ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 44 ግብሪ ሃዋርያት
ጸሓፊ:- ሉቃስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ሮሜ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 61 ድ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 33–ከባቢ 61 ድ.ክ.
ኣብታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ መበል 42 መጽሓፍ: ሉቃስ ክሳዕ እቲ የሱስ ዝዓረገሉ እዋን ዝነበረ ህይወትን ንጥፈትን ኣገልግሎትን የሱስ ኰነ ሰዓብቱ ጸብጺቡ ኣሎ። እታ ግብሪ ሃዋርያት እትበሃል ታሪኻዊ ጸብጻብ ዝሓዘት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ መበል 44 መጽሓፍ ከኣ: እታ ጉባኤ ብሳላ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተመስረተት ብምግላጽ ታሪኽ ኣጀማምራ ክርስትና ምትራኽ ትቕጽል። እቲ ምስክርነት ፈለማ ንኣይሁድ: ጸኒሑ ኸኣ ንዅሎም ኣህዛብ ብኸመይ ከም እተዘርግሐ ትገልጽ። መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ኣብ መጀመርታ 12 ምዕራፋት ዚርከብ ጽሑፍ ንንጥፈታት ጴጥሮስ ኪሽፍን ከሎ: እቲ ዝተረፈ 16 ምዕራፋት ከኣ ንንጥፈታት ጳውሎስ እዩ ዚሽፍን። ሉቃስ ንጳውሎስ ኣብ ሓያሎ ጕዕዞታት የሰንዮ ብምንባሩ: ምስኡ ኣጸቢቑ ይቀራረብ ነበረ።
2 እታ መጽሓፍ ናብ ቴዎፍሎስ እያ ተጻሒፋ። “ኣታ ኽቡር” ተባሂሉ ስለ ዘሎ: ቦታ ሓላፍነት ዝነበሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ወይ ከኣ ናይ ኣኽብሮት መግለጺ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 1:3) እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣመሰራርታን ዕቤትን ክርስትያናዊት ጉባኤ ልክዕ ዝዀነ ታሪኻዊ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። ካብቲ የሱስ ምስ ተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ እተራእየሉ ጀሚሩ: ነቲ ኻብ 33 ክሳዕ ከባቢ 61 ድ.ክ. እተገብረ ኣገዳሲ ፍጻመታት ይጽብጽብ፣ እዚ ኸኣ ዳርጋ 28 ዓመት ይሽፍን።
3 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ እቲ ንወንጌል ሉቃስ ዝጸሓፋ ሰብ: ንግብሪ ሃዋርያት እውን ከም ዝጸሓፋ እዩ ዚእመን። ክልቲአን መጻሕፍቲ ናብ ቴዎፍሎስ እየን ተጻሒፈን። ሉቃስ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወንጌሉ ዘሎ ፍጻመታት ኣብ መጀመርታ ግብሪ ሃዋርያት ብምድጋም ነተን ክልተ መጻሕፍቲ ብምትእስሳሩ: ብሓደ ጸሓፊ ኸም እተጻሕፋ ዚሕብር እዩ። ንግብሪ ሃዋርያት ኣብ ከባቢ 61 ድ.ክ.: ምናልባት ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሓሉ እዋን ዝዛዘማ እዩ ዚመስል። ክሳዕ እታ ዓመት እቲኣ ዝነበረ ፍጻመታት ስለ ዝመዝገበ: ኣቐዲማ ኽትዛዘም ኣይትኽእልን እያ፣ ነቲ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ዝበለሉ ጕዳይ ዚገልጽ ብይን ከይተገልጸ ምትራፉ ኸኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸም እተዛዘመት ይሕብር።
4 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ: ግብሪ ሃዋርያት ብምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀኖናዊት ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። ኣብቲ ሕጂ እውን ዚርከብ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ ኢደ-ጽሑፋት ፓፒሩስ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተረኺቡ እዩ። ካብዚ ድማ እቲ ኣብ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ሚሺጋን ቍ. 1571 (P38) ከምኡውን ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ ቸስተር ቢቲ ቍ. 1 (P45) ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። እዚ ኽልቲኡ ግብሪ ሃዋርያት ምስ ካልእ መንፈስ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ ብሓባር ተዘርጊሓ ምንባራን ክፍሊ እቲ ጥንታዊ መዝገብ ምንባራን ይሕብር። ሉቃስ ከምቲ ንወንጌሉ ገይሩ ዝጸሓፋ: ንግብሪ ሃዋርያት እውን ልክዕነታ ብዜስደምም ኣገባብ እዩ ጽሒፍዋ። ሰር ዊልያም ኤም. ራምሲ ንጸሓፊ ግብሪ ሃዋርያት “ካብቶም ቀዳማይ ደረጃ ዚወሃቦም ጸሓፍቲ ታሪኽ” ኢልዎ ኣሎ: እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ: “ቀዳመይትን ኣገዳሲትን ባህርይ ሓደ ዓብዪ ጸሓፍ ታሪኽ: ሓቂ እያ። እቲ ዚብሎ ነገራት ዜተኣማምን ኪኸውን ኣለዎ” በለ።a
5 ጽሑፋት ሉቃስ ብልክዕ ከም ዚጽብጽብ ንምሕባር: ነቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣዛዚ እተን ኣብ መዲተራነያን ዝነበራ ጭፍራ መራኽብ ውግእ ብሪጣንያ ዝነበረ ኤድዊን ስሚዝ: ኣብ መጋቢት 1947 ኣብ ዘ ራደር ዝጸሓፎ እስከ ንርአ:- “እተን ጥንታዎት መራኽብ ከምዘን ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ብሓንቲ ኣብ ሪተ መርከብ እትላገብ ስካን [መእለይ መርከብ] ዘይኰነስ: ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሪት መርከብ ብዚእሰር ክልተ ዓብዪ መጀለቢ ወይ መቕዘፊ እየን ዚቃንዓ ነይረን፣ ስለዚ ኸኣ እዩ ቕዱስ ሉቃስ ነዚ ብብዙሕ ቍጽሪ ዝጠቐሶ። [ግብ. 27:40 NW] . . . ካብቲ እታ መርከብ ካብ ጽቡቕ ወደብ ዝነቐለትሉ እዋን ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኣብ መሊጠ እትበጽሕ ንዝገበረቶ ምንቅስቓሳት: ከምቲ ቕዱስ ሉቃስ ብዝርዝር ዝገለጾ ብልዑል ልክዕነትን ብዜዕግብን መገዲ ብደጋውን ናጻን መርትዖ ኺረጋገጽ ርኢና ኢና፣ እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ጸኒሓቶ እተባህለ ግዜ ምስቲ እተጓዕዘቶ ርሕቀት ዚመጣጠን እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሕዎ ቦታ ዝሃቦ መግለጺታት: ምስቲ ቦታ ዚሰማማዕ እዩ። እዚ ዅሉ ድማ ሉቃስ ኣብቲ ዝገለጾ ጕዕዞ ብሓቂ ኸም እተጓዕዘ: ከምኡውን እቲ ትዕዝብትታቱን ዘረባታቱኡን ብልዑል ደረጃ ዚእመን ምዃኑ የርኢ።”b
6 ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት እውን ንልክዕነት እቲ ሉቃስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ የረጋግጽ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ኤፌሶን ብእተገብረ ፍሕረት: ጥንታዊት ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ከምኡውን እቶም ሰብ ኤፌሶን ኣብ ልዕሊ ሃዋርያ ጳውሎስ ናዕቢ ዘለዓዓሉሉ ስፍራ ጓይላ (መአከቢ) ተረኺቡ እዩ። (ግብ. 19:27-41) ሉቃስ ነቶም ሰበ-ስልጣን ተሰሎንቄ ብዚምልከት “መኳንንቲ እታ ኸተማ” ኢሉ ዝጠቐሶ መዓርግ ልክዕ ምዃኑ ዜረጋግጽ እተቐርጸ ጽሑፋት ተረኺቡ እዩ። (17:6, 8) ኣብ መሊጠ እተረኽበ ኽልተ እተቐርጸ ጽሑፋት: ሉቃስ ንጱብልዮስ “ኣውራ” ደሴት መሊጠ ምባሉ ልክዕ ምንባሩ ይሕብር።—28:7c
7 ብተወሳኺ: ኵሉ እቲ ጴጥሮስ: እስጢፋኖስ: ቆርኔሌዎስ: ጠርጠሎስ: ጳውሎስ: ከምኡውን ካልኦት ዘቕረብዎ እተፈላለየ መደረታት ብኣገባቡን ብኣቀዋውማኡን እተፈላለየ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እተፈላለዩ ሰማዕቲ እተዛረቦ ዘረባታት እውን እንተ ዀነ: ምስቲ ዅነታት ንምስምማዕ ኣገባቡ ተቐያይሩ እዩ። እዚ ድማ ሉቃስ ነቲ ባዕሉ ዝሰምዖ ወይ ካልኦት ብኣካል ዝነበሩ ሰባት ዝነገርዎ ጥራይ ከም ዝጸሓፈ ይሕብር። ሉቃስ ጸሓፊ ልብ ወልድ ኣይነበረን።
8 ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወት ሉቃስ ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና። ሃዋርያ እኳ እንተ ዘይነበረ: ምስቶም ሃዋርያት ግን ይቀራረብ ነበረ። (ሉቃ. 1:1-4) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ንሉቃስ ብስሙ ጠቒስዎ ኣሎ። (ቈሎ. 4:10, 14፣ 2 ጢሞ. 4:11፣ ፊሞ. 24) ንእተወሰነ ዓመታት ብጻይ ጳውሎስ እዩ ነይሩ: ጳውሎስ ድማ “ፍቁር ሓኪም” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ሓንሳእ ‘ንሳቶም:’ ሓንሳእ ‘ንሕና’ እናበለ እዩ ዚትርኽ፣ እዚ ኸኣ ሉቃስ ኣብቲ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ምስኡ ኣብ ጥሮኣስ ምንባሩ: ጳውሎስ ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ክሳዕ ዚምለስ ኣብ ፊልጲ ኸም ዝጸንሐ: ከምኡውን ድሕሪኡ እንደገና ምስ ጳውሎስ ሓቢሩ ነቲ ብቤት ፍርዲ እተታሕዘ ጕዳይ ንምክትታል ኣሰንይዎ ናብ ሮሜ ኸም ዝኸደ ይሕብር።—ግብ. 16:8, 10፣ 17:1፣ 20:4-6፣ 28:16
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
32 ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓቅነት ዘለዎን ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምዃኑን ወንጌላት የረጋግጽ እዩ: መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከኣ ነዚ ተወሳኺ ምስክርነት ትህብ። ጴንጠቆስጠ ምስ ቀረበ: ጴጥሮስ ብዛዕባ “ይሁዳ: መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት” ዝበሎ ኽልተ ትንቢታት ከም እተፈጸመ ጠቐሰ። (ግብ. 1:16, 20፣ መዝ. 69:25፣ 109:8) ነቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ተኣኪቦም ዝነበሩ እተደመሙ ህዝቢ ድማ: “እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ” ብምባል ኣብቲ ግዜ እቲ ፍጻመ ትንቢት ብዓይኖም ይርእዩ ኸም ዘለዉ ነገሮም።—ግብ. 2:16-21፣ ዮኤ. 2:28-32፣ ብተወሳኺ ግብ. 2:25-28, 34, 35 ምስ መዝ. 16:8-11፣ 110:1 ኣረኣእዮ።
33 ጴጥሮስ ኣብ ወጻኢ እቲ ቤተ መቕደስ ንእተኣከቡ ኻልኦት ህዝቢ: ፈለማ ሙሴ ዝበሎ ብምጥቃስ: ድሕሪኡ ኸኣ “ኵላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዅላቶም: እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ” ብምባል እንደገና ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቐሰ። ጸኒሑ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ምስ ቀረበ: እቲ ንሳቶም ዝነዓቕዎ እምኒ ዝዀነ ክርስቶስ “ርእሲ መኣዝን” ከም ዝዀነ ንምሕባር: ካብ መዝሙር 118:22 ጠቐሰ። (ግብ. 3:22-24፣ 4:11) ፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 53:7, 8 ዚርከብ ትንቢት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ገለጸሉ፣ እቲ ኢትዮጵያዊ ነዚ ምስ ተረድአ ድማ ብትሕትና ኺጥመቕ ሓተተ። (ግብ. 8:28-35) ብተመሳሳሊ: ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ብዛዕባ የሱስ ኪነግሮ ኸሎ: “ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ” በሎ። (10:43) ግዝረት መከራኸሪ ጕዳይ ምስ ኰነ: ያእቆብ ነቲ ውሳነኡ ደገፍ ንምሃብ: “ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ” በለ። (15:15-18) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ምንጪ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (26:22፣ 28:23, 25-27) እቶም ደቀ መዛሙርትን ሰማዕቶምን ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ክፍሊ ቓል ኣምላኽ ገይሮም ብኡንብኡ ምቕባሎም: እቲ ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ የረጋግጽ።
34 ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ከም እተመስረተትን ኣብ ትሕቲ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝዓበየትን ብምሕባር ዝመጸ: ግብሪ ሃዋርያት ኣዝያ ጠቓሚት እያ። ኣብ ብምሉኡ እቲ መሳጢ ጸብጻብ: ኣምላኽ ኣብቲ ምስፍሕፋሕ ዘፍስሶ በረኸት: ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበሮም ትብዓትን ሓጐስን: ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ዘይምልምላሞም: ከምኡውን ንኼገልግሉ ፍቓደኛታት ምንባሮም ንርኢ ኢና፣ ንኣብነት: ጳውሎስ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኬገልግልን ናብ መቄዶንያ ኪኸይድን ፍቓደኛ ነበረ። (4:13, 31፣ 15:3፣ 5:28, 29፣ 8:4፣ 13:2-4፣ 16:9, 10) ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብፍቕርን ብሓድነትን እተኣሳሰረት: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ንምዝራብ ድማ ሓባራዊ ድሌት ዘለዋ ብምዃና: ካብዚ እተፈልየት ኣይኰነትን።—2:11, 17, 45፣ 4:34, 35፣ 11:27-30፣ 12:25
35 መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እቲ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪግበር ከም ዘለዎ ተርኢ። ጳውሎስ: “ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን” ስለ ዝበለ: ንሱ ንባዕሉ ኣብነት ይኸውን እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ: “ምሉእ ምስክርነት” (NW) ምሃቡ ገለጸ። እዚ “ምሉእ ምስክርነት” ብዛዕባ ምሃብ ዜተኵር ፍረ ነገር ኣብ ብምልእታ እታ መጽሓፍ ኣቓልቦና ይስሕብ እዩ። ብዘይካዚ: ኣብቲ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ እኳ ኸይተረፈ ንምስባኽን ንምምሃርን ብምሉእ ልቡ ውፉይ ምንባሩ ዚሕብር ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፋት: ከምዚ ዚስዕብ ብዚብል ቃላት ጐሊሑ ንረኽቦ:- “ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ [“ምሉእ ምስክርነት እናሃበ:” NW] ተርጐመሎም።” ንሕና እውን ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ንዕየ!—ግብ. 20:20, 21፣ 28:23፣ 2:40፣ 5:42፣ 26:22
36 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሓለውቲ ዘቕረበሎም መደረ: ሎሚ ንዘለዉ ሓለውቲ ዚኸውን ብዙሕ ግብራዊ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። ሎሚ ዘለዉ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ስለ እተሸሙ: ‘ንርእሶምን ነቲ ዅሉ መጓሰን ኪሕልዉ’ ኣለዎም፣ ነቲ መጓሰ ኸኣ ብለውሃት ብምጕሳይን ካብቶም ኬጥፍኡ ዚደልዩ ዘይንሕፉ ተዃሉ ብምክልኻልን እዮም ዚሕልውዎ። እዚ ቐሊል ሓላፍነት ኣይኰነን! ሓለውቲ ንቑሓት ኪዀኑን ብቓል ጸጋ ኣምላኽ ኪህነጹን ኣለዎም። ነቶም ድኹማት ኪሕግዝዎም ኪጽዕሩ ኸለዉ: “ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፤ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ: ዝበሎ ቓል [ኪዝክሩ]” ኣለዎም።—20:17-35
37 እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ኻልእ መደረታት እውን ንጹር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚረኣየሉ። ንኣብነት: ኣብ ኣርዮስፋጎስ ነቶም ካብ እስጦይኮስን ኤጲቁሬዎስን ዝዀኑ ፈላስፋታት ሓያል መደረ ኣቕረበሎም። ፈለማ: ነቲ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ጠቐሰ፣ ካብዚ ተበጊሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ጐይታ ሰማይን ምድርን: ካብ ሓደ ሰብ ኵሉ ዓሌት ሰብ ዝፈጠረ: ከምኡውን “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ናይ ሓቂ ኣምላኽ ገለጸሎም። ድሕሪኡ: “ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና” ዚብል ቃላት ተቐነይቶም ድሕሪ ምጥቃስ: ካብቲ ህይወት ዘይብሉ ጣኦታት ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዝመነጩ ጌርካ ምሕሳብ ትርጕም ዘይብሉ ምዃኑ ኣርኣዮም። በዚ ኸምዚ ብሜላ ንልዑላውነት እቲ ህያው ኣምላኽ መሰረት ኣንጸፈ። ብዛዕባ ትንሳኤ ኣብ መደምደምታኡ ጥራይ እዩ ጠቒሱ: ሽዑ እውን እንተ ዀነ ንክርስቶስ ብስሙ ኣይጠቐሶን። ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ምዃኑ ስለ ዘረድኦም: ገሊኦም ኣመኑ።—17:22-34
38 መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ብቐጻልን ብትጋሃትን ከነጽንዕ ተተባብዕ። ጳውሎስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቤርያ ምስ ሰበኸ: እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣይሁድ: “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ:” በዚ ምኽንያት እዚ “ደግታት” ወይ “ዝለበሙ” (ትርጕም 1990) ተባሂሎም ኣለዉ። (17:11) ሎሚ እውን ከም ቀደም: ምስታ መንፈስ ዝመልኣ ጉባኤ የሆዋ ሓቢርና ቕዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ምምርማርና: እምነትና ብምድልዳል በረኸት የምጽኣልና እዩ። ሓደ ሰብ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ እዩ ንስርዓታት ኣምላኽ ብንጹር ኪርድኦ ዚኽእል። ገለ ኻብቲ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:29 ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብዚ እቶም ንኣመሓዳሪ ኣካል ዘቘሙ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን: እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ኪግዘሩ ግዴታ ኸም ዘይብሎም ኪጠቕሱ ኸለዉ: ካብ ጣኦታትን ደምን ምንዝርን ግን ብንጹር ከልኪሎም እዮም።
39 እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ብሓቂ የጽንዕዎ ነበሩ: ከከም ኣድላይነቱ ድማ ካብኡ ኺጠቕሱን ኣወዓዕላኡ ኺገልጹን ይኽእሉ ነበሩ። ንዜጋጥሞም ዝነበረ ኸቢድ መስጐጕቲ ንኺዋጽኡሉ ብርጡብ ፍልጠትን ብመንፈስ ኣምላኽን ተበራቲዖም እዮም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ተጻረርቲ ገዛእቲ ብትብዓት: “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ: ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ: እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ” ኢሎም እተዛረብዎ ነገር ንእሙናት ክርስትያናት ኣብነት እዩ ዚገድፈሎም። እንደገና ኣብ ቅድሚ እቲ ብስም የሱስ ከይምህሩ ‘ኣምሪሩ ዝኸልከሎም’ ዋዕላ ምስ ቀረቡ: ብዘየማትእ መገዲ: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ። እዚ ድምብርጽ ከይበሎም እተዛረብዎ ዘረባ ነቶም ገዛእቲ ጽቡቕ ምስክርነት ሃቦም: ነቲ ውሩይ መምህር ሕጊ ዝነበረ ገማልኤል ከኣ ንሓርነት ኣምልኾ ደጊፉ ዝሃቦ ብብዙሓት ዚፍለጥ ዘረባ ንኺዛረብ ደረኾ: በዚ ኸምዚ ድማ ነቶም ሃዋርያት ሓደግዎም።—4:19, 20፣ 5:28, 29, 34, 35, 38, 39
40 እቲ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ፍረ ነገር ኰይኑ ተጠቒሱ ዚርከብ የሆዋ ብዛዕባ መንግስቱ ዘለዎ ዜደንቕ ዕላማ: ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እውን ጐሊሑ ይርከብ እዩ። ኣብ መጀመርታ: የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ . . . እናነገሮም” 40 መዓልቲ ኸም ዝጸንሐ ተገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኣብ እስራኤል ኬቕንዕ እንተ ዀይኑ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓተትዎ: ንሳቶም ፈለማ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ኪዀንዎ ምዃኖም ነገሮም። (1:3, 6, 8) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ የሩሳሌም ጀሚሮም ብትብዓት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኹ። መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ: እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ: ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ናብ ሓድሽ ክልታት ፋሕ በሉ። (7:59, 60) ፊልጶስ ኣብ ሰማርያ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ” ኣበሲሩ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዝረኸበ: ጳውሎስን ብጾቱን ከኣ ኣብ እስያን ቈረንቶስን ኤፌሶንን ሮሜን “መንግስቲ ኣምላኽ” ከም ዝሰበኹ ተመዝጊቡ ንረክብ ኢና። ኵሎም እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ የሆዋን ኣብ መንፈሱን ምሉእ ብምሉእ ብምጽጋዕ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም። (8:5, 12፣ 14:5-7, 21, 22፣ 18:1, 4፣ 19:1, 8፣ 20:25፣ 28:30, 31) ነቲ ዘይሕለል ቅንኣቶምን ትብዓቶምን: ከምኡውን የሆዋ ንጻዕርታቶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝባረኾ ምርኣይና: ‘ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ምስክርነት ንኽንህብ’ ሓያል ድራኸ ይዀነና።—28:23 NW
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሰይንት ፖል ዘ ትራቨለር: 1895: ገጽ 4።
b ኣብ ናይ 22 ሓምለ 1947 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 22-3 ተጠቒሱ ይርከብ፣ ኣብ ናይ 8 ሚያዝያ 1971 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-8 እውን ተወከስ።
c ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 153-4: 734-5፣ 2ይ ጥራዝ: ገጽ 748።