1 ጴጥሮስ
1 ካብቲ ሃዋርያ+ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጴጥሮስ፡ ናብቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን+ ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እተሰድዱ ሕሩያት፡ 2 ማለት ናብቶም እዙዛትን ብደም የሱስ ክርስቶስ እተነጽጉን ምእንቲ ኪዀኑ፡+ ብቕድስና መንፈስ+ ከምቲ ኣቦና ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈለጦ+ ፍልጠት እተሓርዩ ሕሩያት፦
ጸጋን ሰላምን ይብዛሓልኩም።
3 ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይወደስ፣ ከምቲ ዓብዪ ምሕረቱስ በቲ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ዝረኸቦ ትንሳኤ፡+ ንህያው ተስፋ+ ኸም ብሓድሽ ወሊዱና እዩ፣+ 4 ናብ ዘይሓልፍን ዘይረኸሰን ዘይጽምሉን ርስቲ ድማ እዩ ዝወለደና።+ እዚ ኸኣ ኣብ ሰማያት ተዓቚሩልኩም ኣሎ፣+ 5 ንስኻትኩም ድማ ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ እዋን ኪግለጽ እተዳለወ ድሕነት ትሕለዉ ኣለኹም። 6 ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ።+ 7 እዚ እውን እቲ ኻብቲ ብሓዊ እተፈተነ* ኽነሱ ጠፋኢ ዝዀነ ወርቂ ኣዝዩ ዚኸብር ፍቱን እምነትኩም፡+ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ንውዳሰን ክብርን ግርማን ምእንቲ ኪኸውን እዩ።+ 8 ንዕኡ ኸቶ እኳ እንተ ዘይረኣኹምዎ፡ ተፍቅርዎ ኢኹም። ሕጂ ትርእይዎ እኳ እንተ ዘየለኹም፡ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም፡ ብዘይግለጽን ክቡርን ሓጐስ ድማ ባህ ይብለኩም እዩ፣ 9 ምኽንያቱ፡ መወዳእታ እምነትኩም፡ ማለት ድሕነትኩም* ትረኽቡ ኢኹም።+
10 እቶም ብዛዕባ እቲ ንዓኻትኩም ዝዀነ ጸጋ እተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ እዚ ድሕነት እዚ ኣጸቢቖም ደልዮምን መርሚሮምን እዮም።+ 11 እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ብዛዕባ መከራ ክርስቶስን+ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ኣቐዲሙ ኺምስክር ከሎ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ነየናይ እዋን ወይ ንኸመይ ዝበለ እዋን ከም ዜመልክት+ ብቐጻሊ መርሚሮም እዮም። 12 ንዓኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም የገልግሉ ኸም ዘይነበሩ ተገሊጹሎም እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ በቶም ካብ ሰማይ ብእተላእከ መንፈስ ቅዱስ ዘበሰሩኹም ኣቢሉ ሕጂ ንዓኻትኩም እተነግረኩም እዩ።+ መላእኽቲ ድማ ናብዚ ኺጥምቱ ይምነዩ ኣለዉ።
13 ስለዚ፡ ብኣእምሮኹም ንተግባር ተዓጠቑ፡*+ ቀልብኹም ኣጸቢቕኩም ሓልዉ፡+ ኣብቲ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ጸጋ ተስፋ ግበሩ። 14 ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ደጊም ኣይትቀረጹ፣ 15 የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣+ 16 ከመይሲ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።+
17 ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ ኣቦ+ ትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩም ከኣ፡ ኣብዚ ግዜ ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።+ 18 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም* እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ኣነባብራኹም ናጻ ዝዀንኩም፡*+ ብሓላፊ ነገራት፡ ብብሩር ወይስ ብወርቂ፡ ከም ዘይኰነ ትፈልጡ ኢኹም። 19 የግዳስ፡ በቲ ኸም ናይ ኣበርን ርስሓትን ዘይብሉ ገንሸል*+ ዝዀነ ኽቡር ደም+ ክርስቶስ+ ኢኹም ድሒንኩም። 20 ንሱስ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣቐዲሙ ተፈሊጡ እዩ፣+ ኣብ መወዳእታ ግዜያት ግና ምእንታኹም ተጋሂዱ እዩ።+ 21 እምነትኩምን ተስፋኹምን ብኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ብእኡ ኣቢልኩም በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦን+ ክብሪ ዝሃቦን+ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣለኹም።+
22 ንሓቂ ብዘሎኩም ተኣዛዝነት ርእስኹም* ካብ ኣንጻህኩም እሞ ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኻብ ሃለወትኩም፡+ ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ።+ 23 ካብ ሓላፊ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘይሓልፍ ዘርኢ፡*+ ብቓል እቲ ህያውን ነባርን ኣምላኽ+ ኢኹም ከም ብሓድሽ እተወለድኩም።+ 24 ከመይሲ፡ “ኵሉ ስጋ* ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩ እውን ከም ዕምባባ መሮር እዩ፣ እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባ እውን ይረግፍ፣ 25 ቃል የሆዋ* ግና ንዘለኣለም ይነብር።”+ እዚ “ቓል” እዚ ኸኣ፡ እቲ እተሰብከልኩም ብስራት እዩ።+