ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብነታውያን ሰብኣይን ሰበይትን
“ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ: ጵርስኪላን ኣኪላስን: ሰላም በሉ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ: ብዘለዋ ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር: ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ።”—ሮሜ 16:3, 4
እዘን ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጸሓፈን ቃላት: ነቲ ኣብዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ዝነበሮ ዓቢ ግምት ከምኡውን ልባዊ ተገዳስነት ዝገልጻ ኢየን። በዚ ኸምዚ ናብታ ዝነበርዋ ጉባኤ ክጽሕፍ ከሎ: ከም ዘይረስዖም ኣርኣየ። ግን እዞም ክልተ ‘መዓይይቲ’ ጳውሎስ እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም: ስለምንታይከ ኢዮም ንዕኡን ነተን ጉባኤታትን ኣዝዮም ፍቑራት ዝነበሩ፧—2 ጢሞቴዎስ 4:19
ኣኪላስ ሓደ ካብቶም እተበተኑ (ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ) ኰይኑ ተወላዲ ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ንእሽቶ ኤስያ እትርከብ ኣውራጃ ጶንጦስ ኢዩ ነይሩ። ንሱን ሰበይቱ ጵርስኪላን (ጵሪስካ) ኣብ ሮሜ ተቐመጡ። ካብቲ የሩሳሌም ብፖምፐይ እተታሕዘትሉ: ኣዝዮም ብዙሓት እሱራት ከኣ ከም ባሮት ኰይኖም ናብ ሮሜ እተወስድሉ 63 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ: ዓቢ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ኣብታ ከተማ ነበረ። አረ ናይ ሮሜ እተቐርጸ ጽሑፋትሲ ዓሰርተ ኽልተ ወይ ልዕሊኡ ዝኸውን ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ምንባሩ ይገልጽ ኢዩ። ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ብስራት ክሰምዑ ከለዉ ብዙሓት ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ነይሮም ኢዮም። እቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ናብታ ርእሲ ከተማ ናይ ግዝኣት ሮሜ ቅድም ዝበጽሐ ምናልባት ብኣኣቶም ኢዩ ዝኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 2:10
ይኹን እምበር: ብ49 ወይ ኣብ መጀመርታ ናይ 50 ከ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ብትእዛዝ ናይ ሃጸይ ቅላውዴዎስ ካብ ሮሜ ተሰጉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳወሎስ ንኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብታ ግሪኻዊት ከተማ ቈረንቶስ ዝረኸቦም። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ምስ በጽሐ ኣኪላስን ጵርስኪላን ብሕያውነት ተቐበልዎ ከምኡውን ሓደ ዓይነት ዕዮ—ምስፋይ ድንኳን—ስለ ዝነበሮም ስራሕ ሃብዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:2, 3
ሰፈይቲ ድንኳን
እዚ ቀሊል ዕዮ ኣይነበረን። ምስፋይ ድንኳን ምቑራጽን ንተሪር: ሓርፋፍ ነገር ወይ ናይ ቈርበት ቍራጻት ኣላጊብካ ምስፋይን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ፈርናንዶ በኣ ከም ዝበሎ: ብወገን እቶም በቲ “ሻሕካር: ዘይተዓጻጸፍ ቴንዳ ገይሮም ኣብ ጕዕዞ ዝትከል መስፈሪ: ካብ ጸሓይን ዝናብን ዝኸውን መጽለሊ: ወይ ኣብ ናይ መራኽብ መኻዚኖ መጠቕለሊ ኣቝሑት” ዝኸውን ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰፈይቲ ድንኳን “ውሕልነትን ጥንቃቐን ዝደሊ ዝነበረ ስራሕ” ኢዩ ነይሩ።
እዚ ሕቶ የልዕል ኢዩ። ጳውሎስ: ‘ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል ከም ዝዓበየ [“እተማህረ:” NW]’ እዚ ኸኣ ኣብተን ዝቕጽላ ዓመታት ዝዓበየ ክብሪ ዘለዎ ስራሕ ንኽረክብ የኽእሎ ከም ዝነበረ ኣይተዛረበን ድዩ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 22:3) እዚ ሓቂ ኰይኑ: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ ንሓደ ንእሽቶ ወዲ: ዋላ እኳ ዝለዓለ ትምህርቲ ክማሃር እንተ ነበሮ: ኢደ-ጥበብ ክትምህሮ ዘኽብር ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ጳውሎስን ኣኪላስን እምበኣር ድንኳን ናይ ምስፋይ ክእለት: መንእሰያት ከለዉ ዝለመድዎ ኢዩ ዝመስል። እቲ ናይ ስራሕ ልምዲ ዳሕራይ ጠቓሚ ኰይኑ ተረኽበ። ከም ክርስትያናት መጠን ግን ንኸምዚ ዝበለ ዓለማዊ ስራሕ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ገይሮም ኣይረኣይዎን። ጳውሎስ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኰይኑ ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ: ‘ኣብ ሓዴኦም [“ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ:” NW] ከየኽበደ:’ ነቲ ቀንዲ ዕዮኡ ዝዀነ ምእዋጅ ብስራት ንምድጋፍ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።—2 ተሰሎንቄ 3:8፣ 1 ቈረንቶስ 9:18፣ 2 ቈረንቶስ 11:7
ኣኪላስን ጵርስኪላን ናይ ጳውሎስ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ንኽሳለጥ ዝከኣሎም ንምግባር ሕጕሳት ከም ዝነበሩ ብሩህ ኢዩ። እዞም ሰለስተ ኣዕሩኽ እዚኣቶም ንዓማዊሎም ወይ ንሓለፍቲ መገዲ ናይ ኣጋጣሚ ምስክርነት ንኽገብሩ ኢሎም ዕዮኦም ብዙሕ ግዜ የመንግዉ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ! ድንኳን ናይ ምስፋይ ዕዮኦም እቲ ዝተሓተን ዘድክምን እኳ እንተ ነበረ: ረብሓታት ናይ ኣምላኽ ምእንቲ ከደንፍዑ ኢሎም ግን “ለይትን መዓልትን” እውን ክሰርሑ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም። እዚ ልክዕ ከምዚ ብዙሓት ዘመናውያን ክርስትያናት ነቲ ዝተረፈ ዝበዝሐ ግዜኦም ንሰባት ነቲ ብስራት ምእንቲ ክሰምዑ ኣብ ምሕጋዝ ክውፍይዎ ኢሎም ብናይ ክፍለ ግዜ ወይ ናይ ገለ ኣዋርሕ ስራሕ ገዛእ ርእሶም ዝናብዩ ማለት ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:9፣ ማቴዎስ 24:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6
ናይ ምቕባል ኣጋይሽ ኣብነታት
ጳውሎስ ኣብተን ኣብ ቈረንቶስ ዝጸንሓለን 18 ኣዋርሕ ንቤት ኣኪላስ ከም መበገሲ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ እተጠቕመላ ኢዩ ዝመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 18:3, 11) ብተወሳኺውን ኣኪላስን ጵርስኪላን ንሲላስን (ሲልቫኑስ) ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ መጹ ከም ኣጋይሽ ክቕበልዎም ተሓጒሶም ይዀኑ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:5) እተን ዳሕራይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ዝዀና ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝሰደደን ክልተ ደብዳበታት: ምናልባት እቲ ሃዋርያ ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢየን ተጻሒፈን ዝዀና።
ኣብዚ ግዜ እዚ ቤት ጵርስኪላን ኣኪላስን: ብሓቂ ሕምብርቲ ቲኦክራስያዊ ንጥፈት ከም ዝነበረት ክትሕሰብ ቀሊል ኢዩ። ከምቶም: ኣብ ኣውራጃ ኣካይያ ናይ መጀመርታ ክርስትያናት ዝነበሩ ብጳውሎስ እተጠመቑ እስጢፋኖስን ስድራቤቱን፣ እቲ ቤቱ ጳውሎስ ዝርርብ ንኽህብ ዘፍቀደ: ቲቶስ ዮስጦስ፣ ከምኡውን እቲ ምስ ኵሉ ስድራቤቱ ሓቂ እተቐበለ ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት መራሒ: ክሪስጶስ ዝኣመሰሉ ፍቑራት ኣዕሩኽ ብተደጋጋሚ ይመጹ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:7, 8፣ 1 ቈረንቶስ 1:16) ብድሕሪኡውን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን፣ እቲ ምናልባት ኣብ ቤቱ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝግበር ዝነበረ: ጋይዮስ፣ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማ ዝነበረ: ኤራስጦስ፣ እቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ደብዳበ ክሰድድ ከሎ ዝጸሓፈሉ ጸሓፊ: ጠርጥዮስ፣ ከምኡውን እታ ናይታ ኣብቲ ቀረባ ዝነበረት ጉባኤ ክንክርኤስ እምንቲ ሓብቲ: ምናልባትውን ነታ ደብዳበ ካብ ቈረንቶስ ናብ ሮሜ ዝወሰደታ ፌበን ይርከብዎም።—ሮሜ 16:1, 22, 23፣ 1 ቈረንቶስ 16:17
ንገያሺ ኣገልጋሊ ከም ጋሻ ክቕበሉ ኣጋጣሚ ዝረኽቡ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ: እዚ ከመይ ዝበለ ዘተባብዕን ዘይርሳዕን ኣጋጣሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ዝንገሩ ተመክሮታት ንዅሉ ምንጪ ናይ መንፈሳዊ ምሕዳስ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ሮሜ 1:11, 12) ከምቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ዝገበርዎ: እቶም ኣባይቶም ንኣኼባታት ዝኸፍቱ: ምናልባት ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክኸውን ይኽእል: ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ንዕቤት ሓቀኛ ኣምልኾ ሓገዝ ብምብርካቶም ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ ኢዮም።
ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስ ጳውሎስ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ስለ ዝነበሮም: ኣብ ጽድያ ናይ 52 ከ.ኣ.ዘ. ካብ ቈረንቶስ ክኸይድ ከሎ ምስኡ ክሳብ ኤፌሶን ብምኻድ ኣሰንዮሞ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:18-21) ኣብታ ከተማ እቲኣ ጸንሑ: ነቲ ዝቕጽል ምብጻሕ ናይቲ ሃዋርያ ኸኣ መሰረት ኣንበሩ። እዞም ንፉዓት መማህራን ናይቲ ብስራት ነቲ ክኢላ ተዛራቢ ዝነበረ ኣጵሎስ “ምስኦም” ዝወሰድዎን ‘መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ’ ንኽርዳእ ኣብ ምሕጋዙ እተሓጐሱን ኣብዚ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26) ኣብ ክረምቲ ናይ 52/53 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ንኤፌሶን እንደገና ክበጽሓ ኸሎ: እቲ በዞም ህርኩታት ሰብኣይን ሰበይትን እተዀስኰሰ ግራት ድሮ ንዓጺድ ቀሪቡ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ኣብኡ ብዛዕባ “እታ መገዲ” ሰበኸን መሃረን: ናይ ኤፌሶን ጉባኤ ኸኣ ኣብ ቤት ኣኪላስ ኣኼባታት ተካይድ ነበረት።—ግብሪ ሃዋርያት 19:1-20, 26፣ 20:31፣ 1 ቈረንቶስ 16:8, 19
እዞም ክልተ ኣዕሩኽ ጳውሎስ ዳሕራይ ናብ ሮሜ ምስ ተመልሱ እውን: ቤቶም ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ክፉት ብምግባር ‘ንምቕባል ኣጋይሽ ምቅድዳም’ ቀጺሎም ኢዮም።—ሮሜ 12:13፣ 16:3-5
ንጳውሎስ ‘ክሳዶም ኣሕለፍሉ’
ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶንውን ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኢዩ ቀንዩ ዝኸውን። እቶም ኣንጠረኛታት እምባጋሮ ኣብ ዘልዓልሉ ግዜ: ምስኣቶምዶ ነይሩ ይኸውን፧ ብመሰረት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:23-31 ዘሎ ጸብጻብ እቶም ቤት መቕደስ ዝሰርሑ ኣንጠረኛታት ኣንጻር ስብከት ናይቲ ብስራት ናዕቢ ምስ ኣልዓሉ: ጳውሎስ ናብቲ ናዕቢ ከይዱ ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ከይወድቕ እቶም ኣሕዋት ክኽልክልዎ ነበሮም። ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብቲ ርእይቶ: ጳውሎስ ‘ህይወቱ ክሳዕ ዝቐብጽ’ ዝዀነ: ኣኪላስን ጵርስኪላን ከኣ ብገለ መገዲ ‘ክሳዶም ብምሕላፍ’ ዝረድእዎ ኣብዚ ሓደገኛ ኵነታት እዚ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ኢሎም ሓሳባት ይህቡ።—2 ቈረንቶስ 1:8፣ ሮሜ 16:3, 4
“እቲ ታዕታዕ ምስ ዐረፈ:” ጳውሎስ ነታ ከተማ ብጥበብ ሓደጋ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:1) ኣኪላስን ጵርስኪላን እውን ብዘይጥርጥር ተቓውሞን ላግጽን ኣጋጢምዎም ኢዩ። እዚ ግን ከም ዝጕህዩ ገይርዎም ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ኣኪላስን ጵርስኪላን ነቲ ክርስትያናዊ ጻዕርታቶም ብትብዓት ቀጺሎሞ ኢዮም።
ናይ ማሕርሮ ርክብ ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን
ግዝኣት ቅላውድዮስ ድሕሪ ምውድኡ: ኣኪላስን ጵርስኪላን ናብ ሮሜ ተመልሱ። (ሮሜ 16:3-15) ይኹን እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጨረሽታ ግዜ እተጠቕሱላ: ንኤፌሶን ተመሊሶም ኢና እንረኽቦም። (2 ጢሞቴዎስ 4:19) ከምቲ ኣብ ኵሉ ካልእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም እንረኽቦም: እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም እንደገና ብሓባር ተጠቒሶም ኣለዉ። ኣየ ከመይ ዝበሉ ናይ ማሕርሮ ርክብን ሕብረትን ዝነበሮም ሰብኣይን ሰበይትን ኰን ኢዮም ነይሮም! ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቑር ሓዉ ኣኪላስ ክሓስብ ከሎ ነቲ እሙን ደገፍ ናይ በዓልቲ ቤቱ ከይዘከረ ክሓልፍ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ካብቲ ናይ መርዓ ብጻይ እሙን ሓገዝ ምስ ዝረክብ ሓድሓደ ግዜ ካብቲ ከም ንጽል ኰይኑ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ኣብ ‘ዕዮ ጐይታ’ ብዙሕ ንምዕያይ የኽእሎ ብምዃኑ ነዞም ናይ ሎሚ ክርስትያናት ሰብኣይን ሰበይትን ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58
ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ሓያለይ እተፈላለያ ጉባኤታት ኣገልጊሎም ኢዮም። ብዙሓት ቀናኣት ዘመናውያን ክርስትያናት ድማ ንዕኦም ብምምሳል: ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝድለየሉ ንምኻድ ገዛእ ርእሶም ኣቕሪቦም ኢዮም። ረብሓታት መንግስቲ ክዓቢ ብምርኣይ ከምኡውን ምዉቕን ክቡርን ክርስትያናዊ ምሕዝነት ክትኵስኵስ ብምኽኣል ዝመጽእ ሓጐስን ዕግበትን እውን ይምከርዎ ኢዮም።
ኣኪላስን ጵርስኪላን በቲ ግሩም ዝዀነ ኣብነት ናይ ክርስትያናዊ ፍቕሮም ካብ ጳውሎስን ካልኦትን ሞሳ ረኺቦም ኢዮም። እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ግን: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ኣትሪፎም ኢዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን:” ብምባል የረጋግጹልና ኢዮም።—እብራውያን 6:10
ከምቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ዝገበርዎ ተመሳሳሊ መገድታት ገይርና ገዛእ ርእስና እንውፍየሉ ኣጋጣሚ ኣይህልወናን ይኸውን: ጌና ግን ነቲ ብሉጽ ኣብነቶም ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ከይረሳዕና: ሓይልና ከምኡውን ህይወትና ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎት እንተድኣ ወፊና ዓሚቝ ዕግበት ክንረክብ ኢና።—እብራውያን 13:15, 16