ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 9-11
ምሳሌ ኦም ኣውልዕ
እተፈላለየ ኽፋል እቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ንምንታይ የመልክት፧
ኦም፦ ነቲ ምስ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን
ጉንዲ፦ ነቲ ቐንዲ ኽፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ
ጨናፍር፦ ንብምሉኦም እቶም ካልኣይ ክፋሊ ዘርኢ ኣብርሃም
‘እተሰብረ’ ጨናፍር፦ ነቶም ንየሱስ ዝነጸግዎ ብስጋ ኣይሁድ ዝዀኑ
ኣብ ጨናፍር ‘እተዳቐሉ’፦ ካብ ኣህዛብ ንዝመጹ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት
ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ፡ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ማለት የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000ን፡ “ንኣህዛብ” በረኸት ኬምጽኡሎም እዮም።—ሮሜ 11:12፣ ዘፍ 22:18
ካብቲ የሆዋ ምስ ዘርኢ ኣብርሃም ብእተተሓሓዘ ዕላማኡ ዝፈጸመሉ መገዲ እንታይ ክምሃር እኽእል፧