ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ሓደ ሳምራዊ ሕያዋይ ብጻይ ምዃኑ የረጋግጽ
ኣብ መዓልትታት የሱስ: ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ርኡይ ጽልኢ ነበረ። ጸኒሑ ድማ: እቲ ናይ ኣይሁድ ሚሽናህ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኣይሁዳዊት ንዘይኰነት ሰበይቲ ከይተሕርሳ ዝኽልክል ሕጊ እውን ከይተረፈ ሰሪዑ ኢዩ: እዚ እተገብረሉ ምኽንያት ከኣ ካልእ ካብ ኣህዛብ ዝዓሌቱ ሰብ ናብ ዓለም ንኽመጽእ ኣበርክቶ ዝገብር ብምዃኑ ኢዩ።—ኣቦዳህ ዛራህ 2:1
ሳምራውያን ብሃይማኖትን ብዓሌትን ካብ ናብ ኣህዛብ ናብ ኣይሁድ ኢዮም ኣዝዮም ብቐረባ ዝዛመዱ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ንሳቶምውን ከም ንጹጋት ኢዮም ዝርኣዩ ነይሮም። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም” ብምባል ጸሓፈ። (ዮሃንስ 4:9) አረ ታልሙድሲ “እቲ ሓደ ሳምራዊ ዝህቦ ቍራስ ሕብስቲ ካብ ስጋ ሓሰማ ንላዕሊ ርኹስ ኢዩ” ኢሉ ኢዩ ዝምህር ነይሩ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ገሊኦም ኣይሁድ ነታ “ሳምራዊ” እትብል ስያመ ከም ናይ ንዕቀትን ውርደትን መግለጺት ገይሮም ይጥቀሙላ ነበሩ።—ዮሃንስ 8:48
ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: የሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ ኣይሁድ ዝነበረ ሰብኣይ እተዛረቦ ቓላት ዓቢ ትምህርቲ ዝሓዘለ ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ናብ የሱስ ቀሪቡ “መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ክምልስ ከሎ ቈላሕትኡ ናብቲ ‘ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልብኻን ነፍስኻን ሓይልኻን ሓሳብካን ከተፍቅር’ ከምኡውን ‘ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ከተፍቅር’ ዝእዝዝ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ ገበረ። ድሕርዚ እቲ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ብምባል ሓተቶ። (ሉቃስ 10:25-29፣ ዘሌዋውያን 19:18፣ ዘዳግም 6:5) ብመሰረት ፈሪሳውያን: እታ ‘ብጻይ’ እትብል ስያመ ኣብ ኣህዛብ ወይ ድማ ኣብ ሳምራውያን ዘይኰነስ ኣብቶም ናይ ኣይሁድ ልምድታት ዝሓለዉ ሰባት ጥራይ ኢያ እትውዕል ነይራ። እዚ ህንጡይ ፈላጥ ሕጊ እዚ የሱስ ነቲ ኣረኣእያ እቲ ክድግፎ ኢዩ ኢሉ ሓሲቡ እንተድኣ ነይሩ: ብኡንብኡ ተገሪሙ ክኸውን ኣለዎ።
እቲ ደንጋጺ ሳምራዊ
የሱስ ናይቲ ሰብኣይ እቲ ሕቶ ምሳሌያዊ ዛንታ ብምዝንታው መለሰሉ።a “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ [ይወርድ ነበረ]” በለ። እቲ ኣብ መንጎ የሩሳሌምን ያሪኮን ዝነበረ ርሕቀት 23 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ነበረ። እቲ ነዘን ክልተ ኸተማታት ዘራኽብ መገዲ ሰረቕቲ ንኽሕብኡን ንኸጥቅዑን ንኸምልጡን ዘኽእሎም ጥውይዋይ መገድን ኰረቢት ዝመልኦን ነበረ። እቲ ኣብ ምሳሌያዊ ዛንታ የሱስ እተጠቕሰ ገያሺ ብእኡ ክኸይድ ከሎ: “ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ።”—ሉቃስ 10:30
የሱስ ቀጺሉ “ኰነ ኸኣ: ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ: ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሔ: እናረአዮ ሐለፈ” በለ። (ሉቃስ 10:31, 32) እቶም ካህናትን ሌዋውያንን—ነቲ ንብጻይካ ምፍቃር ዝምልከት ሕጊ ሓዊስካ—መምህራን ሕጊ ኢዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 10:8-11፣ ዘዳግም 33:1-10) ነቲ እተጐድኣ ገያሺ ንምሕጋዝ ካብ ካልኦት ዝያዳ ድራኸ ክሓድሮም ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ።
የሱስ ቀጺሉ “ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ” በለ። ሳምራዊ ዝብል ቃል ምጥቃሱ ናይቲ ፈላጥ ሕጊ ነቲ ዝነበሮ ህንጥዮት መሊሱ ከም ዝወሰኸሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። የሱስ ነቲ ኣብዞም ዓሌት እዚኣቶም ዝነበረ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ደጊፍዎዶ ኢዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: እቲ ንጹግ ዝበሃል ዝነበረ ሳምራዊ ምስ ረኣዮ “ደንገጸሉ።” የሱስ ከምዚ በለ:- ‘ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ: ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ።b ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ: ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፤ ተኸናኸኖ: ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ: በሎ።’—ሉቃስ 10:33-35
የሱስ ሕጂ ነቲ ሓታቲኡ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ: ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ፈላጥ ሕጊ መልሱ ይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ “እቲ ሳምራዊ” ኢሉ ክምልስ ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡስ: ብድብድቡ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” ብምባል መለሰ። ድሕርዚ የሱስ “ኪድከ: ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።—ሉቃስ 10:36, 37
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እቲ ሰብኣይ ንየሱስ ዝሓተቶ “ርእሱ ኼጽድቕ” ስለ ዝደለየ ኢዩ። (ሉቃስ 10:29) ምናልባት ናብ ሕጊ ሙሴ ጸኒዑ ብምጥባቑ የሱስ ከም ዝውድሶ ሓሲቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ርእሱ ዘጽደቐ ውልቀ -ሰብ እዚ ነቲ “ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ: ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን” ዝብል ሓቂ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ክማሃሮ ኣድልይዎ ኢዩ።—ምሳሌ 21:2
እቲ ናይ የሱስ ምሳሌያዊ ዛንታ: ናይ ሓቂ ቕኑዕ ሰብ ዝበሃል እቲ ንሕግታት ኣምላኽ ዝእዘዝ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ንባህርያቱ እውን ዝቐድሕ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። (ኤፌሶን 5:1) ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ይነግረና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ነዚ ብዝምልከት ንኣምላኽ ንቐድሖ ዲና፧ እዚ ዘነቓቕሕ ናይ የሱስ ምሳሌያዊ ዛንታ ብጻይነትና ሃገራውን ባህላውን ሃይኖማኖታውን ሓጹራት ዝሰግር ክኸውን ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ። ብሓቂ: ክርስትያናት ከምቲ ናቶም ማሕበራዊ ደረጃ: ዓሌት ወይ ድማ ሃገር ዘለዎም ሰባት ከምኡውን ንኣመንቲ ብጾቶም ጥራይ ዘይኰነስ ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክገብሩ’ ተኣዚዞም ኢዮም። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ገላትያ 6:10
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ማዕዳ ክስዕቡ ይጽዕሩ ኢዮም። ንኣብነት: ባህርያዊ ዕንወት ምስ ዝለዓል: ንኣመንቲ ብጾትን መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባትን ሰብኣዊ ሓገዞም ይዝርግሑ ኢዮም።c ብተወሳኺውን: ሰባት ናብ ዝሓሸ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ንኽመጹ ብምሕጋዝ ዓመት-ዓመት ብድምር ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ። ፍቓድ ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ስለ ዝዀነ: መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብምሓዝ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክበጽሕዎ ይጽዕሩ ኢዮም።—1 ጢሞቴዎስ 2:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:35
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ገሊኡ መዕረፍ ኣጋይሽ መሕደሪ ጥራይ ዘይኰነስ መግብን ካልእ ኣገልግሎትን የዳሉ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። የሱስ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዎ ዝነበረ ዓይነት መዕረፍ ኣጋይሽ ከምዚ ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ከመይሲ እታ ኣብዚ ተጠቒሙላ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ኣብ ሉቃስ 2:7 “ማሕደር ኣጋይሽ” ተባሂላ እተተርጐመት እተፈልየት ኢያ።
b ንኣብነት: ናይ 1 ታሕሳስ 1996 ገጽ 3 -8: ከምኡውን ናይ 15 ጥሪ 1998 ገጽ 3 -7 ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።
c ምሳሌያዊ ዛንታ መብዛሕትኡ ግዜ ስነ-ምግባራዊ ወይ ድማ መንፈሳዊ ሓቂ ዝርከበሉ ሓጺር ፈጠራዊ ዛንታ ኢዩ።