ነተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ምዝካር
ሻብዓይቲ መዓልቲ ናይታ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረት ኒሳን እትበሃል ናይ ኣይሁድ ወርሒ ኢያ። ነቲ ኣብ ናይ ሮሜ ኣውራጃ ይሁዳ ዘሎ ፍጻመታት ትዕዘብ ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ንያሪኮን ነቲ ለምለም ከባቢኣን ሓዲጎም ነቲ ዶራንን ጥውይዋይን ዓቐብ መገዲ ተተሓሓዝዎ። ብዙሓት ካልኦት ተጓዓዝቲ እውን ነቲ ዓመታዊ በዓል ፋስጋ ንምኽባር ናብ የሩሳሌም ይድይቡ ነበሩ። ይኹን እምበር: ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ካብዚ ኣድካሚ ጕዕዞ ንላዕሊ ዘተሓሳስቦም ነገር ነበረ።
ኣይሁድ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ሮሜ ኣናጊፉ ራህዋ ከምጽኣሎም ዝኽእል መሲሕ ብሃንቀውታ ክጽበዩ ጸኒሖም ኢዮም። ብዙሓት ሰባት የሱስ በዓል ናዝሬት እቲ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ መድሓኒ ክኸውን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክዛረብ ጸኒሑ ኢዩ። ንሕሙማት ኣሕውዩ ንጥሙያት ድማ መጊቡ ኢዩ። ብርግጽ: ነቲ ህዝቢ ምጽንናዕ ኣምጺእሉ ኢዩ። እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ግን በቲ ንዓኣቶም ኣመልኪቱ እተዛረቦ ሓያል ኩነኔ ጻዕጻዕ ኢዩ ዝብሎም ዘሎ: ንምቕታሉ ድማ ቈሪጾም ኢዮም ዘለዉ። ንሱ ግን: ሕጂ በቲ ዶራን መገዲ ኰነ ኢሉ ቀቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ እናተጓዕዘ ይመጽእ ኣሎ።—ማርቆስ 10:32
ጸሓይ ክንዮ እቲ ብቕድሚኦም ዘሎ ደብረ ዘይቲ ክትዓርብ ከላ: የሱስን ብጾቱን ኣብ ቢታንያ እትበሃል ዓዲ በጽሑ: ኣብኣ ድማ ሽዱሽተ ለይቲ ክሓድሩ ኢዮም። ኣብታ ዓዲ ኸኣ ኣልኣዛር: ማርያም: ከምኡውን ማርታ እተባህሉ ዝቕበልዎም ፈተውቲ ኣለውዎም። እቲ ምሸት እቲ ካብቲ ኣብ ጕዕዞ ዝወዓለ ሃሩር ዘዝሕል ዕረፍቲ ይህቦም: ሰንበት 8 ኒሳን ምጅማራ ድማ ይሕብር።—ዮሃንስ 12:1, 2
9 ኒሳን
ሰንበት ሓሊፋ: የሩሳሌም ድማ በቶም ኣብ ዋኒኖም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ሰባት መሊኣ ኢያ ዘላ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ በጻሕቲ ፋስጋ ከብዕሉ ድሮ ኣብታ ከተማ ኣትዮም ነበሩ። እዚ እንሰምዖ ዘሎና ያዕያዕ ግን: ኣብዛ ዓመት እዚኣ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ። ነቲ ዝዀነ ንምፍላጥ እተሃንጠዩ እኩባት ሰባት ኣብቲ ናብ ኣፍ ደገታት ናይታ ከተማ ዝወስድ ጸቢብ መገድታት ይጐዩ ኣለዉ። ተደፋፊኦም ካብቲ ኣፍ ደገታት ምስ ወጹ: ኣየ ከመይ ዝበለ ትርኢት ኰን ኢዩ ዝጸንሖም! ብዙሓት እተሓጐሱ ሰባት ነቲ ብቤተ-ፋጌ ኣቢሉ ዝመጽእ መገዲ ሒዞም ካብ ደብረ ዘይቲ ንቝልቁል ገጾም ይመጹ ኣለዉ። (ሉቃስ 19:37) ትርጕም ናይዚ ዅሉ እንታይ ኢዩ፧
ርአ! የሱስ በዓል ናዝሬት ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ። ሰባት ቀቅድሚኡ ኣብቲ መገዲ ክዳውንቲ የንጽፉ። ካልኦት ድማ ጨነፍር ስየ ቈሪጾም እናኣወዛወዙ “ሆሳእና: ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ” እናበሉ ብሓጐስ ይጭድሩ።—ዮሃንስ 12:12-15
እቶም እኩባት ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ: የሱስ ናብታ ኸተማ ይጥምት እሞ ስምዒቱ ኣጸቢቑ ይትንከፍ። ክበኪ ይጅምር: እዛ ኸተማ እዚኣ ክትጠፍእ ምዃና ክንበ ድማ ንሰምዖ። የሱስ ቁሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስ በጽሐ: ነቶም እኩባት ህዝቢ ይምህሮም: ናብኡ ንዝመጹ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድማ የሕውዮም።—ማቴዎስ 21:14፣ ሉቃስ 19:41-44, 47
ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ግን ነዚ ዅነታት እዚ ይዕዘብዎ ኢዮም ዘለዉ። ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራታዊ ነገራትን ንሓጐስ ናይቲ እኩብ ህዝብን ምስ ረኣዩስ ክንደይ ኰን ኢዮም ተኸኽ ዝበሉ! ፈሪሳውያን ንሕርቃኖም ምስታሩ ስለ ዝሰኣኑ “መምህር: ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም” ይብልዎ። የሱስ ድማ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም” ኢሉ ይምልሰሎም። የሱስ ካብቲ ቦታ ቅድሚ ምንቃሉ: ኣብቲ ቤት መቕደስ ንዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት የስተብህለሉ።—ሉቃስ 19:39, 40፣ ማቴዎስ 21:15, 16፣ ማርቆስ 11:11
10 ኒሳን
የሱስ ኣብቲ ቤት መቕደስ ቀልጢፉ ይበጽሕ። ትማሊ: እቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኣቡኡ ኣምልኾ መናገዲ ክኸውን ብምርኣዩ ጕህይ ኢሉ ኢዩ ኸይዱ። ስለዚ: በቲ ንኣምልኾ ኣቡኡ ዝነበሮ ቅንኢ ተላዒሉ ነቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝዕድጉን ዝሸጡን ዝነበሩ ሰባት ክሰጎም ይጅምር። ድሕሪኡ ንሰደቓ ናይቶም ስሱዓት ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ይድንክሎ። የሱስ “ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል: ጽሑፍ እዩ: ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ” ይብሎም።—ማቴዎስ 21:12, 13
ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ፍሉጣት ሰባትን ነቲ የሱስ ዝወሰዶ ስጕምትታትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕረቦ ትምህርትን ክጻወርዎ ኣይከኣሉን። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ንምቕታሉ ሓሪኖም ዘለዉ! ግናኸ እቲ ህዝቢ ብትምህርቲ የሱስ ተገሪሙ “ኪሰምዖ ደልዩ ይዐስሎ” ስለ ዝነበረ ዝገብርዎ ሰኣኑ። (ሉቃስ 19:47, 48) ክመሲ ምስ ጀመረ: የሱስን ብጾቱን ጽቡቕ ናይ ለይቲ ዕረፍቲ ንምርካብ ባህ ኢልዎም ብእግሮም ናብ ቢታንያ ይምለሱ።
11 ኒሳን
ወጋሕታ ኢዩ ዘሎ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ድሮ ብደብረ ዘይቲ ኣቢሎም ናብ የሩሳሌም ገጾም ይድይቡ ኣለዉ። ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስ በጽሑ: ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ንየሱስ ክረኽብዎ ሸበድበድ ይብሉ። እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኣንጻር ሸረፍትን ነጋዶን ዝወሰዶ ስጕምቲ ገና ይቐልዎም ኢዩ ዘሎ። እዞም ተንኰለኛታት ጸላእቱ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧” ይብልዎ። የሱስ ከኣ “ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ: ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧” ብምባል ይምልሰሎም። እዞም ጸላእቱ ድማ ተኣኪቦም “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፤ ከመይ ደኣ ዘይአመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና: ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ አለዉ እሞ: ንህዝቢ ንፈርህ” ብምባል ይመኽሩ። ስለ እተዋጠሩ: “ኣይንፈልጥን” ኢሎም ይምልሱ። የሱስ ድማ “ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር: ኣይነግረኩምን” ይብሎም።—ማቴዎስ 21:23-27
ጸላእቲ የሱስ ሕጂ ብዘረባ ጠሊፎም ከእስርዎ ዝኽእልሉ መጻወድያ ይፍትኑ። “ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧” ኢሎም ይሓትዎ። የሱስ ድማ “እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ” ይብሎም። ቀጺሉ ድማ “መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧” ብምባል ይሓቶም። ንሳቶም ከኣ “ናይ ቄሳር” ይብልዎ። የሱስ ኵላቶም እናሰምዑ: ብንጹር “እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ ኣፎም የትሕዞም።—ማቴዎስ 22:15-22
የሱስ ሕጂ ንጸላእቱ ብዘየዳግም ዘረባ ብጩቝ ከም ዘይብሉ ምስ ገበሮም: ኣብ ቅድሚ እቲ እኩብ ህዝብን ደቀ መዛሙርቱን ከዋርዶም ይጅምር። ድምብርጽ ከይበሎ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ክዅንኖም ከሎ ስምዓዮ። “ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ” ይብሎም። ብትብዓት: ዕዉራት መራሕትን ግቡዛትን ከም ዝዀኑ እናሓበረ ብዙሕ ወዮታት ኣውረደሎም። የሱስ “ኣቱም ኣትማን: ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን: ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” ይብሎም።—ማቴዎስ 23:1-33
የሱስ ከምዚ ዝበለ ተሪር ኩነኔታት ምውስኡ ነቲ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ባህርያት ከም ዘይተገንዘቦ ዘርኢ ኣይኰነን። ድሕርዚ: ሰባት ኣብቲ ናይ ቤት መቕደስ ሳጹን ምጽዋት ከውድቑ ኸለዉ ይዕዘብ። ሓንቲ ድኻ መበለት ዘለዋ ዅሉ ነጊፋ—ኣዝዩ ትሑት ዋጋ ዘለወን ክልተ ሰናቲም—ከተውድቕ ከላ ምዕዛብስ ክሳዕ ክንደይ ስምዒትካ ዝትንክፍ ኰን ኢዩ! የሱስ ካብ ልባዊ ምስጋና እተላዕለ: ካብ ኵሎም እቶም “ካብ ተረፎም” ብዙሕ ገንዘብ ዘውደቑ ሰባት ንላዕሊ ከም ዘውደቐት ይሕብር። የሱስ ካብ ለውሃት ዘለዎ ድንጋጹ ተላዒሉ: ነቲ ሓደ ሰብ ብዓቕሙ ዝገብሮ ነገር ዓሚቝ ሞሳ ኢዩ ዘርኢ።—ሉቃስ 21:1-4
የሱስ ሕጂ ነቲ ቤት መቕደስ ንመወዳእታ ግዜ ሓዲግዎ ይኸይድ። ገለ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዘደንቕ መልክዕ ናይቲ “ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ” ዝነበረ ቤት መቕደስ ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ይህቡ። ዘይተጸበይዎ ግን: የሱስ “እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም: ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን” ኢሉ ይምለስ። (ሉቃስ 21:5, 6) እቶም ሃዋርያት ንየሱስ እናሰዓቡ ካብታ ጽቕጥቅጥ መሊእዋ ዝነበረ ኸተማ ክወጹ ኸለዉ: እንታይ ማለቱ ኰን ይኸውን ብምባል ደንጸዎም።
ቁሩብ ጸኒሖም: የሱስን ሃዋርያቱን ኮፍ ኢሎም የዕርፉ: ነቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዘሎ ሰላምን ህድኣትን ድማ የስተማቕርዎ። ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን: ከምኡውን እንድርያስ ነቲ ዘደንጹ ትርኢት የሩሳሌምን እቲ ቤት መቕደስን ምስ ተዓዘቡ ብዛዕባ እቲ ዘሰምበዶም ናይ የሱስ ትንቢት መብርሂ ንምርካብ ይሓቱ። “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW ] መወዳእታ ዓለምንከ [“መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝንከ:” NW ] እንታይ እዩ፧” ይብልዎ።—ማቴዎስ 24:3፣ ማርቆስ 13:3, 4
እቲ ዓቢ መምህር ኣብቲ ዝህቦ መልሲ ብሓቂ ፍሉይ ዝዀነ ትንቢት ይንበ። ከቢድ ውግኣት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ፌራ ከም ዝህሉ ይንበ። የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ክስበኽ ምዃኑ እውን ይንበ። “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” ብምባል ድማ የጠንቅቕ።—ማቴዎስ 24:7, 14, 21፣ ሉቃስ 21:10, 11
የሱስ ንኻልእ መዳያት ‘ትእምርቲ ህላወኡ’ ክገልጽ ከሎ እቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎ። ‘ንቑሕ’ ናይ ምዃን ኣድላይነት ድማ የጕልሕ። ስለምንታይ፧ “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ይብል።—ማቴዎስ 24:42፣ ማርቆስ 13:33, 35, 37
ንየሱስን ሃዋርያቱን እዚኣ ዘይትርሳዕ መዓልቲ ኢያ። አረ: የሱስ ቅድሚ ምትሓዙ: ናብ ፍርዲ ምቕራቡ: ከምኡውን ቅድሚ ምቕታሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝሃበላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኢያ። ይመሲ ስለ ዘሎ: ናብታ ካብቲ ጎቦ ቑሩብ ሕልፍ ኢልካ ዘላ ቢታንያ ክምለሱ ይጅምሩ።
12 ከምኡውን 13 ኒሳን
የሱስ 12 ኒሳን ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብምዃን ሰላም ዘለዎ መዓልቲ የሕልፍ። ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንምቕታሉ ቘሪጾም ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ: ነቲ ንጽባሒቱ ምሸት ዝኽበር ፋስጋ ንኸየብዕል ዕንቅፋት ክገብርሉ ኣይደለየን። (ማርቆስ 14:1, 2) ንጽባሒቱ: 13 ኒሳን: እቲ ህዝቢ ድሮ ፋስጋ ኰይንዎ ሸበድበድ ይብል። ድሕሪ ቐትሪ: የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሓደ ደርቢ ፋስጋ ከዳልዉ ኢሉ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ይልእኮም። (ማርቆስ 14:12-16፣ ሉቃስ 22:8) ጸሓይ ቀቅድሚ ምዕራባ: የሱስን ካልኦት ዓሰርተ ሃዋርያትን ነቲ ብሓንሳብ ንመወዳእታ ግዜ ዘብዕልዎ ፋስጋ ከኽብሩ ኣብኡ ይራኸቡ።
14 ኒሳን: ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ
ኣብ ልዕሊ ደብረ ዘይቲ ምልእቲ ወርሒ ምስ ወጸት: የሩሳሌም በቲ ህዱእ ብርሃን ምሸት ትደምቕ። የሱስ ከምኡውን እቶም 12 ኣብ ሓደ እተነጽፈ ዓቢ ኣደራሽ ኣብ እተዳለወ መኣዲ ተቐሚጦም ኣለዉ። “ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ: ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ” ይብሎም። (ሉቃስ 22:14, 15) ድሕርዚ የሱስ ተንሲኡ ክዳውንቱ ከንብር ምስ ረኣይዎ እቶም ሃዋርያት ይግረሙ። መድረዚ ጨርቅን ማይ ዝሓዘ ገበራን ወሲዱ ኣእጋሮም ክሓጽብ ይጅምር። ትሕትና ዘለዎ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከመይ ዝበለ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ኰን ኢዩ!—ዮሃንስ 13:2-15
ይኹን እምበር: የሱስ ሓደ ካብዞም ሰብኡት እዚኣቶም—ይሁዳ ኣስቆሮታዊ—ናብቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣሕሊፉ ክህቦ ድሮ መዲቡ ምህላዉ ይፈልጥ ኢዩ። ኣዝዩ ከም ዘጨንቖ ድማ ርዱእ ኢዩ። ‘ሓደ ካባኻትኩም ከትሕዘኒ ኢዩ’ ብምባል ብግልጺ ይዛረቦም። እቶም ሃዋርያት በዚ ኣዝዮም ይጕህዩ። (ማቴዎስ 26:21, 22) የሱስ ፋስጋ ድሕሪ ምብዓሎም: ንይሁዳ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” ይብሎ።—ዮሃንስ 13:27
ይሁዳ ምስ ወጸ: የሱስ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሞቱ መዘከርታ ዝኸውን ድራር ይጅምር። ካብቲ ዘይበዅዐ ቅጫ ይወስድ: ናይ ምስጋና ጸሎት የቕርብ: ይቘርሶ: ነቶም 11 ድማ ክወስዱ ይነግሮም። “እዚ ምእንታኹም ዚውሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ: እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ይብሎም። ድሕርዚ ነታ ቀይሕ ወይኒ ዝሓዘት ጽዋእ የልዕላ። ምስ ኣመስገነ ድማ: ካብኣ ክሰትዩ ብምንጋር ነታ ጽዋእ ናባታቶም የሕልፋ። የሱስ ወሲኹ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ” ይብል።—ሉቃስ 22:19,20፣ ማቴዎስ 26:26-28
ኣብታ ኣገዳሲት ምሸት እቲኣ: የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ይምህሮም: ሓደ ካብዚ ድማ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሕውነታዊት ፍቕሪ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) “መጸናንዒ:” መንፈስ ቅዱስ: ክቕበሉ ምዃኖም ድማ የረጋግጸሎም። እዚ ኸኣ ንዅሉ እቲ የሱስ ዝነገሮም ነገራት ከዘክሮም ኢዩ። (ዮሃንስ 14:26) ጸኒሑ ኣብታ ምሸት እቲኣ: የሱስ ኣብ ክንድኦም ልባዊ ጸሎት ከቕርብ ምስ ሰምዕዎ ኣዝዮም ተተባቢዖም ክዀኑ ኣለዎም። (ዮሃንስ ምዕራፍ 17) መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ: ነታ ደርቢ ሓዲጎምዋ ደድሕሪ የሱስ ናብቲ ዝሑል ንፋስ ዝሓዘለ ከውታ ለይቲ: ናብ ደገ ይወጹ።
የሱስን ሃዋርያቱን ንስንጭሮ ቄድሮን ሰጊሮም ናብ ሓንቲ ካብተን ብዙሕ ግዜ ዘዘውትርወን ቦታታት: ናይ ጌተሴማኔ ቦታ ኣታኽልቲ: ይኸዱ። (ዮሃንስ 18:1, 2) የሱስ ሃዋርያቱ እናተጸበይዎ: ክጽሊ ቑሩብ ርሕቕ ኢሉ ከደ። ኣምላኽ ሓገዝ ንኽህቦ ዓሚቝ ልመና ከቕርብ ከሎ ዝነበሮ ስምዒታዊ ጭንቀት ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ኢዩ። (ሉቃስ 22:44) ምናልባት እንተድኣ ወዲቑ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰማያዊ ኣቡኡ ዝዅመር ጸርፊ ብምሕሳብ ካብ መጠን ንላዕሊ ኢዩ ዝሳቐ ዘሎ።
የሱስ ጸሎቱ ውድእ ከብል ከሎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስ ኣስያፍን ኣባትርን ፋናታትን ዝሓዙ ጭፍራ ብምዃን ኣብቲ ቦታ ይበጽሕ። ይሁዳ ንየሱስ ቀስ ገይሩ ብምስዓም: “ከመይ ኣምሴኻ: መምህር፧” ይብሎ። እዚ ነቶም ንየሱስ ክኣስሩ ዝመጹ ሰባት ምልክት ኢዩ። ሃንደበት: ጴጥሮስ ሰይፉ መሊሑ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ንእዝኒ ናይቲ ሰብኣይ እናሕወያ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ይብሎ።—ማቴዎስ 26:47-52
ኵሉ ነገር ኣየላቡን ኢዩ! የሱስ ተታሒዙ ይእሰር። ካብ ፍርህን ምድንጋርን እተላዕለ: እቶም ሃዋርያት ንጐይታኦም ሓዲጎምዎ ይሃድሙ። የሱስ ናብቲ ቀደም ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃና ይውሰድ። ድሕርዚ ንፍርዲ ንኽቐርብ ናብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ሊቀ ኻህናት ዘሎ ቀያፋ ይውሰድ። ኣብ ሰዓታት ንግሆ: እቲ ሳንሄድሪን ንየሱስ ተጻሪፍካ ኢሉ ብሓሶት ይኸሶ። ቀጺሉ: ቀያፋ ናብቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ይሰዶ። ንሱ ድማ ንየሱስ ናብቲ ኣመሓዳሪ ገሊላ ዝነበረ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ይሰዶ። ሄሮድስን ገላውኡን ድማ ንየሱስ የላግጽሉ። እንደገና ድማ ናብ ጲላጦስ ይስደድ። የሱስ ንጹህ ምዃኑ ጲላጦስ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ግን ንየሱስ ክቐትሎ ጸቕጢ ይገብርሉ። ንየሱስ ብዙሕ ናይ ቃልን ኣካልን ማህሰይቲ ምስ ኣውረድሉ ናብ ጎልጎታ ይውሰድ: ኣብኡ ድማ ብዘይ ንሕስያ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሸንኪሩ ዘሰቅቕ ሞት ይመውት።—ማርቆስ 14:50–15:39፣ ሉቃስ 23:4-25
ሞት የሱስ ንህይወቱ ነባሪ ጥፍኣት ኣምጺኡላ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ዘሕዝን ፍጻመ ምዀነ ነይሩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: ከምኡ ኣይተፈጸመን። 16 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ደቀ መዛሙርቱ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ምስ ፈለጡ ተገሪሞም ኢዮም። ድሕርዚ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ሰባት: የሱስ እንደገና ህያው ከም ዝዀነ ከረጋግጹ ክኢሎም ኢዮም። ካብቲ ዝተንስኣሉ ግዜ ድሕሪ 40 መዓልትታት: እሙናት ሰዓብቱ ዝዀኑ ጕጅለ ሰባት ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ርእዮምዎ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:9-11፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-8
ህይወት የሱስን ንስኻን
እዚ ንዓኻ—አረ: ንዅልናውን ከይተረፈ—ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈና፧ ኣገልግሎትን ሞትን ትንሳኤን የሱስ ንየሆዋ ኣምላኽ ዕዙዝ ክብሪ ዝህብ: ንፍጻሜ እቲ ዓቢ ዕላምኡ ድማ ወሳኒ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:18-20) ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ሓጢኣትና ክሕደገልና: ብእኡ ኣቢልና ድማ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ክህልወና ስለ ዝኽእል ንዓና እውን ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ።—ዮሃንስ 14:6፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2
ሞይቶም ዘለዉ ደቅሰብ እውን ከይተረፉ በዚ ይትንከፉ ኢዮም። ትንሳኤ የሱስ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓላ ገነታዊት ምድሪ እንደገና ህይወት ክረኽቡ መገዲ ይኸፍተሎም ኢዩ። (ሉቃስ 23:39-43፣ 1 ቈረንቶስ 15:20-22) ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተድኣ ደሊኻ: ኣብቲ 11 ሚያዝያ 1998: ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክትካፈል ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
“በዓቲ ጐሓሉት”
የሱስ ስሱዓት ነጋዶ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ “በዓቲ ጐሓሉት” ገይሮምዎ ንኽብል እኹል ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 21:12, 13) ካብ ካልእ ዓድታት ዝመጹ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ናይ ቤት መቕደስ ግብሪ ንምኽፋል: ነቲ ናይ ወጻኢ ገንዘቦም ናብቲ ቅቡል ገንዘብ ናይቲ ከባቢ ከሽርፍዎ ነበሮም። ኣልፍረድ ኤደርሺም ኣብታ ዘ ላይፍ ኤንድ ታይምስ ኦቭ ጂሰስ ዘ መሳያህ [እንግሊዝኛ] እትበሃል መጽሓፉ: ገንዘብ ዘሽርፉ ሰባት 15 ኣዳር: ቅድሚ ፋስጋ ዘላ ወርሒ: ኣብተን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሮሜ ዝነበራ ኣውራጃታት ንግዶም ከም ዝጅምሩ ይገልጽ። ካብ 25 ኣዳር ጀሚሮም ድማ ነቲ ዓቢ ዋሕዚ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ምእንቲ ኽብለጽሉ ናብ ከባቢ ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ይግዕዙ ነበሩ። ነጋዶ ንነፍሲ ወከፍ እተሸርፈት ገንዘብ ዋጋ ከም ዝኽፈላ ብምግባር ዕዉት ንግዲ የካይዱ ነበሩ። የሱስ ጐሓሉት ኢሉ ምጽውዑ: እቲ ዘኽፍልዎ ዋጋ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝነበረ: ካብቶም ድኻታት ገንዘብ ይምዝሕቑ ምንባሮም ኢዩ ዝሕብር።
ገሊኣቶም ንመስዋእቲ ዝዀና ናይ ገዛእ ርእሶም እንስሳታት ከምጽኡ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ሓደ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ እንስሳ ምስ ዘምጽእ ድማ ነቲ እንስሳ ኣብቲ ቤት መቕደስ ብሓደ ተቘጻጻሪ ከመርምሮ ነበሮ: እዚ ኸኣ ገንዘብ ንምእታው ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ንሓደ እንስሳ ካብ ርሑቕ ተጓዒዞም ድሕሪ ምምጽኦም ከይንጸጉ ስለ ዝሰግኡ: ብዙሓት ሰባት ካብቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበሩ መዝመዝቲ ነጋዶ: ብሌዋውያን “ተቐባልነት ዘለዎ” እንስሳ ይዕድጉ ነበሩ። ሓደ ምሁር “ብዙሓት ድኻታት ገባር ኣብኡ ይምዝመዙ ነበሩ” ይብል።
ሓደ እዋን ሊቀ ኻህናት ሃናን ስድራቤቱን ምስቶም ናይ ቤት መቕደስ ነጋዶ ሽርክና ከም ዝነበሮም ዝሕብር መርትዖ ኣሎ። ናይ ራቢ ጽሑፋት ብዛዕባ “እቲ [ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ] ባዛር ደቂ ሃና” ይዛረብ ኢዩ። ካብቶም ሸረፍትን ካብ ሽያጥ ናይተን ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ እቲ ቤት መቕደስ ዝነበራ እንስሳታትን እተረኽበ ናይ ኣታዊ ግብሪ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምንጪ እቶቶም ኢዩ ነይሩ። ሓደ ምሁር: የሱስ ነቶም ነጋዶ ብምስጓጕ ዝወሰዶ ስጕምቲ “ኣብ ክብረት ናይቶም ካህናት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ምንጪ እቶቶም እውን ዘቃንዐ ነበረ” ይብል። እቲ ምኽንያት እንታይ ምንባሩ ብዘየገድስ: ጸላእቱ ብርግጽ ክቐትልዎ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም!—ሉቃስ 19:45-48
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሰሌዳ]
እተን ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበራ ናይ መወዳእታ መዓልትታት
ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ፍጻመታት ዝዓበየ ሰብኣይ*
ዓርቢ 7 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ያሪኮ 101 (1)
ናብ የሩሳሌም ይኸዱ (ናይ እብራውያን
መዓልቲ ካብ ሓንቲ ምሸ ት ጀሚራ
ክሳዕ ንጽባሒቱ ዘላ ምሸ ት ስለ
እትቕጽል: 7 ኒሳን ኣብ 5 ሚያዝያ
1998 ኢያ እትውዕል) 101
ምሸት ዓርቢ 8 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቢታንያ
ይበጽሑ፣ ሰንበት ትጅምር
ቀዳም ሰንበት (ሰኑይ 6 ሚያዝያ 1998) 101 (4)
ምሸት ቀዳም 9 ምስ ስምኦን እቲ ለምጻም ይድረር፣
ማርያም ንየሱስ ቅብኢ ናርዶስ ትቐብኦ፣ 101 (5-9)
ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ክርእይዎን
ክሰምዕዎን ካብ የሩሳሌም ይመጹ
ሰንበት ብናይ ዓወት ዓጀባ ናብ የሩሳሌም 102
ይኣቱ፣ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር
ሰኑይ 10 ኣንጊሁ ናብ የሩሳሌም ይኸይድ፣ 103, 104
ንቤት መቕደስ የጽሪ፣ የሆዋ
ካብ ሰማይ ይዛረብ
ሰሉስ 11 ኣብ የሩሳሌም ምሳሌታት እናተጠቕመ 105 ክሳዕ
ኣብ ቤት መቕደስ ኰይኑ ይምህር፣ 112 (1)
ንፈሪሳውያን ይዅንኖም፣ ነቲ እታ
መበለት ዘውደቐቶ ገንዘብ የስተብህለሉ፣
ብዛዕባ መጻኢ ህላወኡ ምልክት ይህብ
ረቡዕ 12 ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቢታንያ ሰላም 112 (2-4)
ዘለዎ መዓልቲ የሕልፍ፣ ይሁዳ ንየሱስ
ኣሕሊፉ ንምሃብ ይዳሎ
ሓሙስ 13 ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ የሩሳሌም 112 (5 ክሳዕ
ንፋስጋ ምድላው ይገብሩ፣ የሱስን እቶም 113 1)
ካልኦት ዓሰርተ ሃዋርያትን ኣጋ ምሸት
ክኸውን ከሎ የርክብዎም(ቀዳም 11
ሚያዝያ 1998)
ሓሙስ ምሸት 14 በዓል ፋስጋ፣ የሱስ ኣእጋር ሃዋርያቱ 113 (2)
ይሓጽብ፣ ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ክሳዕ 117
ክህቦ ይወጽእ፣ ክርስቶስ ዝኽሪ ሞቱ
የቕውም (ቀዳም 11 ሚያዝያ
1998 ጸሓይ ምስ ዓረበት)
ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ናይ ጌተሴማኔ ቦታ ኣታኽልቲ 118 ክሳዕ 120
ክሕደትን ምትሓዝን ይፍጸም፣
ሃዋርያት ይሃድሙ፣ ኣብ ቅድሚ
ሊቃውንቲ ኻህናትን ሳንሄድሪንን
ንፍርዲ ይቐርብ፣ ጴጥሮስ ንየሱስ
ይኽሕዶ
ዓርቢ ካብ ወጋሕታ እንደገና ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ይቐርብ፣ 121 ክሳዕ
ክሳዕ ዕራርቦ ጸሓይ ናብ ጲላጦስ ድሕሪኡ ናብ ሄሮድስ: 127 (7)
እንደገና ድማ ናብ ጲላጦስ ይምለስ፣
ንሞት ይፍረድ፣ ይስቀል፣ ይቕበር
ቀዳም 15 ሰንበት፣ ጲላጦስ መቓብር የሱስ 127 (8-10)
ዝሕልዉ ዓቀይቶት ክለኣኹ የፍቅድ
ሰንበት 16 የሱስ ይትንስእ 128
* እቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ቍጽርታት ነቲ ኣብታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ምዕራፋት ዝሕብር ክኸውን ከሎ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዘሎ ድማ ሕጡብ ጽሑፍ ኢዩ ዘመልክት። ነቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ ዝገበሮ ኣገልግሎት ዝምልከት ዝርዝር ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕስታት ዝሓዘ ሰሌዳ ንምርካብ: እታ ‘ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 290 ርአ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ ኢየን።