በዓል ቤትን ሽማግለን—ነቲ ሓላፍነታት ሚዛናዊ ገይርካ ምሓዙ
‘እቲ ኤጲስቆጶስ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ክኸውን ይግብኦ።’—1 ጢሞቴዎስ 3:2
1, 2. ኣቕሽሽቲ ከይምርዓዉ ምሕራሞም ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ነቲ እተፈላለየ ሓላፍነታቶም ሚዛናዊ ገይሮም ኣብ ምሓዝ ይግደሱ ነይሮም ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ንጽል ዝዀነ ክርስትያን “ዚሐይሽ ይገብር” ክብል ከሎ: ከምዚ ዝበለ ሰብኣይ ኣብታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ተዓዛቢ ኰይኑ ንኸገልግል ብዝሓሸ ዝበቅዕ ኢዩ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ንጽል ምዃን ንሽምግልና ዝድለ ነገር ከም ዝዀነ ድዩ ዝዛረበሉ ነይሩ፧ (1 ቈረንቶስ 7:38) መርዓ ምሕራም ካብ ናይ ካቶሊክ ኣቕሽሽቲ ዝድለ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ኣቕሽሽቲ መርዓ ክሕረሙ ቅዱስ ጽሑፋዊ ድዩ፧ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣቕሽሽተን ምርዑዋት ሰብኡት ክዀኑ የፍቅዳ ኢየን: ንኣቡናተን ግን ኣየፍቅዳን ኢየን። እዝስ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ ድዩ፧
2 እቶም መሰረት ኣባላት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀኑ 12 ሃዋርያት የሱስ: መብዛሕትኦም ምርዑዋት ሰብኡት ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 8:14, 15፣ ኤፌሶን 2:20) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን [ጴጥሮስ] ዚገብርዎ: ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ [“ክንምርዖዶ:” NW ] መሰል የብልናን ኢና፧” (1 ቈረንቶስ 9:5) እቲ ዘ ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፐድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ሕጊ ምሕራም መርዓ: ናይ ቤተ-ክህነት መበቈል ዘለዎ ኢዩ” ከምኡውን “ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን መርዓ ክሕረሙ ኣይግደዱን ኢዮም።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክንዲ ሕጊ ቤተ-ክህነት ንቕዱስ ጽሑፋዊ ኣገባብ ኢዮም ዝስዕቡ።—1 ጢሞቴዎስ 4:1-3
ሽምግልናን መርዓን ይሰማማዕ ኢዩ
3. ክርስትያን ተዓዘብቲ ምርዑዋት ሰብኡት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረድኢታት ኣሎ፧
3 ጳውሎስ: እቶም ተዓዘብቲ ኰይኖም ዝሽየሙ ሰብኡት ዘይተመርዓዉ ክዀኑ ኣለዎም ዘይኰነስ: ንቲቶስ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈሉ:- “ከምቲ ኣነ ዝአዘዝኩኻ ጌርካ: ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ: ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት [ብግሪኽ ፕረ·ስባይʹተ·ሮስ] ክትሸይም: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ: እቲ ኤጲስቆጶስ [“ተዓዛቢ:” NW ] [ብግሪኽ ኤ·ፒʹስኮ·ፖስ: ማለት እታ “ኣቡን” እትብል ቃል ዝመጸትላ] ከኣ መንቅብ ዜብሉ: ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ: ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ: . . . መንቅብ ዜብሉ . . . ናይ ኣምላኽ መጋቢ . . . ኪኸውን ይግብኦ።”—ቲቶስ 1:5-7
4. (ሀ) መርዓ ክርስትያን ተዓዘብቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነገር ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ሓደ ንጽል ዝዀነ ሽማግለ ሓው እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
4 በቲ ኻልእ ሸነኽ ክርእ ከሎ ድማ: መርዓ ንሽምግልና ዝድለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ኣይኰነን። የሱስ ንጽል ኢዩ ነይሩ። (ኤፌሶን 1:22) እቲ ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ ብሉጽ ተዓዛቢ ዝነበረ ጳውሎስ: ምርዑው ኣይነበረን። (1 ቈረንቶስ 7:7-9) ሎሚ: ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ ብዙሓት ንጽል ክርስትያናት ኣለዉ። ንጽል ምዃኖም ከም ተዓዘብቲ ኰይኖም ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ዝያዳ ግዜ ዝህቦም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
‘እቲ እተመርዓወ እተመቓቐለ ኢዩ’
5. ምርዑዋት ኣሕዋት ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኢዮም ክግንዘብዎ ዘለዎም፧
5 ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ምስ ተመርዓወ: ግዜኡን ቈላሕታኡን ዝሓትት ሓድሽ ሓላፍነታት ይስከም ከም ዘሎ ክግንዘብ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዐወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። [“እተመቓቐለ ኸኣ ኢዩ:” NW ]”። (1 ቈረንቶስ 7:32-34) በየናይ መገዲ ኢዩ እተመቓቐለ ዝኸውን፧
6, 7. (ሀ) ሓደ ካብቲ ምርዑው ሰብኣይ ‘ዝመቓቐለሉ’ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንምርዑዋት ክርስትያናት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧ (ሐ) እዚኸ ነቲ ሓደ ሰብኣይ መዝነት ዕዮ ኣብ ምቕባል ዝገብሮ ውሳነ ብኸመይ ክትንክፎ ይኽእል፧
6 ሓደ ካብቲ ምኽንያት: ምርዑው ዝዀነ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ኣይመልኽን ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ ኣነጺርዎ ኢዩ:- “ሰበይቲ: ሰብኣያ እምበር: ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ: ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ: ሰበይቱ ደኣ እምበር: ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 7:4) መርዓ ዝሓስቡ ዘለዉ ገለ ሰባት ኣብ ሓዳሮም ስጋዊ ርክብ እቲ ዝዓበየ ነገር ኣይከውንን ኢዩ ብምባል: እዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምዕዶ እዚ ብዙሕ ዘገድስ ከም ዘይኰነ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ቅድሚ መርዓ ዝህሉ ንጽህና ክማላእ ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነገር ስለ ዝዀነ: ክርስትያናት ናይቲ ኣብ መጻኢ ብጻዮም ዝኸውን ሰብ ናይ ጾታዊ ምቅርራብ ድልየቱ ብሓቂ ክፈልጥዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
7 ጳውሎስ እቶም ‘ነቲ ናይ መንፈስ ዝሓስቡ’ ናይ መርዓ ብጾት እውን ከይተረፈ: ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፎም ድልየት ስጋዊ ርክብ ክሓስብሉ ከም ዝግባእ ገሊጹ ኢዩ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ መኸሮም:- “ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ: ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ: ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር: እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ: ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።” (ሮሜ 8:5፣ 1 ቈረንቶስ 7:3, 5) ዘሕዝን ግን: እዚ ምኽሪ እዚ ምስ ዘይሰዓብ ዝሙት ዘጋጠመሉ ጕዳያት ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ: ሓደ ምርዑው ክርስትያን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ በዓልቲ ቤቱ ዝፈልዮ መዝነት ዕዮ ቅድሚ ምቕባሉ ንነገራት ብጥንቃቐ ከመዛዝን ኣለዎ። ድሕሪ ደጊም ከምቲ ንጽል ከሎ ዝነበሮ ናጽነት የብሉን።
8, 9. (ሀ) ጳውሎስ ምርዑዋት ክርስትያናት ‘ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ ኢዮም ዝሓልዩ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ምርዑዋት ክርስትያናት ክሓልይሉ ዘለዎም ነገር እንታይ ኣሎ፧
8 ሽማግለታት ሓዊስካ: ምርዑዋት ክርስትያናት ሰብኡት ‘ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ [ኮʹስሞስ] ኢዮም ዝሓልዩ’ ክበሃሉ ዝኽእሉ በየናይ መገድታት ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 7:33) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ከርሕቕዎ ዘለዎም ናይዛ ዓለም እዚኣ ሕማቕ ነገራት ይዛረብ ከም ዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:4፣ 2:18-20፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ቃል ኣምላኽ “ግፍዕን ዓለማዊ [ኮ·ስሚ·ኮስʹ] ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ይምህረና ኢዩ።—ቲቶስ 2:12
9 ስለዚ እምበኣር: ሓደ ምርዑው ክርስትያን “ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ:” በዚ ድማ ንሱ ወይ ንሳ ብዛዕባ እቲ ልሙድ ክፍሊ ሓዳር ዝዀነ ዓለማዊ ነገራት ናይ ግድን ክሓስቡ ኢዮም። እዚ ድማ ቈልዑ እንተድኣ መጺኦም ዝህሉ ቍጽሪ ዘይብሉ ካልእ ሓልዮት ገዲፍካ: መንበሪ ቤት: መግቢ: ክዳን: መዘናግዒ ዘጠቓልል ኢዩ። ይኹን እምበር ቈልዓ ዘይብሎም ናይ መርዓ ብጾት እውን ከይተረፉ: ሓዳሮም ዕዉት ክኸውን እንተድኣ ኰይኑ: ክልቲኦም ማለት ሰብኣይን ሰበይትን ናይ መርዓ ብጻዮም ምእንቲ ‘ክሕጐሰሎም’ ሓለይቲ ክዀኑ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ክርስትያን ሽማግለታት ሓላፍነታቶም ሚዛናዊ ገይሮም ክሕዝዎ ስለ ዘለዎም ብፍላይ የገድሶም ኢዩ።
ብቑዓት ሰብኡት ከምኡውን ብቑዓት ሽማግለታት
10. ሓደ ክርስትያን ከም ሽማግለ መጠን ብቑዕ ምእንቲ ክኸውን: ክርስትያን ኣሕዋቱን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰባትን ብዛዕብኡ እንታይ ኢዮም ክዕዘቡ ዘለዎም፧
10 መርዓ ንሽምግልና ዝድለ ነገር እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ምርዑው እንተድኣ ኰይኑ: ሽማግለ ክኸውን ቅድሚ ምሕጻዩ: ግቡእ ርእስነት እናርኣየ ብቑዕን ፈቃርን በዓል ቤት ንምዃን ከም ዝጽዕር ብሓቂ መረጋገጺ ከርኢ ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:23-25, 28-31) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ: ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምበኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ: ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ [ይኹን]።” (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) በዓልቲ ቤቱ ክርስትያን ትኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ሓደ ሽማግለ ብቑዕ በዓል ቤት ንምዃን ዝከኣሎ ይገብር ከም ዘሎ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። አረ: ካብታ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ንበዓልቲ ቤቱን ካልእ ሓላፍነታቱን ጽቡቕ ገይሩ ከም ዝሕዝ ንኸስተብህሉ ዘኽእሎም ክኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ: ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ።”—1 ጢሞቴዎስ 3:7
11. እታ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” እትብል ሓረግ እንታይ ኢያ እተመልክት: ስለዚኸ ሽማግለታት እንታይ ጥንቃቐ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧
11 ርግጽ ኢዩ: እታ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” እትብል ሓረግ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ዘይተፍቅድ እኳ እንተ ዀነት: ናይ መርዓ ተኣማንነት ምርኣይ እውን ተመልክት ኢያ። (እብራውያን 13:4) ብፍላይ ሽማግለታት ነተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ኣሓት ክሕግዙ ከለዉ ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። ንሓንቲ ምኽርን ምጽንናዕን ዘድልያ ሓብቲ ክበጽሑዋ ከለዉ በይኖም ከይኰኑ ክጠንቀቑ ኣለዎም። ካልእ ሽማግለ ወይ ኣገልጋል ጉባኤ ምስ ዘሰንዮም ሰናይ ኢዩ: ንምትብባዕ ጥራይ ኢሎም ምስ ዝበጽሑ ድማ ኣንስቶም ከሰንያኦም እውን ጽቡቕ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2
12. ኣንስቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ምስ ኣየናይ መግለጺ ኢየን ክሰማማዓ ክጽዕራ ዘለወን፧
12 ሃዋርያ ጳውሎስ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ከማልእዎ ዘድሊ ነገራት ክዝርዝር ከሎ: ምስዚ ኣሰንዩ ድማ ንኣንስቲ ናይቶም ንኸምዚ ዝበለ መሰላት ተሓሲቦም ዘለዉ ሰባት ምኽሪ ሂቡ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ: ዘይሐምያ: ጥንቁቓት: ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ።” (1 ጢሞቴዎስ 3:11) ክርስትያን በዓል ቤት በዓልቲ ቤቱ ነዚ መግለጺ እዚ ንኽትበቕዖ ምእንቲ ክሕግዛ ብዙሕ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
ንበዓልቲ ቤትካ እተርእዮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት
13, 14. ሓደ ሽማግለ በዓልቲ ቤቱ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰነት: ምስኣ ምንባር ክቕጽልን ብቑዕ በዓል ቤት ክኸውንን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ርግጽ ኢዩ: እዚ ንኣንስቲ ሽማግለታት ወይ ኣንስቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ እተዋህበ ምኽሪ: ከምዚኣተን ዝበላ ኣንስቲ ውፉያት ክርስትያናት ከም ዝዀና ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ብሓፈሻ: እቲ ኵነታት ከምዚ ኢዩ: ምኽንያቱ ክርስትያናት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክምርዓዉ ኢዮም ዝሕተቱ። (1 ቈረንቶስ 7:39) ይኹን እምበር ህይወቱ ንየሆዋ ክውፊ ከሎ ድሮ ንሓንቲ ዘይኣማኒት ሰበይቲ ተመርዕዩ ዝጸንሐ: ወይ በዓልቲ ቤቱ ብሰንኩ ዘይኰነ ካብ ሓቂ ምስ እትወጽእ እንታይ ይኹን፧
14 እዚ ንባዕሉ ሽማግለ ካብ ምዃን ዝኽልክሎ ኣይኰነን። ኣብ እምነት ዘይትሓብሮ ብምዃና ጥራይ ድማ ካብ በዓልቲ ቤቱ ንኽፈላለ መመኽነይታ ዝኸውን እውን ኣይኰነን። ጳውሎስ “ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ” ኢሉ መኸረ። (1 ቈረንቶስ 7:27) ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ: ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት: ኣይፍትሓያ: . . . ኣቲ ሰበይቲ: ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ: እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ: ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ: እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና: ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ: ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።” (1 ቈረንቶስ 7:12, 15, 16) ሓደ ሽማግለ በዓልቲ ቤቱ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰነት: ብቑዕ ሰብኣይ ክኸውን ኣለዎ።
15. ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ሰብኡት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም: ሓደ ሽማግለ ሸለልተኛ በዓል ቤት እንተድኣ ኰይኑኸ እንታይ ውጽኢት ኢዩ ክስዕብ ዝኽእል፧
15 በዓልቲ ቤቱ ኣማኒት ትኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ: እቲ ክርስትያን ሽማግለ በዓልቲ ቤቱ ፍቕራዊ ቈላሕታ ከም ዘድልያ ኣፍልጦ ክህብ ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ሰብኡት: ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት: ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን: ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ።” (1 ጴጥሮስ 3:7) ደይ መደይ ኢሉ ንድሌት በዓልቲ ቤቱ ካብ ምሕላይ ዝሰንፍ በዓል ቤት ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ሓደጋ የእትዎ፣ ሸለል ምባሉ ‘ጸሎቱ ንኸይሓልፍ [ከም] ደበና’ ብምዃን ናብ የሆዋ ከይቀርብ ክኽልክሎ ይኽእል ኢዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:44) እዚ ንሓደ ሽማግለ ከም ክርስትያን ተዓዛቢ ኰይኑ ንኸገልግል ዘይብቑዕ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።
16. ጳውሎስ እንታይ ቀንዲ ነጥቢ ኢዩ ዝሃበ: ይኹን እምበር ሽማግለታት ብዛዕባ እዚ ከመይ ኢዩ ክስምዖም ዘለዎ፧
16 ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ: ጳውሎስ ከረድኦ ደልዩ ዝነበረ ቀንዲ ነጥቢ: ሓደ ሰብኣይ ምስ ዝምርዖ እቲ ከም ንጽል ሰብኣይ መጠን ‘ከይተነቓነቐ [“ከይተዓናቐፈ:” NW ] ብጐይታ ኽጸንዕ’ ዘኽእሎ ዝነበረ እተወሰነ ናጽነት ኣይረኽቦን ኢዩ ዝብል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:35) ገሊኣቶም ምርዑዋት ሽማግለታት ነቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ክርድእዎ ከለዉ ኵሉ ግዜ ሚዛኖም ከም ዘይሕልዉ ጸብጻባት ይሕብር ኢዩ። ነቲ ንፉዓት ሽማግለታት ክገብርዎ ከም ዘለዎም ዝስምዖም ንምፍጻም ንገለ ካብቲ ከም በዓል ቤት መጠን ዘለዎም ሓላፍነታት ሸለል ይብሉዎ ይዀኑ። ነቲ ሓላፍነታት ምቕባሉ ብመንፈሳዊ መገዲ ንኣንስቶም ሃሳዪ ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ: ገለ ኣሕዋት ነቲ ናይ ጉባኤ መሰል ወይ ሓድሽ ሓላፍነት ክቕበሉ ምእባይ ኣጸጋሚ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ነቲ ምስ መርዓ ዝኸይድ ሓላፍነታትሲ ይደልይዎ ኢዮም: ግናኸ ነቲ ምስኡ ዝኸይድ ሓላፍነታት ከማልኡ ፍቓደኛታት ድዮም፧
17. ንገሊኣተን ኣንስቲ እንታይ ኢዩ ዘጋጠመን: እዚኸ ብኸመይ ክእለ ምተኻእለ፧
17 ብርግጽ: ከም ሽማግለ መጠን ቅንኢ ምርኣይ ዝንኣድ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ክፍጽም ክብል: ነቲ ንበዓልቲ ቤቱ ከርእዮ ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ሸለል ዝብል እንተድኣ ኰይኑ ሚዛናዊ ሽማግለ ድዩ፧ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ንምሕጋዝ ዝብህግ እኳ እንተዀነ: ሓደ ሚዛኑ ዝሕሉ ሽማግለ ብዛዕባ ናይ በዓልቲ ቤቱ መንፈሳውነት እውን ይግደስ ኢዩ። ገሊአን ኣንስቲ ሽማግለታት ብመንፈስ ደኺመን ኢየን: ገሊአን ድማ መንፈሳዊ ‘ምስባር መርከብ’ ኣጋጢምወን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ሓንቲ በዓልቲ ቤት ንድሕነታ ክትዓዪ ሓላፍነት ዘለዋ እኳ እንተዀነት: እቲ ሽማግለ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ” ዝገበሮ ገይሩ ንበዓልቲ ቤቱ ‘እንተ ዝምግባን እንተ ዝከናኸናን’: ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት እዚ መንፈሳዊ ግድል እዚ ክእለ ምተኻእለ ነይሩ። (ኤፌሶን 5:25-30) text adjusted በዚ ዝመጸ ርግጸኛታት ምእንቲ ክዀኑ: ሽማግለታት ‘ንገዛእ ርእሶምን ኵሉ መጓሰን ክሕልዉ’ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ምርዑዋት እንተድኣ ኰይኖም ድማ እዚ ንኣንስቶም እውን ዘጠቓልል ኢዩ።
‘ብስጋ መከራ ምርካብ’
18. ገለ ካብቲ ምርዑዋት ክርስትያናት ዘሕልፍዎ ናይ “መከራ” መዳያት እንታይ ኢዩ: እዚኸ ንዕዮ ሓደ ሽማግለ ክትንክፎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
18 እቲ ሃዋርያ “ድንግልውን እንተ ተመርዐወት: ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ: ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ” ብምባል እውን ጽሒፉ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ጳውሎስ ነቶም ከምኡ ንጽል ምዃን ዝደልዩ ሰባት ካብቲ ግድን ምስ መርዓ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሓልዮት ክንሓፉ ኢዩ ዝብህግ ነይሩ። ነቶም ቈልዓ ዘይብሎም ምርዑዋት ብጾት እውን ከይተረፈ: እዚ ሓልዮት እዚ ናይ ጥዕና ግድላት ወይ ናይ ገንዘብ ጸገማት ከምኡውን ንወለዲ ናይ መርዓ ብጻይካ እተርእዮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8) ሓደ ሽማግለ ኣብነታዊ ብዝዀነ መገዲ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ክቕበሎ ኣለዎ: እዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ከም ክርስትያን ተዓዛቢ መጠን ዘለዎ ዕዮታት ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: መብዛሕትኦም ሽማግለታት ንኽልቲኡ ማለት ነቲ ናይ ስድራቤቶምን ጉባኤን ሓላፍነታት ኣብ ምውጻእ ጽቡቕ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ።
19. ጳውሎስ “እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧
19 ጳውሎስ ወሲኹ “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ: እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:29) ርግጽ ኢዩ: ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ድሮ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ዝጸሓፎ: ምርዑዋት ክርስትያናት ብገለ መገዲ ንኣንስቶም ሸለል ክብሉ ኣለዎም ማለቱ ከም ዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:2, 3, 33) “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ: እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ: እንታይ ማለቱ ከም ዝነበረ ገሊጹ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ካብ ኣብ ግዜ ጳውሎስ ወይ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዝያዳ ኣብዚ እዋን እዚ “ዓለም ትሓልፍ እያ” ዘላ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ስለዚ እምበኣር: እቶም ንየሱስ ኣብ ምስዓብ ገለ መስዋእትታት ምኽፋል ኣድላዪ ምዃኑ ዝስምዖም ምርዑዋት ክርስትያናት ኣብቲ ናይ መውስቦ ሓጐስን መሰላትን ምሉእ ብምሉእ ክጥሕሉ ኣይክእሉን ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 7:5
ገዛእ ርእሰን ዝስውኣ ኣንስቲ
20, 21. (ሀ) ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ መስዋእትታት ክኸፍላ ኢየን ፍቓደኛታት ዝዀና፧ (ለ) ሽማግለ እውን ይኹን: ሓንቲ ሰበይቲ ካብ በዓል ቤታ ብግቡእ ክትጽበዮ እትኽእል እንታይ ኢዩ፧
20 ከምቲ ሽማግለታት ንኻልኦት ምእንቲ ክጠቕሙ መስዋእትታት ዝገብሩ: ብዙሓት ኣንስቲ ሽማግለታት ድማ ነቲ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ምስቲ ኣብ ሓዳር ዘለወን ሓላፍነታት ሚዛናዊ ንምግባር ይጽዕራ ኢየን። ብኣሽሓት ዝቝጸራ ክርስትያን ኣንስቲ: ሰብኡተን ነቲ ከም ተዓዘብቲ መጠን ዘለዎም ሓላፍነታት ክፍጽሙ ምእንቲ ክኽእሉ ክተሓባበራኦም ሕጕሳት ኢየን። ከምዚ ብምግባረን ድማ የሆዋ የፍቅረን: ነቲ ዘርእያኦ ሰናይ መንፈስ ድማ ይባርኾ ኢዩ። (ፊልሞን 25) እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ዝሃቦ ሚዛናዊ ምኽሪ ኣንስቲ ናይቶም ተዓዘብቲ ካብ ሰብኡተን ግቡእ ብዝዀነ ኣገባብ ምኽንያታዊ ግዜን ቈላሕታን ክጽበያ ከም ዝኽእላ ኢዩ ዘርኢ። ንኣንስቶም እኹል ግዜ ክውፍዩ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ከም በዓል ቤትን ተዓዛብን መጠን ዘለዎም ሓላፍነታት ሚዛናዊ ምግባር: ናይ ምርዑዋት ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ኢዩ።
21 ይኹን እምበር ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኣብ ርእሲ እቲ በዓል ቤት ምዃኑ ኣቦ እንተዀነኸ ከመይ ይኹን፧ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ከም ዘሎና: እዚ ኵነታት እዚ ሓላፍነት ዝውስኸሉ: ኣብ ቅድሚኡ ድማ ትዕዝብቲ ዘድልዮ ተወሳኺ ዓውድታት ዝኸፍተሉ ኢዩ።
ብመልክዕ ድግማ
◻ ሓደ ክርስትያን ተዓዛቢ ምርዑው ሰብኣይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረድኢታት ኣሎ፧
◻ ሓደ ንጽል ዝዀነ ሽማግለ እንተድኣ ተመርዕዩ: ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ንቑሕ ክኸውን ዘለዎ፧
◻ ሓደ ምርዑው ክርስትያን በየናይ መገድታት ኢዩ ‘ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ ዝሓሊ፧’
◻ ብዙሓት ኣንስቶም ንተዓዘብቲ ናይ ርእሰ-መስዋእቲ ሰናይ መንፈስ ዘርኣያ ብኸመይ ኢየን፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ሽማግለ ብቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ትሑዝ እኳ እንተዀነ: ንበዓልቲ ቤቱ ፍቕራዊ ቈላሕታ ክገብረላ ኣለዎ