ንዝኽረትካ ኸተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ
የሆዋ ኣምላኽ ንሓንጎል ወድሰብ: ዜደንቕ ናይ ምዝካር ክእለት ብምሃብ እዩ ፈጢርዎ። ሓንጎል ብዙሕ ሓበሬታ ኺሕዝ ዚኽእል ማዕከን ኰይኑ: ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓበሬታ ኸይሰረዘ ዜድሊ ሓበሬታ ኺህብ ዚኽእል ኰይኑ እዩ ተነዲፉ። እተነድፈሉ መገዲ ኸኣ ምስቲ ኣምላኽ: ደቅሰብ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዘለዎ ዕላማ ዚሰማማዕ እዩ።—መዝ. 139:14፣ ዮሃ. 17:3
እንተዀነ ግን: ካብቲ ናብ ኣእምሮኻ ዚኣቱ ሓበሬታ: ብዙሕ ከም እትርስዕ ይስምዓካ ይኸውን። ኣብቲ እትደልዮ እዋን ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ኣይመስልን። ዝኽረትካ ንምምሕያሽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ተገዳስነት ይሃሉኻ
ተገዳስነት ምህላው: ኣብ ምምሕያሽ ዝኽረት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ናይ ምስትብሃል ልማድ እንተ ኣልዩና: ማለት ንሰባትን ኣብ ከባቢና ንዚግበር ነገራት ንግደስ እንተ ዄንና: ኣእምሮና ይነቓቓሕ እዩ። ድሕሪኡ ነባሪ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምስ እነንብብ ወይ ምስ እንሰምዕ ተገዳስነትና ብቐሊሉ ይለዓዓል።
ሰባት ንስማት ካልኦት ኪርስዑ ልሙድ እዩ። እንተዀነ ግን: ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ክርስትያናት ብጾትና: እንምስክረሎም ሰባት: ኣብ ኣገዳሲ ዋኒንና እንረኽቦም ሰባት: ኰታስ ሰባት ብሓፈሻኡ ኣገደስቲ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ነቲ ኽንዝክሮ ዚግብኣና ስማት ንኽንዝክር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓንቲ ጉባኤ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ስማት እቶም ኣብኣ ዚርከቡ 26 ሰባት ዘርዘረ። ንዓታቶም ዘለዎ ተገዳስነት: ስማቶም ብምዝካሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ሓያሎ ኻባታቶም ዝርዝር ነጥቢ ብምጥቃሱ እውን ኣርእዩ እዩ። (ሮሜ 16:3-16) ገሊኦም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገየሽቲ ሓለውቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ሰሰሙን ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ዚግዕዙ እኳ እንተ ዀኑ: ስማት ብዙሓት ይዝክሩ እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧ ምስ ሓደ ሰብ ኪዛረቡ ኸለዉ: ስሙ ብተደጋጋሚ ይጥቀሙ ይዀኑ። ስም እቲ ሰብ ምስ ገጹ ንምትሕሓዝ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስ እተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት ናብ ኣገልግሎት ይኸዱ ኸምኡውን ብሓባር ይምገቡ እዮም። ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸብ ከለኻ: ስሙ ትዝክሮዶ፧ ፈለማ: ስሙ ንኽትዝክሮ እኹል ምኽንያት ብምሓዝ ጀምር: ድሕሪኡ ነዚ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ፈትኖ።
ነቲ እተንብቦ ምዝካር እውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንኸተመሓይሽ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ተገዳስነትን ግንዛበን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ኣቓልቦኻ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ እተንብቦ ንምግባር: ብዛዕባኡ እኹል ተገዳስነት ኪህልወካ ኣለዎ። ከተንብብ ክትፍትን ከለኻ: ኣእምሮኻ ዚገይሽ እንተ ደኣ ዀይኑ: ነቲ ዘንበብካዮ ኣይትዝክሮን ኢኻ። እቲ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ምስቲ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ወይ ቅድሚ ሕጂ እትፈልጦ ነገራት ብምዝማድ: ግንዛበኻ ኸተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ። ‘ነዚ ሓበሬታ እዚ መዓስን ብኸመይን እየ ኽዓየሉ ዝኽእል፧ ንኻልኦት ንምድጋፍ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። በብሓደ ቓላት እናቘጸርካ ኣብ ክንዲ እተንብብ: ሓረጋት ብሓባር ብምንባብ እውን ግንዛበኻ ኸተስፍሖ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሓሳባትን ቀንዲ ነጥብታትን ብቐሊሉ ኽትርድኦ ኢኻ: እዚ ድማ ንኽትዝክሮ ዝቐለለ ይገብሮ።
ኣሕጽር ኣቢልካ ድገሞ
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዚርከቡ ኽኢላታት: ንዘንበብካዮ ኣሕጽር ኣቢልካ ምድጋሙ ጠቓሚ ምዃኑ የጕልሑ እዮም። ናይ ሓደ ኮለጅ ፕሮፌሰር: ኣሕጽር ኣቢልካ ኣብ ምድጋም እትጠፍእ ሓንቲ ደቒቕ: ነቲ እትዝክሮ ሓበሬታ ብዕጽፊ ኸም እትውስኾ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ኣርኣየ። ስለዚ: ንባብካ ወይ ክፋል ንባብካ ምስ ወዳእካ: ብኡንብኡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ምእንቲ ኽትቀርጾ ብሓሳብካ ድገሞ። ነቲ ዝፈለጥካዮ ሓድሽ ነጥብታት ብቓላትካ ኸመይ ጌርካ ኸም እትገልጾ ሕሰብ። ሓደ ሓሳብ ምስ ኣንበብካ ነዊሕ ከይጸናሕካ እንደገና ምስ እትዝክሮ: ነቲ ነጥቢ እቲ እትዕቅበሉ ግዜ ኢኻ እተንውሖ።
ኣብቲ ዚቕጽል ሒደት መዓልትታት: ነቲ ሓበሬታ ንኻልእ ሰብ ብምክፋል ነቲ ዘንበብካዮ ንምድጋም ኣጋጣሚ ኣናዲ። ነዚ ድማ ንሓደ ኻብ ኣባላት ስድራቤትካ: ኣብ ጉባኤ ንእትረኽቦ ሰብ: ንመሳርሕትኻ: ንመማህርትኻ: ንጐረቤትካ: ወይ ንሓደ ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦ ሰብ ከተካፍሎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቐንዲ ሓቅታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረዳእታታት እውን ክትደግሞ ጽዓር። ከምዚ ምግባርካ ኣገዳሲ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ብምቕራጽ ኪጠቕመካ እዩ፣ ንኻልኦት እውን ኪጠቕሞም እዩ።
ብዛዕባ ኣገዳሲ ነገራት ኣስተንትን
ኣብ ርእሲ እቲ ንዘንበብካዮ ኣሕጽር ኣቢልካ ምድጋምን ንኻልኦት ብዛዕባኡ ምንጋርን: ብዛዕባ እቲ ዝፈለጥካዮ ኣገዳሲ ነገራት ምስትንታን እውን ጠቓሚ እዩ። እቶም ጸሓፍቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣሳፍን ዳዊትን ከምኡ እዮም ገይሮም። ኣሳፍ “ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ: ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ: ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” በለ። (መዝ. 77:11, 12) ዳዊት እውን ብተመሳሳሊ “ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ:” “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር: ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 63:6፣ 143:5) ንስኻኸ ኸምዚ ትገብር ዲኻ፧
ብዛዕባ ግብርታትን ባህርያትን የሆዋ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ንፍቓዱ ብዚምልከት ዝበሎ ነገራት ኣዕሚቝካ ምሕሳብ: ነቲ ሓቅታት ንኽትዕቅቦ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕግዘካ። የግዳስ: በዚ ኸምዚ ናይ ምሕሳብ ልማድ እንተ ደኣ ኣልዩካ: ብሓቂ ኣገዳሲ ነገራት ኣብ ልብኻ ኺሰፍር እዩ። እዚውን ንውሽጣዊ እንታይነትካ ኪቐርጾ እዩ። እቲ ተዘክሮኻ ኸኣ ነቲ ውሽጣዊ ሓሳባትካ ዚውክል እዩ።—መዝ. 119:16
መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደ
ብዛዕባ ንጥፈታት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እተዘርበ ነገራትን ዚምልከት ሓቅታት ክንዝክር እንተ ደሊና: ብዘይ ሓገዝ ኣይተገደፍናን። የሱስ ኣብታ ቐቅድሚ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት ንሰዓብቱ: “ምሳኻትኩም ከሎኹ: እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” በሎም። (ዮሃ. 14:25, 26) የሱስ ነዚ ኺዛረብ ከሎ: ማቴዎስን ዮሃንስን ኣብኡ ነይሮም እዮም። መንፈስ ቅዱስ ከምቲ እተባህሎ ሓጊዝዎም ድዩ፧ እወ: ሓጊዝዎም እዩ! ማቴዎስ ሸሞንተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ ዚገልጽ ናይ መጀመርታ ዝርዝር ጸብጻብ ጸሓፈ። ካብቲ ዝጸሓፎ ነገራት እቲ ብዋጋ ዘይሽነን ኣብቲ ኸረን እተዋህበ ስብከት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ብሓይሊ መንግስቱ ዚህልወሉን መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚዀነሉን ዝርዝር ትእምርቲ ወይ ምልክት ይርከቦ። ድሕሪ ሞት የሱስ 65 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሃዋርያ ዮሃንስ ወንጌሉ ጸሓፈ። ኣብቲ ጽሑፉ ድማ ድሮ እታ የሱስ ህይወቱ ኣሕሊፉ ቕድሚ ምሃቡ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ እተዛረቦ ዝርዝር ቃላት ይርከቦ። ማቴዎስን ዮሃንስን ብዛዕባ እቲ የሱስ ምሳታቶም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝበሎን ዝገበሮን ንጹር ተዘክሮ ኸም ዝነበሮም ኣየጠራጥርን እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ የሆዋ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኺምዝገብ ዝደለዮ ኣገዳሲ ዝርዝራት ንምዝካር: መንፈስ ቅዱስ ዓብዪ ግደ ነበሮ።
መንፈስ ቅዱስ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ይሕግዞም ድዩ፧ ብርግጽ ይሕግዞም እዩ! ልክዕ እዩ: መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮና ዘይነበረ ነገር ናብ ኣእምሮና ኣየእትወልናን እዩ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጽናዕናዮ ኣገዳሲ ነገራት ብምዝኽኻር ግን ይሕግዘና እዩ። (ሉቃ. 11:13፣ 1 ዮሃ. 5:14) ድሕሪኡ: ‘ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብናዮ ትእዛዝን ምእንቲ ኽንዝክር’ ከከም ኣድላይነቱ ኣእምሮና ይነቓቓሕ።—2 ጴጥ. 3:1, 2
“ከይትርስዖ”
የሆዋ ብተደጋጋሚ ንእስራኤላውያን ‘ከይትርስዑ’ ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። ንዅሉ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኪዝክሩ ኣይኰነን ዚጽበዮም ነይሩ። እንተዀነ ግን: ብብሕታዊ ጕዳያቶም ተዋሒጦም: ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገራት ኪርስዕዎ ኣይነበሮምን። ነቲ የሆዋ ንዅሎም በዅሪ ግብጺ ብምቕታል: ንቐይሕ ባሕሪ ብምምቃል: ድሕሪኡ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብቲ ባሕሪ ብምድፋን ሓራ ንምውጻእ ዝገበሮ ተግባር: ኣብ ተዘክሮኦም ህያው ኪገብርዎ ነበሮም። እስራኤላውያን: ኣምላኽ ሕጉ ኣብ ከረን ሲና ኸም ዝሃቦም: በቲ በረኻ ኣቢሉ ድማ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዝመርሖም ኪዝክሩ ነበሮም። ኪርስዑ የብሎምን ኪበሃል ከሎ: እቲ ተዘክሮታት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዓሚቝ ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ ማለት እዩ።—ዘዳ. 4:9, 10፣ 8:10-18፣ ዘጸ. 12:24-27፣ መዝ. 136:15
ንሕናውን ንኸይንርስዕ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ህይወትና ጸቕጥታት ኬጋጥመና ኸሎ: ንየሆዋ ኽንዝክሮ ኸምኡውን እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑን ነታ ኣብ መጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ወዱ በጃ ኪኸውን ብምሃብ ዘርኣየና ፍቕርን ትዝ ኪብለና ኣለዎ። (መዝ. 103:2, 8፣ 106:7, 13፣ ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 6:23) ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከምኡውን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዀነ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ምስታፍ: ነዚ ኣገዳሲ ሓቅታት ኣብ ውሽጥና ህያው ከም ዚኸውን ይገብሮ።
ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ውሳነ ኼጋጥመካ ኸሎ: ነዚ ኣገዳሲ ሓቅታት ዘክሮ: ንኣተሓሳስባኻ ኸም ዚጸልዎ ድማ ግበር። ኣይትረስዕ። ካብ የሆዋ መምርሒ ድለ። ብስጋዊ ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ወይ ነቲ ዘይፍጹም ልብኻ ዚገብረልካ ቕጽበታዊ ድራኸ ኣብ ክንዲ ምእማን: ‘ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ እንታይ ውሳነ ወይ ስርዓት እዩ ኣብዚ ዝገብሮ ውሳነ ጽልዋ ኺህልዎ ዚግባእ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (ምሳ. 3:5-7፣ 28:26) ፈጺምካ ዘየንበብካዮ ወይ ዘይሰማዕካዮ ነገር ክትዝክር ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ርጡብ ፍልጠትን ፍቕርን እናዓበየ ምስ ከደ ግን: እቲ መንፈስ ኣምላኽ ኪሕግዘካ ዚኽእል ማዕከን ፍልጠትካ ኺሰፍሕ: እታ ንየሆዋ ዘላትካ እናዓበየት እትኸይድ ፍቕሪ ኸኣ ምስኡ ተሰማሚዕካ ንኽትመላለስ ክትድርኸካ እያ።