ንዅሎም ሰባት ዜድልዮም ብስራት
“ወንጌል . . . ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ።”—ሮሜ 1:16።
1, 2. “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” እትሰብኽ ስለምንታይ ኢኻ፧ ኣብ ኣገልግሎትካኸ ነየናይ መዳያት እቲ ብስራት ኢኻ እተጕልሕ፧
‘መዓልታዊ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ከካፍል ባህ እዩ ዚብለኒ’ ኢልካ ሓሲብካ ወይ ተዛሪብካ ትፈልጥ ትኸውን። ርእስኻ ዝወፈኻ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃንካ መጠን፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ወይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ነቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ እተዛረቦ ትንቢት ድማ ብቓልካ ትወጾ ትኸውን።—ማቴ. 24:14።
2 “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ትሰብኽ እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ የሱስ ዝጀመሮ ዕዮ ኢኻ እትቕጽሎ ዘለኻ። (ሉቃስ 4:43 ኣንብብ።) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዱ ኸም ዜእቱ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ሓደ ኻብቲ ኣጕሊሕካ እትዛረበሉ ነገራት ከም ዝዀነ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ኣብ ምድርና ንዘሎ እከይን፡ ኣብቲ ዓብዪ “መከራ” ኼጥፍእ እዩ። (ማቴ. 24:21) መንግስቲ ኣምላኽ ንምድርና ገነት ብምግባር፡ ሰላምን ደስታን ከም እተስፍን እውን ኣጕሊሕካ ትዛረብ ትኸውን። እቲ እንሰብኮ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡” ክፋል እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ዘበሰሮ’ ብስራት እዩ።—ገላ. 3:8።
3. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ንወንጌል ከም ዘጕልሐ ኽንዛረብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
3 ኰይኑ ግን፡ ነቲ ሰባት ዜድልዮም ቀንዲ መዳያት እቲ ወንጌል ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይንገብረሉን ደዀን ንኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ነታ “መንግስቲ” እትብል ቃል ሓንሳእ ጥራይ ኪጠቕሳ ኸሎ፡ ነታ “ወንጌል” እትብል ቃል ግን 12 ሳዕ እዩ ጠቒስዋ። (ሮሜ 14:17 ኣንብብ።) ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቱ ብተደጋጋሚ ዘጕለሖ፡ ነየናይ መዳይ እቲ ወንጌል እዩ፧ ብፍላይ እቲ ወንጌል እቲ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት፡ “ወንጌል ኣምላኽ” ክንሰብከሎም ከለና፡ ንኣገዳስነት እቲ ወንጌል ኣብ ኣእምሮና ምሓዝ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧—ሮሜ 15:16፣ 1 ተሰ. 2:2።
ሰብ ሮሜ እንታይ የድልዮም ከም ዝነበረ
4. ጳውሎስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሮሜ ኣብ እተኣስረሉ እዋን ብዛዕባ እንታይ እዩ ሰቢኹ፧
4 ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሮሜ ኣብ እተኣስረሉ እዋን ዘልዓሎ ጕዳያት ምፍላጥና ጠቓሚ እዩ። ብዙሓት ኣይሁድ ኪበጽሕዎ ምስ መጹ፡ ‘ብዛዕባ (1) መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ (2) የሱስን እናኣረድአ ብእተማልአ መገዲ መስከረሎም።’ እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧ “ገሊኦም ነቲ እተነግረ አመንዎ፡ ገሊኦም ግና አበይዎ።” ድሕሪኡ፡ ‘ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዅሎም ይቕበሎም ነበረ። (1) መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸ ኸኣ፡ (2) ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።’ (ግብ. 28:17, 23-31) ጳውሎስ ንመንግስቲ ኣምላኽ የተኵረላ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። ካልእ ዘተኰረሉ ነገርከ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ቐንዲ መዳይ እታ መንግስቲ፡ ማለት ኣብቲ የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ እዩ ኣተኲሩ።
5. ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ገሊጹ፧
5 ኵሎም ሰባት ብዛዕባ የሱስ ኪፈልጡን ብእኡ ኺኣምኑን ኣለዎም። ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ነዚ እዩ ገሊጹ። ኣብ ፈለማ፡ “እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ፡ “ወንጌል . . . ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” በለ። ጸኒሑ፡ ብዛዕባ እታ “ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ” ጠቐሰ። “ካብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ” ኢሉ ድማ ገለጸ።a (ሮሜ 1:9, 16፣ 2:16፣ 15:19) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ብዛዕባ የሱስ ዘተኰረ ስለምንታይ ይመስለካ፧
6, 7. ብዛዕባ ኣመሰራርታን ኣባላትን ጉባኤ ሮሜ እንታይ ክንብል ንኽእል፧
6 እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ብኸመይ ከም እተመስረተት ኣይንፈልጥን ኢና። እቶም ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ወይ ጵሮሴሊታት፡ ክርስትያናት ኰይኖም ናብ ሮሜ ተመሊሶም ኪዀኑዶ ይኽእሉ፧ (ግብ. 2:10) ወይ ከኣ፡ ክርስትያናት ነጋዶን ገያሾን ሓቂ ኣብ ሮሜ ዘርጊሖም ደዀን ይዀኑ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 56 ድ.ክ. ነታ መልእኽቲ ኺጽሕፋ ኸሎ፡ ኣብ ሮሜ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐት ጉባኤ ነይራ እያ። (ሮሜ 1:8) ኣብታ ጉባኤ እንታይ ዓይነት ሰባት እዮም ነይሮም፧
7 ገሊኦም ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ንኣንድሮኒቆስን ንዩንያን ሰላምታ ኺልእከሎም ከሎ፡ “ኣዝማደይ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎም፣ እዚ ኸኣ፡ ኣይሁድ ከም ዝነበሩ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ሮሜ ሰፈይቲ ድንኳን ኰይኖም ዚዓዩ ዝነበሩ ኣኪላስን ሰበይቱ ጵርስኪላን እውን ኣይሁድ እዮም ነይሮም። (ሮሜ 4:1፣ 9:3, 4፣ 16:3, 7፣ ግብ. 18:2) መብዛሕትኦም እቶም ጳውሎስ ሰላምታ ዝለኣኸሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ግን፡ ኣህዛብ እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። ገሊኦም “ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ” እዮም ነይሮም፣ እዚ ኸኣ፡ ባሮት ቄሳርን ትሑት ስልጣን ዝነበሮም ሰባትን ነይሮም ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ፊል. 4:22፣ ሮሜ 1:6፣ 11:13።
8. ሰብ ሮሜ እንታይ ከቢድ ኵነታት እዩ ዝነበሮም፧
8 ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ዅሎም ክርስትያናት ከም ናትና ዓይነት ከቢድ ኵነታት ነበሮም። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” በለ። (ሮሜ 3:23) ኵሎም እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት፡ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ ኺግንዘቡን ኣብቲ ኣምላኽ ንሓጢኣት ንምውጋድ ዝገበሮ መሰናድዎ እምነት ኬሕድሩን ነበሮም።
ሓጥኣን ከም ዝዀንና ምግንዛብ
9. ጳውሎስ ሳላ ወንጌል ኪርከብ ብዛዕባ ዚኽእል እንታይ ውጽኢት እዩ ገሊጹ፧
9 ጳውሎስ ኣብ መጀመርታ ኽፋል እታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ “ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” ብምባል ሳላ ወንጌል ብዛዕባ ኺርከብ ዚኽእል ዜደንቕ ውጽኢት ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ድሕነት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ኣንባቆም 2:4 ተጠቒሱ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቂ፡ “ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር” ስለ ዚብል፡ እምነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ሮሜ 1:16, 17፣ ገላ. 3:11፣ እብ. 10:38) ኰይኑ ግን፡ እቲ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ወንጌል፡ ምስቲ፡ “ኵሎም ሓጢኦም” ዚብል ሓሳብ ብኸመይ ኪተሓሓዝ ይኽእል፧
10, 11. እቲ ኣብ ሮሜ 3:23 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ፡ ንገሊኦም ዚርድኦም ንገሊኦም ግን ዘይርድኦም ስለምንታይ እዩ፧
10 ሓደ ሰብ፡ ድሕነት ንኺረክብ ዜኽእሎ እምነት ቅድሚ ምምዕባሉ፡ ሓጥእ ምዃኑ ኺግንዘብ ኣለዎ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዚኣምኑን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፈልጡን ሰባት ሓድሽ ኣይኰኖምን እዩ። (መክብብ 7:20 ኣንብብ።) ነዚ ሓሳብ ይሰማምዑሉ ወይ ኣይሰማምዑሉ ብዘየገድስ፡ ጳውሎስ፡ “ኵሎም ሓጢኦም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ብእተወሰነ ደረጃ ይርድኦም እዩ። (ሮሜ 3:23) ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣገልግሎትና፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘይርድኦም ብዙሓት ሰባት ኬጋጥሙና ይኽእሉ እዮም።
11 ኣብ ገሊአን ሃገራት ዚነብሩ ተራ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ዝወረስዎ ሓጢኣት ከይፈለጡ እዮም ዓብዮም። ኣብ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝዓበየ ሰብ፡ ከም ዚጋገ፡ ዘይፍቶ ባህርይ ከም ዘለዎ፡ ሕማቕ ተግባራት ከኣ ከም ዚገብር ይፈልጥ ይኸውን። ካልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘለዎም እውን ይግንዘብ ይኸውን። ብሰንኪ ኣተዓባብያኡ ግን፡ ንሱ ዀነ ኻልኦት ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀኑ ኣይፈልጥን እዩ። አረ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታትሲ፡ ሓደ ሰብ ሓጥእ ከም ዝዀነ እንተ ተዛሪብካ፡ እቲ ሰብ ገበነኛ ወይ ገለ ሕጊ ዝጠሓሰ ምዃኑ ኸም እተዛረብካ እዩ ዚቝጸር። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ ዝዓበየ ሰብ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ብሓጢኣት ከም እተወልደ ኣይሓስብን እዩ።
12. ኵሎም ሰባት ከም ዝሓጥኡ፡ ብዙሓት ዘይኣምኑ ስለምንታይ እዮም፧
12 ኣብ ሃገራት ህዝበ-ክርስትያን እውን፡ ሓያሎ ሰባት ነቲ ሓጥኣን ምዃኖም ዚገልጽ ሓሳብ ኣይኣምኑሉን እዮም። ስለምንታይ፧ ሓሓሊፎም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ናይ ሓሶት ታሪኽ ወይ ጽውጽዋይ ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስብዎ። ገሊኦም ከኣ፡ ጸረ-ኣምላኽ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ እዮም ዓብዮም። ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ስለ ዚጠራጠሩ፡ ሓደ ዝለዓለ ኣካል ዝሰርዖ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም ዘሎን ነቲ ስርዓታት ምጥሓስ ከኣ ከም ሓጢኣት ከም ዚቝጸርን ኣይርድኡን እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ልክዕ ከምቶም ጳውሎስ፡ “ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም” ኢሉ ዝጠቐሶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት እዮም።—ኤፌ. 2:12።
13, 14. (ሀ) እቶም ብኣምላኽ ዘይኣምኑን ሓጥኣን ምዃኖም ዘይኣምኑን ዜመኻንይዎ ዚስእኑሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ጕድለት እምነት፡ ንብዙሓት ሰባት ናብ ምንታይ እዩ መሪሕዎም፧
13 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ዓይነት ኣተዓባብያ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዀነ ሎሚ፡ ብቑዕ መመኽነይታ ኸም ዘይከውን ዜርኢ ኽልተ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ፍጥረት ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ዚምስክር ምዃኑ እዩ። (ሮሜ 1:19, 20 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ምስቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኸሎ ንእብራውያን ዝጸሓፈሎም፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ዚብል ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ። (እብ. 3:4) እቲ ዘቕረቦ መርትዖ፡ ንብምሉኡ ዩኒቨርስ ዝሰርሐ ወይ ናብ ህልውና ዘምጽአ ፈጣሪ ኸም ዘሎ የረጋግጽ እዩ።
14 ስለዚ፡ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ እቶም ህይወት ንዘይብሎም ምስልታት ዜምልኹ ሰባት፡ እንተላይ ጥንታውያን እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ሕማቕ ግብሮም ‘ዜመኻንይዎ ኸም ዚስእኑ’ ኺገልጽ ዜኽእሎ ብቑዕ መርትዖ ነይርዎ እዩ። እቶም ንኣካላቶም ባህርያዊ ንዘይኰነ ርኹስ ጾታዊ ተግባራት ዚጥቀሙሉ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ዜመኻንይዎ የብሎምን። (ሮሜ 1:22-27) ጳውሎስ ነዚ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ኣይሁድ ኰኑ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኵላቶም ትሕቲ ሓጢኣት” ከም ዝዀኑ ደምደመ።—ሮሜ 3:9።
‘መስካሪ’
15. መን እዮም ሕልና ዘለዎም፧ ሕልናኦምከ እንታይ ንኺገብሩ እዩ ዚድርኾም፧
15 እታ ናብ ሰብ ሮሜ እተላእከት መልእኽቲ፡ ሰባት ሓጥኣን ከም ዝዀኑ ኺግንዘቡን ካብዚ ሕማቕ ኵነታት ዚወጹሉ መገዲ ኼናድዩን ዚግባእ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ዚሕብር ካልእ ምኽንያት እውን ትገልጽ እያ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት ኪገልጽ ከሎ፡ “እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ዅላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 2:12) ቀጺሉ ኸኣ፡ እቶም ንሕጊ ኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ወይ ዓሌታት፡ ‘ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ከም ዚገብርዎ’ ገለጸ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ቅትለትን ስርቅን ዚኽልክሉ ስለምንታይ እዮም፧ ጳውሎስ፡ ሕልና ስለ ዘለዎም ከም ዝዀነ ገለጸ።—ሮሜ 2:14, 15 ኣንብብ።
16. ሕልና ስለ ዘሎካ ጥራይ ካብ ሓጢኣት ትርሕቕ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
16 ኰይኑ ግን፡ ሓደ ሰብ ብውሽጡ ዚምስክረሉ ሕልና ስለ ዘለዎ ጥራይ፡ ንሕልናኡ ይእዘዞ ማለት ከም ዘይኰነ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ኵነታት ጥንታውያን እስራኤላውያን እውን ነዚ የረጋግጸልና እዩ። እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕልናን ብዛዕባ ስርቅን ዝሙትን ዚገልጽ ሕግን እኳ እንተ ነበሮም፡ ብዙሕ ሳዕ ንሕልናኦምን ንሕጊ የሆዋን ጥሒሶምዎ እዮም። (ሮሜ 2:21-23) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንስርዓታትን ፍቓድን ኣምላኽ ስለ ዝጠሓሱ፡ ሓጥኣን እዮም ነይሮም። እዚ ድማ፡ ነቲ ምስ ፈጣሪኦም ዝነበሮም ርክብ ኣበላሸዎ።—ዘሌ. 19:11፣ 20:10፣ ሮሜ 3:20።
17. ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ እተላእከት መልእኽቲ እንታይ ዜጸናንዕ ሓሳብ ኢና እንረክብ፧
17 እቲ ኣብዛ ናብ ሰብ ሮሜ እተላእከት መልእኽቲ ዝረኣናዮ ነገራት፡ ብዛዕባ እቲ ዅላትና ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ሕማቕ ኵነታት ጥራይ ዚገልጽ ኪመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ነዚ ጥራይ ገሊጹ ስቕ ኣይበለን። ነተን ኣብ መዝሙር 32:1, 2 ዚርከባ ቓላት ዳዊት ብምጥቃስ፡ “እቶም ዓመጻኦም እተሐድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 4:7, 8) እወ፡ ኣምላኽ፡ ሕድገት ሓጢኣት ዚርከበሉ ሕጋዊ መገዲ ኣዳልዩ እዩ።
ኣብ የሱስ ዘተኰረ ብስራት
18, 19. (ሀ) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ኣበየናይ መዳይ እቲ ወንጌል እዩ ኣተኲሩ፧ (ለ) በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ፡ እንታይ ኢና ኽንግንዘብ ዘሎና፧
18 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ ምስ ፈለጥካ፡ “እዚ፡ ብሓቂ ብስራት እዩ!” ኢልካ ትኸውን ኢኻ። ከምኡ ምባልካ ኸኣ፡ ቅኑዕ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ብስራት እዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዘጕለሖ ሓደ መዳይ እቲ ወንጌል ወይ ብስራት እዩ ዜዘኻኽረና። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ጳውሎስ፡ “ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ሮሜ 1:15, 16።
19 እቲ ወንጌል፡ ኣብቲ የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ዘተኰረ እዩ። ጳውሎስ፡ ነታ “ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ” ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበያ ገሊጹ እዩ። (ሮሜ 2:16) ከምኡ ኺብል ከሎ ግን፡ ን“መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን” ወይ ነቲ ኣምላኽ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ዚገብሮ ነገራት የነኣእሶ ኣይኰነን ነይሩ። (ኤፌ. 5:5) የግዳስ፡ ብህይወት ክንነብርን ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ከነስተማቕሮን እንተ ደሊና፡ (1) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጥኣን ከም ዝዀንና ኽንግንዘብ፡ (2) ሓጢኣትና ንኺሕደገልና ድማ ብየሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ዜድልየሉ ምኽንያት ክንርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ነዚ ኽፋላት ዕላማ ኣምላኽ እንተ ተረዲኡን እንተ ተቐቢሉን፡ ሳላ እዚ ድማ ብሩህ ተስፋ ኸም ዚህልዎ እንተ ተገንዚቡ፡ “እዚ፡ ብሓቂ ብስራት እዩ!” ኪብል ይኽእል እዩ።
20, 21. ኣብ ኣገልግሎትና፡ ነቲ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ እተላእከት መልእኽቲ ተተኲሩሉ ዘሎ ወንጌል ክንርስዖ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ምግባርናኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል፧
20 ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኽንካፈል ከለና፡ ነዚ ሕጂ ኽንርእዮ ዝጸናሕና መዳይ እቲ ብስራት ፈጺምና ኽንርስዖ የብልናን። ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ቃላት ኢሳይያስ ጠቒሱ፡ “ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኣይሐፍርን” በለ። (ሮሜ 10:11፣ ኢሳ. 28:16) እቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መሰረታዊ መልእኽቲ፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣት እንታይ ከም ዚብል ዚፈልጡ ሰባት ሓድሽ ኣይኰኖምን እዩ። ንኻልኦት ግን፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ባህሎም ዘይፍለጥ ወይ ዘይእመነሉ ብምዃኑ፡ ሓድሽ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ብኣምላኽ ኪኣምኑን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪውከሉን እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ኸነረድኦም ኣሎና። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ሮሜ ምዕራፍ 5 ብዛዕባ እዚ መዳይ ብስራት እዚ ብኸመይ ከም እትገልጽ ክንርኢ ኢና። እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ኺጠቕመካ እዩ።
21 ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ብተደጋጋሚ እተገልጸን “ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ” እተባህለሉን ወንጌል ንኺርድኡ ምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን እዩ ዘለዎ! (ሮሜ 1:16) ብዘይካዚ፡ ካልኦት ነቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 10:15፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ” ዝበሎ ሓሳብ ኪሰማምዑሉ ኸለዉ ኽንርኢ ኢና።—ኢሳ. 52:7።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ምስዚ ዚመሳሰል መግለጺ፡ ኣብ እተፈላለየ ጥቕስታት እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ይርከብ እዩ።—ማር. 1:1፣ ግብ. 5:42፣ 1 ቈረ. 9:12፣ ፊል. 1:27።
ትዝክሮዶ፧
• ናብ ሰብ ሮሜ እተላእከት መልእኽቲ ነየናይ መዳይ እቲ ወንጌል እያ እተጕልሕ፧
• ሰባት ብዛዕባ እንታይ ንኺርድኡ ኢና ኽንሕግዞም ዘሎና፧
• “ወንጌል ክርስቶስ” ንዓናን ንኻልኦትን በረኸት ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
እቲ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ እተላእከት መልእኽቲ ጐሊሑ ዘሎ ወንጌል፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ የጠቓልል
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኵላትና ሓጢኣት ወሪስና ኢና ተወሊድና