ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም እዚ እውን ከይተረፈ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምኑ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣመሪካውያን እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ 80 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ገሊጾም ኢዮም። እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሚእታዊት ካብኡ ዝለዓለ ይኹን ዝተሓተ ብዘየገድስ: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣመንቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ክማሃሩ ትጽቢት ከም ዝገብሩ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ዝማሃርዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይኰነን። ንኣብነት: ድሕሪ ሞት ነፍሲ ትቕጻዕ ኢያ ዝብል ሰረተ- እምነት ርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ መንጽሂ ቦታ ወይ ድማ ሲኦል ሓዊ ኣሎ ኢሉ ይምህር ድዩ፧ ሎሚ: ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ብዙሓት ምሁራት ኣይምህርን ኢዩ ዝብል መልሲ ኢዮም ዝህቡ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) “ብመሰረቱ: እቲ ብዛዕባ መንጽሂ ቦታ ዝዛረብ ናይ ካቶሊክ ሰረተ-እምነት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰነስ ኣብ ልምዲ እተመስረተ ኢዩ” ኢሉ ይገልጽ። እቲ ኤ ዲክሸነሪ ኦቭ ክሪስቺያን ቲኦሎጂ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንሲኦል ኣመልኪቱ “ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሲኦል ሓዊ ክፍሊ ስብከት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያን ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓሳብ ኣይንረክብን ኢና” ይብል።
አረ: እታ ኣብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት እትምርምር ኮሚሽን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንትምህርቲ ሲኦል ሓዊ ምሉእ ብምሉእ ንምንጻግ ክትምሕጸን ከላ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ገይራ ኣቕሪባቶ ኣላ። ናይ ካተድራል ሊችፊልድ ሓላፊ ዝዀነ ዶክተር ቶም ራይት: እቲ ዝሓለፈ ናይ ሲኦል ሓሳብ “ንኣምላኽ ጨካን ገበሮ: ንብዙሓት ሰባት ድማ ዘይሓዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ገዲፉሎም ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። እቲ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ሽማግለ ጸብጻብ: ሲኦል “ፈጺሙ የለን” ብምባል ኢዩ ዝገልጽ።a ብተመሳሳሊ: ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ንናይ ካቶሊክ ኣረኣእያ ኣመልኪቱ “ቲኦሎጂ ሎሚ ንሲኦል ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ መዳይ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝምልከቶ” ኢሉ ይገልጽ።
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዝምህሮ ትምህርቲ ምስቲ መንጽሂ ቦታን ሲኦል ሓውን ኣሎ ዝብል ትምህርቲ ከም ዝጋጮ እተረጋገጸ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሳት መወቲ ምዃነን ብተደጋጋሚ ኢዩ ዝገልጽ። “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ህዝቅኤል 18:4) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ምዉታት ሃለዋት የብሎምን ቃንዛውን ክስምዖም ኣይክእልን ኢዩ። “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” (መክብብ 9:5) መጽሓፍ ቅዱስ ንምዉታት ኣንቢሩሎም ዘሎ ተስፋ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝፍጸም ትንሳኤ ኢዩ። እቲ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር ምስ ሞተ: የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሰሎ። ማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዛረበሉ ተስፋ ገለጸት። የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ: ተስፋ ወድሰብ እንታይ ምዃኑ ኣረጋገጸ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:11-14, 24, 44
ጸሓፍቲ ታሪኽ: ብዛዕባ እቲ ተፈልያ እትኸይድ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዝብል ወድሰብ ዝኣምኖ ትምህርቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ ካብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ከም ዝመነጨ ኢዮም ዝገልጹ። እቶም ናይ ጥንቲ እብራውያን: ሰብ ብስጋዊ ኣካልን ብዘይትመውት ነፍስን ዝቘመ ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ ከም ዘይነበሩ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ይሕብር። እዚ መጽሓፍ እዚ ብዛዕባ እምነት እብራውያን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ትንፋስ ህይወት ናብቲ ኣምላኽ ካብ ሓመድ ዝገበሮ ቀዳማይ ሰብ ምስ ኣተወ: እቲ ሰብ ‘ህያው ኣካል’ ኰነ። (ዘፍጥረት 2.7) ሞት ከምቲ ኣብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዝሕሰብ ዝነበረ ነንበይኖም ዝዀኑ ክልተ ናይ ሰብ ነገራት ዝፈላለይሉ—ትንፋስ ህይወት እትኸደሉ: እቲ ሰብ ድማ ‘ምዉት ኣካል’ ኰይኑ ዝተርፈሉ—እዋን ገይሮም ይምልከትዎ ኣይነበሩን (ዘሌዋውያን 21.11፣ ዘሁልቍ 6.6፣ 19.13)። ኣብ ክልቲኡ እዚ ጕዳይ እዚ እታ ‘ኣካል’ ተባሂላ ዘላ ቓል: እታ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ነፍሲ’ ተባሂላ እትትርጐም [ነ ʹፈሽ ] እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ኢያ: ነቲ ሰብ እቲ ንምግላጽ ብርግጽ እትበቅዕ ምዃና ድማ ሓቂ ኢዩ።”
እዚ ኢንሳይክሎፔድያ እዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ካቶሊክ ምሁራት “ሓድሽ ኪዳን ነቲ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዝብል ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ትምህርቲ ኣይምህርን ኢዩ ዝብል ምርዳእ ኣለዎ” ብምባል ይገልጽ። ከምዚ ብምባል ከኣ ይድምድም:- “እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ናይዚ ግድል እዚ ኣብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልስፍናዊ ግምት ዘይኰነስ ኣብቲ ናይ ልዕለ-ባህሪ ውህበት ዝዀነ ትንሳኤ ኢዩ ዝርከብ።”
መጽሓፍ ቅዱስዶ ወይስ ልምዲ፧
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዘይኰነ ሓሳባት ድኣ እሞ ከመይ ገይሩ ኢዩ ክፍሊ ናይ ቤተ-ክርስትያን ትምህርቲ ኰይኑ፧ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀንዲ መምርሒአን ገይረን ከም ዝምልከትኦ ይዛረባ ኢየን። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝመጸ “እቶም እሙናት ካቶሊካውያን ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ከም ዝዀነን ከም ምንጪ እምነትናን ገይሮም ክቕበልዎ” ከም ዘድሊ ተዛሪቦም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ሎሚ ህዝበ-ክርስትያን እትምህሮ ትምህርቲ ምስ ትምህርቲ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝመሳሰል ከም ዘይኰነ ሓፈሻዊ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ። ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን እቲ ለውጢ እቲ ከም ክፍሊ ናይቲ ቀስ እናበለ ዝምዕብል ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት ገይረን ኢየን ዝምልከትኦ። ብተወሳኺውን: እታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናይ ቤተ-ክርስትያን ልምዲ ካብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይንእስ ስልጣን ኣለዎ ዝብል ኣቕዋም ኢዩ ዘለዋ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ እታ ቤተ-ክርስትያን “ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ልምዲ: ልምዲውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተፈልዩ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘለዋ” ይብል።
ኣብያተ-ክርስትያን ንናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትምህርቲ በቲ ኣብ ልምዲ ጥራይ እተመርኰሰ ትምህርቲ ገይረን ከም ዝተክእኦ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፈንውን ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ሕጂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ጌጋ ኢዩ ዝብል እምነት ሒዘን ኣለዋ። ንኣብነት: ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ “ሓያሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ብመሰረት እዚ ዘመናዊ ናይ ስነ-ፍልጠትን ታሪኽን ፍልጠት ክርአ ኸሎ ሓቂ ከም ዘይኰነ ርዱእ” ኢዩ ብምባል ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ምዉታት ሃለዋት የብሎምን ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ድማ ወሲኹ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት እውን ከይተረፈ: ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ . . . ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ምሉእ ዘይኰነ ፍልጠት ከም ዝሓዘ ኢዩ ዘረጋግጽ።” እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ከም ኣብነት ናይዚ ነቲ ኣብ መዝሙር 6:5 (ኣብ ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቍጽሪ 6) ዘሎ “ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ: ኣብ ሲኦልከ [ወይ ሃደስ] መን እዩ ዜመስግነካ፧” ዝብል ይጠቅስ። ገሊኡ ናይ ፕሮተስታንት ሃይማኖታዊ ኣብያተ-ትምህርትን ናይ ወንጌላውያን ኮለጅን: መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ምዃኑ ኣይምህራን ኢየን። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናይ ምምሃር ስልጣን ከም ዘለዋ እሞ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ነገራት ክትርጕም እትኽእል ንሳ ጥራይ ምዃና ኢያ እትኣምን። ይኹን እምበር ‘እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትርጓም ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጋጮ መሲሉ ዝርአ እንተድኣ ዀይኑኸ እንታይ ይገበር፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።
ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣድላይነት
የሱስ ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝዛረቦ ዝነበረ ነጥቢ “ጽሑፍ እዩ” ብምባል ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም መሰረታዊ ምንጪ ገይሩ ብተደጋጋሚ ጠቒስዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10፣ ሉቃስ 19:46) እወ: ብዛዕባ ኵነታት መርዓ ክዛረብ ከሎ እውን: ከም ምንጪ ዘረብኡ ገይሩ እተጠቕመሉ ነቲ ናይ ግሪኽ ግምታዊ ፍልስፍና ዘይኰነስ: ነቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዝገልጽ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:27፣ 2:24፣ ማቴዎስ 19:3-9) የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶን ጭቡጥን ገይሩ ከም ዝረኣዮ ንጹር ኢዩ። ኣብቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት ድማ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 17:17b
የሱስ ነቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ‘ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ: ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል ኣምላኽ ትስዕሩ’ ኢሉ ከም ዝወቐሶም መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊቡዎ ኣሎ። (ማርቆስ 7:6-13) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትምህርቱ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ወይ ድማ ግጉይ ልምዲ ንኽሕውስ ዝግበረሉ ዝነበረ ጸቕጥታት ተቓዊምዎ ኢዩ። “ብልማድ ሰብ: . . . ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ብምባል ተላበወ። (ቈሎሴ 2:8፣ 1 ቈረንቶስ 1:22, 23፣ 2:1-13) ጳውሎስ: ክርስትያናት ንኽቕበልዎ እተማሕጸኖም ገለ ልምዲ ወይ ትምህርቲ ነይሩ እኳ እንተዀነ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰን ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕን ኢዩ ነይሩ። (2 ተሰሎንቄ 2:13-15) ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዝምብሉ ሰባት ከም ዘለዉ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ነበረ። ንጢሞቴዎስ ድማ “ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: . . . እዮም” ብምባል ኣጕርሖ እሞ “ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ” ኢሉ መዓዶ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3-5) ግን ብኸመይ ኢዩ ዝጥንቀቕ፧ ሓደ መገዲ ‘ለባም’ ብምዃን ኢዩ። ሓደ መዝገበ- ቓላት ዘዳሉ ግሪኻዊ ነዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል እዚኣ “ንኽትማሃር ፍቓደኛ ምዃንን ንሓደ ነገር ድማ ብቕንዕና ምግምጋምን” ብምባል ይገልጻ። ሉቃስ ነዛ መግለጺት እዚኣ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ሰማዕቲ ጳውሎስ ንምግላጽ ተጠቒሙላ ኢዩ። ናይ ጳውሎስ ትምህርቲ ንዕኦም ሓድሽ ኢዩ ነይሩ: ብጌጋ ክምርሑ ድማ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። ሉቃስ ክንእዶም ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሳቶም [ሰብ ቤርያ] ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት [“ለባማት:” NW ] ነበሩ። ንሳቶም፤ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” ሰብ ቤርያ እቲ ለባማት ናይ ምዃን ባህርዮም ኣብ ዝዀነ ይኹን ነገር ክኣምኑ ዘይደልዩ ተጠራጠርቲ ኣይገበሮምን። ኣብ ክንድኡስ: ቅንዕና ዘለዎ ምርምር ብምግባሮም ‘ብዙሓት ካባታቶም ኣመኑ።’—ግብሪ ሃዋርያት 17:11, 12
ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ብምንባር ዝርከብ በረኸት
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓቦምን ርእሰ-መስዋእታዊ ባህሪ ዘለዋ ፍቕሪ ብምርኣዮምን ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም። ሎሚ ግን “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:5) እቲ ሎሚ ዘሎ ምስቲ ናይ መጀመርታ ክርስትና ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን መልክዕ ክርስትና ኣብ ናይ ሰባት ህይወት ንሰናይ ነገር ዝድርኽ ናይ ሓቂ ሓይሊ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ኣብ ዝዓበየ ክፋል ናይ ህዝበ-ክርስትያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ: ዘይስነ-ምግባራውነት: ምብትታን ስድራቤትን ፍቕረ-ንዋይን እንርኢ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ እዚ ሓቂ እዚ ክገልጸልናዶ ይኽእል ኢዩ፧ ኣብ ገለ ገለ ናይ “ክርስትያን” ሃገራት: ኣብ መንጎ ኣባላት ሓንቲ ሃይማኖት እውን ከይተረፈ ጭካነ ዝመልኦ ቀቢላዊ ውግእ ተገይሩ ኢዩ።
መንፈስ ናይቶም ለባማት ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ጠፊኡዶ ኢዩ፧ ሎሚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምንዎን ምስኡ ተሰማሚዖም ዝነብሩን ሰባት ዝሓዘ ጕጅለ ኣሎዶ ኢዩ፧
ኢንሳይክሎፔድያ ካናድያና (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍለ-ዘበንና ዝመላለስሉ ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ክርስትና እንደገና ህያው ምግባርን ምቛምን ኢዩ።” ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ነቶም መሰኻኽር ብምምልካት “ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እንኮ ምንጪ እምነቶምን ከም መምርሒ ጠባዮምን ገይሮም ኢዮም ዝምልከትዎ” ብምባል ይገልጽ።
ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈሳዊ ብልጽግናኦምን ሰላሞምን ሓጐሶምን ከም ዝፍለጡ ዝገብሮም ዝዓበየ ምኽንያት እዚ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቶም ጽሑፋትና ዘንብቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ጥዑይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብዝያዳ ክማሃሩ ከነተባብዖም ንፈቱ። ዓሚቝ ፍልጠት ምርካብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዚኻ ከም እትውከልን ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ከም እተሕድርን ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘምጽኦ ናይ ዘለኣለም በረኸት ካብቲ እትገብሮ ጻዕሪ ንላዕሊ ዝበልጽ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ናሽናል ፓብሊክ ረድዮ —“ሞርኒንግ ኢዲሽን ” (እንግሊዝኛ)
b ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ብሮሹር ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሃዋርያ ጳውሎስን ካልኦትን ኣብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ሰቢኾም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እንኮ ምንጪ እምነቶምን መምርሒ ጠባዮምን ገይሮም ኢዮም ዝምልከትዎ ”