የሆዋ ናብቲ ናይ ሓቂ ሓርነት ይምራሕካ
‘ናብቲጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲርካ ጠምት።’—ያእ. 1:25፡ NW።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
እንታይ ሕጊ እዩ ናብቲ ናይ ሓቂ ሓርነት ዚመርሕ፧ ካብቲ ሕጊ እቲ ዚጥቀሙኸ መን እዮም፧
ናይ ሓቂ ሓርነት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብ መገዲ ህይወት ዚመላለሱ ዘበሉ እንታይ ሓርነት እዮም ኪረኽቡ፧
1, 2. (ሀ) ሎሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓርነት እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ (ለ) ንኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧
ኣብዚ ስስዐን ገበንን ዓመጽን እናወሰኸ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞ. 3:1-5) መንግስትታት ከኣ ነዚ ንምቍጽጻር ኢለን ዝያዳ ሕግታት የውጽኣ፡ ሓይልታት ፖሊሰን የደልድላ፡ ከምኡውን ኤለክትሮኒካዊ መከታተሊ ይተኽላ ኣለዋ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ዚነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ኣባይቶም ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ዚህብ መሳርሕን ተወሳኺ መሸጐሪታትን ናይ ኤለክትሪክ ሓጹርን ይገብሩ ኣለዉ። ሓያሎ ሰባት ብለይቲ ኻብ ቤቶም ኪወጹ ኣይደልዩን ወይ እውን ደቆም ብቐትሪ ዀነ ብለይቲ ኻብኣቶም ተፈልዮም ኪጻወቱ ኣይፈቕዱን እዮም። ሓርነት ኣናጠፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ እምበኣር ዚከሓድ ኣይኰነን፣ እዚ ኸኣ ዚቕጽል ደኣ እምበር፡ ዚመሓየሽ ኣይመስልን እዩ።
2 ሰይጣን፡ ኣብ ገነት ኤድን፡ ናይ ሓቂ ሓርነት ዚርከብ፡ ካብ የሆዋ ተፈሊኻ ብርእስኻ ብምምሕዳር ከም ዝዀነ ኣሚቱ ነይሩ እዩ። እዚ ግና ብተንኰል እተኣልመ ሓሶት ምዃኑ ብተመክሮ ተራእዩ እዩ። እወ፡ ሰባት ንስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ኣምላኽ ኪጥሕሱ ኸለዉ፡ ምሉእ ሕብረተ ሰብ ይሳቐ እዩ። እዚ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት እዚ ንኣገልገልቲ የሆዋ እውን ይጸልወና እዩ። ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ጥፍኣትን ወይ ምብስባስን ሓራ ወጺኦም፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ብምባል ዚጠቕሶ ዅነታት ኬስተማቕሩ ኸለዉ ንኽንርኢ ተስፋ ንገብር ኢና። (ሮሜ 8:21) የሆዋ ንኣገልገልቱ ነዚ ሓርነት እዚ ኺረኽቡ ኼዳልዎም ጀሚሩ እዩ። በየናይ መገድታት፧
3. የሆዋ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ሕጊ እዩ ሂብዎም፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧
3 የሆዋ ንህዝቡ ነቲ መጻኢ እቲ ንኼዳልዎም ኢሉ፡ ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት” ሂብዎም ኣሎ። (ያእቆብ 1:25፡ NW ኣንብብ።a) እዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ሓርነት ዚህብ ፍጹም ሕጊ” (ትርጕም 1990) ብዚብል እውን ተተርጒማ ኣላ። ሰባት ንሕጊ ምስ ቀይድታት ደኣ እምበር፡ ምስ ሓርነት ከም ዘየተሓሕዝዎ ፍሉጥ እዩ። እቲ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት” ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ እቲ ሕጊ ሓራ ዜውጽኣናኸ ብኸመይ እዩ፧
እቲ ሓራ ዜውጽኣና ሕጊ
4. እቲ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት” እንታይ እዩ፧ ካብዚ ሓርነት እዚ ዚጥቀሙኸ መን እዮም፧
4 እቲ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት፡” ንሕጊ ሙሴ ኣየመልክትን እዩ፣ ከመይሲ ሕጊ ሙሴ ኣበሳ ኸም ዚገሃድ እዩ ገይሩ፡ ኣብ ክርስቶስ ከኣ ተፈጺሙ እዩ። (ማቴ. 5:17፣ ገላ. 3:19) እሞ ደኣ ያእቆብ ነየናይ ሕጊ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፧ እቲ “ሕጊ እምነት” ከምኡውን “ሕጊ ሓራ ሰባት” ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ “ሕጊ ክርስቶስ” እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ። (ሮሜ 3:27, 28፣ ያእ. 2:12, 13፡ NW፣ ገላ. 6:2, 3) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ “ፍጹም ሕጊ” ንዅሉ እቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓት ዚሓቍፍ እዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ኰኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ካብዚ ሓርነት እዚ ይጥቀሙ እዮም።—ዮሃ. 10:16።
5. እቲ ሕጊ ሓርነት ከቢድ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
5 እቲ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት” ቀሊል ትእዛዛትን መሰረታዊ ስርዓታትን ዝሓዘ ደኣ እምበር፡ ከምቲ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዘሎ ሕግታት፡ እተሓላለኸ ወይ ከቢድ ኣይኰነን። (1 ዮሃ. 5:3) የሱስ፡ “ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ” በለ። (ማቴ. 11:29, 30) ብዘይካዚ፡ እቲ “ፍጹም ሕጊ” ኣብ ፍቕሪ እተመሰረተ፡ ከምኡውን ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣእምሮን ልብን እተቐርጸ ብምዃኑ ነዊሕ ዝርዝር መቕጻዕቲ ዝሓዘ ኣይኰነን።—እብራውያን 8:6, 10 ኣንብብ።
እቲ “ፍጹም ሕጊ፡” ሓራ ዜውጽኣና ብኸመይ እዩ፧
6, 7. ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ እቲ ሕጊ ሓርነት ሓራ ዜውጽኣናኸ ብኸመይ እዩ፧
6 የሆዋ ንመስተውዓልቲ ፍጡራቱ ድሩት ስርዓታት ዝሰርዓሎም ንኺጠቕሞምን ንኼዕቝቦምን ኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ንጸዓትን ንነገርን ዚቈጻጸር ግኡዛዊ ሕጊ ንርአ። ሰባት በዚ ሕግታት እዚ ኸም እተጨቈኑ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። እኳ ደኣስ፡ እዚ ባህርያዊ ሕግታት እዚ ንድሕንነቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዚግንዘቡ፡ የማስዉሉ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብቲ “ፍጹም ሕጊ” ክርስቶስ እተንጸባረቐ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት የሆዋ ንጥቕሚ ሰባት እዩ ተሰሪዑ።
7 እቲ ሕጊ ሓርነት የዕቝበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእስና ኸይጐዳእና ወይ ከኣ መሰልን ሓርነትን ሰባት ከይገሃስና፡ ነቲ ግቡእ ባህግታትና ንኸነዕግብ ይሕግዘና እዩ። ብሓቂ ሓራ ንኽንወጽእ፡ ማለት ባህግታትና ንኸነዕግብ እምበኣር፡ ምስ ባህርያትን ስርዓታትን የሆዋ ዚሰማማዕ ቅኑዕ ባህግታት ከነማዕብል የድሊ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ የሆዋ ዘፍቅሮ ኸነፍቅሮ፡ ነቲ ዚጽልኦ ኸኣ ክንጸልኦ ኣሎና ማለት እዩ። እቲ ሕጊ ሓርነት እውን ነዚ ኽንገብር ይሕግዘና እዩ።—ኣሞ. 5:15።
8, 9. እቶም ናይ ሓቂ ሓርነት ንምርካብ ዚጽዕሩ ሰባት እንታይ ረብሓታት እዮም ዚረኽቡ፧ ኣብነት ሃብ።
8 ዘይፍጹማት ብምዃንና፡ ምስቲ ግጉይ ባህግታትና ቓልሲ ኣሎና። ነቲ ሕጊ ሓርነት ብተኣማንነት እንተ ስዒብናዮ ግና፡ ሕጂ እውን ከይተረፈ ሓርነት ከነስተማቕር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ጀይ እተባህለ ሓድሽ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ወልፊ ትንባኾ ነበሮ። እዚ ልማድ እዚ ንየሆዋ ኸም ዘየሐጕሶ ምስ ተማህረ ግና፡ ሓደ ውሳነ ገበረ። እሞኸ፡ ንስጋኡ ድዩ ተገዚኡ ወይስ ንየሆዋ ንኺግዛእ እዩ ፍቓደኛ ዀይኑ፧ ትንባኾ ምትካኽ ንኸቋርጾ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንየሆዋ ኼገልግል መረጸ። ንወልፉ ምስ ኣሰነፈ እንታይ ተሰምዖ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኸም ዝወጻእኩ እዩ ዚስምዓኒ፡ ኣዝየ ድማ ሕጉስ እየ” በለ።
9 ጀይ እቲ ንሰባት ‘ናይ ስጋ ኸም ዚሓስቡ’ ዚገብሮም ዓለም እተዳልዎ ሓርነት፡ ባርነት ምዃኑ፡ እቲ “ሓሳብ መንፈስ” ዝዀነ የሆዋ ዜዳልዎ ሓርነት ግና ካብ ባርነት ሓራ ኸም ዜውጽእ፡ ናብ “ህይወትን ሰላምን” ከኣ ከም ዚመርሕ ብተመክሮ ርእይዎ እዩ። (ሮሜ 8:5, 6) ነቲ ኸም ባርነት ኰይንዎ ዝነበረ ወልፊ ንኸሰንፍ ዘኽኣሎ ሓይሊ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧ ካብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ረኺብዎ። ንሱ፡ “ኣዘውቲረ መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበኒ እጽሊ፡ ነቲ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ዝወሃበኒ ፍቕራዊ ሓገዝ ንኽረክብ ድማ እጽዕር ነበርኩ” በለ። እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ንዅልና ነቲ ናይ ሓቂ ሓርነት ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እስከ ንርአ።
ናብ ቃል ኣምላኽ ኣተኲርካ ጠምት
10. ናብ ሕጊ ኣምላኽ ‘ኣተኲርካ ምጥማት’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
10 ያእቆብ 1:25፡ “እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን ዚጸንዕን ግና፡ . . . ከምኡ ብምግባሩ . . . ሕጉስ ኪኸውን እዩ” ትብል። (NW) እታ “ኣተኲሩ ዚጥምት” ተባሂላ እተተርጐመት በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ድንን ኢሉ ዚጥምት” ማለት እያ፣ እዚ ድማ ብርቱዕ ጻዕሪ ምግባር የመልክት። እወ፡ እቲ ሕጊ ሓርነት ንኣእምሮናን ንልብናን ኪጸልወና እንተ ደሊና፡ ብዕቱብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብጸሎት ብምስትንታንን እጃምና ኸነበርክት ኣሎና።—1 ጢሞ. 4:15።
11, 12. (ሀ) ንሓቂ ኽፍሊ ናብራና ኽንገብራ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ የሱስ ብኸመይ እዩ ኣጕሊሑ፧ (ለ) ብኣብነት ከም እተገልጸ፡ ብፍላይ መንእሰያት እንታይ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ኬወግዱ ዘለዎም፧
11 ብዘይካዚ፡ ‘ጸኒዕና’ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንሓቂ ኽፍሊ ናብራና ንግበራ። የሱስ ንገለ ኻብቶም ብእኡ ዝኣመኑ ሰባት፡ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል ምስዚ ዚመሳሰል ሓሳባት ሂብዎም ኣሎ። (ዮሃ. 8:31, 32) ኣብ ሓደ መወከሲ ኸም እተገልጸ፡ ኣብዛ ጥቕሲ እዚ፡ “ክትፈልጥዋ” ኺብሃል ከሎ፡ ‘ከተማስዉላ’ ማለት እውን እዩ። ከመይሲ፡ “ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምስ ዚፈልጥ፡ ነቲ ዝፈለጦ ነገር ኣኽቢሩ ወይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።” ከተስተብህሉላ፡ ምሉእ ብምሉእ ከተቕልቡላ” ማለት እዩ። ስለዚ፡ ንሓቂ ምሉእ ብምሉእ ‘ክንፈልጣ’ እንኽእል፡ ክፍሊ ናብራና ምስ እንገብራ እዩ። ሽዑ፡ “ቃል ኣምላኽ” ንሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ምእንቲ ኸነንጸባርቖ ንባህርያትና ስለ ዚቐርጾ፡ ኣባና ‘ይዓዪ’ ኣሎ ኽንብል ንኽእል ኢና።—1 ተሰ. 2:13።
12 ንርእስኻ፡ ‘ብርግጽዶ ንሓቂ እፈልጣ እየ፧ ክፍሊ ናብራይዶ ገይረያ እየ፧ ወይስ፡ ንገለ ኻብቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተዳለዎ “ሓርነት” እሃርፎ እየ፧’ ኢልካ ሕተታ። ሓንቲ ብክርስትያን ወለዲ ተዀስኲሳ ዝዓበየት ሓብቲ፡ ተመክሮኣ ገሊጻ ኣላ። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብየሆዋ ትኣምን እኳ እንተ ነበረት፡ ጽቡቕ ገይራ ትፈልጦ ኸም ዘይነበረት ኣብ ርእሲ ምግላጻ፡ “ነቲ ንሱ ዚጸልኦ ኣይጸልኦን እየ ነይረ። ተግባራተይ ከም ዜገድሶ ኣይኣምንን እየ ነይረ። ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ ናብኡ ኣይጐይይን እየ ነይረ። ኣብ ልቦናይ እየ ዝጽጋዕ ነይረ፣ ሕጂ ግና ዋላ ሓንቲ ፍልጠት ከም ዘይነበረኒ ስለ እተገንዘብኩ፡ ዕሽነት ምዃኑ ፈለጥኩ” ኢላ ጸሓፈት። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ኣተሓሳስባኣ ግጉይ ከም ዝነበረ ስለ እተገንዘበት፡ ዓበይቲ ለውጥታት ገበረት። ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እውን ከተገልግል ጀመረት።
መንፈስ ቅዱስ ሓራ ኼውጽኣና ይኽእል
13. መንፈስ ቅዱስ፡ ሓራ ንኽንወጽእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
13 ካልኣይ ቈረንቶስ 3:17፡ “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት አሎ” ትብል። መንፈስ ቅዱስ፡ ንሓርነትና ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ ከም “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል” ዝኣመሰለ ንሓርነት ኣገዳሲ ዝዀነ ባህርያት ንኸነፍሪ ይሕግዘና እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ሰባት ብዘይ እዚ ባህርያት እዚ፡ ብፍላይ ከኣ ብዘይ ፍቕሪ ብሓቂ ሓራ ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት የረጋግጾ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ፍረ መንፈስ ምስ ዘርዘሮ፡ “ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን” በለ። ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ንዕቤት ፍረ መንፈስ ኪቕይድ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሕጊ ኸም ዘየለ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ገላ. 5:18) የሆዋ፡ ነዚ ባህርያት እዚ እናኣማዕበልና ንዘለኣለም ከነንጸባርቖ እዩ ዚደልየና።
14. እቶም ብመንፈስ ዓለም ዚምርሑ ሰባት፡ ባሮት ሓጢኣት ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧
14 እቶም ብመንፈስ ዓለም ዚምርሑን ንስጋዊ ባህግታቶም ዜርውዩን ሰባት፡ ሓራ ዝወጹ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። (2 ጴጥሮስ 2:18, 19 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ብሓቂ ኣብ ባርነት ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን እዮም። መንግስትታት ንባህርያትን ጠባያትን እዞም ሰባት እዚኦም ንምቍጽጻር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት የውጽኣ እየን። ጳውሎስ፡ “ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ” ገለጸ። (1 ጢሞ. 1:9, 10) ነቲ ሕሱም ጐይታ ዝዀነ ‘ናይ ስጋ ድሌት’ ኪገብሩ ስለ ዚድፍኡ፡ ባሮት ሓጢኣት እዮም። (ኤፌ. 2:1-3) እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ልክዕ ከምቶም ሸውሃቶም ንምርዋይ ኢሎም ናብ ሓደ መዓር ዝሓዘ ሸሓኒ ዚለሙ እሞ ኣብ መጻወድያ ዚወድቁ ሓሸራታት፡ ብትምኒታቶም ተሳሒቦም ባሮት ሓጢኣት እዮም ዚዀኑ።—ያእ. 1:14, 15።
ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከብ ሓርነት
15, 16. ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሕባርና፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ ከመይ ዝበለ ሓርነትከ ኢና እንረክብ፧
15 መጀመርታ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ዝሓበርካሉ እዋን፡ ልክዕ ከም ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ኽበብ ዚጽምበር ተራ ሰብ ኣይኰንካን ኔርካ። ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሰሓበካ፡ የሆዋ እዩ። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ንኺስሕበካ ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብ ድዩ ርእዩ፧ “ኣይፋሉን” ትብል ትኸውን። እንታይ ደኣ እዩ እሞ ርእዩ፧ ነቲ ሓራ ዜውጽእ ሕጉ ዚእዘዝ ልቢ፡ እወ፡ ነቲ ለዋህ ጽልዋኡ ዚግዛእ ልቢ እዩ ርእዩ። የሆዋ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈስ ብምምጋብ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ሓሶትን ማሪትን ሓራ ብምውጻእ፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ብኸመይ ከም እተማዕብል ብምምሃር ንልብኻ ዓንጊልዎ እዩ። (ኤፌሶን 4:22-24 ኣንብብ።) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣባል እቶም ንበይኖም “ሓራ ሰባት” ኪብሃሉ ዚኽእሉ ህዝቢ ንኽትከውን ፍሉይ መሰል ርኺብካ ኢኻ።—ያእ. 2:12: NW።
16 ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ምስቶም ብምሉእ ልቦም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ክትሓብር ከለኻ፡ ትፈርህ ዲኻ፧ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከተዕልል ከለኻ፡ ንብረትካ ምእንቲ ኸይስረቕ ግጥም ኣቢልካ ትሕዞ ዲኻ፧ ከምኡ ኸም ዘይትገብር ፍሉጥ እዩ። ስኽፍ እውን ኣይብለካን እዩ። ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እትዀነሉኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ኣይፋሉን። እቲ ሕጂ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ እተስተማቕሮ ዘሎኻ ሓርነት፡ ናይቲ ዚመጽእ ሓርነት ንእሽቶ መርኣያ እዩ።
“ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ”
17. ሓርነት ደቂ ሰብ ምስ “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧
17 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ዚህቦም ሓርነት፡ “ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ” በለ። (ሮሜ 8:19-21) “እቲ ፍጥረት” ነቶም ካብቲ “ምግላጽ” እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቂ ኣምላኽ ዚጥቀሙ፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ደቂ ሰብ የመልክት። እዞም “ደቂ” እዚኦም ተንሲኦም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ንምድሪ ኻብ እከይ ብምጽራይ፡ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ናብቲ ሓድሽ ስርዓት ኪመርሕዎም እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ምግላጽ ይጅምር።—ራእ. 7:9, 14።
18. እዙዛት ደቂ ሰብ ቀጻሊ ሓርነት ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ መወዳእታኸ ኸመይ ዝበለ ሓርነት እዮም ኪረኽቡ፧
18 ሽዑ እቶም በጃ እተኸፍለሎም ደቂ ሰብ፡ ሓድሽ ሓርነት ኪህልዎም እዩ። እወ፡ ካብ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ሓራ ኺወጹ እዮም። (ራእ. 20:1-3) ኣየ ሽዑስ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዩ ኪኸውን! ብድሕሪኡ፡ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ 144,000፡ እቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚድምሰስ፡ ንደቂ ሰብ፡ ካብ ረብሓታት መስዋእታዊ በጃ በብግዜኡ ኸም ዚጥቀሙ ብምግባር፡ ካብ ባርነት ሓራ ኼውጽእዎም እዮም። (ራእ. 5:9, 10) ደቂ ሰብ ተፈቲኖም እሙናት ምዃኖም ምስ ኣርኣዩ፡ ነቲ ዕላማ የሆዋ ዝዀነ ፍጹም ሓርነት፡ ማለት “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ኪረኽብዎ እዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሽዑ፡ ኵለንትናኻ ፍጹም ስለ ዚኸውን፡ ንባህርያት ኣምላኽ ድማ ምሉእ ብምሉእ ስለ እተንጸባርቖ፡ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ኣይኬጸግመካን እዩ።
19. ሎሚ፡ ካብታ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ሓርነት እትወስድ መገዲ ምእንቲ ኸይንወጽእ፡ ብቐጻሊ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
19 ነቲ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ክትረኽቦ ሃረር ትብል ዲኻ፧ ሃረር ትብል እንተ ዄንካ፡ ኣእምሮኻን ልብኻን ወትሩ በቲ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት” ከም ዚጽሎ ግበር። እወ፡ ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ኣጽንዕ። ብመገዲ ሓቂ ብምምልላስ ከኣ፡ ንሓቂ ኽፍሊ ናብራኻ ግበራ። መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበካ ጸሊ። ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤን ካብቲ የሆዋ ዜሰናድዎ መንፈሳዊ ምግብን ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም። ሰይጣን ከምቲ ንሄዋን ዘታለላ፡ ንዓኻ እውን ኣታሊሉ፡ መገድታት ኣምላኽ እምብዛ ቐያዲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኸም እትሓስብ ኪገብረካ ኣይተፍቅደሉ። ድያብሎስ ብተንኰል ውዲት ኪኣልም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ “ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።”—2 ቈረ. 2:11።
[እግረ-ጽሑፍ]
a “እቲ ኣብቲም ሕጊ ሓርነት ኣተሩ ዚጥምትን ዚንዕን ግና፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዚርስዕ ሰማዒ ኣይኰነን፣ ከምኡ ብምግባሩ ድማ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።”
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ንገለ ኻብቲ ዓለም እተዳልዎ “ሓርነት” ንኽረክብ እሃርፍ ድየ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ንሓቂ ኽፍሊ ናብራይ ገይረያ ድያ፧