ነቲ ናይ የሆዋ ምሕረት ቅድሓዮ
“ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ [“መሓሪ: ” NW ] ዝዀነ ርሕሩሓት [“መሓርቲ: ” NW ] ኩኑ። ”—ሉቃስ 6:36
1. እቶም ፈሪሳውያን መሓርቲ ከም ዘይኰኑ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ እኳ እንተ ተፈጥሩ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናቱ ምሕረት ክቐድሕዎ ኣይከኣሉን። (ዘፍጥረት 1:27) ንኣብነት: ኵነታት ፈሪሳውያን ንርአ። የሱስ ብምሕረት ንሓደ ኢዱ ነቒጻ ዝነበረት ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ምስ ኣሕወዮ እቶም ፈሪሳውያን ከም ጕጅለ መጠን ክረኣዩ ከለዉ ኣይተሓጐሱን። ኣብ ክንድኡስ ንየሱስ “ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ” ተማኸሩ። (ማቴዎስ 12:9-14) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ የሱስ ንሓደ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ኣሕወዮ። “ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ” እንደገና በቲ ናይ የሱስ ድንጋጽ ክሕጐሱ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንድኡስ “እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” ብምባል ኣጕረምረሙ።—ዮሃንስ 9:1-7, 16
2, 3. የሱስ ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ተጠንቀቑ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧
2 እቲ ጨካን ኣረኣእያ ናይ ፈሪሳውያን ኣብ ቅድሚ ሰብ ገበን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣት ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 9:39-41) የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ካብ ማይ ብሑቝ” ናይዞም ምኩሓት ዝነበሩ ጕጅለ እዚኣቶምን ካልኦት ከም ሰዱቃውያን ዝበሉ ሃይማኖታውያንን ክጥንቀቑ ምሕባሩስ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:6) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ብሑቝ ሓጢኣት ወይ ከኣ ብልሽውና ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ የሱስ ትምህርቲ ናይ “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን” ንንጹህ ኣምልኾ ከባላሹ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ብኸመይ ኢዩ ከበላሹ ዝኽእል፧ ሰባት ንምሕረት እውን ሓዊስካ ነቲ “ኣውራ ነገር” ሸለል ብምባል: ንሕጊ ኣምላኽ በቲ ንሳቶም ብኢደ ወነኖም ዝገበርዎ መምርሒታትን ጽንብላትን ከም ዝርእይዎ ገይሩ ስለ ዝምህር ኢዩ ዘበላሹ ዝኸውን። (ማቴዎስ 23:23) እዚ ናይ ወግዒ ዓይነት ሃይማኖት እዚ ንኣምልኾ ናይ ኣምላኽ ክትጻወሮ ዘይክኣል ሰኸም ከም ዝኸውን ገበሮ።
3 የሱስ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ነቲ ብልሹው ኣተሓሳስባ ናይቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ኣቃልዖ። እቲ ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ንየሆዋ ዘመልክት ኣቦ: ነቲ እተናስሐ ወዱ ክምሕሮ ሃረር ኢሉ ኢዩ ነይሩ። እቲ ነቶም “ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን” ዘመልክት ዝነበረ ዓቢ ሓዉ ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ፈጺሙ እተፈልየ ስምዒት ኢዩ ነይርዎ።—ሉቃስ 15:2
ኵራ ሓው
4, 5. ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ‘ዝጠፍአ’ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
4 “እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ: ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፤ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፤ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ: ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ: ስብሕቲ ላም ሐሪዱሉ: በሎ። ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን አበየ።”—ሉቃስ 15:25-28
5 ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ሽግር ዝነበሮ እቲ ሓሻሽ ወዲ ጥራይ ከም ዘይነበረ ንጹር ኢዩ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ “እቶም ኣብዚ ብሓጺሩ ተገሊጾም ዘለዉ ክልተ ደቂ: እቲ ሓደ በቲ ዘሕስሮ እከይ እቲ ሓደ ኸኣ በቲ ዘዕውሮ ርእስኻ ምጽዳቕ ምኽንያት ጠፊኦም ኢዮም” በለ። ነቲ ሓሻሽ ወዲ ሓዉ ኣይተሓጐሰን ጥራይ ዘይኰነስ ከም ‘ዝዀረየውን’ ኣስተብህል። ብቛንቋ ግሪኽ ሱር ናይታ ‘ኵራ’ እትብል ቃል: ብቝጥዐ ምጭዳር ዘይኰነስ ኣብ ኣእምሮ ዝቕጽል ኵነታት ኢያ ተመልክት። ነቲ ሓሻሽ ወዲ ሓዉ ብርቱዕ ቂም ሒዙ ከም ዝነበረ ግሁድ ኢዩ: ስለዚ ንሓደ ብመጀመርትኡ ካብ ቤቱ ክወጽእ ዘይነበሮ ሰብ ተመሊሱ ኢልካ ምብዓል ዘይግቡእ ኢዩ ዝብል ስምዒት ኢዩ ነይርዎ።
6. ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ንመን ኢዩ ዘመልክት: ስለምንታይከ፧
6 ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ነቶም የሱስ ንሓጥኣን ድንጋጽን ቈላሕታን ስለ ዝሃቦም ቅር ዝበሎም ሰባት ኢዩ ዘመልክት። እዞም ርእሶም ዘጽድቑ ሰባት እዚኣቶም እቲ ናይ የሱስ ምሕረት ኣይተንከፎምን፣ እቲ ሓደ ሓጥእ ይቕረ ምስ ተባህለሉ ኣብ ሰማይ ዝህሉ ሓጐስ እውን ኣየንጸባረቑን። ኣብ ክንድኡስ ናይ የሱስ ምሕረት ኣዀረዮም: ብልቦም ከኣ ‘ክፉእ ክሓስቡ’ ጀመሩ። (ማቴዎስ 9:2-4) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ናይ ገሊኦም ፈሪሳውያን ቝጥዓ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ ንሓደ የሱስ ዘሕወዮ ሰብኣይ ጸውዕዎ እሞ: ካብቲ ቤት ጸሎት ‘ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ’—ከም ዝሰጐጕዎ ኸኣ ርዱእ ኢዩ! (ዮሃንስ 9:22, 34) ከምቲ ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ‘ምእታው ዝኣበየ:’ እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ‘ምስቶም ዝሕጐሱ ክሕጐሱ’ ኣጋጣሚ ምስ ረኸቡ ፈጺሞም ኣበዩ። (ሮሜ 12:15) የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ክቕጽል ከሎ ነቲ እኩይ ኣተሓሳስብኦም ወሲኹ ኣቃልዖም።
ግጉይ ኣተሓሳስባ
7, 8. (ሀ) ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ትርጕም ናይ ውሉድ ምዃን ዝሰሓቶ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ዓቢ ወዲ ከም ኣቡኡ ዘይነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
7 “ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡ፤ እንሆ: ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ: ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሀብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና: ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ።”—ሉቃስ 15:28-30
8 ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ በዚ ቓላት እዚ ገይሩ እቲ ናይ ሓቂ ትርጕም ናይ ውሉድ ምዃን ከም ዝሰሓቶ ግልጺ ገበሮ። ከምቲ ሓደ ሰራሕተኛ ነቲ ዘስርሖ ሰብ ገይሩ ዘገልግሎ ኢዩ ንሱ ነቡኡ ዘገልገለ። ነቡኡ “ተገዛእኩኻ” ኢዩ ዝበሎ። ሓቂ ኢዩ እቲ ዓቢ ወዱ ነቡኡ ገዲፉ ወይ ከኣ ናይ ኣቡኡ ትእዛዛት ጥሒሱ ኣይፈልጥን ኢዩ። እቲ ተኣዛዝነቱ ግን ብፍቕሪ እተደረኸ ድዩ ነይሩ፧ ነቡኡ ኣብ ምግልጋል ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረክብዶ ነይሩ: ወይስ ኣብ “ወፍሪ” እቲ ዝግብኦ ብምግባሩ ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ከም ንፉዕ ውላድ ገይሩ ብምሕሳብ ኣብ ናይ ምዕጋብ ስምዒት ኢዩ ኣምሪሑ፧ ብሓቂ ውፉይ ውላድ እንተድኣ ነይሩ: ከምቲ ናይ ኣቡኡ ኣተሓሳስባ ዘየንጸባረቐ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንሓዉ ምሕረት ክገብር ኣጋጣሚ ምስ ቀረበሉ: ኣብ ልቡ ንድንጋጽ ቦታ ዘይነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧—ምስ መዝሙር 50:20-22 ኣረኣእዮ።
9. እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዓቢ ወዲ ዝመስሉ ብኸመይ ምዃኖም ግለጽ።
9 እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዓቢ ወዲ ኢዮም ዝመስሉ ነይሮም። ንዝርዝር ሕግታት ጠቢቖም ይስዕቡ ብምንባሮም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ይመስሎም ነበረ። ተኣዛዝነት ኣድላዪ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 15:22) ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ብምትኳሮም ግን ንኣምልኾ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ዘይብሉ ብላዕሊ ተወፋይነት ዘለዎ ዝመስል ብልምዲ ዝግበር ተደጋጋሚ ነገር ከም ዝኸውን ገበርዎ። ኣእምሮኦም ብባህሊ ኢዩ መሊኡ ነይሩ። ልቦም ፍቕሪ ኣይነበሮን። ነቶም ተራ ሰባት ከም ኣብ ትሕቲ ኣእጋሮም ዘሎ ርስሓት ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ: አረ ብንዕቀት ‘ርጉም ህዝቢ’ ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎም ነይሮም። (ዮሃንስ 7:49) ብሓቂ እምብኣር ኣምላኽ ብተግባር ናይዞም ከምዚኦም ዝበሉ ልቦም ካብኡ ዝረሓቐ መራሕቲ ብኸመይ ክምሰጥ ይኽእል፧—ማቴዎስ 15:7, 8
10. (ሀ) እቲ “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን” ዝብል ዘረባ ግቡእ ምኽሪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ምሕረት ዘይምግባር ከቢድ ጕዳይ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
10 የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: ዚብል እንታይ ምዃኑ: ኪዱ ተምሀሩ” በሎም። (ማቴዎስ 9:13፣ ሆሴእ 6:6) እቲ ቀዳምነት ዝህብዎ ነገራት ተሓዋዊስዎም ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ብዘይ ምሕረት እቲ ኵሉ ዝገብርዎ መስዋእትታት ዋጋ ኣይነበሮን። እዚ ብሓቂ ከቢድ ነገር ኢዩ: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም “ዘይድንግጹ” “ሞት ከም ዚግብኦም” ኢዩ ዝገልጽ። (ሮሜ 1:31, 32) ስለዚ እምብኣር የሱስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከም ጉጅለ መጠን ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዝጽበዮም እንተ ተዛረበ ዘገርም ኣይኰነን። እዚ ፍርዲ ከውህቦም ዝኸኣለ ዝዓበየ ምኽንያት መሓርቲ ስለ ዘይነበሩ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። (ማቴዎስ 23:33) እንተዀነ ግን: ገለ ካብዚ ክፍሊ እዚ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ክሕገዙ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ መደምደምታ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ የሱስ በተን እቲ ኣቦ ነቲ ዓቢ ወዱ ዝበሎ ቃላት ገይሩ ኣተሓሳስባ ናይዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣይሁድ ንምዕራይ ጸዓረ። ብኸመይ ከምኡ ከም ዝገበረ ንርአ።
ምሕረት ናይ ሓደ ኣቦ
11, 12. እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ኣቦ ምስቲ ዓቢ ወዱ ብኸመይ ኢዩ ክረዳዳእ ፈቲኑ: እቲ ኣቦ “ሓውካ” ዝብል ኣዘራርባ ምጥቃሙ እንታይ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
11 “ንሱ ኸኣ፤ ወደይ: ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ: ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ።”—ሉቃስ 15:31, 32
12 እቲ ኣቦ “ሓውካ” ዝብል መጸውዒ ተጠቒሙ ከም ዘሎ ኣስተብህል። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝበለ፧ እቲ ዓቢ ወዲ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ኣቡኡ ክዛረብ ከሎ ነቲ ሓሻሽ ወዲ “ወድኻ” እምበር “ሓወይ” ኢሉ ከም ዘይጸውዖ ትዝክር ኢኻ። ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሓዉን ዘሎ ዝምድና ኣፍልጦ ዝሃበሉ ኣይመስልን ኢዩ። ስለዚ ብሓቂ ክርአ ከሎ እቲ ኣቦ ነቲ ዓቢ ወዱ ‘ወደይ ጥራይ ኣይኰነን። ሓውካ: ስጋኻን ደምካን እውን ኢዩ። ስለዚ ብምምላሱ ክትሕጐስ ምኽንያት ኣሎካ’ ኢዩ ዝብሎ ዘሎ! እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ነቲ ናይ የሱስ መልእኽቲ ኣነጺሮም ክርድእዎ ነበሮም። እቶም ዝንዕቅዎም ዝነበሩ ሓጢኣተኛታት ብሓቂ ክርአ ከሎ “ኣሕዋቶም” ኢዮም። ብርግጽ ከኣ “ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።” (መክብብ 7:20) እቶም ምርኡያት ኣይሁድ እምብኣር እቶም ሓጥኣን ክናስሑ ከለዉ ንኽሕጐሱ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ።
13. የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ብሃንደበት ብምውድኡ እንታይ ዘተሓሳስብ ሕቶ ኢዩ ከለዓዕለልና ዝኽእል፧
13 ብድሕሪ ናይቲ ኣቦ ምሕጽንታ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ብሃንደበት ይውዳእ። የሱስ እቶም ሰማዕቱ ነቲ ዛንታ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ክህብዎ ዝዓደመ ኢዩ ዝመስል። ምላሽ ናይቲ ዓቢ ወዱ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ነፍሲ ወከፍ ሰማዒ ‘ሓደ ሓጥእ ምስ ተናስሐ ኣብቲ ናይ ሰማይ ሓጐስ ንስኻውን ክትጽንበር ዲኻ፧’ ዝብል ሕቶ ኢዩ ዘጋጥሞ። ሎሚ እውን ክርስትያናት ነዚ ሕቶ እዚ ዝህብዎ መልሲ ከርእዩ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ብኸመይ፧
ሎሚ ነቲ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ምቕድሑ
14. (ሀ) ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:1 ዘሎ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ንምሕረት ብዝምልከት ብኸመይ ኢና ኣብ ተግባር ከነውዕሎ እንኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ እንታይ ጌጋ ዝዀነ ምርዳእ ከይህልወና ኢና ክንጥንቀቕ ዘድልየና፧
14 ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ብምባል መዓዶም። (ኤፌሶን 5:1) ስለዚ ከም ክርስትያናት መጠን ነቲ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ብሞሳ ኣፍልጦ ክንህበሉ: ኣብ ልብና ኣዕሚቑ ከም ዝሰርጽ ክንገብሮ: ብድሕርዚ ኸኣ ኣብቲ ምስ ካልኦት እንገብሮ ምምልላስ ከነርእዮ ይግባእ። ምጥንቃቕ ግን ግቡእ ኢዩ። ምሕረት ኣምላኽ ከም ሓጢኣት ምኽዋል ኰይኑ ክትርጐም የብሉን። ንኣብነት ገሊኦም ከይገደሶም ‘ሓጢኣት እንተ ገበርኩ: ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ምሕረት ክሓቶ: ንሱ ኸኣ ክምሕረኒ ኢዩ’ ብምባል ክሓስቡ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ምስቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይሁዳ “ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ” ዝበሎም ሰባት ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። (ይሁዳ 4) የሆዋ መሓሪ እኳ እንተዀነ ነቶም ዘይናስሑ በደልቲ ግና ፈጺሙ ‘ከም ንጹሃት ኣይርእዮምን’ ኢዩ።—ዘጸኣት 34:7፣ ምስ እያሱ 24:19፣ 1 ዮሃንስ 5:16 ኣረኣእዮ።
15. (ሀ) ብፍላይ ሽማግለታት ብዛዕባ ምሕረት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቲ ውራየይ ኢልካ ዝግበር ጌጋ ዘይጾርዎ እኳ እንተዀኑ: እንታይ ክገብሩ ኢዮም ክጽዕሩ ዘለዎም: ስለምንታይከ፧
15 በቲ ሓደ ወገን ከኣ ነቶም ብሓጢኣቶም ናይ ሓቂ ነስሓን ኣምላኻዊ ጓህን ዘርእዩ ሰባት: ተረርትን ፈረድትን ናይ ምዃን ዝንባለ ብምሓዝ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓለፍ ዝበሉ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ የድልየና። (2 ቈረንቶስ 7:11) ሽማግለታት ንኣባጊዕ የሆዋ ናይ ምሕላይ ሕድሪ ስለ እተዋህቦም: በዚ መዳይ እዚ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ክሕዙ ኣድላዪ ኢዩ: ብፍላይ ከኣ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ኣብ ዘካይዱሉ ግዜ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብጽፈት ክትትሓዝ ይግባእ: ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ብምውጋድ ‘ነቲ እኩይ ምውጽኡ’ ግቡእ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13) ንጹር ምኽንያት ክህሉ ከሎ ምሕረት ምርኣይ ድማ ሰናይ ኢዩ። ስለዚ ሽማግለታት ነቲ ፈትዩ እከይ ዝገብር ሰብ ዘይጻወርዎ እኳ እንተዀኑ: ኣብ ወሽጢ ሓጹር ፍትሒ ኰይኖም ፍቕራውን ምሕረት ዝመልኦን መገዲ ክደለዩ ኢዮም ዝጽዕሩ። ነቲ “ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ: ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ይፈልጥዎ ኢዮም።—ያእቆብ 2:13፣ ምሳሌ 19:17፣ ማቴዎስ 5:7
16. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃም የሆዋ እቶም ዝጋገዩ ሰባት ብሓቂ ናብኡ ክምለሱ ከም ዝደሊ ኣርኢ። (ለ) ንሕናውን ምምላስ ናይቶም ዝናስሑ ሓጥኣን ከም ዘሐጕሰና ብኸመይ ነርኢ፧
16 እታ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ምሳልያዊት ዛንታ የሱስ እቶም ዝጋገዩ ሰባት ናብኡ ክምለሱ ከም ዝደሊ ግልጺ ኢያ ትገብር። ተስፋ ዘይብሎም ምዃኖም ክሳዕ ዘረጋግጹ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝዕድሞም። (ህዝቅኤል 33:11፣ ሚልክያስ 3:7፣ ሮሜ 2:4, 5፣ 2 ጴጥሮስ 3:9) ከም ኣቦ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ: የሆዋ ነቶም ዝምለሱ ምሉእ ብምሉእ ከም ኣባላት ስድራቤት ብምቕባል ብኽብረት ኢዩ ዝሕዞም። በዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ትቐድሖዶ ኣሎኻ፧ ሓደ ንገለ ግዜ ተወጊዱ ዝነበረ ብጻይካ ኣማኒ ምስ ዝምለስ ብኸመይ ኢኻ እትቕበሎ፧ “ኣብ ሰማይ ሓጐስ” ከም ዝኸውን ንፈልጥ ኢና። (ሉቃስ 15:7) እንተዀነ ግን: ኣብ ምድሪ: ኣብ ጉባኤኻ: ኣብ ልብኻውን ከይተረፈ ሓጐስ ኣሎዶ፧ ወይስ ብመጀመርትኡ እውን ካብ መጓሰ የሆዋ ክወጽእ ዘይነበሮ ሰብ ምስ ተመልሰ ምቕባል ከም ዘይግባእ ገይርካ ብምርኣይ ከምቲ ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ዓቢ ወዲ ዝገበሮ ገለ ቂም ሒዝካ ኢኻ፧
17. (ሀ) ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ቈረንቶስ እንታይ ኵነታት ኢዩ ዝማዕበለ: ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ክሕዝዎ ኢዩ ዝመዓዶም፧ (ለ) እቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ተግባራዊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ: ሎሚ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ የማን ዘሎ ሳጹን እውን ርአ።)
17 በዚ መዳይ እዚ ከመይ ምዃንና ገዛእ ርእስና ክንምርምር ምእንቲ ክሕግዘና: ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ቈረንቶስ ዘጋጠመ ነገር ንመርምር። ኣብኡ ሓደ ካብታ ጉባኤ ተወጊዱ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ መወዳእትኡ ህይወቱ ኣተዓራረየ። እቶም ኣሕዋት እንታይ ክገብሩ ነበሮም፧ ነቲ ነስሕኡ ብጥርጣረ ብምርኣይ ከርሕቕዎዶ ይግብኦም፧ ብኣንጻሩ ጳውሎስ ነቶም ሰብ ቈረንቶስ “ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ: ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። . . . ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም አለኹ” ብምባል ተማሕጸኖም። (2 ቈረንቶስ 2:7, 8) መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ናይ ውርደትን ተስፋ ምቝራጽን ስምዒት ይሓድሮም ኢዩ። ስለዚ እዚኣቶም በቶም ብጾቶም ኣመንትን ብየሆዋን ከም ዝፍቀሩ ክረጋገጸሎም ይግባእ። (ኤርምያስ 31:3፣ ሮሜ 1:12) እዚ ኣድላዪ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ኣድላዪ ዝኸውን፧
18, 19. (ሀ) ኣቐድም ኣቢሎም እቶም ሰብ ቈረንቶስ ኣዝዮም ልምሉማት ምዃኖም ብኸመይ ኣርኣዩ፧ (ለ) ምሕረት ዘይብሉ ኣረኣእያ ነቶም ሰብ ቈረንቶስ ‘ሰይጣን ከም ዝብለጸሎም’ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
18 ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ምሕረት ከዘውትሩ ክምሕጸኖም ከሎ: “ሰይጣን ከይብለጸልና: ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና” ብምባል ሓደ ካብቲ ምኽንያት ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 2:11) እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ጳውሎስ ጉባኤ ቈረንቶስ ኣዝዮም ልምሉማት ብምዃኖም ገሲጽዎም ነይሩ ኢዩ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ሓጢኣት እናገበረ ከይተቐጽዐ ክቕጽል ፈቒዶምሉ ነይሮም ኢዮም። ከምኡ ብምግባራ እዛ ጉባኤ እዚኣ—ብፍላይ ሽማግለታታ—ንሰይጣን ኣሐጕሳቶ ኢያ: ምኽንያቱ ሰይጣን እታ ጉባኤ ኣብ ናይ ውርደት ኵነታት ክትወድቕ ባህ ኢዩ ዝብሎ።—1 ቈረንቶስ 5:1-5
19 ሕጂ ኸኣ ነቲ እተናስሐ ይቕረ ምባል ብምእባይ ናብቲ ሓደ ጫፍ እንተድኣ ከይዶም ሰይጣን ብኻልእ መገዲ ክብለጸሎም ኢዩ። ብኸመይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ነቲ ጨካናትን ምሕረት ዘይገብሩን ምዃኖም ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝናሳሕ ሓጥእ ‘ብብዝሒ ጓሂ ዝውሓጥ’ እንተድኣ ኰይኑ—ወይ ከምቲ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን ዝብሎ “ፈጺሙ ተስፋ ክሳዕ ዝቘርጽ ዝጕሂ” እንተድኣ ኰይኑ—እቶም ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣየ ከመይ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት ኰን ኢዮም ዝስከሙ! (ምስ ህዝቅኤል 34:6፣ ያእቆብ 3:1 ኣረኣእዮ።) የሱስ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ” ከየዐንቅፉ ንሰዓብቱ ምስ ሓበረሎም “ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ: ግንሐዮ: እንተ ተጣዕሰ: ሕደገሉ” በለ።a (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ሉቃስ 17:1-4
20. ሓደ ሓጥእ ክናሳሕ ከሎ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ሓጐስ ዝኸውን በየናይ መገዲ ኢዩ፧
20 እቶም ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ዝምለሱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ የሆዋ ዘርእዮም ምሕረት የማስውሉ ኢዮም። ሓንቲ ክርስትያን ሓፍቲ ብዛዕባ ምምላሳ ክትዛረብ ከላ “ኣብ ህይወተይ ከምኡ ገይረ እተሓጐስክሉ ነገር ኣይዝከረንን” በለት። እቲ ሓጐሳ ኣብ መንጎ እቶም መላእኽቲ እውን መቓልሕ ከም ዝገብር እተረጋገጸ ኢዩ። ንሕና እውን ሓደ ሓጥእ ክናሳሕ ከሎ ኣብቲ “ኣብ ሰማይ” ዝህሉ “ሓጐስ” እንሓብር ይግበረና። (ሉቃስ 15:7) ከምኡ ብምግባርና ነቲ ናይ የሆዋ ምሕረት ክንቀድሖ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሓጢኣተኛ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እኳ እንተ ተመልሰ: እዚ ንዅሎም እተወገዱ ከም መለክዒ ክውሰድ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ እተፈልየ ኢዩ። ገሊኦም ሓጢኣተኛታት ምስ ተወገዱ ብኡንብኡ ኢዮም ናይ ሓቂ ነስሓ ዘርእዩ። ኣብ ገሊኦም ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ክሳዕ ዝርአ ገለ ግዜ ይሓልፍ። ኣብ ኵሉ እቲ ጕዳያት ግን እቶም ዝምለሱ መጀመርታ ኣምላኻዊ ጓሂ ከም ዘለዎም ከንጸባርቑ ኣብቲ ዘድልየሉ ኸኣ ንነስሓ ዝበቅዕ ተግባር ከርእዩ ይግብኦም።—ግብሪ ሃዋርያት 26:20፣ 2 ቈረንቶስ 7:11
ንድግማ
◻ ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ንናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ዝመስል በየናይ መገዲ ኢዩ፧
◻ ሓዉ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ናይ ሓቂ ትርጕም ውሉድ ምዃን ዝሰሓቶ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ክንሓስብ ከለና: ከነወግዶ ዝግብኣና ክልተ ሕሉፍ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
◻ ሎሚ ንምሕረት ኣምላኽ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]
‘ፍቕርኹም ኣጽንዑሉ’
ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ ብዛዕባ እቲ ነስሓ ዘርኣየ ተወጊዱ ዝነበረ ሓጢኣተኛ “ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም አሎኹ” በሎም። (2 ቈረንቶስ 2:8) እታ “ከተጽንዑሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ምርግጋጽ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ሕጋዊት ስያመ ኢያ። እወ: ተናሲሖም ዝምለሱ ሰባት ከም ዝፍቀሩን ከም ኣባላት ጉባኤ መጠን ከኣ እንደገና ተቐባልነት ከም ዝረኽቡን ክስምዖም ኣለዎ።
ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት እቲ ንሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ ኣብ ምውጋድን ኣብ ምምላስን ዘብጽሖ ነገር እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ምዃኖም ክንዝክር ይግብኣና። ኣብ ርእሲ እዚ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ብእከይ ናይቲ ዝናሳሕ ዘሎ ሰብ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ተጠቒዖም ወይ ተጐዲኦም ይዀኑ ኢዮም: እዚ ኸኣ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ክኸውን ይኽእል። እዞም ሰባት እዚኣቶም በዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት ተጐዲኦም ስለ ዘለዉ እምብኣር እቲ እተናስሐ ሰብ ከም እተመልሰ ክንገር ከሎ ብብሕትና ክንገልጸሉ ክሳዕ እንኽእል: ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ መግለጺታት ካብ ምግባር ከም እንቑጠብ ርዱእ ኢዩ።
እቶም እተመልሱ ሰባት ከም ኣባላት ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ መጠን ቅቡላት ከም ዝዀኑ ምፍላጦም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ንእምነቶም ዘደልድል ኰን ኢዩ! ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ እተናስሑ ሰባት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ: ኣብ ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ግቡእ ዝዀነ ኣጋጣሚታት ምስኦም ብምሕባርን ብምዕላልን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። እቲ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ እንፈትዎም ሰባት ዘሎና ፍቕሪ ብምጽናዕናን ብምርግጋጽናን ክብደት ናይቲ ዝገብርዎ ሓጢኣት ነቃልል ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ሓጥእ መገዶም ብምግዳፎምን ናብ የሆዋ ብምምላሶምን ኢና ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ጭፍራ ኴንና እንሕጐስ።—ሉቃስ 15:7
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ዓቢ ውሉድ ሓዉ ብምምላሱ ምሕጓስ ኣበየ