“ንስኻትኩምውን ብዅሉ ተግባራትኩም ቅዱሳት ኩኑ”
“ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ: ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ: ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም [“ተግባራትኩም:” ‘ትሓዓ’] ቅዱሳት ኩኑ።”—1 ጴጥሮስ 1:15, 16
1. ጴጥሮስ ክርስትያናት ቅዱሳት ክዀኑ ዘተባብዖም ስለምንታይ ኢዩ፧
ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምኽሪ ዝሃበ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምስቲ ናይ የሆዋ ቅድስና ምእንቲ ክሰማማዕ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ክሕሉ የድልዮ ምዃኑ ተገንዚቡ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ኣቐዲሙ “ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም [“አእምሮኹም ንዕዮ ኣዳሊኹም:” ትሓዓ ] እናተጠንቀቕኩም [“ስምዒታትኩም ምሉእ ብምሉእ እናሓሎኹም:” ትሓዓ ]: . . . ከም እዙዛት ውሉድ እምበር: ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ” ብምባል ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃላት እተዛረበ።—1 ጴጥሮስ 1:13, 14
2. ሓቂ ቅድሚ ምምሃርና ትምኒታትና ዘይቅዱስ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ናይ ቀደም ትምኒታትና ዘይቅዱስ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዙሓት ካባና ናይ ክርስትና ሓቂ ቅድሚ ምቕባልና ዓለማዊ መገዲ ኢና ንስዕብ ነይርና። ጴጥሮስ “እቲ ብዕብዳን: ብፍትወት ስጋ: ብስኽራን: ብጓይላ: ብመስተ: ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም: ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይአክል እዩ” ኢሉ ብግልጺ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ጴጥሮስ: ብፍላይ ነዞም ኣብዛ ዘመናዊት ዓለምና ዘለዉ ዘይቅዱሳት ተግባራት: ኣብቲ ግዜ እቲ ፍሉጣት ስለ ዘይነበሩ ኣይዘርዘሮምን።—1 ጴጥሮስ 4:3, 4
3, 4. (ሀ) ንጌጋ ትምኒታት ክንጻረሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ክርስትያናት ስምዒት ዘይብሎም ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧ ግለጽ።
3 እዞም ትምኒታት እዚኣቶም ንስጋን ንህዋሳትን ንስምዒትን ባህ ዘብሉ ምዃኖም ኣስተብሂልካዶ፧ እዚ ነገራት እዚ ክዕብልለና ምስ እነፍቅደሉ: ኣተሓሳስባናን ተግባርናን ዘይቅዱስ ክኸውን ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። እዚ: ናይ ምስትውዓል ክእለት ንተግባራትና ክቈጻጸሮ ናይ ምፍቃድ ኣድላይነት ኢዩ ዘርኢ። ጳውሎስ በዚ መገዲ እዚ ገሊጽዎ ኣሎ:- “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ: ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ [“ብናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን:” ትሓዓ ] ጌርኩም ከተቕርብዎ: ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ።”—ሮሜ 12:1, 2
4 ንኣምላኽ ቅዱስ መስዋእቲ ምእንቲ ከነቕርበሉ: ስምዒት ዘይኰነስ: ናይ ምስትውዓል ክእለት ክዕብልል ከነፍቅደሉ ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ስምዒታቶም ንተግባሮም ክቈጻጸሮ ስለ ዘፍቀድሉ ኣብ ርኽሰት ጥሒሎም ኢዮም! እዚ ማለት ግን ስምዒትና ክድቈስ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፣ እንተዘየሎ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና ሓጐስ ድኣ ብኸመይ ክንገልጾ ክንክእል ኢና፧ ይኹን እምበር: ኣብ ክንዲ ግብሪ ስጋ ፍረ መንፈስ ክንፈሪ እንተድኣ ደሊና: ኣእምሮና ምስቲ ናይ ክርስቶስ ኣተሓሳስባ ከነሰማምዖ ኣሎና።—ገላትያ 5:22, 23፣ ፊልጲ 2:5
ቅዱስ ህይወት: ቅዱስ ዋጋ
5. ጴጥሮስ: ብዛዕባ ናይ ቅድስና ኣድላይነት ንቑሕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ጴጥሮስ ብዛዕባ ኣድላይነት ክርስትያናዊ ቅድስና ኣዝዩ ንቑሕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ እቲ እዙዛት ደቅሰብ ንምብጃው እተኸፍለ ቅዱስ ዋጋ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም: ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል: ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር: ብጠፋኢ ነገር: ብብሩር ወይስ ወርቂ: ከም ዘይደሐንኩም: ትፈልጡ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 1:18, 19) እወ: እቲ ምንጪ ቅድስና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ነቲ “ቅዱስ ዝዀነ” ሓደ ወዱ: ሰባት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኽህልዎም ዝገብር በጅነት ምእንቲ ክኸፍል ናብ ምድሪ ልኢኽዎ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ 6:69፣ ዘጸኣት 28:36፣ ማቴዎስ 20:28
6. (ሀ) ቅዱስ ተግባር ክንስዕብ ቀሊል ዘይኰነልና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንተግባርና ቅዱስ ገይርና ክንሕዞ እንታይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧
6 ይኹን እምበር: ኣብዛ ብልሽውቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ኴንካ ብቕዱስ ህይወት ምምልላስ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣፍልጦ ክንህበሉ ኣሎና። ነቶም ካብዚ ናቱ ኣገባብ ክድሕኑ ዝፍትኑ ሓቀኛ ክርስትያናት መፈንጠራታት የንብረሎም ኢዩ። (ኤፌሶን 6:12፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ካብ ዓለማዊ ስራሕ: ካብ ናይ ስድራቤት ምጽራር: ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ምንሻው ከምኡውን ካብ ናይ መሳቱ ጸቕጢ ዝመጽእ ተጽዕኖታት ንሓደ ሰብ ቅድስና ሒዙ ክመላለስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ መንፈሳውነት ዝሓትት ኢዩ። እዚ ብሕታዊ መጽናዕትናን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ምክፋልናን ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ዘጕልሕ ኢዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል መኸሮ:- “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ።” (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ነዚ ጥዕና ዝህብ ቃላት ኣብ ኣደራሽ መንግስትን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ መጽናዕትና ንረኽቦ ኢና። እዚ: መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ብዙሕ እተፈላለየ ኵነታት ኣብ ተግባራትና ቅዱሳት ንኽንከውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
ቅዱስ ተግባር ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት
7. ቅድስና ንናብራ ስድራቤትና ክትንክፎ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ጴጥሮስ ንዘሌዋውያን 11:44 ክጠቅስ ከሎ: ነታ “ካብ ሓጢኣት እተፈልየን በዚ ድማ ንኣምላኽ እተወፈየን: ቅዱስ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ሃ ʹጊ·ዮስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። (ኣን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ [እንግሊዝኛ] ብዳብሊው. ኢ. ቫይን) እዚ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ስድራቤትና ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ስለ ዝዀነ ናብራ ስድራቤትና ብርግጽ ኣብ ፍቕሪ እተሰረተ ክኸውን ኣለዎ። (1 ዮሃንስ 4:8) ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ: ነቲ ኣብ መንጎ ናይ መርዓ ብጾት ከምኡውን ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ርክብ ዘለስልስ ቅብኣት ኢያ።—1 ቈረንቶስ 13:4-8፣ ኤፌሶን 5:28, 29, 33፣ 6:4፣ ቈሎሴ 3:18, 21
8, 9. (ሀ) ኣብ ሓንቲ ክርስትያናዊት ቤት ሓድሓደ ግዜ እንታይ ኵነታት ኢዩ ዝለዓል፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ዝምልከት እንታይ ጽቡቕ ምኽሪ ኢዩ ዝህብ፧
8 ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ምርኣይ: ኣብ ውሽጢ ናይ ክርስትያን ስድራቤት ብቐሊሉ ክግበር ዝከኣል ገይርና ክንሓስብ ንኽእል ንኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ ሓድሓደ ናይ ክርስትያን ኣባይቲ ፍቕሪ ኵሉ ግዜ ከምቲ ክትሰፍኖ ዝግብኣ ኰይና ከም ዘይትርከብ ኣፍልጦ ክወሃበሉ ኣለዎ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ፍቕሪ እነዘውትር መሲልና ክንርአ ንኽእል ንኸውን: ይኹን እምበር ኣብ ቤት ቅድስናና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብቐሊሉ ክጐድል ዝኽእል። ካብኡ ምስ ከድና ብኡንብኡ በዓልቲ ቤትና እታ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘኽበርናያ ክርስትያን ሓብትና ምዃና ወይ በዓል ቤትና እቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘኽበርናዮ (ምናልባት ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ክኸውን ይኽእል) ሓውና ምዃኑ ንርስዖ ንኸውን። ክንቍጣዕ: ርሱን ቈየቛ ድማ ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ክልተ ዓይነት ጠባይ ኣብ ናብራና እውን ከይተረፈ ሰሊኹ ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ፈጺሙ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ዝመስል ርክብ ሰብ ሓዳር ዘይኰነስ ናይ ዘይቃደዉ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ቤት ቅዱስ ሃዋሁ ክህሉ ከም ዘለዎ ይርስዕዎ። ምናልባት ከም ናይ ዓለማውያን ሰባት ገይሮም ክዛረቡ ይኽእሉ ኢዮም። ጽዩፍን ጐዳእን ዘረባ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብቐሊሉ ካብ ኣፍ ክወጽእ ዝኽእል!—ምሳሌ 12:18፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 15:37-39 ኣረኣእዮ።
9 ይኹን እምበር: ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይመክር:- “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም ዘረባስ [ብግሪኽ ሎ ʹጎስ ሳ·ፕሮስ ʹ “ርኹስ ዘረባ:” ስለዚ ድማ ዘይቅዱስ] ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” እዚ ድማ ውሉዳት ሓዊስካ: ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት ዘለዉ ሰማዕቲ ዝምልከት ኢዩ።—ኤፌሶን 4:29፣ ያእቆብ 3:8-10
10. እቲ ንቕድስና ዝምልከት ምኽሪ ኣብ ውሉዳት ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧
10 እዚ ንቕድስና ዝምልከት መምርሒ: ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ስድራቤት ዘለዉ ውሉዳት እውን ብማዕረ ዝውዕል ኢዩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ንገዛ መጺኦም ነቲ ዘይግቱእን ክብሪ ዘይብሉን ዘረባ ናይቶም ዓለማውያን መሳትኦም ብምቕዳሕ ክዛረቡ ክጅምሩስ ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ኰን ኢዩ! ውሉዳት: ንጠባይ ናይቶም ንነብዪ የሆዋ ዝጸረፍዎ ስድታት ኣወዳት ከምኡውን ምስኦም ዝመሳሰሉ ሎሚ ዘለዉ ጽዩፋት ተጻረፍቲ ኣይትቕድሕዎ። (2 ነገስት 2:23, 24) ዘረባኹም በቲ እቶም ህኩያትን ሓልዮት ዘይብሎምን ስለ ዝዀኑ ውርዙይ ቃላት ዘይጥቀሙ ሰባት ዘዘውትርዎ ዘረባ ሹቕ ክበላሾ የብሉን። ከም ክርስትያናት መጠን: ዘረባና ቅዱስ: ባህ ዘብል: ዝሃንጽ: ሕያውነት ዘለዎ: ከምኡውን “ብጨው እተቓመመ” ክኸውን ኣለዎ። ካብ ካልኦት ሰባት እተፈለና ከም ዝዀንና ገይሩ ከፍልጠና ኣለዎ።—ቈሎሴ 3:8-10፣ 4:6
ቅድስናን ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤትናን
11. ቅዱስ ምዃን ርእስኻ ምጽዳቕ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ቅድስና ከነርኢ ካብ ልቢ ንጽዕር እኳ እንተዀንና: ብፍላይ ምስ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዘሎና ርክብ: ጸብለል ዝበሉን ርእሶም ዘጽድቑን መሲልና እንርአ ክንከውን የብልናን። ሕያውነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ጠባይና እንተወሓደ ብኣዎንታዊ መገዲ እተፈለና ምዃንና: ማለት ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገበሮ እውን ከይተረፈ ብምግባር: ፍቕርን ድንጋጽን ብኸመይ ከም እነርኢ ንፈልጥ ምዃንና ንኽርድኡ ክሕግዞም ኣለዎ።—ሉቃስ 10:30-37
12. ክርስትያን ሰብ ሓዳር ሓቂ ንናይ መርዓ ብጾቶም ከም ዝማርኽ ክገብርዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
12 ጴጥሮስ ንክርስትያን ኣንስቲ “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ብምባል ክጽሕፈለን ከሎ: ንዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤትና ግቡእ ኣመላኸኽታ ናይ ምህላው ኣድላይነት ኣጕሊሑ ኢዩ። ሓንቲ ክርስትያን በዓልቲ ቤት (ወይ ድማ ብተመሳሳሊ ሓደ በዓል ቤት) ጠባያ ንጹህ: ሓልዮት ዘለዎ: ከምኡውን ክብሪ ዘርኢ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ዘይኣምን ናይ መርዓ ብጻያ እቲ ሓቂ ከም ዝማርኾ ክትገብር ትኽእል ኢያ። እዚ ድማ እቲ ዘይኣምን ናይ መርዓ ብጻይ ከም እተናዕቀ ወይ ዕሽሽ ከም እተባህለ ኰይኑ ምእንቲ ከይስምዖ: ኣብቲ ቲኦክራሲያዊ መደብ ተዓጻጻፍነት ክህሉ ኣለዎ ማለት ኢዩ።a—1 ጴጥሮስ 3:1, 2
13. ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ሓድሓደ ግዜ ንዘይኣመንቲ ሰብኡት ንሓቂ ከማስውሉ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
13 ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቶም ዘይኣመንቲ ሰብኡት ምቕሉላት ኰይኖም ብምቕራብ: ሓድሓደ ግዜ ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ኸኣ እቲ ሰብኣይ: መሰኻኽር ብጀካ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ብዙሕ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዘገድሶም ውርዙያትን ተራን ሰባት ከም ዝዀኑ ክርዳእ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ሽማግለ ኣብቲ ነቲ በዓል ቤት ዝነበሮ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ፍሉይ ግዳሰ ቈላሕታ ገበረ። በዚ ኸኣ እቲ ኣብ መጀመርያ ዝነበረ ሓጹር ክስገር ተኻእለ። እቲ በዓል ቤት ኣብ መወዳእታ ጥሙቕ ሓው ኰነ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: ሓደ ዘይኣምን በዓል ቤት ኣብ ካናሪ ዝበሃላ ዓይነት ኣዕዋፍ ይግደስ ነበረ። እቶም ሽማግለታት ተስፋ ኣይቈረጹን። ሓደ ካብኣቶም ብዛዕባ እተን ኣዕዋፍ ከጽንዕ ጀመረ: ኣብቲ ዝቕጽል ግዜ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኸቦ ድማ: ብዛዕባ እቲ ዝፈትዎ ኣርእስቲ ምስቲ ሰብኣይ ክዛረብ ከኣለ! ስለዚ እምበኣር: ቅዱስ ምዃን ኣኽራሪ ወይ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሎካ ምዃን ማለት ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 9:20-23
ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ብኸመይ ኢና ቅዱሳት ክንከውን እንኽእል፧
14. (ሀ) ሓደ ካብቲ ሰይጣን ነታ ጉባኤ ንምብልሻው ዝጥቀመሉ ሜላታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንናይ ሰይጣን መፈንጠራ ብኸመይ ኢና ክንቃወሞ እንኽእል፧
14 ሰይጣን ድያብሎስ መካፍኢ ኢዩ: ከመይሲ እታ ድያብሎስ እትብል ናይ ግሪኽ ስም: ዲ·ያ ʹቦ·ሎስ: “ከሳሲ” ወይ “መካፍኢ” ማለት ኢያ። ምክፋእ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ክእለታቱ ኢዩ: ነዚ ድማ ኣብታ ጉባኤ ክጥቀመሉ ይፍትን ኢዩ። እቲ ዝፈትዎ ሜላ ኸኣ ሕሜት ኢዩ። ኣብዚ ዘይቅዱስ ተግባር ብምእታው መጻወቲኡ ክንከውን ነፍቅድ ዲና፧ እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ ሕሜት ብምብጋስ: ብምድጋሙ: ወይ ጽን ኢልና ብምስምዑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጥበባዊ ምስላ ከምዚ ይብል:- “ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ: ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።” (ምሳሌ 16:28) ንሕሜትን ምክፋእን ፈውሱ እንታይ ኢዩ፧ ዘረባና ኵሉ ግዜ ሃናጽን ኣብ ፍቕሪ እተሰረተ ምዃኑን ከነረጋግጽ ኣሎና። ኣብ ክንዲ እቲ ሕማቕ ኢልና እንሓስቦ ናይ ኣሕዋትና ኣመላት ነቲ ውርዙይ ጠባዮም እንተድኣ ርኢና: ዕላልና ኵሉ ግዜ ባህ ዘብልን መንፈሳውን ክኸውን ኢዩ። ምንቃፍ ቀሊል ምዃኑ ዘክር። እቲ ምሳኻ ዀይኑ ብዛዕባ ካልኦት ዝሓሚ ምስ ካልኦት ኰይኑ እውን ብዛዕባኻ ይሓሚ ይኸውን ኢዩ!—1 ጢሞቴዎስ 5:13፣ ቲቶስ 2:3
15. ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ቅዱሳት ምእንቲ ክዀኑ እንታይ ናይ ክርስቶስ ባህርያት ኢዩ ዝሕግዞም፧
15 ናይታ ጉባኤ ቅድስና ምእንቲ ክንሕሉ: ኵልና ሓሳብ ክርስቶስ ክህልወና የድሊ ኢዩ: ዓብላሊት ባህሪኡ ፍቕሪ ምዃና ድማ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ድማ ኢዩ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ከም ክርስቶስ ደንገጽቲ ክዀኑ ዝመኸሮም:- “እምበኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቑራትን ኴንኩም: ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመት: ነዊሕ-ተጻዋርነት ልበሱ። . . . ይቕረ ተባሃሃሉ። . . . ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ኢያ እሞ: ልበስዋ።” ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ:- “ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።” ብርግጽ ከምዚ ዝበለ ናይ ይቕረ ምባል መንፈስ ብምርኣይ: ናይታ ጉባኤ ሓድነትን ቅድስናን ክንዕቅብ ንኽእል ኢና።—ቈሎሴ 3:12-15 ትሓዓ
ቅድስናና ኣብ ጕርብትናና ይርአ ድዩ፧
16. ቅዱስ ኣምልኾና ሕጕስ ኣምልኾ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ብዛዕባ ጐረባብትናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝርእዩና፧ እቲ ካብ ሓቂ ዝረኸብናዮ ሓጐስ ነንጸባርቖ ዲና ወይስ ሓቂ ጾር መሲሉ ከም ዝርአ ኢና እንገብር፧ ከምቲ የሆዋ ቅዱስ ዝዀነ ቅዱሳት እንተድኣ ኴንና: ኣብ ዘረባናን ተግባርናን ክርአ ኣለዎ። ቅዱስ ኣምልኾና ሕጕስ ኣምልኾ ምዃኑ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ከምኡ ዝኸውን፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣምላኽና ኣምለኽቱ ሕጕሳት ክዀኑ ዝደሊ ሕጕስ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ኣመልኪቱ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ [“ሕጕስ:” ትሓዓ ] እዩ” ክብል ዝኸኣለ። ነዚ ሓጐስ እዚ ነንጸባርቖ ዲና፧ ደቅናኸ ኣብ ኣደራሽ መንግስትን ኣሰምብሊታትን ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ብምርካቦም ሓጐስ የንጸባርቑ ድዮም፧—መዝሙር 89:15, 16፣ 144:15ለ
17. ሚዛናዊ ቅድስና ንኸነርኢ ተግባራዊ ብዝዀነ መገዲ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧
17 ናይ ምትሕብባር መንፈስን ናይ ጕርብትና ሕያውነትን ብምግላጽ ሚዛኑ ዝሓለወ ቅድስና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ ምናልባት ነቲ ከባቢ ኣብ ምጽራይ ወይ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዝግበር መገድታትን ዓበይቲ ጐደናታትን ኣብ ምጽጋን: ጐረባብቲ ኢደይ ኢድካ ክብሉ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ ዝመጸ: ቅድስናና ኣብቲ ንቦታ ኣታኽልትና: ቀጽርና: ወይ ንኻልእ ጥሪትና እንሕዘሉ ኣገባብ እውን ክርአ ይኽእል ኢዩ። ጐሓፍ ፈቐድኡ ይውደቕ እንተድኣ ሓዲግናዮ ወይ ምናልባት ኵሉ ሰብ ዝርእያ ዝኣረገት ስብርቲ መኪና እውን ከይተረፈ ዝሓዘ ዘይተኣርነበ ወይ ወዛል ቀጽሪ እንተድኣ ኣሊዩና: ንጐረባብትና ነኽብሮም ኣሎና ክንብል ንኽእልዶ፧—ራእይ 11:18
ቅድስና ኣብ ስራሕን ቤት ትምህርትን
18. (ሀ) ሎሚ ንክርስትያናት መጻብቦ ዝኸውን እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብኸመይ ኢና ካብ ዓለም ፍሉያት ክንከውን እንኽእል፧
18 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ዘይቅድስቲ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ: እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ።” (1 ቈረንቶስ 5:9, 10) እዚ ነቶም ምስ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ወይ ብዕሉጋት ሰባት መዓልታዊ ዝራኸቡ ክርስትያናት መጻብቦ ኢዩ። እዚ: ብፍላይ ኣብቲ ንኣንጻር ጾታ ብቐጻሊ ምሽጋር: ብልሽውና: ከምኡውን ቅጥፈት ዝተባብዓሉ ወይ ሸለል ዝበሃለሉ ባህልታት ዓቢ ፈተና ናይ ንጽህና ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከምቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ክንመስል ኢልና ነቲ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀኒታትና “ከነትሕቶ” ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ክንድኡ: እቲ ሕያውነት ዘለዎ ግናኸ ፍሉይ ክርስትያናዊ ተግባርና እቶም መስተውዓልቲ: ንመንፈሳዊ ድኽነቶም ኣፍልጦ ዝህቡን ዝሓሸ ነገር ከኣ ዝደልዩን ሰባት ከም ዘለልዩና ክገብር ኣለዎ።—ማቴዎስ 5:3፣ 1 ጴጥሮስ 3:16, 17
19. (ሀ) ኣቱም ውሉዳት ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ፈተናታት ኢዩ ዘጋጥመኩም፧ (ለ) ወለዲ ንውሉዳቶምን ነቲ ቅዱስ ተግባራቶምን ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
19 ብተመሳሳሊ: ንውሉዳትና ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሞም ብዙሕ ፈተና ኣሎ። ኣቱም ወለዲ ኣብቲ ውሉዳትኩም ዝማሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ትበጽሑዶ፧ ኣብኡ እንታይ ዓይነት ሃዋሁ ሰፊኑ ከም ዘሎ ትፈልጡዶ፧ ምስቶም መምህራን ዝምድና ኣሎኩምዶ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ናይዛ ዓለም እዚኣ: ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዓመጽ: ሓሽሽ: ከምኡውን ናይ ጾታዊ ርኽሰት ጣሻታት ኰይነን ኢየን። ውሉዳትኩም ድንጋጽ ዝመልኦ ደገፍ ወለዶም እንተድኣ ዘይረኺቦም: ከመይ ገይሮም ኢዮም ንጽህናኦምን ተግባራቶምን ቅዱስ ገይሮም ክሕዙ ዝኽእሉ፧ ጳውሎስ ብልክዕ “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ብምባል ንወለዲ መኺርዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 3:21) ሓደ ካብቲ ንውሉዳት እተዀርየሉ መገዲ ነቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞም ግድላትን ፈተናታትን ከይተረዳእካሎም ክትተርፍ ከሎኻ ኢዩ። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ፈተናታት ምድላው: ኣብቲ መንፈሳዊ ሃዋሁ ናይ ሓንቲ ክርስትያን ቤት ኢዩ ዝጅምር።—ዘዳግም 6:6-9፣ ምሳሌ 22:6
20. ቅድስና ንዅልና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ንምጥቕላል: ቅድስና ንዅልና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ካብቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ናይ ሰይጣን ዓለምን ኣተሓሳስባኣን መከላኸሊ ብምዃን ስለ ዘገልግል ኢዩ። ንሕጅን ንመጻእን በረኸት ኢዩ። ነቲ ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ናይ ሓቂ ህይወት ንምርካብ ውሕስነት ክህልወና ይሕግዝ ኢዩ። እዚ: ንሕስያ ዘይብሎም ኣኽረርቲ ኣብ ክንዲ እንኸውን: ሚዛናውያን: ተቐረብቲ: ሕዉሳት ክርስትያናት ክንከውን ይሕግዘና። ብሓጺሩ: ከም ክርስቶስ ይገብረና።—1 ጢሞቴዎስ 6:19
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ ምስ ዘይኣምን ናይ መርዓ ብጻይ ዝግበር ሜላ ዘለዎ ርክባት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ናይ 15 ነሓሰ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ]: “ንናይ መርዓ ብጻይካ ዕሽሽ ኣይትበል!” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ገጽ 20-2 ከምኡውን 1 ሕዳር 1988 ገጽ 24-5 ቍጽሪ 20-2 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብዛዕባ ቅድስና ክመኽሮም ኣድላዪ ምዃኑ እተረድአ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ቅዱስ ናብራ ክህልወካ ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ቅድስና ንኸነመሓይሽ ኵልና እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧
◻ እታ ጉባኤ ቅድስቲ ምእንቲ ክትከውን: እንታይ ዘይቅዱስ ተግባር ኢና ክነርሕቕ ዘሎና፧
◻ ኣብ ስራሕን ቤት ትምህርትን ቅዱሳት ክንከውን እንኽአል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋልን ኣብ ካልእ ንጥፈታትን ሕጕሳት ክንከውን ኣሎና