ምዕራፍ 24
‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል የልቦን
1. ንብዙሓት ሰባት እንተላይ ንገለ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከመይ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒት እዩ ዚሓድሮም፧
የሆዋ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ የፍቅረካ ድዩ፧ ገለ ሰባት ከምቲ ዮሃንስ 3:16 እትብሎ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኸም ዜፍቅሮም ይሰማምዑሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ‘ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣምላኽ ፈጺሙ ኼፍቅረኒ ኣይክእልን እዩ’ ይብሉ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብዚ መዳይ እዚ ጥርጣረ ኣለዎም። ሓደ ሰብኣይ ካብ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ፡ “ኣምላኽ ብዛዕባይ ይግደስ እዩ ኢለ ንምእማን ኣዝዩ እዩ ዜጸግመኒ” በለ። ንዓኻኸ ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥርጣረ ይሓድረካ ድዩ፧
2, 3. ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይንጠቅም ከም ዝዀንና ወይ ከኣ የሆዋ ኸም ዘይፈትወና ዀይኑ ኺስምዓና ዚደሊ መን እዩ፧ ነዚ ሓሳብ እዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንቃለሶ እንኽእል፧
2 ሰይጣን፡ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘየፍቅረና ወይ ኣኽቢሩ ኸም ዘይርእየና ገይሩ ኼእምነና ሃረር እዩ ዚብል። ሰይጣን ዚበዝሕ ግዜ ንሰባት ከም ዚንየቱን ከም ዚዕበዩን ብምግባር ከም ዜስሕቶም ዘይከሓድ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:3) ይኹን እምበር፡ ንተነቀፍቲ ሰባት ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ምግባር እውን ደስ እዩ ዚብሎ። (ዮሃንስ 7:47-49፣ 8:13, 44) ብፍላይ እኳ ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልትታት” ነዚ ሜላ እዚ ኣጸቢቑ እዩ ዚጥቀመሉ። ሎሚ ሓያሎ ሰባት ‘ፍቕሪ ንስድራ ቤት ኣብ ዘይብለን’ ኣባይቲ እዮም ዚዓብዩ። ካልኦት ከኣ ወትሩ ምስ ጨካናት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ነቓጻት ሰባት እዮም ዚውዕሉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዞም ሰባት እዚኦም ንነዊሕ ዓመታት ኣደዳ ግፍዕን ዓሌታዊ ፍልልይን ጽልእን ብምዃኖም ዘይጠቕሙ ወይ ዘይፍተዉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ገይርዎም እዩ።
3 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ዚመጸካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። መብዛሕትና ንርእስና በብግዜኡ ንዅንና ኢና። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ “ንምቕናዕን” ‘ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታትን’ ተባሂሉ ኸም እተጻሕፈ ንዘክር። (2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ 2 ቈረንቶስ 10:4) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ንልብና ምትእምማን ከነሕድረሉ ኢና፣ ዋላ እኳ ልብና እንተ ዀነነና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዝመጸ ቕዱሳት ጽሑፋት ‘ንልብና ምትእምማን ከነሕድረሉ’ ዚሕግዘና ኣርባዕተ መገድታት ንርአ።
የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ
4, 5. የሱስ ብዛዕባ እተን ኣዕዋፍ ዝሃቦ ምሳሌ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘሎና ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧
4 ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን። እምበኣር፡ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።” (ማቴዎስ 10:29-31) እዘን ቃላት እዚአን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት እንታይ ትርጉም ከም ዝነበረን እሞ ንርአ።
5 ሰብ ንምንታይ እዩ ጭሩ ዚዕድግ ኢልና ንግረም ንኸውን። እታ የሱስ ዝጠቐሳ ዓይነት ጭሩ ኣብ ግዜኡ ኻብተን ንምግቢ ዚሽየጣ ዝነበራ ኣዕዋፍ እታ ዝሓሰረት እያ ነይራ። ብሓንቲ ብዙሕ ዋጋ ዘይብላ ሳንቲም ክልተ ጨራሩ ይዕደጋ ነበራ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ ብኽልተ ሳንቲም ኣርባዕተ ዘይኰናስ ሓሙሽተ ጨራሩ ይዕደጋ ነበራ። እታ ሓንቲ ኸም መቝሽሽ እያ እትውሃብ ነይራ። ሰባት ነዘን ጨራሩ እዚአን ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይብለን ገይሮም ይቘጽርወን እኳ እንተ ነበሩ፡ ፈጣሪ ግና ከመይ ገይሩ እዩ ዝርእየን፧ የሱስ፡ “ሓንቲ ኻባታተን እኳ [እታ ኸም መቝሽሽ እትውሃብ እውን ከይተረፈ]፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይትርሳዕን እያ” በለ። (ሉቃስ 12:6, 7) ሕጂ ነቲ የሱስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ምልስ ኢልና ንርኣዮ። የሆዋ ንሓንቲ ጭሩ ኽሳዕ ክንድዚ ኣኽቢሩ ዚርእያ ኻብ ኰነ፡ ንሰብኣዊ ፍጡር ደኣ ኽንደይ ብዝያዳ ኣኽቢሩ ዘይርእዮ! ከምቲ የሱስ ዝገለጾ የሆዋ ብዛዕባና ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ እዩ። አረ ጸጕሪ ርእስና እኳ ኸይተረፈ ተቘጺረን እየን!
6. የሱስ ጸጕሪ ርእስና ኸም እተቘጽራ ኺዛረብ ከሎ፡ ከም ዘየጋነነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
6 ጸጕሪ ርእስናስ ብሓቂ ተቘጺረን ድየን፧ ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ የጋንን እዩ ነይሩ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ እሞ ሕስብ ኣብል። የሆዋ እንደገና ምእንቲ ኺፈጥረና፡ ብዛዕባና ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት እውን ከይተረፈ ኺፈልጥ ኣለዎ። ኣዝዩ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእየና፡ ኵሉ ዝርዝር ነገራት ይዝክሮ እዩ፡ እንተላይ ነቲ እተሓላለኸ ጂንና ዀነ ንዅሉ ተዘክሮታትናን ተመክሮናን ይዝክሮ እዩ።a ምስዚ ኸነወዳድሮ ኸለና እምበኣር እቲ ብገምጋም 100,000 ኣቢሉ ዚኸውን ጸጕሪ ርእስና ምቝጻሩ ኸቢድ ኣይኰነን።
የሆዋ ነየናይ ጐድንና እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ፧
7, 8. (ሀ) የሆዋ ንኣልባብ ሰባት ኪምርምሮ ኸሎ ኸመይ ዝኣመሰለ ባህርያት ምስ ዚረክብ እዩ ዚሕጐስ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮ እንፍጽሞ ዕዮታት እንታይ እዩ፧
7 ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ብዛዕባ ኣገልገልቱ ነየናይ ጐድኖም ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ይነግረና። ብሓጺሩ፡ በቲ ጽቡቕ ባህርያትናን በቲ እንገብሮ ጻዕርታትን ባህ እዩ ዚብሎ። ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ወዱ፡ “የሆዋስ ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ፡ ንዅሉ ዝንባለ ሓሳባት እውን የስተውዕሎ እዩ” በሎ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ኣምላኽ ኣብዛ ዓመጽን ጽልእን ዝመልኣ ዓለም ኣልባብ ቢልዮናት ሰባት ኪምርምር ከሎ፡ ሰላምን ሓቅን ጽድቅን ዜፍቅር ልቢ ምስ ዚረክብሲ ኣየ ኽንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ! ንዕኡ ዜፍቅር፡ ከምኡ እውን ብዛዕባኡ ኺምሃርን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ከኣ ንኻልኦት ኬካፍሎምን ዚደሊ ልቢ ምስ ዚርከብከ ደኣ፧ የሆዋ ነቶም ብዛዕባኡ ንኻልኦት ዚነግሩ ሰባት ከም ዚዝክሮም ይነግረና እዩ። አረ፡ ንዅሎም እቶም “ንየሆዋ ዚፈርህዎን ነቶም ንስሙ ዜስተንትኑሉን” ዚኸውን “መጽሓፍ መዘከርታ” እኳ ኸይተረፈ ኣዳልዩ እዩ። (ሚልክያስ 3:16) እወ፡ የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ባህርያት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።
8 ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ሰናይ ግብሪኸ እንታይ እዩ፧ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ንምምሳል እንገብሮ ጻዕሪ ገለ ኻብኡ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ሓደ ኻብቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ጠቓሚ ዕዮ ኸኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስፋሕ እዩ። ሮሜ 10:15፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቓት እየን!” ትብለና። ቃል ብቓሉ ኣእጋርና “ጽቡቓት” ከም ዝዀና ጌርና ኣይንሓስብን ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣእጋርና ነቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ብስራት ንምስባኽ ዚገብርዎ ጻዕሪ እየን ዜመልክታ። ኵሉ እዚ ጻዕርታት እዚ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ጽቡቕን ክቡርን እዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20።
9, 10. (ሀ) የሆዋ ነቲ እተፈላለየ ጸገማት ኪወርደና ኸሎ እነርእዮ ተጻዋርነት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዚሕብር እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እሙናት ኣገልገልቱ እንታይ ዓይነት ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ፈጺሙ ዘይብሉ፧
9 የሆዋ ንተጻዋርነትና እውን ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። (ማቴዎስ 24:13) ሰይጣን ንየሆዋ ዝባንካ ኽትህቦ ኸም ዚደልየካ ኣይትረስዕ። ንየሆዋ እሙን ዝዀንካላ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቲ ሰይጣን ዝጸረፎ ጸርፊ ተወሳኺ ምላሽ እትህብ እያ። (ምሳሌ 27:11) ሓድሓደ ግዜ ተጻዋርነት ቀሊል ኣይኰነን። ከም ናይ ጥዕና ጸገማትን ቍጠባዊ ቕልውላውን ስምዒታዊ ጭንቀትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታትን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ፈተና ኪዀነና ይኽእል እዩ። ነዊሕ ትጽቢት እውን ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 13:12) ከምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እነርእዮ ተጻዋርነት የሆዋ ብዝያዳ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንጉስ ዳዊት ንንብዓቱ ኣብ “ሓርቢ” ኺእክበሉ ንየሆዋ ድሕሪ ምልማኑ፡ ብምትእምማን “ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧” ዝበሎ። (መዝሙር 56:8) እወ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ተኣማንነትና ንምሕላው ክንጻወር ከለና እንነብዖ ንብዓትን እነሕልፎ ስቓይን ኣኽቢሩ ይርእዮን ይዝክሮን እዩ።
የሆዋ ነቲ ፈተናታት ኪወርደና ኸሎ እነርእዮ ተጻዋርነት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ
10 እቲ ዚዅንን ልብና ግና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ምዃንና ዚሕብር መርትዖ ይነጽጎ እዩ። ‘ካባይ ብዝያዳ ኣብነት ዝዀኑ ሓያሎ ኻልኦት ኣለዉ። የሆዋ ምስ ካልኦት ሰባት ኬወዳድረኒ ኸሎስ ኣየ ኽንደይ ኰን ይጕሂ ይኸውን!’ እናበለ በብግዜኡ ሕሹዅ ይብለና ይኸውን። የሆዋ ኣየወዳድርን እዩ። ብኣተሓሳስባኡ እውን ተሪር ኣይኰነን። (ገላትያ 6:4) ንልብና ብምስትውዓል ኣጸቢቑ ስለ ዚምርምሮ፡ ነታ ዝረኸባ ጽብቕቲ ነገር ንእሽቶ እውን ትኹን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእያ።
የሆዋ ንሰናይ ካብ እከይ ይመሚ
11. ካብቲ የሆዋ ንኣብያ ዝገበረሉ ነገር እንታይ ኢና እንምሃር፧
11 ሳልሳይ፡ የሆዋ ኺምርምረና ኸሎ ጽቡቕ ነገር ንምርካብ ኢሉ ተጠንቂቑ እዩ ዚመሚ። ንኣብነት፡ የሆዋ እቲ ዓለወኛ ስርወ ንግስነት የሮብዓም ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ ምዃኑ ምስ ወሰነ፡ ነቲ ኣብያ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ደቂ ንጉስ ግና ንቡር ቀብሪ ኺግበረሉ ኣዘዘ። ስለምንታይ፧ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ገለ ጽቡቕ ነገር ዝረኸበሉ” ብምዃኑ እዩ። (1 ነገስት 14:1, 10-13) የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንልቢ እቲ መንእሰይ ምስ መርመሮ “ጽቡቕ ነገር” ረኸበሉ። እቲ ጽቡቕ ነገር እቲ ኽሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ይኹን ብዘየገድስ የሆዋ ኣብ ቃሉ ኸም ዚሰፍር ብምግባር ኣኽቢሩ ርእይዎ እዩ። ነዚ ኣባል እቲ ዓለወኛ ስድራ ቤት ዝዀነ ሰብ ሚዛናዊ ምሕረቱ ብምርኣይ ዓስቡ ሂብዎ እዩ።
12, 13. (ሀ) እቲ የሆዋ ምስ ንጉስ ዮሳፋጥ ዝገበሮ ርክብ ሓጢኣት ምስ እንፍጽም እውን ከይተረፈ ነቲ ጽቡቕ ጐድንና ኸም ዚርኢ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ግብርናን ባህርያትናን ከም ሓደ ፈቃር ወላዲ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧
12 ካብዚ ሓለፍ ዝበለ ኻልእ ኣወንታዊ ኣብነት ከኣ ናይቲ ቕኑዕ ዝነበረ ንጉስ ዮሳፋጥ እዩ። እቲ ንጉስ ዕሽነት ምስ ገበረ፡ ሓደ ኻብ የሆዋ እተላእከ ነብዪ፡ “በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ” በሎ። ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! እቲ የሆዋ ዝለኣኾ መልእኽቲ ግና ኣብዚ ኣየብቅዐን። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ግናኸ፡ . . . ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ” በሎ። (2 ዜና መዋእል 19:1-3) ስለዚ፡ እቲ ጽድቃዊ ቝጥዓኡ ነቲ ኣብ ዮሳፋጥ ዝነበረ ጽቡቕ ነገር ከም ዘይርኢ ኣይገበሮን። የሆዋ ኻብ ዘይፍጹማት ሰባት ኣየ ኽንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ሰባት ኬሕርቑና ኸለዉ ጽቡቕ ጐድኖም ኣይረኣየናን እዩ። ሓጢኣት ምስ እንፍጽም ከኣ እቲ ዘጋጠመና ተስፋ ምቝራጽን ሕፍረትን ናይ ገበን ስምዒትን ነቲ ጽቡቕ ጐድንና ኸም ዘይንርእዮ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕናን ንዘይምድጋሙ እንተ ጽዒርናን፡ የሆዋ ይሓድገልና እዩ።
13 የሆዋ ኺምርምረካ ኸሎ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣንጠረኛ ወርቂ ኼውጽእ ከሎ ነቲ ዘይረብሕ ጸጸር ዜርሕቖ ንሓጢኣትካ የርሕቖ እዩ። ነቲ ጽቡቕ ባህርያትካን ግብርታትካንከ እንታይ ይገብሮ፧ እወ፡ ልክዕ ከም “ክቡር ማዕድን” ይዕቅቦ እዩ! ፈቃራት ወለዲ ነቲ ደቆም ዝሰኣልዎ ስእልታት ወይ ተምሃሮ ኸለዉ ዝሰርሕዎ ዕዮታት ከመይ ገይሮም ከም ዚዕቅብዎ ኣስተብሂልካዶ ኣለኻ፧ አረ ሓድሓደ ግዜስ ደቆም ምስ ረስዕዎ እውን ከይተረፈ ንሓያሎ ዓመታት እዮም ዚዕቅብዎ። የሆዋ ኻብ ኵሎም ንላዕሊ ፈቃር ወላዲ እዩ። ሓንትስ ንዕኡ ደኣ እሙናት ንኹን እምበር ነቲ ጽቡቕ ግብርናን ባህርያትናን ፈጺሙ ኣይኪርስዖን እዩ። አረ ነዚ ምርሳዕሲ ኸም ዓመጻ እዩ ዚቘጽሮ፡ ዓማጺ ድማ ኣይኰነን። (እብራውያን 6:10) የሆዋ ብኻልእ መገዲ እውን ይመምየና እዩ።
14, 15. (ሀ) ዘይፍጽምናና የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ጐድንና ኸይርኢ ዘይዓግቶ ስለምንታይ እዩ፧ መረዳእታ ሃብ። (ለ) የሆዋ ነቲ ኣባና ዚርእዮ ጽቡቕ ባህርያት እንታይ እዩ ዚገብሮ፧ ነቶም እሙናት ህዝቡኸ ብኸመይ እዩ ዚምልከቶም፧
14 የሆዋ ነቲ ዘይፍጽምናና ዘይኰነስ፡ ነቲ ጽቡቕ ንምግባር ዘሎና ዝንባለ እዩ ዜተኵረሉ። ንመረዳእታ፦ ስነ ጥበባዊ ስራሓት ዜፍቅሩ ሰባት እተጸየቐ ቕብኣታት ወይ ካልእ ስራሓት ንምሕዳስ ብዙሕ ጻዕሪ እዮም ዜካይዱ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዚርከብ ስእልታት ዚርኣየሉ “ሃገራዊ ኣዳራሽ” ኣትዩ ነቲ 30 ሚልዮን ዶላር ዜውጽእ ቅብኣ ልዮናርዶ ዳ ቪንቺ ብጥይት ተኲሱ ምስ ኣበላሸዎ፡ ‘እቲ ቕብኣ ስለ እተበላሸወ፡ ኪጕሓፍ ኣለዎ’ ዚብል ርእይቶ ዝሃበ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ብውሕሉል ኣገባብ እተዳለወ ዳርጋ 500 ዓመታት ዝገበረ ቕብኣ ብኡብኡ ተሓደሰ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ኣዒንቲ እቶም ስነ ጥበባዊ ስራሓት ዜፍቅሩ ሰባት ክቡር እዩ። ንስኻኸ ኻብቲ ብቐለም እተሳእለ ቕብኣ ብዝያዳ ዝኸበርካዶ ኣይኰንካን፧ በቲ ዝወረስካዮ ዘይፍጽምና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሓጣእካ ብዘየገድስ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኽቡር ኢኻ። (መዝሙር 72:12-14) እቲ ኽኢላ ፈጣሪ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ንፍቕራዊ ሓልዮቱ ምላሽ ዚህቡሉ ሰባት ናብ ፍጽምና ንምምላስ ዜድሊ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:21፣ ሮሜ 8:20-22።
15 እወ፡ እቲ ንዓና ኺረኣየና ዘይክእል ጽቡቕ ጐድንና ንየሆዋ ይረኣዮ እዩ። ብዝያዳ እናኣገልገልናዮ ምስ እንኸይድ ከኣ እዚ ጽቡቕ ጐድኒ እዚ ምሉእ ክሳዕ ዚኸውን እናዓበየ ኸም ዚኸይድ እዩ ዚገብሮ። ናይ ሰይጣን ዓለም ክሳዕ ክንደይ ተጋፍዓና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርኢ።—ሃጌ 2:7።
የሆዋ ፍቕሩ ብግብሪ ይገልጽ
16. እቲ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ የሆዋ እንታይ እዩ፧ እዚ ህያብ እዚ ንዓና ብብሕቲ እውን ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧
16 ራብዓይ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ንምርግጋጽ ኢሉ ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ። ነቲ ሰይጣን ዘይንጠቅም ወይ ዘይንፍቶ ኸም ዝዀንና ገይሩ ዜቕርቦ ሓሶት ዲግ ዝበለ መልሲ ዚኸውን እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። እቲ የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሳቕዩ ዘሕለፎ መሪር ሞትን ብዓብይኡ ድማ የሆዋ እቲ ዚፈትዎ ወዱ ኺመውት ኪርእዮ ኸሎ እተሳቐዮ ስቓይን ከም ዜፍቅሩና ዜረጋግጽ መርትዖ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ብዙሓት ሰባት እዚ ህያብ እዚ ንነፍሲ ወከፎም ብብሕቲ ኸም ዜመልክት ምእማኑ የጸግሞም እዩ። ዘይጠቕሙ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ እቲ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ዚሰጕጎም ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ እኳ ኸይተረፈ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝበለ ኣይንረስዕ።—ገላትያ 1:13፣ 2:20።
17. የሆዋ ብምንታይ ገይሩ እዩ ናብኡን ናብ ወዱን ዚስሕበና፧
17 የሆዋ ነፍሲ ወከፍና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ካብ መስዋእቲ ክርስቶስ ንኽንጥቀም ብምሕጋዝ ፍቕሩ ኣረጋጊጹልና እዩ። የሱስ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 6:44) እወ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንነፍሲ ወከፍና ናብ ወዱን ናብ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ስሒቡና እዩ። ብኸመይ፧ በቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝበጽሓና ዕዮ ስብከት ከምኡ እውን ምስናይ እቲ ውሱን ዓቕምናን ዘይፍጽምናናን መንፈሳዊ ሓቂ ኽንርዳእን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ብዚጥቀመሉ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ የሆዋ ኸምቲ ብዛዕባ እስራኤላውያን ዝበሎ ብዛዕባና እውን፡ “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቂረኪ። ስለዚ እየ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ናባይ ዝሰሓብኩኺ” ኺብል ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 31:3።
18, 19. (ሀ) የሆዋ ብዝያዳ ናይ ማሕርሮ ፍቕሩ ዚገልጸልና መገዲ እንታይ እዩ፧ ነዚ ሓላፍነት እዚ ባዕሉ ብብሕቱ ኸም ዚስከሞ ዜርእየናኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ የሆዋ ብድንጋጽ ጽን ኢሉ ዚሰምዕ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧
18 እቲ ናይ ማሕርሮ ፍቕሪ የሆዋ ብዝያዳ ዚግለጸሉ መገዲ በቲ ናይ ጸሎት መሰል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍና ናብ ኣምላኽ ‘ከየቋረጽና ኽንጽሊ’ እዩ ዚዕድመና። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ጽን ኢሉ ስለ ዚሰምዓና እኳ “ሰማዕ ጸሎት” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝሙር 65:2) ነዚ ጸሎት ናይ ምስማዕ ሓላፍነት እዚ ንማንም፡ አረ ንወዱ እውን ይኹን ኣይሃቦን። እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከይተሰከፍና ብጸሎት ክንቀርቦ ኺዕድመናስ ክንደይ ዓብዪ መሰል ምዃኑ ሕስብ እሞ ነብሎ። ኪሰምዓና ኸሎኸ ብዘይ ድንጋጽን ብዘይ ሓልዮትን ድዩ፧ ኣይፋሉን።
19 የሆዋ ደንጋጺ ኣምላኽ እዩ። ድንጋጽ ኪብሃል ከሎ ግና እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ክርስትያን፡ “ድንጋጽ ኣብ ልበይ ዘሎ ቃንዛኻ እዩ” በለ። እሞኸ የሆዋ ኽንቅንዞ ኸለና ብሓቂዶ ይስምዖ እዩ፧ ብዛዕባ እቶም ዚሳቐዩ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል “ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ” ይብለና። (ኢሳይያስ 63:9) የሆዋ ነቲ ንህዝቡ ዚበጽሖም ዝነበረ መከራ ይርእዮ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ ይስምዖ እውን እዩ ነይሩ። ብዛዕባኦም ክሳዕ ክንደይ ኣዕሚቑ ይስምዖ ኸም ዝነበረ እኳ በተን ባዕሉ፡ “ዚትንክየኩም ዘበለ፡ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” ብምባል ንኣገልገልቱ እተዛረቦም ቃላት ተገሊጹ ኣሎ።b (ዘካርያስ 2:8) እዝስ ኣየ ኽንደይ ዜቐንዙ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! እወ፡ የሆዋ ኣብ ክንዳና ይስምዖ እዩ። ክንሳቐ ኸለና ኸኣ ምሳና ይሳቐ እዩ።
20. ነቲ ኣብ ሮሜ 12:3 ዘሎ ምኽሪ ኽንእዘዞ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኸመይ ዝኣመሰለ ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣተሓሳስባ ኢና ኸነወግድ ዘሎና፧
20 ዝዀነ ይኹን ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ክርስትያን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዜርእዮ ፍቕርን ዓብዪ ግምትን ንኺዕበ ወይ ርእሱ ኽብ ንምባል ኣይጥቀመሉን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:3) ካልእ ትርጉም ከኣ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ደኣ ኺግምግም እምበር ካብቲ ናይ ሓቂ እንታይነቱ ኣልዕል ኣቢሉ ኸይሓስብ፡ እብሎ ኣለኹ” ይብል። (ኤ ትራንስሌሽን ኢን ዘ ላንጔጅ ኦቭ ዘ ፒፕል ባይ ቻርለስ ቢ. ኢልያምስ) ስለዚ እምበኣር፡ ካብቲ ዓሚቝ ፍቕሪ ሰማያዊ ኣቦና ምሉእ ብምሉእ እናተጠቐምና ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ምዃኑ ንዘክር።—ሉቃስ 17:10።
21. እንታይ ንዚብል ሓሶት ሰይጣን ኢና ወትሩ ኽንጻረሮ ዘሎና፧ ንልብናኸ ብኸመይ ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኢና ኸነእምኖ ዘሎና፧
21 እምበኣርከስ፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣይጠቅምን እየ ወይ ኣይፍቶን እየ ዚብል ስምዒት እውን ሓዊስካ ንዅሉ ሓሶት ሰይጣን ንምንጻግ ዚከኣለና ንጽዓር። ኣብ ህይወት ዘጋጠመካ ተመክሮ ፍቕሪ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ዘየዐርዮ ጕድለት ከም ዘሎካ፡ ወይ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ፈጺሙ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኸም ዝዀነ፡ ወይ ከኣ ሓጢኣትካ ሞት እቲ ኽቡር ወዱ እኳ ኺሽፍኖ ዘይክእል ኣዝዩ ብዙሕ ከም ዝዀነ ጌርካ ንኽትምልከቶ ምሂሩካ እንተ ደኣ ዀይኑ ጌጋ እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ብምሉእ ልብኻ ንጸጎ! ሃየ እምበኣር፡ ንልብና በዘን መንፈስ ዝነፈሰን ናይ ሓቂ ቓላት ጳውሎስ ጌርና ነእምኖ፦ “ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡ ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ።”—ሮሜ 8:38, 39።
a መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋ ትንሳኤ ብተደጋጋሚ ምስ ተዘክሮ የሆዋ እዩ ዜተሓሕዞ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ንየሆዋ፡ “ኣየ፡ . . . ውሱን ግዜ እንተ ትውስነለይ እሞ እንተ ትዝክረኒ!” በሎ። (እዮብ 14:13) የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እቶም “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ኪጠቅስ ከሎ፡ መዘከርታኦም ከም ዘይተረስዐ እተመልክት ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። የሆዋ ነቶም ኬተንስኦም ዚደሊ ምዉታት ምሉእ ብምሉእ ዚዝክሮም ብምዃኑ፡ እዛ ቓል ምጥቃሙ ግቡእ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፡ እግረ ጽሑፍ።
b ገሊኦም ተርጐምቲ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚትንኪ ዓይኒ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓይኒ ወይ ዓይኒ እስራኤል ይትንኪ ዚብል መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ ገይሮም እዮም ተርጒሞምዋ። እዚ ግጉይ ትርጉም እዚ ኽህሉ ዝኸኣለ ኸኣ ገሊኦም ጸሓፍቲ እቲ ሓሳብ ንኣምላኽ ክብሪ ኣይህብን እዩ ብምባል ስለ ዘተዓራረይዎ እዩ። እዚ ግጉይ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደንጋጺ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ከም ዚዕበጥ ገበሮ።