መገዲ ፍቕሪ ፈጺሙ ኣየቋርጽን ኢዩ
“ነተን ዚዐብያ ውህበታት ደኣ ጽዐቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።”—1 ቈረንቶስ 12:31
1-3. (ሀ) ፍቕሪ ከተንጸባርቕ ምምሃር ምስቲ ብሓድሽ ቋንቋ ሓሳባትካ ክትገልጽ ምምሃር ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ፍቕሪ ከተንጸባርቕ ምምሃር ብድሆ ዝገብሮ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧
ሓድሽ ቋንቋ ክትማሃር ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ብሓቂ ዓቢ ብድሆ ኢዩ! ርግጽ ኢዩ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኣብ ሓደ እተወሰነ ቋንቋ ዝዝረበሉ ከባቢ ብምዕባዩ ጥራይ ነቲ ቛንቋ ክመሃሮ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ድምጽን ንትርጕም ናይቲ ቓላትን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣእምሮኡ ይቐርጾ እሞ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ብኽእለት: ምናልባትውን ሰጋእ ከይበለ ሓሳባቱ ክገልጽ ይኽእል። ኣብ ዓበይቲ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ሒደት መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ሓረጋት ንምምላኽ ጥራይ: ነቲ ናይ ወጻኢ ቋንቋ መዝገበ-ቓላት ደጋጊምና ንውከሶ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ምስቲ ሓድሽ ቋንቋ ዝኣክል ሌላ ምስ ገበርና: በቲ ሓድሽ ቋንቋ ክንሓስብ ንጅምር: ክንዛረበሉ ድማ ቀሊል ይዀነልና።
2 ፍቕሪ ንኸተንጸባርቕ ምምሃር ድማ ምስቲ ንሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ዝመሳሰል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: እዚ መለኮታዊ ባህሪ እዚ: ንደቅሰብ መፋጥርቶም ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:27፣ ምስ 1 ዮሃንስ 4:8 ኣረኣእዮ።) ገና ግን: ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ ባህርያዊ ፍቕሪ ጠፊኡሉ ዘሎ እዋን: ምንጽብራቕ ፍቕሪ ምእንቲ ኽትማሃር ተወሳኺ ጻዕሪ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ስድራቤት እውን ከምዚ ዓይነት ኵነታት የጋጥም ኢዩ። እወ: መብዛሕትኦም ሰባት ኣብቲ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ፍቕራዊ ኣዘራርባ ዘይስማዓሉ: ሓጐስ ዘይብሉ ከባቢ ኢዮም ዝዓብዩ። (ኤፌሶን 4:29-31፣ 6:4) ቅድሚ ሕጂ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ህይወትና ዘይነንጸባርቖ እኳ እንተ ነበርና: ሕጂ ፍቕሪ ንምንጽብራቕ ክንማሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ፧ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ጳውሎስ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዝሕብር መብርሂ ቃላት ዘይኰነስ: እዛ ክብ ዝበለ ደረጃ ናይ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትዓዪ ንጹር መግለጺ ኢዩ ዝህበና። ነዚ ቝጽርታት እዚ ሓደ ብሓደ ምስ እንምርምሮ: እዛ መለኮታዊት ባህሪ እዚኣ እንታይ ምዃና ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ: ንኸነንጸባርቓ ድማ ብዝሓሸ መገዲ ከዕጥቐና ኢዩ። እስከ እምበኣር ነቲ ብጳውሎስ እተገልጸ ገለ መዳያት ፍቕሪ ንመርምር። ብስፍሕ ዝበለ ደረጃ ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ክንመቕሎ ኢና። እዚ ድማ:- ጠባይና ብሓፈሻ፣ ቀጺሉ ብፍላይ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምጽማምና ኢዩ።
ፍቕሪ ንትዕቢት ከነሰንፍ ትሕግዘና
4. መጽሓፍ ቅዱስ ንቕንኢ ዝምልከት እንታይ ምስትውዓል ኢዩ ዝህብ፧
4 ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ ናይ መእተዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃቡ: ንሰብ ቈረንቶስ “ፍቕሪ ኣይትቐንእን” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 13:4) ቅንኢ ናይቲ ካልኦት ዝበጽሕዎ ብልጽግና ወይ ሸቶታት ብሕማቕ ዓይኒ ብምጥማት እውን ክንጸባረቕ ይኽእል ኢዩ። እዚ ቅንኢ እዚ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ዕንወት ዘመጽእ ኢዩ።—ምሳሌ 14:30፣ ሮሜ 13:13፣ ያእቆብ 3:14-16
5. ገለ ቲኦክራሲያዊ መሰላት እተኸላእና ኰይኑ ምስ ዝስምዓና ፍቕሪ ንቕንኢ ከነሰንፍ ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
5 ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ንገዛእ ርእስኻ ‘ገለ ቲኦክራሲያዊ መሰል እተኸላእኩ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑኒ እቐንእ ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። እቲ መልሲ እወ እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ‘ናይ ቅንኢ ዝንባለ’ ኣብ ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ከም ዘሎ መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (ያእቆብ 4:5 NW ) ንሓውካ ዘሎካ ፍቕሪ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ንኽትዕቅብ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ብዘይዚውን ምስቶም ዝሕጐሱ ንኽትሕጐስ ከኽእለካ: ሓደ ኻልእ ሰብ በረኸት ወይ ናእዳ እንተድኣ ተዋሂቡ ድማ ንኽትዋረድ ተባሂሉ ከም እተገብረ ገይርካ ንኸይትርእዮ ክሕግዘካ ኢዩ።—ምስ 1 ሳሙኤል 18:7-9 ኣረኣእዮ።
6. ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ከመይ ዝበለ ከቢድ ኵነታት ኢዩ ማዕቢሉ ዝነበረ፧
6 ጳውሎስ ወሲኹ “ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን” በለ። (1 ቈረንቶስ 13:4) ገለ ተውህቦ ወይ ክእለት እንተድኣ ኣልዩና: እንጀሃረሉ ምኽንያት የብልናን። እዚ ነቶም ኣብታ ጥንታዊት ጉባኤ ቈረንቶስ ሰሊኾም ዝኣተዉ ናይ ስልጣን ህርፋን ዝነበሮም ገለ ሰባት ጸገም ከም ዝዀኖም ፍሉጥ ኢዩ። ሓሳባቶም ኣብ ምግላጽ ጸብለል ዝበለ ክእለት ወይ ከኣ ገለ ነገራት ክገብሩ ኸለዉ ዝያዳ ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ናይ ምግባር ተውህቦ ነይርዎም ይኸውን። ካልኦት ኣባታቶም ከም ዘቕልቡ ምግባሮም: እታ ጉባኤ ኣብ ጕጅለታት ንምምቕቓል ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:3, 4፣ 2 ቈረንቶስ 12:20) እቲ ኵነታት ኣዝዩ እናኸበደ ስለ ዝኸደ: ጳውሎስ ነቶም ብነቐፌታዊ መገዲ “ብሉጻት ሃዋርያት” ብምባል ገሊጽዎም ዘሎ ‘ዓያሱ ይዕገስዎም’ ስለ ዝነበሩ ንሰብ ቈረንቶስ ገሰጾም።—2 ቈረንቶስ 11:5, 19, 20
7, 8. ንዘሎና ተውህቦ: ብኸመይ ሓድነት ንምዕባይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኢ።
7 ሎሚውን ተመሳሳሊ ኵነታት ክምዕብል ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ገሊኣቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ዓወታት ወይ ከኣ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዎም መሰል ናይ ምጅሃር ዝንባለታት ይህልዎም ይኸውን። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ዘይብሎም ፍሉይ ተውህቦ ወይ ክእለት እኳ እንተሎና: እዚ ንኽንጅሃር ምኽንያት ይዀነና ድዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ ዝዀነ ይኹን ተውህቦ ይሃልወና: ንርእስና ዘይኰነስ ሓድነት ንምድንፋዕ ኢና ክንጥቀመሉ ዘሎና።—ማቴዎስ 23:12፣ 1 ጴጥሮስ 5:6
8 ጳውሎስ: ሓንቲ ጉባኤ እተፈላለዩ ኣባላት እኳ እንተ ኣለውዋ: ‘ኣምላኽ ነቲ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ኣጋጠሞ’ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 12:19-26) እታ “ኣጋጠሞ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ከም ናይ ሕብሪ ምትሕውዋስ ዝኣመሰለ ዝሰማማዕ ምቅዳው ኢያ እተመልክት። ስለዚ እምበኣር ዝዀነ ይኹን ኣብ ጉባኤ ዘሎ ውልቀ-ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ክእለት ክንፋሕ ወይ ከኣ ንኻልኦት ንምዕብላል ክጥቀመሉ ክፍትን ኣይግብኦን ኢዩ። ትዕቢትን ናይ ስልጣን ህርፋንን ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ቦታ የብሉን።—ምሳሌ 16:19፣ 1 ቈረንቶስ 14:12፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3
9. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምእንቲ ረብሓኦም ጥራይ ዝሓስቡ ውልቀ-ሰባት እንታይ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኢዩ ዝህበና፧
9 ፍቕሪ “ናታ ኣይትደልን።” (1 ቈረንቶስ 13:5) ሓደ ፈቃር ሰብ: ካልኦት ብመገድታቱ ምእንቲ ክኸዱ ኢሉ ኣይጠዋውዮምን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ዘጠንቅቕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ንመረድኢ:- ብዛዕባ ደሊላ: ኢዛቤልን ዓታልያን ነንብብ ኢና። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ምእንቲ እቲ ስሱዕ ድራኸታተን ኢለን ንኻልኦት ጠዋውየንኦም ኢየን። (መሳፍንቲ 16:16፣ 1 ነገስት 21:25፣ 2 ዜና መዋእል 22:10-12) ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት እውን ተወሳኺ ኣብነት ኢዩ። ነቶም ፍርዲ ደልዮም ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ሰባት ይቐርቦም እሞ እቲ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ሽግራቶም ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣየርእን ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ብጕርሒ ቀረጸሎም። ቀጺሉ ድማ ብጋህዲ እቲ ቤት ፍርዲ ዘድልዮ ከምኡ ዝኣመሰለ ደንጋጺ ሰብ ምዃኑ ይገልጽ ነበረ። (2 ሳሙኤል 15:2-4) ርግጽ ኢዩ: ኣቤሴሎም ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንተ ዘይኰይኑ ብዛዕባ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ምክፍፋል ኣየገድሶን ኢዩ ነይሩ። ብገዛእ ርእሱ እተሸመ ንጉስ ኰይኑ ድማ ልቢ ብዙሓት ሰባት ጠዋወየ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኣቤሴሎም ምሉእ ብምሉእ ተሳዕረ። ኣብ ግዜ ሞቱ እኳ ከይተረፈ ንቡር ቀብሪ ኣይረኸበን።—2 ሳሙኤል 18:6-17
10. ንኻልኦት ዝሕሾም ከም እንጥምት ብኸመይ ከነርኢ ምኽኣልና፧
10 እዚ ነዞም ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት መጠንቀቕታ ኢዩ። ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ: ብተፈጥሮና ንኻልኦት ናይ ምስዳዕ ክእለት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዕላል ንኻልኦት ብምዕብላል ወይ ከኣ ነቶም እተፈልየ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ሰባት ከም ዝሕለሉ ብምግባር በቲ ንሕና ዝደለናዮ መገዲ ክንከይድ ይቐለና ይኸውን። ይኹን እምበር: ብሓቂ ፍቕሪ እንተድኣ ኣልዩና ግን ኣብቲ ንኻልኦት ዝሕሾም ኢና እንጥምት። (ፊልጲ 2:2-4) በቲ ዘሎና ተመክሮ ወይ በቲ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ተለዓዒልና ተቐባልነት ክረክብ ዘለዎ ናትና ኣተሓሳስባ ጥራይ ገይርና ብምሕሳብ ንኻልኦት ክንብለጸሎም ወይ ከኣ ዘተሓታትት ሓሳባት ከነስፋሕፍሕ ኣይክንርከብን ኢና። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ነቲ “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ክንዝክር ኢና።—ምሳሌ 16:18
ፍቕሪ ሰላማዊ ርክብ ይፈጥር
11. (ሀ) ለዋህን እርምትን ዝዀነት ፍቕሪ ከነርኢ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧ (ለ) ብዓመጽ ከም ዘይንሕጐስ ብኸመይ ከነርኢ ምኸኣልና፧
11 ጳውሎስ: ፍቕሪ “ለዋህ እያ:” ከምኡውን “ኣይተስተሐፍርን” ብምባል እውን ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) እወ ዘይእሩም: ስነ-ስርዓት ዘይብሉ: ወይ ከኣ ኣኽብሮት ብዘይብሉ ኣገባብ ክንመላለስ ፍቕሪ ኣይተፍቅደልናን ኢያ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: ንናይ ካልኦት ሰባት ስምዒታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኢና። ንኣብነት: ሓደ ፈቃር ሰብ ንሕልና ካልኦት ዝርብሽ ነገራት ካብ ምግባር ይቝጠብ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 8:13 ኣረኣእዮ።) ፍቕሪ “ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን” ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:6) ሕጊ የሆዋ ነፍቅር እንተድኣ ዄንና ስነ-ምግባር ንዘይብሉ ጠባይ ዕሽሽ ኣይክንብሎን ኢና: ወይ ከኣ በቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ነገራት ኣይክንዘናጋዕን ኢና። (መዝሙር 119:97) ፍቕሪ: ኣብ ክንዲ እንከፋፈል በቲ ዝሃንጽ ነገራት ሓጐስ ክንረክብ ክትሕግዘና ኢያ።—ሮሜ 15:2፣ 1 ቈረንቶስ 10:23, 24፣ 14:26
12, 13. (ሀ) ሓደ ሰብ ምስ ዝብድለና ከመይ ዝበለ ምላሽ ኢና ክንህብ ዘሎና፧ (ለ) ግቡእ ቅንኢ እውን እንተዀነ ብዘይ ጥበብ ንኽንመላለስ ጠንቂ ክዀነና ከም ዝኽእል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ጥቐስ።
12 ጳውሎስ ፍቕሪ “ኣይትምረርን . . . እያ” (ብመሰረት ፊሊፕስ ከኣ “ኣይትተንክፉኒ በሃሊት ኣይኰነትን”) ኢሉ ይጽሕፍ። (1 ቈረንቶስ 13:5) ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ሓደ ሰብ ምስ ዝብድለና ክንኵሪ ወይ ከኣ ብመጠኑ እውን እንተዀነ ክንሓርቕ ባህርያዊ ኢዩ። ይኹን እምበር ንነዊሕ ግዜ ቂም ምሓዝ ወይ ከኣ መረረ ሒዝካ ምቕጻል ጌጋ ኢዩ። (መዝሙር 4:4፣ ኤፌሶን 4:26) ንኽንሓርቕ ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ: እንተድኣ ዘይተቘጻጺርናዮ: ጥበባዊ ዘይኰነ ነገር ንኽንገብር ከለዓዕለና ይኽእል ኢዩ: የሆዋ ድማ በዚ ነገር እዚ ክሓተና ኢዩ።—ዘፍጥረት 34:1-31፣ 49:5-7፣ ዘሁልቍ 12:3፣ 20:10-12፣ መዝሙር 106:32, 33
13 ገሊኣቶም ነቲ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብ ወይ ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምክፋል ኣብ ዝገብርዎ ውሳነ ክጸልዎም ኣፍቂዶምሉ ኢዮም። ቅድሚኡ ግን ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ምናልባት ነቲ ካብ ስድራቤቶም ዝመጾም ምጽራር: ካብ መሳርሕቶም ዝመጾም ላግጽን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ነገራት ክወርዶም ከሎ ብምጽማም ምእንቲ እታ እምነት ተጋዲሎም ኢዮም። ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ከም ናይ ንጽህና ፈተና ገይሮም ስለ እተመልከትዎ ተጸሚሞምዎ ኢዮም: ከምኡ ምግባሮም ከኣ ቅኑዕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ብጻይና ፍቕራዊ ዘይኰነ ነገር ምስ ዝዛረብ ወይ ምስ ዝገብር ከመይ ይኹን፧ እዚውን እንተዀነ ንንጽህና ዝፍትን ፈተናዶ ኣይኰነን፧ ብሓቂ ፈተና ኢዩ: ከመይሲ ኣብ ናይ ምምራር ኵነታት እንተድኣ ቀጺልና: ‘ንድያብሎስ ስፍራ ክንህቦ’ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 4:27
14, 15. (ሀ) ‘ንዝተበደልካዮ ምምዝጋብ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ይቕረ በሃልቲ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ክንመስሎ እንኽእል በየናይ መገዲ ኢና፧
14 ብብቑዕ ምኽንያት ጳውሎስ ወሲኹ ፍቕሪ “ኣይትቕየምን [“ንዝተበደለቶ ነገር ኣይትምዝግብን:” NW ] እያ” በለ። (1 ቈረንቶስ 13:5) ኣብዚ ጳውሎስ: ንእተበደልካዮ ነገር ምእንቲ ከይርሳዕ ኣብ ናይ ሕሳብ መዝገብ ናይ ምምዝጋብ ተግባር ንምግላጽ ኣብ ኣተሓሕዛ መዝገብ ዝውዕል ስያመ ኢዩ ተጠቒሙ ዘሎ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክንጠቕሶ ከም ዘድልየና ገይርና ብምሕሳብ: ነቲ ዝሃሲ ቓል ወይ ተግባር ካብ ኣእምሮና ከም ዘይሕከኽ ገይርና ክንምዝግቦስ ፍቕራዊ ድዩ፧ የሆዋ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምሕረት ዘይብሉ ኣገባብ ገይሩ ብደቂቕ ዘይምርምረና ብምዃኑ ክንደይ ክንሕጐስ ዘይግብኣና! (መዝሙር 130:3) እወ: ምስ እንናሳሕ ንጌጋታትና ይድምስሶ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20
15 በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ንየሆዋ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብ ዘናእሰና ዘሎ መሲሉ ምስ ዝረኣየና ኣይትተንክፉኒ በሃልቲ ክንከውን የብልናን። ብቐሊሉ ቂም ንሕዝ እንተድኣ ዄንና: እቲ ዝበደለና ሰብ ካብ ዝጐድኣና ንላዕሊ ገዛእ ርእስና ክንጐድእ ንኽእል ኢና። (መክብብ 7:9, 22) ኣብ ክንድኡ ግን ፍቕሪ “ኵሉ ትአምን” ምዃና ክንዝክር ይግብኣና። (1 ቈረንቶስ 13:7) ርግጽ ኢዩ: ሓደ እኳ ይኹን ካባና ብቐሊሉ ክታለል ዝደሊ የለን። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ኣሕዋትና ድራኸታት ብዘየድሊ ብዓይኒ ጥርጠራ ክንርእዮ እውን ኣይግብኣናን ኢዩ። ብእተኻእለ መጠን: ነፍሲ ወከፍና ኣብ ብጾትና ሕማቕ ድራኸ ከም ዘየሎ ገይርና እንሓስብ ይግበረና።—ቈሎሴ 3:13
ፍቕሪ ክንጽመም ትሕግዘና
16. ፍቕሪ ነዊሕ-ተጻዋርነት ንኸነርኢ ክትሕግዘና እትኽእል በየናይ መገዲ ኢያ፧
16 ጳውሎስ ቀጺሉ “ፍቕሪ ዓቃል እያ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 13:4) ንዘሐልል ኵነታት: ምናልባት ንንውሕ ዝበለ እዋን ክኸውን ይኽእል: ንኽንጻወሮ ተኽእለና። ንኣብነት ሓያሎ ክርስትያናት ንብዙሕ ዓመታት ኣብቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለ ኣባይቲ ኢዮም ዝነብሩ። ካልኦት ከኣ ብምርጭኦም ዘይኰነስ: “ብእግዚኣብሄር” ዝዀነ ዝሰማማዕ መርዓ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ጥራይ ንጽል ኰይኖም ዝነብሩ ኣለዉ። (1 ቈረንቶስ 7:39፣ 2 ቈረንቶስ 6:14) ካልኦት ዘማስን ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ከኣ ኣለዉ። (ገላትያ 4:13, 14፣ ፊልጲ 2:25-30) ብርግጽ: ኣብዚ ዘይፍጹም ኣገባብ እዚ: ሓደ እውን ይኹን ገለ ዓይነት ምጽማም ዘይሓትት ኵነታት ናብራ ዘለዎ ሰብ የለን።—ማቴዎስ 10:22፣ ያእቆብ 1:12
17. ኵሉ ንኽንጽመም እንታይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧
17 ጳውሎስ ፍቕሪ “ኵሉ ትጸውር . . . ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ” ምዃና የረጋግጸልና። (1 ቈረንቶስ 13:7) ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ: ምእንቲ ጽድቂ ኢልና ዝዀነ ይኹን ኵነታት ክንጽመም የኽእለና ኢዩ። (ማቴዎስ 16:24፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) ሰማእትነት ኣይንምነን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ዕላማና ሰላማውን ህዱእን ናብራ ንምንባር ኢዩ። (ሮሜ 12:18፣ 1 ተሰሎንቄ 4:11, 12) ይኹን ድኣ እምበር: ናይ እምነት ፈተናታት ክለዓል ከሎ: ነዚ ፈተናታት እዚ ክፍሊ ናይቲ ክርስትያን ወዲ መዝሙር ብምዃን ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ገይርና ብምርኣይ ብሓጐስ ኢና እንጽመሞ። (ሉቃስ 14:28-33) ክንጽመም ከሎና: ኣብቲ ፈታኒ ኵነታት እናሃለና ዝሓሸ ውጽኢት ክንረክብ ተስፋ ብምግባር: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ከነሕድር ንፍትን ኢና።
18. ኣብ ምቹእ ግዜ እውን ከይተረፈ ምጽማም ዘድሊ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ክንጽመም ዘሎና ጸበባ ክወርደና ኸሎ ጥራይ ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ምጽማም ክበሃል ከሎ ፈታኒ ኵነታት ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ ኣብቲ መገዲ ምጽናሕ ወይ ምቕጻል ማለት ኢዩ። ምጽማም ጽቡቕ መንፈሳዊ ልምዲ ዓቂብካ ምምልላስ እውን ዝሓትት ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ኣገልግሎት ምስ ኵነታትካ ተሰማሚዕካ ብምኻድ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ትገብርዶ ኢኻ፧ ቃል ኣምላኽ ተንብብን ተስተንትንን ዲኻ: ምስ ሰማያዊ ኣቦኻኸ ብጸሎት ትራኸብ ዲኻ፧ ስርዓታዊ ዄንካ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትእከብዶ: ምስ ኣመንቲ ብጾትካ ንሓድሕድካ ናይ ምትብባዕ ኣጋጣሚኸ ትጥቀመሉ ዲኻ፧ ከምዚ ትገብር እንተድኣ ዄንካ: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምቹእ ግዜ ሃሉ ወይ ኣብ ዘጨንቕ ግዜ ትጽመም ኢኻ ዘሎኻ። “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ” ኣይትሰልኪ።—ገላትያ 6:9
ፍቕሪ—እቲ “ዝበለጸ መገዲ”
19. ፍቕሪ “ዝበለጸ መገዲ” ክኸውን ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ፧
19 ጳውሎስ ነዚ መለኮታዊ ባህሪ እዚ “ዝበለጸ መገዲ” ኢሉ ብምጽዋዕ ፍቕሪ ናይ ምንጽብራቕ ኣድላይነት ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 12:31) በየናይ መገዲ ኢዩ “ዝበለጸ” ክኸውን ዝኽእል፧ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ነቲ ኣብ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ልሙድ ዝነበረ ውህበት መንፈስ ዘርዚሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ገሊኣቶም ክንበዩ ክኢሎም ኢዮም: ካልኦት ድማ ሕማም ከሕውዩ ሓይሊ ረኺቦም ኢዮም: ብዙሓት ካልኦት ከኣ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ክእለት ተዋሂብዎም ነበረ። ብሓቂ ዘገርም ውህበት ኢዩ ነይሩ! ይኹን እምበር ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ: ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ: ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከንቱ ምዀንኩ ነይረ።” (1 ቈረንቶስ 13:1, 2) እወ: እቲ ድራኸ ንኣምላኽን ንብጾትካን ብምፍቃር እተለዓዓለ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ጠቓሚ ተግባራት እውን እንተዀነ “ምዉት ግብሪ” ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—እብራውያን 6:1
20. ፍቕሪ ንምዅስኳስ ቀጻሊ ጻዕሪ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
20 የሱስ: ነታ መለኮታዊት ባህሪ ዝዀነት ፍቕሪ ስለምንታይ ክንኵስኵሳ ከም ዘሎና ዝገልጽ ካልእ ምኽንያት ይህበና። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) እታ “እንተ” እትብል ቃል: ፍቕሪ ምንጽብራቕ ንኽማሃር እቲ ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝገድፎ ምዃኑ ኢያ እተመልክት። ኣብ ወጻኢ ሃገር ምንባር ጥራይ ነቲ ኣብኡ ዝዝረብ ቋንቋ ከም እንፈልጥ ኣይገብረናን ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ምእካብ: ወይ ከኣ ምስ ኣመንቲ ክርስትያናት ምሕባር ንበይኑ ብቕጽበት ፍቕሪ ንምንጽብራቕ ክምህረና ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ “ቛንቋ” እዚ ምምሃር ቀጻሊ ጻዕሪ ምግባር ዝሓትት ኢዩ።
21, 22. (ሀ) ነቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ገለ መዳያት ናይ ፍቕሪ ዘይነማልኦ እንተድኣ ዄንና ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህብ ዘሎና፧ (ለ) “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” ክበሃል ዝከኣል በየናይ መገዲ ኢዩ፧
21 ሓድሓደ ግዜ: ንገለ መዳያት ናይታ ጳውሎስ ዝገለጻ ፍቕሪ ከይተማልእ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብትዕግስቲ ኣብ ተግባር ከተውዕሎ ጽዓር። መጽሓፍ ቅዱስ ምውካስን ንስርዓታቱ ድማ ኣብቲ ምስ ካልኦት እትገብሮ ርክብ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣይተቋርጽ። ነቲ የሆዋ ዝገደፈልና ኣብነት ፈጺምካ ኣይትረስዓዮ። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ብምባል መዓዶም።—ኤፌሶን 4:32
22 ልክዕ ከምቲ ብሓዲሽ ቋንቋ ሓሳባትካ ንምግላጽ እትማሃሮ ትምህርቲ በብቑሩብ እናቐለለካ ዝኸይድ: ድሕሪ ገለ ግዜ ፍቕሪ ምንጽብራቕ እውን ቀሊል ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ጳውሎስ “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” ብምባል የረጋግጸልና። (1 ቈረንቶስ 13:8) እቲ ተኣምራታዊ ውህበት መንፈስ ኣቋሪጹ ኢዩ: ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቋርጽን ኢያ። ስለዚ እምበኣር ነዛ መለኮታዊት ባህሪ እዚኣ ንምንጽብራቕ ብቐጻሊ ተማሃር። ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “ዝበለጸ መገዲ” ኢያ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ፍቕሪ ንትዕቢት ከነሰንፎ ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
◻ ፍቕሪ ኣብታ ጉባኤ ሰላም ንምስፋን ክትሕግዘና እትኽእል በየናይ መገድታት ኢያ፧
◻ ፍቕሪ ንኽንጽመም ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
◻ ፍቕሪ “ዝበለጸ መገዲ” እትኸውን ብኸመይ ኢያ፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ፍቕሪ: ነቲ ናይ ኣመንቲ ብጾትና ጌጋታት ሸለል ክንብሎ ትሕግዘና
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ምጽማም ማለት ቲኦክራሲያዊ ልማድና ምዕቃብ ማለት ኢዩ