ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 43 ዮሃንስ
ጸሓፊ:- ሃዋርያ ዮሃንስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ኤፌሶን ወይ ጥቓኡ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 98 ድ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- ድሕሪ መእተዊ: 29–33 ድ.ክ.
እዋኑ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ወንጌላት ካብ ዚዝርጋሕ ልዕሊ 30 ዓመት ገይሩ ዝነበረሉ እዩ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ እዞም ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። ናብ ሓድሽ ዘመን ዚሰግሩሉ እዋን ቀሪቡ ነበረ: ቍጽሪ እቶም ብኣካል ምስ የሱስ ዝነበሩ ድማ ይንኪ ነበረ። ኣብቲ ዅነታት እቲ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተላዒሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ:- ገና ኺንገር ዘለዎ ዝተረፈ ነገር ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ ካብ ብሕታዊ ተዘክሮታቱ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት ኪምልእ ዚኽእል ይርከብ ደዀን ይኸውን፧ እወ: ተረኺቡ እዩ። እቲ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዮሃንስ በቲ ምስ የሱስ ዝነበሮ ርክብ ተባሪኹ ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብቶም እቲ ገንሸል ኣምላኽ መን ምዃኑ እተነግሮም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ፣ ብዘይካዚ እውን ሓደ ኻብቶም ጐይታ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምስኡ ኺሓብሩ ዝዓደሞም ቀዳሞት ኣርባዕተ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 1:35-39፣ ማር. 1:16-20) ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ምስ የሱስ ጥብቂ ርክብ ነበሮ: ኣብታ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ዝነበረ “የሱስ ዜፍቅሮ” ወደ መዝሙር እውን ንሱ እዩ። (ዮሃ. 13:23፣ ማቴ. 17:1፣ ማር. 5:37፣ 14:33) ነቲ የሱስ እተቐትለሉ ልቢ ዚዅምትር ቅትለት ተዓዚቡ እዩ: ኣብኡ የሱስ ነታ ብስጋ ኣዲኡ ኺከናኸነሉ ንዕኡ ሕድሪ በሎ፣ ዮሃንስን ጴጥሮስን ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ወረ ምስ ሰምዑ ንኼጻርዩ ኪኸዱ ኸለዉ ጐይዩ ኸይዱ ንጴጥሮስ ዝቐደሞ እውን ንሱ እዩ።—ዮሃ. 19:26, 27፣ 20:2-4
2 ዮሃንስ ን70 ዓመት ዚኸውን ብንጥፈት ብምግልጋል ብስለት ኣጥርዩ ስለ ዝነበረ: ነዛ ወንጌል ቀቅድሚ ምጽሓፉ ኸኣ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ንበይኑ ምስ ተኣስረ ብእተቐበሎ ራእያትን ብዝገበሮ ምስትንታንን ብርታዐ ረኺቡ ስለ ዝነበረ: ነቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ልቡ ኣኽቢሩ ዚሕዞ ዝነበረ ነገራት ኪጽሕፍ ኣጸቢቑ ተዓጢቑ እዩ ነይሩ። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ሓያሎ ኻብቲ ብርቅን ህይወት ዜድሕንን ዘረባታት ኪዝክሮን ኪጽሕፎን ከኣለ። እዚ ዝገበረ ኸኣ ነቲ ጽሑፉ ዜንብቦ ዘበለ: ‘የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኺኣምን: ኣሚኑ እውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እዩ።’ —20:31
3 ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: ዮሃንስ ነቲ ጸብጻብ ከም ዝጸሓፎ ተቐቢሎምዎ: ንጽሑፉ ኸኣ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ኽፍሊ እቲ ቐኖና መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ርእዮምዎ እዮም። ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያ: ለክሳንድርያ: ኢሪንየስ: ተርቱልያን: ከምኡውን ኦሪጀን ኣብ መወዳእታ ኻልኣይን መጀመርታ ሳልሳይን ዘመን ዝነበሩ ኪዀኑ ኸለዉ: ነዛ ወንጌል እዚኣ ዮሃንስ ከም ዝጸሓፋ መስኪሮም እዮም። ብዘይካዚ: ዮሃንስ ነዛ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፋ ዚሕብር ሓያሎ ውሽጣዊ መርትዖ እውን ኣሎ። እቲ ጸሓፊ ኣይሁዳዊ ምንባሩ: ንልምድታት ኣይሁድን ምድሮምን ከኣ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ርኡይ እዩ። (2:6፣ 4:5፣ 5:2፣ 10:22, 23) እቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ብሕታዊ ነጥብታት: ሓደ ኻብቶም ሃዋርያት ጥራይ ዘይኰነስ: ሓደ ኻብቶም ንየሱስ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዜሰንይዎን ኣጸቢቖም ዚቐርብዎን ዝነበሩ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ዚበሃሉ ሰለስተ ሃዋርያት ምዃኑ ይሕብር እዩ። (ማቴ. 17:1፣ ማር. 5:37፣ 14:33) ካብዚኣቶም ያእቆብ (ወዲ ዘብዴዎስ) እዛ መጽሓፍ ከይተጻሕፈት ነዊሕ ይገብር ብ44 ድ.ክ. ኣቢሉ ብሄሮድስ ኣግሪጳ ተቐቲሉ ሰማእት ስለ ዝዀነ: ጸሓፊ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ግብ. 12:2) ጴጥሮስ እውን ኣብ ዮሃንስ 21:20-24 ምስቲ ጸሓፊ ብሓባር ስለ እተጠቕሰ: ጸሓፊ ኸም ዘይኰነ ተሓቢሩ ኣሎ።
4 ኣብተን ናይ መወዳእታ ቝጽርታት: እቲ ጸሓፊ: “የሱስ ዜፍቅሮ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ ስም ሃዋርያ ዮሃንስ ፈጺሙ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ: እዝን ካልእ ነዚ ዚመስልን መግለጺታት ግን ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ የሱስ: ብዛዕባኡ “ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ: እንታይ ገዲሱካ፧” ኢሉ ኸም እተዛረበ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዮሃ. 21:20, 22) እዚ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ እተዘርበሉ ወደ መዝሙር: ድሕሪ ሞት ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ንነዊሕ ግዜ ኸም ዚጸንሕ የመልክት። እዚ ዅሉ ናብ ሃዋርያ ዮሃንስ ዜመልክት እዩ። ዮሃንስ ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ራእይ ምስ ተዋህቦ: ነቲ ዜደንቕ ትንቢት “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ኢሉ ምዝዛሙ ኺትኰረሉ ዚግባእ እዩ።—ራእ. 22:20
5 ዮሃንስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንጹር ሓበሬታ ዚህብ እኳ እንተ ዘይኰነ: ካብቲ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ እዋን ምስ ተመልሰ ኸም ዝጸሓፎ እዩ ብሓፈሻ ዚእመነሉ። (ራእ. 1:9) ካብ 96-98 ድ.ክ. ዚገዝእ ዝነበረ ሮማዊ ሃጸይ ነርቫ: ብዘመነ መግዛእቲ እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ዶሚሽያን እተሓየሩ ብዙሓት ሰባት ሓራ ገይሩ ነበረ። ዮሃንስ ብ98 ድ.ክ. ኣቢሉ ወንጌሉ ድሕሪ ምጽሓፉ: ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ንሃጸይ ትራጃን: ማለት ብ100 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ኤፌሶን ከም ዝሞተ እዩ ዚእመን።
6 እቲ ዩሲቤስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ (ከባቢ 260-342 ድ.ክ.): “እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ ጐይታ ተጸጊዑን ዝነበረ ወደ መዝሙሩ ዝዀነ ዮሃንስ እውን: ኣብታ ኣብ እስያ እትርከብ ኤፌሶን ተቐሚጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወንጌል ሃበ:” ብምባል ካብ ዘረባ ኢሪንየስ ጠቒሱ ዝጸሓፎ ሓሳባት: ኣብ ኤፌሶን ወይ ኣብ ጥቓኡ ኸም እተጻሕፈት ዚሕብር እዩ።a ኣብታ መጽሓፍ ንተጻረርቲ የሱስ: “ፈሪሳውያን:” “ሊቃውንቲ ኻህናት” ዚብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ስያመታት ኣብ ክንዲ ምጥቃም: “ኣይሁድ” ብዚብል ሓፈሻዊ ስያመ ምጥቃሙ: ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ኸም እተጻሕፈት ዚሕብር እዩ። (ዮሃ. 1:19፣ 12:9) ብተወሳኺ: ባሕሪ ገሊላ በቲ ብሮማውያን እተዋህቦ ስም: “ባሕሪ ጥብርያዶስ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (6:1፣ 21:1) ዮሃንስ ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ: ብዛዕባ በዓላት ኣይሁድ ሓጋዚ መግለጺታት ሂቡ ኣሎ። (6:4፣ 7:2፣ 11:55) እታ ተኣሲሩላ ዝነበረት ጳጥሞስ ጥቓ ኤፌሶን እያ እትርከብ ነይራ፣ ምስ ኤፌሶንን ምስ ካልኦት ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚርከባ ጉባኤታትን ዝነበሮ ሌላ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን ተሓቢሩ ኣሎ።
7 ኣብ መበል 20 ዘመን ንሓቅነት ወንጌል ዮሃንስ ዜረጋግጽ ኣገዳሲ ኢደ-ጽሑፋት ተረኺቡ እዩ። ሓደ ኻብዚ ኽፋል ወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ቝርጽራጽ ኣብ ግብጺ እዩ ተረኺቡ፣ እዚ ድማ ሕጂ ፓፒሩስ ራይላንድስ 457 (P52) ተባሂሉ ዚፍለጥ ኰይኑ: ዮሃንስ 18:31-33, 37, 38 ዝሓዘ እዩ፣ ኣብቲ ኣብ ማንቸስተር: ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ቤተ-መዘክር ጆን ራይላንድስ ከኣ ተዓቂቡ ኣሎ።b ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ኣብታ ብ1949 እተሓትመት ዘ ባይብል ኤንድ ሞደርን ስኮላርሽፕ ዘርእስታ መጽሓፉ: ኣብ ገጽ 21: ብዛዕባ እዚ ቝራጽ እዚ ንወንጌል ዮሃንስ ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ብዮሃንስ ከም እተጻሕፈት ዚድግፍ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ:- “ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ: ኢደ-ጽሑፍ እዛ ወንጌል እዚኣ ኣብቲ እተረኽበሉ ግብጺ ኣብ ከባቢ 130-150 ድ.ክ. ተዘርጊሑ ምንባሩ ይሕብር። ካብቲ እተጻሕፈትሉ ቦታ ኽሳዕ እትዝርጋሕ ኪህሉ ዚኽእል ዝወሓደ ግዜ እውን እንተ ገመትና: እቲ እተጻሕፈትሉ ግዜ ናብቲ ብያታ ዚእመነሉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት እቲ ቐዳማይ ዘመን ስለ ዜብጽሓና: ንልክዕነት እቲ ያታ ኣብ ሕቶ እነእትወሉ ምኽንያት የልቦን።”
8 ወንጌል ዮሃንስ ኣብ መእተዊኣ ፍልይ ዝበለት እያ። እቲ ቓል “ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ” ምንባሩ: ኵሉ ድማ ብእኡ ኸም ዝዀነ ትገልጽ። (1:2) ዮሃንስ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ኽቡር ርክብ ድሕሪ ምሕባሩ: ንግብርታትን ትምህርታትን የሱስ ብውሕሉል መገዲ ገለጾ፣ ነዚ ድማ ብፍላይ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ዓብዪ ስርዓት ብሓደ እትኣስሮ ፍቕሪ ምዃና ኻብ ዚሕብር ኣንፈት ተበጊሱ እዩ ገሊጽዎ። እቲ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ ነቲ ኻብ 29-33 ድ.ክ. ዝነበረ እዋን ዚሽፍን ኰይኑ: ነቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን ዘብዓሎ ኣርባዕተ ፋስጋ እውን ተጠንቂቑ ይጠቅስ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንውሓት እቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ኣገልግሎቱ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምዃኑ ዚሕብር ሓደ መርትዖ ይኸውን። ሰለስተ ኻብዚ ፋስጋ እዚ ብንጹር ተሓቢሩ ኣሎ። (2:13፣ 6:4፣ 12:1፣ 13:1) እቲ ዝተረፈ “በዓል ኣይሁድ” ጥራይ ተባሂሉ እኳ እንተ ተጸውዐ: ቅድሚኡ ዘሎ ሓሳብ ምስ እነንብብ ግን የሱስ “ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ” ኢሉ እተዛረቦ ስለ እንረክብ: እቲ በዓል እቲ ኣብ መጀመርታ እቲ ቐውዒ ገጹ ዚበዓል ፋስጋ ምዃኑ ይሕብረና።—4:35፣ 5:1c
9 መብዛሕትኡ ኽፋል “ወንጌል ዮሃንስ” ኣብ ካልእ ኣይርከብን እዩ፣ 92 ሚእታዊት ኣብ ዝተረፈ ሰለስተ ወንጌላት ዘይተሸፈነ ሓድሽ ሓሳባት እዩ። ይኹን እምበር: ዮሃንስ በዚ ዚስዕብ ቃላት ዛዘመ:- “የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ: ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምአኸለቶን ይመስለኒ።”—21:25
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
30 “ወንጌል ዮሃንስ” ብቐጥታን ብቕርበትን እትገልጽ ከምኡውን ንክርስቶስ ልቢ ብዚትንክፍ መገዲ እትስእሎ ብምዃና: ንቓልን ግብርን እቲ ቕቡእ ወዲ ኣምላኽ ብቐረባ ንኽንፈልጦ ትሕግዘና እያ። ዮሃንስ ሓደ ኻብቶም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ሰባት ብምንባሩ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ዀነ ምርጫ ቓላቱ ቐሊል እኳ እንተ ዀነ: መግለጺታቱ ግን ብዙሕ ሓይሊ ዝሓዘለ እዩ። (ግብ. 4:13) እታ ወንጌሉ ነታ ኣብ መንጎ እቲ ኣቦን ወድን ዘላ ሓያል ፍቕሪ: ከምኡውን ነቲ ምሳታቶም ብምሕባር ዚርከብ ፍቕራዊ ርክብ ብምሕባር ዝመጸ ብልጽቲ እያ። ዮሃንስ ነታ “ፍቕሪ” እትብል ቃልን ረባሕታኣን ካብቲ ኣብ ዝተረፈ ሰለስተ ወንጌላት ብጠቕላላ ዚርከብ ንላዕሊ እዩ ተጠቒሙላ።
31 ኣብ መጀመርታ ኣብ መንጎ እቲ ቓልን እቲ ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽን ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ርክብ ኰን እዩ ነይሩ! ብመምርሒ ኣምላኽ: “እቲ ቓል ስጋ ዀነ: ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።” (ዮሃ. 1:14) ድሕሪኡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ: የሱስ ንፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ሕቶ ኸየእተወ ኸም ዚእዘዞ ብምሕባር ተገዛእነቱ ኣጕልሐ። (4:34፣ 5:19, 30፣ 7:16፣ 10:29, 30፣ 11:41, 42፣ 12:27, 49, 50፣ 14:10) ኣብቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ልቢ ዚትንክፍ ጸሎቱ: ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ናይ ቀረባ ርክቡ ብብሉጽ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብቲ ጸሎቱ ነቲ ኣቦኡ ኣብ ምድሪ ኺገብሮ ዝሃቦ ዕዮ ኸም ዝዛዘመ ድሕሪ ምግላጹ: “ዎ ኣቦይ: ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ” በለ።—17:2-5
32 ብዛዕባ እቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ርክብ ደኣኸ፧ የሱስ: እቲ በረኸት ኣምላኽ ናብ ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኵሎም ደቅሰብን ብቐጻሊ ዚውሕዘሉ መትረብ ምዃኑ: ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ንረኽቦ። (14:13, 14፣ 15:16፣ 16:23, 24) “ገንሸል ኣምላኽ:” “እንጌራ ህይወት:” “ብርሃን ዓለም:” “ሕያዋይ ጓሳ:” “ትንሳኤን ህይወትን:” “መገድን ሓቅን ህይወትን:” ከምኡውን “ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (1:29፣ 6:35፣ 8:12፣ 10:11፣ 11:25፣ 14:6፣ 15:1) የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ “ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ” ዝሃቦ ምሳሌ: ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ሰዓብቱን ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ኣቦኡ እውን ዘሎ ዜደንቕ ሓድነት ኣፍለጠ። ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ፍረ ብምፍራይ: ንኣቦ ኬኽብርዎ ይኽእሉ እዮም። የሱስ: “ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ: ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ: ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ” ኢሉ መኸሮም።—15:9
33 ድሕሪኡ: ኵሎም እቶም ፍቑራትን ‘ብቓሎም ብእኡ ዚኣምኑን’ በቲ ቓል ሓቂ ተቐዲሶም ምስ ኣቦኡን ምስኡን ሓደ ኪዀኑ ኣበርቲዑ ጸለየ። እወ: ሓፈሻዊ ዕላማ ኣገልግሎት የሱስ ኣብተን: “እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም: ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” ዚብላ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ዚርከባ ናይ መወዳእታ ቓላት ብዜደንቕ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ።—17:20, 26
34 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዓለም እኳ እንተ ገደፎም: ብዘይ መጸናንዒ: “እቲ መንፈስ ሓቂ” ግን ኣይሓደጎምን። ብዘይካዚ: ኣብቲ ምስ ዓለም ዚህልዎም ርክብ ከም “ደቂ ብርሃን” መጠን ብኸመይ ከም ዚዕወቱ ብምሕባር እዋናዊ ምኽሪ ሃቦም። (14:16, 17፣ 3:19-21፣ 12:36) “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። ብኣንጻሩ ግን: ነቶም ደቂ ጸልማት: “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። . . . ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” በሎም። እምበኣር: ወትሩ ኣብ ሓቂ ኽንጸንዕ: እወ: “ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን” ኸነምልኾን ካብቲ “ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ዚብል ቃላት የሱስ ብርታዐ ኽንረክብን ቈራጽነት ንግበር።—8:31, 32, 44፣ 4:23፣ 16:33
35 እዚ ዅሉ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ይተኣሳሰር እዩ። የሱስ ኪምርመር ከሎ: “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መሊሱ ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ነቲ ጲላጦስ ዘቕረበሉ ሕቶ ኺምልስ ከሎ: “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” በለ። (18:36, 37) እቶም ድምጹ ዚሰምዑን እቶም ምስቲ ንጉስ ሓቢሮም ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ካብ ላዕሊ እተወልዱን’ ብርግጽ ሕጉሳት እዮም። እቶም ንድምጺ እቲ ጓሳን ንጉስን ዚሰምዑን ህይወት ዚረኽቡን “ካልኦት ኣባጊዕ” ሕጉሳት እዮም። ወንጌል ዮሃንስ: ‘ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምን: አሚንካ እውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረክብ’ ስለ እተጻሕፈት: ነዚ መሰናድዎ እዚ ብሓቂ ኸነመስግነሉ ኣሎና።—3:3, 5፣ 10:16፣ 20:31
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዘ ኤክሊዝያስቲካል ሂስትሪ: ዩሲቤስ: V: VIII: 4።
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 323።
c ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 57-8።