእ ኣይፍጽምን እዩ። ጐይታ እቲ ዓያዪ፡ እቲ ዓያዪ ብጽንዓት ብዘይምስርሑ ኸም ዚጕሂ ፍሉጥ እዩ።
12. ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምሳሌ የሱስ እተጠቕሰ ዓያዪን ኣብ መንጎ ገሊኦም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧
12 ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምሳሌ ዚመሳሰል ዘመናዊ ዅነታት እስከ ንርአ። እቲ ዓያዪ ምስ ሓደ ደሓን ዚመስል፡ ግናኸ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ዘሎ ክርስትያን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ዚዓዪ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዚ ሓው እዚ ኣብ ኣኼባታት ይእከብ ከምኡውን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ይካፈል እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርከብ ዚስሕብ ነገራት ይሓስብን ብልቡ ድማ ይምነዮን እዩ። ንየሆዋ ንእተወሰነ ዓመታት እኳ እንተ ኣገልገሎ፡ ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ነገራት ኪረክብ ዘለዎ ባህጊ እናወሰኸ ስለ ዚኸይድ፡ ግልጽ ኢሉ ‘ንድሕሪት ኪርኢ’ ይጅምር። ኣብ ኣገልግሎት ኪዕየ ዘለዎ ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተሎ፡ ‘ነቲ ቓል ህይወት ኣጽኒዑ ስለ ዘይሕዞ፡’ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዚገብሮ ዝነበረ ተሳትፎ ይንኪ። (ፊል. 2:16) እቲ “ጐይታ እኽሊ” ዝዀነ የሆዋ ድማ፡ እቲ ሓው ብዘይምጽናዑ ይጕሂ።—ሉቃ. 10:2።
13. ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ምግልጋል እንታይ የጠቓልል፧
13 እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ኣብ ከም ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ምስታፍን ዝኣመሰለ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ዕዮ ኣዘውቲርና ምክፋልና ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ምግልጋል ግና ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። (2 ዜና 25:1, 2, 27) ሓደ ክርስትያን ብልቡ ገና ነቲ ‘ኣብ ድሕሪት ዘሎ ነገራት፡’ ማለት ንገሊኡ ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። (ሉቃ. 17:32) ነቲ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” ዚብል ምኽሪ ንስዕቦ እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ እንበቅዕ።’ (ሮሜ 12:9፣ ሉቃ. 9:62) ስለዚ፡ ኵልና ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ነገራት፡ ዋላ እውን ጠቓሚ ወይ ባህ ዜብል ይምሰል፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኻብ ምፍጻም ከይዓግተና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—2 ቈረ. 11:14፣ ፊልጲ 3:13, 14 ኣንብብ።
ንቑሕ ኩን!
14, 15. (ሀ) ሰይጣን ንልብና ኺጸልዎ ዚጽዕር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሜላ ሓደገኛ ምዃኑ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።
14 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ርእስና ንዕኡ ንኽንውፊ ደሪኻትና እያ። መብዛሕትና ድማ፡ ካብቲ ርእስና ዝወፈናሉ ግዜ ኣትሒዝና፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልብና ንኸነገልግሎ ኸም ዝቘረጽና ኣርኢና ኢና። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ገና ብኣና ተስፋ ኣይቈረጸን። ልብና ኸኣ፡ ገና ዕላማ መጥቃዕቱ እዩ ዘሎ። (ኤፌ. 6:12) ሓቂ እዩ፡ ንየሆዋ ብኡብኡ ኸም ዘይንጥንጥኖ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ልባዊ ቕንኣት ቀስ ብቐስ ንምድኻም፡ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ’ ብስዉር ይጥቀመላ እዩ። (ማርቆስ 4:18, 19 ኣንብብ።) እዚ ሜላ እዚ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
15 ብናይ ሚእቲ ዋት ኣምፑል ተንብብ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ፣ ብሃንደበት ግና እታ ኣምፑል ሓሪራ። ድቕድቕ ጸልማት ስለ ዚውሕጠካ፡ ነታ ኣምፑል ብኡብኡ ትቕይራ። እንደገና ኸኣ እታ ኽፍሊ ብብርሃን ትምላእ። ንጽብሒቱ ምሸት እውን ንባብካ ትቕጽል። ይኹን እምበር፡ ንስኻ ደኣ ኢኻ ዘይፈለጥካ እምበር፡ ሓደ ሰብ ነታ ናይ 100 ዋት ኣምፑል ብናይ 95 ዋት ቀዪርዋ እዩ። እሞኸ ነቲ ፍልልይ መስተብሃልካሉዶ፧ ምናልባት ኣይተስተብህለሉን ትኸውን። ንጽብሒቱ እታ ኣምፑል ብናይ 90 ዋት እንተ ትቕየርከ፧ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣይተስተብህለላን ትኸውን። ስለምንታይ፧ ካብታ ኣምፑል ዚወጽእ ብርሃን ቀስ ብቐስ ስለ ዝነከየ፡ ኣይተስተብህለሉን ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣባና እተሕድሮ ጽልዋ፡ ቀስ ብቐስ ንቕንኣትና ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ ሰይጣን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና ናይ 100 ዋት ልባዊ ቕንኣት፡ ብኻልእ ንእሽቶ ዝዓቐኑ ዋት ለዊጥዎ ኣሎ ማለት እዩ። ሓደ ክርስትያን ንቑሕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ ለውጢ ኸየስተብህለሉ እውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 24:42፣ 1 ጴጥ. 5:8።
ጸሎት ኣገዳሲ እዩ
16. ንገዛእ ርእስና ኻብ ውዲት ሰይጣን ከነዕቍባ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
16 ንገዛእ ርእስና ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዲት ሰይጣን ከነዕቍባን ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኸነገልግሎን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (2 ቈረ. 2:11) ጸሎት ኣገዳሲ እዩ። ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ኪቃወምዎ’ ኣተባብዖም። ድሕሪኡ እውን፡ ‘ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ኪጽልዩ’ ተማሕጸኖም።—ኤፌ. 6:11, 18፣ 1 ጴጥ. 4:7።
17. የሱስ ዝጸለዮ ጸሎት እንታይ እዩ ዚምህረና፧
17 ንሰይጣን ምእንቲ ኽንቃወሞ፡ ነቲ ንየሆዋ ብፍጹም ልቡ ኼገልግሎ ዚብህግን ጸሎተኛን ዝነበረ የሱስ ብምቕዳሕ፡ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሉቃስ፡ የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ብኸመይ ከም ዝጸለየ ጸብጺቡ ኣሎ፣ “ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ” ድማ በለ። (ሉቃ. 22:44) የሱስ ቅድሚኡ እውን እንተ ዀነ፡ ኣበርቲዑ ይጽሊ ነይሩ እዩ፣ ኣብታ እዋን እቲኣ ግና፡ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና ስለ ዘጋጠሞ፡ ብዝያዳ “ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ፣” ጸሎቱ ኸኣ ተመለሰሉ። የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ጸሎት እተፈላለየ ደረጃ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። ስለዚ፡ እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ኣዝዩ ኸቢድ ኣብ ዚዀነሉን ጽልዋ ሰይጣን እናሓየለ ኣብ ዚኸደሉን እዋን፡ ዕቝባ የሆዋ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ‘ኣጽኒዕና’ ኽንጽሊ ኣሎና።
18. (ሀ) ንጸሎት ብዚምልከት ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧ (ለ) ኣየናይ ረቛሒታት እዩ ንልብና ኺጸልዎ ዚኽእል፧ ብኸመይከ፧ (ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሳጹን ርአ።)
18 ከምዚ ዓይነት ጸሎት ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፡ . . . እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም . . . ኪሕልዎ እዩ” በለ። (ፊል. 4:6, 7) እወ፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኸነገልግሎ እንተ ዄንና፡ ካብ ልብናን ኣዘውቲርናን። (ሉቃ. 6:12) ስለዚ፡ ንርእስኻ፡ ‘ካብ ልበይን ኣዘውቲረን ድየ ዝጽሊ፧’ ኢልካ ሕተታ። (ማቴ. 7:7፣ ሮሜ 12:12) ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ ምላሽ፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘሎካ ባህጊ ኽሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ እዩ ዚሕብር።
19. ንየሆዋ ብፍጹም ልብኻ ምእንቲ ኸተገልግሎ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧
19 ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት፡ ኵነታት ልብና እዩ ዚሕብር። እቲ ሓዲግናዮ ዝመጻእና ነገራት ኰነ ውዲት ሰይጣን፡ ነቲ ንየሆዋ ብፍጹም ልብና ንኸነገልግሎ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከየዳኽሞ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ሉቃስ 21:19, 34-36 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ልክዕ ከም ዳዊት፡ ንየሆዋ፡ “ንልበይ ኣዳልዎ” ኢልና ወትሩ ንለምኖ።—መዝ. 86:11።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]
ንልብና ኺጸልዎ ዚኽእል ሰለስተ ረቛሒታት
ልክዕ ከምቲ ንስጋዊ ልብና ንምክንኻን ስጕምቲ እንወስድ፡ ንምሳልያዊ ልብና ንምክንኻን እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ፦
1 ምግቢ፦ ስጋዊ ልብና እኹልን ጥዑይን ምግቢ ኺረክብ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ብምስትንታንን ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን፡ እኹልን ጥዑይን መንፈሳዊ ምግቢ ኽንረክብ ኣሎና።—መዝ. 1:1, 2፣ ምሳ. 15:28፣ እብ. 10:24, 25።
2 ኣካላዊ ምውስዋስ፦ ስጋዊ ልብና ጥዑይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓድሓደ ግዜ ኣበርቲዑ ኺዓዪ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ንጥፈታትና ኽብ ብምባል ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ቕንኣት ዝመልኦ ተሳትፎ፡ ንምሳልያዊ ልብና ጥዑይ እዩ ዚገብሮ።—ሉቃ. 13:24፣ ፊል. 3:12።
3 ኣከባቢ፦ እቲ እንሰርሓሉን እንነብረሉን ንኣምላኽ ብዘይፈርሁ ሰባት ዝመልአ ኣከባቢ፡ ንስጋውን ንምሳልያውን ልብና ሓያል ጸቕጢ ኼውርደሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ግዜ ምስቶም ካብ ልቢ ዚግደሱልናን ንኣምላኽ ብፍጹም ልቢ ዜገልግልዎን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንሓብር እንተ ዄንና፡ እቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ጸቕጢ ኺንኪ ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:63፣ ምሳ. 13:20።