የሆዋ: ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ
“ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ።”—መዝሙር 86:5
1. ንጉስ ዳዊት እንታይ ከቢድ ጾር ኢዩ ተሰኪሙ ዝነበረ: ነቲ እተሸገረ ልቡ መጸናንዒ ዝረኸበኸ ብኸመይ ኢዩ፧
ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ናይ ገበን ስምዒት ዘለዎ ሕልና ዘስዕቦ ጾር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ: ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ . . . ኣነ ሰንሰንኩ: እምብዛ ተቐጥቀጥኩ: ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ።” (መዝሙር 38:4, 8) ይኹን እምበር: ዳዊት ነቲ እተሸገረ ልቡ መጸናንዒ ዝኸውን ረኺቡ ኢዩ። የሆዋ ሓጢኣት ዝጸልእ እኳ እንተዀነ: እቲ ሰብ ብሓቂ ተናሲሑ ነቲ ሓጥእ መገዱ ድማ እንተድኣ ኣቋሪጹ ንሓጥእ ከም ዘይጸልእ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 32:5፣ 103:3) ዳዊት ኣብቲ የሆዋ ንእተናስሑ ሰባት ምሕረት ንምዝርጋሕ ዘለዎ ፍታው ምሉእ እምነት ብምግባር: ከምዚ በለ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ።”—መዝሙር 86:5
2, 3. (ሀ) ሓጢኣት ምስ እንፍጽም ከም ውጽኢቱ እንታይ ጾር ኢና ክንስከም እንኽእል: እዚ ጠቓሚ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብናይ ገበን ስምዒት ‘ምውሓጥ’ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧ (ሐ) የሆዋ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዝህበና፧
2 ንሕናውን ሓጢኣት ምስ እንፍጽም: ከም ውጽኢቱ እተሳቐየ ሕልና ዘስዕቦ ደቛሲ ዝዀነ ጾር ንስከም ንኸውን። ከምዚ ዝበለ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ባህርያዊ: አረ ጠቓሚ እውን ኢዩ። ጌጋታትና ንምእራም ኣወንታዊ ስጕምትታት ንኽንወስድ ከለዓዕለና ይኽእል ኢዩ። ገለ ክርስትያናት ግን: ብናይ ገበን ስምዒት ተዋሒጦም ኢዮም። ክሳዕ ክንደይ ከም እተናስሑ ብዘየገድስ: እቲ ዀናኒ ልቦም ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ከም ዘይብለሎም ብተደጋጋሚ ሕሽዅ ይብሎም ይኸውን። ሓንቲ ሓብቲ ቅድሚ ሕጂ ንዝፈጸመቶ በደል ብምዝካር: “የሆዋ ድሕሪ ደጊም ከፍቅረካ ኸም ዘይክእል ምስ እትሓስብ ኣዝዩ ሕማቕ ኢዩ ዝስምዓካ” ትብል። ምስ ተናስሐትን ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ደጋፊ ምኽሪ ምስ ተቐበለትን እውን ከይተረፈ: ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ክትረክብ ዘይትበቅዕ ከም ዝዀነት ብቐጻሊ ይስምዓ ነበረ። “ንየሆዋ ይቕረታ ከይሓተትኩላ ዝሓለፈት መዓልቲ ኣይነበረትን” ብምባል ትገልጽ። ብናይ ገበን ስምዒት እንተድኣ ‘ተዋሒጥና:’ ሰይጣን ኢድና ከም እንህብ: ንየሆዋ ከነገልግሎ ዘይንበቅዕ ኰይኑ ከም ዝስምዓና ክገብር ይፍትን ይኸውን።—2 ቈረንቶስ 2:5-7, 11
3 የሆዋ ግን ንነገራት ፈጺሙ ከምዚ ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ! ቃሉ ናይ ሓቂ ልባዊ ነስሐ ምስ እነርኢ: የሆዋ ንይቕረታ ፍቓደኛ: እወ ድሉው ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። (ምሳሌ 28:13) ስለዚ ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: ምናልባት እቲ ዘድሊ ነገር ስለምንታይን ብኸመይን ይቕረ ከም ዝብል ዝሓሸ ምርዳእ ምርካብ ኢዩ።
የሆዋ ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
4. የሆዋ ብዛዕባ ፍጥረትና እንታይ ኢዩ ዝዝክር: እዚኸ ነቲ ዝገብረልና ኣተሓሕዛ ብኸመይ ይትንክፎ፧
4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ” ዝብል ነንብብ። የሆዋ ምሕረት ንምርኣይ ዝለዓዓል ስለምንታይ ኢዩ፧ ቀጺላ ዘላ ጥቕሲ ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:12-14) እወ: የሆዋ ካብ ዘይፍጽምና ዝመጸ ጕድለታት ወይ ድኻማት ስለ ዘሎና ሓመድ ምዃንና ይዝክር ኢዩ። እታ “ፍጥረትና” ይፈልጥ ኢዩ እትብል መግለጺት: መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ሰራሕ መሬት ንዓና ድማ ምስቲ ንሱ ዝሰርሖ ኣቑሑ ከም ዘመሳስለና ኢያ እተዘኻኽረና።a (ኤርምያስ 18:2-6) ሓደ ሰራሕ መሬት ባህርያቱ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝርዳእ: ነቲ ኣቕሑ መሬት ኣደልዲሉ ግናኸ ብጥንቃቐ ኢዩ ዝሕዞ። ስለዚ: እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ዝዀነ የሆዋ እውን: ነቲ ምግዱር ኵነታት ናይቲ ሓጥእ ባህርና ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ምሳና ዘለዎ ምምልላስ ከም ኵነታቱ የተዓራርዮ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 4:7 ኣረኣእዮ።
5. መጽሓፍ ሮሜ ነቲ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ድኹም ስጋና ዘለዎ ጽኑዕ ማእሰር ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
5 የሆዋ ሓጢኣት ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ይርዳእ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት: ሓጢኣት ንሰብ ብሞት ኣጽኒዑ ኣሲርዎ ዘሎ ብርቱዕ ሓይሊ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። ናይ ሓጢኣት ጽኑዕ ማእሰር ሓይሉ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ አብ መጽሓፍ ሮሜ ክርዳእ ብዝኽእል ንጹር ኣገባብ ገይሩ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- ከምቲ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ኣዛዚኦም ዝዀኑ ኣብ “ትሕቲ ሓጢኣት” ኢና ዘሎና (ሮሜ 3:9)፣ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ልክዕ ከም ንጉስ ኰይኑ ‘ይገዝእ’ ኣሎ (ሮሜ 5:21)፣ ‘ኣባና ሓዲሩ’ ኣሎ (ሮሜ 7:17, 20)፣ ‘ሕጉ’ ኣብ ውሽጥና ቀጻሊ ኢዩ ዝዓዪ ዘሎ: ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ንኣንፈት ምምልላስና ክቈጻጸሮ ይፍትን። (ሮሜ 7:23, 25) ነቲ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጥእ ስጋና ዘለዎ ጽኑዕ ማእሰር ንምቅዋሙ ከመይ ዝበለ ኣሸጋሪ ቃልሲ ኰን ኢዩ ዘሎና!—ሮሜ 7:21, 24
6. የሆዋ ነቶም ልባዊ ጣዕሳ ብምርኣይ ምሕረቱ ዝደልዩ ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧
6 ስለዚ: እቲ ምሕረት ዝመልኦ ኣምላኽና ኣልባብና ንዕኡ ክህቦ ዝደሊ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ፍጹም ተኣዛዝነት ከነርኢ ከም ዘይንኽእል ይፈልጥ ኢዩ። (1 ነገስት 8:46) ልባዊ ጣዕሳ ብምርኣይ ኣባታዊ ምሕረቱ ምስ እንደሊ ይቕረ ከም ዝብለልና ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ የረጋግጸልና ኢዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።” (መዝሙር 51:17) የሆዋ ነቲ ብናይ ገበን ስምዒት እተደቝሰ ልቢ ፈጺሙ ኣይነጽጎን: ወይ ገጽ ኣይከልኦን ኢዩ። እዝስ ነቲ የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ድሉውነት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጾ!
7. ንምሕረት ኣምላኽ ብኸምኡ ክንብለጸሉ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
7 እዚ ግን ነቲ ሓጥእ ኵነታትና: ሓጢኣት ንምፍጻም መመኽነይታ ብምግባር ንምሕረት ኣምላኽ ብኸምኡ ክንብለጸሉ ንኽእል ኢና ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! የሆዋ ብስምዒት ጥራይ ዝምራሕ ኣይኰነን። ምሕረቱ ደረት ኣለዎ። ነቶም ናይ ነስሓ መንፈስ ከየርኣዩ ተሪር ልቢ ብምሓዝ ተንኰል ዘለዎን ደይ መደይ ኢልካ ዝግበር ሓጢኣትን ዝፍጽሙ ሰባት ፈጺሙ ይቕረ ኣይብለሎምን ኢዩ። (እብራውያን 10:26-31) ብኻልእ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ድማ: ‘ስቡርን ቅጠጥቁጥን ልቢ’ ምስ ዝርኢ ‘ንይቕረታ ድሉው’ ኢዩ። (ምሳሌ 17:3) ንገለ ካብቲ መለኮታዊ ይቕረታ ምሉእ ምዃኑ ንምብራህ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘውቲሩ ዘሎ መግለጺታት ንርአ።
የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ዝብል ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧
8. የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብል ከሎ ብሓቂ እንታይ ኢዩ ዝገብር: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧
8 እቲ እተናስሐ ንጉስ ዳዊት ከምዚ በለ:- “ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ: በደለይውን ኣይሰወርኩን: ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ: በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።” (መዝሙር 32:5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ “ይቕረ” እትብል መግለጺት ብመሰረቱ “ምልዓል:” “ምጻር: ምስካም” ንእትብል ናይ እብራይስጢ ቃል እትትርጕም ኢያ። ኣብዚ ዝህልዋ ኣወዓዕላ ድማ ‘ናይ ገበን ስምዒትን ሓጢኣትን በደልን ምርሓቕ’ ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ የሆዋ ንሓጢኣት ዳዊት ብምሳልያዊ መገዲ ኣልዒሉ ኣርሒቕዎ ማለት ኢዩ። (ምስ ዘሌዋውያን 16:20-22 ኣረኣእዮ።) እዚ ነቲ ኣብ ዳዊት ዝነበረ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዘቃለሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ምስ መዝሙር 32:3 ኣረኣእዮ።) ንሕናውን ንሓጢኣት ናይቶም ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምግባር ይቕረታኡ ንዝደልዩ ሰባት ይቕረ ዝብል ኣምላኽ ምሉእ እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ምስ ኢሳይያስ 53:12 ኣረኣእዮ።) እቶም የሆዋ ንሓጢኣቶም ኣልዒሉ ዘርሓቖ ሰባት: በቲ ቐደም ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ቀጻሊ ናይ ገበን ስምዒት ጾር ምስካም ኣየድልዮምን ኢዩ።
9. እተን “ዕዳና ሕደገልና” ዝብላ ቃላት የሱስ ትርጕመን እንታይ ኢዩ፧
9 የሆዋ ብኸመይ ይቕረ ከም ዝብል ንምግላጽ የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ኣለቃሕትን ሰብ ዕዳን ዘሎ ርክብ ተጠቕመሉ። ንኣብነት: የሱስ “በደልና [“ዕዳና:” NW ] ሕደገልና” ኢልና ክንጽሊ ምዒዱና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:12) ስለዚ የሱስ ‘ንሓጢኣት’ ምስ ‘ዕዳ’ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ሉቃስ 11:4) ሓጢኣት ክንፍጽም ከሎና ናይ የሆዋ “ሰብ ዕዳ” ንኸውን። እታ “ሕደገልና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ግሲ: “ንሓደ ዕዳ ክምለስ ከይሓተትካ ምግዳፉ: ምቍራጹ” ተባሂላ እውን ክትርጐም ትኽእል ኢያ። እዚ ድማ: የሆዋ ይቕረ ክብል ከሎ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ኽንከፍሎ ዝነበረና ዕዳ ይሓኮ ማለት ኢዩ። እተናስሑ ሓጢኣተኛታት እምበኣር ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። የሆዋ እቲ ዝሓኸኾ ዕዳ እንደገና ክኽፈሎ ፈጺሙ ኣይሓትትን ኢዩ!—መዝሙር 32:1, 2፣ ምስ ማቴዎስ 18:23-35 ኣረኣእዮ።
10, 11. (ሀ) እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 እትርከብ “ኺድምስሰልኩም” እትብል ቃል እትገልጾ ሓሳብ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዚ: ናይ የሆዋ ይቕረታ ምሉእ ምዃኑ ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
10 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ንምግላጽ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20text adjusted ካልእ ንጹር ዝዀነ ኣገባብ ኣዘራርባ ይጥቀም:- “እምብኣርስኸ: ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም: . . . ተነስሑን ተመለሱን።” እታ “ኺድምስሰልኩም” እትብል ቃል: ውስጠዘኣዊ ብዝዀነ ኣገባብ ኣዘራርባ ክትዝውተር ከላ “ምጽራግ: ምጥፋእ: ምስራዝ: ወይ ምዕናው” ዝብል ትርጕም ከተመሓላልፍ እትኽእል ናይ ግሪኽ ግሲ ኢያ። ሓድሓደ ምሁራት ከም ዝበልዎ: እቲ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ንጽሕፈት ኢድ ምድምሳስ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝከኣል፧ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝዝውተር ዝነበረ ቀለም ብካርቦን: ዕንዲዳ: ከምኡውን ብማይ ተቓሚሙ ኢዩ ዝስራሕ ነይሩ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዝዓይነቱ ቀለም ገይሩ ድሕሪ ምጽሓፉ ጥሉል ሰፍነግ ወሲዱ ነቲ ጽሕፈት ይድምስሶ።
11 እዚ ናይ የሆዋ ይቕረታ ምሉእ ምዃኑ ዘብርህ ጽቡቕ መግለጺ ኢዩ። ንሓጢኣትና ይቕረ ክብል ከሎ: ልክዕ ሰፍነግ ወሲዱ ከም ዝደምሰሶ ኢዩ። ንኸምዚ ዝበለ ሓጢኣት ነኺሱ ብምሓዝ ኣብ መጻኢ ክዝክሮ ኢዩ ኢልና ክንፈርህ ኣየድልየናን ኢዩ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕረት የሆዋ ዝምልከት ብሓቂ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ኢዩ ዝገልጽ:- ይቕረ እንተድኣ ኢሉ: ረሲዕዎ ማለት ኢዩ!
‘ሓጢኣቶም ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ’
12. መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ንሓጢኣትና ኣይዝክሮን ኢዩ ክብል ከሎ: ክዝክሮ ክእለት የብሉን ማለት ድዩ: ስለምንታይ ኢኻ ከምኡ ኢልካ እትምልስ፧
12 የሆዋ ነቶም ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ኣመልኪቱ ብነብዪ ኤርምያስ ከምዚ ብምባል ተመባጽዐ:- “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ።” (ኤርምያስ 31:34) እዚ ግን የሆዋ ይቕረ ክብል ከሎ ድሕሪኡ ነቲ ሓጢኣት ክዝክሮ ኣይክእልን ማለት ድዩ፧ እዚ ፈጺሙ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓዊስካ: ሓጢኣት ናይቶም የሆዋ ይቕረ ዝበለሎም ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ይነግረና ኢዩ። (2 ሳሙኤል 11:1-17፣ 12:1-13) የሆዋ ነቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ገና ከም ዘይርስዖ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ንሕና እውን ኣይንርስዖን ኢና። እቲ ናይ ሓጢኣቶም: ከምኡውን ናይቲ ዘርኣይዎ ነስሓን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ይቕረታን መዝገብ ንጥቕምና ተባሂሉ ተዓቂቡ ኣሎ። (ሮሜ 15:4) መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ንሓጢኣት ናይቶም ይቕረ ዝበለሎም ሰባት ‘ኣይዝክሮን’ ኢዩ ክብል ከሎ ድኣ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧
13. (ሀ) እታ ‘ክዝክሮ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ እንታይ ዘጠቓለለት ኢያ፧ (ለ) የሆዋ ‘ሓጢኣቶም ድሕርዚ ኣይክዝክርን ኢየ’ ክብል ከሎ: ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘረጋግጸልና ዘሎ፧
13 እታ ‘ክዝክሮ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ ንዝሓለፈ ነገር ካብ ምዝካር ንላዕሊ ኢያ እተመልክት። ብመሰረት ቲኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት (እንግሊዝኛ) “ግቡእ ስጕምቲ ምውሳድ ዘመልክት ተወሳኺ ትርጕም” ተጠቓልል ኢያ። በዚ መዳይ እዚ ክርአ ኸሎ እምበኣር: ንሓጢኣት ‘ምዝካር’ ኣንጻር እቲ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ስጕምቲ ምውሳድ ዘጠቓልል ኢዩ። ነብዪ ሆሴእ ነቶም ደረቐኛታት ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣመልኪቱ “ንሱ [የሆዋ] ኣበሳኦም ይዝክር” ብምባል ክዛረብ ከሎ: ብዘይምንስሖም የሆዋ ኣንጻሮም ስጕምቲ ኽወስድ ኢዩ ማለቱ ነበረ። ስለዚ ድማ ኢያ እታ ዝተረፈት ክፍሊ ናይታ ጥቕሲ “ሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ” ብምባል እትቕጽል። (ሆሴእ 9:9) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: የሆዋ ‘ሓጢኣቶም ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ’ ክብል ከሎ: ንሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ ሓንሳእ ይቕረታ እንተድኣ ገይርሉ: ኣብ መጻኢ ነቲ ሓጢኣት ዘኪሩ ስጕምቲ ከም ዘይወስደሉ ኢዩ ዘረጋግጸልና ዘሎ። (ህዝቅኤል 18:21, 22) ስለዚ ጸጸኒሑ ምእንቲ ክወቕሰና ወይ ክቐጽዓና ኢሉ ንሓጢኣትና ብተደጋጋሚ ከም ዘይለዓል ብምግባር ይርስዖ ማለት ኢዩ። የሆዋ ከምዚ ብምግባሩ ድማ ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ ክንቐድሖ እንኽእል ብሉጽ ኣብነት ይሰርዓልና። ዘይምቅዳው ክለዓል ከሎ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ይቕረ ክትብል እተሰማማዕካሉ በደላት ዘይምዝካሩ ዝበለጸ ኢዩ።
ብዛዕባ ሳዕቤናቱኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
14. ይቕረታ ክበሃል ከሎ ሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ዝፈጸሞ በደል ናጻ ኢዩ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 የሆዋ ንይቕረታ ድሉው ምዃኑ: ንሓደ እተናስሐ ሓጢኣተኛ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ዝፈጸሞ በደል ናጻ ይገብሮ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ፈጺምና ከነብቅዕ ሳዕቤኑ ከየጋጠመና ክንተርፍ ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ።” (ገላትያ 6:7) ናይ ተግባርና ወይ ናይ ግድላትና እተወሰነ ሳዕቤናት ንጋጠም ንኸውን: የሆዋ ይቕረ ምስ በለልና ግን: ሕማቕ ነገር ከም ዝወርደና ኣይገብርን ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ሽግራት ከጋጥሞ ኸሎ ‘ምናልባት የሆዋ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምክዎ ሓጢኣት ይቐጽዓኒ ኣሎ’ ዝብል ስምዒት ከሕድር የብሉን። (ምስ ያእቆብ 1:13 ኣረኣእዮ።) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: የሆዋ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ዝፈጸምናዮ ግጉይ ተግባራት ኣየናግፈናን ኢዩ። ፍትሕ: ዘይተደልየ ጥንሲ: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም: ናይ ካልኦት ትውክልቲ ወይ ክብሪ ምስኣን—ኵሉ እዚ ዘሕዝን ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: የሆዋ ድማ ካብዚ ኣየጽልለናን ኢዩ። የሆዋ ነቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ይቕረታ ገይርሉ እኳ እንተ ነበረ: ካብቲ ቐጺሉ ዝወረዶ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ከም ዘይተኸላኸለሉ ግን ዘክር።—2 ሳሙኤል 12:9-14
15, 16. እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 6:1-7 ተመዝጊቡ ዘሎ ሕጊ ንተበዳልን ንበዳልን ጠቓሚ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልእ ሳዕቤናት እውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 6 ዘሎ ጸብጻብ ርአ። ሕጊ ሙሴ ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘሎ ነገር: ሓደ ሰብ ናይ እስራኤላዊ ብጻዩ ንብረት: ብስርቂ: ብምዝራፍ: ወይ ብምትላል ናይ ምውሳድ ከቢድ ገበን ንዝፍጽመሉ ኵነታት ዘመልክት ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ሓጥኣተኛ ብሓሶት ክሳዕ ምምሓል እውን ከይተረፈ ድፍረት ብምርኣይ: ገበነኛ ምዃኑ ይኽሕድ። እዚ ካብ ክልቲኦም ወገን ምስክር ዘይብሉ ኵነታት ኢዩ። ጸኒሑ ግን: እቲ በደለኛ ሕልንኡ ይወቕሶ እሞ ሓጢኣቱ ይናሳሕ። ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ንምርካብ: ሰለስተ ተወሳኺ ነገራት ክገብር ኣለዎ:- ነቲ ዝወሰዶ ንብረት ምምላስ: ነቲ ዝሰረቖ ሰብ 20 ሚእታዊት መቕጻዕቲ ምኽፋል: ንመስዋእቲ በደል ዝኸውን ድማ ሓደ ድዑል ምቕራብ። ድሕርዚ እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ: . . . ኪሕደገሉ [ድማ] እዩ።”—ዘሌዋውያን 6:1-7፣ ምስ ማቴዎስ 5:23, 24 ኣረኣእዮ።
16 እዚ ሕጊ እዚ ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ኢዩ ነይሩ። እዚ ነቲ ንብረቱ ምስ ተመልሰሉን እቲ በደለኛ ኣብ መወዳእታ ሓጢኣቱ ምስ ተኣመነን ብዘይ ጥርጥር ብዙሕ ዕረፍቲ ዝስምዖ ተበዳሊ ድማ ዝጠቅም ኢዩ። ምስናይዚ ድማ: እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ መወዳእታ ገበኑ ንኽእመንን ጌጋኡ ኽእርምን ሕልንኡ ዝደፋፍኦ ሰብ እውን ዝጠቅም ኢዩ። ብርግጽ: ከምኡ ምግባር እንተ ዝኣቢ: ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ኣይምረኸበን ነይሩ።
17. ካልኦት ሰባት ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምስ ዝጕድኡ: የሆዋ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝጽበየና፧
17 ኣብ ትሕቲኡ እኳ እንተ ዘይኰንና: ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣብ ይቕረታ ዘለዎ ኣረኣእያ እውን ሓዊስካ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ዓሚቝ ምርዳእ ኢዩ ዝህበና። (ቈሎሴ 2:13, 14) ካልኦት ሰባት ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምስ ዝጕድኡ ወይ ግዳይ ምስ ዝዀኑ: ‘ነቲ ጌጋ ንምእራም’ ዝከኣለና ክንገብር ከሎና የሆዋ ይሕጐስ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:11 NW ) እዚ ንሓጢኣትና ኣፍልጦ ምሃብ: በደልና ምእማን: ነቲ ዝጐዳእናዮ ሰብ ይቕረታ ምሕታት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ኢዩ። ድሕርዚ ንመስዋእቲ የሱስ ምርኵስ ብምግባር ንየሆዋ ክንልምኖ ንኽእል: ነቲ ኻብ ጽሩይ ሕልናን ኣምላኽ ይቕረ ከም ዝበለልና ካብ ምርግጋጽን ዝርከብ ዕረፍቲ ድማ ነስተማቕር።—እብራውያን 10:21, 22
18. ምስቲ ናይ የሆዋ ይቕረታ ተተሓሒዙ ከመይ ዝበለ ተግሳጽ ክመጽእ ይኽእል፧
18 የሆዋ ልክዕ ከም ዝዀነ ይኹን ፈቃር ወላዲ: እተወሰነ ተግሳጽ ብምሃብ ይቕረ ክብል ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 3:11, 12) ሓደ እተናስሐ ክርስትያን ካብቲ ኸም ሽማገለ: ኣገልጋሊ ጉባኤ: ወይ ከም ፓይነር መጠን ዝነበሮ ናይ ምግልጋል መሰል የቋርጽ ይኸውን። ንእተወሰነ ግዜ ንዕኡ ኣዝዮም ክቡራት ዝነበሩ መሰላት ምጥፍኡ ከሳቕዮ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ ስምረት የሆዋ ስኢኑ ወይ የሆዋ ይቕረ ምባል ኣብይዎ ማለት ኣይኰነን። ብተወሳኺ: ካብ የሆዋ ዝመጽእ ተግሳጽ ናይቲ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ መረጋገጺ ኢዩ። ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ዝበለጸ ረብሓ ከምጽኣልና: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ።—እብራውያን 12:5-11
19, 20. (ሀ) ጌጋታት እንተድኣ ፈጺምካ: ካብ ምሕረት የሆዋ ርሑቕ ከም ዝዀንካ ክስምዓካ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ዝግለጽ እንታይ ኢዩ፧
19 ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ ከም እነገልግል ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዝህብ ኰን ኢዩ! የሆዋ ካብ ሓጢኣትናን ጌጋታትናን ንላዕሊ ኢዩ ዝርኢ። (መዝሙር 130:3, 4) ኣብ ልብና ዘሎ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ብምኽንያት ቅድሚ ሕጂ እተፈጸመ ጌጋታት ልብኻ ከም እተሃስየን እተደቝሰን ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: ካብ ምሕረት የሆዋ ርሑቕ ከም ዝዀንካ ኣይትደምድም። ዝፈጸምካዮ ጌጋታት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ነቲ ጌጋ ንምእራም ስጕምቲ ብምውሳድን ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ምርኵስ ገይርካ ናይ የሆዋ ይቕረታ ንምርካብ ካብ ልቢ ብምጽላይን ብሓቂ እንተድኣ ተናሲሕካ: እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 1:9 ዝርከብ ቃላት ኣባኻ ተፈጻምነት ከም ዘለዎ ምሉእ እምንቶ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ:- “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና: ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና: ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።”
20 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ንሓድሕድና ዘሎና ርክብ ንየሆዋ ክንመስሎ የተባብዓና ኢዩ። ይኹን እምበር: ካልኦት ምስ ዝብድሉና ይቕረ ክንብልን ክንርስዖን ትጽቢት ክግበረልና ዝከኣል ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ እዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክግለጽ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ዘገርም: እታ “ፍጥረትና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል: ብዛዕባ እቲ ብሓደ ሰራሕ መሬት ዝዳሎ ኣቕሑ መሬት ክለዓል ከሎ ኢያ እትዝውተር።—ኢሳይያስ 29:16
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ የሆዋ ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ ይቕረታ ምሉእ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
◻ የሆዋ ይቕረ ክብል ከሎ ይርስዕ ኢዩ ዝበሃል በየናይ መገዲ ኢዩ፧
◻ ካልኦት ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምስ ዝጕድኡ የሆዋ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝጽበየና፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ካልኦት ሰባት ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ምስ ዝጕድኡ: የሆዋ ጌጋና ክንእርም ትጽቢት ይገብረልና ኢዩ