-
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
7. መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ሕግታት ኣለዋ
መንግስትታት ንዜጋታተን ዚጠቅምን ዜዕቍብን ዚብላኦ ሕግታት የውጽኣ እየን። መንግስቲ ኣምላኽ እውን ዜጋታታ ኺሕልውዎ ዘለዎም ሕግታት ኣለዋ። 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኵሉ ሰብ ንሕግታት ኣምላኽ እንተ ዚስዕቦ፡ ዓለም ከመይ እትኸውን ይመስለካ፧a
የሆዋ ንዜጋታት መንግስቱ፡ ነዚ ሕግታት እዚ ኺሕልዉ ምጽባዩስ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
እቶም ነዚ ሕግታት እዚ ዘይሕልዉ ዘለዉ ሰባት ኪቕየሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧—ፍቕዲ 11 ርአ።
-
-
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 41
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል፧
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝራብ የሕፍሮም እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾታዊ ርክብ ኪጠቕሶ ኸሎ፡ ብግልጺ ግናኸ ብምዕሩግ ኣገባብ እዩ ዚጠቕሶ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸኣ ይጠቕመና እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ፈጣሪና እዩ። ስለዚ፡ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ተግባራትና ብኸመይ ባህ ኬብሎ ኸም ዚኽእል ይሕብረና፡ ንዘለኣለም ተሓጒስና ኽንነብር ዚሕግዘና እንታይ ምዃኑ እውን ይነግረና እዩ።
1. የሆዋ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
ጾታዊ ርክብ ካብ የሆዋ እተዋህበ ውህበት እዩ። እተመራዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ብእኡ ኺሕጐሱ እዩ ዚደሊ። እዚ ውህበት እዚ፡ ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቕሮም ብባህርያውን ባህ ብዜብልን መገዲ ኺገላለጹ የኽእሎም እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቓል ኣምላኽ፡ “ብሰበይቲ ንእስነትካ . . . ተሓጐስ” ዚብል። (ምሳሌ 5:18, 19) የሆዋ ንምርዑዋት ክርስትያናት፡ ንመጻምድቶም እሙናት ኪዀኑ ይጽበዮም እዩ፣ ስለዚ፡ ከቶ ኺዝምዉ የብሎምን።—እብራውያን 13:4 ኣንብብ።
2. ምንዝርና እንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመንዝራታት . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ይብል። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ብግሪኽኛ ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንዝርና ንምግላጽ ፖርኒያ እትብል ቃል እዮም ተጠቒሞም። እታ ቓል ከኣ፡ (1) ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ውልቀ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብ፡a (2) ንግብረ ሶዶም፡ (3) ምስ እንስሳ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ተጠቓልል። ነቲ፡ “ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ” ዚብል ምኽሪ ኽንስዕብ ከለና፡ ንየሆዋ ባህ ነብሎ፡ ንርእስና እውን ንጠቅም ኢና።—1 ተሰሎንቄ 4:3።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ካብ ምንዝርና ብኸመይ ከም እትርሕቕን ብስነ ምግባር ንጹህ ምዃን ብኸመይ ከም ዚጠቕመካን ርአ።
3. ካብ ምንዝርና ህደም
ዮሴፍ ዝስሙ እሙን ሰብ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኡ ንምሕላው ተቓሊሱ እዩ። ዘፍጥረት 39:1-12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ንዮሴፍ ኪሃድም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧—ፍቕዲ 9 ርአ።
ዮሴፍ ቅኑዕ ውሳነ ዝገበረዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
ሎሚ መንእሰያት ኣብነት ዮሴፍ ብምስዓብ ካብ ምንዝርና ኺሃድሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ቪድዮ ኣጻውት።
የሆዋ ንዅላትና፡ ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ይደልየና። 1 ቈረንቶስ 6:18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ናብ ምንዝርና ኺመርሕ ዚኽእል ኵነታት እንታይ እዩ፧
ካብ ምንዝርና ኸመይ ጌርካ ኽትሃድም ትኽእል፧
4. ንፈተና ኽትጻረሮ ትኽእል ኢኻ
ምንዝርና ኽትፍጽም ንዜጋጥመካ ፈተና ምጽራር ኣጸጋሚ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
እቲ ኣብታ ቪድዮ ዘሎ ሓው ሓሳባቱን ተግባራቱን ንሰበይቱ ዘይእሙን ከም ዚኸውን ኪገብሮ ኸም ዚኽእል ምስ ፈለጠ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧
እሙናት ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓሳባቶም ንጹህ ገይሮም ምሕላው ይኸብዶም እዩ። ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ብቐጻሊ ኸይትሓስብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ፊልጲ 4:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትሓስብ ዘሎካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ምዃንን ነቲ ኽንሓጥእ ዜጋጥመና ፈተና ኽንጻረር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
5. መለክዒታት የሆዋ ይጠቕመና
የሆዋ ንዓና ዚጠቕመና እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከመይ ጌርና ስነ ምግባራዊ ንጽህናና ኸም እንሕሉን ከምኡ ብምግባር እንታይ ጥቕምታት ከም እንረክብን ይነግረና እዩ። ምሳሌ 7:7-27 ኣንብብ ወይ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
እቲ ጐበዝ ናብ ፈታኒ ዅነታት ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧—ምሳሌ 7:8, 9 ርአ።
ብመሰረት ምሳሌ 7:23, 26፡ ምንዝርና ኸቢድ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስነ ምግባራዊ ንጽህናና እንተ ሓሊና፡ ካብ እንታይ ጸገማት ኢና እንስተር፧
ስነ ምግባራዊ ንጽህና ንዘለኣለም ተሓጒስና ኽንነብር ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧
ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዚብሎ ነገር ዘይፍቕራዊ ኸም ዝዀነ ይስምዖም እዩ። እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ግና፡ ኵሉ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ ዚደሊ። ነዚ ንምብቃዕ፡ ብመለክዒታቱ ኽንመላለስ ኣሎና። 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክንርኢ ኸለና፡ ግብረ ሶዶማዊ ትምኒት ጥራይ ድዩ ኸም ዘይግቡእ ጌርካ ተጠቒሱ ዘሎ፧
ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ኵላትና ለውጥታት ክንገብር ኣሎና። እዝስ ዚኽሕስ ድዩ፧ መዝሙር 19:8, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ክልተ ሰባት ክሳዕ እተፋተዉ፡ ጾታዊ ርክብ እንተ ገበሩ ጌጋ የብሉን።”
እንታይ ምበልካ፧
ጽማቝ
ጾታዊ ርክብ፡ የሆዋ ንሰብኣይን ንሰበይትን ኪሕጐሱሉ ዝሃቦም ውህበት እዩ።
ክለሳ
ምንዝርና እንታይ የጠቓልል፧
ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
ዳህስስ
ኣምላኽ ንመጻምድቲ ኺምርዓዉ ዚደልዮም ስለምንታይ ምዃኑ መርምር።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዚሰርዖ መለክዒ ስለምንታይ ጽልኢ ኸም ዘየተባብዕ ርአ።
ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ተግባራት ዝሃቦ ሕጊ ብኸመይ ከም ዜዕቍበና ፍለጥ።
“ኣኽቢሮም እዮም ሒዞምኒ” ኣብ ዘርእስታ ተመክሮ፡ ሓደ ሶዶማዊ ንኣምላኽ ባህ ኬብል ኢሉ ኣነባብራኡ ኪቕይር እንታይ ከም ዝደረኾ ርአ።
a እዚ ኽልኩል ርክብ በበይኑ ዓይነት ተግባራት፡ ማለት ጾታዊ ርክብ፡ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብመሃንቱስ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ከምኡ ድማ ንብልዕቲ ኻልእ ሰብ ብጾታዊ መገዲ ምትንካይ የመልክት።
-
-
ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርካኸ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ንየሆዋ ኣጸቢቕካ እተፍቅሮ፡ ዜጕህዮ ኸይትገብር ድማ ዚከኣለካ እትጽዕር እኳ እንተ ዀንካ፡ ሓሓሊፍካ ግና ክትጋገ ኢኻ። ገሊኡ ሓጢኣት ከኣ ከቢድ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ከቢድ ሓጢኣት ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ እታ የሆዋ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕሪ ኣይትቕህምን እያ፣ የግዳስ፡ ይቕረ ኺብለልካን ኪሕግዘካን እዩ ዚደሊ።
1. የሆዋ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ምስ ፈለጡ፡ ብዙሕ ይጕህዩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ በቲ የሆዋ ንህዝቡ፡ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ይጸናንዑ እዮም። (ኢሳይያስ 1:18) ካብ ልብና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ይብለልና እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እንንሳሕ፧ ብልባዊ ጣዕሳ ተደሪኽና፡ ሕማቕ ምግባር ንሓድግን ካብ የሆዋ ይቕረታ ንልምንን ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሓና ግጉይ ኣተሓሳስባ ወይ ልማድ ንምልዋጥ ዚከኣለና ንገብር ኢና፣ ብንጹህ መለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ እውን ንጽዕር ኢና።—ኢሳይያስ 55:6, 7 ኣንብብ።
2. ክንሓጥእ ከለና፡ የሆዋ ብሽማግለታት ገይሩ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ፡ ከቢድ ሓጢኣት ንዚገብር ዘበለ፡ “ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ” ዚብል ምሕጽንታ ሂብዎ ኣሎ። (ያእቆብ 5:14, 15 ኣንብብ።) እዞም እተሸሙ ሰባት ንየሆዋን ንኣባጊዑን ፍቕሪ ኣለዎም። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነዐሪ ድማ ኪሕግዙና ዜኽእል ብቕዓት ኣለዎም።—ገላትያ 6:1።
እሞ ደኣ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ብኸመይ እዮም ሽማግለታት ዚሕግዙና፧ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽማግለታት ብቕዱሳት ጽሑፋት ይእርሙና እዮም። ዳግም ከይንሓጥእ ከኣ ግብራዊ ሓሳባትን መተባብዕን ይህቡና እዮም። ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ገይሩስ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኻብ ጐዳኢ ጽልዋታት ምእንቲ ኼዕቍቡ ኢሎም፡ ነቲ ሰብ ካብ ጉባኤ ይውግድዎ እዮም።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ብዛዕባ እቲ ኸቢድ ሓጢኣት ኣብ እንገብረሉ እዋን የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ መገዲ ዘሎካ ግንዛበን ሞሳን ኣዕዝዝ።
3. ሓጢኣትና ምንዛዝ ክንሓዊ ይሕግዘና
እንገብሮ ዘበለ ሓጢኣት፡ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ፣ ስለዚ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዘሉ ኣሎና። መዝሙር 32:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሓጢኣትና ኽንሓብእ ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ንየሆዋ ኽንናዘዘሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓጢኣትና ንየሆዋ ኣብ ርእሲ ምንዛዝና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ምስ እንደሊ እፎይታ ንረክብ ኢና። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ሽማግለታት ንካኖን፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ ብኸመይ ሓጊዞምዎ፧
ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ግልጽን ሓቀኛታትን ክንከውን ኣሎና፣ ኪሕግዙና እዮም ዚደልዩ። ያእቆብ 5:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ሓቀኛታት ምዃንና፡ ኪሕግዙና ዝቐለለ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧
4. የሆዋ ንሓጥኣን ይምሕሮም
ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ መለክዒታት የሆዋ ምስዓብ እንተ ኣብዩ፡ ካብ ጉባኤ ይውገድ እዩ፣ ንሕና ድማ ምስኡ ኣይንቀራረብን ኢና። 1 ቈረንቶስ 5:6, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ከምቲ ማይ ብሑቝ ንብሑቝ ዜብኵዖ፡ ምስ ዘይንሳሕ ሓጥእ ምቅርራብ ንብዘላ እታ ጉባኤ ዚጸልዋ ብኸመይ እዩ፧
ሽማግለታት ኣብነት እቲ ንዘይፍጹማት ሓጥኣን ምሕረት ዜርኢ የሆዋ ብምስዓብ፡ ነቶም ካብ ጉባኤ እተወገዱ ኺበጽሕዎምን ኪሕግዝዎምን ይጽዕሩ እዮም። ካብ ጉባኤ ተወጊዶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ተግሳጽ ዜሕምም እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ልቦም ኪምለሱ ስለ ዘኽኣሎም ግና፡ ደሓር ናብ ጉባኤ ተመሊሶም እዮም።—መዝሙር 141:5
የሆዋ በቲ ንሓጥኣን ዚሕዘሉ መገዲ ኣቢሉ ሚዛናውን መሓርን ፈቃርን ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
5. ክንንሳሕ ከለና፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና
ሓደ ሰብ ኪንሳሕ ከሎ፡ እዚ ንየሆዋ እንታይ ስምዒት ከም ዚፈጥረሉ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ የሱስ ምሳሌ መሲሉ ኣሎ። ሉቃስ 15:1-7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧
ህዝቅኤል 33:11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ንስሓ እንታይ ኣገዳሲ ስጕምቲ የጠቓልል፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንሽማግለታት ሓጢኣተይ እንተ ነጊረዮም፡ ከይውገድ እፈርህ እየ።”
ከምዚ ንዚስምዖ ሰብ እንታይ ምበልካዮ፧
ጽማቝ
ከቢድ ሓጢኣት ምስ ገበርና፡ ካብ ልቢ እንተ ጕሂናን ሕማቕ ከይንገብር እንተ ቘሪጽናን፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና እዩ።
ክለሳ
ሓጢኣትና ንየሆዋ ኽንናዘዘሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ሓጢኣትና ምእንቲ ይቕረ ኺብሃለልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ዳህስስ
ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 1:18 እተገልጸ ምሕረት የሆዋ ብኸመይ ኣብ ህይወቱ ኸም ዝረኣዮ ርአ።
ሽማግለታት ነቶም ከቢድ ሓጠኣት ዝገበሩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይጽዕሩ፧
ንዘይንስሑ ሓጥኣን ብኸመይ ፍቕርን ምሕረትን ከም እነርእዮም ርአ።
“ናብ የሆዋ ኽምለስ ነበረኒ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ሓደ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ሰብ፡ የሆዋ መሊሱ ኸም ዝሰሓቦ ዀይኑ ስለምንታይ ከም እተሰምዖ ኣንብብ።
-