ኣብ ሓዳርካ ጸገም እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
“ነቶም እተመርዐዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።”—1 ቈረ. 7:10።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ብሓደ ዜጋጥሞም ብኸመይ እዩ፧
ሽማግለታት ነቶም ኣብ ሓዳሮም ጸገም ዘለዎም ክርስትያናት ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ንሓዳር ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧
1. ክርስትያናት ንመውስቦ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧ ስለምንታይከ፧
ክርስትያናት ኪምርዓዉ ኸለዉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይመባጽዑ እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን። (መክ. 5:4-6) የሆዋ መስራቲ ሓዳር ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ሰብ ሓዳር “ዜጋጥሞም” ወይ ዜጻምዶም ንሱ እዩ። (ማር. 10:9) እቶም ሰብ ሓዳር ዚነብሩሉ ሃገር ንመውስቦ ብዚምልከት ዜውጽኦ ሕጊ ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም መጻምድቲ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብ እዋን መርዓኦም ኣምለኽቲ የሆዋ ይንበሩ ኣይንበሩ ብዘየገድስ፡ ንስርዓት መውስቦ ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
2 ዕዉት ሓዳር ብዙሕ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሓዳር ጸገም እንተ ኣጋጢሙ፡ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ እቲ እተዳኸመ ርክብ እንደገና ኺድልድል ይኽእልዶ፧ ነቶም ኣብ ሓዳሮም ጸገም ዘጋጠሞም መጻምድቲ ዚኸውን ሓገዝ ኣሎዶ፧
ሓዳርካ ምንጪ ሓጐስ ድዩ ወይስ ምንጪ ጓሂ፧
3, 4. ሓደ ሰብ መጻምድቲ ኺመርጽ ከሎ ዘይጥበባዊ ውሳነ እንተ ገይሩ፡ እንታይ ኬጋጥሞ ይኽእል፧
3 ክርስትያናት መጻምድቲ ዕዉት ሓዳር እንተ ኣልይዎም፡ ንሳቶም ይሕጐሱ፡ የሆዋ ኸኣ ይኽበር። ሓዳሮም ንፋስ እንተ ኣትይዎ ግና፡ ጓሂ ልቢ እዩ ዚዀኖም። ሓደ ኺምርዖ ዚሓስብ ዘሎ ንጽል ክርስትያን፡ መምርሒ ኣምላኽ እንተ ስዒቡ፡ ንሓዳሩ ብጽቡቕ ኪጅምሮ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓደ ሰብ መጻምድቲ ኺመርጽ ከሎ ዘይጥበባዊ ውሳነ እንተ ገይሩ፡ ጓህን ሓዘንን ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም መንእሰያት፡ ነቲ ምስ ሓዳር ዚመጽእ ሓላፍነታት ኪስከምዎ ዘይክእሉ ኽነሶም፡ ዓርኪ ኺሕዙ ይጅምሩ። ገሊኦም ውልቀ ሰባት ድማ፡ ብሃወኽ ምስ ሓደ ኣብ ኢንተርነት እተፋለጥዎ ሰብ ይምርዓዉ እሞ፡ ሓጐስ ናብ ዘይብሉ ሓዳር ይኣትዉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ እዋን ወረዘ ኸቢድ ሓጢኣት ስለ ዚፍጽሙ፡ ንሓዳሮም ብዘይ ኣኽብሮት ይጅምርዎ።
4 ገሊኦም ክርስትያናት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ስለ ዘይምርዓዉ፡ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ብምንባር፡ መሪር ፍረ ይዓጽዱ። (1 ቈረ. 7:39) ንዓኻ እውን ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልካን ምእንቲ ኺሕግዘካን ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ዋላ እኳ ኣምላኽ ንሳዕቤን ጌጋታት ዘየወግዶ እንተ ዀነ፡ ነቶም ዚንስሑ ሰባት ግና ነቲ ዜጋጥሞም ፈተናታት ንኺዋጽኡሉ ይሕግዞም እዩ። (መዝ. 130:1-4) ስለዚ፡ ንኸተሐጕሶ ዚከኣለካ ግበር፣ ሽዑ ‘ሓጐስ የሆዋ ሓይልኻ’ ኪኸውን እዩ።—ነህ. 8:10።
ንሓዳር ንፋስ ኪኣትዎ ኸሎ
5. ብሓዳርና እኳ እንተ ጐሃና፡ ካብ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧
5 እቶም ብሓዳሮም ዚጕህዩ ሰባት፡ ‘ንሓዳረይ ካብ ምብትታን ከድሕኖ ምጽዓረይ፡ ዋጋ ኣለዎ ድዩ፧ ብኻ ንኻልእ ሰብ ተመርዕየ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ምናልባት እውን ንሓዳሮም ብዛዕባ ምፍራስ ይሓስቡ ይዀኑ፣ ‘ካብዚ ሓዳር እዚ እንተ ዝገላገል ምሓሸኒ፣ ንምንታይ እሞ ዘይፋታሕ፧ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዝዀነ መገዲ እኳ እንተ ዘይተፋታሕኩ፡ ካብ መጻምድተይ ተፈልየ ንበይነይ ተሓጒሰ ኽነብር እኽእል እየ’ እውን ይብሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሎም ኪሓስቡ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንበይኖም ኪህልዎም ዚኽእል ህይወት ኪሓልሙ የብሎምን፣ የግዳስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ኬናድዩን ንዕኡ ኺስዕቡን ብምጽዓር፡ ንዅነታቶም ንምፍታሕ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም።
6. እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 19:9 እተዛረቦ ቓላት እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።
6 ምናልባት ሓደ ክርስትያን ንኺፋታሕን እንደገና ንኺምርዖን ዜኽእሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኪህልዎ ወይ ከይህልዎ ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 19:9) እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ዝሙት” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ንጾታዊ ብዕልግናን ንኻልእ ጾታዊ ሓጢኣትን እያ እተጠቓልል። ዋላ ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ጾታዊ ርኽሰት ዘይፈጸመ ኽነሱ፡ ሓደ ክርስትያን ንኺፋታሕ እንተ ሓሲቡ፡ ፈለማ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ኪሓስበሉ ኣለዎ።
7. ክርስትያናዊ ሓዳር እንተ ፈሪሱ፡ ተዓዘብቲ እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓስቡ ዚኽእሉ፧
7 ሓደ ክርስትያን ሓዳሩ እንተ ፈሪሱ፡ መንፈሳውነቱ ኣብ ሕቶ እዩ ዚኣቱ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺአልያ ይዀነሉ፧” ዚብል ረዚን ሕቶ ሓቲቱ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 3:5) ብሕልፊ ኽልቲኦም መጻምድቲ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ እናተዛረቡ ኽነሶም ሓዳሮም እንተ ፈሪሱ፡ ተዓዘብቲ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ነቲ ዚሰብክዎ ኸም ዘይትግብርዎ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ።—ሮሜ 2:21-24።
8. ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንኺፈላለዩ እንተ ወሲኖም፡ እንታይ ጸገም ከም ዘለዎም እዩ ዚሕብር፧
8 እተጠምቁ ሰብ ሓዳር ብዘይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ንኺፈላለዩ ወይ ንኺፋትሑ ይሓስቡ እንተ ኣልዮም፡ ኣብ መንፈሳውነቶም ገለ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ። ሓደ መጻምድቲ ወይ ድማ ክልቲኦም፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ይትግብሩ ኸም ዘየለዉ እዩ ዚሕብር። ብሓቂ ‘ብምሉእ ልቦም ብየሆዋ ዚእመኑ እንተ ዀይኖም፡’ ሓዳሮም ንኸይፈርስ ኪጽዕሩ ኣለዎም።—ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።
9. ገሊኦም ክርስትያናት ሓዳሮም ንኸይብተን ብትዕግስቲ ብምጽዓሮም ዓስቢ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧
9 ብዙሕ ዚፈርስ ዚመስል ዝነበረ ሓዳር፡ ድሕሪ ግዜ ዕዉት ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ቀልጢፎም ብሓዳሮም ተስፋ ዘይቈረጹ ክርስትያናት፡ ዓስቦም ረኺቦም እዮም። ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራ ቤት እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል እስከ ንርአ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 3:1, 2) እወ፡ ሓደ ዘይኣማኒ ብምኽንያት ጽቡቕ ኣኻይዳ መጻምድቱ ናይ ሓቂ እምነት ኪቕበል ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር ድማ፡ ንኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምኽባሩ፡ ንሰብኣይን ንሰበይትን ንውሉዳትን ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣሎም ይኽእል እዩ።
10, 11. ኣብ ሓዳር እንታይ ዘይተሓስበ ጸገማት ኬጋጥም ይኽእል፧ ሓደ ክርስትያን ግና ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ኪኸውን ዚኽእል፧
10 መብዛሕትኦም ንጽል ክርስትያት ንየሆዋ ኼሐጕስዎ ስለ ዚደልዩ፡ ርእሶም ምስ ዝወፈዩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት እዮም ዚምርዓዉ። ይኹን እምበር፡ ኵነታት ኪቀያየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር፡ ከቢድ ስምዒታዊ ጸገም ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ድሕሪ እቲ መርዓ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ መጻምድቲ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምርዳእ፦ ሓንቲ ሊንዳa ዝስማ ቐናእ ክርስትያንን ንፍዕቲ ኣደን፡ እቲ ጥሙቕ ሰብኣያ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ተግባር ገይሩ ብዘይምንሳሑ ምስ ተወገደ፡ እትገብሮ ጠፍኣ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ዚርከብ ክርስትያን፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧
11 ምናልባት ንርእስኻ፡ ‘ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ንሓዳረይ ካብ ምብትታን ንኸድሕኖ ኽጽዕር ድዩ ዘሎኒ፧’ ኢልካ ትሓትታ ትኸውን። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪውስነልካ ኣይክእልን እዩ፣ ኪውስነልካ እውን የብሉን። ኰይኑ ግና፡ በቲ ንፋስ ዝኣተዎ ሓዳርካ ተስፋ ንኸይትቘርጽ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። እቶም ንሕልናኦም ኢሎም ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ክኢሎም ኣብ ሓዳሮም ዚቕጽሉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:19, 20 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ንፋስ ዝኣተዎ ሓዳሩ ንኼደልድሎ ኣበርቲዑ ንዚጽዕር ክርስትያን፡ ብቓሉን ብመንፈሱን ገይሩ ይሕግዞ እዩ።
ንኺሕግዙ ድሉዋት እዮም
12. ንሽማግለታት ንኺሕግዙና እንተ ሓቲትናዮም፡ ብኸመይ እዮም ዚርእዩና፧
12 ኣብ ሓዳርካ ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንሓደ ብሱል ክርስትያን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዘካ ኻብ ምሕታት ድሕር ኣይትበል። ሽማግለታት ከም ጓሶት መጓሰ ኣምላኽ ኰይኖም ስለ ዜገልግሉ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ተሓጒሶም ኬርእዩኻ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 20:28፣ ያእ. 5:14, 15) ንስኻን መጻምድትኻን ንሽማግለታት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዙኹም ብምሕታትኩምን ምሳታቶም ብዛዕባ ኣብ ሓዳርኩም ዘጋጠመኩም ጸገማት ብምዝርራብኩምን፡ ንዓኻትኩም ዘለዎም ኣኽብሮት ከም ዚንኪ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። ንኣምላኽ ከተሐጕስዎ ትጽዕሩ ኸም ዘለኹም ምስ ተዓዘቡ፡ እቲ ንዓኻትኹም ዘለዎም ፍቕራዊ ኣኽብሮት ብዝያዳ ኺውስኽ እዩ።
13. ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:10-16 እንታይ ምኽሪ እዩ ዚርከብ፧
13 ሽማግለታት ነቶም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት ኪሕግዝዎም ከለዉ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ እዮም ዚስዕቡ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ነቶም እተመርዐዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ [“ኣይትፈለ፡ NW]፡—እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዐረቕ፡—ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። . . . ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧” (1 ቈረ. 7:10-16) ሓደ ዘይኣምን ዝነበረ መጻምድቲ ንሓቂ ኪቕበልሲ ኸመይ ዝኣመሰለ በረኸት ኰን እዩ!
14, 15. ሓደ ክርስትያን ካብ መጻምድቱ ኺፍለ ዚኽእል መዓስ እዩ፧ ግናኸ ነቲ ጕዳይ ብጸሎትን ብቕንዕናን ኪሓስበሉ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
14 ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ እንታይ ኵነታት እያ ኻብ ሰብኣያ ንኽትፍለ ኽትውስን እትኽእል፧ ገሊአን ክርስትያናት፡ መጻምድተን ኰነ ኢሉ ስለ ዘይሓልየለን፡ ካብኡ ንኺፍለያ ይመርጻ ይዀና። ገሊኣተን ከኣ ብሰሪ ኽቱር ኣካላዊ ማህሰይቲ ወይ ከኣ መንፈሳዊ ህይወተን ብዘየማትእ መገዲ ኣብ ሓደጋ ስለ ዚኣቱ፡ ኪፍለያ ወሲነን እየን።
15 ምፍላይ ወይ ዘይምፍላይ ናይ ብሕቲ ውሳነ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጥሙቕ መጻምድቲ፡ ነቲ ጕዳይ ብጸሎትን ብቕንዕናን ኪሓስበሉ ኣለዎ። ንኣብነት፡ እቲ ዘይኣምን መጻምድቲ ንመንፈሳዊ ህይወት እቲ ኣማኒ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ድዩ፡ ወይስ እቲ ክርስትያን እዩ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ዚብሎን ካብ ኣኼባታት ዚበኵርን ኣብ ኣገልግሎት ዘይሳተፍን ዘሎ፧
16. ክርስትያናት ንፍትሕ ብዚምልከት ተሃዊኾም ንኸይውስኑ ኺዓግቶም ዘለዎ እንታይ እዩ፧
16 ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ንርእዮን ነቲ ናቱ ውህበት ዝዀነ መውስቦ ነማስወሉን ምዃንና፡ ንፍትሕ ብዚምልከት ተሃዊኽና ንኸይንውስን ኪዓግተና ኣለዎ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ምቕዳስ ስሙ የገድሰና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንኻልእ ምእንቲ ኽንምርዖ ኢልና ንመጻምድትና ኽንጠልሞ የብልናን።—ኤር. 17:9፣ ሚል. 2:13-16።
17. ኣምላኽ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ንክርስትያናት ብሰላም ኪነብሩ ዚጽውዖም፧
17 ንዘይኣማኒ እተመርዓወ ክርስትያን ንሓዳሩ ንምድልዳል ኪጽዕር ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ክርስትያን ዝጸዓረ እኳ እንተ ጸዓረ፡ እቲ ዘይኣምን መጻምድቲ ኺፍለ እንተ ወሰነ፡ ሕማቕ ኪስምዖ የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—1 ቈረ. 7:15።b
ብየሆዋ ተስፋ ግበር
18. ንሓዳር ካብ ምብትታን ከነድሕኖ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧
18 ኣብ ሓዳርካ ዝዀነ ይኹን ጸገም የጋጥምካ ብዘየገድስ፡ ትብዓት ምእንቲ ኺህበካ ንየሆዋ ለምኖ፣ ብእኡ ኸኣ ተስፋ ግበር። (መዝሙር 27:14 ኣንብብ።) ነታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዝነበረት ሊንዳ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሓዳራ ንኸይብተን ንብዙሕ ዓመታት ኣበርቲዓ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ምስ ሰብኣያ ተፋትሑ። እሞኸ ግዜኣ ዘጥፍአት ኰይኑ ድዩ ዚስምዓ፧ “ፈጺመ ኸምኡ ኣይስምዓንን እዩ። እቲ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ንተዓዘብቲ ጽቡቕ ምስክርነት ሂቡ እዩ። ጽሩይ ሕልና እዩ ዘለኒ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እተን ሽዑ ዝነበራ ዓመታት፡ ንጓልና ኣብ ሓቂ ንኽትጸንዕ ሓጊዘናኣ እየን። ቀናእን ውፍይትን ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና እያ ዓብያ” በለት።
19. ንሓዳር ካብ ምብትታን ንምድሓን ዚግበር ጻዕሪ፡ እንታይ ፍረ እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧
19 ማርሊን ዝስማ ክርስትያን ሰበይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ብምውካል፡ ሓዳራ ኸይበታተን ብምጽዓራ ሕጕስቲ እያ። ከምዚ በለት፦ “ሰብኣየይ ብስጋዊ መዳይ ይሓልየለይ ስለ ዘይነበረን መንፈሳውነተይ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣተወን፡ ካብኡ ንኽፍለ ተፈቲነ ነይረ እየ። ሰብኣየይ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ዘይጥበባዊ ንግዲ ኣተወ። ካብ ኣኼባታት ድማ ኪተርፍ ጀመረ፡ ምሳይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እውን ሓደጎ። ኣብ ከተማና ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ፡ ኣመና ስለ ዝፈራህኩ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ርእሰይ ክፈሊ ጀመርኩ። ድሕሪኡ ግና፡ ኣነ እውን ተጋግየ ኸም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። እንደገና ድማ ምስ ሰብኣየይ እሂን ምሂን ክንበሃሃልን መጽናዕቲ ስድራ ቤት ክንገብርን ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ክንእከብን ጀመርና። ሽማግለታት እውን ብለውሃት ሓገዙና። ሓዳርና ኸኣ እንደገና ለምለመ። ድሕሪ ግዜ፡ ሰብኣየይ እንደገና ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰል ኪረክብ ከኣለ። እቲ ዘሕለፍናዮ ዅነታት ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ መወዳእታኡ ግና ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።”
20, 21. ብዛዕባ ሓዳር ዝመጸ፡ እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
20 ንጽል ንኹን እተመርዓና፡ ተባዓት ንኹን፣ ብየሆዋ ኸኣ ተስፋ ንግበር። ኣብ ሓዳርና ጸገም እንተ ኣጋጢሙና፡ እቶም እተመርዓዉ ‘ደጊም ሓደ ስጋ እምበር፡ ክልተ ኸም ዘይኰኑ’ ብምዝካር፡ ነቲ ጸገም ንኽንፈትሖ ንጽዓር። (ማቴ. 19:6) ብዘይካዚ፡ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት መከራ እናኣጋጠመና ኽነሱ እንተ ጸኒዕና፡ ንመጻምድትና ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንስሕቦ ኸም እንኽእል ንዘክር።
21 ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ነቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ምስክርነት ክንህቦም ብዜኽእለና መገዲ ኽንመላለስ ኣሎና። ኣብ ሓዳርና ጸገም እንተ ኣጋጢሙና፡ ንድራኸታትና ብቕንዕና ኽንግምግሞን ቅዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐ ኽንምርምርን መንፈሳዊ ሓገዝ ሽማግለታት ከነናድን ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብዅሉ ነገራት ንየሆዋ ኣምላኽ ከነሐጕሶን ነቲ ዜደንቕ ውህበት መውስቦ ብሓቂ ኸም እነማስወሉ ኸነርእን ንጽዓር።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 219-221 ከምኡውን ኣብዘን ዚስዕባ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ፦ 1 ሕዳር 1988፡ ገጽ 26-27፣ 15 መስከረም 1975፡ ገጽ 575።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
እቶም ኣብ ሓዳሮም ጸገም እናሃለዎም ክነሱ ተስፋ ዘይቈርጹ ክርስትያናት፡ ዓስቦም ይረኽቡ እዮም
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ወትሩ ብየሆዋ ተስፋ ግበር፡ ትብዓት ምእንቲ ኺህበካ ኸኣ ለምኖ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ነቶም ኣብ ሓዳሮም ጸገም ዘለዎም እሞ ንኺፈትሕዎ ዚጽዕሩ ክርስትያናት ይባርኾም እዩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ምጽንናዕን መንፈሳዊ ሓገዝን ክትከውን ትኽእል እያ