መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“ኣብ ርሑቕ ዘላ ስቕ ዝበለት ርግቢ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጋት ምስ ሓዝዎ።+
56 ኦ ኣምላኽ፡ መዋቲ ሰብ የጥቅዓኒ* ኣሎ እሞ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።
ምሉእ መዓልቲ ይብኣሱንን ይጭቍኑንን ኣለዉ።
2 ጸላእተይ ምሉእ መዓልቲ ይነኻኽሱኒ ኣለዉ፣
ብዙሓት ብትዕቢት ይብኣሱኒ ኣለዉ።
4 ብኣምላኽ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡—
ብኣምላኽ እእመን* እየ፣ ኣይፈርህን ከኣ እየ።
5 ምሉእ መዓልቲ ንጕዳየይ የበላሽውዎ፣
ንጕድኣተይ ጥራይ እዮም ዚሓስቡ።+
7 ብሰሪ እከዮም ደርብዮም።
ኦ ኣምላኽ፡ ብቝጥዓኻ ንኣህዛብ ኣውድቆም።+
ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ።+
ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧+
9 በታ ዘእውየላ መዓልቲ፡ ጸላእተይ ኬንሳሕቡ እዮም።+
በዚ እተኣማመን እየ፦ ኣምላኽ ኣብ ጐድነይ እዩ።+
ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧+