ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ—ንሰብ ዝውድስዶ ወይስ ንኣምላኽ ዘኽብር፧
ዜናፈን እተባህለ ውሩይ ግሪኻዊ ጀነራል “ሓደ መራሒ ካብቶም ተገዛእቱ ዝበለጸ ብምዃን ልዕል ክብል ጥራይ ዘይኰነስ: ብገለ ዓይነት ስራይ ገይሩ ከዐንዝዞም ኣለዎ” ብምባል ጸሓፈ። ሎሚ: ብዙሓት ሰባት ነቲ “ስራይ” እቲ: ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ (ካሪስማ ) ኢሎም ይጽውዕዎ።
ልክዕ ኢዩ: ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ዘለዎም ኵሎም ሰብኣውያን መራሕቲ ኣይኰኑን። ይኹን እምበር እቶም ከምዚ ዝበለ ክእለት ዘለዎም: ሰባት ንዓኣቶም ውፉያት ንክዀኑ ንምልዕዓሎም: እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ድማ ንብሕታዊ ዕላማታቶም ከም ዘገልግል ገይሮም ንምቍጽጻሩ ኢዮም ዝጥቀምሉ። ምናልባት እቲ ኣዝዩ ዕሉል ዝዀነ ናይ ቀረባ እዋን ኣብነት ኣዶልፍ ሂትለር ኢዩ ነይሩ። ዊልያም ኤል. ሺረር ኣብታ ዘ ራይዝ ኤንድ ፎል ኦቭ ዘ ሰርድ ራይክ እትብሃል መጽሓፉ “[ብ1933] ንመብዛሕትኦም ጀርመናውያን ሂትለር ኣኽሊል ናይ ሓደ ብሓቂ ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ዝነበሮ—ወይ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ—መራሒ ኢዩ ነይሩ። ያኢ መለኮታዊ ፍርዲ ከም ዝሓዘስ: ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ዓሰርተው ክልተ ናይ ህውከት ዓመታት ሰባት ተዓሚቶም ስዒቦምዎ ኢዮም” ብምባል ይጽሕፍ።
ሃይማኖታዊ ታሪኽ እውን በቶም ሰባት ንዓኣቶም ዉፉያት ከም ዝዀኑ ዝገበሩ: ግናኸ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቶም ጥፍኣት ዘምጽኡ ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ዝነበሮም መራሕቲ ዝመልአ ኢዩ። የሱስ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ: እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ: ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም” ብምባል ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:4, 5) ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ዝነበሮም ናይ ሓሶት ክርስቶሳት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ኣብ 1970ታት: ጂም ጆንዝ “መሲሕ ቤት-መቕደስ ህዝቢ” ኢየ ብምባል ኣዊጁ ኢዩ። “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘደንጹ ጽልዋ ዝገብር” “ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ዝነበሮ መራሕ ቤተ-ክርስትያን” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ: ብ1978 ድማ ነቲ ኣብ ታሪኽ እተፈጸመ ዝዓበየ ጃምላዊ ርእሰ-ቕትለት ቀስቃሲኡ ንሱ ነበረ።a
ካብዚ ክንርእዮ ከም እንኽእል: ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ምህላው ሓደገኛ ተውህቦ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ኵሉ ክረኽቦ ዝኽእል ንጥቕሚ ዅሉ ሰብ ድማ ዝውዕል ፍሉይ ዝዓይነቱ ውህበት: ወይ ውህበታት ይዛረብ ኢዩ። እታ ንኸምዚ ዝበለ ውህበት እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ካ ʹሪ ·ስማ ትበሃል: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ 17 ግዜ ተጠቒሳ ትርከብ። ሓደ ግሪኻዊ ምሁር ነታ ቓል ‘ናጻን ዘይትበቕዖን ውህበት: ጻማ ጻዕሩ ዘይኰነን ዘይግብኦን ክነሱ ንሰብ ዝዋሃብ ነገር: ብጸጋ ኣምላኽ ዝርከብ: ብናይ ሰብ ጻዕሪ ጥራይ ፈጺሙ ክርከብ ወይ ክጥረ ዘይከኣል ነገር’ ከም ዝዀነት ገይሩ ኢዩ ዝገልጻ።
ስለዚ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ገይርካ ክርአ ኸሎ: ካ ʹሪ ·ስማ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ኣቢሉ ዝርከብ ውህበት ኢዩ። ገለ ካብዚ ኣምላኽ ብሕያውነት ዝልግሰልና ውህበታት እንታይ ኢዩ፧ ንኣምላኽ ውዳሰ ንምምጻእከ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ንሰለስተ ካብዚ ናይ ጸጋ ውህበታት ንርአ።
ናይ ዘለኣለም ህይወት
ካብ ኵሉ ውህበት እቲ ዝዓበየ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ጳውሎስ ንጉባኤ ሮሜ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈላ:- “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ [ካ ʹሪ ·ስማ ] ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።” (ሮሜ 6:23) እቲ “ዓስቢ” (ሞት) ሽሕ’ኳ ብፍቓድና እንተ ዘይኰነ: ብሰንኪ እቲ ሓጥእ ባህሪና ዘምጻእናዮ ነገር ምዃኑ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ: እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ፈጺምና ብጻዕርና ከነምጽኦ ዘይንኽእል ምሉእ ብምሉእ ዘይንበቕዖ ነገር ኢዩ።
ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣኽቢርካ ክተሓዝን ከተማቕሎን ዘሎካ ነገር ኢዩ። ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ክፈልጥዎ: ከገልግልዎ ከምኡውን በቲ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክጽገዉ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ራእይ 22:17 ከምዚ ትብል:- “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ: ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ: ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።”
ንኻልኦት ናብዚ ህይወት ዝህብ ማይ ክንመርሖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣውራ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና ጽቡቕ ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ምስ እንጥቀመሉ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ዓለም: ሰባት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘንብቡ ወይ ዝሓስቡ ሳሕቲ ኢዮም፣ እንተዀነ ግን: ኵሉ ግዜ ናይ ገለ ሰብ ‘ኣእዛን ንምንቃሕ’ ዝኸውን ኣጋጣሚታት ኣሎ። (ኢሳይያስ 50:4) በዚ ዝመጸ: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምልዕዓል ዘለዎ ሓይሊ እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብራውያን 4:12) እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተግባራዊ ጥበብ ይኹን እቲ ዝህቦ ምጽንናዕን ተስፋን: ወይ እቲ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዝህቦ መግለጺ: ቃል ኣምላኽ ልቢ ሰባት ክትንክፍን ኣብቲ መገዲ ህይወት ምምልላስ ከም ዝጅምሩ ክገብርን ይኽእል ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
ብተወሳኺ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት “ንዓ” ንኽንብል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብዚ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዎ መዋእል: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ‘ከብርህ’ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:2 NW ) ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ነዚ ካብ የሆዋ ዝርከብ በረኸት ኢዩ ዘንጸባርቕ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ንኣሽሓት ሰባት ናብቲ ምንጪ መንፈሳዊ ብርሃን ዝዀነ የሆዋ ይመርሖም። እቲ ጽሑፋት ንውልቀ-ሰባት ልዕልነት ኣይህብን ኢዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ተገሊጹ ዘሎ “ዕላማ ግምቢ ዘብዐኛ የሆዋ ኣምላኽ ዝለዓለ ጐይታ ኣድማስ ምዃኑ ክብ ንምባል ኢዩ። . . . ኣብቲ ደሙ ብምፍሳስ ንሰባት መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝኸፈተሎም ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ብኣምላኽ እተሾመ ንጉስ ማለት ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከሕድሩ የተባብዕ።”
ንሓያለይ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎታ ጕሉሕ ዓወት ዝረኸበት ሓንቲ ክርስትያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሰባት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ኣብ ምሕጋዝ ዘለዎ ጥቕሚ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ትህብ:- “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታተይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከንብቡን ከስተማቕርዎን ክጅምሩ ኸለዉ: ቅልጡፍ ምዕባለ ኢዮም ዘርእዩ። ነዚ መጽሔታት እዚ ሰባት ንየሆዋ ክፈልጥዎ ኣብ ምሕጋዝ ኣዝዩ ጠቓሚ ሓገዝ ከም ዝዀነ ገይረ ኢየ ዝርእዮ።”
ናይ ኣገልግሎት መሰላት
ጢሞቴዎስ ፍሉይ ቈላሕታ ዝሓትት ካልእ ዓይነት ውህበት እተቐበለ ክርስትያን ወደ መዝሙር ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በሎ:- “ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ: ኣባኻ ዘሎ ውህበት [ካ ʹሪ ·ስማ ] ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:14) እቲ ውህበት እቲ እንታይ ነበረ፧ ነቲ ጢሞቴዎስ ከም ገያሺ ተዓዛቢ መጠን ዝነበሮ መዝነት ዘጠቓለለ ነበረ: እዚ ድማ ሓላፍነት ምስካም ዝሓትት ናይ ኣገልግሎት መሰል ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ኢሉ መዓዶ:- “ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገር እዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:13, 16
ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ነቲ ረኺቦምዎ ዘለዉ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ኣኽቢሮም ክሕዝዎ የድልዮም ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ: ሓደ ካብቲ ነዚ ክገብርሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣብ ‘ትምህርቶም ብምጥንቃቕ’ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ነቶም ቀልቢ ዝሰልብ ተውህቦ ዘለዎም ዓለማውያን መራሕቲ ዝመስልዎም: ነቲ ክብሪ ናብ ርእሶም ዘይኰነስ ናብ ኣምላኽ ከም ዝበጽሕ ኢዮም ዝገብርዎ። እቲ ኣርኣያኦም ዝዀነ የሱስ: ብዘይጥርጥር ዝማርኽ ባህርያት ዝነበሮ ክኢላ መምህር ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር ብትሕትና ንኣቡኡ ኢዩ ክብሪ ሂቡ። “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ።—ዮሃንስ 5:41፣ 7:16
የሱስ ንቓል ኣምላኽ ከም ምንጪ ናይ ትምህርቱ ገይሩ ብምጥቃም ኢዩ ንሰማያዊ ኣቡኡ ኣኽቢርዎ። (ማቴዎስ 19:4-6፣ 22:31, 32, 37-40) ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ: ተዓዘብቲ ‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ክጸንዑ’ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሑ ኢዩ። (ቲቶስ 1:9) ሽማግለታት ንዝርርባቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክስርትዎ ከለዉ: ከምቲ የሱስ ዝበሎ “እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ” ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ።—ዮሃንስ 14:10
ሽማግለታት ‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ክጸንዑ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ንዝርርባቶም ኰነ ኣብ ኣኼባ ንዝውሃቦም ክፍልታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምስራት: ነቲ ዝጠቕስዎ ጥቕስታት ድማ ብምግላጽን ብምጕላሕን ኢዩ። መሳጢ ዝዀነ ምሳሌታት ወይ ዘስሕቕ ዘረባታት: ብፍላይ እንተድኣ በዚሑ: ንኣቓልቦ ናይቶም ሰማዕቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ከውጽኦ: ኣብ ክእለት ናይቲ ተዛራባይ ድማ ከም ዘተኵሩ ክገብር ይኽእል። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ግን ብኣንጻሩ ኣብ ልቢ እቶም ሰማዕቲ ክበጽሕን ከለዓዕሎምን ኢዩ። (መዝሙር 19:7-9፣ 119:40፣ ምስ ሉቃስ 24:32 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ዝበለ ዝርርባት ንሰባት ንኡስ ቈላሕታ ንኣምላኽ ድማ ዝያዳ ክብሪ ዝህብ ኢዩ።
ሽማግለታት ኣስለጥቲ መምህራን ክዀንሉ ዝኽእሉ ካልእ መገዲ ካብ ንሓድሕዶም ትምህርቲ ብምርካብ ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሓገዞ: ሽማግለታት ድማ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ይኽእሉ ኢዮም። “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” (ምሳሌ 27:17፣ ፊልጲ 2:3) ሽማግለታት ሓሳባትን ርእይቶታትን ምስ ዝዋሃሃቡ ይጥቀሙ ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ እዋን እተሸመ ሽማግለ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ ግዜ ወሲዱ ንህዝባዊ ዝርርብ ብኸመይ ከም ዝዳለወሉ ኣርኣየኒ። ክዳሎ ኸሎ: ውሕሉል ሕቶታት: ምሳሌታት: ኣብነታት: ወይ ሓጸርቲ ተመክሮታት: ከምኡውን ጥንቁቕ መጽናዕቲ እተገብረሉ ጥቕስታት ይሕውሰሉ ኢዩ። ሓደ ዓይነት ዝዀነ ዘሰልኪ ኣቀራርባ ምእንቲ ከርሕቕ ንዝርርበይ ብኸመይ ምኡዝ ከም ዝገብሮ ካብኡ ተማሂረ ኢየ።”
ሽማግለታት ንኹን ኣገልገልቲ ጉባኤ: ወይ ፓይነራት ናይ ኣገልግሎት መሰላት ረኺብና ዘሎና ኵልና ነቲ ዘሎና ውህበት ኣኽቢርና ክንሕዞ የድልየና። ጳውሎስ ቀቅድሚ ሙማቱ: ንጢሞቴዎስ ‘ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ውህበት [ካ ʹሪ ·ስማ ] ኣምላኽ ከሐድሶ’ ኣዘኻኺርዎ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ ኵነታት ጢሞቴዎስ ገለ ፍሉይ ውህበት መንፈስ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:6) ኣብ ኣባይቲ እስራኤላውያን: ሓዊ መብዛሕትኡ ግዜ ጓህሪ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ሃልሃልታን ተወሳኺ ሙቐትን ምስ ዝድለ ድማ ‘ከተሐድሶ [“ከተጓሃህሮ:” NW ]’ ይከኣል ነበረ። ስለዚ እምበኣር ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ውህበት ይሃልወና ብዘየገድስ: ልክዕ ከም ንሓዊ ብምጕህሃር ልብናን ሓይልናን ኣብቲ እተዋህበና ዕዮታት ክንገብር ኢና ተተባቢዕና።
ከነማቕሎ ዘሎና መንፈሳዊ ውህበታት
እቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ዝነበሮ ፍቕሪ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽጽሕፈሎም ኣለዓዒልዎ ኢዩ:- “ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት [ካ ʹሪ ·ስማ ] ክመቕለኩም: ክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ: ማለት: በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት:—ናትኩምን ናተይን: . . .—ምእንቲ [ኽንጸናናዕ]።” (ሮሜ 1:11, 12) ጳውሎስ ብዘረባና ገይርና ንእምነት ካልኦት ከነደልድል ዘሎና ክእለት መንፈሳዊ ውህበት ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ርእይዎ። ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ውህበት ንሓድሕድካ ምውህሃብ ናይ እምነት ምድግጋፍን ሓባራዊ ምትብባዕን ኢዩ ዘፍሪ።
እዚ ድማ ብርግጽ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ኢዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እኩይ ኣገባብ: በዚ ይኹን በቲ ዘጨንቕ ነገራት የጋጥመና ኢዩ። ይኹን እምበር: ወትሩ ዝግበር ናይ ሓድሕድ ምትብባዕ ንኸይንሕለል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እቲ ምውህሃብ ዝብል ሓሳብ—ማለት ምሃብን ምቕባልን—መንፈሳዊ ሓይሊ ንምዕቃብ ኣገዳሲ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ኵልና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምትብባዕ የድልየና ኢዩ: ግናኸ ኵልና ድማ ንሓድሕድና ክንተሃናነጽ ንኽእል ኢና።
ነቶም እተደቝሱ ኣመንቲ ብጾትና ንኸነስተብህለሎም ንቑሓት እንተድኣ ዄንና: ‘በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ንኽእል’ ንኸውን። (2 ቈረንቶስ 1:3-5) እታ መጸናንዒ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ( ፓ·ራʹክለ ·ሲስ ) ቃል ብቓሉ “ኣብ ጐድኒ ናይ ሓደ ሰብ ደው ንምባል ዝግበር ጻውዒት” ማለት ኢያ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንሓውና ወይ ንሓብትና ኣለናልኩም ብምባል ኣብ ጐድኖም ደው እንተድኣ ኢልና: ንሕናውን ከድልየና ከሎ ተመሳሳሊ ዝዀነ ፍቕራዊ ሕያውነት ከም እንቕበል ዘጠራጥር ኣይኰነን።—መክብብ 4:9, 10፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-41 ኣረኣእዮ።
እቲ ሽማግለታት ዝገብርዎ ፍቕራዊ ናይ ጕስነት ምብጻሕ እውን ዓቢ ጥቕሚ ዘለዎ ኢዩ። ቈላሕታ ንዘድልዮ ጕዳይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምሃብ ምብጻሕ ዝግበረሉ ኣጋጣሚታት እኳ እንተሎ: መብዛሕትኡ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ምትብባዕ: ናይ ‘ልቢ ምጽንናዕ’ ዝዋሃበሉ ኣጋጣሚታት ኢዩ። (ቈሎሴ 2:2) ተዓዘብቲ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘጸናንዕ ምብጻሕ ክገብሩ ኸለዉ: ብሓቂ መንፈሳዊ ውህበት ኢዮም ዝልግሱ ዘለዉ። ከም ጳውሎስ: ነዚ ፍሉይ ዝዓይነቱ ናይ ምሃብ ኣገባብ ዓስቢ ዘለዎ ዀይኑ ክረኽብዎ ኢዮም: ንኣሕዋቶም ዘለዎም ‘ናፍቖት’ ድማ እናዓበየ ክኸይድ ኢዩ።—ሮሜ 1:11
እዚ ኣብ ኵነታት ናይ ሓደ ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ሽማግለ ሓቂ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ: ንሱ እዚ ዝስዕብ ተመክሮ የዘንቱ:- “ሪካርዶ እተባህለ ሓደ ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ: ኣብ ኣኼባታትን ብሓፈሻ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ብዙሕ ተገዳስነት ዘለዎ ኣይመስልን ነበረ። ስለዚ ንወዶም ምእንቲ ክበጽሖ ንወለዲ ሪካርዶ ፍቓድ ሓተትኩዎም: ንሳቶም ድማ ፍቓደኛታት ብምዃን ተሰማምዑ። ካብ ገዛይ ብመኪና ዳርጋ ናይ ሓደ ሰዓት ርሕቀት ኣብ ዘለዎ ኣብቲ ኣኽራን ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ሪካርዶ በቲ ኣብኡ ዘርኣኹዎ ተገዳስነት ኣዝዩ ተሓጐሰ: ቅልጡፍ ምላሽ ድማ ኣርኣየ። ሽዑ ንሽዑ ዘይተጠምቀ ኣስፋሕን ንጡፍ ኣባል ናይታ ጉባኤን ኰነ። እቲ ዝነበሮ ናይ ሕፍረት ባህሪ ብሕጕስን ዝያዳ ሕዉስን ባህሪ ተተክአ። ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሓያለይ ኣሕዋት ‘ንሪካርዶ እንታይ ረኸቦ፧’ ብምባል ሓተቱ። ንመጀመርታ ግዜ ህላወኡ ዘስተብሃሉ ኢዮም ዝመስሉ ነይሮም። ነታ ዝገበርኩዋ ወሳኒት ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክዝክራ ከለኹ: ካብ ሪካርዶ ንላዕሊ እተጠቐምኩ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክኣቱ ከሎ: ገጹ ብርህ ይብል: ሰላም ክብለኒ ድማ እናጐየየ ይመጽእ። ንመንፈሳዊ ዕቤቱ ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ።”
ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ጕስነት ምብጻሕ: ብዙሕ በረኸት ከም ዘምጽእ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ ምስቲ “ኣባጊዔይ ሐሉ” ዝብል ናይ የሱስ ልመና ዝሰማማዕ ኢዩ። (ዮሃንስ 21:16) ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ውህበት ክልግሱ ዝኽእሉ ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን። ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ኣብ ንሓድሕዱ ክነቓቓሕ ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 10:23, 24) ልክዕ ከምቶም ኣኽራን ዝሓዅሩ ሰባት ነንሓድሕዶም ብገመድ ዝተኣሳሰሩ: ንሕና እውን ብመንፈሳዊ ማእሰር ኣብ ንሓድሕድና ተኣሳሲርና ኢና። እንገብሮን እንብሎን ዘበለ ንኻልኦት ከይተንከፎም ከም ዘይተርፍ ድማ ፍሉጥ ኢዩ። ሃሳዪ ዘረባን ምቍንጻብን ነቲ ኣሕቢሩና ዘሎ ማእሰር ከላሕልሖ ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:29፣ ያእቆብ 3:8) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ብጥንቃቐ እተመርጸ መተባብዒ ቃላትን ፍቕራዊ ደገፍን ኣሕዋትና ንሽግራቶም ክዋጽእሉ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ገይርና ነባሪ ጥቕሚ ዘለዎ መንፈሳዊ ውህበታት ከነማቕል ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 12:25
ንኽብሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምንጽብራቑ
ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብመጠኑ ቀልቢ ዝሰልብ ገለ ውህበት ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ። ብዋጋ ዘይሽነን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣሎና። ኣብ ንሓድሕድና ክንማቐሎ እንኽእል መንፈሳዊ ውህበታት እውን ኣሎና። ካልኦት ኣብ ቅኑዕ ዕላማታት ምእንቲ ክበጽሑ ንምንቕቕሖም ወይ ንምልዕዓሎም ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ከም ናይ ኣገልግሎት መሰላት ዝኣመሰለ ተወሳኺ ውህበታት ኣለዎም። ኵሉ እዚ ውህበታት እዚ ናይቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ መረጋገጺ ኢዩ። ረኺብናዮ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ውህበት ካብ ኣምላኽ እተቐበልናዮ ብምዃኑ: እንሕበነሉ ምኽንያት ከም ዘይብልና እተረጋገጸ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 4:7
ከም ክርስትያናት መጠን: ንገዛእ ርእስና ‘እቲ ዘሎኒ ቀልቢ ዝሰልብ ውህበት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ነቲ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝልግስ የሆዋ ክብሪ ንምምጻእ ክጥቀመሉ ድየ፧ (ያእቆብ 1:17) ንየሱስ ክመስሎ ከምኡውን ብዓቕመይን ከም ኵነታተይን ንኻልኦት ከገልግል ድየ፧’ ኢልና ክንሓትት ሰናይ ኢዩ።
በዚ ዝመጸ ንዘሎና ሓላፍነት ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ደምዲምዎ ኣሎ:- “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት [ካ ʹሪ ·ስማ ] ጸጋ: ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ: ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር: ዜገልግል እንተ ዀነውን: ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር።”—1 ጴጥሮስ 4:10, 11
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንጂም ጆንዝ ሓዊስካ ብድምር 913 ሰባት ሞቱ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Corbis-Bettmann
UPI/Corbis-Bettmann