ቃል ሓቂ ህይወት ሰባት ይልውጥ ኢዩ
ሎሚ ህይወት ሓያለይ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ቅልውላው ዝርከብ ምዃኑ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ሓጐስ ክረኽቡ ዝከኣል ድዩ፧ ገሊኣቶም ዓመጸኛታትን ንብጾቶም ግዳያት ዝገብሩን ኢዮም። ንጹሃት ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ክዀኑ ይኽእሉዶ፧ መልሲ ናይዚ ክልተ ሕቶታት እዚ: እወ ዝብል ኢዩ። ሰባት ክቕየሩ ይኽእሉ ኢዮም። ህይወት ሰባት ድማ ክልወጥ ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ” ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ ከመይ ገይርካ ለውጢ ክግበር ከም ዝከኣል ሓቢሩ ኣሎ።—ሮሜ 12:2
‘ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ’ ኢሉ ምጥቃሱ: ነቲ ጳውሎስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ቅድሚ ምጽሓፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ይገብር የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝበሎም ነገር የዘክረና ይኸውን። የሱስ ከምዚ በለ:- “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።” (ዮሃንስ 8:32) የሱስ “ሓቂ” ኽብል ከሎ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና ተባሂሉ ተዓቂቡ ዘሎ ብመለኮታዊ መገዲ እተጻሕፈ ሓበሬታ—ብፍላይ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝምልከት ሓበሬታ—ማለቱ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:17) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት ብርግጽ ናጻ ይገብሮም ድዩ፧ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባርከ ብሓቂ ህይወት ሰባት ይልውጥ ድዩ፧ ብርግጽ ይልውጥ ኢዩ። ገለ ሒደት ኣብነታት ርአ።
ናይ ህይወት ዕላማ ምርካብ
ቅድሚ ገለ ግዜ: ኣብ ጅብሮልተር ዝርከብ ሞይሰስ እተባህለ ሰብ ኣዝዩ ጕሁይ ነበረ። ከምዚ ይብል:- “ሰኽራምን ኣብ ጽርግያ ዝድቅስን ሰብ ነበርኩ። ሞራለይ ዝወደቐ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ምሸት ምሸት ኣምላኽ ክምሕረንን ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ድማ ብህይወት ከየንብረንን እልምኖ ነበርኩ። ዘይረብሕ ሰብ: ብዘይ ስራሕ: ብዘይ ስድራ: ከምኡውን ዝሕግዘኒ ዘይብለይ እንተድኣ ዀይነ ስለምንታይ ተወሊደ ብምባል ንኣምላኽ ክሓቶ ከለኹ እነብዕ ነበርኩ። ስለምንታይ ብህይወት እነብር፧” ድሕርዚ: ሓደ ነገር ኣጋጠመ።
ሞይሰስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ንሮቤርቶ: ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምስ ረኸብክዎ ኣምላኽ ጸሎተይ ከም ዝሰምዓኒ ፈለጥኩ። ሮቤርቶ መጽሓፍ ቅዱስን ሓንቲ ቕዳሕ ናይታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ a እትበሃል ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ ብሮሹርን ሃበኒ። መዓልታዊ ኣብታ ለይቲ ዝድቅሰላ ናይ ወሰን ጽርግያ ነዋሕ ኮፍ መበሊት ሓቢርና መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ነበርና። ድሕሪ ወርሒ ሮቤርቶ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሰደኒ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ንኣረኣእያይ ቀየሮ። ካብኡ ንነጀው ኣብ ጽርግያ ምድቃስ: ምስካር ወይ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽኩ። ህይወተይ ተቐየረ: ሕጕስ ድማ ኢየ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ተጠሚቐ ሓደ ካብ መሰኻኽሩ ብምዃን ንየሆዋ ከገልግሎ ኸኣ ተስፋ ኣሎኒ።”
ከመይ ዝበለ ለውጢ ዀን ኢዩ! ሰባት ተስፋ ዝስእንሉ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ሰኣን ፍልጠት ኢዩ። ብዛዕባ ኣምላኽን እቲ ዘደንቕ ዕላማታቱን ኣይፈልጡን ኢዮም። ኣብ ኵነታት ሞይሰስ: ነቲ ፍልጠት እቲ ምስ ረኸበ ኣነባብራኡ ክቕይር ዘኽእሎ ሓይልን ትብዓትን ሂብዎ ኢዩ። እቲ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ: ንሳተን ይምርሓኒ: ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ” ዝብል ጸሎት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ኵነታት ሞይሰስ መልሲ ረኺቡ ኢዩ።—መዝሙር 43:3
ኣብ በሊዝ እውን: ዳንየል እተባህለ ሰብ ተመሳሳሊ ተመክሮ ነበሮ። ዳንየል ጽቡቕ ስራሕ ስለ ዝነበሮ ኣብ ጽርግያታት ኣይድቅስን ኢዩ ነይሩ። ን20 ዓመታት ዝኸውን ግን ምስ ወልፊ ሓሽሽን ኣልኮልን ይቃለስ: ስነ-ምግባር ዘይብሉ ናብራ ድማ ይነብር ነበረ። ዳንየል ካቶሊክ ኰይኑ እኳ እንተ ዓበየ: ናይ ህይወት ትርጕም ግን ክርድኦ ኣይከኣለን: ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ድማ ይጠራጠር ነበረ። ሓገዝ ደልዩ ኸኣ ናብ እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያናት ከደ: ይኹን እምበር ካብቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝፈልጦም ኣዕሩኹ ይኹኑ ገለ ካብቶም ኣዕሩኹ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ እውን ከይተረፉ: ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ብዘይ ግቡእ ከም ዘዘውትሩ ፈለጠ። እዚ ዅሉ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ድማ: በዓልቲ ቤቱ ክትፈትሖ ትዳሎ ነበረት።
ዳንየል ካብ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ: ናብ ናይ ተሃድሶ ማእከል ኣተወ። ገና ግን: ሓገዝ እንተድኣ ዘይረኺቡ ካብቲ ቦታ ምስ ወጸ ቀልጢፉ ናብ ሓሽሽ ከም ዝምለስ ይፈልጥ ነበረ። እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢዩ ግን ዘድልዮ ዝነበረ፧ ኣብ ግንቦት 1996: ካብቲ ናይ ተሃድሶ ማእከል ምስ ወጸ ድሕሪ ኽልተ መዓልትታት: ዳንየል ናብ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀሪቡ “በጃኻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ግበረለይ” ምስ በሎ እቲ ምስክር ተገሪሙ ኢዩ። እቲ ምስክር ምስ ዳንየል ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር መደበ: ዳንየል ከኣ ንህይወቱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከሰማምዓ ጀመረ: ነቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኹ ድማ በቶም ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ዘየዘውትሩ ከምኡውን ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ዝርሕቁ ክርስትያን ኣዕሩኽ ተክኦም። በዚ ኸኣ: ዳንየል ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ብምባል ዝዛረበሉ ነገር ሓቂ ዀይኑ ረኸቦ። (ምሳሌ 13:20) ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ: “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ጽሩይ ሕልና ምሓዝ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ዝፈለጥኩላ ግዜ ሎሚ ኢያ” በለ። ናይ ዳንየል ህይወት እውን ተለዊጡ ኢዩ።
ኣብ ፖርቶ ሪኮ ድማ: ካልእ ሰብኣይ ዓቢ ለውጢ ኣርእዩ ኢዩ። ሓያለይ ሰባት ብምቕታሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ: ከም ኣዝዩ ሓደገኛ ሰብ ድማ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክቕይሮ ክኢሉዶ፧ እወ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለ ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ ንቕሑ! መጽሔታት ሃቦ: ቀልጢፉ ድማ ተወሳኺ ክዋሃቦ ሓተተ። ምስኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ልቡ ክትንክፎ ምስ ጀመረ ድማ እቲ ዘርኣዮ ለውጥታት ኣብ ኵሉ ሰብ ግሁድ ኰነ። ሓደ ካብቲ መረጋገጺ ናይቲ ዝገበሮ ለውጢ ኸኣ ነቲ ነዊሕ ዝነበረ ጸጕሩ ኣሕጺሩ ቀምቀሞ: ነቲ ወንጨርጨር ኢሉ ዝነበረ ጭሕሙ ድማ ላጸዮ።
ኣምላኽ ነቶም ብሓቂ ዝናስሑን ኣነባብራኦም ዝልውጡን ሓጢኣተኛታት ይቕረ ከም ዝብለሎም መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ኢዩ። ጳውሎስ ‘ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ነይርኩም ግናኸ ተሓጺብኩም’ ብምባል ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 11) እዘን ቃላት እዚኣተን ልክዕ ከምተን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ዘለዋ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ]” ዝብላ ቓላት ገይረን ነዚ ሰብኣይ እዚ ከም ዘጸናንዓኦ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ነቶም ዝቐተልኩዎም ሰባት ይቕረታ ክሓቶም ምእንቲ ክኽእል ትንሳኤ ምዉታት ክኸውን ከሎ ኣብኡ ክህሉ እደሊ ኢየ።”
ሓድሽ ስድራቤት
ሓደ መዓልቲ ሉዊስ እተባህለ ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከብ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ: ምስ ሓደ ዘሕዝን ታሪኽ ዝነበሮ መንእሰይ ተፋለጠ። እዚ መንእሰይ እዚ ምስ ተወልደ: ወለዱ ስለ ዝደርበይዎ ኣብ እተፈላለየ ትካላት ዓበየ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ: ኣዲኡ ኣበይ ከም እትነብር ፈለጠ እሞ ምስኣ ክቕመጥ ድማ ወሰነ። ጽዒሩ ብዙሕ ገንዘብ ምስ ኣከበ ኸኣ ናብቲ ኣዲኡ ዝነበረቶ ኸተማ ከደ። ገንዘቡ ክሳዕ ዝውድእ ምስኣ ኣቐመጠቶ: ድሕርዚ ካብቲ ገዛ ክወጽእ ነገረቶ። ከምዚ ገይራ ምንጻጋ ኸኣ ሞት ኰይኑ ተሰምዖ።
ይኹን እምበር: ሉዊስ ነዚ መንእሰይ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከማቕሎ ከኣለ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ: ነቲ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ዝብል መረጋገጺ ዘጠቓልል ኢዩ። (መዝሙር 27:10) እቲ መንእሰይ ፈጺሙ ዘይጥንጥኖ ሰማያዊ ኣቦ ከም ዝነበሮ ፈለጠ። ሕጂ ክፍሊ ናይ ሓደ ሓድሽ ስድራቤት: ማለት ኣባል ስድራቤት የሆዋ ብምዃኑ ሕጕስ ኢዩ።
ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝርከብ ካልእ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከም ዝፈትዎ ነገሮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓዳሩ ኣድሒንሉ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ካብ ስራሕ ክወጽእ ከሎ: ኣብቲ እንዳ ጐሓፍ “ፍትሕ” ዝብል ኣርእስቲ ብዓበይቲ ፊደላት እተጻሕፋ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ረኣየ። ሓዳሩ ኣብ ሽግር ስለ ዝነበረ: ንሱን በዓልቲ ቤቱን ድማ ድሮ ነቲ ብሕጊ ናይ ምፍልላይ መስርሕ ጀሚሮም ብምንባሮም: ነታ መጽሔት ኣልዒሉ ከንብባ ጀመረ። ናብ ገዛ ወሲዱ ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዀይኑ ኣንበባ። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብታ መጽሔት ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ጸዓሩ። (ኤፌሶን 5:21–6:4) ድሕሪ ቑሩብ እዋን ርክቦም ተማሓየሸ። ነቲ ብሕጊ ናይ ምፍልላይ መስርሕ ኣቋረጽዎ: ሕጂ ድማ ሓድነት ዘለዎም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ብምዃን መጽሓፍ ቅዱስ ይማሃሩ ኣለዉ።
ኣብ ኡራጋይ: ሉዊስ ዝስሙ ካልእ ሰብኣይ ሕጕስ ኰይኑ ኣይፈልጥን ነበረ። ወልፊ ሓሽሽ: ሓተታ መናፍስቲ: ኣምልኾ ጣኦት: ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ምዝውታር: ገለ ካብቲ ንህይወቱ ዘበላሸዎ ነገራት ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ: ካብ ብዙሕ ብስጭት እተላዕለ ሉዊስ ኢዘሄራዊ ዀነ። ሓደ ዓርኩ ህይወት —ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ b እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሃቦ። እዚ ድማ ንሓጺር ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝራኸብ ገበሮ: ሉዊስ ግን ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ኣልኮልን ሓሽሽን ተመልሰ። ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሓደ ጐሓፍ ዝመልአ ጕድጓድ ኮፍ ኢሉ: ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ርግጸኛ ስለ ዘይነበረ ናብቲ “ኣቦ የሱስ ክርስቶስ” ኢሉ ጸለየ።
ብህይወት ምንባሩ ገለ ዕላማ ዘለዎ እንተድኣ ዀይኑ ክሕብሮ ንኣምላኽ ሓተቶ። ሉዊስ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “ልክዕ ንጽባሒቱ: ሓደ ዓርከይ ንሱ ዘይጥቀመላ መጽሓፍ ሃበኒ። እቲ ኣርእስታኸ እንታይ ነበረ፧ ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቐሪቡ!”c (እንግሊዝኛ) እታ መጽሓፍ ሕትኡ ክምለሰሉ ሓገዘቶ። ሉዊስ ንኣምላኽ ከመይ ገይርካ ከም እተገልግሎ እትሕብር ሃይማኖት ንኽረክብ ምእንቲ ኽሕግዞ እንደገና ጸለየ። ከመይ ዝበለ ዘገርም ነገር ኰን ኢዩ! ደወል ናይቲ ማዕጾ ተደወለ ክልተ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። ሉዊስ ብኡንብኡ ምስኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ቅልጡፍ ዕቤት ኣርኣየ: ሕጂ ድማ ጥሙቕ ምስክር ብምዃኑ በረኸት ከም ዝረኸበ ኢዩ ዝስምዖ። ጽፉፍ ናብራ ኢዩ ዝነብር: ካልኦት ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር ዕላማ ንኽፈልጡ ድማ ይሕግዝ። እተን ኣብ መዝሙር 65:2 ዘለዋ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ: ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ዝብላ ቃላት ኣብ ኵነታቱ ዝውዕላ ዀይነን ተረኺበን ኢየን።
ኣብ ፊሊፕንስ: ኣላን ኣብ ናይ ተማሃሮ ምንቅስቓስ ይሳተፍ ነበረ። ኣባል ናይ ሓንቲ “መጻኢ ወለዶታት ማዕርነት ክረኽቡ ምእንቲ ክኽእሉ ነቲ መንግስቲ ካብ ስልጣን ምውራድ” ዝብል ዕላማ ዝነበራ ማሕበር ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብዎ እሞ: ኣምላኽ ንወድሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማህረ። እቲ ዕላማ ድማ ነቲ “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ መብጽዓ ዘጠቓልል ኢዩ። (መዝሙር 37:10, 11) ኣላን ከምዚ ይብል:- “እቲ ምንቅስቓስና ዝቃለሰሉ ዝነበረ ዕላማ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ተገይርሉ ዝነበረ ምዃኑ ቀልጢፈ ተረዳእኩ። ኵሉ እቲ ኻብ ልቢ እንብህጎ ነገራት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክርከብ ኢዩ።” ኣላን ሕጂ ንመንግስቲ ኣምላኽ ይድግፍ: ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ክህልዎም ድማ ይሕግዝ ኣሎ።
እወ: ሰባት ነቲ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ክስዕቡ ኸለዉ ህይወቶም ይልወጥ ኢዩ። ብርግጽ: እቲ ዅሎም ዝደሓኑ ደቅሰብ ህይወቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ እተሰማምዐ ዝዀነሉ ግዜ ይቐርብ ኢዩ ዘሎ። እዝስ ከመይ ዝበለ ምልዋጥ ኰን ኢዩ ክኸውን! ሽዑ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ” ዝብል ትንቢት ክፍጸም ኢዩ።—ኢሳይያስ 11:9
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
c ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።