ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 45 ሮሜ
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ቈረንቶስ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 56 ድ.ክ.
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እቲ ቐደም ብርቱዕ ሰጓጒ እቶም ክርስትያን ዝዀኑ ኣይሁድ ዝነበረ ጳውሎስ: ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ ቅንኣት ዝመልኦ ሃዋርያ ክርስቶስ ኪዀኖም ከሎ ርኢና ኢና። ካብ ሮሜ ኣትሒዝና ድማ ነተን እዚ ቐደም ፈሪሳዊ ዝነበረ: ደሓር ግን እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ: ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ዝጸሓፈን 14 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መጻሕፍቲ ኽንርኢ ኢና። ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን: ክልተ ነዊሕ ጕዕዞታት ስብከት ወዲኡስ ሳልሳይ ጕዕዞኡ ሒዙ ነበረ። ድሮ ሓሙሽተ ኻልኦት መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት ጽሒፉ ነበረ። ንሳተን ከኣ ቀዳመይትን ካልአይትን ተሰሎንቄ: ገላትያ: ከምኡውን ቀዳመይትን ካልአይትን ቈረንቶስ እየን። ኰይኑ ግን: ሮሜ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ጳውሎስ ዝሰበኸሎም ኣይሁድን ኣይሁድ ዘይኰኑን ዘሎ ሓድሽ ማዕርነት ብሰፊሕ ስለ እትገልጽ: ኣብዚ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱስና ቕድሚ እተን ካልኦት ምዃና ግቡእ ይመስል። ኣምላኽ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ እተቐየረሉ ኣገባብ ትገልጽ: ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኸም ዚስበኽ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣቐዲሙ ተነብዩ ምንባሩ ድማ ትሕብር።
2 ጳውሎስ ንጠርጥዩስ ከም ጸሓፊኡ ብምጥቃም: ሓያል መጐተ ኣቕረበ: ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ሓያላት መጻሕፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከኣ ሓያሎ ኻብ ቅዱሳት ጽሕፋት እብራይስጢ ጠቐሰ። እተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት ብኣይሁድን ብጽርኣውያንን ምስ ቈማ እተላዕለ ጸገማት: ብብሉጽ ቋንቋ ገይሩ ገለጾ። ኣይሁድ ዘርኢ ኣብርሃም ብምዃኖም ቀዳምነት ይወሃቦም ድዩ፧ ብሱላት ክርስትያናት ነቲ ኻብ ሕጊ ሙሴ ዘለዎም ሓርነት ኪጥቀሙሉ ኸለዉ: ካብኦም ንዝደኸሙን ነቲ ጥንታዊ ልምድታት ዘይሓደግዎን ኣይሁድ ኣሕዋቶም ኪዕንቅፉ መሰል ኣለዎም ድዩ፧ ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ: ኣይሁድን ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ምዃኖም: ሰባት ከኣ ብሕጊ ሙሴ ዘይኰነስ: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ብጸጋ ኣምላኽን ከም ዚጸድቁ ኣርጊጹ ተዛረበ። ብዘይካዚ: ክርስትያናት ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ እተፈላለዩ ስልጣናት ብግቡእ ኪግዝኡ: ኣምላኽ ይደሊ እዩ።
3 ጉባኤ ሮሜ ብኸመይ እያ ቘይማ፧ እንተ ወሓደ ኻብቲ ፖምፐይ ብ63 ቅ.ክ. ንየሩሳሌም ዝሓዘሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ሮሜ ብርክት ዝበሉ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ይርከቡ ነበሩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:10 ገለ ኻብቶም ኣይሁድ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ከም ዝነበሩ: ኣብኡ ኸኣ ነቲ ብስራት ኪስበኽ ከም ዝሰምዑ ብንጹር ተሓቢሩ ኣሎ። እቶም ክርስትና እተቐበሉ ኻብ ሃዋርያት ምእንቲ ኺመሃሩ ኢሎም ኣብ የሩሳሌም ቀነዩ: ጸኒሖም እቶም ካብ ሮሜ ዝመጹ ናብ መንበሪኦም ከም እተመልሱ ዜጠራጥር ኣይኰነን: ገለ ኻባታቶም ምናልባት ኣብ የሩሳሌም መስጐጕቲ ምስ ጀመረ እዮም ተመሊሶም ዚዀኑ። (ግብ. 2:41-47፣ 8:1, 4) ብተወሳኺ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ ዚጐዓዙ እዮም ነይሮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ዚኸውን ጳውሎስ ንሓያሎ ኣባላት ጉባኤ ሮሜ ኣጸቢቑ ዚፈልጦም ዝነበረ፣ ገለ ኻብዚኣቶም እውን በቲ ጳውሎስ ኣብ ግሪኽ ወይ እስያ ዝገበሮ ስብከት ነቲ ብስራት ዝሰምዑ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
4 ብዛዕባ እዛ ጉባኤ እዚኣ ዚገልጽ: ናይ መጀመርታ ዜተኣማምን ሓበሬታ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ እዩ ዚርከብ። እታ ጉባኤ ብኣይሁድን ኣይሁድ ብዘይኰኑን ክርስትያናት ዝቘመት ምንባራ: ቅንኣት እቶም ኣባላታ ድማ ዚነኣድ ምንባሩ ኻብቲ መልእኽቱ ብንጹር ክንርዳእ ንኽእል ኢና። “እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት:” ከምኡውን “ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ” ኢልዎም ኣሎ። (ሮሜ 1:8፣ 16:19) ሱዊቶንየስ ኣብ ካልኣይ ዘመን ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ: ብዘመን ቅላውዴዎስ (41-54 ድ.ክ.) ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኸም እተሰጐጉ ጸብጺቡ ኣሎ። ይኹን እምበር: ጸኒሖም ተመሊሶም እዮም: ከም ኣብነት እኳ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኪጥቀሱ ይከኣሉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብትእዛዝ ቅላውዴዎስ ለቒቖም ምስ ከዱ: ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ረኺብዎም ነይሩ፣ ጳውሎስ ነታ ኣብ ሮሜ እትርከብ ጉባኤ ኺጽሕፈላ ኸሎ ግን ናብታ ኸተማ ተመሊሶም ነበሩ።—ግብ. 18:2፣ ሮሜ 16:3
5 ሓቅነት እዛ መልእኽቲ እዚኣ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ መእተዊኣ ተሓቢሩ ዘሎ: “ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ: ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ: . . . ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኵላትኩም” ኢሉ ዝጸሓፋ እያ። (ሮሜ 1:1, 7) ብደጋዊ ስነዳ ዝመጸ ሓንቲ ኻብተን ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብቐዳምነት እትጥቀስ እያ። ጴጥሮስ ኣብታ ምናልባት ካብ ሽዱሽተ ኽሳዕ ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣዝዩ ብዙሕ ተመሳሳሊ መግለጺታት ብምጥቃሙ: ብዙሓት ምሁራት ቅዳሕ እታ ናብ ሰብ ሮሜ እተጻሕፈት ርእዩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። ሮሜ ብንጹር ክፍሊ ጽሑፋት ጳውሎስ ጌርካ እያ እትርአ ነይራ: ኣብ ቀዳማይን ኣብ መጀመርታ ኻልኣይን ዘመን ዝነበሩ ቅሌምንጦስ ብዓል ሮማ: ፖሊካርፕ ብዓል ስሚርና: ከምኡውን ኢግናጥዩስ ብዓል ኣንጾክያ በዚ መገዲ እዚ ጠቒሶምዋ ኣለዉ።
6 መጽሓፍ ሮሜ ምስ ሸሞንተ ኻልኦት መልእኽትታት ጳውሎስ: ፓፒሩስ ቸስተር ቢቲ ቍ. 2 (P46) ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ኮዴክስ ተረኺባ እያ። ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ብዛዕባ እዚ ጥንታዊ ኮዴክስ እዚ: “ኣብዚ ኣብ መጀመርታ ሳልሳይ ዘመን ኣቢሉ እተጻሕፈ ዚመስል: ዳርጋ ምሉእ መልእኽትታት ጳውሎስ ኣሎና” በለ።a እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፓፒረስ ግሪኽ ቸስተር ቢቲ: ቅድሚ እቲ ፍሉጥ ዝዀነ ኢደ-ጽሑፍ ሲና ኸምኡውን ኢደ-ጽሑፍ ቫቲካን ቍ. 1209 ዝነበረ እዩ: እዚ ኽልቲኡ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እተጻሕፈ እዩ። እዚ ኢደ-ጽሑፋት እዚ እውን ናብ ሮሜ እተላእከ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ።
7 ሮሜ መዓስን ካበይን እያ ተጻሒፋ፧ እቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ዚህቡ ሰባት: እታ መልእኽቲ ኣብ ግሪኽ: ብፍላይ ድማ ጳውሎስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ናብ ቈረንቶስ ኪበጽሕ ምስ ከደ: ኣብቲ ቦታ እቲ ተጻሒፋ ኽትከውን ከም እትኽእል ይሰማምዑሉ እዮም። እቲ ውሽጣዊ መርትዖ ኣብ ቈረንቶስ ከም እተጻሕፈት እዩ ዚሕብር። ጳውሎስ ነታ መልእኽቲ ኣብ ቤት እቲ ኣባል ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበረ ጋይዮስ ኰይኑ እዩ ጽሒፍዋ: ነታ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ እትርከብ ክንክርኤስ እትበሃል ወደብ ዝነበረት ፌቤን ድማ ኣማዕቊብዎም እዩ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ሮሜ ዝወሰደታ ፌቤን ክትከውን ኣለዋ። (ሮሜ 16:1, 23፣ 1 ቈረ. 1:14) ኣብ ሮሜ 15:23 ጳውሎስ: “ኣብዚ ሃገር እዚ [ዘይተዓየ] ስፍራ ስለ ዜብለይ:” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ: ኣብታ እትቕጽል ቍጽሪ ድማ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ናብ ምዕራብ ገጹ ናብ ስጳኛ ኼስፍሕ ሓሳብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሳልሳይ ጕዕዞኡ: ማለት ኣብ 56 ድ.ክ. እዩ ኸምዚ ኢሉ ኺጽሕፍ ዚኽእል።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
20 መጽሓፍ ሮሜ ኣብ ኣምላኽ እንኣምነሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ: “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” ብምባል ርትዓዊ መሰረት ተንብር እያ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን: ንጽድቁ ልዕል ተብል: ነቲ ዓብዪ ምሕረቱን ጸጋኡን ድማ ተፍልጥ እያ። ንኦም ኣውልዕ ከም ምሳሌ ገይራ ብምጥቃስ: እቲ ባህርያዊ ጨናፍር ምስ ተቘርጸ: እቲ ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ኸም ዚዳቐል ትሕብረና እያ። ጳውሎስ ንጭከናን ለውሃትን ኣምላኽ ብዚምልከት: “ወዳጄ: መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” በለ።—1:20፣ 11:33
21 መጽሓፍ ሮሜ ምስዚ ኣተሓሒዛ እያ ንኣመዓባብላ እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ እትገልጽ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ደጊም ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ሌላን ጕሌላን የልቦን፣ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ካብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ዚርከብ ጸጋ የሆዋ ኺካፈሉ ይኽእሉ እዮም። “ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።” “እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና: ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር: ብፊዴል ኣይኰነትን።” “ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ: ነቶም ዚጽውዕዎ ዅሎምውን ሃብታም እዩ እሞ: ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጕሌላን የልቦን።” ኵሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ብእምነት ደኣ እምበር: ብግብሪ ኣይኰኑን ዚጸድቁ።—ሮሜ 2:11, 29፣ 10:12፣ 3:28
22 እቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዚርከብ ነቶም ኣብ ሮሜ ዚርከቡ ክርስትያናት እተዋህበ ግብራዊ ምኽሪ: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኻብዛ ጓኖት ኰይኖም ዚነብሩላ ዓለም ተመሳሳሊ ጸገማት ዜጓንፎም ክርስትያናት እውን ብማዕረ ይጠቕሞም እዩ። ክርስትያናት “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ምስቶም ካብ ጉባኤኦም ወጻኢ ዘለዉ እውን ዜጠቓልል እዩ። ስልጣናት ብኣምላኽ እተሰርዑ ኸምኡውን ነቲ ሕጊ ዜኽብር ዘይኰነስ: ነቲ እከይ ዚገብር ዜፍርሁ ስለ ዝዀኑ: “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።” ክርስትያናት ብተገዛእነት ሕጊ ዚሕልውሉ ምኽንያት: ከይቕጽዑ ፈሪሆም ጥራይ ዘይኰነስ: ምእንቲ ክርስትያናዊ ሕልናኦም ኢሎም እዮም። ስለዚ: ግብሪ ይኸፍሉ: ግቡእ ክብረት ይህቡ: ግዴታታቶም የማልኡ: ‘ንሓድሕዶም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ’ ድማ ገለ እኳ ዕዳ ኣይህልዎምን እዩ። ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።—12:17-21፣ 13:1-10
23 ጳውሎስ ንህዝባዊ ምስክርነት እውን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ሓደ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ዚጸድቕ እኳ እንተ ዀነ: ብኣፉ ተኣሚኑ ግን እዩ ዚድሕን። “ስም [“የሆዋ:” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ።” ከምኡ ንኪኸውን ግን: እቶም ሰበኽቲ ኪኸዱን ‘ሰናይ ኬበስሩን’ ኣለዎም። ካብዞም ቃሎም “ክሳዕ ወሰን ዓለም” ዝበጽሐ ሰበኽቲ እዚኣቶም እንተ ዄንና: ሓጐስ ንረክብ ኢና። (10:13, 15, 18) ነዚ ዕዮ ስብከት እዚ ንምድላው ከኣ: ከም ጳውሎስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕና ንፍለጦ፣ ከመይሲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኽፋል እቲ ጽሑፉ ጥራይ: (10:11-21) ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ደጋጊሙ ጠቒሱ ኣሎ። (ኢሳ. 28:16፣ ዮኤ. 2:32፣ ኢሳ. 52:7፣ 53:1፣ መዝ. 19:4፣ ዘዳ. 32:21፣ ኢሳ. 65:1, 2) ስለዚ ድማ እዩ: “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ኺብል ዝኸኣለ።—ሮሜ 15:4
24 ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዛዕባ ዘሎ ርክባት ዜደንቕ ግብራዊ ምኽሪ ተዋሂቡ ኣሎ። ሃገሮም: ዓሌቶም: ወይ ማሕበራዊ ደረጃኦም ብዘየገድስ: ኵላቶም በቲ “ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” ገይሮም ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ ብምሕዳስ ሓሳቦም ኪልወጡ ኣለዎም። (11:17-22፣ 12:1, 2) ኣብቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12:3-16 ዝሃቦ ምኽርስ ከመይ ዝበለ ርትዓውነት ኰን እዩ ዚርአ! ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ: ቅንኣትን ትሕትናን ፍቕሪ ኣሕዋትን ንምህናጽ ዚሕግዝ ብሉጽ ማዕዳ ኣሎ። ጳውሎስ ኣብቲ መዕጸዊ ምዕራፋት: ክርስትያናት ነቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ ብምዕዛብ ካባታቶም ኪርሕቁ ሓያል ማዕዳ ሂቡ ኣሎ: ግናኸ በቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ንጹህ ምቅርራብ ብዛዕባ ዚርከብ ሓባራዊ ሓጐስ እውን ተዛሪቡ ኣሎ።—16:17-19፣ 15:7, 32
25 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ከነተኵረሉ ኣሎና። “መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር: ብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ: ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ።” (14:17) እዚ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን ብፍላይ ግደ እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ‘ዚኸብሩ መዋርስቱ’ እዩ። ሮሜ ነቲ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዚህሉ ተወሳኺ ስጕምቲ ኽትሕብር ከላ: “ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ” ትብል። (ሮሜ 8:17፣ 16:20፣ ዘፍ. 3:15) ነዚ ዓብዪ ሓቅታት ብምእማን: ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ተስፋን ንመላእ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር: “ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ” ኣርጊጽና ስለ ዘለና: ምስቲ ዘርኢ እታ መንግስቲ ሓቢርና ኽንስዕር ቈራጽነት ንግበር።—ሮሜ 8:39፣ 15:13
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣዋር ባይብል ኤንድ ዘ ኣንሽየንት ማኑስክሪፕትስ: 1958: ገጽ 188።