‘ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ’
“ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ: ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ።”—ዘሌዋውያን 19:2
1. ገለ ካብቶም ብዓለም ከም ቅዱሳት ገይርካ ዝረኣዩ ሰባት መን ኢዮም፧
መብዛሕትአን ናይ ዓለም ዓበይቲ ሃይማኖታት ቅዱሳት ገይረን ዝርእያኦም ሰባት ኣለዉወን። እታ ኣብ ህንዲ ውርይቲ ዝዀነት ማዘር ተሪዛ ብምኽንያት እቲ ንድኻታት ዘርኣየቶ ርእሰ-መስዋእታዊ ተወፍይነት: መብዛሕትኡ ግዜ ከም ቅድስቲ ገይርካ ኢያ እትርአ። ጳጳስ “ቅዱስ ኣቦ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ኢዩ። መስራቲ ዘመናዊ ምንቅስቓስ ካቶሊክ: ኦፑስ ደኢ ሆሰይማሪኣ አስክሪባ: ብገለ ገለ ኣመንቲ ካቶሊክ “ናይ ቅድስና መርኣያ” ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ናይ ሂንዱ እምነት ስዋሚስ ወይ ቅዱሳት ሰባት ኣለዉዎ። ጋንዲ ቅዱስ ሰብኣይ ከም ዝዀነ ገይርካ ብምርኣይ ክብረት ረኺቡ ኢዩ። እምነት ቡድሂዝም ናቱ ቅዱሳት ፈለስቲ: ምስልምና ድማ ናቱ ቅዱስ ነብዪ ኣለዎ። ቅዱስ ምዃን ማለት ግን ብልክዕ እንታይ ማለት ኢዩ፧
2, 3.(ሀ) እተን “ቅዱስ” ከምኡውን “ቅድስና” ዝብላ ቃላት እንታይ ማለት ኢየን፧ (ለ) ክምለሹ ዘድልዮም ሓድሓደ ሕቶታት እንታይ ኢዮም፧
2 እታ “ቅዱስ” እትብል ቃል “1. . . . ምስ መለኮታዊ ሓይሊ እተተሓሓዘ: ንኣምልኾ ሓደ ኣምላኽ እተፈልየ። 2. ኣምልኾ ወይ ክብረት ብዘለዎ መገዲ ዝርአ: ወይ ከኣ ኣምልኾ ወይ ክብረት ዝግብኦ ኣካል . . . 3. ጽኑዕ ወይ ዘለዓለ ሃይማኖታዊ ስነ-ምግባር ወይ መንፈሳዊ ኣገባብ ተኸቲልካ ምንባር . . . 4. ንሃይማኖታዊ ዕላማ እተወሰነ ወይ እተፈልየ” ከም ዝዀነት ኢያ ተገሊጻ ዘላ። መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀመላ ከሎ ድማ: ቅድስና “ሃይማኖታዊ ጽርየት ወይ ንጽህና፣ ንኣምልኾ ዝቐርብ ፍሉይ ኣገልግሎት” ማለት ኢያ። ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ: ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: (እንግሊዝኛ) ኸኣ “እታ ቆ ʹደሽ እትብል ናይ እብራይስጢ በዅሪ [ቃል] ፍሉይነት: ንበይኑ ጥራይ ዝቐርብ: ወይ ንኣምላኽ ምቕዳስ: . . . ንኣገልግሎት ኣምላኽ እተፈለኻ ናይ ምዃን ኵነታት ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ።”a
3 ህዝቢ እስራኤል ቅዱሳት ክዀኑ ተኣዚዞም ነበሩ። ሕጊ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ: ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ።” ናይ ቅድስና ምንጪ መን ኢዩ ነይሩ፧ ዘይፍጹማት እስራኤላውያን ቅዱሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧ ካብቲ ንቕድስና ኣመልኪቱ ዝቐረበ ጻውዒት የሆዋ: ንዓና ዝኸውን እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧—ዘሌዋውያን 11:44
እስራኤላውያን ምስቲ ምንጪ ቅድስና ብኸመይ ከም እተኣሳሰሩ
4. ናይ የሆዋ ቅድስና ኣብ እስራኤል እተራእየ ብኸመይ ኢዩ ነይሩ፧
4 ምስቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ኣምልኾ እተኣሳሰረ ዝዀነ ይኹን ነገር: ቅዱስ ገይርካ ክርአን ከምኡ ገይርካ ድማ ክተሓዝን ኢዩ ነይርዎ። ከምኡ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ባዕሉ ጀማርን ምንጭን ቅድስና ስለ ዝዀነ ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ምድላው ናይቲ ቅዱስ ማሕደርን ኣልባሳትን ስልማታትን ዝገልጽ ናይ ሙሴ ጸብጻብ በዘን ዝስዕባ ቃላት ይድምደም:- “ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሊቃ ገበሩሉ: ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም: ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ: [“ቅድስና ናይ የሆዋ ኢዩ:” ትሓዓ ] ዚብል ጽሕፈት ጸሐፉሉ።” እዚ ጽሩይ ወርቂ ብሊቃ እዚ ኣብ መጠምጠምያ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝጠብቕ ኢዩ ነይሩ: እዚ ኸኣ ንሱ ንኣገልግሎት ፍሉይ ቅድስና ተባሂሉ እተፈልየ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። እስራኤላውያን ነቲ እተጻሕፈ ምልክት ኣብ ብርሃን ጸሓይ ከንጸባርቕ ክርእይዎ ከለዉ: ብዛዕባ ቅድስና የሆዋ ኵሉ ግዜ ይዘኻኸሩ ነበሩ።—ዘጸኣት 28:36፣ 29:6፣ 39:30
5. ዘይፍጹማት እስራኤላውያን ብኸመይ ኢዮም ቅዱሳት ገይርካ ክረኣዩ ዝኽእሉ ዝነበሩ፧
5 ይኹን እምበር እስራኤላውያን ቅዱሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም ነይሮም፧ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ብምግባርን ንዕኡ ድማ ጽሩይ ኣምልኾ ብምቕራብን ጥራይ ኢዮም ቅዱሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ። ብስጋውን መንፈሳውን ጽርየት ብቕድስና ምእንቲ ከምልኽዎ: ርጡብ ፍልጠት ናይቲ “ኣዝዩ ቅዱስ” ኣድልይዎም ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-6፣ 9:10 ትሓዓ ) ስለዚ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብንጹህ ድራኸን ንጹህ ልብን ከምልኽዎ ነበሮም። ዝዀነ ይኹን ናይ ግብዝና መልክዕ ዘለዎ ኣምልኾ: ኣብ የሆዋ ፍንፉን ኢዩ።—ምሳሌ 21:27
የሆዋ ንእስራኤል ዝዀነነሉ ምኽንያት
6. እቶም ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንመኣዲ የሆዋ ብኸመይ ኢዮም ዝረኣይዎ፧
6 ከምዚ ዓይነት ኣምልኾ እስራኤላውያን: ብፍርቂ ልቦም ሕሱርን ጐደሎን መስዋእትታት ናብቲ ቤተ-መቕደስ ምስ ኣምጽኡ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። የሆዋ ብነብዪ ሚልክያስ ገይሩ ነቲ ጐደሎ ዝዀነ ህያባቶም ኰኒንዎ ኢዩ:- “ኣነ ኣይሕጐሰልኩምን: ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና: መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱ: ረብሓኡ: እቲ ምግቡ ሕሱር እዩ: ብምባልኩም ተርክስዎ አሎኹም። ንስኻትኩምውን: ኣየ ኽንደይ ድኻም: ትብሉ: ኡፍ ድማ ትብሉሉ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እተዘምተን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ: ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር።”—ሚልክያስ 1:10, 12, 13
7. ኣይሁድ ኣብ መበል ሓሙሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እንታይ ዘይቅዱስ ስጕምትታት ኢዮም ዝወሰዱ፧
7 ምናልባት ኣብ መበል ሓሙሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ክኸውን ይኽእል: ኣምላኽ ነቲ ናይ ኣይሁድ ናይ ሓሶት ተግባራት ንምዅናን ንሚልክያስ ተጠቒምሉ ነበረ። እቶም ካህናት ሕማቕ ኣብነት ኢዮም ነይሮም: ጠባዮም ድማ ፈጺሙ ቅዱስ ኣይነበረን። ነቲ መሪሕነት እቲ ብምስዓብ: እቶም ህዝቢ ኣብቲ ስርዓታት ሸለልተኛታት ኢዮም ነይሮም: ናእሽቱ ኣረማውያን ኣንስቲ ምእንቲ ክምርዓዉ ኢሎም ነተን ኣንስቶም ክሳዕ ኣብ ምፍታሕ እውን ከይተረፈ በጺሖም ነይሮም ኢዮም። ሚልክያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያb ሰበይቲ ንእስነትካ ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ። . . . እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ: ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም። ምፍታሕ . . . እጸልእ አሎኹ: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”—ሚልክያስ 2:14-16
8. ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሓድሓደ ሰባት በዚ ንፍትሕ ዝምልከት ዘመናዊ ኣረኣእያ እተተንከፉ ብኸመይ እዮም፧
8 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ኣብተን ብቐሊሉ ፍትሕ ክፍጸመለን ዝከኣል ብዙሓት ሃገራት: ናይ ፍትሕ ቍጽሪ ላዕሊ ተወንጪፉ ኢዩ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈት በዚ ተተንኪፋ ኢያ። ዕንቅፋታት ንምስናፍ ከምኡውን ሓዳሮም ዕዉት ክገብርዎ ንምፍታን ናይ ሽማግለታት ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዝደልዩ: ገሊኣቶም ናብ ፍትሕ ተጓይዮም ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ቈልዑ ዝለዓለ ስምዒታዊ ዋጋ ክኸፍሉ ይግደዱ ኢዮም።—ማቴዎስ 19:8, 9
9, 10. ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ እንህቦ ኣምልኾ: ብኸመይ ኢና ከነስተንትነሉ ዘሎና፧
9 ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: የሆዋ ነቲ ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበረ ዘሕዝን መንፈሳዊ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ ዕምቈት ዘይብሉ ኣምልኾ ኣይሁድ ብግልጺ ኰነኖ፣ ጽሩይ ኣምልኾ ጥራይ ከም ዝቕበል ድማ ገለጸ። እዝስ ነቲ ናይዚ ኣድማስ ልዑል ጐይታ: ምንጪ ናይ ሓቂ ቅድስና ድማ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ እነቕርበሉ ዓይነት ኣምልኾ ከም እንሓስብ ክገብረናዶ ኣይግብኦን፧ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ነቕርበሉዶ ኣሎና፧ ገዛእ ርእስናኸ ኣብ ጽሩይ መንፈሳዊ ኵነታት ገይርናዶ ኢና እንሕዛ፧
10 እዚ እቲ ዘይከኣል ነገር ማለት ፍጹማት ክንከውን ወይ ከኣ ንገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድራ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምስቲ ውልቃዊ ኵነታቱ ብምስምማዕ: ክሳዕ ዝከኣሎ ወይ ዝከኣላ ንኣምላኽ ከምልኾ ኣለዎ ማለት ኢዩ። እዚ ንዓይነት ኣምልኾና ዘመልክት ኢዩ። እቲ ንኣምልኾ ኢልና እንገብሮ ኣገልግሎት ናይ ልቢ—ቅዱስ ኣገልግሎት—ክኸውን ኣለዎ። እዚኸ ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧—ሉቃስ 16:10፣ ገላትያ 6:3, 4
ጽሩይ ልቢ ናብ ጽሩይ ኣምልኾ ይመርሕ
11, 12. ዘይቅዱስ ተግባራት ካበይ ኢዩ ዝምንጭ፧
11 የሱስ ኣብ ልቢ ዘሎ ነገር በቲ ሓደ ሰብ ዝብሎን ዝገብሮን ከም ዝግለጽ ብንጹር ምሂሩ ኢዩ። የሱስ ነቶም ርእሶም ዘጽድቑ ግናኸ ዘይቅዱሳት ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከምዚ በሎም:- “ኣቱም ውሉድ ኣትማን: ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ: ክፉኣት ክነስኹምከ: ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧” ጸኒሑ ኸኣ እኩይ ተግባራት ካብቲ ኣብ ልቢ ወይ ውሽጣዊ እንታይነት ሰብ ዘሎ እኩይ ሓሳባት ከም ዝመጽእ ገለጸ። ከምዚ ድማ በለ:- “እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ: ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ: እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።”—ማቴዎስ 12:34፣ 15:18-20
12 እዚ: ዘይቅዱስ ተግባራት ዝበሃል ሃንደበት ዝኸውን ወይ ብዘይ ቅድመ-መሰረት ዝመጽእ ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ልቢ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ርኹስ ሓሳባት—ምስጢራዊ ባህግታት ምናልባትውን ናይ ሓሳብ ሃለውለው—ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ:- “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ: እብለኩም አሎኹ።” ብኻልእ ኣበሃህላ: ዝዀነ ይኹን ተግባር ቅድሚ ምፍጻሙ: ምንዝርን ዝሙትን ድሮ ኣብ ልቢ ሱር ሰዲዱ ጸኒሑ ኢዩ። ድሕርዚ: ምቹእ ኵነታት ምስ ኣጋጠመ እቲ ዘይቅዱስ ሓሳባት ዘይቅዱስ ተግባር ይኸውን። ምንዝር: ዝሙት: ግብረ-ሶዶም: ስርቂ: ጸርፊ: ከምኡውን ክሕደት ገለ ካብቲ ናይ ዘይቅዱስ ሓሳባት ፍሉጥ ውጽኢት ኢዩ።—ማቴዎስ 5:27, 28፣ ገላትያ 5:19-21
13. ዘይቅዱስ ሓሳባት ናብ ዘይቅዱስ ተግባራት ብኸመይ ክመርሕ ከም ዝኽእል ዘርእዩ ገለ ገለ ኣብነታት እንታይ ኢዮም፧
13 እዚ ብእተፈላለየ መገድታት ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ናይ ጠላዕ ቦታታት እናስፋሕፍሐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: እዚ ድማ እቲ ንምጥላዕ ዘሎ ኣጋጣሚ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ማለት ኢዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ዘለዎ ናይ ገንዘብ ግድል ክፈትሕ ምእንቲ ክፍትን: ነዚ መፍትሒ ዝመስል ነገር ከም ኣማራጺ መገዲ ክጥቀመሉ ክፍተን ይኽእል ይኸውን። መታለሊ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ንሓደ ሓው ነቲ እተማህሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንኽነጽግ ወይ ንኸማኻኒ ከስሕቶ ይኽእል ኢዩ።c ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: ብመገዲ ቴሌቪዥን: ቪድዮ: ኮምፒዩተር: ወይ ብመጻሕፍቲ ኣቢልካ እውን ይኹን ንስእለ-ጽዩፍ እተቓላዕካ ምዃን: ንሓደ ክርስትያን ናብ ዘይቅዱስ ተግባር ክመርሖ ይኽእል ኢዩ። ንመንፈሳዊ ኣጽዋሩ ሸለል ምባል ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ: ከይተፈለጦ ድማ ኣብ ርኽሰት ይወድቕ። ይኹን እምበር ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ናብ ሓጢኣት ምውዳቕ ካብ ኣእምሮ ኢዩ ዝጅምር። እወ: ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ናይ ያእቆብ ቃላት ኢዩ ዝፍጸም:- “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ።”—ያእቆብ 1:14, 15፣ ኤፌሶን 6:11-18
14. ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዘይቅዱስ ተግባራቶም እተመልሱ ብኸመይ ኢዮም፧
14 እቲ ዘሐጕስ ግን: ብምኽንያት ድኻም ዝሓጥኡ ብዙሓት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ነስሓ ኣርእዮም: ሽማግለታት ድማ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ክመልስዎም ክኢሎም ኢዮም። እቶም ነስሓ ብዘይ ምርኣዮም እተወገዱ ብዙሓት ሰባት እውን ከይተረፈ: ኣብ መወዳእታ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብታ ጉባኤ ድማ እንደገና ተቐባልነት ረኺቦም ኢዮም። ዘይቅዱስ ሓሳባት ኣብ ልቦም ሱር ክሰድድ ምስ ኣፍቀድሉ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ብቐሊሉ ኣዳህሊልዎም ከም ዝነበረ ክግንዘቡ ክኢሎም ኢዮም።—ገላትያ 6:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24-26፣ 1 ጴጥሮስ 5:8, 9
ንድኻማትና ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ብድሆ
15. (ሀ) ንድኻማትና ኣፍልጦ ክንህበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንድኻማትና ኣፍልጦ ንምሃብ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
15 ንልብና ብሓቂ ምእንቲ ክንፈልጦ ጻዕሪ ክንገብር ይግብኣና። ንድኻማትና ኣፍልጦ ክንህበሉ: ክንእመነሉ: ድሕርዚ ድማ ንምስናፉ ክንዓዪ ፍቓደኛታት ዲና፧ ንሓደ ብግልጺ ዝነግረና ዓርኪ ብኸመይ ክንመሓየሽ ከም እንኽእል ክንሓቶ: ድሕርዚ ኸኣ ነቲ ምኽሪ ክንሰምዖ ፍቓደኛታት ዲና፧ ቅዱሳት ምእንቲ ክንከውን ጕድለታትና ከነሰንፍ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ንድኻማትና ይፈልጦ ኢዩ። ናብ ሓጢኣትን ዘይቅዱስ ተግባራትን ምእንቲ ከእትወና ነቲ ጐራሕ ፍሕሶታቱ ይጥቀም ኢዩ። በቲ ጕርሒ ዘለዎ ተግባራቱ ገይሩ: ድሕሪ ደጊም ዘይቅዱሳትን ንኣምልኾ የሆዋ ድማ ዘይንጠቅምን ምእንቲ ክንከውን ካብታ ምስ ኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ክፈልየና ይፍትን ኢዩ።—ኤርምያስ 17:9፣ ኤፌሶን 6:11፣ ያእቆብ 1:19
16. ጳውሎስ ኣብ ውሽጡ እንታይ ዝጋጮ ነገር ኢዩ ነይርዎ፧
16 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምቲ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ: ንዕኡ ዘጋጠሞ መስገደላትን ፈተናታትን ነይርዎ ኢዩ:- “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ: ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ: ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ: ሰናይ ከም ዜልቦ: እፈልጥ አሎኹ። . . . ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።”—ሮሜ 7:18-23
17. ጳውሎስ ኣብቲ ምስ ድኻማቱ ዝገበሮ ቃልሲ ክዕወት ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧
17 ኣብዚ ናይ ጳውሎስ ጕዳይ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ንድኽመታቱ ኣፍልጦ ምሃቡ ኢዩ። እዚ ድኽመታት እዚ እኳ እንተ ነበሮ: “ብናይ [መንፈሳዊ] ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ” ክብል ክኢሉ ኢዩ። ጳውሎስ ሰናይ ዘበለ የፍቅር ክፉእ ዘበለ ድማ ይጸልእ ነበረ። ይኹን እምበር ልክዕ ከምቲ ንዅልና ዘሎና—ኣንጻር ሰይጣን: ኣንጻር ዓለም: ከምኡውን ኣንጻር ስጋ—ጌና ቃልሲ ነይርዎ ኢዩ። ስለዚ ካብዛ ዓለም እዚኣን ካብ ኣተሓሳስባኣን ተፈሊና: ኣብቲ ቅዱስ ንምዃን ዝግበር ቃልሲ ብኸመይ ክንዕወት ንኽእል፧—2 ቈረንቶስ 4:4፣ ኤፌሶን 6:12
ቅዱሳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18. ቅዱሳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 ቅድስና እቲ ዝቐለለ ስጕምቲ ብምውሳድ ወይ ፈታው ርእሱ ብምዃን ዝርከብ ኣይኰነን። ከምዚ ዝዓይነቱ ሰብ ብዛዕባ ተግባራቱ ኵሉ ግዜ መመኽነይታ የቕርብ ነቲ ወቐሳ ድማ ናብ ካልእ ሰብ ከላግቦ ይፍትን። ንዝወሰድናዮም ስጕምትታት ብሓላፍነት ተሓተቲ ምዃንና ከምኡውን ከምቶም ንኣተዓባብያኦም ወይ ንዘርኦም ዘላግብሉ ሰባት ከይንኸውን ምናልባት ትምህርቲ የድልየና ኢዩ። ሱር ናይቲ ነገር ኣብ ልቢ እቲ ውልቀ-ሰብ ኢዩ ዝርከብ። ንሱ ወይ ንሳ ጽድቂ የፍቅሩ ድዮም፧ ቅድስና ሃንቀው ይብሉ ድዮም፧ በረኸት ኣምላኽ ይብህጉ ድዮም፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ካብ እከይ ርሐቕ: ሰናይ ከኣ ግበር: ንሰላም ድለያ ስዐባውን” ክብል ከሎ ነቲ ናይ ቅድስና ኣድላይነት ንጹር ገይርዎ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ።”—መዝሙር 34:14፣ 97:10፣ ሮሜ 12:9
19, 20. (ሀ) ኣእምሮና ክንሃንጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ውጽኢታዊ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንታይ ዝሓትት ኢዩ፧
19 ንነገራት ብኣረኣእያ የሆዋ ገይርና እንተድኣ ርኢናዮ: ሓሳብ ክርስቶስ ድማ እንተድኣ ኣልዩና ‘ኣብ ሰናይ ክንለግብ’ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 2:16) እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝግበር፧ ንቓል ኣምላኽ ስርዓታዊ ኴንካ ብምጽናዕን ብምስትንታንን ኢዩ። እዚ ምኽሪ እዝስ ክንደይ ሳዕ ኰን ኢዩ ዘይተዋህበ! ይኹን እምበር ኣርዚንና ንርእዮዶ ኢና፧ ንኣብነት: ናብ ኣኼባ ቅድሚ ምምጻእና ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እናኣረኣኣና ነዚ መጽሔት እዚ ብሓቂ ነጽንዖዶ ኢና፧ መጽናዕቲ ክንብል ከሎና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ዘሎ ሒደት ሓረጋት ምሕንጻጽ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ሓደ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ሽው ኢልካ ክትሓልፎን ክትሕንጽጸሉን ይከኣል ኢዩ። እዚ ግን ነቲ ዓንቀጽ ኣጽኒዕናዮ ኢና ማለት ድዩ፧ ብልክዕ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ እተቕርቦ መንፈሳዊ ጥቕሚ ንምጽናዕን ምቕሳምን ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ክወስድ ይኽእል ይኸውን።
20 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንቑሩብ ሰዓታት ቴሌቪዥን ካብ ምርኣይ ከነቋርጽን ኣብ ብሕታዊ ቅድስናና ድማ ብሓቂ ከነተኵርን ምናልባት ንገዛእ ርእስና ክንእድባ የድልየና ይኸውን። ስርዓታዊ መጽናዕቲ ብመንፈስ ይሃንጸና: ኣእምሮና ቅኑዕ ውሳነታት—ናብ “ቅዱስ ንብረት [“ተግባራት: ትሓዓ ]” ዝመርሕ ውሳነታት—ንኽገብር ድማ የለዓዕሎ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:11፣ ኤፌሶን 4:23፣ 5:15, 16
21. ጌና ክምለስ ዘድልዮ ሕቶ እንታይ ኢዩ፧
21 እቲ ሕጂ ዝቐርብ ሕቶ እምበኣር: ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ኣየኖት ተወሰኽቲ ናይ ንጥፈትን ተግባራትን ዓውድታት ኢና ከምቲ የሆዋ ቅዱስ ዝዀነ ቅዱሳት ክንከውን እንኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ጥንቁቕ ምሕሳብ ዘድልዮ ነገራት ከተቕርበልና ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዘን መወከሲ ጽሑፍ ዝዀና ክልተ ጥራዛት ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ ኢየን።
b “ምጥላም” ማለት እንታይ ከም ዝዀነ ምሉእ ሓሳብ ንምርካብ ናይ 8 ለካቲት 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ፍትሕ ኢዩ ዝጸልእ፧” ዝብል ኣርእስቲ ገጽ 21 ርአ።
c ምጥላዕ ስለምንታይ ዘይቅዱስ ተግባር ከም ዝዀነ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ናይ 8 ነሓሰ 1994 ንቕሑ! ገጽ 14-15 (እንግሊዝኛ) ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ እቲ ናይ ቅድስና ምንጪ: ኣብ እስራኤል ዝፍለጥ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ በየናይ መገድታት ኢዩ ኣብ ግዜ ሚልክያስ ኣምልኾ እስራኤላውያን ዘይቅዱስ ዝነበረ፧
◻ ዘይቅዱስ ተግባራት ካበይ ኢዩ ዝጅምር፧
◻ ቅዱሳት ምእንቲ ክንከውን: ኣፍልጦ ክንህበሉ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ፧
◻ ብኸመይ ኢና ቅዱሳት ክንከውን እንኽእል፧